Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምስ ሕቶታት ተሳተፍቲ። – 2ይ ክፋል።

ምስ ሕቶታት ተሳተፍቲ።         2ይ ክፋል።                     28-08-13። ነዚ ሓድሽ ኲናት ሓደ‘ዃ ክመጽእ ኢዩ ኢሉ ዝተጸበዮ ኣይነበረን። ህግደፍ ድማ ንኲናት ዝከውን ቅንጣብ ምድላው ኣይ ገበረትን። ኲናት ኲናት ጥራይ ኢዩ። እሞ እዚ ሓድሽ ኲናት ንምንታይ ብኸመይ መጺኡ? ዝምልስ የለ

ምስ ሕቶታት ተሳተፍቲ።         2ይ ክፋል።                     28-08-13።

ነዚ ሓድሽ ኲናት ሓደ‘ዃ ክመጽእ ኢዩ ኢሉ ዝተጸበዮ ኣይነበረን። ህግደፍ ድማ ንኲናት ዝከውን ቅንጣብ ምድላው ኣይ ገበረትን። ኲናት ኲናት ጥራይ ኢዩ። እሞ እዚ ሓድሽ ኲናት ንምንታይ ብኸመይ መጺኡ? ዝምልስ የለ መገላበጢ ግዜ የ ለ። ጥርቅም ጥራይ! ሓንቲ ሒዝካ ጭፍራ ወያነ፡ ኣመሪካ…….። ልቢ ክቡር ፕረሲደንት ሓዳስ ሃገረ-ኤርትራ!!!!!!!!!!

ክብል ክብል እቲ ድጉል ሽርሕታት ዝጋለጸሉ እዋን ተበጽሐ። ዜና ድማ ተቓልሐ። “ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ንከተማ ባረን ቱን ከባቢኣን ገዲፍዋ“። ቃል ንቃሉ ዳግማይ ዝተሰምዐ ናይቲ ግዜ ሓያል ዝመቓልሑ ወተሃደራዊ መርድእ ነበረ።

ወናኒ ጥርሑ ገረወይና ክቡር መራሒና ድማ ብትሕዝቶ ንስዑር ኲናት ኣዊጁ ክንሱ ብላዕሊ ላዕሉ ከምስል ከምሕሱም ክ ጀሃር ከምዘይተሰምዐ ኣብ ናይ ቀጻሊ ሓድሽ መደባቱ ብምጽማዱ ገይሩ ከምዘይገበረ ሽዓስ ኣዘመ ድኣ!!  መሪሕነት መን ግስቲ ኢቲዮጲያ ኣብዚ ኲናት‘ዚ እንታይ ዝኣመሰለ ኣስተዋጽኦ ዓለማዊ ዲፕሎማሲ ከምዝነበሮም ብርግጽ ንምዝራብ ዘ ጸግም‘ዃ እንተኾነ ፡ ወዮ ናህና ግን ብጥበብ ስልሕልሖት ዓሰቦም ከዕትሮም ወጢኑስ ከምታ ናይ 1978 ናብታ ዝናፍቓ በረኻ ሳሕል ክድቕደቕ ኣቑሑቱ ጠራነፉ ተባሂሉ ተሓመየ። ብግብሪ ድማ እቲ ሰብ ዘዛረበ ብጸሊም ዓርኮብኮባይ ዝተሰር ሐ ግምባር ምዕራብ ‘ምንሳሓብ‘ ተመኽንይሉ ጥይት ከይተደምጾ ኣንሳሓበ። ብተመሳሳሊ ምኽንያት እንኮላይ ዓሰብ ክት ግደፍ ተወጠነ።

ኣንቱም ሰባት! ሽዑ‘ሞ ዘይከኣል ኮነ። “እምቢ ንምንስሓብ!“  ከኣ በለ ህዝባዊ ሰራዊት ግምባር ዓሰብ ኮነ ብጠቕላላ ምስ ቆራጻት ኣዘዝቱ። ዝወረዶም ደለይቲ ለውጢ መሪሕነት ድማ ሽዑ‘ሞ ኣብውሽጦም ብዝተጸፍየ እኪት ዝተፈጥረ ስዕረት ክሸፋፍኑ ኣይደለዩን። ደድሕሪ ኢሳይያስ ንሳሕል ከይተቛመቱ ክሳብ ክንዲ ዝከኣሎም ብዘለዎም ጥበብ፡ ማለት እንተ ዕስ ራን ሓሙሽተን ኪ.ሜ. ኣትሒዞም እንተ እንድዒ ካልእ‘ውን ተጣቢቦም፡ ክሳብ “ ተጠላቒና…ተጠላቒና“…. ተባሂሉ እናተባ ጨወሎም ንግዚኡስ መዓትና ድኣ ኣቑረሩልና።

ሽዑስ ክቡር ፕረሲደንትና ድማ ናብ መስኮት ተሌቪዠን ተቐልቀለ። ከይሓፈረ ከይሓነኸ ተዓዊትሉ ነቶም ሰብ ውዕሎ ደ ቂ-ኤርትራ ብዛዕባ ዝወዓልዎ ኲናትን ዓወቶምን ክገልጸሎም ተራእየ። እናሓንሳብ ድማ ባህሩ ንዕዑ‘ውን ይጻብኦ እንድዩ፡ ነታ ንወዲ ሸውዓተ ዓመት ከይተረፈ ፍረ-ነብሱ ክትቆርጾ ከምትኽእል፡ ስለዚ ኩሉ ንሳሕሉ ክምርቀፍ ክዳሎ ዘመሓላለፎ ግሁድ መጸዋዕታረሲዑ ወያነ ኣስመራ አትያ መንግስቲ ክትግልብጥ መደብ ከምዘይነበራ ኣበሰረና።ስለምናታይመስለኩም?

ኦይ! እንታይ‘ሞ ክበሃል‘ዚ ብዘይካ ውጹእ ክሕደት። ንሱ መቸም ነገር ወወሊዑ ዝሽረብ ጥበበኛ እንድዩ፡ ድሕሪ‘ዚ ኩሉ ብደምን ርሃጽን ዝተረኽበ ድሕነት ንሰራዊትን ሰብውዕሎ መራሕትን ከመጕስ ምተገብአ። እንተኾነ ከምኣ ኣይመባልዕቱን ኮይናስ ጭራሽ ነብሱ መተካእታ ፈጣሪ ብምቑጻሩ፡ “ሳላ‘ዚ ኩሉ ዝከኣሎ ኩላዊ ፈጣሪና እነና፡ ንዘልኣለም ድማ ይምበረ ልና“… እንተዘይኮይኑ “ሳላ ሰራዊትናን ሰበ-ስልጣናትናን (መራሕቲ ኲናት ይኹኑ ዲፕሎማሰኛታትና) ብዓቢኡ ድማ ሳላ ‘ቲ ሙዑት ሓፋሽና ተዓዊትና“ ኢሉ ቃል እምነት ወጺኣቶ ኣይትፈልጥን። ንዓወታትና ዲል መታን ከይህብ ክብል‘ዩ እም በኣር ተጠሊዑ ወያነ ኣስመራ ናይ ምእታው መደብ ከምዘይነበራ ኣምሲሉ ዘቃለሎ። ከምኡ እንተዘይነይሩ‘ሞ ግድን እቲ ኩሉ ሽዑ ዝተወልዐ ናይ ህልቂት ኲናት‘ውን ውሽጠ-ዘ ዘማልአ ድራማ ነይሩ ክኸውን ነይርዎ።

ዝኾነ ኮይኑ ነገር ብኡ ዝውዳእ ኣይነበረን። ሓባል በልያ…..ከምዝበሃል እናሓንሳብ ኣይተሳዓርናን፡ ክበሃል ይጸንሕ‘ሞ መ ድሎ እንክሳኣኖ ከኣ ብሰንኪ‘ቶም ዘርባዕባዕ በሃልቲ፡ ተሳዓርትን መሳርሒ ወያነ ኮነ ካልኦትን ከምተሳዓርና ክምድር እንከ ሎ ኩሉ መግዛእታዊ ሜላታት ከም ክፍኣት፡ ሓሶት፡ ጥልመትን ስዕረትን ምሒር ኣምሒርሉ ነበረ። እንሆ ድማ መወዳእ ታኡ ሃገርና ከም ጀማሪት ኲናት ተፈሪዳትልና ከይኣክል ዕስራን ሓሙሽተን ኪ.ሜ. የለ ባድመ። ዕድመ እንተረኺቡ ድማ ከምታ ናይ ባድመ ብዓሰብ ኣሳቢቡ ክእርብደኩም ኢዩ‘ሞ መንእሰያት ተዳሊኹም ጽንሑ ወይ ማዕዳን ምሕጽንታን ቢተ ወደድ ጠንጢንኩም ንዓሰብ ኣረክቡዋ!

ዝኾነ ኮይኑ በቲ ግዜ‘ቲ ዝተባህለ እንተተባህለ፡ ዝተጠበበ እንተተጠበበ ተጋዳላይ ንህዝባውነት ተረጊጹ ድኣ ተማጎተላ። ዝሓስቦን ዝትምነዮን ዘበለ ከኣ በቢዝጠዓሞ ህዝባዊ ጻውቱ ዳሕድሖ። ብዛዕባ‘ዚ ማእለያ ዘይብሉ ሰነዳት ክቐርብ ይኽእ ል። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ሽዑ‘ዩ‘ውን ጻውዒት ጂ 13 ዝቐረበ። ጸኒሑ ድማ ናይ ጂ 15 ኣርከበ:፡ ቢተው ክጠፍእ እንከሎ ዘየ ድመጹ መሳኪን መራሕቲ ሽዑ‘ሞ መላሲ ዝነበሮም ኣይመሰሉን። ኢሳይያስ ከኣ ካብቶም ከምእኒ ጀነራል ዑቕበ ኣብራሃ፡ ዝኣመሰሉ ናይ ‘ኣክበና‘ ጽሑፍ ክበጽሖ ምስ ጀመረ ብኣስማቱ ከምታ ቐደሙ ኣኹሪጡ ኣብ ፍጹም ፖለቲካዊ ተነጽሎ ተ ደርገመ። በቶም ብውልቂ ገጽንገጽ ተሪር መኸተ ዝፈነዉሉ‘ሞ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ጸሊም ደበና ጥፍኣት ኣንጠጠዩ ረበሾ።

በታ ሮቡዕ መዓልቲ ጸሓይ ካብ ንቡር ቦታኣ ወሪዳ እናመሰለት ክቱር ተቖለና። ኣነ ድማ ሽዑ ነበረ ምስ ሓደ ካብቶም ጂ. ዝተራኸብኩ። ርግጽ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ መደብ ስለዘይነበርና ብዙሕ ዘይደመቐ ናይ ስራሕ ርክብ ኢዩ ዝነበረና። ክንደየ ናይ ቅዉምነገር ከይነብረኒ፡ ግናስ ካብዘይንራኸብ ነዊሕ‘ዃ እንተዘይገበርና በቲ ፈታኒ ኩነት ገለ ክብሎ ከምዝኽእል ተረ ዲእዎ ተተሓሒዝና ኣብቲ መዘናግዒ ኣተና። ገጹ ጸምልዩ ከናፍሩ ቀምሲሉ ብዘይካማይ ካልእ ዝኾነ ዝልከፍ ክለክፍ ፍቓ ደኛ ኣይነበረን። ኣነ‘ውን ስፕራይተይ ዓቲረ፡ እቶም ከምደለይቲ ለውጢ ዝቑጸሩ መራሕቲ እንታይ ይሓስቡ ነይሮም ክር ዳእ፡ ንሱ ድማ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኮነ ተጋዳላይ እንታይ ይባሃል ነይሩ ክንፈልጥ ደለና።

መቸም በቲ ሓደስ ‘ፖለቲካ ብጻይ የብሉን‘ ዝብል ናይ በይነይ እምነት ከኣ ይዕብልለኒ ነይሩ እንድዩ፡ ኣብቲ ጽምዶ መተ ዓልልተይ ብርግጽ ከምቲ ዝብለኒ ዘሎ ዲዩ ዝኣምን? ከምተጋደልቲ መጠን ሓባራዊ ዕላላትና እንተተዋሲቡኸ ክንገብሮ ንኽእል ዲና ኣይፋል? እንተዘይተዋሲቡኸ ኣዛሪቡ ይምሕረኒዶኾን? እንድዕሉ፡ ኣነ ግን በታ ባዶ ቀልበይ ነገር ፈነኹሉ።

“………እዋእ፡ እሞ እንተኾነ መድረኽ ‘ህዝባዊ ዕርቂ‘ ክኽፈት ኢና ተጸቢና። ፕረሲደንት ካን ኣቕቢጽኩም እንተኾይኑ ግን ‘ኣብ ሳልሳይ ዓለም ስልጣን ብሰላማዊ መገዲ ኣይቅየርን ኢዩ‘ ኢልኩምዶ ከይመሃርኩሙና! እንታይ ድኣሉ ክንድዚ ኮለል -መለል፡ ዶስ ድሕሪ ናጽነት ወያ በረኻዊት ፖለቲካና ተቐይራ ኮይና“።

ሉቑሚ‘ዃ ነይመለሰ። ዓሰርቲአን ኣጻብዕቱ ጠላሊፉ ኣብ ኣፉ ብምጽጋዕ ንመሬቱ ተኺሉ ምስ ብሕልና ዝራኣይዎ ጉዳያት ክፋጠጥ ድሕሪ ምጽናሕ ሃንደበት ብውሑዳት ቃላት ሓጸረኒ።

“ዓለምከሞ በዚ ዕልዋ መንግስቲ እንታይ ክትብለና? ህዝብናኸ“?………..

ማለቱ ክርዳእ ብዙሕ ትንተና ኣየድልየንን። በቲ ድሒሩ ዝመጽእ መስገደል ማለት በቲ ኣብ ውሽጥና ክፍጠር ብዝኽእል ዘይምርግጋእን ምፍሳስ ደምን፡ ከምኡ‘ውን ብመልሰ-ግብሪ ኢቲዮጲያን ካልኦትን ዝተወጠረት ጂ. 15፡ ከምዚ ሎሚ ኣብዘ ን ሃገራት ንርእዮ ዘለና ዕንወት ከይስዕበና ተራእይዋስ ናይ ስጋ ከኣ ተሰሚዕዋ ልቢ ተዕቢ፡ እንተ ነብሳ ፈትያ ትገዳዳዕ፡ እ ንተ ከምዚዶ ኮይና፡ ከምቲዶ ተደጊማ እንድዕላ ግን ንክቡር መራሒና ልቡ ከተረስርሶ፡ ማይድጋም ሰላም ክትነጻጽገሉ ክ ትብል ከምተጀልሐት መሰለኒ። ወረ እንድዕላ፡ እንድዕላ ኮታ! ብርግጽ ግዳይ ምዃና ግን ካብ መንና ተሰወረት?

ኣይተጸመምኩን። ጭራሽ ጥርዚ በጻሕኩ‘ሞ ብውሽጠይ “ጭራ ነብሪ ኣይትሓዝ እንተሒዝካ ግን ኣይትግደፍ“ ክብል ተሰ ራሰርኩ። ክሳብ ሎሚ ከምኡ ኢዩ ዝመስለኒ። ከመይሲ ክቡር ፕረሲደንትና ንብሕቱ ዝድርኾ ከይተገደስኩ ንስልጣኑ ብ ዝኾነ ዋጋ(ክሳብ ብዋጋ ሃገር) እናተኸራፈሰስ፡ ብኣንጻሩ ንዋጋ ሃገር ዝግባእ ደም ድማ ይኽፈሎ‘ምበር ‘ኣሕዋት ደም ኣይ ፋሰሱን‘ ዝብል ተበላጺ ሰላሕታ ወራር ህግደፍ ክንርዕም ብስንፈት ከምተረመስና መሰለኒ። መቸም ኣብሓሳብ ሰላማዊት ዓለም ጥራይ ምኹብላል ድኽነት ኢዩ። በቲ ሓደ ድማ ከምዚ ከማይ ዓሻ ምዃን ጥዑም ኢዩ። እናሓንሳብ ከኣ ዘይትፈል ጥ ምዃን ቅሳነት ባቃ። ክሳዕ መዓስ‘ሞ ከይፈለጥካ ብግርህና ክእመን ክቕሰን?

ብዝኾነ፡ “ወይ ጽጋብ፡ ኣነስ ኣይክንድኦም፡ ኣይ ጥቓኦም፡ እንታይኮን ይኸውን ክንድዚ ጦብሎቕሎቕ ዘብለኒ ዘሎ“? ኢለ ንነብሰይ ከዓብኩዋ። ብኡ ንቡኡ ድማ “እምበርዶ ኩነታት ሃገርና ጥራይ ኢዩ ከቢድዎም? ክብል ንነብሰይ ተወከስኩዋ። ካብ ነብሰይ መልሲ ብዘይምርካበይ‘ውን “እንታይ ስለዝፈልጥ ኢየኸ ክንድዚ ቀንጠብጠብ“! ኢለ ቁሩብ ተዛነኹ። ጸኒሐ ከኣ “ዕሩብ‘ኮ ዘይገብሮ የብሉን“ ኢለ ከምቲ ኣብ መድረኽ ኣዋጅ መሰጋገሪ መንግስቲ ብዘይ ፍታውና ብሕፍሶ ኩልና ተጋ ደልቲ ነበር ክንእሰር ምእንቲ ኣብ ሰልፊ ህግደፍ ክንኣቱ ዝተገደድና፡ ከምኡ ድማ ኩሎም ጽሩያት ኣባላት ሰልፊ ህግደፍ፡ ኣባላት ሲ. ኣይ. ኤ. ከምዝኾኑ ተነጊሮም ከቢድዎምን ኣቕለሽልሽዎምን የዕወንውኑን ነጻነቶም ተመንጢሎም ከይኾኑን ኣ ድቂቐ ሓሰብኩ። ኣባል ስውርቲ ሰልፊ ምዃን መቸም ከምቲ ፈረንታዮ ዝበሎ ንገበናዊ ስራሓት ምቅላዕ ኢዩ። ንእሽቶ ዋ ህዮ ሰልፊ ብውሳነኣ ንሰብ ሞት ክትፈርድ ስለዝተፈነወት ዝኾነ ኣባላ ድማ ብቀሊል ሕሹኽታ ትእዛዝ ሞት ክፍጽም ግዱ ድ ኢዩ። ካብ ዝገርመኩም እቲ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ምህሮ ናይቲ ሰልፊ፡ ኣባላቱ ከምገለ ወለቕ-ዘለቕ እንተኢሎም፡ ወይ ም ስጢር እንተኣውጺኦም፡ ግደፍ ኣብ ሃገርና ኣብ ብዓለሙ በታ ነዋሕ ኢዱን ዓለማዊ ሕጊ ኢንተርፖልን ከይተረፈ ግዳይ ከምዝኾኑ እናኣፈራርሀ ኣዕኑድ ቀይርዎም ምህላዉ ኢዩ። ማለተይ ከምዚ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ሂትለር ኣባላት ሰልፊ ናዚ ገበነኛታት ስለዝነበሩ ኣብ ብዓለሙ ዝተሃድኑ ዝዓይነቱ ፕረፖጋንዳ ኣዝሪቑሎም ካብ ፍርዲ ገዛእ በደላቶም ክሃድ ሙን ዕድመ ንምውሳኽ እንኮ መጽለሊቶም ህላወ እሳይያስ ኮይና ስለትራአዮምን፡ ከምዚ ህበይ ኣባጅጎ ከይጸድፋ ክትም ህለል ብኾፋ ትሓድር ዝበሃል ማለተይ ኢየ። ሓቂ ኢዩ ኣብ ፖለቲካ ስዉር ስራሓት ዘሎ‘ዃ እንተኾነ፡ ብሙሉኡ ስራሓት ሂወት ቃልሶም ንሃገራዊ ረብሓ ዘይኮነስ ንሰልፋዊ ረብሓ ጥራይ ኣጥፊአሞ!! ካብ ዋርድያ ውልቀ-ምልኪ ምዃን ኣድሕነና ጎይታይ መዓረይ!! …..ልቢ ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ!!!!!!!!

እናሕንሳብ ሰልፊ ደቃ ስለእትበልዕ (ንኣቦ-መንበራ በጃ ምሕላፍ ሓደ ካብቲ ውሽጣዊ ማሕላ ኢዩ) ብልሖም ዘዘጉደሙ ዘበሉ ዘይከምቲ መራሒኣ ምስዕድመ ሕማቕ ነገር ኣጽሊእዎም ለውጢ ዘዝጠልቡ ከይተዘራብዑ እንከለዉ ዝግበር ምቕ ሕላል ከምዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይንሉ ኣብዘሎ እዋን፡ ምሩጻት ካድረታቱ ‘‘እከለ ተኣልዩ‘‘ ክሰምዑ እንከለዉ ና ብ ነብሶም ከምትመጾም ዋላ የረጋግጹ ትእዛዝ ፈጣሪኦም ዘንጊዖም ባዕሎም ብዝሰርዕዎ ተርታ ሞት “ያእ ሎምስ ተራ እከ ለ ኢያ። ኣነስ ድሕሪ እከለ ኢየ እንተኾንኩ“ እናበሉ ሪጋኦም ካብምጽባይን መራሒኦም ኣቐዲሙ ብፈጣሪ ክዝሕዛሕ ክር እዩ ካብ ምጽላይን ሓሊፎም ንለውጢ ምንም ኣስተዋጽኦ የብሎምን። ንስኹምከ ደጊምሲ ሪጋሞት መን በጺሓ ትብሉ?

ዝኾነ ኮይኑ ድሕሪ‘ታ እዋን‘ቲኣ ምስቲ ኣባል ጂ. ዳጋማይ ኣይተራኸብናን።

ኣማስያኡስ ክቡር ፕረሲደንትና ቀዲምዎም ኣብገዛእ መንግስቱ ዕልዋ ፈጸመ። ንከተማና ኣስመራ ድማ ዕዉት ዝመስል ና ይ ቀርም ቀራርማ ንጥፈት ሓምበጠላ። ኩሉ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከካብዘለዎ ተተመዝሒቑ ተዳጎነ። ጋዜጣ የለ ተስፋ ዝዘ ርእ ዜና! እቲ ናይ ትማሊ ኣርሓ ተጋዳላይ ደጋፊ ለውጢ እምባአር ብውሳነ መራሒኡ ርእሱ ኣድነነ።  ህዝቢ ድማ በቲ ዝ ተኣንገዶ ድራማ ክቱር ተዓጀበ። ወያ ብደለይቲ ለውጢ ኢደቤዛ ባዕዲ ዝተቖጽረት ህግደፍ ከኣ ነቲ ርኡይ ጥልመት ከም ሓደ መሰረታዊ ዓወት ቆጺራ ካን ክትፍጋዕ ተራእየት። ዓለም‘ውን ዝኸውን ክትርኢ ኣንቴናኣ ዘርግሐት። እቲ ዘንጠጠየ ደመና ጥፍኣት ግን ኣይፈኾሰን። ‘ዃድኣ መመሊሱ ጸለመን ከበደን።

ኣብቲ ኣብውሽጢ ገዛኻስ ይትረፍ ኣብቀምሽ ወላዲትካ ወይ በዓልቲ ቤትካ ክትሕባእ ዘየኽእል ኩነት ከሎ እናተሸቑረርና ዝኸውን ዝነበረ ንምርኣይ ኣብቲ ዕዳጋ ዘረባ ተዛወርና። ክገርመኩም ይኽእል ይኸውን። ወዮ‘ቲ ንኢሳይያስ ምቕታል ዝጸ ልአ መዋግዕተይ ኣባል ጂ. 15፡ ቀንዲ ዊንታ ቅትለት ኢሳይያስ ከምዝነበሮን ከምተቐደመን ጌርካ ክዕለል ጸንሓና።

ዶ!! እቲ ስራሕ ሞያ ባዶ ሰለስተ እንድዩ፡ ኣነ ድማ ነታ ዝኾነት እንታይ ኢለ ከውጽኣ!!

ብዝኾነ እቲ ብቀዳምነት ኣብታ መድፈና ዘዝተጎበጠ ዘበለ ኣብታ ናይ መጨረሽታ ዕርዱ (ህዝባዊ መንግስቲ) ክመውት‘ ምበር ክመሳሰል ወይ ከመሳምስ ኣይደለየን። እቲ ንግዚዩ ውጻእ መዓት ዝመሰለ ደላይ ለውጢ (ተጋዳላይ ይኹን በርጌስ) በቲ ዘዝረኸቦ ኣጋጣሚ ካብታ ዝናፍቓ ፈቃር ሃገሩ ዳግማይ ተባረረ። ንቅድሚኡ ዘጓንፎ ድብያ መስፍን ሓጎስ ይኹን ኣድሓኖም፡ ወይውን እቲ ዘይተወርየሉ መጻወድያ ራሻይዳን መሰልቱ ከየገደሶ ተበተነ።

ስደት ግደፍዶ ንምእንቲ ሓርነት ዝተዋደቐስ ንማን ወዲ-መሬት‘ውን  ዝዋሓጠሉ ኣይኮነን። ዝኾነ ኮይኑ ንሱ‘ውን ዋላ ግ ር ኢልዎ ዘስቀጠ እንተመሰለ ብፍቕሪ ህዝባዊ መንግስቲ ስለዝተለብለበ ምስ ብጾቱ መስርሕ ምጥርናፍ ኣይገደፈን። ሓቀ ኛነቱ ክፈልጥ ንዝደሊ ሎሚ‘ውን ንህግደፍ ዕርቃና ዘውጽኣ ዘሎ ንሱ‘ቲ ደላይ ለውጢ ተጋዳላይ ምዃኑ ኣየጠራጥርን።

“ንምዃኑ ንምንታይ ኢዩ ነታ ‘ህዝባዊት መንግስቲ‘ ክንድኡ ህንጡይነት? መራሒና እቲ ቀደም ሳላ ቅንዕናን ዓቕምን ብጾ ቱ ክሳብ ብኣውንታውነት ‘ትንቢተ-ኢሳይያስ‘ ተባሂሉ ዝተመጐሰሉ ዓላማ ረጥሪጡ ‘ኣብ ዓለም ዲሞክራሲ የለን‘ ኢሉዶ ኣየስተምሃረን“? ኢልካ እንክሕሰብ‘ውን መልሱ ንጹርን ቀሊልን ነበረ። ኩሉ ሃገራዊ ወናኒ ናይታ ብሓንሳብ ዝተሰዋኣላ ሃ ገር ከም ሓደ ህዝቢ ብሓንቲ ሃገሩ ክሕበን፡ ሓንቲ ባንዴራኡን ኣርማኡን ክስዕም፡ ሓንቲ ሃገራዊት መዝሙር ክዝምር፡ ዋ ላ ኣብ ዝተፈላለያ ሰልፍታት ይጠርነፍ፡ ግዙእ ናይቲ ብፍታዉ ዘጽደቖ ቅዋሙን ሕገ-መንግስቱን ኮይኑ ንቀጻሊ ክዋደቐላ ከምኡ ድማ ምህርቲ ናይዛ እዝውቲ ሃገሩ ብሓባር ክካፈል።……..

ድሕሪ ናጽነት ኩሉ እዚታትን ክኒኡን ክግበር ይከኣል ነበረ። ኣይተዓደልናን !!!!!!!!

መቸም ብዙሕ ፖለቲካዊ ጨለነት ሰሚዕና እንዲና፡ ኢሳይያስ ያኢ ብሃገሩን ሓልዮት ህዝቡን ልቡ ከምዝሰንበረ ተመሲሉ እናተመኽነየሉ ክሳብ ነቲ መሳርሒ ባዕድነቱ ክኸዋውሉ “እንታይ ጭብጢ ኣለኩም“? ኢሎም ሓደስቲ ካድረታቱ ክድብሉ ተዓዚብና። ብወገነይ እቲ ዝብልዎ ዝርድእዎ ኣይመስለንን። ኣብ ፖለቲካ ኪኖ ተግባር‘ኮ ካልእ ጭብጢ የለን። መድረኽ ዕርቂ ኣዝዩ መድሃኒት ሃገራውነት ክንሱ ንሱ ጎሲኻ ምክሕሓስ ኣሎ ዲዩ? ካሕሳ ህዝቢ ድማ ህዝባዊ መንግስቲ ምትካል ጥራይ ኢዩ። እንተዘይኮነ ሰውራ ምክያድ ንርእሱ ብጠመተ ካልኦት ገበን ከምዝኾነ ንመን ጠፊእዎ? ምእንቲ ሃገርና ተባሂ ሉ ደም ሓውና ሓብትና፡ ደም ህዝብና ሰቲና ተሰቲና እንዲና። ተመሊስካ ንበረኻን ዋዕላ በዓትን ምቁማት ግን ተልእኾኡ ካልእ ኢዩ‘ሞ ድሕሪ‘ዛ እዋን ብህግደፍን ኣባላታን ዘመሳምስ፡ ድሕሪ ሕጂ እቲ እኩይ ተልእኾ ልጋብያ ሰውራን ቅኑዕ ነጻ ነታዊ መንፈስ ተጋዳላይን ሓናፊጽካ ምምርሳሑ ንርእሱ ካልእ ተልእኾ ስለዝኾነ ምጥንቃቕ ከድልየና ኢዩ። እንተ ተግባራ ት ስውርቲ ሰልፊ ኣጸቢቑ ተጋሂድልና ኣሎ። ገበን መጀመርታኡ ስራሕ ጥራይ ኢዩ። እናሓደረ ይሰርጸካ። ጌጋነቱ‘ውን ኣይ ስቆረካን። ጸኒሑ ኣኸለ ባቃ። ኢድ ሸናሒት ድማ ጸናሒት እንድያ፡ ወዮ ዘዋፈረካስ ይመንወካ። ንስኻ ትርሳዕ ወይ ‘ትው ገን‘። ንሱ‘ሞ ነባራት ገበነኛታት እናኣለየ ሓደስቲ ገበነኛታት ክጭጫሕ ክሳዕ መዓስ? “ተናዘዙ“ ንበሎም ዓው ኢልና። ህዝ ቢ ኤርትራ መሓሪ ኢዩ ምሕረት ለምኑ እንተዘየሎ ንርኡይ ነገር ክሳብ መዓስ ምምስማስ?

ወዮ ንሳሕሉ ተመርቂፉ ብሽፋን እንስሓብ ኣብ ዕንክሊል ከንብረና ዕድል ዘይረኸበ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንብሃገራ ዱኽዒ ቀይሩ በረኻ ምግባራ ግን ኣይተጸገመን። መቸም “እቲ ክፉእ ነገር ኣበይ ተማሂርዎ“ ኢልኩም ኣይትሻቐሉ ትኾኑ። ሓደ እ ዋን ንምለሶ ንኸውን፡ ንግዚኡ ግን ድሓን ኣይትጸገሙ። ንሱ ፍቓድን ትእዛዝን ጥራይ እምበር ድሮ ሕልናኡ ዝሸጠ ስለዝ ኾነ ካብ ዝኾነት ቤት ት/ቲ ክፍኣት ምሁሮ ኣየድልዮን ኢዩ። መፈጠሩ ስለዝሓገዞ ድማ እዩ ኣብ ሃይቂ ደም ዝሕምብስ ዘ ሎ። እዚ ብእምባ-ጋር ዘይዳቐስ ወናኒ እኪት ከም እሾኽ ቶኾርባ ካብሱሩ ክመሓው ጥራይ ኢዩ ክውጠን ዘለዎ።እንተ ብ   ዛዕባ ዕንወት ዝመጸ፡ እቶም ቅዉምነገሮም ዘይመቀረኩም ጂታትን ተጋደልትን፡ መደባቶምን ጸገማቶምን እንታይ ከምዝነ በረ ብመጠኑ‘ውን ይኹን ተገሊጽልኩም ክኸውን እትስፎ። ነገር ሃገርና ድማ ከምዚትርእይዎ ኣሎ። ዕብየት የለ ሕውየት፡

መጨርሽታ ታሪኽ ኩነታት ቢተወደድ ኣብራሃ ከነውግዕ ተሓቲትና ኣለና። ቅድም ቀዳድም እቲ ዝእመን ሰነድ ምቕራብ ከምዝሓይሽ ከምዝመሪጽና ተረድኡልና። ሓቂ‘ዩ ኣብግዜ ተመላጠጥ ጭራኻ ደደጒልካ መስተርሆት መምስተረኸበ ይፈ ልጥ ነይረ፡ ጽሒፈ እንድየ፡ እናተባህለ ነበርኩ እኔኹ ምባል ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ብወገንና ካብስኽፍታኡ ዝተላዕለ ኣራ ግጻና ክንምጥን ብምባል ንጥንቀቕ። እንተ ብዛዕባ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከመይ ናብራ ዝመጸ ንቃለ-መሕትት ኣሰና ምስ ተጋዳላይ ስዒድ ሳልሕ ተወከሱ። ቢተው ዝሓተታ ሓንቲ ውልቃዊት ሕቶ ኩነታት መርዓኡ ጥራይ ነበረት። ከምቲ ስዒ ድ ዝበሎ ድማ ሽዑ ዝሰንዕዎ ስእሊ ሰበይቱ ኮይኑ ዝተሰማዓና ደርብዮሙሉ። ንዓና ንሱ ቀቀሊሉ ኢዩ። ከመይሲ ሰብኣይ ተኣሲሩ እንከሎ በቶም መርመርቲ ጸጸዊዕካ “ሰበይትኻ ፈቲሓትካ፡ ካብ ካልኣ ሰብ ጠኒሳትልካ፡ ከሲሳትካ“…… እናተባህለ ብጭንቀት ተዋሒጡ ከምዝዓብድ ቀንዲ ኣረሜናዊ መዘናግዒ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኢዩ። እሱር ግዳ ቀቀሊሉ። ስድራ ም ብታን ቀንዲ ስትራተጂ መግዛእቲ ብምዃኑ፡ ንዝሕይሎም ዘበለ ብሂወቱ እንከሎ ቃልሲ እናተጠመቐ ብሰበይቱ ከምዝመ ጹዎ ደኺምናሉ ኢና። ቀላሊ ኢያ። መቸም ምጉርፋጥ ዘሎ ኢዩ። ብድኹም ጎድኒ ስድራ ተመዂሊኻ ኣቲኻ ምፍንጫል እንታይ የጸግም። ካልእ ድማ ኣሎ። ነታ ሰበይቲ ፈሊኻ ኣባል ሰልፊ ወይ ዳርጋኡ ግበራ። ተወዲኣ!!

ብከምዚ ዝተገልጸ ትጽቢት ለውጢ ከምዝሰናኸል ተገይሩ። ዘመነ ተጋዳላይ ድማ ብክፉእ ገጹ ክድምደም ተሓሊኑ ኢዩ‘ ዚ ጃምላዊ ህልቂት ሰብ ውዕሎ ዝሰዓበ። ዝተቐትለ፡ ዝተኣስረን ዝተሰደን ኮይኑ ኤርትራዊ ተጋዳላይ!!

ብዙሕ እዋን ከምቶም ብጾተይ ንዓይ‘ውን “ኣማውታ ብዙሕ ኢዩ ዓይነቱ“ ትብል ዜማ ሓንቲ ካብተን ዝብሕታኒ ኢያ። ት ዝክሩ ትኾኑ እቲ ብመሃዝነቱ ኣብ ዓዲጥልያን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ብዓለሙ ተፈላጥነት ዘጥረየ ኮለኔል ምኪኤል ፍሳሃየ፡ ምኽንያቱ ከየገደሰ ኣብ ገዝኡ እንከሎ ልቡ ትስቶኮ፡ ሳንቡኡ ትወተፎ ወይ ውኖኡ ይስሓት ሓንሳብ ምስተጋደመ ንሓዋሩ ከምዘስቀጠ። ትዝክርዎ ትኾኑ ሚ/ር ሕክምና ኣቶ ሳልሕ መኪ መገሻ ቀንዩስ ገዝኡ ክምለስ ካብ ባጽዕ ብዙሕ ከይማሕደ ገ ልቡ ዘልሓጥ ኢላቶ ተባሂሉ ከምዝተፈለየና። ናቶምን ሓያለይ (ክሳብ ሎሚ ዝቕጽል ዘሎ) ናይ ከምኦምን ተሰምዐ‘ሞ ብእዋኑስ ምሒር ሰብ ኣቀናጠወ ከኣ።  ሃገርናኸ እንታይኮን ተሰሚዕዋ ይኸውን?

ባውሬቶ እኒ ምኪኤል ፍስሃየ!! ባውሬቶ ነብሰይ!! ባውሬቶ ኩሎም ብጾትናን ህዝቢ ኤርትራን!!!!!!!

“ብሃንደበት ዓሪፉ፡ ልቡ ዘልሓጥ ኢላቶ ሕክምና ከይበጽሐ ሰቲኹ፡ ክዘናጋዕ ጸኒሑ ገዝኡ ምስበጽሐ ሃንደበት ጻዕዳ ዓይ ኑ ገልቢጡ፡ ………፡ ሎሚ ሎሚ‘ሞ ድማ ንጽንብል ኣገዳሲ ውራይ ከይተረፈ ኣጋጣሚ ሞት ላዕለዎት ተለሚዱ ይስማዕ። ኢሉኢሉስ  እቶም ድራማታት ዝመስሉ ምኽንያት ጽንተት እምበኣር ተኣማንነቶም ባይታ ስለዝነጠበ ሓቅነቶም ዝጋሃደሉ እዋኖም ኣላቶም፡ ግዜ‘ኮ ቀላሊዓ ኢዩ።

ንኩሉ ክጥዕም ብፍላይ መንእሰያት ንመጻኢ ጉዕዞኹም ብዘይመበገሲ ክትከድዎ ስለዘይከኣል ሓቀኛ ታሪኽ ክትወርሱ ንላቦ።

ይቕጽል፡

“እዞም መንእሰያት ንስኹም ትብህግዎ ለውጢ ከምጽኡ ይኽእሉ ኢልኩም ትኣምኑዶ“?……..

ጎደፋ፡

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • yonas27g August 29, 2013

    ጎደፋ
    ኣነ ትግርመኒ ዘላስ ታሪኽ ከምዝሕብሮ ኣብ ሰላሕታ ወራር ንሱዳን ን’እቶ፡ ኣብዛ ሕጂ ዘርከብናላ ኩናት ድማ ከምዝሰማዕናዮ ካብ ዓሰብ ሰራዊት ከምዘዝልቅ ዝ’ኣዘዘ ባዕሉ እንታይ ኢዮም ዝጽበይሉ ኔሮም እኮዩ ዝገርመኒ ዘሎ? ደርሆ ሓሪዱ ድዩ ኣብ ርእሶም ኣዚርሎም?

  • Nahom August 29, 2013

    Yonas27g
    These are the same people, who, under the directives of Isayas handed Badme to Weyane in 1981, and in 1998 again under his directives retook it.

  • Suleiman Salim August 29, 2013

    Issaias Afeworki ms bSotu nhzbawi gnbar meriHu naSnet amSi’u bdHri’u dma njeganu ab SAWA Alimu nhagerna adHinwa:: ‘zi kem SeHay brhan zdemeQe Haqi ‘yu:: ‘nte kab tesfa mQuraS yKun wala wlqawi qrHnti tela’Ilna nHaqi ‘nte zey guaESeSnaya y’Haysh::

    wHud serawitna bjgn’net nshisho Sela’i : zKefele meswa’ti : kefilu zef kem zebelo knsHt yeblnan::

POST A COMMENT