Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምስጢራት መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ስታቫንገር ክቃላዕ ጀሚሩ

ድሕሪ ነዊሕ ናይ ምትላልን ምድንጋርን እዋን፡ ኣመሓደርቲ ናይቲ ብኣገልገልቲ ህግደፍ ዝምራሕ ቤተክርስትያን ስታቫንገር፡ ነቲ ብምእመናን ዝቐርብ ዝነበረ በዳሂ ሕቶታት ምምላስ ብምእባይ ከመሳምሱን ከዕገርግግሩን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 03.02.2013 ነቲ ብህዝቢ ዝቐረበ ዝተፈላለየ ሕቶታት

ድሕሪ ነዊሕ ናይ ምትላልን ምድንጋርን እዋን፡ ኣመሓደርቲ ናይቲ ብኣገልገልቲ ህግደፍ ዝምራሕ ቤተክርስትያን ስታቫንገር፡ ነቲ ብምእመናን ዝቐርብ ዝነበረ በዳሂ ሕቶታት ምምላስ ብምእባይ ከመሳምሱን ከዕገርግግሩን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 03.02.2013 ነቲ ብህዝቢ ዝቐረበ ዝተፈላለየ ሕቶታት ደም እናጠዓሞም ክምልሱ ተቐሲቦም፡፡ ካብቲ ዝነበረ ኣኼባ ድማ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ጸሚቝና ክነቕርብ ንኽእል፡፡

1. ካድራት ህግደፍ በቲ ዘይዕጸፍ ውሁድ ሓይሊ ህዝቢ ራዕዲ ክኣትዎም ካብ ዝጅምር ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ ኣሎ። ከም ሳዕቤን ድማ ብቍጽሪ መታን ከይዕብለሉ ኣብ ምሉእ ዞባ ሮጋላንድ ዘለዉ ኰራኵሮም ናብቲ ኣኼባ ብምዕዳም፡ ካብ ሰረተ እምነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ወጻኢ ኣገለገልቲ ህግደፍ ንዝኾኑ ኣመንቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን፡ ወንጌላዊት ቤተክርስትያንን ናይ ካልኦት እምነታትን ከም ዝሳተፉ ገይሮም፡፡
2. ካብ ሕጊ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ወጻኢ፡ ስርዓተ ቅዳሴ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ኣፍደገ ደው ብዝበሉ ክልተ ቍጹራት ዋርድያታት ተሓልዩ ከም ዝካየድ ተገይሩ፡፡
3. ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣብ ናይ ገንዘብ ጕዳይ ዝቐረበ ሕቶታት ክምልሱ ፈቲኖም’ኳ እንተ ነበሩ፡

ሀ. እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ 1998 ተመስሪቱ ክነሱ፡ እቲ ዝቐረበ ናይ ገንዘብ ጸብጻብ ግን ካብ 2003 ጥራሕ ስለዝነበረ ተቐባልነት ኣይረኸበን፡፡
ለ. ብዛዕባ ገንዘብ ይኹን ካልእ ነገራት ሓታቲ ዘይብሉ ወዳእ ነገር ቢንያም ኣስመላሽ ዝበሃል ወይጦ ናይ ህግደፍ እዩ፡፡ ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ዓዲእንግሊዝ እናተቐመጠ’ውን ንሱ’ዩ ኩሉ ነገር ዝውድእ፡፡ እዚ ሰብዚ ነቲ ገንዘብ ኣብ ክልተ ቍጽሪ ሕሳባት ናይ ከም ዝሕዞ ተሓቢሩ፡፡ ነዚ ግን እቶም ኣባላት ቅድሚ ሕጂ ዝፈልጡዎ ጕዳይ ኣይነበረን፡፡ እዚ ሰብዚ ንዓበይቲ ሰበልጣን ኤርትራ ሓዊስካ፡ ገንዘብ ኣብ ብምሽራፍን ካልእ ዘይሕጋዊ ነገራትን ተዋፊሩ ከም ዘሎ ስለዝፍለጥ፡ ንሱ ዝህቦ ናይ ገንዘብ «ጸብጻብ» ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ይሕበር።
ሐ. ሕጂ’ውን እቲ ናይ ገንዘብ ጸብጻብ ካብ 1998 ጀሚሩ ክቐርብ ኣለዎ፡፡
4. ኣብ ዝስዕብ ኣኼባታት እቲ ሕቶታት ብግቡእ ክምለስ ከም ዘለዎ ኣባላት ዝረዳድኡሉ ጕዳይ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡
5. ሕጂ ዝስማዕ ዘሎ ነገራት ነዞም ዘለዉ ኣመሓደርቲ ቤተክርስትያን ዘመሓድሩ ሰባት ድሮ ረቝሖም ከም ዘለዉ እዩ፡፡ እዞም ብናይ ህግደፍ ምስጢራዊ ኣሰራርሓ ክመርሑ ተሓሲቦም ዘለዉ፡
1. ፍስሃየ
2. የማነ
3. ዘለኣለም
ዝበሃሉ ሰባት ምዃኖም ሓበሬታ በጺሑና ኣሎ።
6. ኣባላት ቤተክርስትያን ነዚ ናይ ህግደፍ ውዲታት ተረዲኦም ክንምክቶ ኣለና፡፡ ቤተክርስትያን ቦታ እምነት’ምበር፡ ናይ ዝኾነ ይኹን ጕጅለ መሳሪሒ ፖለቲካ ከኸውን ግቡእ ኣይኮነን፡፡
ኣብራሃም ሃ
ከባቢ ስታቫንገር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • ahmed saleh February 12, 2013

    GUYS , slow down and smell the coffee . The forum is invaded by some bad wishers clowns where
    we are not sure about their real identity either they are Eritreans or not only but only God knows .

  • long live Eritrea February 25, 2013

    Well I was on the meeting and there seemed to be a little biased the was it is described here. U can call me Not Eritrean or EGDEF, I don’t give a deam.
    1, They did present the money from 2003 and the reason they gave was that, there was no money which was collected because members were few. God knows if it is true but u didn’t explain it that way…
    2, There was no guard when there was kidase but there was one(probably Norwegian) who came just after kidase and was within the meeting afterwords. He was speaking alot with Biniam.
    3,And about Catholics and Protestants were at the meeting. I am not sure about it,but there were SHEBIA degefti who came together which shows they were told to came. What was surprising though was that many of them did pay the monthly payment to the chuch which those who asked for the meeting and was trying to look like they really care about the church didn’t do.
    I don’t know about the guys which are already named to take power. But if they did there will probably be still influence of SHAEBIA over the church. They are not hard supporters of shebia but I don’t think if they could stand to stop enough. But I want to say ” Please try to write the truth as clear as possible so that people can make sure this is not ” Another SHABAIT.COM ”
    Thank u

POST A COMMENT