Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምስጋና

ምስጋና ገዲም ተጋዳላይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ፡ ብ 27 መጋቢት (March 27) 2015 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ጆርጅያ-ኣትላንታ ድሕሪ ምዕራፉ፡ ብ 08 ሚያዝያ (April 08) 2015 ኣብ ዓዲ-ኳላ፡ ስድራቤቱ፡ ቤተሰቡን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኸብዎ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ስውእ

ምስጋና

ገዲም ተጋዳላይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ፡ ብ 27 መጋቢት (March 27) 2015 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ጆርጅያ-ኣትላንታ ድሕሪ ምዕራፉ፡ ብ 08 ሚያዝያ (April 08) 2015 ኣብ ዓዲ-ኳላ፡ ስድራቤቱ፡ ቤተሰቡን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኸብዎ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ስውእ ተስፋማርያም ወልደማርያም፡ ንዝሓደሮ ሕማም ሕክምናዊ ምክትታል ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ብኣካል ካብ ርሑቕን ቀረባን ብምምጻእ፡ ከምኡ`ውን ስልኪ ብምድዋል ሞራላዊ ደገፍ ንዝገበርክሙሉን፡ ምስ ዓረፈ ድማ፡ ሓዘን ኣብ ዝተገብረሉ ቦታ ብኣካል ብምምልላስ፡ ስልኪ ብምድዋል፡ ኢመይል ብምልኣኽን ኣብ ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታ ብምጽሓፍን፡ ዘጸናናዕኩሙናን: ዕረፍቲ ተስፋማርያም ንዘቃላሕኩሙልና ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታን፡ ተኻፈልቲ ሓዘንና ንዝኾንኩም ብሙሉእኩምን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ናይ መፋነዊ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት (Funeral Ceremony) ብኣካል ተረኺብኩም ሬሳ ወላዲናን ሓውናን ዘፋነኹም ነበርቲ ኣትላንታን ከባቢኣን፡ ከምኡ`ውን ካብ ካልኦት ግዝኣታት ናይ ኣመሪካ ዝመጻእኩም፡ መቓልስቱ፡ መማህርቱ፡ መታዓብይቱን ፈተውቱን፡ ንተስፋማርያም ክብሪ ብምሃብኩምን ንዓና ድማ ተኻፈልቲ ሓዘንና ስለዝኾንኩምን ደጊምና ልባዊ ምስጋናና እናቕረብና ሕሰም ኣይትርከቡ ንብል። ኣብ ሓመድ ድበ ናይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ ዝተረኽብኩም ብምሉእኩም ምስጋናና እናቕረብና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ እንዳበልና ሓዘንና ከምጽዓጸና ብኣኽብሮት ክንገልጽ ንፈቱ።

ምሉኣት ስድራቤት

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • segen wed Digsa April 14, 2015

    Waht a pity !!! a statesman passed away

  • asmara April 14, 2015

    Rest in Peace Tesfamaria Weldemariam, a visionary, very talented man. It is very sad coincidence to loss brilliant individuals like Tesfamariam while Eritreans are in need of them. Still, my tears are running. Tesfa hizbi, and Tesfa hager is gone once and forever. RIP

  • Amine April 14, 2015

    May his soul rest in peace. My condolences to the grieving family and friends.

POST A COMMENT