Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

‘ምሳሕ በዓል ዓመት፡ ቀለብ ዓመት!’

‘ምሳሕ በዓል ዓመት፡ ቀለብ ዓመት!’ “ርኢኻዮዶ ዝወደይ እቲ ኣብዛ ጐደና ሓርነት ዝቐነየ ብርሃን፡ ጓይላን ዳንኬራን?” በሉኒ’ቶም ቀይሕ ብዓል ሻም፡ ሽቤት፡ ግርማ ዕብየት ዘልበሶም ኣቦ፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ጸላም ክትቅንጥጥ፡ ክርቢት ሸርጢጣ ሽምዓ ትውልዕ ዝነበረት ጓሎም ብጎቦ

‘ምሳሕ በዓል ዓመት፡ ቀለብ ዓመት!’
“ርኢኻዮዶ ዝወደይ እቲ ኣብዛ ጐደና ሓርነት ዝቐነየ ብርሃን፡ ጓይላን ዳንኬራን?” በሉኒ’ቶም ቀይሕ ብዓል ሻም፡ ሽቤት፡ ግርማ ዕብየት ዘልበሶም ኣቦ፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ጸላም ክትቅንጥጥ፡ ክርቢት ሸርጢጣ ሽምዓ ትውልዕ ዝነበረት ጓሎም ብጎቦ ዓይኖም እናጠመቱ። ‘እወ ርእየዮ ኣቦ፡ በዓል ናጽነት ብድምቀት ሓሊፉ!’ ምስ በልኩዎም ኣነውን ፍሽኽ ኢለ ዓይኒ ዓይኖም እናጠመትኩ። እቶም ኣቦ ኣይደንጎዩን፡ ሽክና ርእሶም ብኣሉታ ንየማነ ጸጋም እናነቕነቑ፡ “ከምዚ ምስ ረኸቡ’ዮም ወለድኻ፡ ‘ምሳሕ በዓል ዓመት፡ ቀለብ ዓመት!’ ክብሉ ዝመሰሉ” ብምባል፡ ገጾም ናብታ ኣብቲ ናሕሲ ናይቲ ዝነበርናዮ መርፈቕ (መቐመጥ ኣጋይሽ፡ ሳሎን) ደብዛዝ ጽላሎት ፈጢራ ትንቀሳቐስ ዝነበረት፡ ብስውኣትና እትምሰል ሽምዓ እናጠመቱ፡ ንላዕሊ ምስ ኣንቃዕረሩ፡ ኣነውን መንከሰይ ብጸጋማይ ኢደይ ተደጊፈ፡ ንታሕቲ ገጸይ እናጠመትኩ፡ ነታ ዝነገሩኒ ምስላ ወለድና፡ ‘ምሳሕ በዓል ዓመት፡ ቀለብ ዓመት’ ብምባል ከስተንትና ጀመርኩ።
‘ምሳሕ በዓል ዓመት፡ ቀለብ ዓመት’
እግርና ኪዘልል ልብና እናሓመመት
ንጓይላን ጨፈራን ነዛ ሓንቲ ዕለት
ዓይንና ኣንቊሮሙና ምሉእ ዓመት!
ብርሃን ዓመት’ወ ብሓንቲ መዓልቲ
ዓይኒ ሰብ ደጒሑ ድምቀት ናይ መብራህቲ
ሃገር ብምልእታ ከውታ ከላ ለይቲ
መታን ከይሕጐሱ ናይ ማዕዶ ጸላእቲ
ንጐደና ሓርነት ምስ ጐደና ሰማእቲ
ብልቺ ኣድሚቖመን ከም ብርሃን መዓልቲ!
መላእ ሃገር ከላ እወ ኣብ ደልሃመት
ብርሃን ንክርኢ ኣብ ጐደና ሓርነት
ህዝቢ እናተጓዕዘ ምሸት ምሸት፡
ኣብ ክልተ ጐደና ሽግ ናጽነት ርእዩ
ናብ ጸላም ይምለስ ኣብ ብርሃን ኣምስዩ!
ህግደፍ ክቋናጆ *ብልዙ ሓኻኺሙ   *ገጸቡ
ጽንብል ከቃልሖ ሓሶት ኣቃሚሙ
ሰብ ካሜራታቱ ስእሎም ምስ ፈጸሙ
ጐደናታት ይጽልምት ከምቲ ናይ ቀደሙ!
ብስእልን ብድምጽን ህግደፍ ዝሰነዶ
ናብ ኤልሳ ይውሰድ ከተዋሃህዶ
ኤልሳ ጓል ድያብሎስ ዓቕማ ብዝፈቕዶ
ናብ ቪላ ቀይራ ንኣግነት ምስ ኣጉዶ
ናይ ሓሶት ድራማ ንህዝቢ ተአንግዶ!
እቲ ጥሙይ ከብድና ብሓምሊ መሊእና
ንዓለም ክንገልጽ ጽቡቕ ከም ዘለና
ኣብ ቅርዓት ወጺእና ሳላ እተላሃና
ሕርድ ኩምትር ኢሎም ኩሎም ጸላእትና!
እናበልካ ወረ ይንዝሕ ሽዑኡ
ስእሊ ኣሰንዩ ሰባት ከጣቕዑ፡
ብቲቪ ኤረና በታ ድምጺ ሓቂ
ሕብሪ እናለኸኻ መልክዕ መዳመቒ
ኣየ ይበሃል’ወ ዕጹብ ግሩም ድንቂ!
ብጓይላን ጨፈራን እትሃንጸት ሃገር
ትርፎ ሰላም ራህዋ ዘይርከባ ኣበር
ኣብ ልቢ ኩልና ብሕልሚ ክትዝከር
ወግሐ ጸብሐ ብምልኪ ይዝመር!
እዛ ህያብ ስውኣት ክቡር ዝዋጋኣ
ብጋህዲ ክትነብር ካብ ሕልሚ ወጺኣ
እታ ናይ ህዝቢ ዘውዲ ንሃብ ንዋናኣ
ኣብ ስቓይ ክትነብር ገንሸላት ሰዊኣ
ሕልናና ኣይፈቀድ ከምዚ ኢላ ክንሪኣ
ዋጋ የብሉን ህዝበይ ምንያት ብኣኣ
ካብ ዓለም ነጺሉ *ደማሒ እናጥፍኣ!   *መላኺ
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 09-06-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • belay nega June 9, 2013

    Mesinas

    Your brain whether you play it forward or rewards is full of negativity.
    You do not have small room for appreciation? What is wrong if people have fun on their independence day?

    • TwoWayStreet June 10, 2013

      belay
      If you follow ERI TV, Dimxi Hafash and/or Hadas Eritrea around the time of religious holydays, they always try to teach Eritreans to live within their means. They preach to buy a hen(Chicken) instead of lamb or sheep that they couldn’t afford, just to be as equal as their neighbor. This is a good idea, acceptable one. The Eritrean government should not only preach this but also apply it to itself, i.e. “Live within its means”.
      The main point of this article, as the title indicates, is about living within your means, about spending what you can’t afford just for a show off. The main point is not about celebrating and happy feelings…
      Good Point Mesinas

  • Yemane Johar June 10, 2013

    Love it ! Thanks Mesinas!

  • Selam June 10, 2013

    Mesinas, great job as usual. Keep it up.

  • Messinas June 10, 2013

    ክቡር ሓው TwoWayStreet ነቲ ምስላ ወለድና ማለት፥ ‘ምሳሕ በዓል ዓመት፡ ቀለብ ዓመት!’ እቲ ግቡእ ትርጉሙ ተረዲእካ ንሓው በላይ ነጋ ከተረድኦ ምፍታንካ ኣዝየ አድንቐካን አመስግነካን። ከምኡውን ንኹሎም ርእይቶኦም ዝሃቡኒ ኣሓዋትን ኣሓትን አመስግን።

  • mohammed negash June 10, 2013

    fellow muslims ,i was ashamed to see muslims in eritrea dancing with their traditional sword was shameful, that sword should not be used for dancing _______? think and stand up for your rights

  • T.G.Yohannes June 11, 2013

    Mohamed Negash:
    I understand that Emperor Haylesselasie has massacred our Muslim brothers for the reason he wanted a divided Eritrea. This is done on purpose to weaken the Eritrean unity and to annex Eritrea with Ethiopia.However, I would disagreed with you on the issue you raised that PFDJ has been treating fellow Christians better than Muslim brothers. Fortunately or unfortunately, the regime has been cruel to every citizen who confronted him with a novel idea and to those who opposed its destructive and divisive policy. I would suggest if we could concentrate on the main issues obstructing us from helping our oppressed Eritrean equally taking a rule of law as a centre. But to build a role of law that involves all Eritrean is not an easy task. I and you need to share our experience to narrow our differences and to have a common understanding. My dream and I believe, your dream, is to see a democratic Eritrea where every citizen lives in harmony and peace. Our Unity is our strength!

    Reply ↓

  • Yohannes Mehari June 12, 2013

    ስላም ሓው መሲናስ

    (mécénat= Patronage is the support, encouragement, privilege, or financial aid that an organization or individual bestows to another)

    ሓንቲ ነገር ተግኌኒ ቋንቋና ባዕልና ምጥፋእና እዩ ᎓ እቶም ናይ ቀደም ብጥልያን በሊሎሞ ᎓ እቶም ናይ ገድሊ ከኣ ብዓረብ ኣግዲድዶሞ ᎓ እቶም ናይ ሎሚ ወለዶ ክኣ ብእንግሊዝ ነባልሽዎ ኣሎና᎓᎓

    መብዛሕትና ውን ትግርኛ መሲሉና ናይ ባዕዲ ቃላት ከምንጥቀም ኣይንፈልጥን > ከመይ ጌርና ክንዓግቶ ንኽእል ነዚ ምዕባለ/ድሕረት᎒

    “Icelandic Word Bank”, take a look at this example of Language preservation.

    http://www.randburg.com/is/lang-instit/

  • Yohannes Mehari June 12, 2013

    Protectionist Language Policies in the Face of the Forces of English. The Case of Iceland

    http://link.springer.com/article/10.1007%2Fs10993-006-9027-2#page-1

  • Messinas June 12, 2013

    ዝኸበርካ ሓው ዮውሃንስ መሓሪ

    ብመጀመርያ ስለ’ቲ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ዘሎካ ተገዳስነት ብልቢ አድንቀካን አመስግነካን። ከምኡውን ነዚ ዚስዕብ ሓበሬታ ብምልኣኽካ። Protectionist Language Policies in the Face of the Forces of English. The Case of Iceland. ምኽንያቱ፡ መብዛሕትና ተዛረብቲ ትግርኛ፡ ኣብ ቋንቋና ንዕቀት ስለ ዘሎና፡ “ቋንቋ ከረዳዳኣና እንተ ኺኢሉ፡ ካብዚ ሓሊፉ እንታይ ምዕባለ የድልዮ!?’ ዚብል የዋህነት ስለ ዘጥቅዓናን ብዛዕባኡ እንግደስ ሰባት ኣዚና ውሑዳት ኢና። እዚ ስለ ዚኾነ ኸኣ ኣብ ምቕታል ባህልናን መንነትናን ብዘይኣፍልጦና ልዑል ተራ ኢና ንጻወት ዘለና። ምኽንያቱ፡ ቋንቋ እንተ ንዒቕናን እንተ ቀቲልናን ኩሉ ነገር ንዒቕናን ቀቲልናን ማለት ስለ ዚኾነ። እቲ ኣድላይነት ምዕባለ ቋንቋ ብዙሕ ስለ ዚኾነ ሕጂ ኣብዚ ኣይክዝርዝሮን’የ። ኣብ ዚቕጽል ጽሑፋተይ ግን ብዛዕባኡ ኣስፊሐ ክጽሕፍ ክፍትን’የ። ሕጂ ግን ናብተን ቀንዲ ንግዜኡ ቋንቋና ካብ ሙማት ንምድሓን ኩልና ክንገብረን ዘለና ክልተ ዓበይቲ ነገራት ክጠቅስ ፍቐደለይ። 1ይ እዚ መንግስቲ’የ ዚብል ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ፈታይ (ሽፍታ) 1ይ ቀታሊ ቋንቋና ኮይኑ ስለ ዘሎ ንእኡ ብሓባር ዓገብ ምባል። 2ይ ድማ ንሕና ተዛረብቱ፡ ብርእሰ ምትሓት፡ ኣብ ክንዲ ብእኡ ክንዛረብ ንኾርዕ፡ ብኣኡ ንክንዛረብ ስለ ንሓፍርን ኢንግሊሽ ተተዛረብና ከም ምሁራት ንቑጸር ስለ ዝመስለናን ንቋንቋ ኣደና ሸለል ምባልና’ዩ። ናትና ናይ ህዝቢ በደል ግን ኣፍልጦ ስለ ዘይብልና ኢና’ምበር ቋንቋና ክንጎድእ ስለ ዝደለና ኣይኮነን። በዚ ድማ’ዩ ዳርጋ ኩሉ ኪባሃል ይከኣል’ዩ ድሕሪ ናጽነት ዝተጻሕፈን ዝተደርሰን መጻሕፍቲ ይኹን ካልእ ጽሑፋት ሃገርና እቲ ዚዓበየ ቀታሊ ቋንቋ ኮይኑ ዘሎ። ንኣብነት፥ መጻሕፍትታት፣ ፊልምታት፡ ግጥምታት፣ ደርፍታትን ዝርርብናን ኩሉ ንምዕባለ ቋንቋ ብኣንጻር’ቲ ኪኾኖ ዝግባእ ኣዝዩ ሃሳዪ እዩ ኮይኑ ዘሎ።

    ሓውኻ መሲናስ

    • Yohannes Mehari June 12, 2013

      ብኩሉ ወገናት እዩ ተሃስዩ ህዝብና ᎓ ከም ብዓል ከማኻ ምህላወም ግና ተስፋ ይህበና᎓᎓
      ቅድሚ 30 ዓመት ᎓ ኣነ ቈልዓ ከለኹ ካብ ዓደና ተሰዲድና መኒነተና ከይነጥፍእ ወለድና ክንደይ ጽዒሮም ᎓ መንእስያት ኤርትራ ክኣ እንዳ ፈለጡ ክጽይፉ ከለዉ የሕዝነካ’ዩ “መሲናስ” ሓወይ᎓᎓

Post a Reply to Messinas Cancel Reply