Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) ሕቶታት፡ ኣንበብቲ ቅድሚ ነዛ ጽሕፍቲ ምንባብ ምጅማሮም ክምልስወን ዝደልየን ሕቶታት ብምቕዳም ጽሑፎይ ክጅምር ይደሊ። ንሳተን ካኣ እዘን ዝስዕባ ኢየን፦ ሀ) ናይ

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ሕቶታት፡

ኣንበብቲ ቅድሚ ነዛ ጽሕፍቲ ምንባብ ምጅማሮም ክምልስወን ዝደልየን ሕቶታት ብምቕዳም ጽሑፎይ ክጅምር ይደሊ። ንሳተን ካኣ እዘን ዝስዕባ ኢየን፦

ሀ) ናይ መጀመሪያ መምህርካ/ኪ መን ነበረ/ነበረት?

ለ)ሃገርካ/ኪ ትፈቱ/ትፈትዊ ዶ? መልስኻ/ኺ እወ እንተኾይኑ፡ ብኸመይን ካብ ማዓስን ጀሚሩ?

ሐ)ብዛዕባ ዓድኻ/ኺ (ተወሊድካ/ኪ ዝዓበኻሉ/ዝዓበኽሉ ናይ መበቖል ዓዲ ወይ ናይ ከተማ ከባቢ) እሞ ሕሰብ/ቢ፡

–    ካብ 16 ክሳብ 40 ዓመት ዕድመ ከባቢ ዘለዉ መናእሰይ ደቂ ዓድኻ/ ክንደይ ይኾኑ?

–    ካብዚኣቶም፡ ክንደይ ዝኾኑ (ክንደይ ሚኢታዊት) ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣለዉ?

–    ካብቶም ኣብ ኤርትራ ኣለዉ ትብሎም ዘለኻ/ ክንደይ ዝኾኑ ኣብ ኣገልግሎት ኣለዉ?

 

ሓሙሻይ ክፋል[1]

ኣብ ራባዓይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ፡ መርዓ፡ ብኹሉ ኣካላት ዓዲ (ቆልዑ፣ ኣዋልድ፣ ኣንስቲ፣ ሰብኡትን ኣጓብዝን፣ ትካላት ዓዲ፣ ንብረት ዓዲ፣ ወ.ዘ.ተ.) ምውሳእ ዝዕመም ኣገዳስን ክብሩን ውራይ ዓዲ ከምዝኾነን፡ እቲ ኩሉ ንውራይ መርዓ ንምኽያድ ዝግበር ንጥፈታት ካኣ፡ ኣብቲ ዓዲ “ማሕበረ-ሰባዊ ስጥመት፣ ሓልዮት፣ ፍቕሪ፣ ስኒት፣ ሰላም፣ ዓዳዊ መንነት፣ ወ.ዘ.ተ.” ንኽፍጠርን ዓዅኹ ንኽድልድልን  ብምግባር/ብምኽኣል፡ ጓል ተመርዕያን ተደርዕያን፡ ተካኢ መጻኢ ወለዶ ክትፈርን ክትጸግን ዘኽእላ “ባህርያዊ ከባቢኣ ዝተሓለወት” መበቆል ዓዲ ከምዝህልዋን ዝገብር  ምዃኑ፡ ብሰፊሑ ተገልጹ ኣሎ። ንጓል ክብራ ዓዳ ምዃኑን፡ በቕላ ሰሪራ ንእንዳ የሕማኣ ትኸይድ’ውን፡ ነዚ ክብርን መበቖላዊ መንነትን እዚ ሰኒቓን ለቢሳን ምዃና፡ ኣብቲ ጽሑፍ በሪሁ ኣሎ። ካብዚ ቀጺሉ ካኣ፡ ብዛዕባ መርዓት በቕላ ሰሪራ ኣብ ዓዲ እንዳ የሕማኣ ምስበጽሐት ዝግበር ኣቀባብላ መርዓት፣ ኣቀባብላ ዓርከ-መራዓውትን  ወራድ-መርዓን፡ ኣብ እንዳ ወዲ ዝግበሩ ንጥፈታት መርዓን፡ ሰፊሕ ትንታነ ክቐርብ ኢዩ።

 

ኣብ ራባዓይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ ተገሊጹ ከምዘሎ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ እንዳ ጓል፡ ኣብ እንዳ ወዲ’ውን ኣብ ዕለተ መርዓ፡ እቶም ናይ ውራይ መርዓ መደብ ስራሕ ዝተዋህቦም፡ ኩሎም ነናብ ዝተመደበሉ ንጥፈታት መርዓ ኣንጊሆም ኢዮም ክዋፈሩ ዝጅምሩ። እዚ ማለት፡  ቆልዑ፡ ማይ ይወረዱ/ይጓርቱ፤ መንእሰያት፡ ዳስ ይስልሙ፣ ኮፍ መበሊ ጠዋሉን የእማንን ይሰርዑን የስተኸኻኽሉን፣ ኣጓብዝን ሰብኡትን ካኣ፡ ስዋ መሊኡ ዝተሓትመ ቦጣትን ኣጋንእን ካብ ገዛ ናብ ዳስ በብሓደ እንዳ ተሰከሙ (ንሓድ ቦጥ 4-5 ኣጓብዝ የድልዩ) ኣውጺኦም ኣብ ማእከል ዳስ ተር ኣቢሎም ይሰርዕዎ፤ ኣንስቲ፡ ውራይ ምድላው መስተን (ስዋ) መግብን (እንጀራ ምስንካት፣ ዝመጹ ናይ ሓገዝ እንጀራ ምቕባልን ምስራዕን፣ ጻሕልታት ገዛ ገዛ እንዳኸዳ ምእካብን ሓጺብካ መድላውን፣ ጉልቻታት ገዛ ገዛ እንዳኸዳ ምእካብ፣ ጸብሒ ምስራሕ፣ ወ.ዘ.ተ. [ንዝርዝሩ ራባዓይ ክፋል ተወከሱ]።  ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ዕዱማት ኣጋይሽ ናብ ዳስ ምእታው ምጅማሮም፡ ናይቲ ማዓልቲ መደባት ዝመርሑ፣ ዘዋሃህዱ፣ ዝኣልዩን ዘሳስዩን ኣካላት ተመሪጾም ተዳልዮም ኢዮም’ውን ዝጸንሑ።

 

እቲ ስነስርዓት ኣቀባብላ ዕዱማት ኣጋይሽን ኣገባብ ምስሳይ እኽለ-ማይን እንተኾነ’ውን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ እንዳ ጓል ዝግበር ኢዩ። እዚ ማለት ካኣ [ንምዝኽኻሩ ዝኣክል]፡ ሽም ዳስ፡ ንኹሉ ንጥፈታት ምቕባል ዕዱማት ኣጋይሽ ይቖጻጸር፣ የዋሃህድን የማእክልን።  ተቀበልቲ ኣጋይሽ፡ ኣብ ኣፍደገ ዳስ ደው ኢሎም፡ ንነዝመጹ ዕዱማት እንዳተቐበሉ፡ “ኣጋይሽ ተቐበል” እንዳበሉ ንኣጋይሽ ተቐቢሎም ነናብ ዝተመደበሎም ቦታ (ናይ ኣጋይሽ፣ ናይ ደቂ ዓዲ፣ ናይ ሰብኡት፣ ናይ ኣንስቲ፣ ናይ ቆልዑ፣ ወ.ዘ.ተ.) ወሲዶም ዘቐምጥዎም ኣናባበርቲ የረክብዎም። ኣናባበርቲ ካኣ ንሓደስቲ ዕዱማት ቦታ ሂቦም ኮፍ ምስ ኣበልዎም፡ ብቐጥታ ንኣሰላፋይ ስዋ “ዋንጩ ኣብዚኣ” ኢሎም ይሕብርዎ። ኣሰላፋይ ስዋ ካኣ፡ ዋናጩ ስውኡ ሒጁ ጠበቕ ብምባል፡ ነቶም ዋንጫ ዘይሓዙ ኣጋይሽ ይዕድሎም። ዋንጭኦም ዝወድኡ’ሞ ክደግሙን ክገጋግሙን ዝደልዩ እንተልዉ’ውን፡ “ኣሰላፋይ ስዋ ኣብዚኣ” እንዳተባህለ ይጽዋዕን ይሕበርን፡ ይደጋግሞም ካኣ [ኣብ መርዓ፡ ስዋ ከብዲ-ምላሽ ኢዩ]። ማኣዲ ዝሰርዑ፡ ንዘይተመገቡ ዕዱማት በብሸሞንተ(8)[ምሉእ ማኣዲ]፡ ንምሉእ ማኣዲ ዝኣኽሉ እንተዘኮኑ ካኣ፡ በብኣርባዕተ(4) [ፍርቂ ማኣዲ] እንዳ ገበሩ ይሰርዕዎም’ሞ፡ ምሉእ/ፍርቂ ማኣዲ ኣብዚኣ ኣምጻኣለይ ኢሎም ንማኣዲ ዘቕርቡ ይሕብሩ/ይእዝዙ። ማኣዲ ዘቕርቡ ካኣ፡ ናብ ማኣዲ እንጀራ ዝሰርዑ/ዓ ከይዶም፡ ምሉእ/ፍርቂ ማኣዲ ሃቡና ኢሎም ኣምጺኦም ይቕርቡ። ማኣዲ ክትእዘዝ ካላ፡ ማዕረ ማዕሪኣ ካኣ፡ “ባዓል ጸብሒ፡ ናይ ምሉእ/ፍርቂ ማኣዲ ጸብሒ ኣብዚኣ” ትብል  ትእዘዝ/ሓበሬታ ትዋሃብ። ጸብሒ ዘምጽኡ ካኣ፡ ኣብ እንዳ ጻሕሊ ከይዶም ንሰራሒት ጻሕሊ፡ ናይ ምሉእ/ፍርቂ ማኣዲ ጸብሒ [ክልተ ጻሕሊ ንምሉእ ማኣዲ፣ ሓንቲ ጻሕሊ ካኣ ንፍርቂ ማኣዲ] ደሊና ኢሎም ኣምጺኦም ነታ ተሰሪዓ ዘላ ማኣዲ የረክብዋ። ኢድ ዘሕጽቡ ካኣ ማይን መሕጸብ ኢድን ሒዞም፡ ነቶም ማኣዲ ተሰሪዖም ዘለምዉ፡ ቅድሚ ምምጋቦምን ድሕሪ ምምጋቦምን፡ የእዳዎም የሕጽብዎም። ማኣዲ ቀሪቡ ጸብሒ’ውን ምሰ መጸ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ማኣዲ ቀሪቦም ዘለዉ [እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ወይ’ውን ናይ ሃይማኖት ባዓል ሞያ ዝኾነ ሰብ እንተሎ] ጸሎት ብምግባር ማኣዲ ምስ ባረኾ፡ ሓደ ካብ’ቶም (ብዕመ ዝናኣሰ) ካኣ ጸብሒ ይጸብሖ’ሞ [ቁሩብ ክእለት ትሓትት ኢያ] ምምጋቦም ይቕጽሉ። ወራድ-መርዓ መርዓቶም ሒዞም ክስብ ዝምለሱ፡ ንጥፈታት ዕለተ መርዓ ኣብ እንዳ ወዲ ብከምዚ ክቕጽል ይውዕል። ከምዝፍለጥ፡ ቀደም፡ ንመርዓ፡ ዘመድ-ኣዝማድ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ጎዶቦ ዓድታት ወሰን ኢልካ (ቤተ-ሰባት ከይፈለኻ) ኢዩ ዝዕደም ዝነበረ። ስለዝኾነ፡ ዕዱማት ኣይጋሽ ክመጹን በሊዖም ሰትዮም ክወጹን፡ እቲ ዳስ ምሉእ ማዓልቲ ዓሚሩ ኢዩ ዝውዕል ዝነበረ።

 

ከምቲ ኣብ ራባዓይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ ዝራኣናዮ፡ መርዓት ካብ እንዳ ዓለቦኣ፡ ቅድሚ ዓርከ-መራዓውትን ወራድ-መርዓን ወጺኣ ኢያ ናብ ዓዲ እንዳ የሕማኣ በቕላ ሰሪራ ክትጓዓዝ ትጅምር። እንዳ የሕማኣ፡ ኣብ ማእከል ዓዲ (ኣብ ከብዲ ዓዲ)፣ ኣብ ጎዶብ ዓዲ ወይ’ውን ኣብ ርሑቕ ዓዲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከከም ኩነታቱ ካኣ፡ ኣገባብን ተራን ኣብ መርዓ ዝዋስኡ ኣካላት ቁሩብ ክፈላለ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት፡ እቲ መርዓ ኣብ ከብዲ ዓዲ እንተኾይኑ፡ ኣዋልድ ንዓርከ-መራዓውትን ንወራድ-መርዓን ምጽራፍ ዘይኮነስ፡ ክልቲኦም ደቂ ዓደን ስለዝኾኑ፡ንመርዓትን ንመርዓውን “ንሳ ኩሕሎ ንሱ ወለሎ —“ እንዳበላ ኢየን ዝወድሳ። ከምኡ’ውን፡ እቲ ዓዲ የሕማኣ ሩሑቕ እንተኾይኑ፡ ወራድ-መርዓ ምስ ዓርኪ-ሕልፎት ድሮ መርዓ ኢዮም ናብ እንዳ ጓል ሕድሮ ዝመጹ። ወራድ-መርዓ ብሓደ ማዓልቲ እንዳ ጓል ከይዶም መርዓቶም ሒዞም ክምለሱ ስለዘይክእሉ፡ እንዳ ጓልን እንዳ ወድን፡ “ወራድ-መርዓ ሕድሮ ይኹን” ኢሎም ኢዮም ዝሰማምዑ። ብስምምዖም መሰረት ካኣ፡ ወራድ-መርዓ ብድሮ፡ ምስ ዓርኪ-ሕልፎት ብናይ ዓርኪ-ሕልፎት ኣገባብ ኣተኣታትዋ ንእንዳ ጓል ይኣትዉ። እዚ ማለት ካኣ፡  እንዳ ጓል ንሕድሮ ወራድ-መርዓ እኽለ-ማይ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መሕደሪኦም መደቀሲ’ውን ከዳልዉ ኣለዎም። ስለዝኾነ፡ ኣቦ ጓል፡ ወራድ-መርዓ ሕድሮ ስለዝኾነ፡ “እገሌ ክንድዚ ኣጋይሽ ክትቅበል/ከተሕድር ኢካ” ኢሉ ነቶም መቐበል ኣጋሽ ክኸውን ዝክእል ገዛውቲ ዘለዎም ደቂ ዓዲ ነጊሩ ኢዩ ዝጸንሕ። እንዳ ጓል ኣጋይሾም ኣብ ዳስ ተቀቢሎም እኽለ-ማይ ምስበልዎም፡ ንወራድ-መርዓ ነናብ ኣቐዲሞም ዘዳለውሎም መደቀሲታት ይውጅህዎም (እቶም መደቀሲታት ዘዳለዉ ደቂ ዓዲ ናብ ዳስ መጺኦም ከክንዲ ዝተመድብሎም ይወስዱ)። እቶም ምስ ዓርኪ-ሕልፎት ጓይላ ክጻወቱ ኽሓድሩ ዝደልዩ ካኣ፡ ኣብ ዳስ ይተርፉ። ንጽባሓይቱ (ዕለተ መርዓ)፡ ኣብ ዘዝሓደርዎ ገዛ ቡኖም ሰትዮም ምስ ቆረሱ፡ ርፍድ መስበለ ናብታ ባይቶ ዓዲ እንዳኸዱ ብምእካብ፡ ከምቲ ኣብ ራባዓይ ክፋል ተገሊጹ ዘሎ፡ ብናይ ወራድ-መርዓ ኣገባብ ናብ ዳስ ንኽኣትዉ ምድላው ይጅምሩ። ናብ ዳስ እተዉ ምስተባህሉ ካኣ፡ ሰብ ከበሮን ደበልትን ኣምሪሖም፡ ብጨፋራይ እንዳ ተመርሑ ሆ እንዳበሉ ይኣትዉ’ሞ፡ እቲ ኩሉ ስነስርዓት መርዓ (ከምቲ ኣብ ራባዓይ ክፋል ተገሊጹ ዘሎ) ምስተዛዘመ፡ መርዓቶም ሒዞም ብእዋኑ ንዓዶም ክጓዓዙ ይጅምሩ።

 

ከምዚ ልዕል ክብል ዝተገልጸ፡ መርዓት ኣብ ዓዲ እንዳ የሕማኣ ቅድሚ ዓርከ-መራዓውትን ወራድ-መርዓን ኢያ ትበጽሕ። ኣዋልድ ደቂ ዓዱ ንመርዓዊ፡ ክጽበያኣ ጸኒሐን ገና ዓዲ እትው ክትብል ከላ ኢየን ብጸርፊ ዝቕበላኣ። ክሳብ መርዓት ኣብ ባይቶ ዓዲ ትበጽሕ፡  ጎኒ ጎኒን ብድሕሪትን እታ ሰሪራታ ዘላ በቕሊ እንዳኸዳ ጸርፈን ይቕጽላ። መርዓት ኣብ ባይቶ ዓዲ ምስበጽሐት፡ ክሳብ ወራድ-መርዓ ዝመጹ፡ ካብ በቕሊ ኣወርዶም ማእሲ ኣንጺፎም ኮፍ የብልዋ፡ እተን ኣዋልድ ዓዲ ካኣ ኣብቲ ባይቶ ዓዲ ከቢበን ጸርፈን ምጽራፍ ይቕጽላ። እቶም ሒዞማ ዝመጹ የዕሩኻ (ዓርኪ-ርእሳን ካለኦትን) ክከላኸሉላ ዋላዃ ዝፍትኑ እንተኾኑ፡ ንስተን ግን ንመርዓት ዝሰርፉ ደርፍታት ካብ ምድራፍ ኣየቓርጻን ኢየን። እቲ ንመርዓት ዝጸርፈኦ ጸርፍታት ብዙሕ ኢዩ:: ንኣብነት፡ “እንታይ ኣግዚምዋ ህበይ ጓሉ፡ ክልተ ጣዓዉ ሳልሰይተን ዒሉ (ኣድጊ ኣይግዘምን ኢዩ)፤ ብላይ ናይ ሰተታ ብላይ ናይ ሰተታ፡ ወያ ኣዴኽስ ብድሕረኺ መይታ፤ እቲ ጣዓዋ ገዝሚ ዘምጻእክዮ፡ ኣብ ተስካር ኣዴኺ ምለስዮ፤ ኣደይ እገሊት (ሽም ሓማታ እንድጸዋዓ) መሶብክን ክደና፡ መጽያትክን ቆርማሚት እንጀራ፤ ኣበይ ዳኣ ነይርኪ፡ ክልተ እኳ ምወለድኪ፤ ዓባይ ኢያ ክንዲ ኩምራ፡ ኣብቲ ጎቦ ሒዛቶም ሓዲራ፤ ዓባይ ኢያ ክንዲ ማሕስእ፡ ኣብቲ ጎቦ ሒዛቶም ትስዕስዕ፤ ዓባይ ኢያ ክንዲ ጻጸ፡ ኣብቲ ጎቦ ሒዛቶም ትቛጻጸ፤ ጓልዛ ሰራቒት ጻሕሊ፡ ኣብ ኮራርምታ ዝሓድር ሓምሊ ይብላኺ ኣለዋየ፤ ጓልዛ ሰራቒት መቑሎ፡ ኣብ ኮራርምታ ዝሓድር ቖሎ ይብላኺ ኣለዋየ፤ ወ.ዘ.ተ.” ክጥቀስ ይካኣል (ኣንበብቲ ካኣ ኣብ ከባቢ ተወሊድኩም ዝዓበኹምሉ እንታይ ከምዝባሃል ዘኪርኩም ወስኹሉ)።

 

ካብ መርዓት ቀጺሎም ዓዲ ዝኣትዉ፡ እቶም መርዓውን እቶም ምሱ ተሪፎም ዝነበሩ የዕሩኽን ኢዮም። መርዓዊ መጺኡ ዓዲ ኣትዩ ይባሃል’ሞ፡ ኣዋልድ ዓዲ ንመርዓት ምጽራፈን ገዲፈን ንዕኡ ክቕበላ እንዳተጓየያ ናብኡ ገጸን ይኸዳ። “መጺኻለይ ዶ ክጽበየካ፤ ኣያይ መጸ መጸ፡ ኣንበሳ ይመስል ካብ ዱር ዝወጸ፤ ኣያየ ወለሎ ግርማ ዝዓሰሎ፤ ሪኢኽዮ ዶ ኣያይ ክኣቱ ምስ ወርቂ ሳዓቱ፤ ወ.ዘ.ተ.”፡ ኢለን እንዳደረፋ ተቐቢለን ክሳብ ኣብ ባይቶ ዓዲ በጺሑ ናብ መርዓት ዝሕወስ እንዳደረፋ የስንየኦ። መርዓትን መርዓውን ምስ የዕሩኽ፡ ክሳብ ወራድ-መርዓ ዓዲ ኣትዮም ዝሕወስዎም፡ ኣብ ባይቶ ዓዲ ኢዮም  ክጽበዩ ዝጸንሑ። ወራድ-መርዓ ኩሉም ጸሪሮም ዓዲ ምስኣተዉ፡ ናብ ዳስ ንኽኣትዉ ኣብ ባይቶ ዓዲ ምስ ዓርከ-መራዓውቲ ብምትእኽኻብ ምድላው ይጅምሩ። ዳስ ንወራድ-መርዓ ንምቕባል ተዳልዩ ኣሎ ምስተባህለ፡ ወራድ-መርዓ፡ መርዓዊ ኣማእኪሎም፡ ብጨፋርይ እንዳተመርሑ፡ ሰብ ከበሮን ደበልትን ብቕድሚት፡ ከበሮ እንዳሃረሙን እንዳ ደብሉን፡ መርዓት ካኣ በቕላ ሰሪራ ደድሕሪ ወራድ-መርዓ እንዳተኸተለት፡ “ስቦ ለጌብ ስቦ—“ እንዳበሉ (ብኸምቲ ኣብ 4ይ ክፋል ተዘርዚሩ ዘሎ ኣገባብ) ናብ ዳስ ይኣትዉ። መብዛሕትኡ ጊዜ፡ እቲ “ለጌብ ስቦ—”፡ ካብ ባይቶ ዓዲ (ርሕቕ ዝበለ) ዝጀመረን፡ ብሓያል ደባሊታት (ጉረደ ምዝላላትን ምጽሕታር መሬትን)፣ ብዝንቁ ከበሮ ኣስራዝን ንሰማይ ብዝዘሉ ሃረምቲ ከበሮን፣ ብዝፋጺ ጭራ ዋጣ፣ መሬት ብዝጨድድ ዕልልታ ኣዴታትን፡ መሬት ከም ጸሓይ ብርሃን ብዝቐድድ ሓልሃልታ ጉድጉዶታትን” ዝተሰነየ ኣዝዩ ውዕውዑን ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ዝቕጽልን ኢዩ ዝኸውን። ወራድ-መርዓ፡ “ብመገለለ —” ምባል ወዲኦም ኣብ ዝተዳለዎሎም ቦታ ኮፍ ምስበሉ፡ ስነስርዓት ድራር ወራድ-መርዓ ይጅመር።

 

መርዓት፡ ካብ በቕላ ከይወረደት፡ ኣብ ዳስ ቅልቅል ኢላ (ተሳሊማ) ኢያ ተመሊሳ ናብቲ ዝተዳለወላ “ቤት-ሒማ” ትኸይድ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ካኣ፡ መርዓት ኣብ ደምበ እንዳ የሕማኣ ከይኣተወት ናብቲ ዝተዳለወላ “ቤት-ሒማ” ክትከይድ ስለዘይግባእ ኢዩ።  “ቤት-ሒማ” ማለት፡ እንዳ ዘይተፋትሑ [እታ ሰበይቲ፡ ነቲ ሰብኣይ ናይ መጀመሪኡ (ሒሙኡ) ዝኾነት፡ እቲ ሰብኣይ ካኣ ነታ ሰበይቲ ናይ መጀመሪኣ (ሒማኣ) ዝኾነ] ገዛ ማለት ኢዩ። እዚ ዝግበር ካኣ፡ ከም ጽቡቕ ፋል ኮይኑ፡ እቶም ሓደስቲ መርዑ፡ ከምቶም ዝኣትውዎም ዘለዉ ገዛ/ቤተ-ሰብ፡ ኣብ ሓዳሮም ጸኒዖም ንኽነብሩ ኢዩ። መቸስ፡ መርዓት ገጻ ተሸፊና ስለዘይትኽፈት፡ ብማዕዶ (ርሕቕ ኢልካ) ገጻ ኣይትረአን ኢያ። ስለዝኾነ፡ ኣወዳት ጎርዞ-ጉላ፡ ንመርዓት ቅርብ ኢሎም ክርእይዋ መታን፡ ናብ “ቤት-ሒማ” ክኣትዉ ክፍትኑን፡ የዕሩኽ ካኣ ከይኣትዉ ክኽልክልዎም ዘሎ ሸኾርተት ማዓት ኢዩ።  ኣዋልድ ዓዲ’ውን፡ መርዓት ካብ ዳስ ቅልቅል ኢላ ተመሊሳ ናብ “ቤት-ሒማ”  ክትከይድ ከላ፡ ንመርዓት እንዳጸረፋ፡ ንመርዓዊ ካኣ እንዳ ወደሳ፡ ደድሕሪኣ ኢየን ዝኽተላኣ። ናብ “ቤት-ሒማ” ክኣትዋ ስለዘፍቀደለን ግን፡ ኣብቲ ደገ (ደምበ) ኮይነን ምጽራፈን ይቕጽላ። የዕሩኽ ከጓይይወን፡ ንሳተን ካኣ ኣይፋልናን ክብላ፡ ሸኾርተት ኢዩ ዝቕጽል። ነቶም ዘጓይይወን ዝፍትኑ የዕሩኽ ከተረፈ’ውን ይጸርፈኦም ኢየን።  ኣብ መጨረሻ፡ “ከም ዱባ የሐንጢባ ኢያ፡ ከም መሸላ ቛቝባ ኢያ፡ ኣያየ ግበራ ትግበር ኮይና ኢያ” ኢለን ብምድራፍ፡ ንመርዓዊ መልእኽተን የሕሊፈን፡ ናብ ዳስ ምስለአን ክሓታ ይከዳ። “ኣደይ እጌሊት (ሽም ናይ ኣደ መርዓዊ እንዳጸዋዓ) ወርቂ ሕዛበን፡ ለጋስ እንተኾይነን ሕጂ ንዕዘበን፤ ኣንበሳ ድምጻ፡ ብሩር መወጻ ይብላኺ ኣለዋየ፤ ወ.ዘ.ተ.” ኢለን እንዳደረፋ ምስለአን ይሓታ። ስነስርዓት ምስለ ካኣ፡ ልክዕ ብኸምቲ ኣብ እንዳ ጓል (ኣብ 4ይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ ተገሊጹ ከምዘሎ) ዝግበር ኣገባብ ይፍጸም።

 

እዚ እንዳኾነ ከሎ፡ የዕሩኽ፡ ምስተን ናይ ዓርከ-መራዓውቲ እኽለ-ማይ ከዳልዋ ዝተመዘዛ ኣንስቲ/መርዑ ብምርኻብን ብምልዛብን፡ ውራይ ድራር ዓርከ-መራዓውቲ ኢዮም ዝገብሩ። በቲ ካልእ ሸንኽ ካኣ፡ ሽም ዳስ ምስ ተሓጋገዝቱ፡ ዋኒን ድራር ወራድ-መርዓን ዘይተድሩ ዕዱማት ኣጋይሽን (ኣብ መርዓ ወዲ፡ ብዙሓት ዝሓድሩን ዝቕንዩን ኣጋይሽ ክህልዉ ባህርያዊ ኢዩ) ኢዩ ዝገበር። መቸስ፡ ኣብ እንድ ወዲ፡ ድራር ክሳብ ምሸት (ብሕልፊ ወራድ-መርዓ ደንጉዮም እንተዳኣ ኣትዮም) ክቕጽል ይክእል ኢዩ። ኩሉ ሰብ ምስተደረ (ሽም ዳስን ተሓጋገዝቱን፡ ዋኒን ድራር ምስ ኣጻፈፉ)፡ ስነስርዓት ጓይላ ይጅምር። ጎርዞ ጉላ (መናእሰይ) ዓዲ፣ ዕዱማት ኣጋይሽን ቤተ-ሰብን፣ ካብ ጎዶቦ ዓድታት፡ ጓይላ ንክጻወቱ ዝመጹ ኣጓብዝ ጎዶቦ፣ ዓርከ-መራዓውቲ፣ ደቂ ዓዲን ኣብላት ቤተ-ሰብ ውራይን ብሃንቆውታ ኢዮም ነታ ምጅማር ጓይላ ዝጽበዩዋ። ጓይላ ንምጅማር፡ ኩሉ ኮፍ መበሊ ጠዋሉ፡ ጸግዒ ጸግዒ ዳስ የትሕዝዎ፣ ጥርሑ ዝኾነ ቦጣትን ኣጋንእን ካብ ዳስ ይወጸ፣ ኩሉ ሰብ ጸግዒ ጽግዒ ዳስ በበትኡ (ናይ ኣጋይሽ፣ ናይ ኣዋልድን ኣንስትን፣ ናይ ደቂ ጎዶቦ፣ ናይ ደቂ ዓዲ፣ ወ.ዘ.ተ.) ይሕዝ፣ ሓዊ ኣብ ማእከል ዳስ ይእጎድ፣ በትሮ-ማክስ (መብራህቲ) ኣብ ማእከል ዳስ ይንጥልጠልን፡ እምኒ ይኹን ዝኾነ ከዐንቅፍ ዝኽእል ነገር ካብ ናይ ጓይላ ቦታ ይላዓልን። እዚ ኩሉ ምስተገብረ፡ ሓደ ካብቶም ኣሳሰይቲ፡ “እገሌ (ሽሙ ብምጽዋዕ) ዶ ኣባ-ጓይላ ይኹነልና” ኢሉ ንዳስ ይሓትት። እቲ ጠለብ’ውን ካብ ዳስ “ኣባ-ጓይላ እገሌ፡ ኣባ-ጓይላ እገሌ፡ ኣባ-ጓይላ እገሌ” ብዝዓይነቱ ጫው ጫው ክብገስ ይኽእል ኢዩ። “ኣባ-ጓይላ እገሌ ዶ ይኹነልና?” ዝብል ሕቶ ናብ ዳስ ምስቀረበ፡ ዳስ/ዓዲ ነቲ ሰብ እንተዳኣ ፈትይዎ፡ “ይርሓሰና፡ ይርሓሰና፡ ይርሓሰና” ብምባል ኣባ-ጓይላነቱ ዳስ ተጠምቐሉ። እንተዘይ ፈትይዎ ግን፡ “ኣይፋልናን፡ ኣይንደልን” ኢሉ ዳስ ይነጽጎ’ሞ፡ ካልእ ሰብ ኣባ-ጓይላ ንኽኸውን ይሕጸ። ሕጂ’ውን፡ ዳስ/ዓዲ እንተዳኣ ፈትይዎ፡ “ይርሓሰና፡ ይርሓሰና፡ ይርሓሰና” ብምባል ኣባ-ጓይላነቱ የጠምቐሉ፡ እንተዘይ ፈትይዎ ካኣ፡ ይነጽጎ። እቲ መስርሕ፡ ብኸምዚ መልክዕ፡ ክሳብ ዳስ/ዓዲ ዝፈትዎ ኣባ-ጓይላ ዝርከብ ይቕጽል። መብዛሕትኡ ጊዜ ግን፡ ኣባ-ጓይላ ዝኮኑ ደቂ ዓዲ ባዓል መን ምዃኖም ፍሉጣት ስለዝኾኑስ፡ “ኣባ-ጓይላ እገሌ ይኹነልና ዶ ክባሃል ከሎ፡ እቲ ኣባ-ጓይላ ንኸውን ዝርቛሕ ዘሎ ሰብ፡ ሓደ ካብዞም ፍሉጣ ሰባት ስለዝኸውን”፡ ዳስ/ዓዲ ካኣ ““ይርሓሰና፡ ይርሓሰና፡ ይርሓሰና” ብምባል ኣባ-ጓይላነቱ ስለዘጠምቐሉ፡ እቲ መስርሕ ኣብ መጀመሪያ ዙርያ ኢዩ ዝውዳእ።

 

“ይርሓሰና” ማለት፡ ብሕጊ ኣባ-ጓይላ ክንግዛእ ፍቓደኛታት ኢና፡ ንስልጣን ኣባ-ጓይላ ካኣ ኣፍልጦ ንህብ ኣለና ማለት ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ዝኾነ ሰብ፡ ኣባ-ጓይላ ከበሮ ከይዓደሎ፡ ከበሮ ብእደ-ዋኒኑ ኣይሕዝን ኢዩ። ኣጋጣሚ እንተሒዙ’ውን፡ ኣባ-ጓይላ፡ ከበሮ ኣቐምጥ ክብሎ ከሎ፡ ብዘይ ዕጥይጥይ ከቐምጣ ኣለዎ። መቸስ፡ ኩሉ፡ ዝኽእልን ዘይክእልን፡ እንድዩ ከበሮ ክሃርም ዝደሊ (ናይ ከበሮ ወልፊ ካኣ ፍሉይ ኢዩ)፡ ንኣባ-ጓይላ፡ ከበሮ ናዓይ ሃበኒ ናዓይ እባ ሃበኒ ዝብሎ ኢዩ ዝበዝሖ። ኣባ-ጓይላ ካኣ፡ መዋቕዕቲ (ዘሳንዩ) ኣለልዩ ከበሮ እንዳ ዓደለ፡ ነቲ ጓይላ ደሚቑ ንኽሓድር ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ።  ምናልባት፡ እቶም ከበሮ ዝተዓደሉ ሰባት፡ ዘየሳንዩ ኮይኖም እንተተረኺቦም፡ “ከበሮ ተባላሻይ” ይብሃል’ሞ፡ ኣባ-ጓይላ ካኣ፡ “ከበሮ ኣውርድዎ” ኢሉ ንኻለኦት ዘሳንዩ፡ “ከበሮ እገሌን እገሌን እገሌን” ኢሉ ብምጽዋዕ ይዕድሎ። ስለዚ ኢዩ ካኣ፡ ኣባ-ጓይላ ዝኸውን ሰብ፡ ኣብቲ ዓዲ ተቐባልነት ዘለዎን ናይ ምጽዋት ክእለትን ኣፍልጦን ዘለዎ ክኸውን ተመራጺ ኢዩ ዝባሃል። ብተውሳኺ፡ ጓይላ፡ ነብሱ ዝኻኣለ ሕግታትን ልምድታትን ስለዘለዎ፡ ሕግታት ጓይላ ዝፈልጥ’ውን ክኸውን ይግባእ። ንኣብነት፡ ደቂ ዓዲ ክልተ ጊዜ ከበሮ መስታዓደሉ (ምስሃረሙ)፡ ሳልሳይ ንደቂ ጎዶቦ ዓዲ (ካብ ጎደቦ ዓድታት ጓይላ ክጻወቱ ንዝመጹ) ሽም ናይታ ዓዲ እንዳጸወዐ (ከበሮ ንዓዲ እገሌ እንዳበለ)፡ ኣባ-ጓይላ ከበሮ ንኽዕድል ሕጊ ዓዲ የገድዶ ኢዩ። ኣባ-ጓይላ፡ ተፈታውን/ተፈራሕን ሓያል ኪኢላን እንተዘይኮይኑ፡ ብሰንኪ “ከበሮ ናዓይ ናዓይ እባ” ዝላዓሉ ዕግርግራት፡ ጓይላ ትባላሾ ኢያ። ኣንበብቲ፡ ኣባ-ጓይላ ከበሮ ስለዘይዓደለኩም፡ የዕገርጊርኩም  ዶ ትፈልጡ? ክንደይ ጊዜ? ወይ’ውን፡ ኣባ-ጓይላ ከበሮ ዘይዓደለና ኢሎም ዘዕገርግሩ ሰባት ገጢሞሙኹም ዶ ይፈልጡ? ዘኽሩስኪ።

 

መቸስ፡ ከምዚ ሎሚ “ሕውስ ውስ” ኢልካ ዘይኮነስ፡ ቀደም ሳዕሳዒት፡ ክቢ ብምስራሕ፡ ተማራሪሕኻ ኢዩ ዝስዕሳዕ ዝነበረ። እቲ ስነስርዓት ብከምዚ ዝስዕብ ኢዩ ዝስራዕ፦ ኣብ ማእከል እታ ክቢ፡ ሓዊ ኢዩ ዝእጎድ፤ ሰብ ከበሮ፡ ነታ ሓዊ ከቢብም እንዳዘሩን እንዳዘለሉን ኢዮም ዝሃርሙ፤ ወቓዕ ጭራ-ዋጣ፡ ብውሽጢ ክቢ ሳዕሳዕቲ እንዳ ዞረን ምስ ሃረምቲ ከበሮ እንዳዘለለን ኢዩ ጭራ-ዋጥኡ ዝሃርምን ዝደርፍን፤ ኣባ-ጓያልን ተሓጋግዝቱን፡ ኣብ ማእከልን ኣብ ክሊ ሳዕሳዕትን እንዳ ዘሩ የማሓድሩን ይቖጻጸሩን፤ ዝኾነ ካልእ ሰብ ናብ ማእከል ናይ ጓይላ ቦታ፡ ኣባ-ጓይላ ከይጸወዖ ክኣቱ ኣይፍቐዶን ኢዩ፤ እቲ ሳዕሳዒት ዘይኣተወ ተሳታፋይ ጓይላ ካኣ፡ ጸግዒ ጸግዒ ዳስ ዶው ኢሉ ክቢ ብምስራሕ የጣቕዕን ንጭራ-ዋጣ ደርፊ ይቕበልን። ናይ “ኩዳ”  ሳዕሳዒት፣ ህርመት ከበሮን ቅኒት ጭራ-ዋጣን፡ ካብ ናይ “ስብራ” ሳዕሳዒት፣ ህርመት ከበሮን ቅኒት ጭራ-ዋጣን፡ ፍልይ ዝበሉ ኢዮም። ሳዕሳዒት፡ መጀመሪያ፡ ብሰተተት ሰተተት ዝብል ኩዳ፣ ብንጽል ህርመት ከበሮን ብንጽል ቅኒት ጭራ-ዋጣን ተሰኒዩ ንዝተወሰን ጊዜ ምስቀጸለ፡ “ደርብ ከበሮ” ይባሃል’ሞ፡ ህርመት ከበሮ ድርብ ይኸውን፡ ጭራ-ዋጣ’ውን ናይ ድርብ ቅኒት ይሃርም፡ ሽዑ ሳዕሳዒት ካብ ኩዳ (ሰተተት ሰተተት) ናብ ስብራ (ሰቐጥቐጥን ቁልጡፍ ናይ መንኮብ ምንፍርፋርን) ተሰጋጊሩ፡ ውዑይ ምንቅስቓስ ዝተሓወሶ ሳዕሳዒት ንዝተወሰነ ጊዜ ይቕጽል። ኣብ መጨረሻ፡ “ከበሮ ሓደ ሓደ” ይብሃል’ሞ፡ ካላኣይ ዙርያ ኩዳ ይጅምር። ብኩዳ ዝጀመረ ካላኣይ ዙርያ፡ ብስብራ ምስተወደአ፡ ከበሮ ኣውርድዎ ይባሃል። ሓደ ሓደ ጊዜ ካኣ፡ ድሙቕ ጓይላ ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ፡ “ንሰልሶ ንሰልሶም ዳኣ ይብሉኽ” ኢሉ ዳስ ክደርፍ ይጅምር’ሞ፡ ሳልሳይ ዙርያ ሳዕሳዒት ይቕጽል። ሓደ ሓደ ጊዜ’ውን፡ ሃረምቲ ከበሮ (እቶም ከበሮ ክወቕዑ ዝጸንሑ)፡ “ከበሮ ክሽ ከሽ” [ከበሮ ከየውረድና ሳልሳይ ንቐጽል ማለት ኢዩ] ይብሉ’ሞ፡ ኣባ ጓይላ እንድሕራዳኣ ፈቒድሎም፡ ሳልሳይ ዙርያ ሳዕሳዒት ዝቕጽለሉ ኩነታት’ውን ኣሎ። ኣባ-ጓይላ ካኣ፡ እገሌን እገሌን እገሌን ኢሉ ብሽሞም እንዳጸወዐ ንተረኛታት (ብሕጊ ዓዲ መሰረት) ከበሮ ምስዓደለ፡ ሳዕሳዒት መን ካኣቱ ከምዘለዎ፡ ማለት፡ ሳዕሳዒት ናይ ዓበይቲ፣ ናይ ወለደኛ፣ ናይ ቆልዑ፣ ናይ ኣንስቲ፣ ናይ ኣጋይሽ፣ ናይ መርዑ፣ ናይ ዓርከ-መራዓውቲ፣ ወ.ዘ.ተ. እንዳበለ፡ ክሕብር ይኽእል’ውን ኢዩ። እዚ ማለት ካኣ፡ ንኣብነት፡ ሳዕሳዒት ናይ ዓበይቲ፣ ናይ ወለደኛ፣ ወ.ዘ.ተ. ኢዩ እንተይሉ፡ ብጀካ እቶም ዝተፈቕደሎም ዓበይቲ፣ ወለደኛ፣ ወ.ዘ.ተ. ካለኦት ሳዕሳዒት ከይኣትዉ፡ ኣባ-ጓይላ ይክልክሎም፡ እንተዳኣ ኣትዮም’ውን የውጸኦም።  ጓይላ፡ ብከምዚ ኣገባብ ወጋሕ ትበል ለይቲ ይሓድር።

 

ካልእ ኣገዳስን ኩሉ ሰብ ዘስተባህለሉን ዝጽበዮን ፍጻሜ እታ ለይቲ፡ ብወገን ዓርከ-መራዓውቲ ዝግበር ዋኒን ኢዩ። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ፡ ድራር ዓርከ-መራዓውቲ፡ ፍሉይ ኢዩ። ዓርኪ ርእሲ፡ ምስተን ድራር ዓርከ-መራዓውቲ ከዳልዋ ዝተመዘዛ ኣንስቲ (መርዑት) ተላዚቡ፡ ድራር (እንጀርኡ፣ ጸብሑን ስውኡን) ከምዝተዳለወ ምስ ኣረጋገጸ፡ የዕሩኽ ድራር ተዳልዮ ኣሎ ካብ እገሊት (ብሽማ እንዳጸወዐ) ከይድኹም ኣምጽኡ ኢሉ ይልእኽ። የዕሩኽ ካኣ፡ ከምቲ ዝተባህልዎ፡ ድራር ከይዶም የምጽኡ’ሞ፡ ድራር ዓርከ-መራዓውቲ ይጅመር። ስነስርዓት ድራር ዓርከ-መራዓውቲ፡ “ምኩልላስ” ዝበዝሖ ኮይኑ፡ የዕሩኽ ንመርዓትን ንመርዓውን እንዳኾለሱ ከምዝምገቡ ይገብሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነንሕዶም’ውን ይኮላለሱ ኢዮም። ብሕልፊ፡ መርዓት ሓፊራ ምብላዕ እንተኣብያ፡ የዕሩኽ፡ እንዳ ኣቃባጠሩን ብጥበብ እንዳ ለመኑን፡ እንዳ ኣኾለሱ ከምትምገብ ክገብሩ ኣለዎም። ስነስርዓት ድራር ዓርከ-መራዓውቲ ምስተዛዘመ፡ እቶም ዝበዝሑ የዕሩኽ ናብ ዳስ ጓይላ ክጻወቱ ይኸዱ፡ እቶም ዝተረፉ ካኣ ምስ መርዓትን መርዓውን ኣብ ቤት-ሑማ ይጸንሑ። ኣወዳት ጎርዞ ጒላ፡ ዕላል መርዓትን መርዓውን ክሰምዑ (ክጸናጸኑ) ስለዝደልዩ፡ ካብ ከባቢ ቤት-ሑማ ኣይጠፍኡን ኢዮም። ሓደ ስራሕ ናይ የዕሩኽ ካኣ፡ ነዞም ጎርዞ ጒላ ካብ ከባቢ ቤት-ሑማ ምስጓግ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ጎርዞ ጒላ፡ ምንቅስቓስ የዕሩኽ እንዳተኸታተሉ ክጸናጸኑ ክፍትኑን፡ የዕሩኽ ካኣ ከሳጕጕዎም ክፍትኑን፡ ክሳብ መርዓትን መርዓውን ጉዳዮም ዝገብሩ፡ ሸኮርተት ኢዩ ዝኸውን። ምጽንጻን መርዑ ሕጹኖት፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ጊዜ ጥሪ  ዝዝውተሩ ልምድታት ጎርዞ ጒላ ኢዩ። ጎርዞ ጒላ፡ መርዓትን መርዓውን ምስደቀሱ፡ ኣብ መንደቅ (ብወገን እታ ደቂሶሙላ ዘለዉ ንእዲ) ወይ’ውን ኣብ ማዕጾ እታ ገዛ ጽግዕ ኢሎም፡ ዕላል መርዑ ይሰምዑ’ሞ፡ ንጽባሓይቱ ኣብ እንዳ መርዑ ከይዶም፡ ነቲ ዝሰምዕዎ ዕላል፡ ከም መስሓቂ፡ “ከምዚ በለቶ፡ ከምዚ ካኣ በላ” እንዳበሉ ይደግምዎ። ምጽንጻን፡ ትንፋስካ ሓቢእካ፡ ሓሸሽ ጣሕመሽ ከይበልካ፡ መርዓትን መርዓውን ከይሰምዑኻ፡ ዝግበር ስለዝኾነ፡ ጥበብ ዝሓትት ልምዲ ጎርዞ ጒላ ኢዩ። ትብዓት’ውን ዝሓትት ኢዩ። ምናልባት፡ መርዓዊ እንተዳኣ ሰሚዑዃ ግን፡ ወጺኡ የጓይየካ፡ እንተ ዳኣ ኣርኪቡ ቐጥቂጡዃ ካኣ ከምዝተቐጥቐጥካዮን ከምዝተሰበርካዮን ኢኻ ትከይድ። የዕሩኽ፡ ክትጸናጸን እንተሪኦሙኻ’ውን፡ ከጓዩዩዃ ይኽእሉ ኢዮም። ኣንበብቲ፡ ተዘክሮታትኩም ብዛዕባ “ምጽንጻን” እንታይ ይመስል? ተዘርዚሩ ዘይውዳእ መስሓቓት ተዝክሮታት ከምዝህልወኩም ኣይጠራጠርን ኢየ።  ገሌኹም፡ ካብ መርዓዊ ክትሃድሙ ከለኹም ዝወደቕኩም፣ መርዓዊ ኣርኪቡ ዝቐጥቐጠኩም፣ እንዳ ተጻናጽንኩም ከለኹም ሳሓቕ ዝመለቖኩም፣ ወ.ዘ.ተ. ክትኮኑ’ውን ትኽእሉ ኢኹም። ካብ ንመርዑ ሕጹኖት ወይ ንሓደስቲ መራዓውቲ ወጻኢ ንካሎት ሰብ ሓዳር ምጽንጻን ግን ብሕጊ ዓደቦ ክልኩል ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንስሓ ዘድልዮ “ጽያፍ” ተግባር’ውን ኢዩ።

 

ጓይላ ተጀሚሩ ርስን ስን ምስበለ፡ እቶም ምስ መርዓትን መርዓውን ዝጸንሑ ውሑዳት የዕሩኽ፡ ንመርዓትን ንመርዓውን ንበይኖም ገዲፎሞም ካብ ቤት-ሑማ ይወጹ’ሞ፡ መርዓትን መርዓውን ካኣ “ጉዳዮም” ንኽገብሩ ይድቅሱ። ቅድሚ ምውጸኦም ግን፡ የዕሩኽ ንመርዓት ከማሉኡላ ዘለዎም መሰል ኣሎ። ንሱ ካኣ “ብመፍትሒ ስረ” ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ንመርዓት ክዋሃባ ዘለዎ ገንዘብ ኢዩ። መርዓት ምስ መርዓዊ ንኽትድቅስ፡ እዚ ገንዘብ እዚ (መፍትሒ ስረ) መጀመሪያ ክዋሃባ ኣለዎ። ዓርኪ ርእሲ፡ ምስ መርዓት፡ ንሳ ንትጠልቦ ገንዘብ፡ ውጻእ-ውረድ ኢሉ፡ ተሰማሚዑ እቲ ዝግባኣ ገንዘብ ክህባ ኣለዎ። እቲ ዝግባኣ ገንዘብ መስተዋህበት፡ መርዓት ሕራይ ኢላ ምስ መርዓዊ ትድቅስ’ሞ፡ መርዓትን መርዓውን ካኣ ጉዳዮም (ናይ ሰብኣይን ሰበይትን) ይገብሩ። እዚ፡ መርዓትን መርዓውን ንመጀመሪያ ጊዜ ዝራኸቡሉ ዘለዉ ኣጋጣሚ ስለዝኮነ፡ “ምስናዮምን ወይ ዘይምስናዮምን” ዝፈልጥሉ ኩነታት ኢዩ ዝፈጥር። እንድሕርዳኣ ኣሳንዮም፡ ብስራት ናይ ምስናዮም ዝኾነ “ምልኽት ጋማ” ነቲ ኣብ ደገ ቤት-ሑማ ኮይኑ ክጽበ ዝጸንሐ ዓርኪ ርእሲ፡ መርዓዊ ይህቦ’ሞ፡ ዓርኪ ርእሲ (ወይ ሓደ ካብቶም የዕሩኽ) ካኣ ነታ “ምልክት ጋማ” ሒዙ ናብ ዳስ ብምኻድ፡ ኣብ ማእከል ሂር ዝብል ጓይል ጠኒኑ ብምእታው፡ “መርዓትን መርዓውን ኣሳንዮም” ዝብል መልእክቲ ዘለዎ “ፍሉይ ድምጺ” ዓው ኢሉን ደጋጊሙን ብምድማጽ፡ ነታ “ምልክት ጋማ” ሒዙ ኣብ ዳስ ብምኹላል፡ ብስራት ይነግር። ነቲ ብስራት፡ ማኣስ ኢዩ ዝመጽእ/ዝንገር ኢሉ፡  ኩሉ ዝዓበየን ዝናኣሰን፣ ጋሻን ወዲ ዓድን፣ ስብኣዩ ሰበይቱ፣ ወዱ ጓሉ፣ ወ.ዘ.ተ.፡ ብሃንቀውታ ክጽበዮ ስለዝጸንሕ፡ ሽዑ፡ ጎርዞ ጒላ ነቲ ዓርኪ ተኸቲሎም፡ ነቲ “ፍሉይ ድምጺ” እንዳ ደጋገሙ ብምባል፡ ዳስ ብማዕበል እቲ “ፍሉይ ድምጺ” የናውጽዋ፤ ኣንስቲ ደጋጊመን የዕልላ፤ ሃረምቲ ከበሮ ዝያዳ ይሓኑን ዳስ ዘርክብ ዝላታት ይዘሉን፤ ወቓዕ ጭራ-ዋጣ ይንህር፤ ሳዕሳዕቲ ዝያዳ ይቆጻጸዩ፤ ወ.ዘ.ተ.። ሕጽር ብዝበለ፡ ፍሉይ ህሞት ኢዩ ዝፍጠር። ዳስ ብታሕጓስ ትውጭጭ፡ ኩሉ ሰብ ይሕጎስ፡ ጓይላ ካኣ  ወጋሕ ትበል ለይቲ ንኽሓድር ደሚቑ ይቕጽል። ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ (ድሕሪ 3 ወይ 4 ምሉእ ጓይላታት ምውጻእ)፡ ጓይላ “ዕሰለየ” ኢያ ይባሃል’ሞ፡ ኣባ-ጓይላ መሪጹ ንንፋዓት ሃረምቲ ከበሮ፡ ከበሮ ይዕድል፡ የዕሩኽ ካኣ መርዓዊ ኣማእኪሎም ሳዕሳዒት ይኣትዉ። “ዕሰልየ ሆ ዕሰልየ ዕሰል፤ ዕሰልይ ሆ ዕሰልይ ዕሰል፡ ዓሳሊ ድየ ኣብ ማይ ዝዓስልየ፤ ዕሰልየ በሉ፡ ግርማ ታዓደሉ፤ ዕሰልየ በል ንኣቦኻ ምሰል፤ ወ.ዘ.ተ.” እንዳተባህለ ይድረፍ። እቲ ጓይላ ኣዝዩ ድሙቕ ኢዩ ዝኸውን። መርዓውን መርዓትን ምስናዮም ስለዝተበሰረን፡ ማእከል ናይዚ ሓጎስ እዚ ዝኾነ መርዓዊ ስለዝኾነ ካኣ ዝስዕስዕ ዘሎን፡ ምሉእነት ናይት መርዓ ዝገልጽ ህሞት ኢዩ ዝፍጠር። ሽዑ፡ ዋላ እተን ጸኒዐን ተቛጺረን ዝነበራ ቅናታውቲ ከይተረፋ ይፍታሓ’ሞ፡ መርዓዊ ብሽልማት ገንዘብ ዓቕሉ ክሳብ ዝጸቦ ኢዩ ዝኸውን። እቲ ናይ ዕሰልየ ጓይላ ብከምዚ ኣገባብ ክሳብ ሳልሳይ ዙርያ ይቕጽል።

 

ኣብ ኣጋ ወጋሕታ፡ “ኣስታሊለይ” ዝባሃል ጸውታ ኢዩ ዝጽወት። እቲ ዓይነት ሳዕሳዒት፣ እቲ ህርመት ከበሮን እቲ ቅኒት ጭራ-ዋጣን ካብቶም ኣብቲ  ዝሓደር ጓይላ ዝነበሩ ፍልይ ዝበሉ ኢዮም። አስታሊለይ፡ ምስ ናይ ብሐረ-ትግረ ሳዕሳዒት ተማሳስልነት ኣለዎ። ምስ ወግሐ ካኣ፡ ሓውሲ በለት ነብሲ ተባሂሉ ይድረፍ። ሓውሲ ቀሪቡ ምስተበልዐ፡ ስነስርዓት ጓይላ ይዛዘም። ሰብ ውራይ ካኣ ዋኒን ምድላው ንጽባሕ ዕለተ መርዓ ይጅምሩ። መርዓ ክልተ ማዓልቲ እንተኾይኑ፡ ኣብቲ ካላኣይ ማዓልቲ’ውን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ማዓልቲ፡ ክብላዕን ክስተን ኢዩ ዝውዕል። ሻም ዳስን ተሓባበርቱን ተመዚዞም (ወይ እቶም ኣብ ቀዳማይ ማዓልቲ ዝነበሩ፡ ወይ’ውን ሓደስቲ)፡ ኣጋይሽ ከነባብሩ ኢዮም ዝውዕሉ።  ሰብ ውራይ ካኣ፡ ነቶም ካብ ርሑቑን ካብ ቐረባን ዝመጹ ዕዱማት ኣጋይሾም ከፋንዉ ይውዕሉ።

 

ስራሕ የዕሩክ’ውን ተጀሚሩ እምበር ኣይተወደአን። ጓይላ ምስተዛዘመ፡ የዕሩኽ ብቐጥታ ኣመት(ጉዳይ) ቑርሲ ዓርከ-መራዓውቲ ኢዮም ዝገብሩ። እንድሕርዳኣ፡ መርዓትን መርዓውን ጉዳዮም ገይሮም’ሞ እንተዳኣ ምስናዮም ኣበሲሮም፡ ዓርከ-መራዓውቲ፡ ፍልይ ዝበለት ጋዓት ኢዮም ዝቖርሱ። እዛ ፍልይ ዝበለት ጋዓት፡ ብዋሓለታት (ኪኢላታት) ኣንስቲ (መርዑ) ትዳሎ ኮይና፡ ናይ “ጋማ ጋዓት” ተባሂላ ካኣ ትጽዋዕ። ሓደ ሓደ ጊዜ፡ ናይ “ጋማ ጋዓት” ንኹል ነቲ ክሳብ ዝወግሕ ኣብ ጓይላ ዝሓደረ ሰብ፡ ከም ሓውሲ ኮይና ትብላዕ ኢያ። ኩሉ ዘዝበልዐ ካኣ “ፈረይትን ጸገይትን” ይግበሮም እንዳበለ ይምርቕ።

 

መደምደምታ፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ፡ መርዓ፡ ብኹሉ ኣካላት ዓዲ (ቆልዑ፣ ኣዋልድ፣ ኣንስቲ፣ ሰብኡትን ኣጓብዝን፣ ትካላት ዓዲ፣ ንብረት ዓዲ፣ ወ.ዘ.ተ.) ምውሳእ ዝዕመም ኣገዳስን ክብሩን ውራይ ዓዲ ኢዩ። እቲ ኩሉ ንውራይ መርዓ ንምኽያድ ዝግበር ንጥፈታት፡ ኣብቲ ዓዲ “ማሕበረ-ሰባዊ ስጥመት፣ ሓልዮት፣ ፍቕሪ፣ ስኒት፣ ሰላም፣ ዓዳዊ መንነት፣ ወ.ዘ.ተ.” ንኽፍጠርን ዓዅኹ ንኽድልድልን ይገብር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐ ጎበዝ  ተምርዕዩን ተደርዕዩን ተካኢ መጻኢ ወለዶ ክፈርን ክጸግን ተኽእሎ “ባህርያዊ ከባቢኣ ዝተሓለወት” መበቆል ዓዲ ከምትህልዎ’ውን ይገብር ኢዩ። እሞ፡ ከምዚ ካብ ኮነ፡ እስከ ኣንበብቲ ምልስ ኢልኩም ብዛዕባ እታ ተወሊድኩም ዝዓበኹምላ ዓዲ ሕጂ ዘላቶ ኩነታት ሕሰቡ። እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ፡ ኣሎ ዶ? ይግበር ዶ? እተን ዝቕበላ ኣዋልድ ኣለዋ ዶ?  እቶም ዝዘሉን ኩሉ ንጥፈታት ዝዓሙን ኣጓብዝን መንሰያትን ኣለዉ ዶ? እቶም ወራድ መርዓ ወሪዶም ኩሉ ዝግባእ ገይሮም መርዓት ሒዞም ዝምለሱ ዓበይቲ ዓዲ ኣለዉ ዶ? እቶም ማይን ናይ መርዓ ናውቲ ዝጓርቱን (ዝላኣኹን)፡ ዋላ ብጫው ጫዎም ከይተረፈ ንመርዓ ሂወት ዝህቡን፡  ቆልዑን ኮተቴን ኣለዉ ዶ? እተን ለይትን ማዓልትን ሰሪሐን “ኣየ ውራይ” ዘብል እኽለ-ማይ መርዓ ዘዳልዋን፡ ንመርዓት ንመርዓውን ዕልል እንዳበላ ዝቕበላን ኣዴታት ኣለዋ ዶ? ሕጽር ብዝበለ፡ እቲ ንቡር ሂወት ዓዲ ዝባሃል ኣሎ ዶ? እቲ ንቡር ሂወት ዓዲ እንተዘየሎ ኸ መንነት ዓዲ ከም ዓዲ ኣሎ ክባሃል ዶ ይካኣል? መንነት ዓዲ እንተዘየሎ ኸ፡ መንነት ሃገር ኣሎ ዶ ክባሃል ይካኣል? መንነት ሃገር እንተዘየሎ ኸ፡ ሕብረተ-ሰብን ሃገርን ሂወት ኣለዎም ዶ ክባሃል ይካኣል? መልስታትን ናይ መልስታት መደምደምታን ንኣንበቲ እገድፎ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ዝቕጽሉ ክፋላት ጽሑፋት፡ ናብዚ ዛዕባ እዚ ተመሊሰ ትንታነ ክህበሉ ምዃነይ ኣቐዲመ ክሕብር ይፈቱ። ቅድሚ ናብኡ ምምላሰይ ግን፡ ኣብ ሻዱሻይ ክፋል፡ ብዛዕባ እቲ ተሪፎም ዘለዉ ምስ ንጥፈታት  መርዓ (ኣብ እንዳ ወዲ) ዝተኣሳስሩ ጉዳያት ክንርኢ ክንፍትን ኢና።

 

ስለዝኾነ፡ ኣብ ሻዱሻይ ክፋል፡ ብዛዕባ ስነስርዓት ዓርኪ-ሳልስቲ፣ ስነስርዓት ሕጽኖት/እንዳ መርዑ፣ ኣገባብ ምልሶትን እትዋትን ሰፊሕ ትንታነ ክቐርብ ኢዩ።

 

ሻዱሻይ ክፋል

[1] እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ብዛዕባ ማዓልታዊ ሂወት ኤርትራዊት ያትዊ ዓዲ እንታይ ከምዝመስል ሓፈሻዊ ስእሊ ንኣንበብቲ (ብፍላይ ንኤርትራውያን መንእሰያት) ንማሃብ ዝዓለም ስለዝኾነ፡ ኣብ ደቀቕቲ ንጥፈታት ዓድን፡ ብዛዕባ ኣብ ዝተፈላለይ ኣከባቢታት/ዓድታት ኤርትራ ዝገበሩ ፍልይ ዝበሉ ወግዕታትን ልምድታትን ምትንታን ዘይኣቱ ምዃኑ ኣንበብቲ ክግንዘቡለይ ብትሕትና ይሓትት። ብኣንጻሩ እዃ ዳኣ፡ ኣንበብቲ፡  ንማሕበረ-ሰባዊ ሂወት ነብሲ-ውከፍ ዝዓበይሉ ዓዲ ወይ ኣከባቢ ዝገዝኡ ወግዕን ልምድን ብምዝኻር፡ ሕጂ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከቡ ከስተባህሉ እየ ዝጽውዕ ዘለኹ። እዚ ጽሑፍ እዚ ካኣ፡ ከም ሓፈሻዊ ማኣዝን መትሓዝን (frame of thinking) መወከስን ኮይኑ ጥራሕ ከገልግል ኢዩ ዝቐርብ ዘሎ።

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Hagos May 29, 2018

    ክብረት ይሃበልና ፤ የቐንየልና።

    ነዚ ዝመስል ታሪኽ ባህልን ውርሻን እንከለናስ ነቲ ናትና ከይኽበርና ነቲ ናይ ባዕዲ እነማዕዱስ እንታይ ዓይነት በሃማት ኮን ኢና?
    ነቲ ናትና ፈንፊና ናይ እንዳማትና ተኻሪና እንታይ ዓይነት ሃገር ክንምስረት ንኽእል?

  • Gezae June 3, 2018

    Most ancient societies needed a secure environment for the perpetuation of the species, a system of rules to handle the granting of property rights, and the protection of bloodlines. The institution of marriage handled these needs. The main goal of marriage, earlier on, was to act as an alliance between families. Thus, marriage took on a new role of saving men and women from being sinful and procreating. Nevertheless, love wasn’t a necessary ingredient for marriage during this or that era,.

    Hence, throughout history, and even sometimes today, families arranged marriages for couples. Most couples didn’t marry because they were in love, but for economic liaisons. The people involved didn’t have much to say about the decision then, and often don’t today, either. As most of us know, the traditional nuclear family was a husband and wife with children. The husband worked out and the mother took care of the family at home. Some consider this was a myth less common that what might expect from reading about older times. But:

    Most of our today’s grandparents raised their families in villages that resembled churches or mosques, whether Asmere or Adi Keih, Mendefera or Keren, Massawa or Assab and others of to-days cities of Eritrea. Each began as a village of a few families, a church or mosque and perhaps a school on their sides. As agricultural people, cattle rears, and tradition fishers they were sustained by the land, sea, cattle and the labors of the whole family.

    At that time marriage was not designed for personal fulfillment but to bear children and fulfill obligations. Personal relationship between husband and wife did not count for much in marriage. Instead, the economic interests of the couple’s parents or community were paramount. The idea that individuals should freely choose their own mates on such a self-indulgent basis as love was considered irresponsible. And couples were not expected to construct a relationship that fostered mutual contentment but to conform to one rigid marital model based on male dominance and wifely subordination. Divorce was unthinkable.
    Cont…

  • Gezae June 3, 2018

    From what I know about of the past, in the upper classes, people married to acquire influential in-laws, forge land deals or even conclude peace treaties. In the middle classes, men looked for wives who would bring a handsome dowry at marriage. Women married for social respectability and future financial security. Farmers and artisans could not survive without a yoke-mate, so a strong arm and good work ethic outweighed more sentimental considerations. The traditional nuclear family was a husband and wife with children. The husband worked out and the mother took care of the family at home. The reason that some consider this was a myth was that it was less common that what one might expect from reading about older times

    Let come back to my base. My grand father was an Italian Soldier who moved with his family to the new towns of Eritrea. My father was born at Forto Banda Sera, then moved to Hazhaz, and finaly to Deposito, Gezakenisha, of today Asmara City along my grandparent. My Mom is from a small village about 7 kms away from small town of DEBARUBA and never seen my dad before their marriage. What do you assumed about their marriage’s type? No doubt it was arranged marriage. Arranged marriage is the union of a man and a woman which is brought about by someone other than the bride and groom mostly by parents where the groom didn’t even meet the bride.

    There were many marriages where the groom didn’t even see the bride like my parent. Very many used to get married without giving their hearts. Love wasn’t a necessary ingredient for marriage during this/that era. Any way, viewed marriage as a very blessed relationship that gave marital partners an opportunity to love and forgive. Thus if love could grow out of it, that was wonderful. Here an important fact to note is that an arranged marriage is not the same as a forced marriage [ZEREFA], nor is it necessarily an involuntary union foisted upon unwilling participants by their families.

  • Gezae June 3, 2018

    My generation were born and lived in the city. Actually, at that particular time the institution has been advanced. Some marriages were by proxy, some involve a dowry (the bride’s family giving money or presents to the groom or his family,) and some require a bride price (the groom or his family giving money or a present to the bride’s family). Few may have any sort of courtship or dating, but most have deep-rooted traditions. In my age as most Asmarino experienced first comes love, then comes marriage. We talk about the importance of friendship and companionship in marriage. We feel the freedom have or not to have children and select a church or mosque that meets our personal preference. And divorce was the way other families solved the problems.

    Universal marriage tradition is that of the engagement ring. It is believed that the roundness of the ring represents eternity. Thus, the wearing of wedding rings symbolizes a union that is to last forever. In fact, it was once thought that a vein or nerve ran directly from the “ring” finger of the left hand to the heart However, this has not always been the case throughout. However, the idea that marriage is based entirely on love was a fairly new concept for our grandparents and parents, and even in the contemporary Eritrea, there are men and women who meet their spouses through either a matchmaker or an interested family member.

    In today’s traditional nuclear families, it is common to have dual incomes. Both parents work to provide financial stability for the household, creating a larger cash flow to supply the basic family needs. Thus, in our age many families are often dual career. With both parents away at work, children learn to become self-reliant and independent, and cultivate their own circle of friends
    .
    Relationships in which both partners have an outside career are increasingly common, even among couples with children. This is becoming more commonplace due to more women entering the workforce and the need for a double income to support a family or preferred lifestyle. There are benefits and drawbacks to this type of family and work style that affect each couple or family differently. This has potential dangers such as falling into bad company, but proper monitoring and support by either spouse can convert this independence into an advantage for the child in the long run.

  • Gezae June 3, 2018

    However, we tired of hearing about all the bad things that can happen when both parents have demanding, full-time jobs and evolving new nuclear families. In this day and age, dual career families and each parents member choice/s are actually the norm and that’s unlikely to change any time soon. Specifically the most obvious positive impact of dual career family is the greater economic security with both parents earning income. Economic security translates to lesser financial worries for present and the future, a better quality of lifestyle with increased income, and the ability to withstand sudden economic shocks such as layoffs or unexpected salary delays due to a financial crisis in a company a weak government institutions.

    The benefits of economic security extends beyond financial gains. Financial security reduces stress, depression, and anxiety leading to better marital relationships. It also prevents one from working too hard on the job and reduces job stress considerably. An added benefit of dual income economic security is the opportunity for one spouse to take risks such as a midlife career change, seeking out better opportunities for long term gains without bothering about the family finances in the short term.

    Here we observe, like all historical change, the revolution in marriage and nuclear family has brought trade-offs a lot, but the changes we like and the changes we don’t like are largely inseparable. Relationships that work, work better than the past. Relationships that don’t work are more likely to break up even if we started with love, before or after marriage. However, many people believe that the instability of modern marriage exists because husbands and wives don’t take their relationships as seriously as people did in the past.

    For thousands of years, law and custom enforced the subordination of wives to husbands. Wife-beating, had a legal right men to do. But as the women’s-rights movement gained strength in every corner, wives slowly began to insist on being regarded as their husbands’ equals, rather than their property. Different periods of time and various cultures have very dissimilar histories when it comes to women. In HGI LEGEDHIWA in theory, gave women equal rights, but it wasn’t always practiced. Hence, in today’s climate of choice, even there is no way to return to where lifelong marriage is the rule for all. You can only help people get their marriages off to a better start and provide support systems to help couples improve and preserve their relationships.

POST A COMMENT