Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምምልካት ዶብ ሰላም የምጽእ’ዶ ወይስ…..? – ቀዳማይ ክፋል

ርጉም ኣንበጣስ ግራትካ በሊዑ ኣብ ደጎልካ ይሰፍር ይበሃል፡፡እዚ ምስላ’ዚ ከምዚ ገጢሙና ዘሎ ተካል ርካብ ምስተረኽበ ኢዩ ዝተባህለ፡፡ ኢሳይያስ ደምና ሰትዩ፡ ስጋና በሊዑ፡ የዕጽምትና ጊሂጹ ገና ገና ጠላሕ ኣይበሎን፡፡ሕጂ ውን ንፍጹም ጥፍኣትና ባዶሽ ሕልምታቱ ከተግብር ኣብ

ርጉም ኣንበጣስ ግራትካ በሊዑ ኣብ ደጎልካ ይሰፍር ይበሃል፡፡እዚ ምስላ’ዚ ከምዚ ገጢሙና ዘሎ ተካል ርካብ ምስተረኽበ ኢዩ ዝተባህለ፡፡ ኢሳይያስ ደምና ሰትዩ፡ ስጋና በሊዑ፡ የዕጽምትና ጊሂጹ ገና ገና ጠላሕ ኣይበሎን፡፡ሕጂ ውን ንፍጹም ጥፍኣትና ባዶሽ ሕልምታቱ ከተግብር ኣብ መጋርያ ኲናት ጠቢሱ ከህልቐና ተቐሪቡ ኣሎ፡፡እቲ ዝገርም ከኣ 21 ዓመታት ክትሰምዖ ብዘስካሕክሕ ከም ዘይ ጨፍጨፈናን ከምዘይ ይደሃኸናን ሎሚ ሓላይ ህዝብን ሃገርን ክመስል ንብዓት ጨካን ሓርገጽ ክነብዕ እረአ ምህላዉ ኢዩ፡፡ እንተ ንሕና ፍቕሪ ሃገርን እምነትን ዘዕወረናን ዘጽመመናን ድማ፡ ነቲ እንግሊዘኛ ትግርኛ መትሓዚ ዘይብሉ ፍጹም ዘይትርጎም ዕንኪላሎ ቃላቱ እናደገምና ኣብዚኣስ ሓቁ፡፡ በዚ ጉዳይዚ ዋጋ ዕዳጋ ክንገብር የብልናን፡፡ኣበዚ ጉዳይ’ዚ ዝዕግብ ዘሎ መንግስቲ ኣሜሪካን ተላኣኺኡ ወያነን ኢዮም፡፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት እባ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ እምበር፡ በይነመንግስታዊ ንልምዓት ኢጋድ፡ሱዳን፡ ጅቡቲ  እንታይዶ መይዶስ እንታይዶ መይዶስ …….ወዘተ ክፍትሑ ዘይክእሉ ግድላት እናደርደርና፡ ባዕልና ኣብ መጻወድያ ኣቲና፡ ነታ ብመኸይ ይፈታሕ ትብል ሕቶ መልሲ ክንረኽበላ ኣይከኣልናን፡፡ በይንና ኣንጻር ብዙሓትን ርእሰ ሓያላትን ሃገራት ንምክት ኣለና፡፡ ዓለም ትዘርየና ኣላ፡፡ኤርትራ ብኣቀማምጣኣ ስትራተጅካዊት ሃገር ስለ ዝኾነት፡፡ ኩሉ እዚ እከይ ትልምታት ባዶሽ ሕልምታትን ኣጀንዳን ንጥፍኣትና ዝተዓጥቀ ኢሳይያስ ኢዩ፡፡ኤርትራ ባሕሪ ምድራ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን ዝብል ትምክሕታዊ ጭርሖ ሃጸይ ሃይለስላሰን ደርግን ኣብ ግብሪ ዘውዕል ዘሎ ኢሳይያሰ ኢዩ፡፡እቲ ምንታይ መሰረት ሓንቲ ሃገር ህዝቢ ኢዩ፡፡ንሓንቲ ሃገር ሃገር ዘብላ መሬት ባሕሪ ጎቦ ወረቂ ነዳዲ….. ካልእ ዘይኮነ ህዝቢ ኢዩ፡፡ጽባሕ ንግሆ   ነዚ ንብሎ ዘለና መሬት ባሕሪ ወርቂ ናተይ ኢዩ፡ ኢሉ ዝምግት ዋሕስ የግብእ ዝብል ዜጋና ግን እጠፍእ ይብተን ይበርስ መሰረቱ ተሓግሒጉ እባድም ኣሎ፡፡ኣብ ክንዲ ዘይክዉን ክፍታሕ ዘይክእል ሕልምታት ኢሳይያስ ክንፈትሕ ህርድግ ንብል ኣብ ሎሚ ኮይና ብዛዕባ ሎሚ እንተንሓስብን እነተንርእን ምሓሸና፡፡ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፍ ንዘሎ ህሉው ኩነታት እንታይ ይመስል ንምርኣይ እምበር፡ ምሕንጻጽ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ቅሳነት ዘለዎ ነባሪ ሰላም የምጽእ’ዶ ወይስ ኣይፋሉን፡፡ዝምልስ ውይ ትንታነ ዝህብ ኣይክኸውንን ኢዩ፡፡

ሎሚ ድሕሪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኣስካሕካሒ ደማዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ፣ድሕሪ ህልቂትን ብርሰትን ምምዝባልን ህዝብን ሃገርን፣ ድሕሪ ስምምዕ ምቁራጽ ተኽሲ ውዕል ኣልጀርስ፣ ድሕሪ ዓሰርተው ክልተ ዓመታት ንዳግማይ ኣህላቒ ውግእ ነገራት ክንብድበድ ነጋሪት ኲናት ክድሰቕ ንሰምዕ ኣለና፡፡ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት መንግስቲ ኢትዮጲያ ዶብ ሰጊሩ ተመጣጣኒ ምላሽ ዝበሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ምውሳዱ ዝዝከር ኢዩ፡፡ትማሊ 17 ሚያዝያ 2012 ጠቅላይ ሚኒስተር ኣቶ መለስ ዜናዊ ንፓርላማ ሃገሮም ኣብ ዝሃብዎ ዝርዝር ሓበሬታን መብርህን ድማ፡እቲ ናይ መጠረሽታ ምርጫ  ቀይሕ መብራህቲ ንኲናት ዝእንፍት ኢዩ፡፡ ጠቅላይ ሚኒስተር ኣቶ መለስ ዜናዊ “ሰለስተ ምርጫታት ጸኒሖምና ኢዮም፡፡ ሕጂ ድማ ራብዓይ ኣማራጺ ተወሲኽዎ ኣሎ፡፡”ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ፡፡እቲ ራብዓይ ኣመራጺ ኲናት ምዃኑ ኢዩ፡፡ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት ሓሳብን ኣመራጺታትን ኣብዚ ሰዓት’ዚ ይቀላቐሉ ኣለዉ ዓሞቕቲ ትንታነታት ዘድልዮም ኣይመስለንን፡፡እዚ’ኳ ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ጽላሉ ኣንቢሩላና እምበር ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመታት ሓዊ ሒዝካ ክትፋጠጥ ኣዝዩ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ፡፡ኣብርእሲኡ ድማ ቀጻሊ ሽርሕን ምትኹታኽን ምዝንጣልን ዳእላን፡፡ኣብዚ ደጋጊመ ከነጽሮ ዝደሊ ነገር እንተሃልዩ ኲናት ብዝኾነ ይኹን መለክዒ መፍትሒ ዘይምዃኑ ኢዩ፡፡ኲናት ዋላ ውን ተገዲድካ እተዎ ናይ ሕማቕ እቲ ዝሓመቐ ኣማራጺ ኢዩ፡፡ኲናት በሰልኡ ብኣጋ ዘይፍወስ ኣዕናውን ኣህላቕን ግጉይ ኣማራጺትት ኢዩ፡፡

ብዜካዚ ጠቅላይ ሚኒስተር ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ ሓደ ዓመት ካብ 10 ክሳብ 15 ዝኸውን ጉዳያትና ኣብ ጠረጴዛ ኮይና ንፍተሓዮ፡፡ንረዳዳእ ዘየሰማምዓና ነገራት ብልዝብ ንእለዮ፡፡ዝብል ተደጋጋሚ ሕቶታት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተላእከ ውን ገሊጾም ኣለዉ፡፡ሕጂ ውን ንረዳዳእ ብልዝብ ንፍተሓዮ ዝብል ጽኑዕ እምነት መንግስቲ ኢትዮጲያ ስለ ዝኾነ ነዚ ናይ ምርድዳእ ሕቶና ክቕበልዎ ሎሚ፡ጽባሕ፡ድሕሪ ጽባሕ ብዘይ ምስልካይ ክንቅጽሎ ኢና፡፡ብተወሳኺ ጠቅላይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ኣመለኻኽታ ኤርትራውያን ካብቲ ዝነበረ ግጉይ ኣረኣእያታትን ርድኢትን ከምዝተቐየረን ኣሽሓት መናእሰያት ኤርትራ ንግጉይ ፖሊሲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብምቅዋም ኣብ ኢትዮጲያ ዑቅባ ይሓቱን ይረኽቡን ምህላዎምን ገሊጾም፡፡ ኣብዚ ጉዳይዚ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጲያ ንኤርትራዊ ስደተኛ ከም ሓው ብምርኣይ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክረኽብዎ ዘይከኣሉ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክሳብ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንኽረኽቡ ከምዝተገብረ ውን ኣብሪሆም፡፡ብዜካዚ ሓደ ሓደ ሃገራት ዝወስደኦ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምጥራዝ ስጉምቲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ነቲ ዘጋጥሞም ከቢድ ወጽዓ ኣብ ግምት ኣእትዩ ሕቶ ኤርትራውያን መሊሱ ኢዩ፡፡ካብ ናብ ኤርትራ ምምላስ ኣብ ኢትዮጲያ እሕሸና ንዝበሉ ኣሽሓት ካብ ግብጺ ዝምለሱ ኤርትራውያን ዑቕባ ይህብ ኣሎ፡፡ኣብ መጠረሽታ ጠቅላይ ሚኒስተር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዳግማይ ኣጠቓላሊ ኲናት ክባራዕ ኢዩ፡፡ ዝብል እምነት ከምዘየብሎም ዓበይቲ ዓዲ ኢትዮጲያውያን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ንኽልቲኡ መንግስታት ከረዳድኡን ከቀራርቡን ከም ዝፈተኑን ከም ዘይተዓወተን  ውን ከየጠቐስዎ ኣይሓለፉን፡፡

እዚ ቀዲመ ዝገልጾ ዘለኹ ነገራት ምስቲ ድሒርና እንርእዮ ከም መእተውን መተኣሳሰርን ጽሑፍ ንኽኾነና ንምባል እየ፡፡ ብዜካ’ዚ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት 15 ሚያዝያ 2012 ዓ/ም ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኢሳያያስ ዝመርሖ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብተለቭጅን ረድዮ ጋዜጣ “ሓደ ዕቑድ ረጽሚ ሕጋዊ መኸተን ግዝኣተ ጫካን” ዝብል ተኸታታሊ ጽሑፍ እጋዋሕ ኣሎ፡፡እዚ ዝተራቐቐ መሳጢ ድራማዊ ጽሑፍ ኣንፈትና ኣጥፊኡ፡ ኣብ ጥርዚ ጫፍ በጺሑ ዘሎ ህዝባዊ  ቃላሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ ሓሸውየ ንምእታውን ንምቑጻይን ዝተጠጅአ ውዲት ኢዩ፡፡ ባእሰና እንገብሮ ኲናትን መኸተን ኣንጻር ርእሰ ሓያላን ዝኾነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኢዩ፡፡ኣብ መፋርቕ ግንቦት 1998 ዓ/ም ብምስማስ ዶብ ዝተባርዐ ኲናት ብሽግር ወይ ምስሕሓብ ዶባት ኣይነበረን፡፡ ኤርትራ ትእምርቲ ሰላምን ምዕባለን ብልጽግናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይትኸውን ዝሰገአ ምምሕዳር ዋሽንግተን ብተላኣኺኡ ወያነ ዝተስገደደ ኲናት ኢዩ፡፡ ንኤርትራ ኣብ ተደጋጋሚ ረጽሚ ኲናት ኣእቲኻ ንምድሃኻ ዝተዋደደ ግጉይ ቅማረ ምምሕዳር መንግስቲ ኣመሪካ ኢዩ፡፡የግዳስ ኣይተኻኣለን፡፡ዘስደምም ኣበሃህላ፡፡

መዛረቢ ዛዕባና ምሕንጻጽ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ብርግጽ ሰላም የምጽእ’ዶ? ንዝብል ከቢድ ዝተሓላለኸ ጉዳይ ንምርኣይን ንምምላስን ኢዩ፡፡ቅድሚኡ ግን ስለምንታይ ኢና ንሕና ኤርትራውያን ንፈትዋ ሃገርና ገዲፍና ብጅምላ እሞ ድማ ኣሽሓት ዶላራት ከፊልና ንስደድ ዘለና? ስለምንታይ ኢና ኣጻምእ ምድረበዳ ሰሃራ ተሳጊርና ኣብ ሲናይ ናውቲ ከብድና ብበደዊን ተዘሪፉ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝሽየጥ ዘሎ?ስለምናታይ ኢና ምድረበዳ ልብያ ተሳጊርና ረዳኢ ኣብዘይብሉ ማእከላይ ባሕሪ ክንጥሕል ዝተፈረድና? ስለ ዝጠመና? ስደት መሊኡ ዝፈስስ ገንዘብ ስለ ዝርከቦ?ዓድና ስለ ዝጸላእና? መንግስቲ  ኢትዮጲያ  ንውሳነ ከምሽን ዶብ ጥሒሱ ዶባት ክልቲኡ ሃገራት ንኽሕንጸጽ ኣብያ ስለ ዘርአየ? ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናጽነት ኤርትራ ስለ ዘይተዋሕጠሎም? ወይስ ካልእ….መራኸቢ ብዙሃን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘጋውሕዎ ዘለዉ ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ዘይክዉን ዛዕባታት?

እቲ ሕቶ ንኹልና እቲ መልሲ ውን ናይ ኩልና ኢዩ፡፡ከም ውልቀ ትዕዝብተይ ግን፡ ንሕና ኤርትራውያን እንፈትዋ ዓድና ገዲፍና፡ እግርና ናብ ዝመራሓና፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ተራእዩ ብዘይ ፈልጥ ቁጽሪ ብጅምላ ንስደድ ዘለና፡ እቲ ምኽንያት እቲ ጭቡጥ ሓቂ እዚ ቀዲሙ ዝተጠቕሰ ብፍጹም ኣይኮነን፡፡ኤርትራዊ መንእሰይ ኣሽንኳይ ኣብዚ ኣይ ናይ ሰላም ኣይ ናይ ኲናት ደብዛዝ ግዜ፡ ኣብቲ ከቢድ ናይ ኲናትን ወጥርን ሞትን መቕዘፍትን፡ ኣብ ደቓይቕ ሂወት ብሉጻት ጀጋኑ ዝተሓተተሉ ናይ ምትሕንናቕ ጸላም ግዜ ውን፡ ዓዱ ገዲፉ ኣይተሰደን፡፡ ነብሰ-ፍትወት ስዒርዎ ሂወቱ ከድሕን ንድሕሪት ግልጽ ኣይበለን፡፡ተወሪርና ዝብል ብቑንጮ መሪሕነት ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተሰነዐ መእመኒ ድራማዊ መግለጺ ምስ ሰመዐ ውን፡ ጎበዝ ተሸሞ እናዘየመ ኣብ መጋርያ ኲናት’ዩ ዓሲሉ፡፡ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ብስም ሰለስተ ወራራት ዝፍለጡ ደማውያን ውግኣት ድማ፡ ኣስታት ፍርቂ ቁጽሪ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ ዓመታት፡ ገድሊ ንናጽነት ዝኸፈልናዮ ክቡር መስዋእቲ ጀጋኑና ረዚን ዋጋ ኢዩ ሓቲቱ፡፡ኤርትራዊ መንእሰይ ግንባሩ ሂቡ እምበር ንናይ ጽባሕ ምቾት ኣየማዕደወን፡፡ሎሚ ሓቅን መገዲ ባቡርን ፊት ንፊት ኣብ ዝተፋጠጣሉ፡ዕምሪ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ኣፋፌት መቓብር ኣብ ዝተገምገመሉ፡ዳግማይ ኣንፈት ህዝቢ ንምስሓት ዝተኻየደ ኲናት ናይ ዶብ ኣይነበረን፡፡ ወያነ ተለኣኣኺ መንግሰቲ ኣመሪካ እምበር ዓቅሚ ዘለዎ ኣይኮነን፡፡ ዝተኻየደ ውግእን መኸተን ትምክሕቲ መንግስቲ ዋሽንግተን ንምስባር ኢዩ ዝነበረ፡፡ዝትሕዝትኡ ጋዕሮ ንሰምዕ ኣለና፡፡ዋርሳይ እዞም ሰባት መን ኢዮም? ተባሂሉ ኣብ ዘይ ምኽኑይ ኲናት ንኽኸትት ኣብ ዝተጸዋዓሉ ግን፡ብኹቡር መስዋእቲ ጀጋኑ ዝተገዘምካያ ሃገር ሉኡላውነታ ዓቅቦ፡፡ሕድሪ ስዋኣትካ ፈጽም፡፡ ግደኻ ግበር፡፡ወያነ ሕዱር ሕማም ደጊስዎ መሬትካ ወሪሩ ህዝብኻ ይቐትል ኣሎ ኢዩ ዝተባህለ፡፡ ይቕጽል……

ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ርኢቶ ሓፋሽ ክቕበል ምስቲ ዘበገስኩዎ ጽሑፍ ብዝጥዕም ናብ ህዝቢ ከቃልሖ ሓሳባትኩም በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክቕበል ድልው እየ፡፡ aranchi03 @yahoo.com

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ሚኪኤል እምባየ(ኣራንቺ)

Aranchi03 @yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • mokonen April 20, 2012

    ATA HAWENA ERITRAWE DIKA NAYMNTAY LIZB EKA TIBL ZALAKA BET FRDI ZIWASANO LIZB AYDLIYO KALIE AYDLIYO BIZY ZIKONA MIKNIYAT MITGBAR EU NAZE KANI WAYANA EU ABYU ZALO NUSU KA KIELATN AKMIN YABLUN ZARAYAT HIZU EU NI HGDF SILA ZAYDALAKAYOM SI HGARKA KITSHYT AYTHAFIRN DIKA KENI LIZIB ELKA KITZARAB

  • sami April 20, 2012

    I hate higdef more than you do. I see yu here simply messing up things. After all, this two governments went to court because they cannt solve their problems in table discussion. Many have tried it and failed. Finally they agree to go to court and abide by the rule.
    So why do you entertain Meles ideas, in this regard simply colel.com…….

  • 1234gebar April 20, 2012

    ምምልካት ዶብ ሰላም የምጽእ’ዶ ወይስ…. ሕንጻጽ ሓንጺጽካ ሰላም ከምዘይመጽእ ዝኾነ ዝፈልጦ’ዩ። ድሕሪ ምሕንጻጽ ግን ክልቲኡ ሕዝብታት ብሰላም ምእንቲ ክነብር ክልቲኡ መንግስታት ናይ ሰላም ዘተን ስምምዕን ክፈራረም ኣሎዎ። እዚ ክልቴኦም መንግስታት ኣብ ቅድሚ ሕቡራት መንግስታትን ካለኦት ኣህጉራውያን ውድብትን መሰኻክርንን ቀሪቦም ንዝውሰን ውሳኔ ይግባኝ ብዘይባሃሎ ክቕበሉ ምዃኖም ስለዝፈረሙ ግን ነቲ ዝተወሰነ ውሳኔ ብዘይ ጉዕጽጽ ምዕጽጽእ ክቕበልዎ ይግባእ። ጽሑፍካ ግን እንታይ ከምዝብል ኣይነበብኩዎን።

  • Truly,Truly i say to you April 21, 2012

    A man of war like Isayas who he is caused a lot of war and who he is the caused of for the lost of many innocent lives, and nation destruction, by no means can be a man of peace or a nation constructor at the same time as well. This is God´s logic. It is this modern world politic logic too. Examples, Look what God´s word teaches us, when at time the man of war King David, when wanted to build a temple to honor God, the replied he got from God. God told David” You had killed too many people and fought too many wars. And so, because of all the bloodshed you had caused,i would not let you build a temple for me. But another peaceful man Solomon would build the temple ” ( Chronicles 21, 7-8…) And in this modern world,learning from God´s wisdom nations like USA´for Example, If during leader the Republican party leadershipment like Bush or others if caused a lot of war for good reasonable reason, next time for peaceful solution or way ,they using the democratic party leaders like Clinton or Obama as alternative. This is a real wisdom which is given from God anyone to know and how to lead the nation. But the blood sacker and blood thirsty self elect devil leaders like Isayas they wouldn´t know about this logic, even they wouldn´t like to hear, because there is a lot of innocent people blood in their hands.

  • SINGAPO - ERITREAN April 21, 2012

    “”ጥይት ዘይሰጎጓስ,ብሕብረት መንእሰያት ተደርዒማ “”ትንቢት ሲንጋፖ-ኤርትራዊ

    ኣሞይ ቅጭን እምበር ሰንከልከል ኢላ
    ዊስኪ ኣይኮነን “black label” ከም ኣመላ
    ናይ ዘበን ቃልሲ ናይ ገድሊ ከይኣኽላ
    ኣንጭዋ ትበትኮ ኣረጊት ሽጣራ ሓዚላ
    ኣስመራ ዝኣተወት ገርሂ ልቡ ህዝቢ ኣታሊላ
    ቀለብን ሓሶትን እናሓደራ ከምዝቐላ
    ፈራሕ ጉረኛ ምዃና ሎምስ ተበሊላ
    Ivory Coast ኽትከይድ ባልጃ ገዚኣ´ላ
    ዚምባብወ,ምስ መንግስቱ ክትግዕዝ ጠቕሊላ !!!
    ኣካይዳ ኣሞይ ንጸላኢና ኣይኹኖ
    ብምርቓ ኣትያ ብመርገም ትፋኖ
    እንዳተመልከት ብጠባያ ትጽላእ ትምኖ
    ኩሩዕ ህዝቢ ኣእትያቶ ኣብ ልማኖ
    ናይ ሃጸይ ምኒሊክ ኣጀንዳ ከተስፍኖ !!!
    ኣሞይ ሰፍኢ ብዓልቲ ሾውዓተ ዕላማ
    ንጉሆ ዝበለታ ምሸት ዘይትደግማ
    ጓል ጃንሆይ ደይነበረትን ናይ ክቡርነታቸው ጫማ
    ቻይና ደይከደትን ብልግሲ ቅያዳ ኣል ዓማ
    ዴሳዊት´የ ደይበለትን “ንቕሓት” ማርክስ ተሸኪማ
    ጸላም ጽዮናዊት ብሰንኪ ጣንጡ ሃመማ
    ሲንጋፖር ጥር ኢላ ዊስኪ ምስ ጥዓማ
    ብድሕሪኡ ሳእኒ ሊብያን ኢራንን ስዒማ
    ተመሊሳ ኣልሸባብ ትማሓዞ ሻርባ terrorism ተጠምጢማ
    ሎምስ ሎቕሊቓ እያ ባጽዕ ምሕዳራ ኾይና
    ብኣየር እንተዘይሰለጠ ብባሕሪ ሰፈፍ ኢልካ ህድማ
    ኣሞይ ፈሽክዋል ብዓልቲ ሾውዓተ ዕላማ
    ኣብ ዘዝኣተወቶ ድቃስ ከሊኦማ
    ቀጠር ተበጊሳ,ከተሕዊ ኣልኮሊዛቶ ሕማማ
    ብዓበይቲ ተመሊኻስ,ንኣሽቱ ዕርቃና ቀንጢጦማ
    ብጥይት ዘይተበገረትብጥርኑፋት መንእሰያት ተደርዒማ
    ግን ኣይትረስዑ ከም ትሓድገልና ዘኽታም ካዝና
    ኣሞይ ጓል ስግር ማዕዶ ፣ ዓሻ ምዓስ ኮይና !!!!!!!!!!!!!!!

    • Fekrawi April 21, 2012

      awlo alwo… man that is really great talent, great message, keep it up until ‘lehasit nay Iran nay Libya chama’ is gone for good!!

  • Mike G April 21, 2012

    Mike, you said it very well.
    Our people need to think out side of the box. At this time, the enemy of Eritrea and its people is Higdef. So,lets fight Higdef and their supporters first, then next we will settle our border issue with Ethiopia. Let’s get rid Higdef and establish a government which represents us.

  • efrienyohenes@yahoo.com April 21, 2012

    mike are u from weyanie? the big problem for east afrika is weyanie agamino they fight against eritrea somalia to satsfiey their masters usa

  • Mike April 21, 2012

    Efrienyohenes, I am an Eritrean but I don’t know about you.
    Normaly I don’t have time or patience to respond to the stooges of Higdef. This is my final reply. ” YIRDAEKA “

  • hayelom werede April 21, 2012

    ‘HUSUR MEARE AQMU YEHISIREKA’ diyom elomo lebamat adina. The author of the above article is clearly repeated what aite Legese Zenawi has said it time and again. Hence he is a mouthpiece of aite Legese Zenawi.

  • kebaritekl@yahoo.com April 22, 2012

    ናብ ጅግና ጸሓፊ ሚኪኤል ኣራንሺ
    ብመጀመርያ ዝኸበረ ሰላምታይ እብጻሕካ፡፡ጽሑፋትካ ሓቂ ለበስ ንትብዓትካን ተወፋይነትካን ዝገልጽ ብምዃኑ ነበብትኻን ኣድነቕትኻን ብዙሓት ኢና፡፡ኣንቂድካዮ ዘለኻ ጽሑፍ ብዘይ ቀልዓለም ንብልሕኻን ሓቀኛ ናይ ምቅላስ መንፈስካን ዝመዝን እዩ፡፡ስለዚ ደጋጊመ ዝብለካ ሓቂ ካብ ምግላጽ ድሕር ከይትብል፡፡መንነትካ መን ውዲመን ምዃንካ እቶም ንፈልጠካ እኹላት ኢና፡፡ሚኪኤል ኣራንሺ ዘይፈልጥ ወዲ ማይተመናይ ወዲ ገዛማንዳ ብሓፈሽኡ ውን ወዲ ኣስመራ ስለ ዘየለ፡፡ብዛዕባኻ ብዙሕ ምገለጽኩ፡፡ሓደ ካብቶም ኣብ እንዳሰለሙን ቢቕቢቕ፡ ባር ጆስ ከይተዘከሩ ዘይውዕሉ ፍትዋት ደቂ ኣስመራ ስለ ዝነበርካ፡፡ነቶም ዘይፈልጡኻ ክፈልጡኻ ግን ብዓቕመይ ገለ ክብሎም፡፡ቀዲመ ግን ጽሑፍካ ምሕንጻጽ ዶብ ሰላም የምጽእ ዶ ወይስ ኣፋሉን፡፡ እምበር ዳብ ኣይተሓንጸጽ ዝብል ከም ዘይኮነ ንገለ ዝተደናገሩ ከዘኻኽሮም እደሊ፡፡ብወገነይ ምሕንጻጽ ዶብ ውሑስ ሰላም ኣየምጽእን እዩ ዝብል ሓሳብዩ ዘለኒ፡፡
    መሰለይ ካብ ኣስመራ

POST A COMMENT