Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

UPDATE: (ገለ ኣስማት ደሃይ ዘጥፍኡ) ካልኣይ ምሕጽንታ: ብ 27-28 ሰነ (ቅድሚ ወርሒ) ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ተበጊሳ ዛጊት ኣሰራ ብዛዕባ ዘይተረኽበ ጃልባ

ብ27- 28 ሰነ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሒዛ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝተበገሰት ጃልባ ክሳብ ሕጂ ደሃያ ኣይተረኽበን። ኣብ ሻቕሎት ንዘለዉ ስድራቤታት ጠቒስና፣ ኣሰር ናይዞም ኤርትራውያን ንምርካብ ብ26 ሓምለ ዝዘርጋሕናዮ ምሕጽንታ ‘ውን ፍረ ኣይተረኽቦን። ሰለ’ዚ ኣሰር

ብ27- 28 ሰነ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሒዛ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝተበገሰት ጃልባ ክሳብ ሕጂ ደሃያ ኣይተረኽበን። ኣብ ሻቕሎት ንዘለዉ ስድራቤታት ጠቒስና፣ ኣሰር ናይዞም ኤርትራውያን ንምርካብ ብ26 ሓምለ ዝዘርጋሕናዮ ምሕጽንታ ‘ውን ፍረ ኣይተረኽቦን።

ሰለ’ዚ ኣሰር ናይቶም ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን ንምፍካብ እንተሓገዘ፣ ኣብ ሽግር እንተለዉ ረዲኤት ክረኽቡ፣ ከምኡ ‘ውን ኣምላኽ ኣይግበሮ እታ ጃልባ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ እንተኾይኑ ‘ውን ግዳያትና ክንፈልጥ መታን፣ ቤተሰብ ናይቶም ኣብቲ ዕለት ኣብዛ ጃልባ ዝተሳፈሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርዝር ሓበሬታ፣ ማለት ሽምን ዕድመን ዓድን ዝርከቦ መለለዪ ሓበሬታታት ናብዚ ዝስዕብ ኢመይል aseye.asena@gmail.com ክትልእኩልና ብትሕትና ነዘኻኽር።

ኣሰና ፋውንዴሽን

30 ሓምለ 2014

 

 

UPDATE:ብዛዕባ ደሃይ ዘጥፍአት ጃልባ – 02 ነሓሰ 2014

ገለ ካብቶም ኣብታ ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ምስ ተበገሰት ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ደሃይ ኣጥፊኣ ከምዘላ ዝንገረላ ዘሎ ጃልባ ተሳፊሮም ከምዝነበሩ ዝጥርጠሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት። እዚ ሓበሬታ ‘ዚ ካብ ቤተሰቦም ዝተረኽበ እዩ። ብዛዕባ’ዞም ተጠቒሶም ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝኾነ ሓበሬታ ዘለዎ ኢመይል ይጽሓፈልና፣ ወይ ንስድራቤቶም ብቐጥታ ይሓብር። ካልኦት ምስዛ ናይ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ጃልባ ደሃይ ቤተስብ ዝጠፍኣኩም ከኣ፣ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ልኣኹልና። ኣምላኽ ይሓግዝ።

 

  ስም ዓዲ ዕድመ ተወሳኺሓበሬታ
1 ኣስቴር የማነ ከባቢተሰነይ 45 ምስጓላ፣ጓል 22 ዓመት፣ኣደ 2 ቆልዑሰገንዘርእሰናይ፣ብጠቕላላ 4 ትንፋስ
2 ሮቤል መኮነን መንደፈራ   መንደፈራ (ከባቢዓዲቐይሕ)
3 መርሃዊ ተስፉ ኣዅሩር 17 ከባቢሰገነይቲ፣ደቀምሓረዝዓበየ
4 ሓምደዩኤል ገለብ፣መንሳዕ  
5 ግርማኣለም በሪህ ዘርኡ      
6  ፍረሰላምደብረጼን      ኣብበለዛዝቕመጥዝነበረ
7  ተኽሊትኣልኣዛር      ኣብበለዛዝቕመጥዝነበረ
8 ሃሽምዳኒእሽማዒል  ኳዓቲት   ኣብ ኣኽርያ ዝቕመጥ ዝነበረ
9 ተስፉ ኪዳነ ደግራ
10 ማቲዎስ ዑቕባዝጊ ደግራ
11 ሓጎስ ተኽለ ዓደንገፎም
12 የውሃንስ መንግስትኣብ 20
13 ቀለኣብ ገርዝጊሄር
14 ኣብርሃም በርሀ
15 ዮናታን ጸሃየ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
50 COMMENTS
  • wondering August 2, 2014

    which is the root cause to all of this, and beyond
    1. Eseyas afeworki- If Esayas afeworki goes from the scene, would the situation change for the good?
    2. PFDJ – If PFDJ implodes, would that serve the people to the better? Comparing to the known in this time with the unknown next time?
    3.The national service -If PFDJ stops the national service or makes it only to its appropriate time, would that stop the out flux of the people?
    4.Ethiopia -If weyane hands over badme, would the situation change for the better?
    5.Gedli- Was gedli truly for the interest of the people, or power for the few cliques?such as if esayas afeworki was to be granted a key power position within the former Ethiopian government, could he be the kind of the guy who would gladly accept, and throw the entire gedli?
    6.WOrld powers – Do world powers want to see a weaker Eritrea? and hence a conspiracy? what for?

  • dudush August 2, 2014

    I don’t know why these people who are crossing to Europe risking themselves to die. Why they don’t fight that DIA regime and die for their honor and make the history instead of losing their life in the see and no body and history care about them.

  • WELID NAFEE August 3, 2014

    ema hawey btgero zelokha srah kednqeka yfetu ajokha ktewet ekha

  • monica salguero August 3, 2014

    Egzio meharena Cristos!
    Hagerey nmen kem tkonydo ngeriny!
    dekki kab hefkuki endatef-u ksab me-as eyu?

    Ho Goita halekan xeneatkan habena Amen!

  • monica salguero August 3, 2014

    Ho Goita haylekan xenatkan habena Amen!

  • mohammedkeren August 3, 2014

    Why assenna is obsessed with only sad news?

POST A COMMENT