Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምሕደራ ወዳኑ

ምሕደራ ወዳኑ ባንዴራ ኣንበልቢለ ኣፈይ ዘይከፍተሉ ነጻ ሃገር ኮይነ ከም ሰብ ዘይኮርዓሉ ወደባት ወኒነ ንግዲ ዘይነግደሉ ኣብ ገዛእ መሬተይ ባርያ ዝኮነሉ ዝነኣሰት መሰል ከብደይ ዘይጸግበሉ ነዚ ድዩ ኣሻሓት ሂወት ተኸፊሉ ።   ምስ ምሉእ ኣእሙሮይ ምህሮ ተሓሪመ ናይ ጃምላ ትምህርቲ ብሓይሊ ተዓሊመ ብነጻ ከይዋሳእ ኣፈይ

ምሕደራ ወዳኑ

ባንዴራ ኣንበልቢለ ኣፈይ ዘይከፍተሉ

ነጻ ሃገር ኮይነ ከም ሰብ ዘይኮርዓሉ

ወደባት ወኒነ ንግዲ ዘይነግደሉ

ኣብ ገዛእ መሬተይ ባርያ ዝኮነሉ

ዝነኣሰት መሰል ከብደይ ዘይጸግበሉ

ነዚ ድዩ ኣሻሓት ሂወት ተኸፊሉ ።

 

ምስ ምሉእ ኣእሙሮይ ምህሮ ተሓሪመ

ናይ ጃምላ ትምህርቲ ብሓይሊ ተዓሊመ

ብነጻ ከይዋሳእ ኣፈይ ተለጒመ

ክሳብ መዓስ እዩ ከምዚ ተጸሚመ ።

 

ብናይ ዶብ ምሕንጻጽ ጅሆ ተታሒዘ

ዓቕሊ ጸቢቡዎ መንእሰይ እንዳዋሓዘ

ለባምዶ ስኢንና ምኽንያት ዝሓትት

ዓዲ እንዳ ባደመ ዓይንና ንዕምት ።

 

ናይ ህግደፍ ባርነት መን ክወዳደሮ

ካብ ባዕዲ ዝሓስም ዘዝዉር ኣእምሮ

ብዘይካ ተበላጺ መንዩ ዝጻወሮ

ንመን ዘይበጽሖ ንመን ዘይመረሮ ።

 

ክንዲ ብነጻነት ትነብር ቀሲንካ

ሕጂዶ ትስደድ ሃገር ነጻ ኣዉጺእካ

ስራሕ ተዘይትኽላእ ተዘይ እሰር ኢድካ

ምስ ክእለትን ገንዘብን ዕድል ተሓሪምካ ።

 

ወፍሪ ዝጸምኣ ዓድኻ እንከላ

ብመግዛእትን ውግእን ዝኣተዋ ሰለላ

ኣይተዓደለትን ደቃ ክሰርሑላ

ብሒቶማ ጭፍራ ተመን ቶኽላ ።

 

ጥሜት ብጉኑኑ ምዕባሌ ክትሰብኽ

ትሕቲ ቅርጺ ሰሪሕና ክትብል ዘይትሓንኽ

ነጻ ንግዲ ዘይብሉ እንታይ ክዓብስ

ቱሪዝም ብዘይ ንግዲ ከመይሉ ክብገስ ።

 

ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ህንጸት ከልኪልካዮ

ብኡኡ ዝማሓደር ናብ ሽግር ኣእቲኻዮ

ነጻ ጉልበት መንእሰይ ናይ ጊላ ጌርካዮ

ብርትዓዊ ድኳናት ህዝቢ ቀሺሽካዮ

ዓቕሚ ኪኢላታት ከንቱ ኣባኺንካዮ ።

 

መጓዓዝያ ወኒንካዮ ብሊሎ ብሓራት

ህዝቢ ቋሪንካዮ ብስም ኣገልግሎት

እቶት ኣልቦ ኮይኑ ካብ ደገ ዝምጽወት

ዓዲ ኣቃሊዕካዮ ንጃምላ ሽግራት ።

 

ኣይካኣልንዩ ብዘሎ ክቕጽል

ነብስና ኣይንቐሽሽ ኣይንበል ዕንኪሊል

ሃገር ብዘይ ቅዋም ከመይላ ክትትከል

ንሱዩ መሰርት ናይ ሰብአዊ መሰል ።

 

ቀደም ዝንበረ ንኩሉ ቁጽጽር

ካብ ድኳን ናብ ድኳን ነጋዲ ክግብር

ንግዲ ተኸልኪሉ ከሎ ተሎኪቱ

ብዘይ ፍቓድ ኣቕሑ ከመይሉ ይኣቱ ።

 

ግብሪ ዘይከፈለ ኣቕሑ መሊኡ

ገመልያ ሰሪቕካስ ያኢ ተሓቢኡ

ኣየ ናትኩም ምሕደራ ምሕደራ ሸፋቱ

ቅድሚት ኣየበግስ ዓዲ ነየእቱ ።

 

ባዓል ሽቱ ምቱ ባዓል ሽላ ራዉያ

ብናትኩም ምሕደራ ዓድና ተሃስያ

ዝነበረ ክብረት መሬት ተደርብዩ

ጭፍራ ናይ ወዲኒስ ዓድና ክትኣልዩ ።

 ሃብተ ክፍለ

ካይሮ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • selemon February 16, 2014

    በዓል ሃብተ ትበሃሉ ከለኹም
    ምስ ወያነ ሓደ ዝመትከልኩም
    ብኸመይ ሓቂ ክወሓጠልኩም
    ደሓንዩ ጸሓፉ ከምድላይኩም
    ኤርትራዊ ይፈልጥዩ መስርሕኩም
    ብኽልተ መልሓስ እንዳዕለልኩም
    ብሂል ናይ በዓል መለስ ለጊቢኩም
    ውድቀትኩም ቀሪቡዩ ከም ጎይታኹም

    • rezene kidane February 16, 2014

      Selemun ekwa xemam hade derfu sle zkone botaA’u ab nay tarik gohaf iyu. hansab suleiman hansab selemun enabele iyu zixhif miskinay. haqi ente zihlwo kem sebu bhaqegna smu miatewe neyru. Esub nay isayas sile zkone gn selah enabelen asmat enaqeyayeren iyu zxihf. Poor fellow!! entay kon gedisuka iyu kndzi frhi? zmeseleka naxa konka zeytzareb gda kab kurkur nay hade sekram diktater tkewn?

  • Mesinas February 16, 2014

    ክቡር ሓው ሃብተ ክፍለ፡ ይበል ኣሰራርዓ ግጥሚ! ይበል መልእኽቲ! ሓንቲ ግን ክላበወካ ፍቐደለይ? ስነ ጥበብ ብትምህርቲ ዝምዕብል’ምበር ብትምህርቲ ዝርከብ ህያብ ኣይኮነን። ተፈጥራዊ ፍሉይ ህያብ’ዩ። ስለዚ ድማ’ዩ ስነ ጥበበኛ ረቢ (መምህር) ሕብረተሰብ ኪኸውን ዘለዎን ዚግብኦን። ንስኻውን ከም ስነ ጥበበኛ መጠን ረቢ ስለ ዚኾንካ፡ ኣስተምህሮኻ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ መልእኽቱ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ቋንቋኡን ስርዓተ ነጥቡንውን ኣድህቦ ክትገብረሉ እላበወካ። ንኣብነት፥ ወዳኑ ካብ ምባል ኩታራታት ወይ ድማ ዓዋሉ ምባል ይምረጽ። ወዲኒ እንተ ኢልናውን ብሕጊ ሰዋስው፡ ነቲ ሳልስ ናብ ሳድስ ቀይርና “ታት” ብምውሳኽ ወዲንታት ኢልና ኢና ነብዝሖ’ምበር ወዳኑ ኣይንብልን ኢና። ከምኡውን ሰለሎ ኢና ንብል’ምበር ሰለላ ኣይንብል ኢና። ሰለላ እቲ ናዕታ ብሓደ ረምታ መታን ኪሃርመልካ ኢኻ ሰለላ ኢልካያ ሓቀይ? ንሕብረተሰብ ጌጋ ቃል ትምህር ሰለ ዘለኻ ግን ንኣኻ ንኽጥዕመካ ኢልካ ትርጉም ቃል ኣይልወጥን’ዩ። የቐንየለይ።

    ሓውካ መሲናስ

    • kidane February 16, 2014

      Aye hatewtow nay sebut gida zeytigrbro kitwedadesu ilkum abza alem tinebru blash n blash hager albo

      • ERITRAWIT February 16, 2014

        Kidane,
        Ezey kulu see hasot eu deka tbele zeleka? n beynka testemakra hager see aygden Massawa bel kytkeyd asa gtgefef keyteser.

    • ERITRAWIT February 16, 2014

      Mesinas,
      Kubur haw, moksey haftey eya geremwa kemw ela. nay Isaias interview aytehagosoon amet mese mebsa tray koynwom ansa anso nabaka awredomo ajoka tray.

    • Suleiman Salim February 16, 2014

      መሲናስ

      ምሳኻ ኣብ ፖለቲካ ደኣ እምበር ኣብ ናይ ቋንቋ ፍቕርን ምምርማርን ምምማይን ፍልልይ የብልናን። ኣጆኻ በዚ ትኸዶ ዘሎኻ ቀጽል። ኣብ ሕብረተ-ሰብና ” ..ኪድ እዚ ከኣ እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ? …ስራሕ ስኢኑ ድዩ ? ” ዝብል ንፍልጠት ምምዕባልን ምዝርጋሕን ዘየታባብዕ ልምድታት ኣሎ፤ ንስኻ ግን ነዝን ወዲ ከምዝን ሸለል እንዳ በልካ ነቲ ቅዱስ ጉዕዞኻ ክትቅጽል ኣሎካ።

      ካብ ሱለይማን ሳልም ( ንፈተውቱ ከም ሱሊ ዝፍለጥ)

  • ERITRAWIT February 16, 2014

    Dear Habte,
    Nay behakey natnetna zeystemakernala Eritrea hagerna kulu elkayo nezey anbebna ka mskorkor tray eu zelo kubur haw yekenyelna.

  • Mesinas February 16, 2014

    ክብርቲ ሓብቲ ናይ ብሓቂ ኤርትራዊት፡ ብቐዳማይ ብሃንደበት ተገሪምኪ ዘውጻእክየን ቃላት ክሳዕ ሎሚ የስሕቓኒ ስለ ዘለዋ ደጊመ ብስምኪ ንሓው ኪዳነ ክጽሕፈሉ ፍቐድለይ?

    “እዋእ! ኣንታ እንታይ ደኣ ሎምስ፡ እዚ ደምበ ኣሰና ጥሪት ህግደፍ መሊኦሞ!?” ተገሪማ ሓቲታ ክብርቲ ሓብትና ኤርትራዊት። እዚ ውስጠዘ እዚ ክልተ መልእኽቲ’ዩ ዘሎዎ። ቀዳማይ ትርጉሙ’ዩ። ካልኣይ ከኣ ምስጢሩ’ዩ። ትርጉሙ፥ “እዚ ደምበ ኣሓ መሊአንኦ” ከስምዕ ከሎ፤ ምስጢሩ ድማ፥ “እዚ ገዛ ዓያሹ መሊኦሞ” እዩ ዘስምዕ።

    ክብርቲ ሓብትና ኤርትራዊት፡ ብልባ’ያ ሓቲታ። ከምኡ ስለ ዚኾነ ድማ’ዩ ኣስሒቑኒ። ካብዚ ሓረግ’ዚ እንርድኦ ነገር እንተሎ ኸኣ፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን፡ ንጃንዳ ህግደፍ ምድጋፍ ማለት፡ ምስቲ ኣዛዊሩ ዝሓስብ ክቡር ሰብ ዘይኮነስ፡ ምስቲ ንወዲ ሰብ ከገልግል ዝተፈጥረ እንስሳ ዘጸብጸብ ተርእዮ ኮይኑ ከም ዘሎ’ዩ። እንስሳ፡ ብዘይካ ብዛዕባ ከብዱ ብኻልእ ዘይሓስብ ግኡዝ ህያው ስለ ዚኾነ ጨካንውን’ዩ። ሰብ ክንስኻ እንስሳ ካብ ምዃን ዚዓቢ ውርደትን ሕስረትን ድማ ዘሎ ኣይመስለንን። ስለዚ፡ ነቶም ከም ደማሒ ሰብኣውነት ዝሃደመኩም ሰባት፡ ምኽረይን ማዕዳይን፡ ሰብ ኩኑ’ዩ። ኩልና ሰብ ኴንና፡ ከም ሰብ ምስ እንሓስብ ድማ’ዩ ሽግር ኩልና ዘብቅዕ! የቐንየለይ።

  • halengi February 16, 2014

    mesinas demahi eza kalat buzuh seletefetwa eye demahi ileka teredekado tufushey kalaiti semka demahi eyu kab lomi

  • Habte Kifle February 16, 2014

    Dear Mesinas,

    Thank you for your comments!!
    I did both intentionally to make it a “Slang”
    But basically it should teach languoge as well.

    Regards,

  • Suleiman Salim February 16, 2014

    “ብናይ ዶብ ምሕንጻጽ ጅሆ ተታሒዘ

    ዓቕሊ ጸቢቡዎ መንእሰይ እንዳዋሓዘ

    ለባምዶ ስኢንና ምኽንያት ዝሓትት

    ዓዲ እንዳ ባደመ ዓይንና ንዕምት ። ”

    ሃብታይ

    ካብ ሎሚ ንንየው ዝኾነ ነገር ክትጽሕፍ እንከሎኻ ኣቐዲምካ ኣድቅቕ ኣቢልካ ሕሰብ። ” ብናይ ዶብ ምሕንጻጽ ጅሆ ተታሒዙ ” ኣይባሃልን እዩ። ወያነ እኮ ነዞም ከማኻን ወዲ ከማኻን ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ” ጉዳይኩም ጉዳይ ዲሞክራሲ ደኣ እምበር ጉዳይ መርየት ኣይኮነን ” ዝብል ጭረሖ ኣልዒሉ ንየዋሃትን በላዕተኛ ኣዛብእን ክዓስብ ዝተበገሰ። ሕጂ ሃብሮማይ ሓውና ቁጠዐኻ ናብ ዎያነ ክተቕንዖ ኣለካ እምበር ንመከረኛ መንግስቲ ኤርትራ ክትወቅስ ኣይግባእን።

    ካብ ሱለይማን ሳልም ( ንፈተውቱ ከም ሱሊ ዝፍለጥ)

    • MightyEmbasoyra February 16, 2014

      ሱሌማን ሳሊም,
      ኢሳያስ ከማኻ ወያናይ ስለዝኾነ (ዓቢ ወያነ ከማን)፣ ሃብተ ኣይተጋገየን

      • Suleiman Salim February 17, 2014

        ላእ ላእ ላእ! ኣይፋልካን! ዓገብ ኪኒ በለ ዓሳውርታ! ንተጋዳላይ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብራሃም ዎያነ ካብ በልካ እቲ ዝዓበየ ዎያነ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ እዩ ክኸውን!!!!

        ካብ ሓውኹም ሱለይማን ሳልም ( ንፈተውቱ ከም ሱሊ ዝፍለጥ)

    • Meretse Asmelash February 16, 2014

      ክቡር ሓው ሱሌማን
      ኣስማተይ መሊኡ እዩ ትብል!
      ከመይ ዝበለ ገበን ድዩ ዘሎካ? እስኪ….. እስኪ….. እንታይ ኢካ ዝበልካ?
      ካብ ሱለይማን ሳልም ( ንፈተውቱ ከም ሱሊ ዝፍለጥ)
      በል እስኪ ምክንያቱ እንታይ?
      ሀ. ዘይተገልጸ ገበን ኣሎካ
      ለ. ፈራሕስ ሾውዓተ በትሩ
      ካብ ክልቲኤን መን ኢካ?

      • Suleiman Salim February 17, 2014

        ሓ. ጸባ-ጸገብ ብኩሉ ሸነኽ ዝትኩስ በዓል ቱሩሺ ምስ በልኩኻ ኔረ ግን በዓል ንስኻ ነቲ ቱሩሺ ሒዝኩሞ ስለ ዝነበርኩምን ኣነ ድማ ፈራዕ-ራዕ ስለ ዘይፈቱ ነቲ ሕቶኻ ኣነ ሓደ ንሃገሩ ዝፈቱ ተራ ኤርትራዊ እየ ኢለ ክምልሰልካ ይመርጽ።

        ካብ ሱለይማን ሳልም ( ንፈተውቱ ከም ሱሊ ዝፍለጥ)

  • Habte Kifle February 17, 2014

    Dear ሱለይማን ሳልም ( ንፈተውቱ ከም ሱሊ ዝፍለጥ),

    What I said is 100% right for the following reasons:
    – What is the relationship between Construction MIDISKAL with the boder issue?
    – What is the relationship between Trading MIDISKAL with the boder issue?
    – What is the relationship between fishing MIDISKAL with the boder issue?
    – What is the relationship between ellectricity and water shortage with the boder issue?
    – What is the relationship between cuing for bread with the boder issue?
    If you are able to give me a convincing reply for that I will agree with your comments. If you are not able to answer this you are the same type like DIA and his circle with identity crisis!!!

    • Suleiman Salim February 17, 2014

      ሃብታይ

      ኣብ መንጎ ሰላምን ኣይ ውግእ ኣይ ሰላምን ዝኾነ ሓዲግ ኩነታት ትፈልጥ ዶ? ኣብ ኤርትራ ዝናብ ውሒዱ ሕጽረት ናይ ዝስተ ማይ እንተ ተረኽበ ንመንግስቲ ኤርትራ ምኽሳስ ቅኑዕ ዶ ኮይኑ ይስማዓካ? መንግስቲ ኤርትራ መለኮታዊ ሓይሊ ኣለዎ ድዩ?
      ንስኻን ወዲ ከማኻን ሃብሮማት “ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ክግበር ኣለዎ፡ ዋርሳይ ይከኣሎ ባርነት እዩ፡ ክልተ ካብ ሚእቲ ሃገራዊ ግቡእ ክኸፈል የብሉን ” እንዳ በልኩምን ንዝኾነት ምስ ኤርትራ ትታሓባበር ሃገር እንዳ ተራገምኩምን ከመይ ጌርካ ኣብ ሓንቲ ኣካል ናይ ሳልሳይ ዓለም ዝኾነት ሃገርና ኩሉ ምሉእ ኮይኑ ክትረኽቦ ትጽበ?

      ሕቶታትካ ናይ ድንቁርናን ናይ ትዕቢትን ምልክት እዩ። ድንቁርና ቅድሚ ምጽሓፍካ ዘይምስትውዓልካ ክኸውን እንከሎ ትዕቢት ድማ ዓቕምኻን ዓቕሚ ሃገርካን ብዘይ ምፍላጥካ ይኸውን።

      • Suleiman Salim February 17, 2014

        ተወሳኺ

        ካብ ሱለይማን ሳልም ( ንፈተውቱ ከም ሱሊ ዝፍለጥ)

        • Mightyembasoyra February 17, 2014

          SS,
          What do you think of your boss’s recent interview?

  • Habte Kifle February 17, 2014

    Dear ሱለይማን ሳልም ( ንፈተውቱ ከም ሱሊ ዝፍለጥ),

    What I said is 100% right for the following reasons:
    – What is the relationship between Construction MIDISKAL with the border issue?
    – What is the relationship between Trading MIDISKAL with the border issue?
    – What is the relationship between fishing MIDISKAL with the border issue?
    – What is the relationship between ellectricity and water shortage with the border issue?
    – What is the relationship between cuing for bread with the border issue?
    If you are able to give me a convincing reply for that I will agree with your comments. If you are not able to answer this you are the same type like DIA and his circle with identity crisis!!!

  • TaESA February 17, 2014

    kburat ahwat
    kem beal kidane, suleiman, nhna nsu nsu nahna…….
    ane ewn ksab ztewesene gize bmetenu kemzi natkum atehasasba neyruni, entekhone gn ab 2006 ab eritrea ab zkhedklu gize bzuh sebAwi rhrah zgodol atehahza nAshtu menEseyat riEye. eti zreAkhwo ksab lomi kab aEmroy kTefE zeykEl chekan gbri.
    nnebsey dma hatiteya, eza hizeya zelekhu megedi nay behaqi diya qnEti weys n Eritrea mEnti kkheyd riEye kem zey reAkhu semiE kem zeysemaEku nkulu zgber gega qnuE enabelku kkheyd?
    hilnay zAzezeni dma “nti hiqi haqi beliyo neti hasot dma hasot beliyo” iyu. kabta zwesenkwa meAlti dma efoyta rekhibe. ngiziu dma smey “TaESa” kkhewn meritse alekhu.
    nskhatkum dma aytgagegu

    • Suleiman Salim February 17, 2014

      ኣንታ ሓውና ዝኾነ ጌጋ ርእየ ኢልካ ዶ ንሃገርካ ፎእ ይባሃል እዩ? ኣብ ኣሜረካ ካብ ጸለምቲ ቤት-ማሕቡስ ዝጠዓሙ ብዙሓት እዮም። ምእ እዚ ናትና ክተናጻጽሮ እንከሎኻ ኤርትራዊ መልኣኽ እዩ ክበሃል ይከኣል።

      ”eritrea ab zkhedklu gize bzuh sebAwi rhrah zgodol atehahza nAshtu menEseyat riEye. ”

      እሞ እንታይ ትደሊ ኣሎኻ? ሃገራዊ ኣገልግሎት ጠጠው ይበል ዲኻ ትብል ዘሎኻ?

POST A COMMENT