Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ውሽጢ ምስ ዘለዉ ናይ ለውጢ ድሌት ዘለዎም ተንቀሳቐስቲ ዝገብሩዎ ምልውዋጥ ሓበሬታን ርክባትን ንምቍጽጻር ንምዕባስን ብሕታውያን ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ብምዕሳብ ብዝለዓለ ደረጃ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ዝለሓዄ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

እቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን እናተዋዓወዐ ብዝኸይድ ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጭንቀትን ስግኣትን ዝርከብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ውሽጢ ምስ ዘለዉ ናይ ለውጢ ድሌት ዘለዎም ተንቀሳቐስቲ ዝገብሩዎ ምልውዋጥ ሓበሬታን ርክባትን

እቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን እናተዋዓወዐ ብዝኸይድ ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጭንቀትን ስግኣትን ዝርከብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ውሽጢ ምስ ዘለዉ ናይ ለውጢ ድሌት ዘለዎም ተንቀሳቐስቲ ዝገብሩዎ ምልውዋጥ ሓበሬታን ርክባትን ዝለዓለ ምክትታል ክግበረሉ መምርሒ ድሕሪ ምትሕልላፉ፣ ነቲ ጭንቀትን ድኻምን ዘበገሶ ናይ ምጽንጻን ውራይ፣ ልዑል መጠን ገንዘብ ሰሊዑ ብሕታውያን ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ብምዕሳብ ጀሚሩዎ ከምዘሎ ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ዝለሓዄ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ምንጭታት ሓቢሮም።

ሓንቲ ካበተን ነዚ ናይ ምጽንጻን እኩይ ተግባር ከተሰላስል ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኩንትራት ዝተዋህባ ናይ ቻይና ኩባንያ ኣስመራ ኣትያ ከምዘላ ‘ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ካብዚ እኩይ ሰኪዐት ናይዚ ምልካዊ ስርዓት ድሕነቶም ሓልዮም ነቲ ዓማጺ ስርዓት ናይ ምምካት ዕማሞም ብዝለዓለ ኣድማዕነት ንኸሰላስሉ፣ መስመር ቴለፎናትን ኢመይልን ብምቕያርን ረቀቕቲ ጥበባት ብምትእትታውን ሃገራዊ ዕማሞም ብትብዓት ክቕጽሉዎ ይግባእ።

ብተመሳሳሊ፣ እቲ ስርዓት፣ ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናነሃረ ዝመጽእ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታትን ምንቅስቓስ ደለይቲ ፍትሕን ተወዲቡን ሰሚሩን ናብ ጭቡጥ ሓይሊ ከይቅየር መታን ብገንዘብ ዘዋፈሮም ሃሱሳት ተጠቒሙ ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሒ ከሳውሮ ዝጸንሐ ሕንፍሽፍሽ  ብዝለዓለ ደረጃ ንምቕጻሉ ፈላለይቲ ኣዋፊሩ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

እቲ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ብዝተሰለፈ ኣሽሓት ቁጽሪ መንእሰያት ዝባህረረ ስርዓት፣ ብፍላይ እቲ ብፍኑው ናህሪ ተንሲኡ ዘሎ መንእሰይ እንተተወዲቡ ከቢድ ሓደጋ ከምዘስዕበሉ ስለዝሰግአ እዩ፣  ተቓውምቲ ዝመስሉ ሃሱሳትን ዕሱባትን ብምውፋር ብኣግኡ ንምብትታኑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ።

እቶም ምንጭታት ከምዝሓበሩዎ፣ እቲ ካብ ቤትጽሕፈት ዝለሓዄ መምርሒ፣ እቶም ሃሱሳት ናይቲ ስርዓት ብቐንዱ ኣብ ወጻኢ ንዝርከባ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ሓቢሮም ከይሰርሑ ንምትዕንቓፍን ምፍልላይን፣ እንተላይ ኣብቶም ብደቂ ገዛውትን ዓድታትን ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ከይተረፈ ኢዶም ኣእትዮም ነዚ ዝተጠቕሰ ናይ ምብትታንን ምፍልላይን ተልእኾ ንምፍጻም ብቐዳምነት ተተሓሒዞሞ ኣለዉ።

ብቐንዱ እቲ ብመራኸቢ ብዙሃን ደለይቲ ፍትሒ ዝግበር ጎስጓሳት ኣብ ህዝቢ ዓቢ ጽልዋ የሕድር ስለዘሎ፣ ንምትዕንቓፉ ኣድላዪ ጻዕሪ ምግባር ሓደ ካብቲ ሃሱሳት ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተዋሂቡዎም ዘሎ ዕማም እዩ። ማዕረማዕረ’ዚ እቲ ኣብ ፓልቶክን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝካየድ ርክባት ኤርትራውያን ሓደ ካብቶም እቲ ስርዓት መድረኽ ሓድነት ኤርትራውያን ከይኮኑ ዓይኑ ኣውዲቑሎም ዘሎ መዳያት ኮይኖም ኣለዉ።

ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ፣ እቲ ምልካዊ ስርዓት ከም ኣመሉ ዕሱባት ሃሱሳት ብምውፋር ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዘካይዶ ዘሎ ከንቱ ፈተነ መርኣያ ድኻሙን ሕልናዊ ዕርበቱን ምዃኑ ተገንዚቦም፣ ፈተነታት ዕሱባቱ እናምከኑ፣ ሓባራዊ ቃልሲ ብምምዕባል ብተዓጻጻፍነት መኸተኦም ኣሐዮልም መመሊሶም ክወቕሩዎ ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde July 30, 2016

    The biggest chunk of the budget of Asmara’s mediocre regime goes into spying and controlling its own citizens than all the national endeavors combined,that is why the country remains isolated,and the world’s biggest open prison in comparison to its size.The geezers are scared to open up to the world because they know what it entails..

  • Yoel Mahdere July 30, 2016

    They can simply use Telegram, end to end encrypted platform. Let’s see if the Chinese can eavesdrop.

  • Eritrea4Ever July 31, 2016

    “እቶም ሃሱሳት ናይቲ ስርዓት ብቐንዱ ኣብ ወጻኢ ንዝርከባ…… ከይሰርሑ ንምትዕንቓፍን ምፍልላይን፣……. “እንተላይ ኣብቶም ብደቂ ገዛውትን ዓድታትን ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ከይተረፈ ኢዶም ኣእትዮም ነዚ ዝተጠቕሰ ናይ ምብትታንን ምፍልላይን ተልእኾ ንምፍጻም ብቐዳምነት ተተሓሒዞሞ ኣለዉ።”
    End of Quote

    Specially”. “እንተላይ ኣብቶም ብደቂ ገዛውትን ዓድታትን ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ከይተረፈ ..etc……
    ብዓድኻን ደቂ ገዛውትኻን ምትእኽኻብ ሓጥያት ኣይኮነን።እኳ ድኣ እቲ ቀልጢፍካ ትኣምኖ ፣እቲ ቀልጢፍካ ትፈልጦ ወዲ ቁሸትካን (ኣውራጃኻን)ገዛውትኻን እዩ።እቲ ጸገም ግን ከምቲ ዕቡድ መተዓረቕስ ዱላ/ ሻፎ ይዕድል ከም ዝብሃል፣ነቲ ህግደፍ ንጥቕሙ ኢሉ ዝጥቀመሉ ወገናዊ ፍልልይ እቶም ዝቃወሙ እውን ናይ ባዕሎም ኣውራጃውን ወረዳውን ጸብለልትነት ከዕብዩ ዝደልዩ ብቑጽሪ ዘይውሓዱ ካንሰር ስለ ዝዕብልልዎ እዩ።
    ጽኑዕ ሱር ዘይብሉ ናይ ደቂ መዓሮይ ወገንነት,በቲ ብርቱዕ ሱር ዘለዎ ክፍለ ዘበናት ዝወሰደ ወገንነት ናይ ደቂ ሳንዳይ ምትካኡ ነቲ ሕማም የሕውዮ ዶ ??? እቲ መፍትሒ ማንም ዕቡድ ከልቢ ከይነኽሰና ንሓሉ ክንዲ ዝኸውን ወገናውያን ተቓወምቲ ግን” ከመይ ጌሩ እቲ ዕቡድ ከልብናኸ ክነክስ ዘይፍቀደሉ” ብምዃኑ ኢሳያስን ፈላላይቲ ሰዓብቱን ዝጻወቱልና ዘለዉ።

  • Eritronubian August 1, 2016

    Dear assenna
    We need the foreign company or contractors name not just to confront them but also your item here to be a valid and complete to readers with common sense.
    Thank you

Post a Reply to Eritronubian Cancel Reply