Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንቐሺ ዲዮስቆሮስን ይፍታሄ ዲሞጥሮስን ብምልኣኽ ኣዕጺዩዋ ዝነበረ ኣብ ጀርመን ድራይኣይሽ እትርከብ ቤተክርስትያን ኣገልግሎታ ጀሚራ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቶም ኣምሳያ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣቦና ኣቡነ እንጠንዮስ ብውዲት ዝተክኦም ቐሺ ዲዮስቆሮስን ሰላዪኡ ይፍታሄ ዲሞጥሮስን ብምልኣኽ ብተንኮል ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ ሎሚ ቕነ ኣዕጽዩዋ ዝጸንሐ፣ ኣብ ጀርመን ድራይኣይሽ ኣብ እትብሃል ከተማ እትርከብ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቶም ኣምሳያ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣቦና ኣቡነ እንጠንዮስ ብውዲት ዝተክኦም ቐሺ ዲዮስቆሮስን ሰላዪኡ ይፍታሄ ዲሞጥሮስን ብምልኣኽ ብተንኮል ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ ሎሚ ቕነ ኣዕጽዩዋ ዝጸንሐ፣ ኣብ ጀርመን ድራይኣይሽ ኣብ እትብሃል ከተማ እትርከብ ቤተክርስትያን ቅድስተ ማርያም፣ 16 ሕዳር 2013 ዳግም ኣገልግሎታ ከምዝጀመረት ምንጭታት ኣሰና ካብ ጀርመን ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነዞም ኣገልገልቱ ልኢኹ፣ ደጋፊ ኣቡነ እንጠንዮስ እዮም ንዝበሎም ኣብታ ቤተክርስትያን ዝነጥፉ ቀሺ መርካጽዮን ክውግዙ ንዘቕረበሎም ትእዛዝ ኣብቲ ቤተክርስትያን ዘገልግሉ ካህን ቀሺ ኣማኑኤል ኣብ ቅድሚ ጀርመናውያን ተዓዘብቲ ብትብዓት ስለዝነጸጉዎ ክርከር ተፈጢሩ፣ እታ ቤተክርስትያን ተዓጽያ፣ እቲ መፍትሕ ከኣ ክሳብ ዝሓለፈ ሰንበት 16 ሕዳር በቶም ጀርመናውያን ኣመሓደርቲ ብምንጎኝነት ተታሒዙ ጸኒሑ። ይኹን እምበር፣ እቶም ሕጊ ጀርመን ንኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ከምዘየውግዝ ኣብ መደምደምታ ዝበጽሑ ኣመሓደርቲ ናይቲ ቅድስተ ማርያም ኣገልግሎት እትህበሉ ቤተክርስትያን፣ ነቶም ወገዛ ስርዓት ኢሳይያስ ዝተቓወሙ ካህናት መፍትሕ ኣረኪቦሞም።

እቶም ሃይማኖታዊ ኣገልግሎቶም ክቕጽሉ ዝተፈቕደሎም ኣገልገልቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ቅድስተ ማርያም ብወገኖም፣ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቤተክርስትያኖም ዳግም ኣብ ምኽፋት ንዝገበረትሎም ሓገዝ ኣመስጊኖም።

እቶም ምንጭታት፣ ኣቐዲሙ፣ ኣብ 2012 ቆንስል ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ጀርመን፣ የውሃንስ ደባስ፣ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት እዮም ንዝበሎም ካህናት፣ “ስለዘይትሰማምዑ ካልእ ታቦት ከነምጽኣልኩም ኣብ ክልተ ተመቐሉ” ኢሉ ፈላላዪ ሓሳብ ኣቕሪቡ ‘ኳ እንተንበረ፣ ኣብቲ ቤተክርስትያን ዝገልገላ ኣዴታት “በየን ዝመጻእካ ኢኻ ተፈላለዩ ትብለና፣ ሎሚ ኣይንፍለ ጽባሕ” ኢለን ስለዝተቓወማኦ ሓሳቡ ከምዝፈሸለ ኣዘኻኺሮም።

ብሰንኪ ፖለቲካዊ ጣልቃ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብ ስደት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ኤርትራውያን ብፍልልይ ተበኪለን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝለዋ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • Hadish November 20, 2013

    ዝሓለፈ ዕለተ 16 ሕዳር ደኣ ቀዳም መዓልቲ’ዶ ኣይኮነን ውዒሉ?

  • hagerawi November 20, 2013

    so what that ema riesi ekot?

  • hanetay November 20, 2013

    Please verify your conflicting report the other day u informed us that Pres. Isayas was not seen for almost a month. You are suffering from Alzheimer’s disease.

  • Gobo Soira November 20, 2013

    What about now, he hasn’t been seen since October11,2013

  • Nahom November 20, 2013

    Soon he will disappear for ever, either naturally or unnaturally.

  • st mary kitchener November 20, 2013

    WE HAVE TO UNITE RELIGION IS NOT A HIDEN POLETICAL AGENDA ITIS A SPRITUAL PRACTICE,WE HAVE TO STOP HIGDEF TO DEMAND OUR RELIGION FREEDOM ,WHY HIGDEF NOT INVOLVING IN MUSLIM RELIGION IN ERITREA?

    • Said November 20, 2013

      Because he will never he survive one day, that’s why.

  • Mussie Girmay November 20, 2013

    ናይ ህግድፍ ተዋህዶ ሕጂ እዉን ኣይደቀሱን ሃሱሳቶም ብምልኣክ ኣብ ሰሜን ኣመረካ ዝርከባ ንምብታን ወፈራታት ሓሶት ኣብ ምንዛሕ ይርከቡ ኣለዉ ክሓፍሩ ከምዝኮኑ ክፈልጡ ይግባእ፡፡

  • Genet November 20, 2013

    ኣብ ኣትላንታ ትርከብ ናይ ቅድስተ ማርያም ተዋህዶ ቤተክርስትያን ናይ ህግደፍ ኣገልጋሊት ዝነበረት፡ ሕጂ ነቶም ኣባላታ ኣብ ድላዮም ክኸዱ ብወግዒ ኣፍሊጣ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣማሓድራ ናይታ ቤተክርስትያን ኩሎም ናይ ህግደፍ ኣባላት ዝነበሩ እናገድፍዎ ስለ ዝኸዱ እዩ። ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ኣብ ኣትላንታ ኣብዚ ነገር ዓቢ ግደ ከምዘለዋ ተዓዘብቲ ሓቢሮም። ካብ ሕጂ ንንዮው፡ ህግደፍ ኣብ ኣትላንታ መዕለቢ ከምዘይብሎም ይንግር።

  • Seb Qedem November 20, 2013

    Viva Atlanta 🙂

  • qelchama November 20, 2013

    Tegbar izi sirat tezarinka ziwudeA aykonen

    Ab Frankfurt Drieche zelo wala yijemir Hizbi

    Eritrea Felitom iyu Gudom Kiwxu deAimber kaliE

    kemzeyle bihijiU kifelitu nemahxin

POST A COMMENT