Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንቐሺ ዲዮስቆሮስን ይፍታሄ ዲሞጥሮስን ብምልኣኽ ኣዕጺዩዋ ዝነበረ ኣብ ጀርመን ድራይኣይሽ እትርከብ ቤተክርስትያን ኣገልግሎታ ጀሚራ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቶም ኣምሳያ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣቦና ኣቡነ እንጠንዮስ ብውዲት ዝተክኦም ቐሺ ዲዮስቆሮስን ሰላዪኡ ይፍታሄ ዲሞጥሮስን ብምልኣኽ ብተንኮል ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ ሎሚ ቕነ ኣዕጽዩዋ ዝጸንሐ፣ ኣብ ጀርመን ድራይኣይሽ ኣብ እትብሃል ከተማ እትርከብ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቶም ኣምሳያ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣቦና ኣቡነ እንጠንዮስ ብውዲት ዝተክኦም ቐሺ ዲዮስቆሮስን ሰላዪኡ ይፍታሄ ዲሞጥሮስን ብምልኣኽ ብተንኮል ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ ሎሚ ቕነ ኣዕጽዩዋ ዝጸንሐ፣ ኣብ ጀርመን ድራይኣይሽ ኣብ እትብሃል ከተማ እትርከብ ቤተክርስትያን ቅድስተ ማርያም፣ 16 ሕዳር 2013 ዳግም ኣገልግሎታ ከምዝጀመረት ምንጭታት ኣሰና ካብ ጀርመን ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነዞም ኣገልገልቱ ልኢኹ፣ ደጋፊ ኣቡነ እንጠንዮስ እዮም ንዝበሎም ኣብታ ቤተክርስትያን ዝነጥፉ ቀሺ መርካጽዮን ክውግዙ ንዘቕረበሎም ትእዛዝ ኣብቲ ቤተክርስትያን ዘገልግሉ ካህን ቀሺ ኣማኑኤል ኣብ ቅድሚ ጀርመናውያን ተዓዘብቲ ብትብዓት ስለዝነጸጉዎ ክርከር ተፈጢሩ፣ እታ ቤተክርስትያን ተዓጽያ፣ እቲ መፍትሕ ከኣ ክሳብ ዝሓለፈ ሰንበት 16 ሕዳር በቶም ጀርመናውያን ኣመሓደርቲ ብምንጎኝነት ተታሒዙ ጸኒሑ። ይኹን እምበር፣ እቶም ሕጊ ጀርመን ንኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ከምዘየውግዝ ኣብ መደምደምታ ዝበጽሑ ኣመሓደርቲ ናይቲ ቅድስተ ማርያም ኣገልግሎት እትህበሉ ቤተክርስትያን፣ ነቶም ወገዛ ስርዓት ኢሳይያስ ዝተቓወሙ ካህናት መፍትሕ ኣረኪቦሞም።

እቶም ሃይማኖታዊ ኣገልግሎቶም ክቕጽሉ ዝተፈቕደሎም ኣገልገልቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ቅድስተ ማርያም ብወገኖም፣ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቤተክርስትያኖም ዳግም ኣብ ምኽፋት ንዝገበረትሎም ሓገዝ ኣመስጊኖም።

እቶም ምንጭታት፣ ኣቐዲሙ፣ ኣብ 2012 ቆንስል ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ጀርመን፣ የውሃንስ ደባስ፣ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት እዮም ንዝበሎም ካህናት፣ “ስለዘይትሰማምዑ ካልእ ታቦት ከነምጽኣልኩም ኣብ ክልተ ተመቐሉ” ኢሉ ፈላላዪ ሓሳብ ኣቕሪቡ ‘ኳ እንተንበረ፣ ኣብቲ ቤተክርስትያን ዝገልገላ ኣዴታት “በየን ዝመጻእካ ኢኻ ተፈላለዩ ትብለና፣ ሎሚ ኣይንፍለ ጽባሕ” ኢለን ስለዝተቓወማኦ ሓሳቡ ከምዝፈሸለ ኣዘኻኺሮም።

ብሰንኪ ፖለቲካዊ ጣልቃ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብ ስደት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ኤርትራውያን ብፍልልይ ተበኪለን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝለዋ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • abraham. November 20, 2013

    Viva keishi Amanuel

    Abreham
    Wedi Fassil keyegideaka tetenkek. Meakor higdef milhas lemidu silezelo

  • Said November 20, 2013

    Why is assenna never mansion, that. a night of prayer .over four hundred people in inglewood california.assenna you need to goole youtube ander .Night of prayer / assenna probably was the biggest gather in northern America.muslims an cristan.

  • dani November 20, 2013

    The same problem in birmingham .hegder abal deyakon daniel and mr efrem lukat embacy eritrea bemqanom betkrestyanat abe kilte yemakilu hizbi temakakilu fahe eku alo .edom aysanu.

  • Selino Asmarino November 20, 2013

    በስመ ኣብ ፣ በወልድ ዎ በመንፈስ ቁዱስ – ኣሜን ፤ ኣንታ እንታይ መዓቱ እዩ ወሪዱና። ናይ ካልእ ፖለቲካኹም’ሲ ዝደለየ ምኾነ ብዛዕባ ቤትክርስትያን ግን በጃኻትኩም ዘይተጣለለ ወረ ኣምጺኹም ንህዝቢ ኣይተቕርቡ ፤ እዚ ብሕጊ የኽስስ እዩ፡፡ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፉ ዘሎ 5% ከማን ይኹን ሓቅነት የብሉን። ኣብዚ ከለና ባዕላትና ዓይንና ከተዕሩና? ሰብ ዋላ ሓቂ እንተጸሓፍኩም ንመጻኢ ክኣምነኩም ከምዘይክእል ትገብሩ ባዕልኻትኩም ፣ እቲ ኣብ ካልእ ተጌሩ ወይ ተፈጺሙ ትብሉና’ውን ኣብቲ ቦታ ስለዘይወዓልና ኢና ንኣምኖ እምበር ኩሉ ሓቂ የብሉን ማለት’ዩ። ብዛዕባ ፖለቲካ መሰል ስለ ዝኾነ ሰብ ድላዩ ክዛረብ ይኽእል’ዩ ፡ ሃይማኖት ግን ናይቶም ኣምከኽቱ ጥራይ እዩ። “ሃገር ናይ ሓባር – ሃይማኖት ግን ግሊ” ክብል እቲ ባህር ወናም ድምጻዊ ዶክተር በረኸት መንግስትኣብ ቅድሚ 26 ዓመት ኣቢሉ ዝደረፋ ዜምኡ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን ፤ እዚ ማለት ንኹሉ ንጹር ይመስለኒ። በጃኻትኩም ኣብ ሃይማኖትና ኣይትእተዉና ባዕላትና ኣለናዮ።

    • fithawi November 20, 2013

      emo abuu entelikka eti tifelto haki zeytinegrena.

    • Ermias November 21, 2013

      Selino, you are a liar. You are a PFDJ operative and so you are a non-believer which means you do not have a right to talk about our religion or any religion for that matter. What is written here is 100% true because it happened in so many other places in similar manner. In the city that I live in, PFDJ created the same problems. wedi keshi dimetros zisededo keshi metsiu but he was utterly rejected then the church started to split. So what you are saying is prepostrous because PFDJ is the one who is infiltrating and dividing the churches. Justice will eventually prevail and all of you dumb a.. supporters of this brutal regime will be put to shame.

    • dani November 21, 2013

      Yehda hasawi kedea.haymsnot zayblka sab eka.any way thank u fithawu ermise kekete isak.ezom ahwat malsomulka alawu
      fikren selamin ywerdalna. Hadenat nihzbi eritrea yetsewea.

  • Kelete November 20, 2013

    It was an amazing night of prayer of many Eritreans from different religions praying together with one voice, especially at this crucial time when our country need us the most.
    Thanks for those who organized the program and I hope it would be a good example for other communities to follow. We need each other, our unity is our strength.

  • dani November 20, 2013

    Kamzi teblo zaloka tezkawn dani ezi kilu mikobe do?

  • isak November 21, 2013

    Ab gize niEsnetka nifetarika zekir hiji giziu eyu kulahna nab amlakna nimeles eti kirdad dma kmeha eyu amen kibri namlak

  • dani November 21, 2013

    Yehda hasawi kedea.haymsnot zayblka sab eka.any way thank u fithawu ermise kekete isak.ezom ahwat malsomulka alawu
    fikren selamin ywerdalna. Hadenat nihzbi eritrea yetsewea.

Post a Reply to Said Cancel Reply