Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንሃገርና ኤርትራ ናብ ቅልውላው ሸሚሙ ንህዝብና ብምብትታኑ ብትሪ ንዝነቐፉዎ ኣርባዕተ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ንምውንጃል ሰፊሕ ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳ የካይድ ኣሎ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ንሃገርና ኤርትራ ናብ ቅልውላው ሸሚሙ ንህዝብና ብምብትታኑ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” ዘርእስቱ ሰፊሕ ሰነድ ብምዝርጋሕ ብጋህድን ብትርን ዝነቐፉዎ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣርባዕተ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ብምውንጃል ስጉምቲ ምእንቲ ክወስደሎም ሳተላይቱ ብዝኾና ሃሱሳት

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ንሃገርና ኤርትራ ናብ ቅልውላው ሸሚሙ ንህዝብና ብምብትታኑ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” ዘርእስቱ ሰፊሕ ሰነድ ብምዝርጋሕ ብጋህድን ብትርን ዝነቐፉዎ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣርባዕተ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ብምውንጃል ስጉምቲ ምእንቲ ክወስደሎም ሳተላይቱ ብዝኾና ሃሱሳት ወብሳይታት ሰፊሕ ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳ የካይድ ኣሎ።

እቶም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፣ ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም ናይ ኣስመራ፣ ኣቡነ ቶማስ ዑስማን ናይ ባረንቱ፣ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ናይ ከረን፣ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ናይ ሰገነይቲ፣ ንጠንቅታት ስደትን ምብትታንን ህዝቢ ኤርትራን ብዕምቆት ተመልኪቶም ክታሞም ዘንበሩሉ ሰነድ፣ እቶም ካብ ስደት ዝተረፉ መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣብ ቤትማእሰርትን ተዘርዮም፣ እቶም ኣብ ዓዲ ዝተረፉ ሽማግለታት ወለዲ ናባዪ ስኢኖም፣ ኤርትራዊት ስድራ ተበታቲና መሃነና ጠፊኡዋ ከምዘሎ ምግላጾም ናይ ኣደባባይ ምስጢር እኳ እንተኾነ፣ እቲ ምልካዊ ስርዓት ከም ኣመሉ እናነጻጸለ ጸረ ሃገርን ህዝብን ኣምሲሉ ብምጽላም ከጥቅዖም ይስማዕ ኣሎ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብቲ ‘መን’ዩ ኣቡነ መንግስታኣብ ተስፋማርያም?’ ዝብል ኣርእቲ ሂቡ ዘናፍሶ ዘሎ ጸለመ፣ ‘ስለምንታይ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጥራይ’ …ክብል ንጠቐነኡ ብምፍላም። ይኹን’ምበር፣ ብጹእ ወ ቅዱስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣቡነ እንጠንዮስ ነቲ ስርዓት ብምቅዋሞም ካብ መንፈሳዊ መዓርጎም በቲ ስርዓት ተቐንጢጦም ንሓያለ ዓመታት ተሓይሮም ከምዘለዉ፣ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ‘ውን ብሰንኪ ‘ዚ ዘይሓላፍነታዊ ዓማጺ ስጉምቲ’ዚ ኣብ ክልተ ተገሚዓ ከምዘላ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

ኣቡነ መንግስትኣብ ብ 2003 ብኣጋጣሚ መዓልቲ ስዉኣት፣ ንፖለቲካውያን እሱራት ኤርትራ ብምጥቃስ ናይ ዕርቅን ሰላምን መልእኽቲ ኣብ ዘመሓላለፉሉ እዋን ‘ውን፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊኦም ተነጽሎ ንምስዓብ ናይ ኣመንቲ ካቶሊክ ኣምሲሉ ደብዳበ ብምጽሓፍ ከጥዖም ዘካየዶ ፈተነ ኣይተዓወተን።

እዞም ኣርባዕተ መራሕቲ ካሎትሊካዊት ቤተክርስትያን ብትብዓት ዝዘርግሑዎ ነቐፌታ፣ ንጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ ብዕምቆት ርእዩ፣ ህዝቢ ኤርትራ ድሕነት ዘድልዮ ውጹዕ ህዝቢ ምዃኑ ዘተሓሳሳብ ንመላእ ህዝብና ዝምልከት ሃዋርያዊ መልእኽቲ እዩ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ፣ በዚ መታለሊ ፕሮፖጋንዳ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከይተታለለ፣ ብንቕሓትን ብጽንዓትን ኣብ ጎድኒ እዞም ተባዓት ኣቦታቱ ደው ክብል ይግብኦ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖትን መእመናንን፣ ሃይማኖታዊ እምነቶም ብዘየገድስ ምእንቲ’ዚ ናይ ፍትሕን ድሕነትን መልኽቲ ኣብ መትከል ሓቂ ጸኒዖም፣ ነቲ ህልቂት ህዝቢ ኤርትራ ዘይስቆሮ መዳኸሪ ስርዓት ክምክቱዎን ክዅንኑዎን ኣለዎም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
67 COMMENTS
  • mihreteab June 15, 2014

    persone che hanno venduto l’anima al sanguinario dittatore(isaias),a discapito del valoroso popolo eritreo,dovrebbero solo vergognarsi e scomparire dalla faccia della terra.Tutto quello che hanno scritto i coraggiosi vescovi cattolici,non è altro che la sacro santa verità.Non capisco come si fa a rimanere impassibili,mentre il futuro dell’eritrea sta sparendo.

  • mihreteab June 15, 2014

    tutti voi che appoggiate il dittatore pentitevi prima che sia troppo dardi

  • Selamawi' June 15, 2014

    Dear Suicidal Freedom et al:
    ጉዳም ዝኾነ ጽሑፍ፤
    ነዞም ዓለም ዝመነኑ መንፈሳውያን መራሕቲ መልክዕ ምድራዊን ዓለማዊን፥ እሞ ድማ ከም ኣውራጃውያን ምድቕራብ ፍጹም ግጉይይ ነገር እዩ። እዚ ክኣ እቲ ሕማቕ ልማድ ውሻጠ ህግደፍ ምዃኑ እዩ።

    ጉጅለ 15 ደቂ ኣውራጃ ኣከልጉዛይ ተባሂሎም፥ እቲ ሓቂ ግን ኩሉ ዝፈልጦ እዩ።

    እዞም ዓለም ዝመነኑ ብጹኣን ጳጳሳት ከኣ ተመሳሳሊ ስም ክወሃቦም ጀሚሩ። ዝገርም ነገር ድማ፥ ንኹሉ ህግደፍ ዝጸልኡዎ ዘበለ፥ ኣከለጉዛይ ዝብል ስም ምሃቦም ጥራሕ ዘይኮነ፥ እቲ ሰማዒ ከምዝመዝኖም ዘይምፍላጦም ኢዩ።

    ሕሉፍ ሓሊዎ ጸሓፋይ፥ ነዞም ጳጳሳት፥ ኣብ ዓይንኹም ዘሎ ጉንዲ ከይኣለኹም ኣብ ዓይኒ ካልኦት ዘሎ ገፈል ክተውጽኡ ኣይትፈትኑ ዝብል ርእይቶ ገሊጹሎ። ወዮ ደኣ ቅንዕና ተሳኢኑምበር፥ ብኣምሳላዊ ዘረባ እንተርኤናዮ፥ እዞም ጳጳሳት ዘመሓድሩዎ ምስቲ መንግስቲ ድዩ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎ ሓላፍነት እንተ ተነጻጺሩ፥ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ኣጸቢቑ ይዓብን ይሰፍሕን። ስለዚ ናይ ውልቂ፥ እሞ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ክስታትን ጸለመታትን ከም ደቂ ሃገር ጥራሕ ዘይጽኮነ ከም ደቂ ሰብ እውን ዜኽፍኣልናን ዜኽስረናን ስለዝኾነ፥ እንተንገድፎ ምሓሸና።
    ገሊኣቶም ፈለስቲ ካፑቺኒ ድማ ይውቀሱ ንርኢ ኣለና (ማሕበር ብዓል ክቡር ዶክተር ኣባ ተወልደብርሃን ጸጋይ = ደራሲ ድጊ ግፉዓትን፥ ዝባን ሕጊ ሕድሪ ስዉኣት ከንብቡን፥ ብዓል ነፍሰኄር ኣባ ማሪኖ ሃይለ፥ ዶክተር ኣባ ተወልድ በየን = ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ መምህር ታሪኽ ዝነበሩ፥ ብዓል ኣባ ኣጎስጢኖስ ተድላ = ንመሰል ኤርትራውያን ክጣበቑ ተኣሲሮም፥ ኣብኡ ሓሚሞም ደሓር ዝሞቱ እዮም።) ጸሓፋይ ወላ ክሳብ እቲ ዝደቐቐ ኣብ ደም ሰብ ዝርከብ ዲ ኤን ኤ (DNA) ከይተረፈ ኣውራጃዊ ኢዩ ዝብል ክሲ ኣልዒሉሎ። ሳይንስ ጥራይ ዘይኮነስ ለባም ሰብ ይመስክ ኢለ ክሓልፎ።

    እዚ ናይ ጸለመ ጎስጓስ ፈጠራዊ ምዃኑ እግምት። ከመይ ነዞም ፈለስቲ፥ በቲ ዓቕመይ ዝፈቕዶ ዝተዓዘብኩዎ፥ ቀዳምነት ንመንስፈሳዊን ንሰማዊን ነገር ስለዝሰርዑን፥ ንኹሉ ሰብ ከኣ ስለዘገልግሉን።

    እቲ ዝገርመኒ ግን፥ ኣብ ዘመን ሕግደፍ ሕማሞም ክሓብኡ ክብሉ ሓሶትን ፈጠራን ምሂዞም፥ ብዛዕባ ቁምነገር ከይንዛረብ: ኣብ ዘይጠቕመና ሸንኮለል ኬብሉና ይነብሩ ኣለዉ።

    ክቡር ጸሓፋይ ብሓቂ ጉዳይ ኤርትራውያን ዝዓጠካ ድሕሪ ኮይኑ፥ ነቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ኣብ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ዝበሉዎ ነገራት ተገዲስካ ምሓሰብካዮ፥ ኣብኡ ዝብሃል እንተሎካ ድማ፥ ሓሳብካ ምገለጽካ። እቱ ጉዳይ ሃገራውን ኣዝዩ ዜሕዝንን ክነሱ፥ ናብ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ተጠዊኻ፥ ንሃገራቂ ውራይ ዘይከውን ናይ ምፍልላይን ናይ ምድንጋርን ቃላት ምዝርጋሕ፥ ጎዳኢ አምበር ጠቓሚ ኣይኮነን።
    ንኤርትራውያን በውራጃን ብወረዳን፥ ብሃይማኖትን፥ ብጉጅለታትን ጎዛዝዩ ዜባእስ ሰብ፥ ሃገራዊ ኢየ ክብለና ኣይክእል። ሃገራውያን ጉዳይ ሃገር እዮም ዝሓስቡ። ሽም ቀዪሮም ደቂ ሓደ ኣውራጃ ኢና አንዳ በሉ ግዕዙይ ዘረባታት ዝዝርግሑ ሰባት ብሓቂ ኤርትራውያን ኣይኮኑን፥ ክብ እንተበሉ ከኣ ትሑት ንቕሓትን ብስለትን ዝጨበጡ ምዃኖም እዮም። መንፈስውን ዓለማውን ነገራት ክፈላልዩ ኣይበቕዑን። መሰል ደቂ ሰባትን ግዝኣተ ሕግን ኣይግድሶምን። ዝርዳእ ሕሊና ክህቦም ጸሎት አንዳገበርኩ፥ `ሕጊ ብላዕሊ፥ ሰብ ብታሕቲ` ክኸውን ከምዝግባእ፥ ዘዋሪ ነፋሪት (ፓይሎት) ደጀን ዓንድ ሕሸል ዝበሉዎ ብሉጽ ትምህርቲ ምስቲ ኣብ `ሓውካ ኣበይ ኣሎ` ዘርእስቱ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣቛስዮም ኵሕጡዎ ብትሕትና እመኽሮም።
    እቲ ቀንዲ ዜሕዝንን ዜፍርሕን ግን ገሊኡ ጉጅለ ሕግደፍ፥ ስልጣን ካብ ምጭባጥ ሓሊፉ፥ ነዛ ሃገር ኣፍሪሱን ደምሲሱን፥ ሕዝባ በቲኑ ፋሕ ኬብላ ዝደሊ እዩ ዝመስል ዘሎ።

    ሓደ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ፥ ነዚ ወሩዱና ዘሎ ናይ ኣፈርክቡ ኩነታት ብኸመይ ክነመሓይሾ ከም ንኽእል ደኣ ይዛተ እምበር፥ ኣውራጃን ወረዳን እንዳ ኣልዓለ ኣብ ኣጀንዳ ህግደፍ ሸንኮለል ክብል የብሉን።

    ካብ ዝገደደ ሓዘን ይኸውለና፥ ጥዑይ ስርዓት ንምትካልን፥ ሓላፍነቶም ዝስከሙ መራሕትን ይፍጠረልና። ኣሜን።

    • SUICIDAL FREEDOM June 15, 2014

      Selamawi’

      ኣነ ነዞም ኣቕሽሽቲ ዘይኮንኩ ኣብ ዓይንኹም ዘሎ ጉንዲ ከየውጻእኩም ዝብሎም ዘለኹ፣ነቲ ዝውክልዎ በትኽስያን ተጠቒሞም ስራሕ ኣምላኽ ዝጻረር ነገር ዝሰርሑ እየ፣ንሙሉእ ኣውራጃ ኣይበልኩን ኣነ።ብቑጽሪ ሓያለ ዝኾኑ፣__ኣብቲ ን ኢሳያስ ከም ወዲ ላሕሞም ቆጺሮም ዝድግፍዎ እውን ውሑዳት ኣይኮኑን።ነቲ ዝድለ መልእኽቲ ገዲፍና ቪክተም ንኽንከውን ነገራት ኣይንምሃዝ።
      ካብ ኡ ሰረረ ግን በቲ ዝበልክ ዎ ይቐውም።

      • daniel ghebrekidan June 16, 2014

        ሰላማዊ ብመጀመርታ ኣብ ሞንጎ ፈላስን ቐሺን እንታይ እንታይዩ ፈልሊዮም ክትፈልጦ ይግባእ መጀመርታ ኣቡናትዮም ካላአይ ፈለስቲዮም ቀሺ ማለት ዝተመርዓወ እዩ አብ ናይ ተዋህዶ ፈላሲ አሎ ቀሺ ኸኣ ኣሎ አነ ንኽትፈልጥኢለየ እምበር እንታይ ከምጽሓፍካ ኣየንበብኩን ግን ሓንቲ ክብለካ ዝደሊ ግን ብዛባ አዉራጃን ዓሌትን ሃይማኖታትን ምዝራብ ንቆጠብ ምኽንያቱ ሳዕቤኑ ሓያልዩ እሳያስ ምስ ጭፍርኡ ክሃድምዩ እዚ አብ ዓለምና ተደጋጊሙ ዝተራእየዩ

  • Yonas Ghebregzi ዮናስ ገብረእግዚ June 15, 2014

    እቲ ቀንዲ ዕላማ “ኢሳያይስ ኣፈወርቂ” _ ነብሰ ፍትወት እዩ፥
    ብጀካ እታ ነብሱ፥ ናይ ካልእ ኩሉ፤ ፈጺሙ ኣይግድሶን እዩ።
    እዚ ከም ዘሎዎ ናይ ዲብሎስ ከም ሰብ ኮይኑ ኣብ መንጎና ዝድብል ዘሎ ተርእዮ እዩ።
    ህግደፍ፥ ዲያብሎስ እዩ ዝመርሖም ዘሎ፤
    ኢስይያስ ኣፈወርቂ “ሃገር” ኣይኮነን፥ “ፍትሒ” ኣይኮነን፥”ሕጊ” ኣይኮነን።
    እዚ ስብኣይ እዚ እቲ “እንኮ” ጸላኢ “ኤርትራውነት” እዩ። ብግብሩ ኣመስኪሩ ድማ ኣሎ።
    ኢስይያስ ኣፈወርቂ፤ ኤርትራዊ ኣይኮነን፥
    ኤርትራዊ ዕላማ የብሉን፥
    ንኤርትራ ኣይኮነን ዝሰርሕ ዘሎ፤
    እዚ ኣምር እዚ ናይ ሕጂ ድማ ኣይኮነን፤
    ግን ክንደይ ህዝቢ እዩ ጠፊኡ ዘሎ ነዚ ክትግበር? እዚ እዩ እቲ ሕቶ።
    እዚ መደላሓቂ፥መጧቆሲ፤ ኣምሰሉ፤ መን ምዃኑ ሕጂ ኩሉ ህዝቢ ርእይዎ ኣሎ።
    እምበኣር፥ “ሞት ናይ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፥ ሓርነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ እዩ”።
    ሃጸይ ኢሳይያስ ወይስ “ሃጸይ ዮውሃንስ 5ይ”
    ራዛ ናያቡኡ ሓዛ።

    • Zeremariam H. Kifle June 15, 2014

      ነዚ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤሪትራ ኣመሓላሊፈሞ ዘሎዉ መልእኽቲ እቲ ትኽክል ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ በደል ዝገልጽ ስለዝኾነ ኣፍ ኵሉ ህዝቢ ኤሪትራ ኢዮም። ኵሉ ደላይ ፍትሒ ኣካላት ከኣ ምሉእ ደገፎም ብምሃብ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮነ ኣብ ወጻኢ ከዋዕውዕዎን ክዝርግሕዎን ኣለዎም። ብፍላይ ነዚ ህግደፍ ውጢንዎ ዘሎ ናይ ቦለኛ ኣኼባ ጸበባ ህዝብና ዘናውሕን እቲ እከይ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ዝኽውልን ስለ ዝኾነ ንምካኑ ኩሉ ጻዕርታት ክካየድ ኣለዎ።

      ፍትሒ ይንገስ ስርዓት ህግደፍ ይፍረስ

  • Zeremariam H. Kifle June 15, 2014

    ብፍላይ ነዚ ህግደፍ ወጢንዎ ዘሎ ናይ ቦለኛ ኣኼባ ጸበባ ህዝብና ዘናውሕን እቲ እከይ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ዝኽውልን ስለ ዝኾነ ንምምካኑ ኩሉ ጻዕርታት ክካየድ ኣለዎ።

    ፍትሒ ይንገስ ስርዓት ህግደፍ ይፍረስ

  • DANIEL June 17, 2014

    “suicidal freedom” am really disappointed to see such an article end up empty and paradoxical.you started by pointing out the importance of remaining focused on issues of national relevance(which the bishops have tried to speak out the truth)and paradoxically you ended up attacking them for what happened in Europe by some priests (which seems to me you are just trying to divert from the main issue again).
    please let us not waste time accusing each other. its high time to save the country and the people already in catastrophe.

    • Selamawi' June 17, 2014

      Dear Daniel,
      I am convinced that Ato Yemane Ghebreab and Co are behind such defamation and unsubstantiated accusations. They throw one venom in the name of Hamasien, another in the name of Akeleguzay, yet another in the name of Seyarye…then they change names and write fabricated responses pretending to belong to one social group/religion/region. Their purpose is to destroy the Eritrean culture and unity. I am convinced that Suicidal Freedom has no squabbles with pfdj. My reason for this is: because he/she is doing exactly what the pfdj regime does openly or else.

      Often times pfdj operatives do no follow logic and they do not stick to one subject. They deliberately confuse, deceive, misinform and accuse decent individuals falsely.

      When decent Eritrean nationalists work hard to unite the whole nation, pfdj foot soldiers and their masers are bent to create discord not only between the big religious groups but between Christian denominations. Of course their favorite line of division is regionalism.

      Alas! If they would learn from the Spiritual leaders, from the educated, from the experienced, from their parents, from their colleagues…and from the world at large, Eritrea would be a better place to live in, and less youth would leave the land.

      God bless

1 3 4 5

POST A COMMENT