Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ብመርማሪ ኮምሽን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ንምቍንጻብን ንምቅዋምን ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዝጀመሮ ፌርማታት ናይ ምእካብ ጎስጓስ ኣብ እስራኤል ‘ውን ይቕጽሎ ከምዘሎ ዝረኸብናዮስ አነድ ኣረጋጊጹ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ብመርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተዘርግሐ ንዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እቲ ስርዓት ዘቃልዕ ጸብጻብን ገና ዝቕጽል ዘሎ መርመራን ንምቍንጻብን ንምቅዋምን ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ብመርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተዘርግሐ ንዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እቲ ስርዓት ዘቃልዕ ጸብጻብን ገና ዝቕጽል ዘሎ መርመራን ንምቍንጻብን ንምቅዋምን ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝጀመሮ ፌርማታት ናይ ምእካብ ጎስጓስ፣ ኣብ እስራኤል ‘ውን ይቕጽሎ ከምዘሎ ዝረኸብናዮ ሰነድ ኣረጋጊጹ።

እቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘዳለዎ፣ ምሉእ ስምን ኣድራሻን ቁጽሪ ቴለፎንን ኢመይልን ስደተኛታት፣ ከምኡ ‘ውን ካብ ኤርትራ ዝወጽኡሉ ኣገባብን ዑቕባ ክረኽቡ ዘቕረቡዎ ምኽንያትን ዝሓትት ቅጥዒ፣ እቶም ኤርትራውያን ነቲ መርማሪ ኮምሽን ዘቕረቦ ጸብጻብ ሓሶት ምዃኑ ምስክርነቶም ብምሃብ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ክኹንኑዎ መምርሒ ዝህብ እዩ።

እቲ ’ሓሶታትን ክስታትን ምቅላዕ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ እቶም ስደተኛታት ንስርዓት ህግደፍ እናነኣዱን እናድነቑን፣ ንጸብጻብ መርማሪ ኮምሽን ሓሶት ምዃኑ ክምስክሩ ብዘይ ሕብእብእ ዝጠልብ ቅጥዒ፣

ንኣብነት ኣብቲ ጭቆናን ግህሰትን ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ፣

  • ኣብ ኤርትራ ናይ ሰብኣዊ መሰል ምግሃስ ወይ ቅልውላው ከምዘየሎ
  • ህዝብን መንግስትን ተሳንዩ እናተመላልአ ከምዝኸይድ፣ ንኣብነት ናይ መንግስቲ ዘውጽኦ መደባት ህዝቢ ብንቕሓት ተረዲኡ ናቱ ምዃኑ ኣሚኑ ከምዝሳተፍ
  • ዝኾነ ይኹን ናይ መሰል ግህሰት ኣብ ዝረኣየሉ ድማ ህዝቢ ንዝምልከቶ ከምዝሕብርን ከምዝእርምን፣ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ መሰሉ ከምዝረክብ ብኣብነት ምጥቃስ ….ዝብል ዝርዝር መምርሒ ይርከቦ።

ኣብቲ ግዱድ ዕዮን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝብል ክፋል ድማ፣

  • ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዙርያኻ ምግላጽን ንህዝቢ ዘርብሕ ዝተሳተፍካዮ ማእቶታዊ ስርሓትን ዝፈጠረልካ ዕግበትን ምግላጽ
  • ኣብ ኣገልግሎት ዝቐሰምካዮ ሞያዊ ክእለት፣ ትምህርቲ፣ ተመክሮ፣ ሓልዮት፣ ስኒት፣ ሌላ ምስ ካልኦት ብሄራትን ክፍልታት ሕብረተሰብናን (ምግላጽ) ዝብሉ መምርሒታት የጠቓልል።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብቲ ግጉይ ዕላማታት ኣገባባትን ኮምሽን ምቅዋም ዝብል መዛዘሚ ክፋል፣

«ብመሰረት ናተይ ተምክሮን ፍልጠትን፣ ብኮምሽን ቀሪቡ ዘሎ ክስታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ መሰረትን ሓቅታትን ዘይብሉ ከምዝኾነ ምስክርነተይ እቕርብ ኣለኹ (እዝን እዝን ክስታት ብምባል ክስታት ብምጥቃስ ይጸሓፍ) ይብል።

ምንጭታት ከምዝገለጹዎ፣ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ 6 ሽሕ ፊርማታት ብዝያዳ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ናይ ዝተሰደዱ መንእሰያት ክእክብ እዩ ዝጓየ ዘሎ።

እዚ ኸኣ ስርዓት ኢሳይያስ በቲ ናይ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ጸብጻብን ቀጻሊ መርመራታቱን ርዒዱ ከምዘሎ ዘንጸባርቕ እዩ።

ብተደጋጋሚ ከምዝገለጽናዮ፣ እቲ ስርዓት ብቐጥታ ምልካዊ ስርዓቱ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ዘሎ ናይ ቅብጸት ስልቲ ብዘይካ ‘ቲ ንሃገርን ህዝብን ዘለዎ ጉድኣት፣ ኣብ ርእሲ ‘ቶም እንተ ብፓስፖርት እንተ ብእዋናዊ ማሕበራዊ ምኽንያታት ተገዲዶም ኣብዚ ናይ ሓሶት ሰነድ ዝፍርሙ ኤርትራውያን ዜጋታትን ስድራቤታትን፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝገብሩዎ ሕቶ ዑቕባ፣ እቲ ስርዓት ናይ ፖለቲካ ሽግር ከምዘይብሎም ከም መመስከሪ እናቕረበ ዕድሎም ክሰብረሎም ከምዝኾነ ብምዝካር ኣብቲ ሰነድ ፌርማኦም ካብ ምንባር ክጥንቀቑ ከምዘለዎም ክግንዘቡ ይግባእ።

እቲ ብዘይካ ፖለቲካዊ ኣጀንዳኡ ምስላጥ ቅንጣብ ናይ ህዝቢ ሓልዮት ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቶም ብሰንኪ ብልሹው ፖለቲካዊ ምሕደራኡን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ከም ብዓል ሱዳንን እስራኤልን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ተጻጊሞም ዝነበሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ርግኣትን ቅሳነትን ዝረኽቡሉ ኩነታት ንምፍጣር ኣብ ክንዲ ዝንቀሳቐስ፣ ወትሩ ከምዚ ዝኣመሰለ ነቲ ጸቢብ ግዝያዊ ፖለቲካዊ ረብሓኡ ዘገልግል ሕሱር ሜላታት እናመሓዘ ቅሳነት ከሊኡ መሊሱ ጸቕጢ ከብዝሓሎምን ሸገርገር ከብሎምን ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ናይ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሰነድ ምስክርነት፣

Form_1

Form_2

Form_3

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • Henok January 4, 2016

    For the first time what i like about this situation the pfdj are being forced to play with the opposition side in deyti fithi terms. Now that what you call well planned movement by opposition.however now we should plan or act using another tactics like assenna’s and the likes are suggesting the so called grassroots movements.Personally, what we ultimately gain from the COI is the FEAR we implanted in the inner circles of pfdj. Again Opposition must always dictate how,when,why and where the game is played. otherwise he will give interview after few days say some stupid things,will hide for 4 months … all this is distraction we should ignore him intentionally focus on our plan,tactic and strategies

  • Desbele tekie January 4, 2016

    Hgdf ni hzbi eritrea bflay ni menisey eritrea ay moya ay timrti geru metsaei zeyblna meniseyat ab mewedaeta zeyblu hagerawi agelgulet ambiruna zetalelo gizea aywhadon yaekil hgis ztalel menisey yelen hliniau zchete entezey koynu

    • AHMED SALEH !!! January 5, 2016

      Desbele
      Our young generation future became the play field of Eritrean politics
      because we choose it that way from our ignorance . As cowards as we are
      we want to put finger in single person called Issayas the great person
      Eritrea never have in our history . Bunch untruthful people deserve
      what they ask for , my dear brother . Sorry if you are victim of our
      people stupidity but do not give up on Deleyti Fithi patriots .
      We lead our life with hope and dreams until death under mercy of God .

  • ጃck January 4, 2016

    ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ህግደፍ ብዘውጸኣልና ኣጀንዳ ሌል ክንብል ነሕልፎኔርና። ሕጂ ግን፡ ዘበን ተቀይሩ ደለይቲ ፍትሒ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ኣጀንዳ ተኽቲልና ንኽይድ ከምዘለና ዘመላኽት እዩ።
    እሞ ህግደፍ፡ ኣብ ኣጀንዳና ክሙጉት ካብ ጀመረ፡ ሓድሽ ተርእዮ እዩ። ስለዚ ስዕረቱን ተኣሚኑ ማለት እዩ። ትዕቢቱ እዉን ክሳዱ ተሴሩ ደኒኑ ማለት እዩ። እሞ ሓንቲ ካብተን መትንታት ተረኺባ ኣላ ማለት እዩ። ስለዚ ከይሓወየ ከሎ ደጋጊምካ ኣብኣ ምህራሙ እዩ።

  • Barud January 4, 2016

    This form is probably the biggest joke of the year!

  • Hagherawi January 5, 2016

    Please Assenna send a copy of the above document to COI.

  • yonas January 5, 2016

    መን ሐቲቱኩም:ህግደፍ አገዲዶም ድዮም ዋላ ብናቶም ኮራኹር አሽሐት ፌርማታት ይአክቡ አይክሰርሕን ኢዩ።ምኽንያቱ እዞም ሰባት አይተገፋዕናን,አይተአሰርናን,ዓድና ጥዑም ኢዩ,መንግስትና ደሞክራሲያዊ ፍትሐዊን ሰብአዊ መሰላት የኽብር ኢዩ ዝብሉ እንተኾይኖም coi ከአ ሕራይ ጹቡቕ ይግበረልኩም ግን መን ንዓኹም ሐቲቱኩም ኢዮም ክብልዎም።coi,ንሕና ነቶም ዝተገፍዑ,ዝተአስሩን ካልእ ጸገማት በዚ ‘መንግስቲ’ ዘጋጠሞም ኢና ሐቲትና ስለዚ ስኽፍ አይበልኩም መንግስትኹም ሕጊ,ፍትሕን ሰብአዊ መሰልን ዘኽብር እንተደአኾይኑ።ህግደፍ ክንድዚ ሽሕ ፌርማታት አኪብና coi ግን ን500 ሰባት ጥራይ ኢዮም አዘራሪቦም ንሕና ናይ ብዙሕ ህዝበ ደገፍ አለና ክብሉ ኢዮም ደሊዮም ግን ትደልዮ እሞ እዝንግዓኪ ኮይኑዎም።እታ ግዜ እንዳቐረበት እታ ገመድ እንዳኸረረት ትመጽእ አላ።ፉሹል ሽጣራ ህግደፍ እዚ ይመስል,Living ln the old days in Nacfa but the world is interconnected and with much information.God bless eritrea!!!

  • Simon G. January 6, 2016

    በዚ ናይ ኣሰናን ካልኦት ውሑዳት ግዱሳትን ዘበርክትዎ ዘለዉ ሕስስስስስስስስስስስስስስብ ኣቢለ: ብተግባረይ ይሓፍር። ናብ ቀሚሽ ኣደይ ክኣቱ ቁሩብ ይተርፈኒ። ንስኻትኩም ከ ከማይ ዶ ትሓፍሩ?

  • ተስፋ January 6, 2016

    ስርዓት ክግዕር ከሎ ኣብ ሕሱር ዘሕፍር ቛንቋ ይኣቱ ኣበየለኻ ዘይበልዎስ ኣብዚለኹ ይብል ኮይኑ እንዳ ህግድፍ።
    በዚ ክዕወት ኦየ እንተኢሉስ ያየ!!!!

  • Duri Mohammed January 6, 2016

    Please note all concerned Eritreans residents of Western Countries, with dual passports and have the opportunity to live anywhere:

    Let me make it short -Those of us living in the Middle East should have no chance but to abide by the regulations of the Isayas government. If we didn’t we have no way to go.Our passports including our children’s will not be renewed and we cannot live here with out valid passport and residence permit.Otherwise we will be thrown in to the big jail -Eritrea. So please don’t blame those who came forward to sign the letter. Finger crossed.

  • Duri Mohammed January 6, 2016

    One more comment: Esayas and cohorts can be toppled by armed struggle. Protests in Western countries are simply accessory to the main cause. Let all able Eritreans with military experience go to the field as before and liberate our country. Playing on the internet is simply not the solution. Our so called opposition groups are dozens each with a different agenda, unlikely to converge on a common goal. This is a good atmosphere for the government. In fact Eritrea is heading for a cul de sac. and everybody is pursuing his own personal interest. Esayas stands alone. Most people in the Middle East are desperate to return to their country.or to join armed struggle, if there are some patriots with guts… I doubt.

POST A COMMENT