Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ብመርማሪ ኮምሽን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ንምቍንጻብን ንምቅዋምን ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዝጀመሮ ፌርማታት ናይ ምእካብ ጎስጓስ ኣብ እስራኤል ‘ውን ይቕጽሎ ከምዘሎ ዝረኸብናዮስ አነድ ኣረጋጊጹ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ብመርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተዘርግሐ ንዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እቲ ስርዓት ዘቃልዕ ጸብጻብን ገና ዝቕጽል ዘሎ መርመራን ንምቍንጻብን ንምቅዋምን ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ብመርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተዘርግሐ ንዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እቲ ስርዓት ዘቃልዕ ጸብጻብን ገና ዝቕጽል ዘሎ መርመራን ንምቍንጻብን ንምቅዋምን ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝጀመሮ ፌርማታት ናይ ምእካብ ጎስጓስ፣ ኣብ እስራኤል ‘ውን ይቕጽሎ ከምዘሎ ዝረኸብናዮ ሰነድ ኣረጋጊጹ።

እቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘዳለዎ፣ ምሉእ ስምን ኣድራሻን ቁጽሪ ቴለፎንን ኢመይልን ስደተኛታት፣ ከምኡ ‘ውን ካብ ኤርትራ ዝወጽኡሉ ኣገባብን ዑቕባ ክረኽቡ ዘቕረቡዎ ምኽንያትን ዝሓትት ቅጥዒ፣ እቶም ኤርትራውያን ነቲ መርማሪ ኮምሽን ዘቕረቦ ጸብጻብ ሓሶት ምዃኑ ምስክርነቶም ብምሃብ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ክኹንኑዎ መምርሒ ዝህብ እዩ።

እቲ ’ሓሶታትን ክስታትን ምቅላዕ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ እቶም ስደተኛታት ንስርዓት ህግደፍ እናነኣዱን እናድነቑን፣ ንጸብጻብ መርማሪ ኮምሽን ሓሶት ምዃኑ ክምስክሩ ብዘይ ሕብእብእ ዝጠልብ ቅጥዒ፣

ንኣብነት ኣብቲ ጭቆናን ግህሰትን ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ፣

  • ኣብ ኤርትራ ናይ ሰብኣዊ መሰል ምግሃስ ወይ ቅልውላው ከምዘየሎ
  • ህዝብን መንግስትን ተሳንዩ እናተመላልአ ከምዝኸይድ፣ ንኣብነት ናይ መንግስቲ ዘውጽኦ መደባት ህዝቢ ብንቕሓት ተረዲኡ ናቱ ምዃኑ ኣሚኑ ከምዝሳተፍ
  • ዝኾነ ይኹን ናይ መሰል ግህሰት ኣብ ዝረኣየሉ ድማ ህዝቢ ንዝምልከቶ ከምዝሕብርን ከምዝእርምን፣ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ መሰሉ ከምዝረክብ ብኣብነት ምጥቃስ ….ዝብል ዝርዝር መምርሒ ይርከቦ።

ኣብቲ ግዱድ ዕዮን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝብል ክፋል ድማ፣

  • ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዙርያኻ ምግላጽን ንህዝቢ ዘርብሕ ዝተሳተፍካዮ ማእቶታዊ ስርሓትን ዝፈጠረልካ ዕግበትን ምግላጽ
  • ኣብ ኣገልግሎት ዝቐሰምካዮ ሞያዊ ክእለት፣ ትምህርቲ፣ ተመክሮ፣ ሓልዮት፣ ስኒት፣ ሌላ ምስ ካልኦት ብሄራትን ክፍልታት ሕብረተሰብናን (ምግላጽ) ዝብሉ መምርሒታት የጠቓልል።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብቲ ግጉይ ዕላማታት ኣገባባትን ኮምሽን ምቅዋም ዝብል መዛዘሚ ክፋል፣

«ብመሰረት ናተይ ተምክሮን ፍልጠትን፣ ብኮምሽን ቀሪቡ ዘሎ ክስታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ መሰረትን ሓቅታትን ዘይብሉ ከምዝኾነ ምስክርነተይ እቕርብ ኣለኹ (እዝን እዝን ክስታት ብምባል ክስታት ብምጥቃስ ይጸሓፍ) ይብል።

ምንጭታት ከምዝገለጹዎ፣ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ 6 ሽሕ ፊርማታት ብዝያዳ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ናይ ዝተሰደዱ መንእሰያት ክእክብ እዩ ዝጓየ ዘሎ።

እዚ ኸኣ ስርዓት ኢሳይያስ በቲ ናይ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ጸብጻብን ቀጻሊ መርመራታቱን ርዒዱ ከምዘሎ ዘንጸባርቕ እዩ።

ብተደጋጋሚ ከምዝገለጽናዮ፣ እቲ ስርዓት ብቐጥታ ምልካዊ ስርዓቱ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ዘሎ ናይ ቅብጸት ስልቲ ብዘይካ ‘ቲ ንሃገርን ህዝብን ዘለዎ ጉድኣት፣ ኣብ ርእሲ ‘ቶም እንተ ብፓስፖርት እንተ ብእዋናዊ ማሕበራዊ ምኽንያታት ተገዲዶም ኣብዚ ናይ ሓሶት ሰነድ ዝፍርሙ ኤርትራውያን ዜጋታትን ስድራቤታትን፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝገብሩዎ ሕቶ ዑቕባ፣ እቲ ስርዓት ናይ ፖለቲካ ሽግር ከምዘይብሎም ከም መመስከሪ እናቕረበ ዕድሎም ክሰብረሎም ከምዝኾነ ብምዝካር ኣብቲ ሰነድ ፌርማኦም ካብ ምንባር ክጥንቀቑ ከምዘለዎም ክግንዘቡ ይግባእ።

እቲ ብዘይካ ፖለቲካዊ ኣጀንዳኡ ምስላጥ ቅንጣብ ናይ ህዝቢ ሓልዮት ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቶም ብሰንኪ ብልሹው ፖለቲካዊ ምሕደራኡን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ከም ብዓል ሱዳንን እስራኤልን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ተጻጊሞም ዝነበሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ርግኣትን ቅሳነትን ዝረኽቡሉ ኩነታት ንምፍጣር ኣብ ክንዲ ዝንቀሳቐስ፣ ወትሩ ከምዚ ዝኣመሰለ ነቲ ጸቢብ ግዝያዊ ፖለቲካዊ ረብሓኡ ዘገልግል ሕሱር ሜላታት እናመሓዘ ቅሳነት ከሊኡ መሊሱ ጸቕጢ ከብዝሓሎምን ሸገርገር ከብሎምን ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ናይ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሰነድ ምስክርነት፣

Form_1

Form_2

Form_3

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • Giorgio H. January 4, 2016

    It is very pure, cheep and loser luck of confidencre, undiplomatical manner to misguide our people to recive credibility from the UN

  • በረከት January 4, 2016

    እሞ ሃገር ሰላም ኣላ መሰልና ሕሉው እዩ እንተይሎም ሃየ አቶም ደለይቲ ፍትሒ ኣይትሕመቁ ዓዶም ዘምልሶም ቕጥዒ አንድሒር መሊኦም

  • yonas January 4, 2016

    እቶም ናይ ሰብአዊ መሰላት ዝጣበቑ ኤርትራዉያን ነዚ ናይ ህግደፍ አስገዳድ ብሐሶትን ሽርሕን አብ ኤርትራ ሰላምን ሰብአዊ መሰልን ዝኽበረላ ሃገር አምሲልካ ንዓለም ንምትላል ዝግበር ፈተነ,ብግቡእ ተኸታቲሉም ናብ ኮምሽን ኦፍ ኢንኳየርን ካልኦት ተጣበቕቲ መሰላትን ከቕርብዎ ይግባእ፣ውድቀት ንተንኮላተ ህግደፍ,ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!!!

  • k.tewolde January 4, 2016

    It a desperate measure,something you would expect from a sucker.

  • k.tewolde January 4, 2016

    It is a desperate measure,something you would expect from a sucker.

  • Berhe Tensea January 4, 2016

    The regime is afraid of the UN and its already tarnished image. If the regime is not an oppressor or haven’t done crimes against the Eritrean people and specially the youth, why is it trying to force the youth to lie about why they fled the hell on Earth place called Eritrea.
    The regime is trying to run a way from criminal accountablity.
    Zombie like characters and those who have no option may feel the application.
    If a regime has confidence and nothing to fear about, it would not resort to such cheap tactics.
    The drakula of Eritrea is not yet done , he will not rest till the country is destroyed for good.

  • ተጻወ January 4, 2016

    ነዚ ሰነድ ኣዳልዮሞ ዘለው ብልክዘዕ እንተ ዘይ ተቃሊዑ ሳዕበኑ ክከፍእ ኢዩ ናይ ዚኮም ተንኮል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መወዳእታ የብሉን

  • ዮናስ January 4, 2016

    ናይዚ ፎሩም ተልእኾ ተወሳኺ ሰብአዊ ግህሰት ዘረጋግጽ ድአምበር ፍትሓዊ ከምስሎ አይክእልን እዩ፣፣ ብርግጽ ነዚ ፎሩም ዝመልኡ ኤርትራውያን ክህልዉ እዮም ግን ክሳብ ክንደይ ሰብአዊ ግህሰት ከም ዝበጽሖም ዘረድእ ሰነድ ድአምበር ንአራዊታዊ ባህርያት ህግደፍ ክቅይር አይኮነን፣፣
    ምኽንያቱ ብዘይካ እቲ አብ ትሕቲኡ ከለዉ ዝወርዶም በደላት ንምሉእ ሂወቶም ዝኸይድ ስነአእሙራዊ ማህሰይቲ ከም ዝበጽሖም ዘረድእ ተወሳኺ ጭብጢ እዩ፣፣ ስለዚ ነዚ ፎሩምዚ ክመልኡ ዝገብሮም እንታይ ምዃኑ ምርድኡ ዝሽገር ጉዳይ ህዝቢ ዝከታተል ኮምሽን የሎን///////

  • Hailu January 4, 2016

    Isayas and his snare tactics

    He is so stuburn to admit his mistake this idea must have been brought by some external advisors.
    This is the time where the justice seeking require wisdome and knowledge to respond and resist the actions of the regime.
    1. We need immediately appeal to UN that the people are forced or pressured directly or indirectly to sign the form

    2. There is no third party observer like amnesty international or any other body to witness wether it is by their own will
    3. Lets continously make aware those people if they sign they will suffer the consequences and the respective countries like Saudi.Israel .Sudan have all the evidence to deport them and BE AWARE UN CAN NOT HELP IN THIS CASE
    4.we also need to exclusively send message to the embassy workers where this is being enforced that they will be accountable for facilitating this dangerous process

    Isayas will do all evil on earth and wr should not be surprised.

  • Berhe Tensea January 4, 2016

    Completing the dictatorial form is designed to save the dictator from accountablity by UN and ICC..
    The people who are filling the forms will not get the opportunity to be resettled, ask for political asylum.
    If they cooperate with the regime the result will have a very negative consequence.
    People must be truthful and stand up for the sake of theirs and peoples interest.

1 2 3

POST A COMMENT