Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ንኣስታት 6 ዓመታት ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ከምዝፈተሐ ተፈሊጡ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ንኣስታት 6 ዓመታት ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ራድዮ ባናን ድምጺ ሓፋሽን ከምዝፈትሐ Reporters Without Borders ዝተባህለ ማሕበር ሓቢሩ። እቶም ነጻ ተለቒቖም ዘለዉ፣ ባሲልዮስ ዘሞ፣ ይርግኣለም ፍስሃ፣ መለስ ንጉሰ፣ በረኸት ምስግና

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ንኣስታት 6 ዓመታት ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ራድዮ ባናን ድምጺ ሓፋሽን ከምዝፈትሐ Reporters Without Borders ዝተባህለ ማሕበር ሓቢሩ።

እቶም ነጻ ተለቒቖም ዘለዉ፣ ባሲልዮስ ዘሞ፣ ይርግኣለም ፍስሃ፣ መለስ ንጉሰ፣ በረኸት ምስግና ኣባላት ሬድዮ ባና፣ ግርማይ ኣብርሃምን ጴጥሮስ ተፈርን ከኣ ካብ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ እዮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሚኒስተር ዜና ነበር ዓሊ ዓብዱ ራሕሪሑዎ ኣብ ወጻኢ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቱ፣ ኣብ ህዝቢ ይኹን እቶም እሱራት ንገዛእ ርእሶም፣ ግዳያት ዓሊ ዓብዱ ከምዝነበሩ እቲ ስርዓት ንጹህ ምዃኑ ዝንቡዕ ስምዒት ንምፍጣር፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2013 ምስዚኣቶም ኣብ ቀይዲ ኣእትዩዎም ንዝነበረ 33 ጋዜጠኛታት ራድዮ ባናን ካልኦት ገጠምትን ሰነጥበበኛታትን ብዋሕስ ከምዝፈጥሐ ይፍለጥ።

ሎሚ ኸኣ “ቅዋም ሞይቱ እዩ” ብዝብል ብድዐ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዝያዳ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ቀንዲ ደገፍቱ ፈጢሩዎ ንዝቐነየ ተስፋ ምቝራጽን ቅብጸትን ኣውንታዊ ብዝመስል ዜና ንምድባሱ፣ ከምኡ ‘ውን ንማሕበረሰብ ዓለም ምምሕያሽ የርኢ ከምዘሎ ንምታልል እዩ፣ ነዞም ንኣስታት 6 ዓመታት መቝሑዎም ዝጸንሐ 6 ግዳያት ፈቲሑዎም ዘሎ።

በቲ ምስ ቅዋም ዝተኣሳሰረ ዓጀውጀዉ ኣብ ህዝቢ ዓሚሩ ንዝቐነየ ቁጥዐን ምምራርን ንምዕጋስ እዞም እሱራት ክፍትሑ እዮም ዝብል ወረ ኣብ ክሊ ደገፍቱ ኣቐዲሙ ብታሕቲ ጋሕቲ ኣናፊሱዎ ከምዝቐነየ ‘ውን ይፍለጥ።

ህዝቢ ይኹን እቶም ግዳያት፣ ብምፍትሖም ተደዓዒሶም ኣብ ክንዲ ዝዛነዩ፣ ብቐደሙ እዞም መንእሰያት ስለምንታይ ንሽዱሽተ ዓመታት ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ተኣሲሮም ንእስነቶም ብኸንቱ ከምዝባኸነ እዮም ክሓቱ ዘለዎም።

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ 2001 ኣትሒዙ ዝኣሰሮም ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ሓያለ ጋዜጠኛታት ኣብ ምስጢራዊ ማሕዩር ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ይሓቁ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • Fikre January 28, 2015

    Killing a constitution and then releasing journalists who have been in jail for 6 years for nothing is something only Isayas would do. We need not be complacent because that is what the dictator intends to achieve. As long he is in power, he won’t implement the ratified constitution which would enable us to lead dignified lives. Rule of law is only one component of the entire package we are seeking.

POST A COMMENT