Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብመሪሕነት የማነ ገብርኣብ ( ማንኪ) ኣብ ሆላንድ ከካይዶ ጀሚሩ ዝነበረ ኣኼባ ኩርኩር ህግደፍ (YPFDJ) ብ ሳላ ተባዕ ተቓውሞ ደለይቲ ፍትሒ ሆላንድ ተሰሪዙ። ልኡኻት ህግደፍ ብህጹጽ ክወጽኡ ተኣዚዞም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብመሪሕነት የማነ ገብርኣብ (ማንኪ) ኣብ ሆላንድ ሎሚ 13 ሚያዝያ ከካይዶ ጀሚሩ ዝነበረ ኣኼባ ኩርኩር ህግደፍ (YPFDJ) ብ ሳላ ተባዕ ተቓውሞ ደለይቲ ፍትሒ ሆላንድ ተሰሪዙ፣ ኩሎም ልኡኻት ህግደፍ ካብ ሆላንድ ብህጹጽ ክወጽኡ ተኣዚዞም

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብመሪሕነት የማነ ገብርኣብ (ማንኪ) ኣብ ሆላንድ ሎሚ 13 ሚያዝያ ከካይዶ ጀሚሩ ዝነበረ ኣኼባ ኩርኩር ህግደፍ (YPFDJ) ብ ሳላ ተባዕ ተቓውሞ ደለይቲ ፍትሒ ሆላንድ ተሰሪዙ፣ ኩሎም ልኡኻት ህግደፍ ካብ ሆላንድ ብህጹጽ ክወጽኡ ተኣዚዞም ከምዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ነቲ ኣኼባ YPFDJ ደው ናይ ምባል ትእዛዝ ከንቲባ ከተማ Veldhoven ኣብ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሎሚ ምሸት ሰዓት 8፣00 ብናይ ሆላንድ ኣቋጻጽራ ብወግዒ ከምዝገለጾ ተፈሊጡ።

ኣብ ሆላንድ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንህዝብ ኤርትራ ጨቍኑ፣ ኣብ ሽበራ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብ ምልካዊ ስርዓት ኣኼባ ኣብታ ሃገር ከይካየድ ቀጻሊ ጎስጓሳት ከካይዱ ድሕሪ ምቕናይ፣ ሎሚ ናብቲ ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተሓቢኦም ኣኼባ ዝጀመሩሉ ኣብ Veldhoven ዝርከብ ሆቴል ብቕጽበት ከይዶም ብዝገበሩዎ ተሪር ተቓውሞ ክፈሽል ከምዝኸኣለ ምስ ድምጺ ኣሰና ሓጺር ቃለመጠየቕ ዝገበረ ሓደ ካብ ንጡፋት ወደብቲ ናይቲ ተቓውሞ ሓው ያቆብ ሓቢሩ።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝመደበሩ ኣምባሳደር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ናብቲ ኣኼባ ብመኪና ክኣቱ ኣብ ዝፈተነሉ እቶም ብብዙሕ ሽግረም መከራን ምድረበዳን ባሕርን ጥሒሶም ዝተሰዱ መንእሰያት ኣብ ጽንርግያ ደቂሶም ስለዝዓገቱዎ ናብቲ ኣኼባ ክኣቱ ይከኣለን። ብድሕሪኡ፣ ናብቲ ኣዳራሽ ዝኣትዉ ዝነበሩ ስቓይ መንእሰያት ኤርትራ ዘይተሰቆሮም ሰለስተ  ሙዚቀኛታት ብሰንኪ ዘርኣዩዎ ብድዐ ምስቶም ሰልፈኛታት ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ግጭት ድሕሪ ምብጽሖም፣ ፖሊስ ሆላንድ መጺኦም ነቲ ኩነታት ከምዝተመልከቱዎን ነቲ ኣኼባ ደው ከብሉዎ ከለዉ፣ ገለ ካብ ደለይቲ ብትሒ ንግዚኡ ብፖሊስ ተታሒዞም ኣለዉ።

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባ YPFDJ ከካይድ ናይ መጀምርያኡ ኳ እንተዘይኮነ፣ ካብ ደለይቲ ፍትሒ ቀጻሊ ተቓውሞ ከጋጥሞ ብምጽንሑ ነቲ ናይ ኣኼባ ኣዳራሽን ከተማን ክሳብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ብምስጢር ብምሓዝ ብቐባሕ መባሕ ‘ዩ ዘካይዶ ነይሩ። ሎሚ ግን ሳላ ‘ቶም ኣብ ሆላንድ ዝርከቡ ተባዓት ደለይቲ ፍትሒ ዘካየዱዎ ጽኑዕ ምክትታልን ጻዕርን ክሰልጦ ኣይከኣለን። ደለይቲ ፍትሒ ሆላንድ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ዓማጺ ስርዓት ተዓዊቶም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Tes April 13, 2017

    Well done! Fighting back reclaiming their proud and dignity. To fight for ones right should be must. There’s allways limit some one can take injustice.

  • k.tewolde April 13, 2017

    This is a message for the few who are benefiting from our collective sacrifices and sucking the life out of the Eritrean masses that they can’t keep doing that anymore.Small victories at a time,that is what it takes.HGDEF is a bully,he just needs one who can stand up and beat the crap out of him till he starts begging to stop in all our 9 ethnic dialects. Together we can do it like we did a while back, the difference is our enemy is not the helmet sporting TORSERAWIT, he is the feeble man in his 70’s with an exaggerated dyed mustache and the party that adores him.

  • Sahi April 14, 2017

    Violence works. Only by use of force or the mere threat of force can you stop PFDJ conferences.

  • Daniel April 15, 2017

    Well done next time we have to kill him yemane gebrab(monkey) for sure no joke he is a killer.

  • ሚኪኤል April 16, 2017

    ደለይቲ ፍትሒ ሆላንድ ጀጋኑ አወ ስርዓት ህግድፍ ብበትሪ አዩ ዝጓሓፍ ።

  • almazina April 16, 2017

    Agree 100% with u dani. Killers should be killed. That is the only way to restore our dignity in eritrea.

  • almazina April 16, 2017

    Time for non violent ressistance is long gone. Now it is time to add new dimention to our resisstance and struggle. Violence. The only language pfdj criminal gangs understand.

Post a Reply to almazina Cancel Reply