Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ‘መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ጸብጻቡ ኣቐዲሙ ክዝርግሖ መዲቡ ‘ሎ’ ክብል ናይ ምዕዝምዛም መግለጺ ብምውጻእ ተላፋሊፉ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዝፍጽሞ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ንሃገርና ኤርትራ ‘ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ‘ ብዝብል ስም ኣጸይፉዋ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ‘መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ጸብጻቡ ኣቐዲሙ ክዝርግሖ መዲቡ ‘ሎ’ ክብል

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዝፍጽሞ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ንሃገርና ኤርትራ ‘ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ‘ ብዝብል ስም ኣጸይፉዋ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ‘መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ጸብጻቡ ኣቐዲሙ ክዝርግሖ መዲቡ ‘ሎ’ ክብል  ናይ ምዕዝምዛም መግለጺ ብምውጻእ ተላፋሊፉ።

እቲ ስርዓት፣ መርማሪ ኮምሽን፣ ቅድሚ ምኽፋት ዋዕላ ቤት ምኽስሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻቡ ክዝርግሖ ደልዩሉ ዘሎ ምኽንያት፣ ኣቐዲሙ ብማዕከናት ዜና ዓለም ከውቅዓና ስለዝደለየ እዩ ክብል እዩ ዘዕዘምዝም።

እዚ ኸኣ፣ እቲ ምልካዊ ስርዓት፣ “ገበናት ኣንጻር ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሙ ክኸውን ይኽእል እዩ” ብምባል እቲ መርምሪ ኮምሽን ኣብ ዝሓለፈ ጸብጻብ ንዘቕረቦ ኣመት ከም ቀንዲ ቴማኡ ኣብ ምጽራይ ይርከብ ብምህላዉ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ዘኽስስ ከቢድ ገበን ኣብ ጸብጻቡ ብምስፋር ኣብ ሓደጋ ከውድቐና እዩ፣ ዝብል ክቱር ራዕዲ ውሒጡዎ ከምዘሎ ዘንጸባርቕ እዩ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓቂ እንተዝህልዎ፣ ጸብጻብ መርማሪ ኮምሽን ቅድሚ ሰሙን ምውጽኡን ዘይምውጽኡን ኣይመገደሶን፣ ይኹን እምበር፣ እቲ ስርዓት ብኸምዚ ዝኣመሰለ መንገዲ ምቝርምራሙ ርእሰ ምትእምማን ከምዘይብሉ ዝምስክር እዩ ክብሉ ተዓዘብቲ ገሊጾም።

ሓደ ካብቲ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተቐዳዲሙ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ክሲ ኣውዲቑሉ ዘሎ ምኽንያት፣ ነቲ ብመርማሪ ኮምሽን ዝካየድ ዘሎ ምጽራይ ንምቍንጻብ ኣብ ስደት ብፍላይ ድማ ኣብ ከም ብዓል ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ጸቕጢ እናገበረ ናይድ ደገፍ ፌርማታት ንምእካብ ዘካይዶ ዘሎ ዘመተ ከየስለጠ፣ እቲ ሓቂ ከይወጽእ ፈሪሑን ተጠራጢሩን ብምህላዉ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዜናታት ከምዝጠቐስናዮ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ቤተመቕደስ እናኣተወ ከይተረፈ ፌርማታት ኣብ ምልማን ተዋፊሩ ኣሎ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ‘ውን ገዛ ገዛ እናዃሕኵሐ ከምኡ ‘ውን ብ ፈቐዳ እናሻሂ ሃሱሳቱ ኣዋፊሩ ፊርማታት ብምእካብ ነቲ ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝቐርብ ጸብጻብ ንምፍሻል ጻዕርታቱ ይቕጽል ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽዩፍ ተግባር ተዋፊሮም ነቲ ዓማጺ ስርዓት ዘገልግሉን ህዝቦም ዝብድሉን ዘለዉ መጋበርያታት ኣስማት ከነቃልሕ ምዃና ሓቢርናኩም ኔርና፣  ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ምንጭታት ብዝለኣኹልና ሓበሬታ መሰረት እቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽዩፍ ተግባር ተዋፊሮም ዘለዉ ዜጋታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

መዋፈርቲ ኣባላት ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፣

1.ኮረኔል ኣሕመድ ሳልሕ ሳበ

2.ኣሕመድ ዓጣ

3.ሰገን ስነድሽ

4.እድሪስ ኣዳል

5.ኣቡ ጀማል ኣፈንዲ

6.ኣፍወርቂ ደባስ

7.ወየኒ ገረዝግሄር

8.ሉኡላ

 

ክኾኑ ከለዉ፣ እቶም በዚኦም ተዋፊሮም ነቶም ገዛ ገዛ እናዃሕኵሑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብጸቕጥን ምፍርራሕን ኣብ ስደት ንዝነበር ህዝቢ ኣብ ዘይኣምነሉ ጉዳይ ፌርማኡ ከንብር ዘገድዱ ዘለዉ  መግበርያታት ድማ፣

 

 

9.ተዛረ ርስቶማ

10.እድሪስ ደራሲ ማካሮና

11.ጉይትኦን ኣብርሃ

12.ሐየሎም መንግስቱ (ከኒሻ)

13.ገብሬሃንስ ገብሩ

14.ዘማኒኤል ሃብታይ

15.ሰመረ ሃይለማርያም

16.ተስፈሃንስ መርሁ

17.ዓ/ቃድር ሓጂ ሓምዳን

18.የውሃንስ መርሁ

19.የውሃንስ በላይ (ውዲ ማጆር)

f20.ጀማል ዓሊ (ትምባክ)

21.ዘወልደ ገብረ ስላሴ

22.ኣሰፋው (ሓይ ሰላማ)

23.ዓብዱ በሺር ሓሰኖ

24.ዓብዱለልቃድር ማሊክ

25.ኣቡበከር ሸንካሓይ

26.መ/ክብራአብ ተኸስተ

27.ተስፋሀንስ ሓንጣል … እዮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Berhe Tensea May 7, 2016

    PFDJ people are trying to collect as many signatures as they can even in Western countries.
    The regime is doing this out of hopelessness, and may be able to collect few signatures in the middle East.
    The PFDJ officials and their messengers who are asking people to sign are getting registered, in Britain, Germany, Greece, Saudi Arabia, UAE, and many more places and they must know that they will ask to account in the future.
    People, must know that for every irresponsible action now there will be a strong reaction later.

  • mokonen May 8, 2016

    ዚገቤረ እንተገቤረ ሐቅ አይትቅቤሪንያ
    ስለዝ አጆኹም ደለይት ፍትሕ

  • Desalegn May 8, 2016

    ሕጊ ምፍላጥን ብሕጋዉነት ምስራሕን ካብ ተሓታትነት የድሕን [ኣይትታሃመሉ ኤርትራዊያን]

    ኣብ ሞንጎ ከሳስን ተኸሳስን ብሕጊ ንዝተታሕዘ ጉዳይ ኣብ ዘይትፈልጦ ምስክርነትካ ብፈርማኻ ምስተረጋግጽ ብኣካል ኣብቲ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ቀሪብካ ንሓቅነቱ ምስክርነት ሃብ ምስ እትበሃል መልሱ ክጽግመካ ስለዝኽእልን ነቲ ዝገበርካዮ ናይ ሓሶት ምስክርነት ብገበን ከምትሕተተሉ ምፍላጥ ኣገዳሲ ይመስለኒ። ህግደፍ ብምድጋፍ ትፍርሙ ዘለኹም ኤርትራውያን ዝመጸኩም ሳዕቤን ኣቐዲምኩም እንተፈለጥኩምን ኣብ ዘይትፈልጥዎ ጉዳይ ኣቲኹም ፌርማኹም እንተዘይንበርኩምን ካብ ተሓታትነት ነጻ እንተኾንኩምን ዝሓሸ እዩ።

    “ሕጊ ብዘይምፍላጥካ ንዝገበርካዮም ናይ መስርሕ ጌጋታት ካብ ተሓታትነት ኣይተመልጥን ኢኻ”

  • Hamid Sorobeti May 8, 2016

    Thousands of Eritreans who are living and working in the midle east countries are prisoners of the rgime through holding the Eritrean passport so they will unwittingly will sign that document. The question is about those instruments of the regime who completely lost all their human values and throw their conscience and dignity in the trash can to serve one socially sick dictator.

  • Luulseghed May 9, 2016

    To add more information May 7th 2016 the HGDF radio in Washington, D.C. USA has made same call and invitation to the public to sign the paper and oppose the human right commission

  • Desalegn May 12, 2016

    ሃገር ክትሓተኩም እያ !

    ንዓሌት ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኢሉ ንምብራስን ንምጽናትን ምስ ዝሰርሕ ዘሎ ጉጁለ ህግደፍ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ መዓልቲ ናጽነት ትሳተፉ ዘለኹም ይኹን ካብ ሞት ንኸትድሕንዎ ፌርማኹም ተንብሩ ዘለኹም ዜጋትት ኤርትራ ብሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብተሓታትነት ኣይክተመልጡን ኢኹም።

    “ሕጊ ብዘይምፍላጥካ ብትትግብሮም ገበናት ካብ ብሕጊ ተሓታትነት ኣይተመልጥን ኢኻ”

    [ተገደስቲ ዜጋታት ብኤርትራ*]

Post a Reply to Desalegn Cancel Reply