Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ካብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንዝሓረዩዎም እሙናት መጋበርያታት ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ሓደ ኮለጅ ዓጽዩ ብቕንያቱ ሕቡእ ምስጢራዊ ኣኼባታት የካይደሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

በቲ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ምስ ኢትዮጵያ ዝገበበሮ ዕንደራዊ ርክብ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደገፍቱ ተገማሚዖምሉ ዘለዉ እዋን፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ካብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንዝሓረዮም እሙናት መጋበርያታት ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ካብ 29 መስከረም ጀሚሩ

በቲ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ምስ ኢትዮጵያ ዝገበበሮ ዕንደራዊ ርክብ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደገፍቱ ተገማሚዖምሉ ዘለዉ እዋን፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ካብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንዝሓረዮም እሙናት መጋበርያታት ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ካብ 29 መስከረም ጀሚሩ ክሳብ 3 ጥቅምቲ ኣብ ሓደ ኮለጅ ዓጽዩ ብቕንያቱ ሕቡእ ምስጢራዊ ኣኼባታት የካይደሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቶም ፈለማ ቴሌፎናትኩም ገዲፍኩም እተዉ ዝተባህሉ እሙናት ካድራት ናይቲ ስርዓት፡ ቁሪምሪም ምስ በሉ፡ ኣብ መወዳእታ ኣሻላሻል ተገሪሎም ቴለፎናቶም ኣጥፊኦም ክኣትዉ `ኳ እንተተፈቕደሎም፡ ኣብቲ ኮለጅ ን 12 ሰዓታት ንመዓልቲ ጽዑቕ ሰሚናራት ክካየደሎም ከሎ ኣብኡ ተዓጽዮም ይሓድሩ ኣለዉ።

እቲ ሰሚናራት ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ብሕልፊ ምስ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ዘተኮረ ጎስጓስ ምዃኑ `ውን ተፈሊጡ።

ዝበዝሑ ኣካየድቲ ናይቲ ሰሚናር፡ እቶም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዘለዉ ወትሩ ዝረኣዩ ኣጋር ፕሮፖጋንደኛታቶም `ኳ ፍሉጣት ኣብ መደብ ናይቲ ሰሚናር ግን ስሞም ናይ ዘይተረቚሑ ክልተ ቀንዲ ተዛረብቲ (Guest Speakers) ቦታታት ከምዘሎ፡ ሓደ ካብኣቶም ከኣ እቲ ኣብ ወግዓዊ ውራያት ምስ ኣቡኡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ወራሲ ዓራት ዉጥምቅልቅል ክብል ጀሚሩ ዘሎ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ይኹን`ምበር እቲ `ሳርፕራይዝ` ክገብሮም ተሓሲቡ ዝነበረ ኣብርሃም ኢሳይያስ ዛጊት ብዘይተጻረየ ምኽንያት ካብ ኤርትራ ስለዘይመጽአ ኣብ መደቡ ኣይተረኽበን።

ወዱ ንውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብመንጎኛነት ንጉስ ስዑድ ዓረብ ምስ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተፈራረመሉ እዋን ምስ ወግዓዊ ልኡኻት ኤርትራን ኢትዮጵያ ምርኣዩ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኢሳይያስ ንወዱ ንውርሻ ናይቲ ብሓይሊ ገቢቱዎ ዘሎ ስልጣን የዳልዎ ኣሎ ዝብል ሻቕሎት ከምዝፈጠረ ይፍለጥ።

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ፡ በቲ ኢሳይያስ ብውልቁ ምስ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋዕዳጋ ዘእቱ ቅጥዒ ዘይብሉ ርክባትን ስምምዓትን ተቓውሞታት ከምስዑ ይረኣዩ ስለዘለዉ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከብ Charge De Affairs ናይቲ ስርዓት፡ ኣሽንባይ ዶ ንሱ ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ሚኒስተራት ከይተረፈ ጭቡጥ ሓበሬታ ዘይብሎም ክንሶም፡  ባዕሉ ኣኼባ ዓዲሙ ብሃሳሰ ለባም መጻንሒ ዝኸውን ፕሮፖጋንዳ ከምዝገበረሎም ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT