Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምኽንያት ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ኣብ ህዝቢ ፈጢሩዎ ዘሎ ሸገርገር ብኢሱ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ቕንያት ‘ዚ ባጤራ ናቕፋ ብሓዱሽ ወረቐት ክቕየር ምዃኑ ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ህዝቢ ተፈጢሩዎ ዘሎ ሸገርገር ብኢሱ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ዜና ከምዝጠቐስናዮ፣ እቲ ስርዓት፣ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ፣

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ቕንያት ‘ዚ ባጤራ ናቕፋ ብሓዱሽ ወረቐት ክቕየር ምዃኑ ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ህዝቢ ተፈጢሩዎ ዘሎ ሸገርገር ብኢሱ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዜና ከምዝጠቐስናዮ፣ እቲ ስርዓት፣ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ፣ ሓደ ውልቀሰብ 20 ሽሕ ናቕፋ ጥረ ገንዘብ ጥራይ ክቕይር ከምዝፍቀደሉ ስለዝገለጸ፣ እቶም ካብኡ ንላዕሊ መጠን ገንዘብ ሒዞሞ ዘለዉ ኣብ ኢዶም ከይሓውዮም ዝፈረሑ ተገልገልቲ ነቲ ገንዘብ ብንብረት ክሕዙዎ ኣብ ዘካይዱዎ ዘለዉ ጻዕሪ፣ ኣብ ርእሲ ገዛን ወርቅን ዝኣመሰሉ ንብረት ምግዛእ፣ ካርድ ቴለፎን ብብዝሒ ናይ ምዕዳግ ዝምባለ ገኒኑ ‘ሎ።

በዚ ምኽንያት፣ እቲ ንግራም 1200 ናቕፋ ዝነበረ ዋጋ ወርቂ ናብ ልዕሊ 1800 ናቕፋ ንሂሩ ከምዘሎ ‘ውን ይፍለጥ። እቲ ቀቅድሚ ‘ቲ ኣዋጅ ክኸብር ጀሚሩ ክሳብ ንሚእቲ ዶላር ናብ 4 ሽሕ ናቕፋ ወሪዱ ዝነበረ ሸርፊ ‘ውን ናብ 5 ሽሕ ናቕፋ ገጹ ክብ ኢሉ ከምዘሎ ይንገር።

ነዚ ሃንደበት ዝተኣወጀ ምቕያር ሓዱሽ ባጤራ ናቕፋ ምስ ምጥፋእ ሃለዋት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣተኣሳሲሮም ዝረኣዩዎ ተዓዘብቲ ብወገኖም፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብዚ ናይ ምቕያር ናቕፋ ሃለውሳ ተዋሒጡ፣ ነቲ ከቢድ ፖለቲካዊ ሳዕቤን ዘለዎ ምጥፋእ ሃለዋት ኢሳይያስ ከይድህበሉ ሞ፣ ህዝቢ ኣብቲ ናይ ናቕፋ ዕግርገር ተጸሚዱ ከሎ ብድሕሪ መጋረጃ ስልጣኖም ከደልድሉ ሰበስልጣን ህግደፍ ዝኣለሙዎ ውዲት ክኸውን ከምዝኽእል ይእምቱ።

ዛጊት ብዛዕባ ሃለዋት ኢሳይያስ ጭቡጥ ሓበሬታ የለን። እቲ ኤረ ቲቢ ነቲ ኣብ ጽርግያ ብዛዕብኡ ዝጋዋሕ ዘሎ ወረ ንምህዳእ ብደረቕ ስእሊ ዝተሰነየ ዜና ርክብ ምስ ልኡኻት ቻይና ክትብል ዝዘርግሓቶ ሓበሪታ ነዚ ዝጸንሐ ምጥርጣር መሊሱ ኣግዲዱዎ ‘ሎ።

ሃለዋት ኢሳይያስ ዋላ ኳ እንተዘይተረጋገጸ፣ ከምቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ኣቐዲሙ ዓሪፉ ክንሱ፣ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኩነታቱ ብምስጢር ሒዞም ብሕቡእ ስርዓቶም ንምድልዳል  ዝተጠቕሙሉ ሜላ፣ ሰበስልጣን ህግደፍ ‘ውን ተመሳሳሊ ስልቲ ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ እቶም ተዓዘብቲ የጠንቅቑ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • ወዲ ኣይተ November 10, 2015

    ኢዚ ዘዕገርግር ዘሎ ሰብ ወዲ 20ታት ኢዩ ዝመስል።ኢታ ቀም-ቀምቀም ተብሎ ዘላ ሓሽሽ ክትከውን ኣለዋ።ብርግጵ ግን መዳሕንቱ ከልቢ ስለ ዝበልዖ ሕኒ-ሕነ ሰባት ይጸርፍ ወኸርያ’ውን ስለ ዝልሓሶቶ ኣብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ ኮይኑ ኢዩ ዝጽሕፍ ዘሎ።ወይ ወደይ ኣደኻ ትደፋእ ከብደይ በሊዕካኒ ምበልኩዎ ግን ስለ ዘይግቢኦ ምስ ተፎጥሮኻ ጥፋእ ይብሎ።

  • ወዲ ኣይተ November 10, 2015

    ኣዋጅ ህግደፍ ንምቅያር ናቅፋ ካብ ዝእወጅ ካላይ ሰሙኑ ቀሪቡ።ቀይረ ዝብል ሰብ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተሰምዐን ብመስረት ኢቲ ኣዋጅ፡ሹዱሽተ ሳሚንታት ይግድብ፡ገለ ወሃብቲ ርኢይቶ’ውን ከም ሽጣራ ይቆጵርዎ፡ኢሳያስ ደሃይ ስለ ዘይብሉ ከምሩፍታ ዝቆጽርዎ ኣይተሳእኑን፡ናይ ብሓቂ ግን ኢሰያስ ብሂወት ኣሎ።ብወገነይ ከይተሳቀየ ክሞውት ኣይደልዮን።

  • Teclay November 10, 2015

    Assena readers.

    This news 99.9% is not true.It is a wishful thinking.I don’t believe Issu has a health problems.He is 70 but fit .It seems that he will rule Bahre-Negash for the next 20 years,like Robert Mugabe.
    Having Said that If Issue died like any other human being what would be the possible scenarios after Issu’s departure.(Step by step)
    -USA,Ethiopia ,Saudi,Egypt sponsored power sharing conference in Asmara —-the 80 party leaders rush to Asmara with the earliest possible flights——conference would start —– the US representative Mr.William would make brief introduction and would announce some key minsters and the prime minster to lead the transitional Gov. for 6 months—-starting name calling: Isak Beshir,,Mesfin H,,,Husien Kelifa ,,Adhanom G —–No,NO ;NO ንዓይከ ?ንዓይከ? ንዓይከ ?ንዓይከ ?—-Mr.William, please!Please !calm this is only for 6 months —-No,No ጫቕ ጫቕ ጫቕ ጫቕ —-after 3 days ቶግ፣ቶግ ፣ቶግ፣ቶግ .

    • Eritreawit November 10, 2015

      Wow, finally

      The wolves in a sheep skin start to come out as wolves, LoL. keep saying Issu Issu now. Mr Teclay.

    • Genet-orginal November 11, 2015

      Teclay??
      First, Isayas is not human being.
      2nd, Can you tell the world where the boundary of this “bahre negash”? I think you were asked about this by another great person.

      3rd, It doesn’t matter who is going to be replaced the devil. What real Eritrean need to demand is have the rule of law implemented and secure the normalization of our society. Teclay, you always wished the Eritrean people the worst. Even when the Eritrean people are in the worst situation, you never showed empathy. Do you know also who have no empathy? your brother Isayas. Why? who knows. But may be is it because Isayas and you have so much animosity and hate toward the Eritrean people? Then what can make any body behave like the way you and Isayas do? It have to be, pure hate, animosity and severe jealousy. what else can one makes this hateful. Well think about, if you can.

  • ተስፋ November 11, 2015

    ግዜ ኣይንየሃወኸሉ እንበር ኩሉ ከርእየና ኢዩ።

POST A COMMENT