Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልማስ ኣእምሮ ኤርትራውያን (The Shriveling of the Eritrean Mind)

ኣማኑኤል ሳህለ   ኣእምሮ ሰብ ብብዙሕ ምኽንያታት ኪዓብን ኪሰፍሕን፡ ከምኡውን ኪዅምተርን ኪለምስን ይኽእል እዩ። ሓደ ካብቲ ከዕብዮን ከስፍሖን ዚኽእል ረቛሒ፡ ብህየሳዊ መገዲ ምሕሳብን (critical thinking)፡ ምስትንታንን (meditation)፡ ምዕዛብን፡ መጻሕፍቲ ምንባብን፡ ምስማዕን፡ ጽምኢ ፍልጠት ምህላውን፡ ብሃናጺ መገዲ ምክታዕን፡

ኣማኑኤል ሳህለ

 

ኣእምሮ ሰብ ብብዙሕ ምኽንያታት ኪዓብን ኪሰፍሕን፡ ከምኡውን ኪዅምተርን ኪለምስን ይኽእል እዩ። ሓደ ካብቲ ከዕብዮን ከስፍሖን ዚኽእል ረቛሒ፡ ብህየሳዊ መገዲ ምሕሳብን (critical thinking)፡ ምስትንታንን (meditation)፡ ምዕዛብን፡ መጻሕፍቲ ምንባብን፡ ምስማዕን፡ ጽምኢ ፍልጠት ምህላውን፡ ብሃናጺ መገዲ ምክታዕን፡ ንሓቂ ካብ ፈታዊኻ ትምጻእ ወይ ካብ ጸላኢኻ ኣእምሮኻ ከፊትካ ምቕባልን ወዘተ እዩ።

 

እቲ ንኣእምሮኻ ዘጽብቦን ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ዘልምሶን ድማ፥ ኣብ ልዕለ-ተፈጥሮ ምእማንን (supernatural) ብስምዒታዊ መገዲ ምሕሳብን፡ ኣጉል እምነት ምጥራይን፡ እፈልጥ እየ ምባልን፡ ንኽትረትዕ ኢልካ ምክታዕን፡ ንሓቂ ክትጠቕመካ ከላ ጥራይ ምቕባልን፡ ሸለልትነትን፡ ሕልናኻ ምዕራብን ወዘተ እዩ።

 

ከምቲ ሓንቲ ፓራሹት (ናይ ኣየር ወለድ መንሳፈፊ ጽላል) ምስ ተኸፍተት ጥራይ ካብ ሞት እተድሕን፡ ኣእምሮ ሰብ ድማ ምስ ዚኽፈት ጥራይ እዩ ከድሕን ዚኽእል። ዕጹውን ሃሜነታዊ (dogmatic) ኣምሮን፡ ኣድሓርሓርን ጸረ-ምዕባለን እዩ።

 

ነፋሪት እውን ብወገና፡ ክትሕምበብ ከላ ደኣ እያ ሒዛትካ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እትወስደካ እምበር፡ ደው ምስ እትብል ሒዛትካ እያ ናብ ባይታ ብምውዳቕ ሓሸምሸም እትብል። ስለዚ እቲ ዚሰርሕን ዚመራመርን ኣእምሮ ሒዙካ ናብ ሓቂ ኪጎዓዝ ከሎ፡ እቲ ስርሑ ደው ዘበለን ልሙስ ኣእምሮ ግን ሒዙካ እዩ ናብ ባይታ ወዲቑ ዚሕምሸሽ።

 

ኣእምሮ ወድሰብ ብሓፈሻ ህኩይን ንኹሉ ብኣቋራጭ ኪረክብ ዚደልን ሓይሊ እዩ። ስለ ዘድክሞ፡ ኪሓስብ እውን ኣይደልን። ካብ ምሕሳብ ንላዕሊ፡ ነቲ ናይ ደመነፍሲ (instinct) ድራኸ ወይ ድፍኢት ወይ ንስምዒታቱ እናተጠቕመ እዩ ኪቕጽል ዚደሊ። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ወድሰብ ብዘገምታዊ መገዲ (evolution) ኣብዚ ምድሪ ምስ ተራእየ፡ ንኺነብር ብማለት ንገለ ሚልዮናት ዓመታት ደመነፍሲ እዩ ዘዘውትር ነይሩ። ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት ሓንጎሉ ምስ ማዕበለ ግን፡ እቲ ደመነፍሲ ብኣእምሮ ኪትካእ ጀሚሩ፡ ወድሰብ ድማ ኣእምሮኡ ብምዝውታር ንእንስሳታትን ንተፈጥሮን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእትዩዎም፡ ብህየሳዊ ኣተሓሳስባን ብምርምርን ድማ ኣብ መነባብሮኡን ኣብ ዙርያኡን ተኣምራታዊ ዝኾነ ለውጢ ከምጽእ ክኢሉ። ይኹንምበር፡ ወድሰብ እቲ ደመነፍሱ ስለ ዚድግሶን፡ ብዙሕ እውን ስለ ዘየድክሞን፡ ኣብ መብዛሕትኡ ህይወታዊ ንጥፈታቱ፡ ካብ ኣእምሮኡ ንላዕሊ ንደመነፍሱን ንስምዒታቱ እዩ ኪግዛእ ዚደሊ።

 

ካብዚ እተላዕለ፡ ማለት ኣብ ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ወድሰብ እቲ ናይ ዓሚቝ ምሕሳብን ናይ ምትንታንን ምምርማርን ባህርያት ሓድሽ ስለ ዝኾነ፡ ንምዝውታሩ ድማ ብዙሕ ጸዓት ዚወሰድ ብምዃኑ፡ ወድሰብ ነቲ ናይ ስነመጎት ዓቕምታቱ ከገልግሎ ብዘይምድላይ፡ ኣብ ህይወቱ በቶም ካብኡ ንላዕሊ ዚሕይሉን ዚጣበቡን ንኺታለልን ንኽዕሾን ኣኽኢሉዎ እዩ።

 

እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ ወድሰብ ወትሩ ኪዕሾን ኪታለልን ይደሊ ምዃኑ እዩ። ካብ ከየደቀሰ ዘሕድር ሓቂ፡ ዘደቅስ ሓሶት እዩ ዚሰማምዖ። ኣእምሮኡ ኣዘውቲሩ ሓቂ ካብ ምርካብ፡ ደመነፍሱ ኣዘውቲሩ ሓሶት ምቕባል ይመርጽ። ካብ ምስ ዚዅርኵሕ ሓቂ ምድቃስ፡ ልሙጽን ልምሉምን ሓሶት ተተርኢሱ ኪድቅስ ይመርጽ። ካብቲ ንዓመታ ኪጠቕሞ ዚኽእል ነገራት ንላዕሊ፡ ነቲ ዘይጠቕሞ ግን ዘብለጭልጭ ነገራት ሎሚ ኪረኽቦ ይመርጽ።

 

ወድሰብ ብባህርያቱ ተታላላይ ብምዃኑ፡ ኣብዛ ዓለምና ውልቀመላኽያንን ኣምሰሉታትን ብህዝቢ ተጻዊቶም እዮም፡ ኪጻወቱውን ይነብሩ ኣለዉ። እተታለለ ሰብ ድማ፡ በይኑ ዘይኮነስ ብዙሓት ንኣኡ ዚመስሉ ከም ዘለዉ ምስ ዚፈልጥ፡ ከምቲ ሓንካስ ዝመራሒተን ኩለን የንደልህጻ እተባህለ፡ ከምኡውን ከምቲ ምስ ሰብካ መዓት ዳርጋ ግዓት ተባሂሉ እተመሰለ፡ ኣብቲ ናይ ምትላል ዓለም ብሰላምን ደስታን ምንባሩ ኣየጣዕሶን ዘይኮነስ፡ ዚርድኦ እውን ኣይመስልን እዩ።

 

ገለ ክፋል ናይቲ ህዝቢ ድማ፡ ነቲ ምትላል የስተብህለሉ እሞ፡ ኣብ ክንዲ ካብቲ ጽልዋኡ ኪላቐቕ ዚፍትን፡ ናብ መስተን ኣደንዛዚ ነገራትን ብምእታው፡ ናይ በይኑ ዓለም ፈጢሩ፡ ኣብ ናይ ደስታን ፍስሃን ሕልማዊት ዓለም ይነብር። መንእሰያት፡ ናይ ህይወት ትርጉም እናጸንከሮም ኣብ ዚኸደሉ ግዜ፡ ነቲ መልሲ ካብ መስተን ኣደንዛዚ ነገራትን እዮም ዚደልዩዎ። ካብ ዘይፈልጡዎ ሓቂ ድማ፡ ዚፈልጡዎን ዘለሊዩዎን ሓሶት እዩ ዚምቅሮም።

 

ናይ ሰብ ከሚካላዊን ጀነቲካውን ሆርሞናውን ኣሰራርሓ ከም ዓይነታት ማኪና ይፈላለ ብምዃኑ፡ ገለ ሰብ ነቲ መሰረታዊ ሕቶታቱ ኣብ መስተ ምስ ተኣልከ ጥራይ ኪረኽቦ ከሎ፡ ገለ ድማ ኣብ ሃይማኖትን ኣብ ውሻጠታቱን ብምእታው ዝረኸቦ ይመስሎ። ወድሰብ ብሓፈሻ፡ ህይወቱን ምንባሩን ኣብ ምልክት ሕቶ ኪኣቱ ኸሎ እዩ ናብቲ ልዕለ-ፍጥረት ዝኾነ ዓለም ብምእታው፡ ንሕቶታቱ መልሲ ኪረክብ ዚደሊ። ከምዚ ምግባር፡ ባህርያዊ እኳ እንተ ኾነ፡ ነቲ ናይ ምሕሳብን ምህያስን ምምርማርን ዓቕምታት ግን መብዛሕትኡ ግዜ የልምሶ እዩ።

 

እቶም ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ንባዕዳዊ መግዛእቲ ተሓባበርቲ ዝነበሩ ናይ ሃይማኖት ሰበኽቲ፡ ቅድሚ እቶም ሰብ ጠበንጃ ናይ ወረራ ስራሖም ዚጅምሩ፡ ነቲ ናይቶም ኪግዝኡ ተመዲቡሎም ዝነበረ ህዝቢ ጽኑዕ ልብን ተኸራኻሪ ኣእምሮን ይወሩዎ ከም ዝነበሩ ኩሉ ታሪኽ ዘንብብ ሰብ ይፈልጦ እዩ። ንሳቶም፡ ነቲ ስብከቶም ከም ክሩዝ ሚሳይል ወይ ናፓልም ብምጥቃም፡ ነቲ ናይቶም ግዳያት ህዝቢ በዳሂ ኣእምሮን ነቕ ዘይብል መትከልን ብምዕናው፡ ነቶም ብድሕሪኦም ዝሰዓቡ ሰብ ጠበንጃን መዳፍዕን ጥጡሕ መገዲ ጸሪጎሙሎም እዮም። ኣብዚ እዋንዚ’ ተመሳሳሊ ተንኮላት ዚካየድ ዘሎ ይመስል።

 

ኩሉ ኪገዝእን ኪዘምትን ኪግብትን ዝደሊ ሓይሊ፡ እንተስ ብሃይማኖት፡ እንተስ ብምብራስ ባህልታትን ወግዕታትን፡ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብናይ ምብትታን ስድራቤት መገዲ፡ ዕላማኡ ኣብ መደምደምታኡ ከብጽሕ ይደሊ እዩ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ እቲ ተንኮላት፡ ካብ ውሽጢ፡ ወይ ካብ ደገ ይመጽእ ምዃኑ ኪሰሓት ኣይግባእን። ኣብዛ ብተክንኮልን ብምትላልን ዝዘቕበበት ዓለም፡ ምግራህ ኣየድልን። እቲ ናይ ምብልላዕን ምጕብባጥን ባህርያት ወድሰብ፡ ልብሱን መልክዑን ቅርጹን ደኣ ይቕይር ይኸውን እምበር፡ ስርሑ ኣይገድፍን እዩ።

 

ኣብዚ እዋንዚ መንእሰያት ኤርትራ ኪጥንቀቑሉ ዘለዎም ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ገለ ካብዚ ድማ፡ ካብቶም ብጥዑም ቃላት ገይሮም ልቢ ሰብ ዚሰልቡን፡ ብኣኡ ኣቢሎም ድማ ሓንጎል ሰብ ዘልምሱን ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን ነብያት ኪጥንቀቑ  ከም ኣለዎም ዚብል እዩ።

 

ኣብዚ ኣጋጣሚዚ፡ ብዛዕባ ምልማስ ኣእምሮ ክጽሕፍ ከለኹ፡ ንኹሉ መንእሰይ ኤርትራ ዚምልከት ከም ዘይኮነ ኣቐዲመ ከብርህ እደሊ፡ ከመይሲ፡ ከምቶም ኣብ ኩሉ ህዝቢ፡ ንዝመጽእ ወለዶ ከም መባዅዕቲ ኪኾኑ ተባሂሎም ብተፈጥሮ ዚተርፉ ሓድጊ፡ ኣብ መንጎ መንእሰአያት ኤርትራ ኣውን ብዙሓት ንሃገሮም ዚብጀዉን ሓዊ ሓዊ ዝጨንዉን ተስፋ ዝኾኑናን ኣናብስ ከም ዘለዉ ከረጋግጽ እፈቱ።

 

ኣብ ቀንዲ ኣርእሰተይ ብምእታው፡ ኣብዚ ዘለናሉ ግዜ፡ ፋብሪካታት ሃይማኖትን እምነትን፡ ነቲ ናይ ወድሰብ በዳህን ተመራማርን ባህርያት ብምልዋጥ፡ ብሓደ ሸነኽ ልኡምን ምሽክንክን በሃልን ከንቱ ሓላምን፡ ምእንቲ መሰሉን ናጽነቱን ደው ኪብል ዘይክእል ሕልኩስ መንእሰይ ኪፈጥራን ኪድኩናን ከለዋ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፡ ሽብርተኛን ህልኸኛን ማሪተኛን ገታርን ደንቆሮን መንእሰይ የምርታ ምህላወን ክንነቕሓሉ ዘሎና ጉዳይ እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ነገር ግን፡ ኣብተን ኣብዚ ስራሕዚ ተዋፊረን ዘለዋ ሃገራት፡ ከምዚ ዝበለ ንጥፈታትን ውጽኢታቱን እናጎደለ ይኸይድ ምህላውን፡ ኣብ ገሊአን ድማ ንሰደድ እምበር ኣብ ሃገረን ከም ዘይዘውትራኦ ምዃነን እዩ። መኣስ ኢና፡ ህዝብታት ሳልሳይ ዓለም ኣእምሮናን ሃገርናን ህዝብናን ብባዕዳውያን ኪዘናበል ዚነብር?!!!!!

 

ነዚ ኪጽሕፍ ካብ ዝደረኸኒ ቀንዲ ምኽንያት፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ኣስጋኢ ሃገራዊ ህላወ፡ ገሊኡ ኣብቲ ልዕለ-ፍጥረታዊ ዓለሙ ኣትዩ ምሽክንክን ኪብል፡ ገሊኡ ናብ መስተን ኣደንዘዝቲ ነገራትን ኪውፈ፡ ገሊኡ ልቡ ናብ ስደት ጥራይ ኣንቂዱ ሃገራውነቱ ኪድርቢ፡ ገሊኡ ድማ ምስቲ ዝረገጾን ብንዕቀት ዚርእዮን ማፍያዊ መንግስቲ ብምዃን ነቶም ንሃገሮም ኣሕሊፎም ኪህቡ ዘይደልዩ ተቓለስቲ ኪዝልፍን ኪጸርፍን ምርኣይ እዩ።

 

ኣብዚ ኩነታትዚ ከኣዩ፡ እቲ ኣእምሮ ኤርትራዊ ይለምስ ከም ዘሎ ኾይኑ ዚረኣየካ። ከምዚ ዝበለ ልሙስ ኣእምሮ፡ ናይ ላምፐዱሳ ህልቂትን፡ ናይ ተቓወምቲ ብድሆታትን፡ ናይ ደረስቲ ጽሑፋትን፡ ናይ ፖለቲካ ተንተንትን፡ ናይ ሕጊ ተጣበቕትን፡ ሰላማዊ ሰልፍን፡ ናይ ረድዮ መልእኽትን፡ ናይ ኢንተርነት ተግሳጻትን ኪልውጦ ኣይከኣለን። መወዳእታኡ ድማ ዳግማይ መግዛእትን መከራን ሞትን ስደትን ከም ዝኾነ ዚግድሶ ኣይመስልን።

 

ነቲ ልሙስን ድኹምን ኣእምሮ፡ ኣብ መንጎ ባርነትን ናጽነትን፡ ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን፡ ኣብ መንጎ ውርደትን ክብረትን፡ ኣብ መንጎ ኩርዓትን ሕንከትን ዘሎ ፍልልያት ስለ ዘይርድኦ፥ ጽባሕ ንግሆ ሓድሽ ገዛኢ ወይ ጨቋኒ እንተ መጾ እውን፡ ምስኡ ሓቢሩ ኪነብር ዘለዎ ተኽእሎ ክብ ዝበለ ከም ዝኾነ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ይኹንምበር፡ ነቶም ኣብዚ እዋንዚ በብግዜኡ ዚለዓሉ ዘለዉን ቍጽሮም ዚውስኽ ዘሎን መንእሰያት ብምርኣይ፡ እቲ ተስፋ ኣብ ቦታኡ ዘሎ ኾይኑ ይስመዓካ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • Haqu August 18, 2018

    መምህረይ ይብሉ፥ “ነቲ ልሙስን ድኹምን ኣእምሮ፡ ኣብ መንጎ ባርነትን ናጽነትን፡ ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን፡ ኣብ መንጎ ውርደትን ክብረትን፡ ኣብ መንጎ ኩርዓትን ሕንከትን ዘሎ ፍልልያት ስለ ዘይርድኦ፥ ጽባሕ ንግሆ ሓድሽ ገዛኢ ወይ ጨቋኒ እንተ መጾ እውን፡ ምስኡ ሓቢሩ ኪነብር ዘለዎ ተኽእሎ ክብ ዝበለ ከም ዝኾነ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ”
    ነዚ መምህረይ እትብልዎ ዘለኹም ናይ ሎሚ ” … ልሙስን ድኹምን ኣእምሮ” ዝወነነ መንእሰይ መን ፈጢርዎ? ዝብል ሕቶ ብግቡእ ኣይተመለሰን ። “ዓሳ ክሕስኽ ክጅምር ከሎ ብርእሱ እዩ” ይብሉ ፡ ፈረንጂ። ስለዚ እቲ ርእሱ ሓሲኹ ዘሎ ወለዶ ነዛ ኤርትራ ፈጢርናያ ሓራ ኣውጽኢናያ ዝብል ዘሎ “ልሙስን ድኹምን ኣእምሮ” ዶ ይኸውን ኣብዚ ኩሉ ዕግርግርን ውርደትን ዝወተፈና?
    መምህረይ ይብሉ፥
    “ብጉያን ብስምዒትን ሕልማዊ ተስፋን (delusion) ሰንኮፍ ራእይን ዚትግበር ዝኾነ ይኹን መስርሕ ግን ኣብ መወዳእታ ስቓይን ጓህን ጣዕሳን ጥራይ እዩ ዘኸተል።”
    ታሪኽ ወይ ድማ ጽዉጽዋይ ናይ ንግስቲ ሳባ ቀደም ብዘመን እኒ እኒ እተነግረ እዩ። ካብ ናይ ጉዳይ ስነ ጥንቲ ወጺእና እቲ ጽዋጽዋይ ወለዶኹም “ተማሂርና ኢና” ኢሉ ዝፈጠሮ ሕንቅልሕንቅሊተይ እንተ እተጽዉዩና ምሓሸ ፡ ንሱ እዩ ኣብዚ ኩሉ ዕግርግርን ውርደትን ዝወተፈና።
    ኣንቱም መምህር ፈሪህኩም ዲኹም? እዚ ደኣ ንኣቶ ኢሳያስን ህግደፍን ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። እዚ ነቲ ናታትኩም መማህርትን መታዕቢትን ወለዶ ዝፈጠሮ ፡ “ብጉያን ብስምዒትን ሕልማዊ ተስፋን (delusion) ሰንኮፍ ራእይን ዚትግበር …” ሓንሳብ ገድሊ ወይ ኣል ሳውራ እትብልዎ “ሕልማዊ ተስፋ” እንዶ ኣይኮነን፧
    ሓንሳብ ንቻይናን ሕበረት ሶቭየትን ዝበዝሔ ድማ ነቶም ድሑራትን ብባርነትን ፋሽሽትነትን ዝምርሑ በዓዝያውያን ኣል ጃማሂራውያን ፡ ወረ ገሊእምሲ ስጋብ ሕጂ ዘይበለየሎም ነቶም ጀሃዳውያን ናይ በዓል ስዑዲ ክመስሉ መንነቶም ታሪኾም ቋንቋታቶም ዝጽልኡን ዝነዓቑን “ሕልማዊ ተስፋን (delusion) ሰንኮፍ ራእይን” እንዶ ኣይኮነን?
    እዛ ኤርትራና ደኣ ኣብ ምድማር ወይ ዘይምድማር ከይብጽሔት ብዓንተቡ በቲ ናይቶም ተማሂርና ኢና ኢልኩም ታሪኽኩም ኣቦታትኩም እኖታትኩም መበቆልኩም ቋንቋታትኩም ዝነዓቕኩም እንድያ ተረሚሳ። ንሕና ተደሚርና ወይ ኣይተደሚርና እነምጽኦ ለውጢ የልቦን። ንሕና ኣሽንኳይ ክንድመር ኩሉ ዓለም ዝፈንፈነና ፡ እዞም ሰሓብቲ ገመል ደናቑር ናይ ዓረብ ራሻይዳ በደዊን ፈቐድኡ ዝሸጡናን ዝልውጡናን ፡ ኮላሊትና መዝሒቖም ዝጉሕፉና ፡ ኣዋልድናን ኣንስትናን ካብ ኢድና መንጢሎም ዝጻወቱለን ፡ ንዓና እውን ከም ኣጣል ዝሸጡና ተደሚርና እነምጽኦ ነገር የልቦን።
    መምህረይ ፡ ሓቂ ብዘይ ሽፍንፍን ዓቕምና ብቕዓትና ፈሊጥና ምዝራብ ይሕሸና ። እንድዒ ንስኹም ኣበየናይ ዓለም ከምእትነብሩ እምበር እዛ ገድልና ሰውራና መስሪትዋ እትበሃል ኤርትራ ፡ ምድማርን ምጉዳልን ይትረፍ ፡ ነታ ካብ ኩሉ ዝዓቕብናያ ሂወትና እውን መዕቆቢ ስኢናላ ከርተት ኢና ንብል ዘለና። ሓንሳብ ከም ኣጣል በድዊን ዓረብ ይኽብኩቡና ፡ ሓንሳብ ይጻወቱልና ፡ ነዛ መቐመጫና ውን ምሕላዋ ዝጨነቐና ህዝቢ ኴና ኣሎና።

    • Tsehaye August 18, 2018

      Haqu, it seems this {Memhirey} coward hypocrite liar old man lives in Mekelle – Tigray – Ethiopia. He has so many poor young Mekelle girls to wash, comb, dress, massage, and feed him all the time. He gets his Swedish state pension money sent to Mekelle – Tigray every week. He is the one who is full of delusions and illusions in his old and fragile age. The Mekelle girls should be taking him to the catholic churches or to mai chehot in Mekelle or in any other Ethiopian cities regularly. Haqu, you also forgot to mention that the bastard moslem Arabs also rape our boys and men so violently.

      • Tsehaye August 18, 2018

        Indeed, the mad senseless Ghedli wasteful journey was meant to find and to look for the bastard moslem Arabs and as a result we’ve got the alien Arabic language in Eritrea as a reward!

      • Yohannes August 18, 2018

        Tsehaye:

        The PFDJ DNA is at work with you. DNA (Denial or Reality, Nostalgic of temekuro meda, Arrogance with empty store and knowledge)። ህግደፍ ከማኻትኩም በላዕቲ ሳዕሪ ናይ ስነኣእምሮ ጊልያታት ፈጢሮምልና። ወላኳ ካብ ህግደፍ ሃዲመ ኣንተበልካስ፣ ካብቲ ናይ ህግደፍ ከሚካል ሕጽበተ ኣእምሮ ኣይተናገፍካን። ማይ ጨሎት ተሓጸብ ክትጸሪ። ናብ ንቡር ኩነተ ኣእምሮ ክትምለስ።

  • Debish August 18, 2018

    Ayte Amanuel Sahle, why don’t you show us your today’s/current photo/picture instead of the old Italian one?
    Why do you also keep using a half-cast {white man looking} photographer, aren’t you a proud black Habesha man?
    I didn’t like your last article because you objected to MEDEMER with Ethiopia, why not MEDEMER with Ethiopians?
    You would however be interested if the MEDEMER is with the barbarian Arabs, wouldn’t you, Mr TEBELATSI?

  • k.tewolde August 18, 2018

    Yes indeed Memhir,a mind is a terrible thing to waste.It is a specialized muscle,if you don’t work it out,it atrophies(shrinks),if you challenge it and push it beyond its limits,it can break barriers and can take you places where you never imagined before,we are about to kiss the sun with the solar probe,who would have thought.What are they doing in our homeland,indoctrinating the young mind to think in uniform,teach it repetitive tasks such as to assemble and disassemble a weapon and make it a lifetime prisoner of the few without parole,if it attempts a prison break they kill it, 27 years and counting.Forget those bright minds of yesteryear who were hunted and annihilated systematically by this current brutal clique,can you imagine if we have given every 27 years old Eritrean today,27 years birthday gift of peace ,tranquility,individual liberty,democracy,rule of law and an open and conducive space to think and grow……..I am drifting intergalactically. Thanks again Memhir,don’t mind those web critters.

  • Dani amiche August 18, 2018

    Like the old and late Micheal Jackson this Emmanuel man is a half white man (bleached by white paint).
    If he is living in Ethiopia happily and comfortably then why the heck he doesn’t support the MEDEMER???
    As a former teacher and experienced senior (shimagile), he should be teaching us the advantages and also
    disadvantages of MEDEMER. As far as I can see it we can only gain (it is beneficial) from union and not lose anything.

  • Tes August 18, 2018

    Dear Memhir Aman
    Great work as usual. I enjoy reading it and help me to stop and think about myself. After reading the article I start to ask myself where do I classify myself. Am I one of those who fall flat who don’t see right from wrong, pride from shame, freedom from enslavement or those who camp with thier tormentor and lost thier humanity or those critical thinkers or those who live in confort zone. It requires honest assessment and longer time to get in to rational conclusion. I’ll think about this until I get to satisfactory self examination. What a powerful thinker. Keep up your good work . Many are learning from your wisdom and assurely your efforts are working. GOD bless you.

  • ስለ ፍትሒ ብሓባር ንቑም! August 18, 2018

    ክቡር መም ኣማኑኤል፡
    ናይ ሎሚ ጽሑፍካ ከም ወትሩ ብሉጽን ስነፍልጠታውን ኢዩ። ብሓቂ ዝምስገን ድማ ኢዩ።
    ከምዚ ኣብ ላዕሊ እንርእዮ ዘለና፡ ብከም በዓል ‘Haqu’፡ ‘ደብሽ’፡ ‘Tsehaye’፡ ‘ዳኒ ኣምቸ’ ን ካልኦት መሰልቶምን ዝጸሓፍ መደናገሪ ግብረመልስታት ክንነብብ ዝገርም ኣይኮነን።

    እዞም “ኣኽላባት ምልኪ” ኣብ መሰረታዊ ትሕዝቶ ናይቲ ሓሳባት ኣትዮም ክትንትኑ፡ ብሃናጺ መንገዲ ክነቕፉ ወይ ክድግፉ ኣይክእሉን እዮም። ምኽንያቱ ገሊኦም ዓቕሚ ዝጎድሎም ክኾኑ ይኽእሉ ገሊኦም ድማ ብመደብ ዝተዋፈሩ ንሓቂ ንምህሳስ ኣብ ጓልመንገዲ ኣትዮም ብጸርፍን ሸምጠጣን ሰብ ብምንእኣስ ነቶም ግሩሃት ግዳያቶም ክስሕቡ ዝህቅኑ ሽዩጣት ሕልና እዮም። ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ናይ ኣንድነት፡ ብናይ ሎምዘበን ቋንቋ “መደመር” ፕሮጀክቶም ንምዕዋት ዘይፍንቅሉዎ እምኒን ዘይምህዙዎ ሓሶትን ኣይክተርፎምን ኢዩ። ገሊኦም ካብቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ (master mind) ናይቲ መደብ ክኾኑ ይኽእሉ፡ ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ዓውደ ውግእ እዚ መድረኽ’ዚ ስለዝኾነ።
    ይኹን’ምበር መብዛሕትኡ ህዝቢ ብዓይኒ ጠርጠራ ስለዝረኣዮም ረቒቕ ስልቲ ሒዞም ስለዝንቀሳቐሱ ዝዛረቡዎ ውሑድን ግሉጽ ዘይኮነን ኢዩ። ጉዳዮም ከምዘይሰልጥ ኣብ ዘረጋገጽሉ ሰዓት ጥውይ ኢሎም ነቲ ናይ ሓቂ ምስሎምን መደቦምን ወይ ብኸፊል ወይ ብምሉእ ገዲፎም ክሳብ ዝደልዎም ናብቲ ዝሓሸ መስመር ክጥወዩ ተኽእሎ ኣሎ፡ እቶም መሃንድሳት እከይ ክብለጹን ከደናግሩን ስለዝደለዩ ደኣምበር እቲ ቅኑዕ መስመር ኣርጊጾም ይፈልጡዎ እዮም። እዚ ምስዝኸውን “ጸላእትና ዝብሉዎ ዘይኮነ ዕላማና ቅኑዕ ከምዚን ከምትን ኢዩ” ብምባል ክስልበጡ ጸገም የብሎምን።
    ቃልስና ካብቲ መፈንጥራ ጥፍእቶም ንህዝብና ምድሓን ስለዝኾነ፡ ጽባሕ እንታይ ይብሉ ንጎድኒ ገዲፍና ነቲ እከይ ውዲቶም ከመይ ጌርና ነፍሽሎ እዩ ዝያዳ ዘገድሰና።
    እቲ ካብ ናይ ሳልስቲ ሆይሆይታ ዘይሐለፈ ናይ ምድማር ሎቕመጽመጾም እናኸድዖም ይኸይድ ስለዘሎ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ስበቶም ኣስፍል ኣቢሎም ብካልእ ቋንቋ ክመጹና ምዃኖም ግምት ኣለኒ። እዚ ተግባራዊ ዝኸውን ከምዚ ናትካን ከማኻ ዝመሰሉ ሓቀኛታት መማህራን ውጽኢት ቃልሲ እዩሞ ካብ ዝቐደመ ብዝሓየለ ናህሪ ኣስተምህሮኻ ቀጽሎ።

  • Sol August 18, 2018

    Mr. Aman, your insightful and educational articles need to be collected and printed as a book because it will have a big role in changing the way of our thinking which is currently abducted by several reactionary institutions. Once, Wedi Gebeya was asked about his opinion on the situation of human rights in Eritrea, he replied “is there human beings in Eritrea.

    • k.tewolde August 18, 2018

      Tes,Sile fithi,Sol……what a way to start the weekend,Join me at the beach I have a few Coronas to share in my cooler,just bring some lemon wedges along.lets shoot some breeze and listen to some of Memhir’s masterpieces along with the ocean waves.’እቲ ካብ ናይ ሳልስቲ ሆይሆይታ ዘይሐለፈ ናይ ምድማር ሎቕመጽመጾም እናኸድዖም ይኸይድ ስለዘሎ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ስበቶም…..’ Fithi have a cold one.

      • Tes August 18, 2018

        Cheers mate! I wish it was true and meet in the beach. Who knows it may not br long to meet in Massawa at the blue sea.

  • Gezae August 18, 2018

    Old people are always saying that the young are not what they were suposedly. The same comment is made from generation to generation and it is always true. However, it has never been truer than it is today.The young are better educated. They have a lot more money to spend. They grow up more quickly and are not so dependent on their parents. They think more for themselves and do not accept the ideals of their elders. Events which the older generation remembers vividly are nothing more than…

    Challenge of the older generation transformation of their mind to the younger generation remains a challenge. In a contemporary life, old generation and young generation are considered as an “oxymoron”. Some people think that the elders are conservative and just always want to follow their own right. Some think the young is more rebellious and do not need to listen to some advices from the older. It always becomes a hot topic among the society whether the old can teach the young or not. We know the history of Eritrea young people have always played a crucial role in politics, but the current generation of young people is less politically active. Do you agree?

    However, politics is evolving in many ways, some of them desirable, others not. But old politics is alive and well, and enjoying a period of rude health. It is a compelling drama in every group. So I would say there’s nothing wrong with it whatever. Politicians can always find good reasons to curtail liberties, invoking the general interest, as the so called groups do remarkably. In this manner the Eritrean Government is no worse than others/the so called opposition groups.

  • Gezae August 18, 2018

    One of the problems of arguing about era of new politics is that there is so little agreement about what new politics actually means. Some think it’s mainly about greater grassroots engagement. Others point to the impact of social media. Some argue it’s about newly sharpened ideological differences. Others, that it’s marked by a more inclusive public tone.

    For me none of these can be wholly dismissed that the EPLF have experienced big surges in Eritrean politics in the last 50 year and to day Personally I support the PDFJ/PIA government politics 70% and 30% difference. I do not exactly know how far this adds up to a real sea change remains to be proved, however. I see change of some sort never stops. But these are early days.

    And then I notice there is another wholly separate problem: right now belive it not we seem to be living in a golden age not of new politics but of old politics and the machine politicians are back. So the political impact of the non sense Media, Twitter and Facebook manifestions enormously, for good and ill, for anyone who follows them is nothing.

  • meretse August 18, 2018

    Gezae, nyew nejew tbl aloka. Write when ur sober. Learn to drop a subject when it is hard for you. That’s what students do. Let the good teacher teach the class.
    Qexlu memhrey

    • Danilo August 18, 2018

      Meretse,forget him.you know brother, Gezae is all around changing names. I bate he is the confused teclay.

    • Gezae August 19, 2018

      Who cares about your inconsequential and discursiveness pieces

POST A COMMENT