Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምሉእ ሓድነት እንኮ መንገዲ ሃገራዊ ድሕነትን ሓርነትን`ያ!!!

ምሉእ ሓድነት እንኮ መንገዲ ሃገራዊ ድሕነትን ሓርነትን`ያ!!! ዑቕባይ ገብረመድህን (ካብ ከምሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.) ሕዳር 4፡ 2017 ******** እቲ ተኲርና ክንጥምቶ ዝግብኣና መሪር ሓቂ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ  ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዘሕለፍናዮ ፍጹም ጸልማት ህይወትን ሞትን፡ ዕንወትን ጥፍኣትን፡  በደልን ገበንን፡ ግፍዕን ግህሰትን

ምሉእ ሓድነት እንኮ መንገዲ

ሃገራዊ ድሕነትን ሓርነትን`ያ!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን (ካብ ከምሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.)

ሕዳር 4፡ 2017

********

እቲ ተኲርና ክንጥምቶ ዝግብኣና መሪር ሓቂ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ  ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዘሕለፍናዮ ፍጹም ጸልማት ህይወትን ሞትን፡ ዕንወትን ጥፍኣትን፡  በደልን ገበንን፡ ግፍዕን ግህሰትን ኣብ ቅድሚ ዓይንና እናተፈጸመ  ብሰሪ  ፍርሃት ድዩ ደረት ኣልቦ በለጽ፡ ትም ብምባል  ደቂቕ ተመን ዝነበረ ድጉል መላኺ ገቢሉ፡ ንኽውሕጠና ስልጣንና ስለ ዘረከብናዮ ኢዩ። “ኣብ ሓድሕዳ ዝተመቓቐለት ቤት ደው ክትብል ኣይትኽእልን ኢያ“ ዝተባህለ፡ ኣብ ንባህልና ዘይውክል ጸቢብ ፍልልያት ተፋናጪልና፡ ተዛሪብና ከነስምዕ፡ ተቓሊስና ከነድምዕ ዘይንኽእል ህዝቢ ኴንና ጸኒሕና። እቲ  እንዀርዓሉ ስልጡን መለለዪና ትዕግስቲ፡ ናብ ሕልፈት ሳዕሪሩ፡ ብርእሰ ምትላል ክንነብር ጸኒሕና፣ “ናይ ምዉታት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ“ ዝብል ምስላ ቀዳሞትና ክዉን ጌርናዮ።

ከምቲ ኣብ መጽሓፍ መክብብ ሳልሳይ ምዕራፍ ዝተገለጸ፡-

 “ንኹሉ ዘዘመኑ  ኣሎዎ፣ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ኩሉ ከኣ ገጊዜኡ ኣልዎ።  ንምውላድ ጊዜ ኣሎዎ፡ ንሙማት ከኣ ጊዜ ኣሎዎ። ንምትካል ጊዜ ኣሎዎ፡ ነቲ እተተኽለ ምምንቋስ  ከኣ ጊዜ ኣሎዎ። ንምቕታል ጊዜ ኣሎዎ፡ ንምሕዋይ ከኣ ጊዜ ኣሎዎ። ንምፍራስ ጊዜ ኣሎዎ፡ ንምህናጽ ከኣ ጊዜ ኣሎዎ። ንብኽያት ጊዜ ኣሎዎ፡ ንሰሓቕ ከኣ ጊዜ ኣሎዎ። ንሓዘን ጊዜ ኣሎዎ፡ ንጓይላ ከኣ ጊዜ ኣሎዎ። ስቕ ንምባል ጊዜ ኣሎዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ ኣሎዎ። ንውግእ ጊዜ ኣሎዎ፡ ንሰላም ድማ ጊዜ ኣሎዎ።“

ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳቐየሉን ዝሞተሉን፣ ዝተኸሎ ዝተመንቈሰሉ፣ዝሃነጾ ዝፈረሰሉ፣ ዝነብዓሉ፣ዝሓዘነሉ፣ ኣብ ኲናት ዝጸነተሉ፣ ካብ ምዝራብ ዝተኸልከለሉ ጊዜ ልዕሊ ርብዒ ዝመን ሓሊፉዎ ኣሎ። ደጊም ካብ ስቓይ ግፍዓዊ ሞት ወጺኡ ህይወት ዘስተማቕረሉ፣ ወሊዱ ዝስስነሉ፣ ዝተኸሎ ዝጥጥዓሉን ዝፈርየሉን፣ ብትፍስህትን ሰሓቕን መንፈሱ ዝሕደሰሉ፣ ናይ ምዝራብን ምግባእን ባህሪያዊ ጸጋኡ ዝምለሰሉ፣ ብግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ዝመሓደረሉ፣ ስልጡን ባይቶ ዘተ ተኺሉ መንገዲ ሓባራዊ ምዕባለኡ ዝትልመሉ፣ እቲ ምዕሩግ ወፈራዊ ምትሕግጋዝ ባህልና ነሓድሰሉ፣ ሰላምን ራህዋን ዘስተማቕረላ ሰዓት ትቕልቀል ኣላ፤ ግን እታ ኣብ ምውግሑ ዘላ ጸልማት ዓማቝ ከም ምዃና መጠን፡ ብሓድነት ስንኻ ነኺስኻ ናይ ንምሕላፋ ጽንዓት ክትሓተና ኢያ።

ዝተደጐለ ሓዊ ተጋሊሁ ፈኸም ክብል ጀሚሩ እነሆ! ብዝኾነ ምኽንያት ይለዓል፡ ካብ ዝኾነ ኵርናዕ ይበገስ፡ እቲ መሰረታዊ ሕቶ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕቶ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን፡ ሕቶ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰለን ሓርነትን ምዃኑ ኩሉ ህዝበይን ሃገረይን አፍቅር እየ ዝብል ኤርትራዊ ዜጋ ክርድኦ ይግባእ። ስለ ዝኾነ፡  ሎምስ ከምቲ ዝሓለፈ ብውሽጥን ብወጻእን ኪቕህም ኣይንሓድጎን ንኸውን ግዲ! ከምቲ ቍልዒ ቃልሲ ንናጽነት ናብ ባርዕ ሰፊሓ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ኣምኪኻ ንሽግ ሓርነት ባይታ ዝጸረገት፣ እዛ ተጋሊሃ ዘላ ድጉልቲ ቍልዒ ናብ ባርዕ ልሒማ ንውሽጣዊ ፋሺስታዊ ውልቀምልኪ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣምኪኻ ዘለዓለማዊት ሽግ ሓርነት ክትበርህ እቶም ኣብ ረመጽ ዘለዉ ጀጋኑ ባሪኾማ ምኣዲ ቃልሲ ተሊሞሙልና እነሀዉ! ክሳብ ሎሚ፡ ዓመታት ቈጺሩ ኣብ ቅድሜና ኪቕልቀል ዝጸንሐ፡ ንፍትሕን ሓርነትና ባይታ ዝፈጥር ምቹእ ዕድላት ከም ብትሕቲ ድንድንል ዚውሕዝ ማይ ከይተጠቐምናሉ ከም ዝሓለፈ ዝከሓድ ኣይኮነን። ንነባሪ ድሕነትና ግን ንርቢዒ ዘመን ጐሲናዮ ብጻህያይን ክርዳድን ጸቢብ ፍልልያት ኣማህሚንናዮ ዝጸናሕና ምሉእ ሓድነትና ክንተኽሎ የድልየና። ታሪኽ ደጋጊሙ ዘነጸረልና ግን ብሸለልትነት ዝሰገርናዮ፡ ሓደ ሓቂ ከዘኻኽር እደሊ። ኣምሰሉ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ኣብ ጊዜ ጽጹዕ ኲናታት፡ ንኣብነት ኣብ እዋን ሻድሻይን ሰላሕታዊ ወራራት መሪር ኲናትን ከቢድ መስዋእትን ካብ ሜዳ ሃዲሙ ኣብ ሃገር ኢጣልያ ነዋርሕ ከም ዘሕለፈ፣ ሳዕቤኑ ንዘስግኦ ኣዕናዊ ተግባሩ ንኻልኦት ከም ዝጥቅኖ ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ። ሕጂ`ውን እንተ ኾነ እቲ ስርዓቱ ዝፈጸሞ ምዕጻው ቤት ትምህርቲ እስላምን ምእሳር ዓገብ ንዝበሉ ኣቦና ሓጂ ሙሳን ካልኦትን ምእሳርን “ኣነ ኣይፈለጥኩን“ ብምባል ኢድ ከም ዘይብሉ ንኸምስል ንሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሰመረ ርእሶም ከላግበሉ ተኽእሎ ኣሎ። ነዚ ካብ ጃጃውነት ዝብገስ ፍሹል ባህርያቱ ድማ ኩሉ ህዝቢ ክነቕሓሉ ይግባእ።

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ – “ትዕቢተኛ ዓይኒ፣ ሓሳዊት መልሕስ፣ ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው፣ እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፣ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ  ኣእጋር፣ ሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር፣ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ፣“(መጽሓፍ ምስላ፡ ቍ17-19)፡ ጸሊም ደመና ሞት ን 47 ዓመታት ኣብ ልዕሊዛ ልዋም ሃገርን ሓላል ህዝብን ዘዘምበየ፣ ዓበይቲ ደቆም ስኢኖም ዝሞቱሉ፡ መንእሰይ ብሰሪ ባርነት ሃጽ ኢሉ ዝጠፍኣላ ዝገበረ፡ ፍሉይ ከይሲ መርገም ሃገር`ዩ። ኣብዚ ኣስሚረ ክላቦዎ ዝደሊ ንመንእሰይ ሃገር`ዩ! ኣብ ዝሃለኻ ሃሊኻ ታሪኻዊ ቦታኻ ክትሕዝን፡ ጠንቂ ስቓይካን ጥፍኣትን ንዝኾነ ፋሺስታዊ ውልቀ መላኺ በዲህካ፡ ብፍትሒ ሕነኻ ብምፍዳይ፡ ንምዕባሌኣ ክትግጓየ ሃየ ነዛ ተወሊዓ ዘላ ሽግ ሓርነት ኣልዕላ!

እወ! ለውጢ ዝመጽእ ኣብ ሃገር`ዩ፤ ካብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ኪመጽእ ምጽባይ ግን በለጻዊ ገበን`ዩ። ኣብ ውሽጢ ንኹን ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ፡ ካብ ምሉኣት ዜጋታት ዝድለ እዛ ውጽዕቲ ሃገር ብሓደ ማዕበል ድምጺ ዕላማ ተንሲእና፡ “ነቲ እንደልዮ ለውጢ ክንከውን“ ሎሚ`ውን ታሪኽ ሓላፍነት የሰክመና ኣሎ። ካልእ ኣማራጺ፡ ካልእ መንገዲ፡ ካልእ ብልሓት፡ ካልእ ጥበብ፡ ካልእ ምስጢር ፍጹም የለን። ንፍቶ ንጽላእ እታ ሓቂ ንሳ ኢያ። እሞ ሕጂ ነዛ ጀጋኑ ምስ ሞት ተፋጢጦም ትንፋስ ሰዂዖም ኣረኪቦሙና ዘሎዉ ሳሕቲ እትቕልቀል ዕድል ሽግ ለውጠ መቐይሮ ኣልዒልና፡ ሽግ ሓርነት ተኺልና፡ ግዝኣት ሕግን ፍትሕን ዝነገሳ፡ ኣየር ሰላምን ራህዋን ዝነፍሰላ ኤርትራ ህያው ንምግባር ካባና ዝሕተት ክንፍጽም ድሉዋት ዲና? ዝተባህለ እንተ ተባህለ፡ ኣብ መወዳእታ ግብሪ`ዩ ወሳኒ፣ ውጽኢት`ዩ መምዘኒ!!! ኣብ ዓለም ካልኣይ ዘይብላ፡ ምእመናን ክርስትናን ምስልምናን ህዝቢ ብሰላም ዝነብረላ ቅደስቲ ሃገር ከም ዝተዓደልና ኣይንዘንግዕ!!!

ክቡር ግብራዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ሓርነትን ፍትሕን፡ ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!!

 

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Kalighe November 5, 2017

    “ኣብዚ ኣስሚረ ክላቦዎ ዝደሊ ንመንእሰይ ሃገር`ዩ! ኣብ ዝሃለኻ ሃሊኻ ታሪኻዊ ቦታኻ ክትሕዝን፡ ጠንቂ ስቓይካን ጥፍኣትን ንዝኾነ ፋሺስታዊ ውልቀ መላኺ በዲህካ፡ ብፍትሒ ሕነኻ ብምፍዳይ፡ ንምዕባሌኣ ክትግጓየ ሃየ ነዛ ተወሊዓ ዘላ ሽግ ሓርነት ኣልዕላ!”

    ዑቕባይ ገብረመድህን (ካብ ከምሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.)

    Nothing to add. This is what the new generation has to do.
    Listen to Mr. Ogbay’s important message, The nation needs you.
    If not you who else ?

    • k.tewolde November 5, 2017

      Indeed Kalighe, thanks honorable Mr. Ogbay, you can’t describe the nature of the tyrant any better. I might add ARIOS,GANIEN.

      • Gezae November 5, 2017

        It is real, under Woyane’s rule, Ethiopia has become a petri dish for Eritrean Islamist political movements who are carrying out a religious program, It’s difficult to pin down the numbers of the supporters inside Eritrea but they are by no means insignificant. This is a very dangerous situation, because the ground in Eritrea is fertile for these kinds of extremists.

        As we know at its best, religion can be a uniting influence, but in practice nothing is more is that what raises obvious questions . Hence even in the absence of constitutional issues, while religions are free to advocate for their own causes, the work of government and those who engage in it is to hold together as one people.
        INSIDE ASMERA TO ASK FOR SHERIA IS INSANITY .

        • k.tewolde November 6, 2017

          You sound scared and alarmed Mr. Gezae,because you only gaze from a window with a view to a religious panorama.Settle down,if Ethiopia is ‘a petri dish for the islamist’ you and the ones who hold views like you, are the agar who nourish and sustain its life.Whatever happened to your democratic engagement? you ended up tallying the number of insurgents.Don’t worry time only will reveal the stats.

  • Danilo November 5, 2017

    እንትርፊ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ሓድነት ኣስላምና ክስታንና ከይደቀሰ ዝሓድር ሱንኩል ኣእምሮ፡ሓሳድ ዓይኒ፡ጠንቃም እግሪ፡ጸማም እዝኒ፡ነቃዕ ልቢ ወዘተ.ዝውንን ስርዓት ከይልክመና ንፈርሓሉ ግዝየ በጺሕና’ዶ ሓቀይ?

    እዚ ተረኽቦ’ዚ ካብ እቲ መንግስትና ንብሎ ከንጸላልወና ኣይምተገበኤን ክንብል ንኽእል።ግን፡ኡኹል ድዩ? ኣይመስለንን።እሾኽ ምድርብየት፡ዓንቃፊት እምኒ፡ኩርኩዋሕ ንእዲ ወዘተ.ከየልገስና ” ድቃስ “ዝሕሰብ ኣይኮነን።

    ስለዝኾነ፡ቪቫ ! ኣሕዋትና ኣስላም፡ቪቫ ! ኣኽሪያ ዓባይ፡ቪቫ! ብ/ት ኣል-ዲኣ፡ቪቫ!ኣልሹዩኽ፡ጳጳሳት ወ’ኣልሙኡሙኒን ንሓደ ኣምላኽ፡ባህላዊ ክብርን ልዕሉነት ሕግን።ላእእእእእእእ ንሰያስ!!!ሕጂ’ውን እምቢ ንሉኡኻት evil.

  • Tesfamichael Kidane November 5, 2017

    Ukbay, a while since I read your insightful contributions. You have always been consistent. Your call for action is timely.

POST A COMMENT