Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማዕበል ይኣክል ክምዝምዞ ዘለዎ ምዕጻው ሆስፒታላት ኣብ ኤርትራ ብጴጥሮስ ተስፋገርጊስ

ማዕበል ይኣክል ክምዝምዞ ዘለዎ  ምዕጻው ሆስፒታላት ኣብ ኤርትራ ብጴጥሮስ ተስፋገርጊስ    ኣብ ሮማ ዓዲ ጣልያን ዘሕጉስ ሰላማዊ ሰልፊ ተካይዱ፥ መሪሕ ቓል ጳጳስ ፍራንሲስ ካብ ቫቲካን ምቑዋም  ምዕጻው ናይዘን   ብካቶሊካዊት ቤትክህነት ዝምወላ 22 ናይ ጥዕና ማእከላት  ነቲ

ማዕበል ይኣክል ክምዝምዞ ዘለዎ  ምዕጻው ሆስፒታላት ኣብ ኤርትራ

ብጴጥሮስ ተስፋገርጊስ 

 

ኣብ ሮማ ዓዲ ጣልያን ዘሕጉስ ሰላማዊ ሰልፊ ተካይዱ፥ መሪሕ ቓል ጳጳስ ፍራንሲስ ካብ ቫቲካን

ምቑዋም  ምዕጻው ናይዘን   ብካቶሊካዊት ቤትክህነት ዝምወላ 22 ናይ ጥዕና ማእከላት  ነቲ   ተጀሚሩ  ዘሎ ናይ ይኣክለ ቃልሲ ዘጟሃህር  ሐያል መሳሪሒ  ክኸውን  ይግብኦ።   እዚ መሰል ሕክምና ዝኽልክል ስጉምቲ   ንኤሪትራውያን ጥራሕ  ዘይኮነ ንምሉእ ህዝቢ ዓለም ዝምልከት  እውን  እዩ። ምኽንያቱ ኣገልግሎት ጥዕና ንወዲ ሰብ ካብ ሞትን ስንክልናን  ዘድሕን ሐደ ካብ መባእታውያን መሰላት ደቂ ሰብ  ስለ ዝኾነን። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማዩ ንድኻታት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ሕቡራት መንግስታት  ፍሉይ ሐገዝ ዝግበረለን። ነዚ ሓገዝ ናይ ዓለም ናይ ጥዕና ትካል  WHO (World Health Organisation)  የተግብሮ።

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ግን ኣብቲ  ናይ ምዕራብ ዲሚክራሲያውያን ሀገራት ዝነብር ዜጋ’ዩ  ንሰብኣዊ መሰል ብዝመልከት  ድምጹ  ዓው ኢሉ  ከስምዕ ዝኽእል ። ታሪኽ ኣብ ጊዜ ቃልሲ  ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበርና ኣባላት   ግንባር፣ሐፋሽ ውድባትን ማሕበር ረዲኤትን ድማ ነዚ ይምስክር። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ – እቶም ናይ ህግ ሓፋሽ ውድባት  ኣምባሳደራት ናይ ተቃላሳይ  ሕዝቢ ኤርትራ እዮም ነይሮም።

ንኣብነት ኣብ 1982 ብጊዜ  ሻድሻይ  ወራር   ሶቭየት ሕብረት  ንደርጊ ኣብ ኩናት   ነርቭ ጋዝ   ክጥቀምሉ ሂባቶም  ምስ  ተባህለ  ኣንጻር ሶቭየት ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ተካይዱ። ኣብዚ ኤሪትራውያን ጥራሕ  ዘይኮኑ  ንኤርትራ ዝድግፉ ወጻእተኛታትን ማሕበራትን እውን ተኻፊሎም እዮም።  ሰልፊ ዕዮ ዓዲ እንግሊዝ (Labour Party)  – ድሮ ኣብ ኣኼባ   መሪሕነቶም (Executive Committee of the Labour Party). ብ 1981  ብህግ ዝምራሕ  ቃልሲ ህዝቢ ኢርትራ ብወግዒ ክድግፍዎ ውሳኔ ኣሕሊፎም ነይሮም’ዮም ።  እዚ ወግዓዊ ተፈላጥነት ብዙሕ ናይ ፖለቲካን, ዲፕሎማሲን ረዲኤትን ማዕጾ ከፊቱልና እዩ።  እዚ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኣብል ባይቶን ሰልፊ ዕዮን ዝነበረ   Stuart Holland ዝተባህለ  ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ  ደጊፉ ቀልጢፉ  ምስ ሰበ ስልጣን ሶቬት ተራኺቡ ተቛውሞኡ  ዝገለጸ።    ማሕበር ረዲኤት እውን መከላኸሊ መርዛም  ጋዝ ዝኸውን ገንዘብ ክትሓትት ተንቀሳቂሳ ። ኣብ ሜዳ እውን መከላኸሊ  መርዛም ጋዝ  ዝኸውን ማስኬራ ብኢድ እተሰፍየ ከምዝስራሕ ይግበር ነይሩ።

ከማኡ እውን   ብ1985  ኣብ ኤትዮጵያን ከባቢናን ሐያል ጥምየት ምስተራእየ  ደራፋይ ቦብ ገልዶፍ – ፍሉጣት ደርፍቲ ኣኪቡ- “Do they know it is X-mass “ ብዝብል መዝመር ዝተሰነየ ሐገዝ ተሐቲቱ ብሚልዮናት ዝቑጸር   ገንዘብ ድማ ተኣከበ፥ ንሕና ብወገና    ብደርቂ ዝተጠቅዔ ህዝብና ንምርዳእ -ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር ተዘራሪብና። ኣብ መወዳእታ ግን   ማሕበር  ረዲኤት ነቶም ብጥመየት ዝሳቀዩ ዘለው ኤሪትራውያን ዝኸውን  ገንዘብ ኣብ ጽርግያ ወጺኣ ክትእከብ   ፍቃድ ከተውጽእ  ዝብል ዝሐሸ ኣገባብ መሪጽና፡፡፡ ፍቃድ ተረኺቡስ  ብዙሕ ኤሪትራዊ  ደገፍቱን ሙሉእ መዓልቲ ታኒካን ፖስተር ናይ  ብጥምየት ዝማሰነ  ሕጻን   ኣብ ኣፍልቡም ተሐንጊጦም  ደኺመ ከይ በሉ ገንዘብ ክልምኑ  ዊዒሎም።  8000.00 ዝኣክል ፓውንድ ተረኺቡ።  እቲ ቀንዲ ዕላማ ግን  ነዚ ሜላ ተጠቂምካ ንህዝብን መንግስትን  እንግሊዝ ብመገዲ ልመና ሐቤሪታ ምሃብ እዩ ዝነበረ ። እቲ መልእኽቲ  መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይቆጻጸሮ ግን ብህግ ዝመሐደር ኣብ ሓራ መሬት ረዲኤት ዘድልዮ ብዙሕ ህዝቢ  ከምዝነበረን    ንሱ ከኣ ብማሕበር ርዲኤት ኤርትራ ጥራይ  ሐገዝ ክግበረሉ ከም ዝኽእል ምርዳእ ነበረ። ብድሕሪኡ   ስቱዋር  ሆላንድ (Stuart Holland MP) ኣብ ፓርላማ  ንናይቲ እዋንቲ  ቀዳማይ ሚንስተር  ዝነበረት ታችር  ስለምንታይ ኣብቲ ሐራ መሬት ዘለዎ ህዝቢ ሐገዝ ዘይወሃብ ኢሉ ሕቶ ኣቅረበላ።  መልሳ ከኣ ፥ ንሕና ምስ መንግስቲ ጥራሕ ኢና ክንሰርሕ ንኽእል እዚ  ናይ ገብረ ሰናይ ማሕበራት ጥራይ እየን ክገብርኦ ዝኽእላ ። ብድሕሪኡ ንሳቱዋርት ኣብ ቤት ጽሕፈታ  ጸዊዓ  ሐደ 100.000  ፖውንድ ንክርስትያን ኤይድ ክንህቦም ኢና እሞ ንሳቶም ንማሕበር ረዲኤት ይሃቡዋ ኢላቶ።  እተን ገንዘብ ተረኪብናየን በቲ ክርስትያን ኤይድ ዝደለይዎ ኣገባብ ከምዝውዕል ኮይኑ።  ነዚ ታሪኽ’ዚ ክነግር ዝደረኸኒ  ሽግርን ጸገምን እውን ንሱ ሒዝዎ ዝመጽእ ጸጋታት ክህሉ ከምዝኽእል ክገልጽ ደለየ እየ። ኣብዚ እምበኣር እቲ ቀንዲ ሕቶ እዚ  ህዝባዊ ማዕበል ይኣክል ብኸመይ ንምዕጻው ማእከላት ጥዕናን ምስኡ  ዝኸይድ ግህሰት መሰል ዜጋታት  ይምዝምዞ ዝብል እዩ።   እቲ ቀንዲ ድኽመት ናይ ምንቅስቃስ ይኣክል ትካላዊ ኣሰራርሐ  ከተኣታቱ ዘይምኻል እዩ። ይኹን እምበር ምስዚ ኩሉ ሕጽረታቱ  ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ክገበር ይኽእል እዩ።ሕጂ እውን ክሕሰበሉ ኣለዎ፡ እዚ ጉዳይ ቀጽሊ እዩ፡፡

ኣብዚ ኢሪትራ ፎካስ ምስ ዝተፍላለዩ  ኣህጉራውያንን  ሀገራውያን ትካላት ጽቡቕ ናይ  ስራሕ ዝምድና ስለ ዘጥረየት ኣዕጋቢ ኣበርክቶ ክትገብር ትኽእል   እያ። ካብ ብልጫታት ኤርትራ ፎካስ   ንድለይቲ ፍትሒ ዝድግፍ    All Party Parliamentary Group For Eritrea (APPG) ጉጅለ ኣብ ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ከተቕዎም ምኽኣላ እዩ።  ናይዚ ጉጅለ”ዚ  ኣደ መንበር ከኣ   ነቲ ናይ 24, 25/04/2019 Building Democracy in Eritrea ኮንፈረንስ መእተዊ ኣብ ዝሃበቶ መደረ ንምግሃስ መሰል  ዜጋታት ብዝመልከት ኣብ ባይቶ ዓዲ እንድግሊዝ  ዝከኣላ ከም እትገበር ተመባጺዓ ።  ንጉዳይ ምዕጻው’ዘን ትካላት ጥዕና ብዝመልከት ሎርድ ኣልቶን በቲ  ኤሪትራ ፎካስ ዝሃበቶ  ጸብጻብ ተመርኪሱ ሕቶታቱ ብጹሑፍ ኣቅሪቡ። መልሱ ኣብ ታሕቲ እንሆ።

Lord Ahmad of Wimbledon, the foreign and Commonwealth Office, has provided the following answer to your written parliamentary question (HL16637)

Question:

To ask Her Majesty’s Government what consideration they have given to the letter of 20 June from Lord Alton of Liverpool to Lord Ahmad of Wimbledon and to the Minister of State for Africa about the enforced closure of Church-run health facilities in Eritrea; what assessment they have made of the effect of such closures on the health and well-being of the people of Eritrea; whether they have made representation to the government of Eritrea about those closures; and of so what responses they have received. (HL16637)

 

Answer:
Lord Ahmad of Wimbledon:

We can confirm that the letter of 20 June has been received and will be answered within 20 days in accordance with Cabinet Office Guidance.

Whilst the Eritrean Government has a good track record on the provision of basic healthcare, we do not believe that using the military to force closure, or take charge of health centres managed by the Catholic Church is proportionate. We have raised our concerns with the Eritrean Government, about the approach they are taking, and will continue to seek opportunities to engage on this issue and monitor the situation. As Eritrea is a priority country under the Foreign and Commonwealth Office’s Annual Human Rights Reporting, we raise concerns about human rights in Eritrea regularly, both direct with the Government, – as the Minister of State for Africa did with the Eritrean Foreign Minister when she last saw him in September 2018 – and in international fora.

Date and time of answer: 04 Jul 2019 at 15:51.

እዚ ናይ 22 ናይ ጥዕና ታካላት መዕጻው ናይ ሞትን ምስንኻልን ሐደጋታት ከምጽእ ስለዝኾነ  ቀጻሊ ሐቤረታ ምእካብ ኣድላዩ እዩ። ን ኣብነት ሐንቲ ነብሰ ጾር ሕክምና ስኣን  ምርካብ ከምዝሞተት ተነጊሩ ግን – ስማን ካልእ ዝያዳ ሐቤረታ ምስ ዝህሉ ከም መርትዖ ይተሓዝ። ኤረትራ ፎካስን ብዑቱም ሐዛቶ ዘላ ጉዳይ እዩ።

ኸምዚ ዝኣመሰለ ህጹጽ ስረሓት ዘድሊያ ምውህሃድ ናይ ኩለን ይኣክል ምንቅስቃሳት ኣድላይን የዔዋትን እዩ።

 

Eritrea Focus: extends its solidarity with the brave Catholic Bishops of Eritrea who bravely wrote a strong letter to PFDJ expressing that the manner in which the closure implemented is illegal.

ቁዱስ ተበግሶ።  ሐድነት ኤሪትራውያን ንፍትሒ ንዕለት 13/07/2019 ዓቢ ሰላማዊ ሰልፍ ኣብ ለንደን ኣዳልዩ ኣሎ።  ከማኡ እውን ኣብቤቱታ ዝፍረም (petition) ተዳልዩ ፈርማኹም ከጠቅምጥሉ ንላቦ።

The end:

መብርሂ፡   Stuart Holland MP:   ሜዳ ኣትዩ ምስ መጸ፡ Eritrea:  Never Knell down – ትብል መጽሐፍ ጺሒፉ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT