Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማነፈስቶ 2020 ብኤርትራውያን ምሁራትን ሞያውያንን ኣብ ስደት

https://www.youtube.com/watch?v=FLsNnElZMgw&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • Gezae April 8, 2020

    I hope that will be your last cry.
    Doctors for nothing.
    Death to woyane puppets!!

    • Salim Negash April 9, 2020

      Gezae

      Couldn’t agree more with you, these so called scholars (PHDs = Permanent Head Damage) are trying to score cheap political victory by their futile attempt to exploit our people and the challenge our country/people face with this deadly virus. The fact that they chose to harken back & suggest the re-opening of the inefficient/racist catholic church run clinics shows the extent they are willing to stoop so low for their selfish political gains. These are the same people who worked with the TPLF criminal gang leader melsi zesheyan (my he burn in hell) to impose sanctions on our nation to starve it much needed foreign currency to develop the nation and acquire much needed medical supplies.

  • Mussie G April 8, 2020

    ማኒፈስቶ 2020 ብማሕበር ዶካትር ኤርትራ እንተዝበሃል ዶ ኣይምሓሸን?
    መንዩ ምሁራትን ሰብ ሞያን ኤርትራውያን ዶካትር ጥራይ እዮም ዝበለ። ኣብ ጸቢብ ጉጅለኣዊ ኣተሓሳስባ ተደሪትካ ፍትሒ ከተምጽእ ዝከኣል ኣይኮነን። ንለባም ዘየሳተፈ፡ ንሕብረተሰብ ዘይሓቆፈ ቁንጣሮ ናይ ቀለም ምሁር ንበይኑ ተጎጅሉ ማሕበር ወይ ዕቁብ እዩ ከቕውም ዝኽእል እምበር ንበይኑ መኺሩ ንሃገር ዘመሓድር ሓሳብ ከቕርብ ኣይክእልን እዩ። ዘሕፍር እዩ! ዶክተር እከለ፡ ዶክተር እከሊት ብዝብል ስም ተኣኪብካ ዝግበር ፈተነ ንነገራት ዝሓላልኽ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ መፍትሒ ከምጽኣሉ ኣይክእልን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብተሞኩሮ ኩሉ፡ እንደገና ክደግሞ እዩ እወ ኩሉ ናይ ዶክተሬት መዓርግ ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ኣቱም ጉጅለ ምሁራት፡ ኣበይ ኣሎ ዶክተር ተበሃሂልኩም ክትተኣኻኸቡ ቀኒኹም። ተጋጊኹም። ዓገብ ዝብል ለባም ስኢንኩም። ብኣእምሮ ጥራይ ምሕሳብ ከምዚ ናትኩም ምትእኽኻብ እዩ ዝፈጥር። ኤርትራውያን በጃኹም ለብሙ፡ ፍትሓውያን ኩኑ ፍትሒ ከተንግሱ።

  • ወዲ ሃገር April 9, 2020

    Gezae, Mussie G

    እብቱም ሰባት ፥ ቁሩብ ዘይትሓፍሩ ።
    ህዝብኹም እንዳነጸተ ፥ ምእንቲ እሰያስ ዝልግሰልኩን ቁሩብ ቁራቦ ሃገር ትርምሱ ።
    ኮስታሪትኩም ትምጻእ !!

  • Mussie G April 9, 2020

    ኣንታ ስም ዘይብልካ መደናገሪ ፍሉይ ተሓላቂ ክትመስል ‘ወዲ ሃገር’ ዝብል ስም ንገዛእ ርእስኻ ዘጠመቕካ ናይ ጸልማት ልኡኽ መንካዕ፡ ፈላላዪ። መን እዩ ብዛዕባ ኢሳያስ ተዛሪቡ። ምሁር እየ ትብል ደንቆሮ ደኣ ኮይንካ እምበር ትሕዝቶ እቲ ጽሑፍ ብዛዕባ ፈላላዪ ዝኾነ ኣተሓሳስባን ኣከያትድና ናይቶ ምሁራት ኢና ዝብሉ ዝምልከት እዩ። ንልውጢ ዝብገስ ሓሳብ ንኹሉ ዘሳትፍ ክኸውን ኣለዎ እምበር ኣበይ ኣሎ ዶክተር ኢልካ ብምእራይ ክኸውን የብሉን። ክደይ ምሁራት ኢና ዝብሉ ከም እኒ ፕርፕፈሰር ጊደዎን እካ ሓቂ ጋዕጺጾም፡ ንሓቂ ዘይቆሙ፡ ነቲ ዓማጺ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዘገልግሉ ኣለዉ። ሕጂ ድማ ንስኻን ከምዚ ከማኻን ንህዝቢ ኤርትራ ንሕና ‘ጻዕዳ ርግቢት ሰላም’ ኢና ኢልኩም ከተደናግርዎ። ከምዚ ከማኻ ፈላላዪ ኣተሓሳስባ ዘለዎ መካዕ ናይ ጸልማት ልኡክ እዩ። ንሕዝበይ ዝጠቕም ድማ እይኮነን። ኢሳያስ ኢሳያስ ኣይትበል፡ ካብ ጸቢብ ዓንኬል ናይ ኣውራጃን፡ ብሄርን፡ ሃይማኖትን፡ ቀጸላዊ ኣታሓሳስባን (ምሁር/ዘይምሁ) ውጻእ። ብዛዕብ ፍትሒ ሕሰብ፡ መንገዲ ሓቂ ተኸተል። ህዝቢ እተጽንት ንስኻ ኢኻ ምኽንያቱ ፈላላዩ ስለ ዝኾንካ፡ ኣብ ብርሃን ውጻእ ከም መንካዕ ኣብ ጸላም ኣይትዘንቢ። ንኸምዚ ከማኻ ናይ ጸልማት ልኡኻት እጽርዪ እዩ ሓርበኛ ህዝበይ ኣብዚ በጺሑ። እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ድማ ንህዝባዊ ግንባር ዝውክል ኣይኮነን፡ ፍትሓዊ ኣይኮነን፡ ዓማጺ እዩ፡ ኣጽናቲ ኣገባብ እዩ ዝኽተል ዘሎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይጠቕም ጉጅለ እዩ። እወ እዚ ኩሉ ዓይኑ ዘፍጠጠ ሓቂ እዩ። ቃልሲ የድሊ ዶ? እወ የድሊ። ግን ብኸምዚ ናትካን ናይቶም ዶካትር ኢና ዝብሉ ኣገባብ ኣይኮነን። እዚ ወደሓንካ፡ ብግቡእ ከተንብቦን ካብ ስምዒት ወጺእካ ክትሓስብን ይዘኻኽረካ።

  • ወዲ ሃገር April 9, 2020

    Mussie G

    “እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ድማ ንህዝባዊ ግንባር ዝውክል ኣይኮነን፡ ፍትሓዊ ኣይኮነን፡ ዓማጺ እዩ፡ ኣጽናቲ ኣገባብ እዩ ዝኽተል ዘሎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይጠቕም ጉጅለ እዩ።”

    ——-

    መጀመሪያ ፥ ኣነ ናይ እሰያስ ኣይኮንኩን ንምባልካ ፥ ነቲ ኣረመናዊ ስርዓት ንሙኹናንካ ፥ ኣገናዕ እብለካ።
    ሙሁራት ምድሃል ባህሊ ህዝባዊ ግንባር እዩ።
    እሰያስ ጸሊእካ ብስነ ሓሳቡ ምኻድ ከንቱ እዩ ትርፉ። ዳግመ ርእቶ ክትገብረሉ ይምነ።
    ሽመይ ክሓብእ እለ ኣይኮንኩን ፥ “ወዲ ሓገር” እየ ዝበልኩ። ኣነውን “ሙሲየ ወይ ሙሳ” እየ ምበልኩ። ግድን ናይ ብሓቂ ሽመይ ክኾውን ግን ኣይክእልን።
    ስለዚ ፥ እዚ ፈላላዪ ሜላ እሰይስ ንድሕሪት ገዲፍና ፥ ሙሁር ይኹን ጭጓር ዳንጋ ፥ ኩሉ ስለ ዝኸሰረ ፥ ካብ ጸቢብ ዓንከል “ውድበይ” ኣብ ኩፉት መዳይ ወጺእና ምስ ሙሁራትና ንላዘብ።
    ኣብ ኤሪትራ ንበይንና ከም ዘለና ፥ ኩሉ ኣብ መስመርና ክመጽእ ምሕሳብ ወይ ምጽባይ ፍረ ኣልቦ እዩ።
    ምስ ይቅረታ።
    ዎ ዳሓንካ ።

  • Mussie G April 9, 2020

    ኣገናዕ ክቡር ሓወይ ‘ወዲ ሃገር’ እወ ከምዚ ዝበልካዮ፡ “ስለዚ ፥ እዚ ፈላላዪ ሜላ እሰይስ ንድሕሪት ገዲፍና ፥ ሙሁር ይኹን ጭጓር ዳንጋ ፥ ኩሉ ስለ ዝኸሰረ ፥ ካብ ጸቢብ ዓንከል “ውድበይ” ኣብ ኩፉት መዳይ ወጺእና ምስ ሙሁራትና ንላዘብ”። እቲ ቀዳማይ ሓሳበይ ልክዕ መዚ ዝበልካዮ እዩ። ከምቲ ዘይተማህረ ነየድሕን፡ ዘይተወቕረ ድማ ነየጥሕን ዝብል ምስላ ኣቦታትና ኣገዳስነት ትምህርቲን ኣበርክቶ ምሁራትን ብኹልና ዝሰሓት ኣይኮነን። ብዛዕባ ሕብረተሰብ ክንሓስብ ከለና ግን እሞ ድማ ከም ህዝቢ ኤርትራ ብሂወቱ ብዙሕ ዝተሞኮረ ጭዋ ህዝቢ፡ ሓቃፊ ኣገባብ ክንክተል ኣለና። እምበር ብናይ ማሕበር ወይ ዕቁብ ኣገባብ ብሞያና ወይ ብዝምባሌና ከምኡ ውን ብእምነትካ ኮነ ኣውራጃን ክንተኣኻኸብ የብልናን። መራኸቢ ብዙሃን ከም እኒ ኣሰና ድማ ነዚ ነገር እዚ ክነቕሕሉ ይግባእ። ክቡር ሓውና፡ ወዲ ሰውራ፡ ኣቶ ኣማኒኤል እያሱ ንስለ ውጹዕ ህዝቢ፡ ኣፉ ዝተለጉመ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ዝጠፍእ ዘሎ ህዝቢ ክገብርሮ ዝጸንሐን ዘሎን ኣበርክቶ ልዕሊ ኩልና ክምስገንን ክተባባዕን ይግብኦ። ከምቲ ኣቦታትና ክምስሉ ኣብ ርእሲ ልብካን እንተዝመኹሩኻ ዝብልዎ፡ ንኣማኒኤል ሓወይ ከምኡ ውን ንመሳርሕቱ ክመኽሮም ዝደሊ፡ ሓደ ንህዝቢ ዝዝርጋሕ ሕበሬታ ክመጾም ከሎ ምንጩ ምጽራይ፡ ዕላምኡ ምምርማር፡ ኣብ ህዝቢ ዘልዕሎ ሕቶታት ኣብ ግምት ምእታው፡ ብዝተፈላለየ ቀጸላታት ሕብረተሰብ ክወሃቦ ዝኽእል ትርጉም ኣብ ግምት ምእታው፡ ማለት ብሓፈሽኡ ብዝተፈላለየ መኣዝን ምጥማቱ የድልዮም። ሓበሬታ ኣለኒ ንዝብሎም ብጥርጠራ ዓይኒ ክርእይዎ ኣለዎም። ምንጩ ዘይተጻረየ ዜና ይኹን ሓበሬታ ድማ ናብ ህዝቢ ዘይምዝርጋሕ። ንኣብነት ከም እኒ ያቆብ ‘በጽባጺ እንቃቑሖን ሓርጭን’ ንተቓላሳይ ኣማኒኤል ንምድሃል ዝተጠቕምሉ ኣገባብ ሓደ ካብዚ ኣቀዲመ ዝጠቐስክዎ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ውን እከለ ብሕማም ተወጺዑ፡ ጋኒን እከለ ዓሪፉ ዝብል ዜና ክሳብ ሕጂ ነቶም ሰንኮፍ ኣእምሮ ዘለዎም ደገፍቲ ምልኪ ንኣሰና ንምጽላም መግቢ ኮይንዎም ኣሎ። ስለዚ ልኡም ደጋፊ ውን ከም ሓላዪ ህዝቢ ተመሲሉ ከጋግየካን ብህዝቢ ዘለካ ተቐባልነት ንምህሳይን እቲ ስርዓት ካብ ዝጥቀመሉ ሜላታት ከምዝኾነ ኣሰና ትስሕቶ ኣይመስለንን ስለ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክምህር ደልየ ኣይኮንኩን። ግን መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ ዝብል ሕቶ የስዕብ፡ እዚ ብምሁራትን ሰብ ሞያን ኤርትራውያን ተሰምዩ ንዝርዝር ዶክተራት ጥራይ ብምጥቃስ ዝቐረበ ማኒፈስቶ ውን ብዓይኒ ሓፋሽ ህዝብና ክረአ ከሎ ሚዛናዊ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ደርባዊ ኣተሓሳስባ ዘበገሶ ስለ ዝኾነ። ዶካትርና ግን ክንዕቆም የብልናን እንተዘይኮይኑ ካብ ኢሳያስ ዝፍልየና ነገር የለን። ነቲ ሓሳብካ እንደገና ከስምረሉ፡ “ስለዚ ፥ እዚ ፈላላዪ ሜላ እሰይስ ንድሕሪት ገዲፍና ፥ ሙሁር ይኹን ጭጓር ዳንጋ ፥ ኩሉ ስለ ዝኸሰረ ፥ ካብ ጸቢብ ዓንከል “ውድበይ” ኣብ ኩፉት መዳይ ወጺእና ምስ ሙሁራትና ንላዘብ።

  • Mussie G April 9, 2020

    ክንዛረብ ከለና ኣብ ሓቕን ጭብጥን ዝተሰረተ፡ ጽባሕ ዝድገም ክኸውን ስለ ዝግባእ ብዙሓት ካብዞም ኣስማቶም ኣብቲ ዝርዝር ተጠቒሱ ዘለዎ ዶካትር ኣብ ዝተፈላለየ ጸረ ሃገርን ህዝብን ዝኾነ ኣዕናዊ ጎስጋሳት ዝሳተፉ እዮም። ንኣብነት ኣነ ብውልቀይ ዝፈልጦም ልዕሊ 4 ካብኣቶም ኣብ ሓደ “ሃገረ ዓፋር ኤርትራ ኣብ ስደት” ብዝብል ሃገር ብብሄራት ክኸፋፍል ዝቃለስ ዘሎ ብሓደ ፕሮፈሰር ጆሴፍ ማግነት ዝተባህለ ምሁርን ካልኦት ናይ ጠቕሚ ዕሱባት ወጻእተኛታት ጠበቓታትን ዝምራሕ ጉጅለ ዝድግፉን ኣብ ኣብ ሰሚናራቱን ዝሳተፉን እዮም። ፕሮፈሰር ጆሴፍ ማግነት ብዛዕባ ኤርትራ ዝምቡዕ ዝኾነ ታሪኽ ከቕርብ ከሎ ማለት ንጀበርቲ ዝሓቆፈ 10 ብሄራት ኣለዋ ክብል ከሎ፡ ብሄራት ናይ ምንጻል መሰል (ማለት ከም ቅዋም ዓንቀጽ 39 ናይ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘፍቕዶ) መሰል ኣለውን ክብል ከሎ፡ ሓድሽ ካርታ ሃገረ ዓፋር ኤርትራ ብኢደ ዋንንኡ ስኢሉ ካብ መጽበብ ባብ ኤልመንደብ ክሳብ ባጽዕን ደሴታት ዳህላክ ከቢርን ዘጠቓለለ ማለት እዩ ከቕርብ ከሎ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ናይ ካናዳ ንተመሃሮ ካብ ናይ መመረቒ ጽሑፋቶም ኣብዚ ኣርእስቲ ክጽሕፉ ብምምትብባዕ ኣብ ስነ ጽሑፍ ዝሰፍር ታሪኽ እናጸሓፈ ዓገብ ዘይበሉ እዮም። ኣስማት ናይዞም ኣብዚ ዝጠቐስክዎ ኣዕናዊ ምንቅስቓሳት ዝሳተፉ ሕሱራት ምሁራት ኢና በሃልቲ ዶክተራት ንግዚኡ ክጠቕሶ ኣገዳስነት የብሉን። ብፍላይ ፕሮፈሰር በረኸት ሃብተስላሴ፡ ኣብቲ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ባዕሉ ዝትረሳተፈሉ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ንህዝቢ ዓፋር መሰል ዝሕሉ ሕጊ ከምዘየለ ብብምስካሩ ብጣዕሚ ዘሕፍር እዩ። እዚኦም እዮም እቶም ምሁራት ተባሂሎም ዘለው። ነዚ ሓቂ ኣብ ዩቱብ ብምውካስ ክረጋገጽ ይኽእል
    Prof. Joseph Magnet, Legal counsel for the Afar People & Constitutional advisor for Eritrea Afar State In Exile – EASE
    እዚ ባዕዳዊ ብረብሓ ተዓሲቡ ወይ ውን ተታሊሉ ነዚ ኣዕናዊ ምንቅስቓስ ዝመርሕ ዘሎ ፕሮፈሰር ጆሴፍ ማግነት ኩልና ሓቂ ከንፍልጦን ክንእርሞን እዩ ዝግባእ። ነቲ ሓቂ ማለት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓፋኒ ስርዓትን ፍትሒ ኣልቦን ምስ ምምቕቃል ሃገርናን ህዝብናን ሓዋዊሱ ከቕርቦ የብሉን። ንሕና ንደሊ እዚ ንኹሉ ብዘይምፍላልያ ዝዕምጽ ዘሎ ስርዓት ወይ ከም ዝቕየር ወን ድማ ኣካይድኡ ከም ዝቕይር ደኣልና ክንገብሮ ዝግብኣናን እምበር ድሕሪ ለውጢ ሃገር ክትፋናጨል ከንፍቕድ ኣይግበኣናን። ምንቅስቓስ ናይዚ ፕሮፈሰር ኣዝዩ ዓቢ እዩ፡ ምስ ምሁራትና ዝገብሮ ርክባት ድማ መርበብ ኢንተርነት ሓቂፍዎ ኣሎ። በዚ ዝግደስ ዜጋ የንብቦ፡ ነዚ ዝምልከት ብዙሕ ሓበሬታ ስለ ዘሎ ሓቢርና ክንቃለሶ እለና።

  • ወዲ ሃገር April 9, 2020

    ኩቡር Mussie G

    ዳርጋ ኩሉ ዝበልካዮ ናዓይ ቁቡል እዩ።
    እቶም ኣብ ጉዳይ ዓፋር ዝነጥፉ ሙሁራት ደቂ ሃገር ፥ ውሑዳት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ እግምት።
    ምሶኦም ናይ ልዝብ መድረኽ ምኽፋት፥ ሃገራዊ ጉቡእ ሙዃኑ ክትስሕቶ ከም ዘይትኽእል ይርዳኣኒ።
    ፍልልያትና ንምጽባብ ፥ ናይ ነፍስ ወከፍ ውጽዓ ንስማዕ ዝብል ኣታሓሳስባ ኣይጸነሓናን። ተበዲለ ንዝበለ ኣብ ክንዲ ንስማዓዮ ንደስቆ እዩ ክባሃል ጸኒሑ ። ናይ ግሊ ረብሓ ዝድርኾም ወጻእተኛታት እንተ ተጠቀሙሉ ፥ ኣቀዲምና ክንፈልጦ ዝግባእ ሓቂ እዩ። ንዝተበደለ ኣብ ክንዲ ምድጋፍ ፥ ገለ ገይሩ ክኾውን ኣሎዎ እና ክንብል ጸኒሕና።
    ጉዳይ ዓፋር ብጣዕሚ ሓደገኛ እዩ። ሓደ ካብቲ ኣብ ሊዕሊ ኤሪትራ ኣንጸላልዩ ዘሎ ዓበይቲ ሓደጋታት ሓደ እዩ።
    እምኸ እንታይ ክንገብር ይግባእ ? እቲ ምርጫ ናትና እዩ ። ብርእይቶይ፥ ኣብ ክንዲ ወጽዓ ንኹልና ሓደ እዩ እልና ነስቅጥ ወይውን ንኹንን ፥
    እቲ ስርዓት ፥ ንነፍስ ወከፍ ዝያዳ ብዘሕምሞ ክገርፎ ከም ዝጸንሐ ተገንዚብና ፥ እውያት ኩሉ ንስማዕ ። እዚ ነቶም ጡሩፋት ወይ ንሃገር ምብታን ዕላማ ዘሎዎም ኣብ ኩርናዕ ዘጸግዕ እዩ።
    ኤሪትራ ካብዚ ዘላቶ ጫፍ ገደል ንኽትምለስ ፥ ናይ ኩሉ ደቂ ሃገር ጹቡቅ ድልየት ኣድላይ እዩ።
    ብሓይሊን ጉዕጸጻን ዝግበር ፍታሕ ውጺእቱ ኣዕናዊ እዩ ጥራይ ዘይኮነ ፥ ሕዲ እዚውን ክገብር ዝኽእል ሓይሊ የለን።
    ኤሪትራ ሃገርና ምስ ህዝባ ፥ ምስ ክብራ ፥ ንዘልኣለም ትንበር ።
    ዳሕን ኩን

  • Mussie G April 9, 2020

    ብዛዕባ እቲ ብፕሮፈሰር ጆሴፍ ማግነት ዝምራሕ ዘሎ ብስም ሃገራ ዓፋር ኤርትራ ኣብ ስደት’ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ኣብቲ ሰዲደዮ ዘለኹ ናይ ኢንተርነት ዩቱብ ተኸታቲልካ ብፍላይ ብዛዕባ እቶም ምስኡ ዝሰርሑ ዘልዉ ዶካትር ገል ክትብል ክጽበየካ እየ። ገለ ካብኦም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነብሩ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብኣውራጃኣዊ ኣተሓሳስበኦም መረምታ ዝተዋህቦም እዮም። ካብቲ ሕዱር ሕማሞም ግን ጌና ኣይተገላገሉን። ገሊኦም ድማ ብዕድመ ንኡሳት ኣብ ስዊስ ከምኡ ውን ኣብ ካናዳ ዝነብሩ ዕሸላዊ ባህሪ ዘለዎም እዮም።

    • Simon G. April 10, 2020

      Mussie G
      You have a problem. Anyone can read between the lines. You are no better than hgdf (if not you are one of them).
      You keep repeating MenKa’E and now you are stating ‘ገለ ካብኦም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነብሩ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብኣውራጃኣዊ ኣተሓሳስበኦም መረምታ ዝተዋህቦም እዮም። ካብቲ ሕዱር ሕማሞም ግን ጌና ኣይተገላገሉን።”
      Everyone knows who laid these Professors off and for what reason.
      ንስኻ ሓደ ቀናእ: ሓሳድ ፈላላዪ ኢኻ። You are sick and get help.
      I see nothing wrong with what these Dr.s statement. If you don’t have one, go to school and get one.

  • ወዲ ሃገር April 10, 2020

    ኣብ ልዕሊ ገለ ካብዞም ዶክቶራት ትዕዚብቲ ከም ዘለካ ተረዲአ ኣሎኹ ። ግን ቁሩብ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ኣለኒ ።

    ኤሪትራውያን ክሳብ ዝኽኑ ፥ ኣብ ክንዲ ምንጻል ምልዛብ እዩ እቲ ዘዐውተና ስትራተጂ ።

    ዋላ ምስቶም “ናይ ዓፋር መንግስቲ” እና ዝብሉ ፥ ካልእ ዘዋጽእ መገዲ ዘሎ ኮይኑ ኣይመስለኒን።
    ምኹናን ፣ ሓይሊ ክንጥቀም እና እንተበልና ፥ ክበታቱኑና ቁሩባት ዝኾኑ ጸላእቲ ፥ ዓለም እንዳ ሰማዓቶም ፥ ዓሰብ ናትና እያ ይብሉ ኣሎዉ።
    ብሽም ዉሑዳት ቡዙሕ ሃሰያ ክገብሩ ይኽእሉ እዪም። ንኹሉ ብሓይሊ መስመር ከነትሕዝ ንኽእል እና ፥ ዝብል ኣታሓሳስባ ንኤሪትራ ረሚሱዋ። ኣገባብ እንተ ዘይቀይርና ፥ ኣብ ሙሉእ ምብትታን (somalization) ክንበጽሕ እና።
    ምኹናን ፥ ምንጻል ፥ ምውጋዝ ፥ ምጥቃዕ ፥ ምቅታል ወዘተ. .. ኣብዚ ዘለናዮ ደረጃ ናይ ዕንወት ኣብጺሑና ። ሕጂ ካብ ጸድፊ ንምለሰሉ መገዲ ነ ናዲ ፥ ባሃላይ እየ ።
    ዎ ዳሓንካ ።

Post a Reply to ወዲ ሃገር Cancel Reply