Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማርያም ሚላኖ ከም ጽንዓታ ኣብ ቦትአ ኣላ።

ህዝቢ ሚላኖ ብሓድነት ተጠሚሩ ኣብ ሓደ ቤት ክርስትያን እንዳ ማርያም ብጸሎትን ምህለላን ምስ ኣምላኹ ዝራኸበሉ ኩሉ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ዝረኽበላ ኳ እንተኾነት፡ ህግደፍ ካብ ነዊሕ ግዜ ናብ መጋበርያ ኽለዉጡዋ ሒዅ ካብ ምባል ዓዲ ዊዒሎም ኣይፈልጡን። ኮይኑ

ህዝቢ ሚላኖ ብሓድነት ተጠሚሩ ኣብ ሓደ ቤት ክርስትያን እንዳ ማርያም ብጸሎትን ምህለላን ምስ ኣምላኹ ዝራኸበሉ ኩሉ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ዝረኽበላ ኳ እንተኾነት፡ ህግደፍ ካብ ነዊሕ ግዜ ናብ መጋበርያ ኽለዉጡዋ ሒዅ ካብ ምባል ዓዲ ዊዒሎም ኣይፈልጡን። ኮይኑ ድማ ኣብ ቤት ክርስትያን እንዳ ማርያም ምስ ምምጻእ መንእሰያት ካብ ሊብያ፡ እቲ ቤት ክርስትያን ካብ መጠን ንላዕሊ ኣማኒ መሊኡ ጠጠዉ መበሊ ሰለ ዝተሳአነ እቶም ብህዝቢ ዝተመረጹ ሽማግለ ቤትክርስትያን (ሰበኻ ጉባኤ) ገፊሕ ቤተክርስትያን ክዋሃቦም ብሕጋዊ መንገዲ ንመንግስቲ ጥልያን ሓቲቶም። ብዝሓተትዎ መሰረት ሕጋዉነቱ ተራእዩ ሐደ ዓቢን ንኩሉ ህዝቢ ዝጥርንፍ ምስ ምሉእ ኣገልጉሎት ብቕዓትን ዘለዎ ቤት ክርስትያን ተዋሂቦም።

እዚ ንህዝቢ ሚላኖን ነቶም ነዚ ጉዳይ ንምዕዋት ከቢድ ጻዕሪ ዝገበሩ (ሰበኻ ግባኤ) ሽማግለ ቤተክርስትያን ዓቢ ዓወትን ታሕጓስን ጥራይ ዘይኮነ ብዕላልታን ጨብጨባን ዝተሰነየ ድሙቕ መጎስ ነበረ። ብአንጻሩ እቲ ህዝባዊ ዓወት ንህግደፍ ከቢድ መንጸሮር ኮይኑ ቃንዛ ስለ ዝፈጠሮሎም ንምዕናዉ ድቃስ ሳአኑ፡፡ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሚላኖ ንታቦቶም ናብዚ ብሉጽን ሓዲሽ ቤት ክርስትያን ብዕልልታን ጨብጨባን ብመዛምሩን ጸናጽልን ዲቕ እናበሉ ከእትዉዎ እናተዳለዉ ከለዉ፡ ወኪል ህግደፍን መጋበርያታቱን ነቲ ኽቡር ታቦት ብለይቲ ጸልማት ተጎልቢቦም ነቲ ታቦት ሰሪቖም፡ ኣብ ዘይግብኦ ቦታ ኣብ መንበሪ ቤት ናይ ወልቀ ሰብ ኣቐመጥዎ። እቲ ዝነበረ ቤት ክርስትያን ከኣ መልአኹ ተዳሂሉ፡ ኩሉ ስልማቱ ተመንዚዑ፡ እንዳ ጹሉላት መሰለ። ህዝቢ ሚላኖ ነዚ ምስ ርአየ ደንጺዎ  ኤህ ብምባል መርገሙ ቁጣዕኡ ብምረት ናብ ኣደይ ማርያም ክዓርጎሉ ተማህለለ። እቲ በዚ እከይ ተግባራት ዝልለ ኣብ ጸግዒ ህግደፍ ዝወገነ ጉጅለ ኸኣ ቁንጣሮ ሰዓብቲ ሒዙ ኣብ ናይ ሩስያ ቤት ክርስትያን ተጸጊዑ ተረፈ። ዝበዝሐ ህዝቢ ሚላኖ ግን ምስቲ  ቁኑዕ ኣገባብ ዝኽተልን  ኢድ ምትእትታዉ  ህግደፍ ዘይተቐበለን ወገነ። በዚ ኸኣ ማርያም ሚላኖ ኣብ ቦታኣ ትርከብ ኣላ።

ካብ 2007 ዓም ጀሚረን ዝቐጸላ ዓመታት፡ ህግደፍ ብኹሉ ዓቕሙ ኣብ  ልዕሊ ኣመንቲ ቤት ክርስትያን ሓያል ጸቕጢ ምፍርራሕን ዘርኣየለን ዓመታት ኮይነን፡ ካብቲ ቅዲሚኡ ዝነበረ እዋናት ዝፈልየን ክሳብ ማእሰርቲ ዘብጽሕ ሰግምቲ ዝተወስደን ዓመመታት ምንባረን እዩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ እቲ ናይ ህዝቢ ደገፍ ዘለዎ ወገን  ክሃንጽን  ጽንዓት ኣመንቲ ክከላኸልን ኣብ ከቢድ ምርብራብ ይርከብ ኣሎ። እዚ ዘይተዋሓጠሎም ህግደፍን ዑሱባቶምን ነዚ ቤት ክርስትያን’ዚ ንምዕናዉ ኣሎ ዝተባህለ ወፍሪን ጻዕሪን ኳ እንተገበሩ ብሓይልን ጽንዓት ኣደይ ማርያም ኣይተዓወቱን። እቶም ኣብ ምዕቃብ’ዚ ቤትክርስትያን ዝጸንዑ መእመናን ኣካየድቲ ቤት ክርስትያን ድማ ግዳይ ዉግዘትን ማእሰርትን ግዳይ  ዕዳን ዒንዲዳን ብምግባር ኣከላበትዎም፡፡ ከም መርአያ ናይዚ ድማ  ክንደይ ኣደታትን  ኣቦትታን ሰገድትን ቆረብትን ዝነበሩ ንጹሃት ዜጋታት ኩሉ መንግስቲ ዝሓቶም  ግቡኦም  ዘማልኡ  ዝነበሩን  ዘለዉን፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ወርቀን ሽልማተን ኣብ ክንዲ ደቅና ኢለን ዘወፈያ ኣደታት ግዳይ ናይዚ መከራ’ዚ ኮይነን እየን። ኣብ ቤት ጽሕፈት ቆንስላዊ ጉዳያት ተጸዊዕም ናብ እንዳ ማርያም ምኻዶም ከም ገበን ተቖጺሩ፡  ከም ጸረ መንግስቲ ተባሂሎም ዝተኽሰሱን ዝተወገዙን ዉሕዳት ኣይኮኑን። እቲ ግዜ ኣኺሉ’ዩ ‘ሞ ባዕሎም ይዛረቡ እቲ ሓቂ ህዝቢ ክፈልጦ። ብጸቕጥን ምፍርራህን ናይ ህግደፍ ከይፈተዉ ዕረ ኣናጥዓሞም እግሮም ኣሕጺሮም፡ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ቤት ክርስትያን ጥልያን ኽሳለሙ ዝመረጹ ‘ውን ዉሕዳት እይኮኑን።  ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንሃይማኖትካ ተሰየፍ ክብሉ ዝጠቕሱዎ፡ ብጽንዓት ንሃይማኖቶ ጠጠው ዝበሉ ሞሳኦም ብእግዚኣቢሄርን ህዝብን ዝረኽቡ ‘ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እምብኣር፡ ገለ ካብቶም ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ኦርተዶክሳዊት ቤት ክርስትያን ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ክነብርህ ኢና።

 

1. ኣብ መጀመርያ ወርሒ 2009 ዓ ም ኣገልጋሊ ቤት ክርስትያን ዝኾነ ኩሉ ጉቡኡ ዘማልኤ፡ ኣባል ህግደፍ ዝነበረ ናብ ኣስመራ ብዉልቃዊ ጉዳዩ ምስ ገሸ ብሓይልታት ጸጥታ ካብ መንበሪ ገዛ ተወሲዱ ተቐይዱ፡ ድሕሪ ገለ ሰሙናት ካብ ቀይዲ ብዋሕስ ወጺኡ። እዚ ኣገልጋሊ ቤት ክርስትያን ብዘይካ ምንባሩ ካልእ ዘእስር ገበናት ዘይብሉ ንጹህ ዜጋ፡ ካብ ከተማ ኣስመራ ከይወጽእ ንሓሙሽተ ወርሒ ብሓይልታት ጸጥታ ጆሆ ተታሒዙ ነይሩ፡፡  እዚ’ዉን ከምቲ ንኹሎም ኣመንቲ ክርስትያን ኣመንቲ ምስልምና ዝወርድ ኣደራዕ ኮይኑ፡ ብፍላይ ግን ንአመንቲ ቤት ክርስትያን እንዳ ማርያም ንምፍርራሕን ኮነ ተባሂሉ ዝተገበረ ዉዲት  እዩ። እቲ ዓላማ ኽወቅዖ ዝደለዮ ንኣመንቲ ካብታ ቤትክርስትያን ነጺልካ፡ ነታ ቤተክርስትያን ናብ ኢድ ህግደፍ ምርካብ ካብ 2007 ዓም ጀሚሮም ብኩሉ ዓቕሞም ክሰርሑሉ ጸኒሖም ኢዮም።  ድሕሪ እዚ ኩሉ ሽግርን ምክልባትን ብዘይ ሓደ ዉሳኔ ቤት ፍርዲ ብዋሕስን ገንዘብን ካብ ማእሰርቲ ወጺኡ፡፡ ብሰንኪ እዚ እከይ ዉዲት ዝወረዶ ኣካላዊን ሞራላዊ ውድቀት ከይአኽል ኣብ ስርሑን ስድራ ቤቱን ዓቢ ማህሰይቲ ኣዉሪደሉ እዩ። ማርያም ሚላኖ ግን ኣብ ቦትአ ኣላ።

2 ብድሕሪዚ  ዉን ኣብ ሓጋይ 2009 ዓ.ም ክልተ ንጹሃት ኣገልገልቲ ቤት ክርስትያን ዝኾኑ  ንዕረፍቲ ንኣስመራ ምስ ገሹ፡  ሓመዶም ከይነገፉ፡ ዉዓል ሕደር ዘይብሉ ብሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ተታሒዞም፡ ንኽልተ ዓመት ኣብ ጸልማት ቤት ማእሰርቲ ተዳጎኖም። እዞም ሰባት ንክልተ ዓመት ዘይኮነ ንሓንቲ መዓልቲ ይኹን ንሓንቲ ስዓት ዉን ዘእስር ገበን ዘይብሎም ንጹሃት እዮም። ዝኾነ ዝጥርጥርዎ  ገበን እንተ ዝነብሮም ኣይምገሹን። ዕላምኡ ድማ  ንእንዳ ማርያም ዝማላለሱ ኣመንቲ መፈራርሕን መጠንቀቕታን እዩ። እቲ ዝገርም 2% ዝኸፈሉ፡ ገለ  ኣባላት ህግደፍ ኮይኖም ወርሓዊ ዉጺኢት ዝኸፈሉ፡ ንስድራ ቤት ሱዉኣት ዝናበዩ፡ ኩሉ መንግስቲ ዝሓቶ ዘተግበሩ እዮም። ነቲ ንሶም ዝሓቱዎ ምምላእ ‘ውን ካብ ማእሰርትን ምክልባትን ኣየድሕናካን እዩ፡፡ እዞም ግዳይ ማእሰርቲ ዝኮኑ ሽማግለ ቤት ክርስትያን ብምንባሮም ኮይኑ፡ ብፍላይ ስድራ ቤቶም ከም ሕሱም ተኻላቢቶም ካብ  ስርሖምን መነባብሮኦምን ተዘናቢለን፡ ካብ ፈተዉቶምን ጉዳዮም ዝተኸታተሉ ነበርቲ ሚላኖን ዘይሓዘነን ዘይሰንበደን የለን። እዚ ኹሉ ወሪዱ እናሃለወ ግን፡ ማርያም ሚላኖ ከምታ ጽንዓታ ምስኩሎም ኣመንታ ኣብ ቦታአ ኣላ።

30/11/11 ዓም ኣቡነ ደስቆርዮስን ጉጅልኦምን ኣብ ሚላኖ፡ ብቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ዝተጸዉዔ ንአመንቲ ኦርቶዶክ ዝምልከት ዝምልከት ኣኼባ ተኻይዱ። ኣኼበኛ ካብቶም ኣቦና ኣቡነ ዴስቆርዮስ ዕርቅን ሰላምን፡ ኣባታዊ ሃይማኖታዊን ማዕዳ እናተጸበየ ከሎ ግን፡ ኣኼባኦም ንትሑት ደረጃ ብቕዓቶምን ዘግህድ፡ ዘሕፍር ሃለዉለዉን፡ ከም ናይ ፖለቲከኛታት ብምጉብባዕ ዝተሰነየ፡ ንህዝቢ ብሃይማኖቱ ዝፈላሊ ምርዛም ተልእኾ ዝነበሮ እዩ። ንሶም ኣብቲ ኣኼባ ሐዲሽ ቤት ክርስትያን ሓዲሽ ቀሺ፡ ሓደስቲ ድያቆናት፡ ብሓደስቲ ሽማግለ ኣዳሊና ኣለኖሞ ኩሉ ኣማኒ ህዝቢ ኣብዚ ቤትክርስትያን ኽዓስል ኣለዎ ክብሉ ተላበዉ።  እዚ ድማ ንህዝቢ ሚላኖ ሓዲሽ ማሕንቖን ሓደስቲ ዓፈንትን ኣዳሊናልካ ኣለና እሞ ባዕልኻ መጺእካ ግዛእ ሂወትካ ሃይማኖትካን ኣርሕቕ ዘስምዕ ነበረ። መራሕቲ ሃይማኖትን ኣማሓደርቲ ሃይማኖታዊ ትካልትን መንግስቲ ኢጣልያ ንመንነትን ሽፍትነትን ህግደፍ ኣጸበኢቖም ስለዝተረድእዎ ዝገበሩ እንተገበሩ በጀካቲ እቲ ኣቐዲሙ ዝተዋሃበ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝርከብ ቤት ክርስትያን ዝኾነ ብህግደፍ ዝምእከል ቤት ክርስትያን ከይዋሃብ ብጹኑዕ  ከልኪሎም ይርከቡ።  ካብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ናይ ቀረባ ኣባላቶም  ከምዝሓበርዎ ንአቡነ ደስቆርዮስ ጳጳስ ኣርቶዶክሳዊት ቤት ክርስትያን ኤርትራ ምስ ናይ ሚላኖ ካርዲናል cardinal scola ርክብ ክገብሩ፡  ናብ ቤት ጽሕፈት ካርድናል ቆጸራ ክሕዙ  ከምዝተደወለ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ቤት ጽሕፈት ዝሃቦም መልሲ ግን፡ ዝኾነ ርክብ ምስ  ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ከምዘየፍቅዱ እዩ። ኣዚ ድማ እቶም ወግዓዊ ጳጳስ ናይ ኦርቶደክሳዊት ቤተክርስትያን ንኣቡነ ኣንጠንዮስ ስለ ዝፈልጡ  ኣቦና’ዉን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ንዓመታት ተዳጊኖም ህላዊኦም ዘይተፈልጠ ብምኻኑ፡ እዞም ሕዲሽ ዝተቐብኡ ኣቡነ ደስቆርዮስ  ከም ኩሎም ጀነራላትን መኮንናት ህግደፍ ብስርዓት ኢሰያስ ዝተቐብኡ ሰለ ዝኾኑ ብናይ ቫቲካን ምምሕዳር ድማ ዉጉዛት እዮም ዝብል እዩ። ካብዚ ዓቕሊጽበታዊ ተርባጽ ዝተበገሰ እዩ እምኣር ንሐደ ጋራጅ ዝነበረ ገዛ ተኻርዮም ከምቲ ብዘይንቡር ናይ ይምሰል ጳጳስ ባዕሎም ዝቐብኡ፡ ሕጂ ድማ ነዚ ተራ ገዛ ለቕሊቖም ብብዓይነቱ ዘንጸባርቕ ስእልታት መላእኽትን ሃዋርያትን፡ ብዓይነቱ ሕብርታት ዘምልከዔ ምንጻፋትን ኣልባሳትን ሸላሊሞም፡ ህዝቢ ብምድንጋር ናይ ይምሰል ቤተክርስትያን ደኵኖም ዘለዉ። ኣብቲ ባዕሎም ዝቐብኡዎ፡ ሓድሽ ቤት ክርስትያን ኢሎም ዘጠመቑዎ ገዛ፡ እቲ ታቦት ከይተረፈ ኡይ እናበለ ብ20/12/2011  ኣብ ዘይ ቦትኡ ኣቐሚጦሞ ይርከቡ። መርያም ሚላኖ ግን ቦትኣ ኣላ።

እዚ ሕጂ ከም ዓቢ ዉራይ ሸበድበድ ዝባሃለሉ ዘሎ ጉዳይ ቤት ክርስትያን  ዉርደትን ህዝብን ወርደት ሃይማኖትናን ዝዓለመ  እዩ። ሕሉፍ ሓሊፎም፡

1 ኣብዚ ቤት ክርስትያን እዚ ዘይተሳለመ ጻድቕ ኣይኮነን፡

2  ኣብዚ ቤት ክርስትያን እዚ ዘይተጠመቐ ጡሙቕ ኣይኮነን፡

3  ኣብዚ ቤት ክርስትያን እዚ ዘይመርዓወ ምርዕዉ ኣይኮነን፡

4 ኣብዚ ቤት ክርስትያን እዚ ዘይቆረበ ቆራቢ ኣይኮነን፡

5  ኣብዚ ቤት ክርስትያን እዚ ዘይተፈትሔ ምዉት፡ ፍታሕ ኣይኮነን፡

6 ኣብዚ ቤት ክርስትያን እዚ ሞባእ  ዘይከፈለ ዝተባረኸ ኣይኮነን

ዝብሉ ክትሰምዖም ዘሕንኹ ብሂላት ኣዋዲዶም ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፎም፡ ናብ ካልእ ቤት ክርስትያን ዝኸደ ወይ ዝተሳለመ ክርስትያን ኣይኮነን ካብ ምባል፡ ክሳብ ኤርትራዊ መንነት ‘ውን የብሉን ናብ ምባል በጺሖም። በዚ እኩይ ዝኾነ ዘይቅዱስ ዕላማ ንሓደ ንዓመታት ሓድነትን ሕዉነትን ዝዓቀበ ህዝቢ ፋሕ ፋሕ ንምባል ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስ ነዉራም ህግደፋዊ ዉራይ ስለ ዝኮነ ኸኣ ብኣግኡ ብተባዕ ህዝባዊ ቅልጽም ክርጋሕ ዘለዎ እኩይ ዕማም እዩ፡፡ ማርያም ሚላኖ ከም ጽንዓታ ኣብ ቦትአ ኣላ።

ናይዚ ሰባብ ዕላማ”ዚ እቲ ዘሕዝን ዘደንጹን መዳዩ እቶም ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልጉሎት ኢ-ስብአዊ መግዛእቲ ህግደፍ መሪርዎም እግሮም ናብ ዘምርሖም ዑቑባን ድንጋጼን ማሕበረ ስብ ዓለም ኽረኽቡ ብሊብያ ዝመጽኡገለ ካህናትን ድያቆናትን ኢና ባህልቲ ኣብ ፖለቲካዊ ህግደፍ ምቍምጣዖም እዩ። በቲ  መፈጠርካ ዘጽልእ ኣጻምእ ምድረ በዳ ሳሃራ ሰጊሮም፡ ቀባሪ ዘይብሎም ቀልብ ኣምራ ዝኾኑ ኣሕዋቶም ኣሓቶም ገዲፎም፡ ሕሱም ስደት ኣብ ሊቢያ ኣሕሊፎም፡ ፡ኣብ ማእከላይ ባሕሪ መዲተራንያን ብእሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት፡ ህጻናትን፡ ነብሰ ጾራት ኣሓትና ቀልብ ዓሳ ኮይኖም፡ ብሰንኪ ምረት እዚ ስርዓት ዘውረድ ሕሰም ፡ ኣብ ምድረ በዳ ሲናይ ኣብ ኢድ በደዊን ወድቆም፡ ኣካላቶ ከም ስጋ ጉዚ ተመንዚዑ ከም መቀያያሪ ክልወጥ፡ ኣሕዋትና ብበድዊን ብሓይሊ ኽዕመጻን፡  ኣካላተን ብሓዊ  ክነድድ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ ምድረ ሰማይ ከም ዕንቂ ዝጸበበሉ፡ ናይ ርድኡና ኣዉያት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ እናተቓለሐ ነዚ ጸማም እዝኒ ክህቡዎ ምፍታኖም ሕልናኦም ሸይጦም ከምዘለዉ ዝምስክር ሓጥያት እዩ። እቲ ንዓለም ዘስካሕከሐ መፍትሒኡ ጨኒቑ ዘሎ ጉዳይ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ትማሊ ትማሊ ብሊብያ ሰለ ዝመጽኡ ብኽድዓት ሃገር ተኸሲሶም ከይቅድሱ ከይዉዱሱ ተአጊዶም ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዝሞተ ሬሳ መስደዲ ኣብ ቤተክርስትያን ይኹን ኣብ ማሕበረ ስብ ገንዘብ ከይዋጻእ፡ ሓዘን ከይግበር፡ ኣብ ሰብ ከይሕወሱ ክንጸሉ ቀጻሊ ጎስጓስ ተኻይሎም ከብቅዕ፡  ሕጂ ግን ዋና መጋበርያታት ብምዃን ነቲ ህዝቢ ሚላኖ ብተባዕ ቃልሱ ዝዓቆቦ እንዳ ማርያም ምስ ህግደፍ ተወዲቦም ፋሕ ፋሕ ከብልዎ ከዕገርግሩ ክትርኢ ከለኻ፡ * ዓለም ግርምቢጥ! ኣየ’ወ ግርምጥ* ብምባል ይድንጽወካ። ዋላዉን ሕጂ ብቅምን ቅርሕንትን ተባዒጦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሚላኖ ኣመንቲ ተዋህዶ ኪቢድ ዕንወት ከዉርዱ ቅድመ ግንባር ተሰሪዖም እንተለዉ ማርያም ሚላኖ ግን ታአምር ከተርእየና ጀሚራ ኣላ።

እንዳ ማርያም ብዘይብአና ትንፋስ የብላን ክትመዉት እያ ብምባል ንአስታት ሰለስተ ዓመት ተንጺሎም ዝነበረኡ ድያቆናት ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ድማ እንዳ ማርያም ንዓበይቲ ዕንቅፋትን ተጻብኦታትን እናሰገረት ህላዊኣን ቀጻልነታን እናተኾልዔ ብምኻዱ ዓይኖም ባህ ዘይበሎም ድያቆናት ምስ  ህግደፍ (ቆንስል ርእሶም) ሓያልን ዝተራቐቐ ተንኮላት ሰኒቖም ንህዝቢን ቤት ክርስትያን ቅድስቲ ማርያም ፋሕ ፋሕ ከብልዋ ተዓጠቑ። እቲ መበገሲ ዝኾነ ኩሉ ዉዲታት ህግደፍ ምስ ፈሸሎም፡ ነዞም ድያቆናትን ገለ መዘምራን ብምዉፋር ምስ እንዳ ማርያም ክንዕረቕ ንደሊ ኣለና በሉ ወይ በላ ኣንዳበሉ ገዛ ገዛ እናኸዱን ኣብ መንገዲ ንዝረኸብዎ ሰብ ወይ ጽልዋ ኣለዎም ንዝበልዎ ከፈርሙ ጸኒሖም እዮም። ነቲ ኣብ ውሽጢ እንዳ ማርያም ኣብ መንጎ ካህናት ዝተራአየ መሰረታዊ ዘይኮነ ግርጭት ንምምዝማዝ፡ ነዚ ነቓዕ”ዚ ተበሊጾም ንአመንቲ ነንሕድዶም ከባልዕዎ ተጓየዩ። እቲ ዘገርም፡ ንባዕሎም ዓመታት ሪሒቖም ዝነበሩ ምስ ህዝብን ቤት ክርስትያን ዘይተዓረቑ ወይ ‘ውን ይቕረታ ዘይሐተቱ፡ ንካህናት እንዳ ማርያም ክንዓርቀኩም ብዝብል ጎባጥ ውዲት ነቒሎም፡ ጸግዒ ናይቲ ዝፈሸለ ውዲት ህግደፍ ኮይኖም ንህዝቢን ቤት ክርስትያንን ኣብ ረብሓን ድሌት ህግደፍ ንኽወድቕ ዝካእሎም ገይሮም።

ብ 05/09/2011 ኣብ ውሽጢ ቤት ክርስትያን እንዳ ማርያም ኣብ ጸሎትን ምህለላን ከለዉ  ዕግርግር  ምግባሮም  ንመእመናን   ዘሰንበድ  ብምንባሩ ነዚ ዝተረድኡ ሽማግለታት  ፖሊስ  ናይ  ዞና  ብምጽዋዕ፡   ንድያቆን ዑቕባዝጊን ሰዓብቱን ካብ ቤት መቕደስ ብሓይሊ ብምዉጻእ  ደኩመንት ወሲዶም ዘድሊ  መርመራ ብምግባር  ንዕለት  07/09/1 1  ኣብ  መደበር  ፓሊስ  ክቕርቡ  ቆጸራ ወሲዶም። ኣብ መዓልቲ ቆጸራ ሽማግለ ቤት ክርስትያን እንዳማርያምን ልኡኻት  ህ ግደፍ  ዲያቆናት  ምስ  ሓንቲ  ኣብ ሚላኖ  እትነብር  ከም ኣስተርጋሚትን  ኣጫፋሪት ናይቲ ስርዓት ኮይና ኣብ   ቅድሚ ሓላፊ  ኮስቱራ (መደበር ፖሊስ)  ብምቕራብ  እቲ  ሽግር  እንታዩ  ተባሂሎም  ምስ  ተሓተቱ።  ። እተን ብህግድፍ ዝተዋሃብኦም  ህዝቢ ፋሕ ፋሕ  ከብላ ይኽእላየን ዝበሉወን ጉዳያት ካብ ምድጋም ሓሊፎም ንፖሊስ  ከረድእሉ ዝኽእሉ ትርጉም ዘለዎ ቃል  ስለ ዘይሃቡ  ብርትዕ መጠንቀቕታ ሂቡ  እቲ  ሓላፊ  ኮስቱራ (መደበር ፖሊስ)  ቁዋም  ናይቲ  ማሕበር  ካብ  ጠርጰዚኡ  ኣዉጺኡ  ኩሉ  ዝበለዎ ክስታት  ሓሶት  ምዃኑ  ብምግላጽ፡  መንግስቲ  ጥልያን  ብፍላይ  ድማ  ሚኒስትር  ዉሽጣዊ   ጉዳያት  ኢጣልያ  ብዘቕረብዎ  ሕቶ መሰረት፡  እዛ  ማሕበር  ምድረ  ገነት  ኦርተዶክስ  ቤት  ክርስትያን  ሚላኖ ዝተባሃለ  ብሕጊ ዝቖመ፡  ኩሉ ሕጋዊ ቅጥዕታት መንግስቲ ጥልያን  ዘማልኤት ማሕበር እያ። ብሕጊ ዝተፈለጡ 10  ሕጋዉያን ወከልቲ  ከምዘለዎም  ምስ  ገሊጽሎም ሕፍረት ተጎልቢቦም ወጺኦም።

ፖሊስ ሕጋዉነት ናይቲ ማሕበር ብምርግጋጽን  ብሰላም ክሳለሙን  ክቕድሱ ዝኽልኩሎም ከምዘየለ  ኣረጋገጸሎም። ብድሕሪ’ዚ ዝኾነ ምዕግርጋር ምስ ዝገብሩ ተሓተቲ ከም ዝኾኑ ዓቢ መጠንቀቕታ  ተዋሃቦም። ቀጺሎም ከኣ፡ እቲ ንነዊሕ ግዜ ንህዝቢ ብኣዉራጃን ሃይማኖትን ምብትታን ዝብል ሰባብ ዉዲት ህግደፍ ኣንጻር ኣመንትን ሽማግለን ንምቕጻል ዝካአሎም ገበሩ፡ እዚ

1 እንዳ ማርያም ብዓሰረተ ሰብ እዩ ዝዉነን፡

2 እዚ ቤት ክርስትያን ምስ ኤርትራ ርክብ ሰለ ዘይብሉ ኤርትራዊ ቤት ክርስትያን ኣይኮነን፡

3 ብሕጊ ቤት ክርስትያን ዘይቆረበን ዘይሰገደን ሽማግለ ኽከዉን ኣይግባእን እዩ።

4 ምርጫ ናይ ቤት ክርስትያን ክግበር ኣለዎ፡ እዚ ሽማግለ ክእለ ኣለዎ፡

5 ሽማግለ ቤት ክርስትያን ገንዘብ ካብ ሓገዝ ዝተረኸባ አጠፋፊኦም ዝብል ዝኣረገ ጠቐነ ህግደፍ ወዘተ፡

  እዝን ወዲ ኸምዝን፡  ንህዝቢ ፋሕ ፋሕ ከብላ ይኽእላ እየን ተባሂለን ተራቖቖም ዘዉጽእውን መደናገርቲ ሕቶታትት ተጠቒሞም  ዝካአሎም ኳ እንተገበሩ፡ በጀካ ስኣን ኣፍልጦ ዝተደናገሩን ገለ ኣብ ዉሽጢ መእመናን ተሸጊጦም ዝነብሩን ዝነብራን ልኡኻት ህግደፍ ክልእ መኽሰብ አይተረኸበን፡፡ ኮይኑ ግን ድሕሪዚ   ህግደፍ   ምስ  ጉጅልኡ ብኩሉ ምስ ጠፈሸ ብ ተበትብ  ሓደ ጋራጅ ዝነበረ ተራ ገዛ   ተኻርዩም  ከቢዲ ወጻኢታት ብምግባር  ብ20/12/2011  ዕለተ ምምራቕ  ቤት ክርስትያን ህግደፍ ኮይኑ፡ እቲ ካብ ኣስመራ ክመጻእ ዝተባሃለ ቀሺ ንኢጣልያ ከእትዎ ዝኽእል ናይ ደኩመንት ቅጥዒ ክማላእ ብዘይምኽአሉ ፡ ኣዉራ ካብ ሓደ ሕጋዊ ዝኾነ ቤት ክርስትያን ሓላፍነት ዘለዎ ካህን መጸዋዕታ ከይገበረሉ ንኢጣልያ ኽእእቱ ሰለ ዘይፍቀደሉ፡ ክሳብ ሕጂ መእተዊ ቪሳ ኣይረኸበን። እቲ ብኢንኪሒራነት ተአንጎት ተሸብሸብ ዝተባሃለ ዉራይ ህግደፍ ፥ድማ መርዓዊ ከይሓዛ ዓርኪ ሓዛ ኮ”ነ”። በዚ ከኣ ነቲ ታቦት ናብዚ ሓዲሽ ቤት ክርስትያን ህግደፍ መን የእትዎ መን ይቐድስ ወዘተ ዝብል ሕቶ ኣብ መንጎ ካህናትን ሓለፍቲ ህግደፍን ዓቢ ሕቶ ኮነ። ቆንስል ኣቶ ርእሶም ገብረገርጊሽ ጉጅልኡን(ኣገልገልቱ) በቶም ካብ እንዳ ምርያም ዝሰለሉ ድያቆናት ተዓጅቡ ኽአቱን፡ ቅዳሴ’ዉን ብኦም ክካየድ ኣለዎ ክብሉ ከለዉ።፡ ኣቡነ ዴስቆርዮስን ቀሺ ሃብቶምን ጉጅልኦም ድማ ታቦት ብቀሺ ኤፍረምን ቀሺ በየነን ተዓጂቡ እዩ ዝአቱ ፡ብምባል ተሪር መርገጺ ስለ ዝወሰዱ፡፡ ክምቲ ድልየቶም ኮይኑ በዞም ነባራት ካህናት ክምራሕ ተገይሩ። በዚን ካልእን ድማ ኣብ መንጎ ቆንስል ርእሶምን ቀሺ ሃብቶምን ዲዕ ዝበለ ቆይቂ ምንህሃር ዝተሓወሶ ተላዓለ፡  በዚ ዘንጸርጸረ ቆንስል ከም ድላዩ ሰለ ዘይገበረ “ ብሰንኩኹም እዩ እዚ ኩሉ ሽግር ዝመጽእ ዘሎ” ኢሉ ኣእዳዉ ሰንዲይሎም ተመርቐፈ!!!  

ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ`ውን ታቦት ይኹን ቅዳሴ በቶም ነባራት ካህናት ብምእታዉ ሕጉስ ከምዘይነበረ ብዙሕ ከምዘማረረን ተፈሊጡ። በዚ እምብኣርዮም “ ማርያም ሚላኖ ታኣምር ከተርእየና ጀሚራ “ ዝበል መንፈስ ኣብ ኣመንቲ ዝነገሰ። ኣዞም ትማሊ ትማሊ “ ሽማግለ ቤት ክርስትያን  ዝቖረበን ዝሰገደን”  ኽከዉን ኣለዎ እናተባሃለ ክምጎት ከምዘይጸንሐ፡ እዞም ሕጂ ሽማግለ  ተባሂሎም ዘለዉ ዓቐይቶት ህግደፍ ሃይማኖትን ፖለቲካን ክሓናኹሩ ጥራይ ዘይኮነ ጸለሎ ከምስልዎ ተታሒዞሞ ኣለዉ። እቲ ዘገርም ግን ብርቱዕ ናይ ምሕንካር ክእለት ስለ ዘለዎ ጥራይ ናይ ከንሻ ዝሃይማኖቱ ግርማይ ሃብተሚካኤል ወላሞ ኣባል ኮሚቴ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ህግደፍ ምኻኑ ዘሕዝን እዩ። ብሓቂ “እዝግዮ ” ዘብል እዩ እቲ እዋን።  አብዚ ቤት ክርስትያን ህግደፍ ዝተመረጹ ሽማግለታት ኣብ ሓዘንን ብዓላትን ህዝቢ ዝፈላለዩን ዝሰጉን፡ ሓድነቱ ዝብታተኑን፡  ኣርሒቖም ዘይጥሙቱ፡ ጽልእን ቅርሕንትን ዝቐርዓኑ፡ ናይ ባራት ወራዙ ዝኾኑ መሳንፍቲ ሚላኖ ሕጂ”ዉን ከም ትማሊ ህዝቢ ክበታትኑ፡ክፈላልዩ ዕድሚኦም ከሕልፉ እዮም። ቁርባንን ስግዳንሲ ይትረፍ፡ ጥቃ ቤት ክርስትያን ቀሪቦም ዘይፈልጡ ጉጅለ ህግደፍ። ገለ ኮሚቴ ገለ ድማ ሽማግለ ገለ ትሓዝ ገንዘብ ቤት ክርስትያን ኮይኖም ተመሪጸም ዘለዉ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡

1 ግርማይ ሃብተሚካኤል ወላሞ               2 ተስፋአለም ተኽለ ( ኮሞ)

3 ያቆብ ሃይለ                              4) የማነ ቺና

5) ካሕሳይ ብርሃነ                           6) ፊሊጶስ ገብረመስቀል ካልኦትን ወዘተ

3 .  እብ  መወዳእታ  2010 ዓም  ኣዴና ወ/ሮ ኣረጋሽ  ሃይለሚካኤል   ብሕማም  ንኽንያት  ካብዛ   ዓለም  ብሞት  ተፈልየን  ከምቲ ንብር  ሓዘን  ኣብ  ማሕበረ  ስብ   ሚላኖ  ክግበር  ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ስድራ ቤት መዋቲት ነቲ ኣዳራሽ ማሕበረ ስብ ንክልተ መዓልቲ  ብ200,00  ኤዉሮ   ከፊሉሎም  ብጻሕቶም  ይቕበሉ። ህዝቢ ሚላኖ ኣብ ግዜ ሓዘን ንሬሳ መስደዲ ብብዓቕሙ ወስ ዝብልን ኣዝዩ ደንጋጺን ሓጋዚን እዩ።  ከምኩሉ   ሐዘንተኛ፡  ኣቦና  ቀሺ  ታደሰ  ከም መራሕ  ሃይማኖት፡  ብፍላይ  ድማ  ኣበ  ነብሲ   መዋቲት ስድራ ቤት  ሰለዝኾኑ፡  ኣብቲ  ናይ  ሓዘን  ቦታ  ኮይኖም ጸሎት  ክገብሩን ከጻናንዑን ናይ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት ግብእን ሓላፍነትን ስለዝኾነ፡  ኣብቲ ናይ ሓዘን ኣዳራሽ  ተረኺቦም።   ኣቦና ቀሺ ታደስ  ጸሎት ከይግብሩ ንሓዘንተኛታት ቃል ኣምላኽ  ከየስምዑ፡ ቆንስል  ዕሱባቱ  ብምስዳድ   መዋቲት  ሓመድ  ኣዳም  ከይለበሳ፡ ስድራ ቤትን ፈተውተን ኣብ መሪር ሓዘን ከለዉ፡ ሓዘን ብዉዕዩ፡  ካብቲ  ናይ  ሓዘን  ኣዳራሽ  ኪወጽኡ ተሪር ትእዛዝ ሂቡ።  እምቢ  ኣይወጽእን  እንተበሉ ዘየድሊ ዕግርግር ስለ ዝፈጠር፡ ስድራ ቤት መዋቲት ኣብ ከቢድ ሓዘን ከለዉ ሕልንኦም ብምዕባይ  በቶም በጀካ  እሺ፡ እምቢ የክፍአልና እዩ  ዘይፈልጡ  ዑሱባት ህግደፍ፡  ከም ውልቀ ሰባት ብዕድመ ‘ዉን  ዝደፍኡ፡  ልዕሊ ፍርቂ ዕድሚኦም ኣብ ሚላኖ ዝነብሩ፡ ባህሊ ሕብረተ- ስብና ዝፈልጡ  ተገዲዶ  ወጺኦም።  እዚ ድማ መርአያ ምዕቀት ናይ መዋቲትን ሓዘንተኛ ስድራቤትን እዩ። ኣብቲ ምስጓግ ዝነበሩ ተስፋይ ረባሕ፡ ጽሃየ ትኩእ፡ ኤርሚስ ግደን ካልኦት ህግደፍ ናይሮም እዮም።  ማሕበረ ስብ ሚላኖ ናይ ዉሕዳት ጉጅለ ንብረት እዩ፡  ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ሓዉና ጠዓመ ጃንቦ ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዩ። ጃምቦ ካብቶም ቀዳምት ተሰዲዲም ንሚላኖ ዝአተዉ ነይሩ። ምስ ህዝቢ ሚላኖ ምስ ኩሎም መዘንኡ ኣብ ሐዘንን ሓጎስን ዘይፈለ ከምዝነበረ ብዙሓት ይዛረብሉ እዮም። ሞት ንኩሉ ዘይተርፍ ኮይኑ ሓዘን ኣብ ማሕበረ ሰብ ክግበር ስድራ ቤት ሓቲቶም ነይሮም  እዮም፡ ሽማግለ ማሕበረ ሰብ ዕባራ ምኽንያት ፈጢሮም ካብ ቁዋም ማሕብረ ሰብ  ወጺኦም በቲ ድሑር ስሚዒታት ተበጊሶም ስባት ኣብ ምዉጋን ምንጻልን ዝነጥፉ ሕጂ ግን ኣብ ሓዘን ሌላን ጉሌላን  ፈጢሮም ሓዘን ከይግበር ሓንጊዶም። ጃምቦ ብኤርትራዉነቱ ዝሕበን ሃገራዊ ነይሩ። ብሳላ ፈተዉቱ ሰብ ሕልና ጉዱሳት ዉልቀ ሳባት ምስጋና ዝግብኦም ላዕልን ታሕትን ብምባል መሕዘኒ ቦታ ረኺቦም፡። ኩሎም  ነበርቲ ሚላኖ ብስነ ስርዓት ክብሪን ቀቢሮም። ካብዚ ማሕበረ ሰብ ናይ ዉልቀ ሰባት ኮይኑ ቆንስል ይስጉግ ፡ሽማግለ ይሰጉግ፡ ንሓዘን ፈታዊን ጸላኢ ወጺእዎ ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ህግደፍ ሚላኖ ኣብ ሓዘን ኣንጻር መንግስቲ ዝኾኑ ተቓወምቲ ከይሳተፍ ብትሒም ትሒም ይስማዕ ነይሩ እዩ ሕጂ ግን ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። ካብ ህግደፍ ማና ዝጽበ ኤርትራዊ የለን። ማርያም ሚላኖ ግን ኣብ ቦትኣ ኣላ።

 

ኣብ  07/10/2011  ሓፍትና  ኣዜብ  ወርቀ  ሃንደበታዊ  ምት  ምስ  ተሰምዔ  ዘይሓዘነ  ዘይሰንበደ ሰብ  የለን። ሓዘን  ናብ  ማሕብረ  ስብ  ሰለ  ዝተገበረ  ስድራ  ቤት  መዋቲት  ንምጽንናዕ  ብብዘለዎ  ናብቲ  ናይ  ሓዘን  ቦታ  ውሒዙ።  ኣብዚ  ወይጦታት  ህግደፍ  ህዝቢ  ኣብ  መሪር  ሓዘን  ከሎ  ኣብ  ኣፍደገ  ናይቲ  ኣዳራሽ   ዋርድያ  ተሰሪዕም  ሕብሪ ዓይኑ  ባህ  ዘይበሎምን፡  ተቓዋሚ  ንዝበልዎም  ሓርበኛታት  ከይሓፈሩ  ኣብቲ  ሓዘን   ከይሳተፉ  ከልከልትን  ሰጎግትን  ዝነበሩ  ወይጦታት ጎይትኦም ዮውሃንስን ተስፋእለም ተኽለ (ተስፋኣለም ኮሞ) እዮም። እቲ ዝገርም ግን  ከይሓፈሩ   ሞት  ናይ  ሓፍታን ኣዜብ ወርቀ  ከይዓጀቦም   ስድራ ቤታን ፈተውታን  ኣብ  መሪር  ሓዘን  ኮለዉ፡  ሐምድ  ኣድም  ከይለበሰት፡  ንቡር ሓዘን ከይተጀመረ፡  ንሓዘን ከም ፖለቲካዊ  መሸቀጢ፡    ደጋፊን  ተቓዋሚን  መፈላለይ   ኮይኑ  ንስኻ እቶ ንስኻ ኣይትእቶ እናበሉ  ክፈላልዩ  ምፍታኖም ንሰማዒ ዘስደምም እዩ።  ኣብ  ምንታይ   ዲና  ባጺሕና!, ዓገብ  ዝብል  ለባም  ድዩ ተሳኢኑ፡ እዚ ኣብ ባህልና ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን እዩ። ንሶም ነበርቲ ኣይኮኑን፡ ሓዘን ሓዘን እዩ፡ መሸቐጢን መፈላለይን ግን ፍጹም ኣይኮውንን እዩ፡ ኮይኑ ‘ውን ኣይፈልጥን። እዞም ዕሱባት ህግደፍ ከምቲ ሓንቲ ኣደ ዝበለቶ” ለባማት ወራዙ ዓበይቲ ሰባት ይመስሉኒ  ነይሮም። ግን ኽሳብ ክንደይዮም ሕልንኦም የዕሪቦም ኣብ ሓዘን ከምዘለዉ ረሲዕም ሰባት ክሰጉ፡  ሓዘን ናይ ሓፍትና አዜብ ወርቀ እዩ። ኣርኪቦምሉ!!፡ ምዓስ ሓፍቶም ኮይና እንታይ ገደሶም” ብምባል ኣስተንቲና። እዚ ድማ ባህሪ ናይ ዑሱባት፡ መግለጺ እንታይነቶም እዩ። ኮይኑ ግን ንመዋቲት መንግስተ ሰማይ ንስድራ ቤት ድማ ጽንዓት ይሃቦም። ማርያም ሚላኖ ኣብ ቦትአ ኣላ።

እዚ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ብዓላት ናጽነት ጎይትኦም የዉሃንስን ተስፋአለም ኮምን ንሓደ ንጹህ ዜጋ መምህር ካብ ስድራ ቤቱ ፈልዮም ዝገበሩዎ መስጎግቲ እዩ። ኣብ 2011 ብዓል ናጽነት ንብርሃነ ፋንፉ ዝተባህለ ብወላም ካብ ስድራ ቤት ፈልዩ ክምዝወጽእ ገይሩ። ብርሃነ ንጹህ ሃገራዊ እዩ። ወላም ይኹን ደቂ መዛምርቱ ልዕሊኡ ኣየበርከቱን፡ በጀካ ዕሱባት ምዃኖም። ነዚ ኣብ ሓዘንን ቤት ክርስትያን ምስጓግ ነቲ ብህዝቢ ዝወርዶም ዘሎ ኩኔኔ ብዓል ግርማይ ሃብተሚካኤል (ወላሞ)  ተስፋአለም ተኽለ (ኮሞ) ጎይትኦም የዉሃንስ ብቖንስል ኣቶ ርእስም ገ/ገርጊሽ ተኣዚዝና እናበሉ ካብቲ ገበን ክሃድሙ፡ ተአዚዞም ከም ዝገበርዎ ከረድኡ ሒዅ ኳ እንተበሉ፡ ህዝቢ ሚላኖ ዓሻ እይኮነን፡ ታኣማነቶም ከረጋግጹ ካብኡ ንላዕሊ ነዚ እከይ ተግባርዚ ከም ዝደፍኡሉ ዝጠፍኦ የለን፡፡ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ታሐተቲ ባዕሎም እዮም፡፡ ማርያም ኩላትና እያ፡ ህግደፍ ግን ኣጻሊኦምና፡ ማርያም ኣብ ቦትአ ኣላ።

4. ኣብቲ ብ30/11/2011 ዝተኻየደ አኼባ ንኩሎም ኣመንቲ ኦርተዶክ ኮይኑ ኩሉ ክሳተፍ ዝዕድም እንተነበረ፡ ብድሮ ኣብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ተአኪቦም ሰባት መዚዞም ንኩሉ ባህ ዘይበሎ መንእሰያት ኣደታት ሰዓብቲ ቤት ክርስትያን እንዳ ማርያም ክሰጉ ኣብ ኣፍደገ ኣዳራሽ ኣብ ተጠንቀቅ ነይሮም።    ሓደ ካብ ካብቶም ኣዋፈርቲ ናይ ምስጓግ ዑሱብ  ህግድፍ  ግርማይ ሃብተሚካኤል  (ወላም) ኮይኑ ብእምነቱ ከንሻ ኣዚ አኼባ ኽሳተፍ ዘይምልከቶ እዩ፡፡  ተልእኾኡ ንምትግባር ንኣዴታት ዝርከቦም  ክሳብ 20 አመንቲ ኦርተዶክስ ቤት ክርስትያን ገለ ኣብ ኣፍደገ ገለ ድማ ካብ ዉሽጢ ኣዳራሽ ብሃሱሳት  ተስፋአለም ተኽለ ኮም፡ ተስፋአልም በይን፡  ጎይትኦም የውሃንስን ተባሪሮም። ካብትን ኣብ ዉሽጢ ዝነበረ ሓንቲ ኣደ፡ ጎይትኦም ዮዉሃንስ ፈልዩ ከዉጽአ ምስደለየ ኣይትወጽእን እያ ኢለን ኣደታት ስለ ዝመካታ ነቲ ኩንታት ዘስጎኦ ቆንስል ክግድፉዋ ብምእዛዝ፡ ብድዔ ዝተሓወሶ ሱቕ በሉ እንተዘየለ ብኳሌታኡ ተወጢጡ ክወጽእ ኢሉ ኣጕባዕቢዑ። ድሕሪ’ዚ ነድሪ ህዝቢ ከም እሳተጎመራ ክትኮስ  ምስ ደለየ ብሃታሃት ኣገባቡ ዝሰሓተ መልኽዕ  ብዘይ ርእይቶን ሕቶን ብቅጽበት ኣኼባና ወዲእና ኣለና ሓፍ በሉ ብምባል ካብ ወንበሮም ሃዲሞም ብዘይ ኑቡር ኣገባብ ተዓጽወ።

ህዝቢ ገሪምዎ ኣብ ሚላኖ ከምዚ ዓይነት ኣኼባ ተኻይዱን ኣይፈልጥን ብምባል እናጎረምረምን ነንሕድሕዱ ኣናተጣማመተ ብጸጥ ዝበለ መልኽዕ ካብ ኣዳራሽ ክወጽእ ከሎ ብየማነ ጸጋሙ ብፖሊስ ተኸቢቡ ጥራይ ከይአክል እቶም ንምእታዉ ዝተኸልከሉ መንእሰያትን፡ ኣይናትናን ዝበለዉን ኣደታት ፡ ተጋደልቲ፡ ኣቦታትን ክአ ኣብ ፊት ኣዳራሽ ደዉ ኢሎም ብምንባሮም ህዝቢ ነቲ ምግራም ምግራም ወሲኹሉ፡ ህግደፍ ኣበየናይ ጫፍ ናይ ወድቀትን ጭንቀትን ተደቕዲቖም ምህላዎም ነጋሪ ዘድልዮ ሚስጢር ኣይነበረን። እቶም ንሓድነት ህዝቢ ሚላኖ ንምብትታን ተዓጢቖም ዘለዉ ዑሱባት ብቕድመ ግንባር ዝስርዑ መሳፍንቲ ሚላኖ ተሓባበርቶምን፡

1) ግርማይ ሃብተሚካኤል ወላሞ

2)  ጎይትኦም የዉሃንስ

3)  ተስፋኣለም ተክለ ኮሞ

4) የማነ ቺና

5)  ያቆብ ሃይለ

6) ተስፋአለም በይን ወርቂ ስኑ

6) ትኩእ ገብረታትዮስ  ናይ መንነት ቁልዉላው ዘለዎ እዮም።

 

እዚኣቶምን ካልኦት ዑሱባትን ኣብ ርእሲ ካድር ናይ ህግደፍ ምኳን ሕጂ ድማ ኮሚቴን ሽማግለን ቤት ክርስትያን ኮይኖም፡ ድርብ ዕማም ተሰኪሞም  ካብቲ ብፍርሒ፡ ከይብሉኒ እናበለ ናብ ቤት ክርስትያን ዝኸይድ እማኒ ብጉልባብ  መብጽዓን  ሞባእን ፡ ከምኡዉን መተዓራረይ ቤት ክርስትያን (ጋራጅ) ካብ 8,000 ክሳብ 10.000 ኤዉሮ ከይፈተወ ካብ ኣፍ ደቁ ተመንዚዑ ዝተእከበ ገንዘብ ተስፋአለም ኮሞ  ተሰኪምዎ ከምዝኸደ ይፍለጥ። ክንዲ ዝኾነ ድማ ንኹሉ ሰብ ተለፎን እናደወሉ ናብዚ ኤርትራዊ ዝኾነ ቤትክርስትያን’ዚ ክትመጹ ኣለኩም እናበሉ  ክጉስጎስን ከፈራሩሑ ዝዉዓሉን ዝሓደሩን ዘለዉ። እዚ ድማ ብቐንዱ ናብቲ ንዓዲ ዝመላለስ ህዝቢን፡ ትካልን ንብረት ዝዉንን ዜጋታት ከቢድ ስቓይ ኮይኑዎ ኣሎ።

እቲ ዝድንጽወካን ድማ ብሊቢያ ዝመጽኡ ድያቆናት እቶም ቅድሚኦም ንዖኦምን መሲሎም ንጸሊም ጻዕዳ እናበሉ ብለይትን ቀትርን ከገልግሉ ዝጸንሑ ኣቕሺቲ ወይ ካህናት ብዘይ ዝኾነ መሰልን ሞሳን ክድርብዮም እናራአዩ፡ ከምቲ ንህቢ እናራየ ኣብ ሓዊ ዝአቱ ንሳቶም ድማ ካብ እግዛብሔር ነበልባል ዝኮነ ሓጥያት ካብ ህዝቢ ከቢድ ዉርደትን ዉግዘትን ከይፈርሑ መጽሓፍን መስቀልን ሒዞም ወንጌልን ፖለትካን ኣደባልቆም ክሕንኩርዎ ምስ ህግደፍ ተዋዲዮም ኣብ ሓምቢስካ ዘይወጽእ ጌጋ ይጥሕሉ ኣለዉ፡ እሞ ብአጋ ኣብ ልቦም ኽምለሱ ከስተዉዕሉን ይሓይሽ። ማርያም ሚላኖ ከም ጽንዓታ ኣብ ቦትአ ኣላ።

ኣዉራ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ ካብ ዝኮነ ይኹን ሃይማኖት ኢድኩም ኣዉጽኡ ኢሉ ዝማጎተሉ ዘሎ እዋን። እቶም ዋናታት ኮይኖም ካብ በላዒ ከድሕንዋ ዝግቦኦ ካህናትን ድያቆናትን ብሃልቲ ንግዝያዊ ረብሓ ክብሉ ንሃይማኖቶም ንበላዒ ህግደፍ ኣሕሊፎም ክህቡዎ፡ ክትርኢ፡  ኣብ እምነቶምን ህዝቦምን ከቢድ ጥልመት ይፍጽሙ ህላዎም ጥራይ ዘይኮነ ክህነት  ዕላምኡ ስሒቱ ኣብ ዘይመንጠቢቱ ኣብ መን መጺኡ መን ተሪፉ ዝጸረየሉን ናይ ገንዝብ መኻዕበቲ ኣዳራሽ ህግደፍ እናኾነ ምምጽኡ እዩ። ኣብ 08/01/2012 ዓ.ም ዋጋ ክድዓቶምን ጥልመቶምን ብዘይ ዝኾነ መለኪዒ ብቕዓት ከብካቢን ወግዒን ዘይተገበሮ ናይ ሃታሃታ  ናይ ቀሽነት ማዓርግ ተዋሂቦም።  እቲ ሕጋዊ ዘይኮነ፡ ሰነ ስርዓትን ኣገባብን ዝጎደሎ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ቤት ክርስትያን ዝፍጸም ዘሎ ኣሽካዕላል ስለ ዝኾነ ዘውርዶም ዉገዛ ቀሊል ከምዘይኮነ ክፈልጡ ይግባእ። ኩሉ ብሃይማኖቱ ዝግደስ ዘበለ ድማ ፈልዩ ከለልዮም ይግባእ። እወ ማርያም ሚላኖ ከም ጽንዓታ ኣብ ቦትአ ኣላ።

ክሳብ ስርዓት ህግደፍ ዘሎ ኩሉ ገበናት ህግደፍን ጉጅልኡን ከንቃልዕ ኢና።

ካብ ቀንኣት ብሃይማኖቶም ግዱሳት ነበርቲ ሚላኖ።

    ሚላኖ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • well done, February 19, 2012

    well done

  • weldu February 19, 2012

    There is one thing I noticed here, Nay meninet kiluwlaw zelewo tibil hareg….anyone who raised a gun against the aggressors of eritrea is eritrean. period! even issayas and his colleagues…I heard some one calling some one the same thing because he is from Akeleguzay near the boarder to tigray. these people know eritrean boarder than the hamasiens and other nations. remember this. no one clearly knows the boarder than the people who live along the boarders…

    • ERITREAN / RAPE LANDIAN February 19, 2012

      Weldu,
      People who live near the border are proud people ,I am from the center ,about 30 kilo metres from Asmara. When we the so calkled “Hizbe Tigrigna” ,when we came from Singaqpor ,through Tigray ,the first settlers were the ones who settled near Ethe border ,the last ones being settlers of the 10 ki.m redius of Asmara. So ,someone to be called does not have to be from certain area ,but is Afraid to be called “Agame” ,which is our identity ,after Siongapor ,and is willing to swallow any bullshit Isaias gives him . Isaias was a bandit ,to me . So was the way Jebha was run after the late 70 s .

  • tesfaldet February 20, 2012

    iwasasking somthing last week ESAYAS AFWERKI the eritrean president recive 21 countrys credentials so how did this happen if eritrea is ISOLETED so can some one explaine to me if you dont belive me GO TO WWW. MESKEREM .COM look for the picture of the embassys

  • Awet February 20, 2012

    response to Tesfaldet,
    The 21 century credential?It is quite easy why Isayas Afewerki has recieved .you know why? Because he is the first and the brutal dictatore in the 21 century .don’t you noticed ?do you understand now Tesfaldet. wake up

    Risposta a Tesfaldet,
    Il 21 ° secolo credenziali? E ‘abbastanza facile perché Isayas Afewerki ha ricevuto. Sapete perché? Perché lui è il primo e il dictatore brutale nel secolo 21. Non avete notato? Hai capito ora Tesfaldet.

  • tegadalay February 21, 2012

    AWET meat head ARE YOU TELLING ME that this 21 countrys embassys are dictetors if he is adictetor way are this countrys send their ceridental did you forget last week ERITREAN FM MINSTER OSMAN SALIH was in london so didnt london know esayas is dictetor so way did they inveit the ERITREAN FM MINSTER can you give me answer

  • tegadalay February 21, 2012

    one more thing for AWET if you & this idiot oppostion cray to the world esayas is adictetor but this countr ys are not listining to your craying & wining because they send their embassys to eritrea insted of listening your ajef jef long live THE LION OF NAKFA

  • Seattelite February 21, 2012

    Here in Seattle Tewahdo are funny they hate HIGDEF soime of the fled HIGDef they worship in HIGDEF CHurch The pastor reports to the fake patriarch.The pastor prays for Isayas long life.
    They worship HIGDEF they can’t have it both ways

  • gebreab getahun February 22, 2012

    Isaias Aforky e Hgdf prendono in giro il popolo eritreo e fanno litigare i credenti ortodossi, mentre in eritrea c’è tanta sofferenza, non c’è democrazia e non puoi neanche lamentarti contro il governo e si soffre la fame, il servizio militare è infinito loro lavorano come schiavi senza un salario ecc…….. tutto questo dove lo mettete !!!!

    grazie milano

  • yosesm@yahoo.com February 22, 2012

    eti zigerm nskum bealkum haymanotn poletikan felikum zeymraykum ksab hji dea abey nerkum ebear maryam milano ktbehal tikel eza hji ab garaji zelaya selemntay eti hgawe tabot nisu slezkone.bzaeba keshe tadese senay neger ktizarebu mftankum zehzin u zey nsom ab milano mes sebka gubae koynu fah zebele men alo ezom neza tihuf zitshafkum sebat behaki tegedesti haymanotin hzbn tetkonu aymtshafkumn nerkum kulu tiblwo neger hakinet sle zeyblu eske mestom diyakonat tblwom sebat terakibkum do tifeltu zezi entezeygerkum kea bzaeba ortodoxsawet emnet aytzarebu egziabher selamu yewrd were 4 amet abey nirkum

  • amde haymanot February 22, 2012

    eti zigerm nskum bealkum haymanotn poletikan felikum zeymraykum ksab hji dea abey nerkum ebear maryam milano ktbehal tikel eza hji ab garaji zelaya selemntay eti hgawe tabot nisu slezkone.bzaeba keshe tadese senay neger ktizarebu mftankum zehzin u zey nsom ab milano mes sebka gubae koynu fah zebele men alo ezom neza tihuf zitshafkum sebat behaki tegedesti haymanotin hzbn tetkonu aymtshafkumn nerkum kulu tiblwo neger hakinet sle zeyblu eske mestom diyakonat tblwom sebat terakibkum do tifeltu zezi entezeygerkum kea bzaeba ortodoxsawet emnet aytzarebu egziabher selamu yewrd were 4 amet abey nirkum. eti zgerm hzbi milano tabot zeykone amenu keydu seb u amenu neru abti seat ebeardo yhwat bzaeba emnet do nfelt ena egziabher keyetifana bzaeba mestire khnet kea mes poletica hadish krstiyan kab papas ybeltsi elom abotatina eske mejemerta riesna nimermr ebear eta maryamsi nskum bzdelekumo belwa eber eta tabot gin kedem msi zeymeslwa amenti rusya nera hji gna nata bota rekiba ezi kea kabana nleali egziabher nbetu yhasb malet u wesbhat le egziabher.

Post a Reply to amde haymanot Cancel Reply