Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣብ ኣምስተርዳምን ከባቢኣን

እቲ ዋና ተልእኾ ፥ ማሕበር ምጥርናፍ ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ፡ “ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ልዕላውነትን ብምርግጋጽ ፥ እዋናዊ መድረኻዊ ቃልስና፥ ሃገርን ህዝብን ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ ስቓይ ንምድሓን  ኣብ ዝሰፍሐ ንህዝብና ዝእክብን ዝጥርንፍን ዓውደ መቃለሲ ኣብ ትሕቲ ንጹርን

እቲ ዋና ተልእኾ ማሕበር ምጥርናፍ ኣምስተርዳምን ከባቢኣን

“ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ልዕላውነትን ብምርግጋጽ ፥ እዋናዊ መድረኻዊ ቃልስና፥ ሃገርን ህዝብን ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ ስቓይ ንምድሓን  ኣብ ዝሰፍሐ ንህዝብና ዝእክብን ዝጥርንፍን ዓውደ መቃለሲ ኣብ ትሕቲ ንጹርን ግሉጽን ሓባራዊ ባይታ ኣንጻር እቲ ጸረ – ፍትሒ ዝዀነ ስርዓት ህግደፍ ከምዝለዓል ምግባር እዩ ። “

ነዚ ንምዕዋት  ፥ ናይ  ኩሉ ደላይ ፍትሒ ፖለቲካዊ  ኣረኣእያኡ ብዘየገድስ ፥ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን ስቪካውያን ማሕበራት ዘሎ ወይ’ውን ብውልቁ ፥ ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝቃወምን ዝቃለስን ፥ ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፉ ሓደ ዓብን ሰፊሕን ምትእኽኻብ ብምምስራት ጥራይ እዩ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሕ ዝኽእል ። ካብዚ ሓቂ’ዚ  ብምንቃል እምበኣር እዩ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን ብዕለት 28-05-2017 ንኩልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሆላንዲ እንነብር፥  ኣብዚ ንኹልና ዝምልከት ጉዳይ ፡ ሓቢርና ክንዛተን ክንላለን፡  ሓብርና ክንሰርሓሉ እንኽእል መደባት ክንሰርዕን ፡ ብዝመደቦ መጸዋዕታ ምኩራትን ፡ ሰብ ሕልናን ደለይቲ ፍትሒ ፥ ነዚ መጸዋዕታ ኣኽቢሮም ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝተሳተፍዎ ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ ።

ኣብዚ መዓልቲ’ ዚ ኣቦ መንበር ማሕበር : ንኣኼበኛ እንዃዕ ድሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባሉ ፥  ኣኼባ ነቶም ጀጋኑ ስዉኣትና ብምዝካር ብዝክረ-ሰማእታት ተጀሚሩ። መበል 26 ዓመት ጽንብል ነጻነት ሃገርና ኤርትራ ብምዝካር ፥ ነቲ ቅያ ሰርሑ ልዕላውነት ሃገር ዘውሓሰ  ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ንብሎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ንፍረ መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ ፥ ብስርዓት ህግደፍ ህዝብና ይሳቐን ፡ ይእሰርን ይበታተንን ብምህላዉ ዝስመዓና ሓዘን ኣስሚርሉ።  ኣስዒቡ ፡  ልዕላውነት ሃገርና  ክንዕቅቦ ዘሎና ሕላገት ታሪኽና ምዃኑ ፥ ዘተኮረ መግለጺ ብምውሳኽ ሓሳቡ ደምዲሙ ።

ቀጺሉ ፡ መምህር ኢብራሂም መሓመድ ዘዳለዎ ትምህርታዊ መግለጺ ብዛዕባ ሃገረ ኤርትራን ( ደውላ ኤርትራ )ብድሆታትን ኣመልኪቱ ዝገልጽ ፥ ዕሙቕ ዝበለ መግለጺ ኣቕሪቡ። ንሃገረ ኤርትራ ዘቖማ ኣዕኑድ ብዝርዝር ፥ ኤርትራ ፥ 1. ፍሉጥ ዶባትን ስፍሓትን ዘለዋ ፥ 2. ዝተፈላለየ ቋንቋታትን ፡ እምነታት ዝሓቖፈት ብሓድነት ዝነብር ህዝቢ ዘለዋ ፥ 3. ህዝቢ ብጅግንነቱ ብ1991 ነጻነቱን ልዕላውነቱን ዘውሓሰ ምዃኑ ብሰፊሑ ኣብሪህዎ። 4. እቲ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ ግን ግዝኣተ-ሕግን ፡ ብዂረት ህዝባዊ ዋንነት ስልጣንን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ብድሕሪ’ ዚ መድረኽ ንኣኼበኛ ተኸፊቱ ። ኣብ ዝተኻየደ ናይ እንካን ሃባን ልዙብ ክትዓት ፡ ብዙሕ ሃናጺ ርእይቶታትን ለበዋታትን ወሪዱ። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ፡ ቀዳማይን ቀንድን ዕላምኡ ኣንጻር ኣቲ ህዝብን ሃገርን ዘጥፍእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ከቕንዕ ከወሃህድን ከምዘለዎ ርኢና።

  • በዚ መላኺ ስርዓት ዝተበደለ ህዝቢ እዩ ዘሎና። ብፍላይ ድማ እቲ ሓድሽ  ፡ ወራሲ ክኸውን ዘለዎ መንእሰይ ወሎዶ ኣዝዩ ዝተበደለ ምዃኑን፥ ጥርኑፍ ናይ ቃልሲ ታሪኽን ተሞክሮን ንከነውርሶን ፡ካብ ግዳይ ናይ ኣህላኺ ተሞክሮ ምፍልላይን፡ ምቅንጻልን ክድሕን፥  ናይ ምእላዩ ተራ ክንጻወት ከምዘሎና መዚና ።
  • ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተፈላለያ ማሕበራት ወይ ምትእኽኻባት ከምዘለዋን ፥ ብማዕሪኡ ዝርኤ ምጥርጣራትን ከምዘሎን ብጥቃስ ፥ ከምኡ’ውን ዘሰክፍ ምልዕዓላትን ጎስጓሳትን ብምምዛን፥  ነዚ ክዉንነት ፈጢሩ ዘሎ ጠንቅታት ብውሕሉል ኣገባብ ከነጽንዖ ከምዘሎና ርኢና ።
  • ንፍትሕን ንለውጥን ዝቃለስ ሰብ ፥ መጀመርያ ንነብሱ ሓራ ከውጽኣ ከምዘለዎን

ኣኼበኛ ፥ ነቲ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ሒዝዎ ዘሎ መሰረታዊ ዕላማን ፥ እቲ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዘቕንዐ ፡ ብከተማ ዝጅምር ፡ ቦታዊ ምጥርናፍን ብልጫታቱን ቅኑዕ ምዃኑ ኣስሚሮሙሉ። ኣብ ካልኦት ከተማታት ብተመሳሳሊ መንገዲ ንክጥርነፋ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብሩ ቃል ኣትዮም። እዚ ምስ ዝዕወት ድማ ንኩለን ከተማታት እትጥርንፍ  ሓንቲ ኣወሃሃዲት  ሽማግለ ምምራጽ ። መደባታ ብምእኩል ኣገባብ ብምስራዕ ፡ ኩሉ’ቲ ዘድሊ ማሕበራውን ፖለቲካውን ስርሓታ ተካይድ። እቲ ተግባራዊ መስርሕ ነዚ ይመስል። ብተውሳኺ ሽማግለ ማሕበር ከይተሓለለት ነዚ ናይ ምጥርናፍ ጎስጓስ ክትቅጽሎ ለበዋ ቀሪቡ ።

ኣብ መድምደምታ ክንብሎ ንደሊ ፥ ግርማ ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓድነቱ ዝተኣማመን፥ ጭዋ ተቓላሳይ ህዝቢ ምዃኑ ዘረጋገጾ ፥ ናይ ትማሊ ቃልሲ ኣንጻር ኩሎም ባዕዳውያን ዘካየዶ ህያው ምስክር ኣሎ። ነዚ ምስ እነለልዮ ኢና ኸኣ ኣብ ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ዝመልኦ ብስርዓተ-ሕጊ ዝመሓደር ሕብረተ ሰብ ክንሃንጽ ንኽእል።  ንስርዓት ህግደፍ ዕድሜኡ ዘናውሖ ዘሎ ፥ ድኽመትናን ዘይምጥርናፍና እዩ። እንታይ ክንገብር ኣሎና ? ዝብል ሕቶ ፡ ኩሉ ብሃገሩን ህዝቡን ዝሓምም ኤርትራዊ ክምልሶ ዘለዎ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ጉዳይ እዩ ። ዋናታት ጉዳይና ንሕና ኢና።  ናውቲ ሓድነት፡ ግሉጽነትን ፥ ተጻዋርነትን ምውናን ጥራይ እዩ ዘድሊ። ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታት ብሓቂ ህያው ኰይኑ ክነብር ዝኽእል ግቡእና ምስ ንገብር ጥራዩ ።

 

ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ   !!!!

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታና !!!!

 

ማሕበር  ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን

31-05-2017

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde June 7, 2017

    The masses are joining hands,the movement is taking its rudimentary shape,the seismic ripple has begun,beware those who is gonna be on its path.My salute to my brothers and sisters in Amsterdam and its vicinity.God bless.

POST A COMMENT