Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኤርትራውያን ኣብ ስደት እንታይ ይመስል? – 4ይ ክፋል

ጉጅለ ዓሰርተ ሸውዓተ፡ መታሕት ከበሳ እዞም ኣብዛ ጉጅለ ዝኣትው፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ብደቂ ከበሳ ዝተዓብለለን ንረብሓ ደቂ መታሕት ዘይውክልን እዩ ይብሉ። ብዘካይ’ዚ ካብ ከበሳ ህዝቢ ኣፈናቒሉ ብሓይሊ መሬት ደቂ መታሕት እንዳመንዝዐ ዝሽንንን፡ ንረብሓ ደቂ ከበሳ

ጉጅለ ዓሰርተ ሸውዓተ፡ መታሕት ከበሳ

እዞም ኣብዛ ጉጅለ ዝኣትው፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ብደቂ ከበሳ ዝተዓብለለን ንረብሓ ደቂ መታሕት ዘይውክልን እዩ ይብሉ። ብዘካይ’ዚ ካብ ከበሳ ህዝቢ ኣፈናቒሉ ብሓይሊ መሬት ደቂ መታሕት እንዳመንዝዐ ዝሽንንን፡ ንረብሓ ደቂ ከበሳ ንምግልጋል ጥራይ ደው ከም ዝበለ ስርዓት ጌሮም ይወስድዎ።

ብዘይካዚ፡ ቀንዲ ተደናገጽቲ ናይቲ ኣብ እዋን ስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን ናብ ሱዳን ብብዝሒ ዝኣተወ፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን ናብ ዓዱ ዘይተመልሰ ኤርትራዊ ስተድተኛ ወዲ መታሕት ኢዮም። እቲ መንግስቲ ኤርትራ ብብሄር ትግርኛ ዝወርሶ ዘሎ መሬት መታሕት፡ ደይ መደይ ኢልካ እዞም ስደተኛታት ዓዶም ከምዘይ ኣትው ንምግባርን፡ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ዲሞግራፍያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኢዩ ብምባል ይወቕሱ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ሰለማዊ ሰልፊ ይኹን ሰሚናር ምስ ዝሳተፉ፡ ነታ ናይ 1950ታት ሰሜያዊት ኣውሊዕ ባንዴራ እምበር፡ ነዛ ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ዝጥቀመላ ዘሎን፡ ነቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ግን ከኣ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋምን ኣይቅበልዎም ኢዮም። እንታይ ድኣ፡ እቲ ናይ 1950ታት ኣብ እዋን ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ዝስርሓሉ ዝነበረ ቅዋም፡ ምስ ህልዊ ኩነታት ዘርዕሞ ምምሕይያሻት ተጌሩሉ፡ ኣብታ ብሕጂ እትትከል ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክትግበር ባህጊ ኣለዎም። ብዘይካ’ዚ፡ ንቛንቋ ዓረብ ኣብ ቅድሚት ኣጀንድኦም ብምቕማጥ፡ ኣብታ መጻኢት ኤርትራ ዝግብኦ ኽብሪ ክሕዝ ይምጉቱ። ማዕረ ቋንቋ ትግርኛ ተሰሪዑ ክሪኡን፡ ንትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ብእኡ ከምዝትካእ ጌርካ ድማ፡ ንመጻኢ ወለዶ ናብ ዓረባዊ መንነት ከምዝጽጋዕ ምግባርን ዝብል ዕላማታት ይርከቦ።

ጉጅለ ዓሰርተ ሸሞንተ፡  መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን (ናብራኻ ጥራሕ ግበር)

እዞም ኣብዚ ጉጅለ ዝኽተቱ፡ ካብ ዕስራ ክሳብ ኣብ መፋርቕ ሰላሳታት ዝርከቡ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን እዮም። ህላውነቶም ኣብ ደምበ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቦኸረ’ዩ ተባሂሉ፡ ብሓያለ ወገናት ይግለጽ። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ድማ፡ ዝተፈላለየ መልሲ ይወሃቦ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመት ድሕሪ ምእዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ኤርትራ እተን  ዝሓሰመ ማህሰይቲ ዝወረደን፡ መንእሰያት ደቀንስትዮ እየን። ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓዳር ናብራ ዝገብራሉን፡ ወሊደን ዝዘምዳሉን ዕድሚአን ብምጽንቃቑ ክሳብ ብዘይ ውላድ መኻን ኮይነን ዝተረፋ ሓያለ ይርከብአን። ብዘይካ’ዚ ንጾታዊ ዓመጽ ተቓሊዐን ብምንባረን፡ ካብ ዘይፈትውኦምን ሓዳር ዘይገብሩለንን ሰባት፡ ካብቲ ናብራ ውትህድርና ንምግልጋል፡ ብምኽንያት ወሊድ ዝተፋነዋ ኣለዋ። በይነን ውላደን ከዕብያ ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባልን፡ ከምኡ’ውን ቅሱን ናብራ ስለዘይብለንን፡ ንፖለቲካዊ ተሳትፎ ከም ዘይምልከተን ጉዳይ ይወስድኦ። እተን ቅሱን ናብራ ክመርሓ ዝጀመራ ድማ፡ ናብ ሓላፍነት ስድራቤት ጥራሕ ስለዘድህባን፡ ኣብ ወቕታዊ ጉዳያት እኹል ሓበሬታ’ውን ስለዘይብለን`የን ዝብል ምኽንያት ዘቕርቡ’ውን ኣለው።  እቲ ካልእ ዝጥቐስ ምኽንያት ግን፡ ኩነተ-ኣእምሮ መንእሰያት ደቀንስትዮ፡ እቲ ባህላዊ ጭቆናን፡ ትሑት ኣካዳምያዊ ዓቕምን ተደሚሩ’ዩ፡ ከም’ቲ ዝግባእ ኣብ ፖሊቲካዊ ጉዳያት ሃገረን ንኸይዋስኣ ዓንቂጽወን ዘሎ ዝብል እዩ።

ካልኦት ወገናት ግን፡ ደቀ-ንስትዮ ካብ ፖሊቲካዊ ጉዳያት ሃገረን ቦኺረን ኣለዋ ንዝብል ወቐሳ ኣይሰማምዕሉን። እቲ ዘቕርብዎ ምኽንያት፡ ዋላ’ኳ ኣብ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ከምቲ ዝድለ መጠን ቊጽረን ኣይሰስን እምበር፡ ኣብ ወጻኢ ነቲ ስርዓት ደዉ ኣቢለንኦ ዘለዋ ንሰን እየን ይብሉ።  እቲ ብደቀንስትዮ ጥራሕ ዝተዓብለለ ዝመስል ናይ ህግደፍ ኣኼባን ሰሚናራትን ዝቐርብ ኣሳእል ድማ፡ ናይ’ዚ ኣብነት ህያው ምስክር እዩ ይብሉ። ገለ ካልኦት ግን፡ ናይ ጓይላን ዳንኬራን ወልፊ ስለዘለወን እምበር፡ ነቲ ስርዓትን ዝኽተሎ ፖሊሲታቱን ደጊፈን ኣይኮናን። ገለ ካልኦት’ውን ካብ ትሑት ንቕሓት ዝተላዕለ፡ ኣብ ሞንጎ መንግስትን ሃገርን ዘሎ ፍልልያት ብዕምቆት ስለዘይግንዘባ፡ ፍቕሪ ሃገር ሒዝወን እምበር፡ ፍቕሪ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ስለዘለወን ጥራሕ ኣይኮናን ብምባል የረድኡ።

ኣብ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ እንተመጻና’ውን፡ ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሎም ኣብ ደምበ ደሞክራስያዊ ለውጢ ማዕረቲ ንደገ ዝውሕዝዎ ዘለዉ ቊጽሪ፡ ነቲ ካብ’ታ ሃገር ንኽወጹ ዝደፍኦም ስርዓት ተመሊሶም ክቃወሙዎን፡ ናብ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ብብዝሒ ክዓስሉን ኣይርኣዩን ተባሂሎም ቀጻሊ ዝሕመዩ ኢዮም። እዞም መንእሰያት፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ውትህድርና ከቢድ ስቕያት ዝርኣዩ ኣብ ርእሲ ምኻኖም፡ ኣብ ስግረ-ዶብን ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ዝገብርዎ ጻዕሪን፡ ከቢድ በሰላ ዝገድፍ ተመኩሮ ስለዘጋጥሞም፡ ካብዚ ቋንዛ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዝገላገሉ፡ ናይ ተሓድሶ እዋናት የድልዮም እዩ ዝብል ዘረባ’ውን ኣሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብተን ዝኣትውወን ሃገራት፡ ቋንቋን ባህልን ክለምዱ፡ ነቲ ኣብ ንእስነቶም ዘምለጦም ዕድላት ትምህርቲ፡ ኣብ ምቁማት ዉራይ ውልቃዊ ጉዳያቶም ብምቕዳም፡ ጉዳይ ሃገር ከወንዝፍዎ ከምዝግደዱ የረድኡ።

ገለ ካልኦት መንእሰያት ግን፡ ብዛዕባ ኤርትራ ምዝራብ ዘየገድሶም፡ ደሞክራስያዊ ስርዓት ሰፊኑ ሰላም እንተኾነ’ዉን፡ ናብታ ተወሊዶም ዝዓበዩላ ሃገር ተመሊስካ፡ ናይ ምንባር ሕልሚ ከምዘይብሎም ዝዛረቡ ኣለው። ነዚ ክውን ንምግባር ድማ፡ ክበጽሕዎም ንዝመጹ ዕድመ ዝደፍኡ ወለዶም፡ ንዑ ኣብዚ ዓዲ ኢድኩም ሃቡ፡ ድሕሪ ደጊም ኩላትና ደቅኹም ኣብ ደገ ካብ ተኣኻኸብና፡ ናብ ዓዲ እትምለሱሉ ምኽንያት እንታይ ኣለኩም? ብምባል ዑቕባ ሓቲቶም ኣብተን ዝነብሩለን ሃገራት ክተርፉ ይደፋእዎም። በዚ ድማ፡ ሓያለ ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ኣብ እርጋኖም፡ ክስደዱ ምርኣይ ልሙድ እንዳኾነ ዝመጽእ ዘሎ ተርእዩ እዩ።

እዚ ተስፋ ቆሪጹ መሬት ብንግሆኡ ድብንብን ዝበሎ መንእሰይ ወለዶ እምበርኣር፡ ዝውድቦን እዚ ሎሚ ዘሎ መከራ ጽባሕ  ንዛንታ ኮይኑ ከምዝተርፍ ዘረድኦን፡ ቀቅድሚኡ ኣንዳኸደ ዝመርሖን ኣርኣያ ስለዘይረኸበ’ዩ፡ እግሩ ናብ ዝመርሖ ክስደድ፥ ዝተኸፍለ ዋጋ ይከፈል፡ እቲ እንኮ መፍትሒ ሽግረይ፡ ‘ምዕራባዊ ዓለም’ ጥራሕ እዩ፡ ዝብል ኣሰካፊ ርድኢት ኣስሪጹ ዝርከብ።  ነዚ ማዕበል ዋሕዚ መንእሰያት ስደት ኣሊኻ፡ ናብ ውሽጢ ዓዲ ከምዝጥምትን ነባሪ ፍታሕ ንሕጅን ንዝመጽእ ወለዶን ከምዘናዲ ምግባር እምበርኣር፡ እቲ ዓቢ ብድሆ ደምበ ተቓውሞ እዩ። እንተኾነ፡ እዚ መንእሰይ እዚ ኣርኣያ ዝኾኖን ስደት መፍትሒ ውልቃዊ ጸገማቱ ከምዘይከዉን፡ በቲ ዝርድኦ ቋንቋ ዝዛረቦን እንተረኺቡ ግን፡ ስርዓተ-ለውጢ ኣብ ምምጻእ ፈጣን ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ።

እቲ እንኮ ተስፋ እዛ ኣብ ጸጽባሕ እትበርስ ዘላ ሃገር፡ ኣብቶም ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ድሮ ዝኣተዉ መንእሰያት ዘይኮነስ፡ ኣብቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለው ስደተኛታት’ዩ ዝምርኮስ ዝብል ትዕዝብቲ ኣሎ። እንተኾነ ግን፡ ስደት ናይ ምቕጻል ሕልሞም ጠንጢኖም፡ ጠመትኦም ናብ ውሽጢ ዓዲ ክቕየር፡ ብግብሪ እቶም ኣብ ኤውሮጳ ድሮ ኣትዮም ዘለው መንእሰያት ናብርኦም ብምጥንጣን፡ ኣብ ጎኖም እንተደኣ ክስለፉ ተራእዮም ጥራሕ’ዩ፡ ርኡይ ለውጢ ክመጽእን ክለዓዓልን ዝኽእል ብምባል ዘረድኡ ኣለው።

እንተዘይኮይኑ ግን፡ ኣብ’ዚ መስመር ቃልሲ ምሳና ዘይስለፉ እንተኾይኖም፡ ትማሊ ብዝተሰውኡን ዝሰንከሉን የሕዋትና፡ ኣዴና ዝዘኽተመቶ ከይኣክል፡ ሕጂ ንወዲ መን ክጥዕሞ ኢለ’የ ኣነ ክስዋእ። ድሕሪ ናጽነት ስድራቤት ስውእትን ስንኩላትን ዘይኮኑስ እቶም 2% ንኸፍል ኣለና ዝብሉ እዮም፡ ነታ ዓዲ ሸናዕ ዝብሉላ ዘለው ዝብል ቅርሕንቲ ከምዘለዎም የረድኡ። ንሶም ወሲኾም ይብሉ፡ እንተኺኢለስ ስድራይ ደኣ የውጽእ እምበር፡ ሕጂ ንበረኻ ኢለ ኣይወፍርን ብምባል ይዛረቡ። እንተኾነ ሃገራዊ ስሚዒቶም ክብ ዘብልን፡ ሕሉፍ ታሪኽ ከቶ እንደገና ኣብ መጻኢት ኤርትራ ከምዘይድገም፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ብተግባር ከምዝሰፍን ዘእምኖም ናይ ኤርትራ ማንዴላ ወይ ጆንጋራንግ፡ ቅድም ቀዳድም ክፍጠሩ ክኽእሉ ኣለዎም ዝብሉ ወገናት’ዉን ኣለው።

ጉጅለ ዓሰርተ ትሽዓተ ምሁራት ኣካላት

እዞም ኣብዛ ጉጅለ ዝካተቱ ካብ ቀዳማይ ዲግሪ ክሳብ ናይ ድሕረ ምረቓ ማዕርግ ዘለዎም ኮይኖም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክርንዓት ናይ ዓለም ኣብ ዝተፈላለዩ ሞያዊ ጽፍሒታት ተዋፊሮም ዝርከቡ እዮም። ብዛዕባ ምሁራት ኤርትራውያንን፡ ፖሊቲካዊ ንጥፈታቶምን የሐፊሽካ ምዝራብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ገለ ካብኣቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ እጃሞም ዘበርክቱ ዋላ’ኳ እንተለው፡ ንዓይነትን ብዝሕን ኣብ ግምት ብምእታው ግን፡ ‘’ኣብ ደምበ ተቋውሞ የለውን ዝብል ክስታት ይስንዘሮም። ነቲ ከይተማህረ ዘምሃሮም ህዝቢ ጠንጢኖም፡ ናብ ውልቃዊ ዋኒኖም ጥራሕ ተሸሚሞም። መራሒ ዘይብሉ ንህብን፡ መራሒ ዘይብሉ ህዝብን ከመይ ገይሩ ክሰምር። ንሶም እንተዝዋስኡን ህዝቢ እንተዘንቅሑን፡ ኣብዚ ሕጂ ሃገርና ወዲቓቶ ዘላ ደረጃ ኣይምወደቐትን። እቲ ዝነቕሐን፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ብግብኡ ዝተረድኦን ምሁር ኣካል፡ ካብ ኣስቀጠ ድኣ እቲ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዘይረኸበ መንእሰይ እንታይ ክገብር ትጽበይ“ ዝብሉን ካልኦትን ወቐሳታት ይቐርበሎም።

ምሁራት ኣካላት’ውን ብወገኖም፡ ኣብ ስደት ከምቲ ዝድለ ህዝቦም ዝሕብሕብሉ ባይታ ከምዘይረኸቡን፡ እቲ ፖሊቲካዊ ውዳበታት ደምበ ተቋውሞ ዝተባልሐ (polarized) ብምኻኑ፡ ከም ዘይሻራዊ ምሁር ኣካል ምኽርን ማዕዳን ከቕርቡ ዘኽእሎም ባይታ ከምዘየለ ይዛረቡ። በዚ ኮይኑ በቲ፡ ተራ ምሁራት ኣካላት ካብ ደምበ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ርኡይ ቡኽረት ከምዘለዎ ሓያለ ዝሰማምዑሉ ጉዳይ እዩ። ምሁራት ተወዲቦም ንዲፊ ኣብ ምርቓቕን፡ ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ዝተፈላለየ ኣስተምህሮ ኣብ ምሃብን ምንቕቓሕን፡ ክሰርሑ ልዑል ትጽቢት ዝግበረሎም ክፍሊ ሕብረተሰብ’ዮም።

ቅድሚ እቲ ብምንቅስቓስ ብጉጅለ 15 ዝፍለጥ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት መንግስቲ ዝሓቖፈ ጉጅለ፡ ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ጽገናዊ ለውጢ ክተኣታተው ምጥላቦም፡ ብጉጅለ 13 ዝፍለጡ ምሁራት ንፕረዝደንት ዝወቕስን ንፖሊቲካዊ መስመር መንስግቲ ዝቕልስን ናይ ምሕጽንታ ቅሉዕ ደብዳቤ ንመጅመርታ ግዜ ዝጸሓፉ ምሁራት ኣካላት’ዮም ኔሮም። እንተኾነ ግን፡ ኣብተን ዝሰዓባ ዓመታት ህጣምም ኣጥፊኦም።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ዝጥቐስ፡ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ተመሪቖም፡ ኣብ ፍቖዶ ሃገራት ፋሕ ኢሎም ዝርከቡ ምሁራት ኣካላት ኢዩ። እዚኦም ብዕድመ’ውን መንእሰያት ብምኻኖም፡ ካብቶም ዓበይቲ እቲ ዝለዓለ ትጽቢት ዝተነብረሎም ወገናት እዮም። ንሶም’ውን ከምቲ ካልእ ኣንፈቱ ዘጥፈአ መንእሰይ፡ ግዳይ ስደት ኮይኖም ንውልቃዊ ናብርኦም ጥራሕ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ኣብ ምንጣፍ ይርከቡ ተባሂሎም ይውቀሱ። ብዘይካ’ዚ ዩኒቨርስቲ ደኣ ኣትዮም ፊደል ቆጺሮም ይበሃል እምበር፡ ዓይነታዊ ለውጢ ዘምጽእ ትምህርቲ ስለዘይቀሰሙ፡ ከምቲ ካልእ መንእሰይ ግዳያት ፕሮፓጋንዳ እቲ ስርዓት ብምኻን ኣብ ጽልግልግ ስለዝርከቡ፡ ‘እምቢ’ ብምባል ድምጾም ከስምዑስ ትብዓት የብሎምን፡ ብምባል ዝወቕስዎም ወገናት ኣለው።  እንተኾነ ግን፡ ኣብተን ተሰዲደሙለን ዘለው ሃገራት መብዛሕትኦም ትምህርቶም ይቕጽሉ ስለዘለው፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ምህናጽ ሃገር ልዑል እጃሞም ከበርክቱ ልዑል ትጽቢት ዝግበረሎም ምሁራት ኣካላት ንሶም እዮም።

ይቕጽል……

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Eritra September 29, 2015

    One sides view of every issue

  • k.tewolde September 30, 2015

    What is the intent of this article? is the writer simply trying to show us our composition? or hint how fragmented and divided we are? and from what point of view? I don’t get it.

    • Suleiman Salim September 30, 2015

      k. tewolde,

      You do not want to face the reality.

  • Shemer September 30, 2015

    Nkhulu ab hade zembil zeetu.ywkesu endabelka….wekesakha mkrab. Grass is always greener on the other side….

  • Suleiman Salim September 30, 2015

    ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ሰለማዊ ሰልፊ ይኹን ሰሚናር ምስ ዝሳተፉ፡ ነታ ናይ 1950ታት ሰሜያዊት ኣውሊዕ ባንዴራ እምበር፡ ነዛ ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ዝጥቀመላ ዘሎን፡ ነቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ግን ከኣ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋምን ኣይቅበልዎም ኢዮም።

    እንታይ ድኣ፡ እቲ ናይ 1950ታት ኣብ እዋን ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ዝስርሓሉ ዝነበረ ቅዋም፡ ምስ ህልዊ ኩነታት ዘርዕሞ ምምሕይያሻት ተጌሩሉ፡ ኣብታ ብሕጂ እትትከል ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክትግበር ባህጊ ኣለዎም።

    ብዘይካ’ዚ፡ ንቛንቋ ዓረብ ኣብ ቅድሚት ኣጀንድኦም ብምቕማጥ፡ ኣብታ መጻኢት ኤርትራ ዝግብኦ ኽብሪ ክሕዝ ይምጉቱ።

    ማዕረ ቋንቋ ትግርኛ ተሰሪዑ ክሪኡን፡ ንትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ብእኡ ከምዝትካእ ጌርካ ድማ፡ ንመጻኢ ወለዶ ናብ ዓረባዊ መንነት ከምዝጽጋዕ ምግባርን ዝብል ዕላማታት ይርከቦ።

    =

    ኣሰና ሕጂ ነቲ ዝበሃል እርይ-ቁጽር ኣቢልኩም ኣምጺእኩም ቁም-ነገር ዘለዎ ስራሕ ጌርኩም። ገለ ሃላያት ሰባት ንኤርትራ እንታይ ይእለመላ ( መወዳእታ ዘይብሉ ምቅትታል) ከም ዘሎ ከይፈለጡ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ዝዛረቡ ኣለዉ።

POST A COMMENT