Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕበረ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ንዓመተ 2014 ትማሊ ቐዳም ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ኮይኑ ጸምቢሉዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ብዝቃለሱ ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ ኣብ  ዓዲ ኢንግሊዝ ዝቖመ ማሕበር ተጋደልቲ፡ ትማሊ ቀዳም 04 ጥሪ 2013 ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ምስ ዝነብሩ  ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ብሙኻን ንዓመተ 2014

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ብዝቃለሱ ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ ኣብ  ዓዲ ኢንግሊዝ ዝቖመ ማሕበር ተጋደልቲ፡ ትማሊ ቀዳም 04 ጥሪ 2013 ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ምስ ዝነብሩ  ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ብሙኻን ንዓመተ 2014 ጸምቢሉዋ።

እቲ ብማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዝዓተዓደመ ናይ ድራርን ምዝንጋዕን ምሸት፣ እቲ  ማሕበር ተጋደልቲ  ኣካልን ኣምሳልን ናይ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ሙዃኑን ንኹሎም ኣቐዲሞም ኣብ ቃልሲ-ፍትሒ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ሓይልታት ኣኽብሮቱ ንምርኣይን እዩ ወዲቡዎ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ  ንዕዱማት ምስጋናን ኣኽብሮትን ብምቕዳም ዝቐረበ ቃል ማሕበር፡-

EPLF_2ትማል ኩሎም ተቓለስቲ ገድሊ ኤርትራ ጀብሃን ሻዕቢያን፡  ኣብ ቃልሲ ናጽነት አእጃሞም ኣበርኪቶም ብኽልተ ልዕለ ሓያላን ንዝድገፍ ንዘነበረ ስርዓታት መግዛእቲ ስዒሮም ናጽነት ክውን ብምግባሮም ኪሕበኑ ዝግበኦም እኳ እንተኾኑ፡ እቲ ናይ ትማል ሓበንን ፍናንን ግን  ብሰንኪ ጉጅለ ምልኪ ስለዝተጋህሰ ነቲ ህዝብን ሃገርን ዝርምስ ዘሎ ጠላሜ-መብጽዓ ስርዓት ገጢሞም ብምስዓር ነቲ ሓበን ኪመልስዎ ቅልጽሞም ከሕብሩ ይጽውዕ።

እቲ… “ክብሪ ቓልሲ ልዕሊ ኩሉ ክቡር ህይወቶም ንዝበጀዉ ሰማእታትና ጥራሕ እዩ ዝግባእ”  ዝበለ መግለጺ ማሕበር ” እቲ ዝተረፈ ኩሉ፡ ሃገር ርህዩዋ ቀሲናን ኪሳዕ ዝርኢ ብቐጻሊ ዝሕደስ ብስራሕ ዝምስከር ቃል ሕድሪ ከተግብር ትጽቢት ከምዝግበረሉ ኣተሓሳሲቡ።” ኣስዒቡ እቲ መግለጺ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ለውጥን ሕሉፉ ተወኪሱ ብሓባር “ትማል ብኸመይ ኢና ተዓዊትና፣ ስለምንታይ’ከ ሎሚ ወዲቕና፡ ጽባሕ’ከ ብኸመይ ኪንዕወት ንኽእል’ ብምባል ብሓባር ኪዝትን ዘትዩ ፍታሕ ኪቅርብን ልዑል ትጽቢት ከምዝግበረሉ ኣተሓሳሲቡ።

ውፉያት ሃገራውያን ድምጻውያን ተጋደልትን ዋርሳይን ነቲ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዝውድብዎ ምሸታት ናይ ምስታፍ ዝጸንሐ ሓጹር ሰባቢሮም ድሕሪ ደጊም ይእከል ብምባል፡ ምስ ደለይቲ ለውጢ ወገኖም ብምስላፍ  ነቲ ምሸት ብምኡዝ ድምጾምን ቃኖኦምን ኮሊዖሙዎ ኣምስዮም።

ስነጥበባውያን ሃገርና ድሕሪ ህልቂት ላምፔዱሳን ጃምላዊ ፍልሰት መንእሰያትናን ናይ ቃልሲ ወኒን መንፈስን ዘበራብር፡ ሓያልን ምኡዝ ዜማታት ብምፍራይ ንህዝቢ ይጉስጉሱ ብምህላዎም ብዝያዳ ኪተባብዑን ኣብ ቃልሲ ናጽነት ልዑል እጃም ከምዘበርከቱ ኣብ ቃልሲ ሓርነት እጃሞም ከበርክቱ ዝሕተትሉ እዋን ሙዃኑ ብምዝካር ዝተረፉ ኩሎም ነቲ ዘሎ ከታሪ ሓጹር ደጋፍን ተቓዋምን ብምስባር ኣብ ጎድኑ ውጹዕ ህዝቦም ብምስላፍ  ኣሰር ቀዳሞት ብጾቶም ኪኽተሉ ተሳተፍቲ ጸዊዖም።

እቲ ብናይ ድራር እንግዶትን ምውቕ ባህላዊ ምዝንጋዕን ደሚቑ ዘምሰየ ምትእኽኻብ ንኹሎም ተሳተፍቲ ሓይልታት፡ ኤርትራዊ ብዝኾነ ይኹን ስምን መጸውዕን ይወደብ ኩሉ ድሌቱን ኣተሓሳስባኡን ኣብ ሓደ ዕላማን ኣተሓሳስባን ከምዘሎ ዘረድእ ሙዃኑ ዘግሃደ እዩ ነይሩ።  ኣብቲ ምሸት ዝተሳተፉ ዓበይትን ናእሽቱን ሓርበኛታት ተጋደልቲ ጀብሃን ሻዕቢያን፡ ውህደትን ሓድነትን ተቓለስቲ ዘማዕብልን ሓድሕዳዊ ምትእምማን ሓቢርካ ምስራሕን  ዘጎልብትን ናይ ሓባር ምሸታት ኪውደብን ኣተሓሳሲቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
42 COMMENTS
  • Wedi Meret January 9, 2014

    dear Amanuel,
    I totally agree with you on the point that you said Eritrea is liberated by Tegadelti and the vast mass of Eritrean People but you also failed to understand that I am attacking the brutal individuals (Isayas and his cronies)I dearly love and respect Tegadelti because they gave their youth and their live all together and you know what I am one of them and my dad is also the victim of Abdela Adem.

    my concern is these mahber Tegadelti can be used as a step for Criminals to walk on. Eritrea is for the youth nor for the retired.
    Tegadelti must assist the young Eritreans who are seeking justice and freedom.
    you asked me about evidence, evidence is written all over the wall and the criminals are trying to paint it what ever they can you know what I mean? and precisely that is my fear. Tegadelti are my hero and Tegadelti are the evidence most of all Tegadelti must not be a step for criminals so that they can pain it the area they can reach.
    awet nhizbi Eritrea.

  • Mesfin January 9, 2014

    Dear Wedi merit

    i accepte your views and your comments. you are the son of hero, Eritrea should be yours and you should have enjoyed the legacy of your father. However the current situation did not helping and the regime in Eritrea should take accountability. i am sure not very long we will see the change and victims like you will get justice. i only disagree with you the retired former fighter can still give their experience to the youth. As you said the engine for change is the youth, but lets take the good wisdom of the old generation. It is also good to respect each other. Our prime enemy is the Eritrean regime and lets focus to make effective change.

POST A COMMENT