Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕረሻ እምበር ውሻል ኣይሓርስን እዩ።

ትርጉም ውሳኔ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላትን እጃም ህዝቢ ኤርትራን ብ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ብ 8 ሰነ 2016፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ምስክርነት ብምሃብ፣ መራሕቲ

ትርጉም ውሳኔ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላትን እጃም ህዝቢ ኤርትራን

ብ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ብ 8 ሰነ 2016፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ምስክርነት ብምሃብ፣ መራሕቲ ናይቲ ስርዓት ኣብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ክቐርቡ ከምዘለዎም ለበዋ ‘ኳ እንተመሓላለፈ፣ ክሳብ ትማሊ 1 ሓምለ 2016 ኣብ ጀኔቫ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክመኻኸር ዝቐነየ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት፣ ነቲ ብተጸዋዕነት ሶማልን ጅቡትን ንውሳኔ ዘቕረቦ ንድፊ ብተደጋጋሚ ቀጢኑ ከምዝፈኵስ ብምግባር፣ ነቲ ጉዳይ ኣብ ክንዲ ናብቲ ዝለዓለ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ባይቶ ጸጥታ ዘመሓላልፎ፣ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ መሊሱዎ ኣሎ።

እቲ ብይን፣ ንማለቱ ፣ እቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ሓፈሻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ነቲ ናይ መርማሪ ኮምሽን ስራሕ “ዝምልከቶም ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንህጹጽ ስጉምቲ ኣብ ግምት ከእትዉዎ መእንቲ ከቕርበሎም” ክብል ሽፈፍ ኢሉዎ ‘ኳ እንተሎ፣ ብቐንዱ ነቲ ጉዳይ ንኽምርምሮን ንጥርጡራት ገበነኛታት ክፈርዶምን ንሕብረት ኣፍሪቃ ሓላፍነት ኣሰኪሙዎ ይርከብ።

በዚ ኣጋጣሚ እምብኣር፣ ኣብ ጽባሕ ናይቲ ኣብ ጀኔቫ ዝተኻየደ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ‘ውን ኣሚትናዮ ከምዝነበርና፣ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ መስርሕ ‘ዚ ሓቀኛ መረዳእታ ሓዲሩዎ ካብ ተጸባይነት ድሒኑ፣ ድሕነትን ቀጻልነትን ሃገሩ ኣብ ምውሓስ ኮነ ዕድሉ ኣብ ምውሳን ብቐዳምነት ዝስራዕ እቲ ናይ ባዕሉ እጃም ምዃኑ ፈሊጡ ሓላፍነቱ መታን ክስከም፣ ኪኖ’ቲ ብዝተፈላለየ ኩርናዓት ዝወሃብ ዘሎ ስምዒታውን ኣደናጋርን መግለጺታት ሓቀኛ ትርጉሙ ክግንዘቦ ከምዘለዎ ከነስምረሉ ንደሊ።

ነዚ ጉዳይ ‘ዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ህዝብና ብናይ ሓሶት ሞራልን ፕሮፓጋንዳን ኣብ ኣጉል ትጽቢት ወዲቑ ዘይክዉንነታዊ ትጽቢት ካብ ምሕዳር ክድሕን ምእንቲ፣ ዋላ እቶም “በዚ ውሳኔ ዓጊብና” እናበሉ ብታህዋኽ ዝዛረቡ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ‘ውን ስምዒቶም ክቋጻጸሩዎ ይግባእ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ውሳኔ ስለዝነጸጎን ስለዘማረረን፣ “ተዓዊትና ኣለና ማለት ‘ዩ” ኢልካ ብቐሊሉ ክትዓግብ ምፍታን ናብቲ ስትራተጂካዊ ዓወት ንምብዛሕ ዘሎ መንገዲ ዘናውሕ ሰንኮፍን ዘይብሱልን ኣቀራርባ እዩ። ዓወት ብግብረ መልሲ ዘይኮነ ርእሱ ክኢሉ ብርትዓዊ መንገዲ እዩ ክዕቀን ዘለዎ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ተዳኺሙ፣ ኣብ ኣጋ ውድቀቱ ስለዝርከብ፣ ልክዕ ከምቲ ኣሪጉ ናብ ሞት ዝቐረበ ሽማግለ ብቐሊሉ ዘቕረምርም፣ በንጻር’ቲ ናይ ቀደም ትዕቢቱ ዋላ ብንእሽቶ ነገር ምዕዝምዛሙ ዘገርም ኣይኮነን። ኣብዚ ጠፍ ምባል ከም ጽፍዒት እተሕምመሉ ዘላ እዋን፣ መልክዑ ኣመሓይሹ ዕድመ መታን ክልቅብ ሓደ ናይ መጻንሒ ሜላ ኣተኣታትዩ ‘ሎ። ልክዕ ከምቲ ገለ ስሱዓት ነጋዶ ዝገብሩዎ፣ ፈለማ ዓይኒ ዘይብሉ ዝኸበረ ዋጋ ነጊርካ፣ ድሕሪ ምቅጥቓጥ ‘ውን ኣብ መወዳእታ ዘይግብኣካ መኽሰብ ናይ ምግሓጥ ስልቲ፣ ህግደፍ ንርኡያት ሓቅታት 100 ካብ ሚእቲ ክሒድካ፣ ኣብ መወዳእትኡ ከምዚ ትማሊ ኣብ ዝሓለፈ ውሳኔ ቢትምሕሪ ሰብኣዊ መሰላት ብግብሪ ዝተራእየ ኣሻላሻል ምርካብ ከም ሜላ ይሰርሓሉ ኣሎ።

ስለዚ ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ ኩነታት ብዕምቆት ተረዲእና ብቐሊሉ ከይዓገብና ተባዕ ናይ ቃልሲ ሜላ ብምቕያስ ደኣ ክንንቀሳቐስ ኣለና እምበር፣ ንህዝብና ናብ ተጸባይነት ዘምርሑ ጉድለታት ክንፍጽም የብልናን። ብቐንዱ ከይተፈለጠና፣ ከምቲ ናይ ገለ ዘይመንገስታውያን ማሕበራት (NGOs) ስራሕ ከይስእኑ ምእንቲ ቅልውላው ምቕጻል ዘየሰክፎም፣ ብዋጋ ናይቲ ዝዓበየ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዘውሕስ ዕላማ፣ ነቲ ምስ ወጻእተኛታት እንገብሮ ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ምንቅስቓሳት፣ ካብቲ ህዝቢ ኤርትራ ከካይዶ ዝግባእ ኣውራ ቃልሲ ኣጋኒና ብምቕራብ ንህዝቢ ከነዛንዮ ኣይግባእን።

ምስዚ ተተሓሒዙ ዝርአ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ መንግስቲ ኣመሪካ ሓደ ካብቶም እቲ ተሪር ቋንቋ ናይቲ ውሳኔ ክልስልስ ብጋህዲ ዝተዛረቡ መንግስታት ክንሱ፣  መንግስቲ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኮነ ኢሎም ንኤርትራ ንምሕናቕን ንምምብርካኽን ዘበገሱዎ ውሳኔ ምንባሩ ብትሪ ምኽሳሱ፣ መቐጸልታ ናይቲ “ዝርያ ናይ ኣመሪካ እዩ ጠንቂ ኩሉ ጸገምና ” ዝብል ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻሩ ንኸይለዓል ንናይ ቃልሲ ወኑ ጅሆ ንምሓዝ ንነዊሕ እዋን ዝጠቕመሉ ሜላ እዩ።  ከምቲ ብኡሳት ሰብ ሓዳር፣ ጎረቤት ወይ ጓና ከይሰምዓና እናበሉ ተጸሚሞም ብሓንሳብ ዝነበሩዎ፣ ነዚ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘሎ “ ካብ ምጽዳፍ ቆንጦጠፈ ሓቝፍካ ምሕዳር” ዝዓይነቱ ተመሳሳሊ ድኹም ስምዒት ብምምዝማዝ፣ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ኣመሪካን ኢትዮጵያን እናዘኻኸረ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ምስራቕ ለሚዱዎ እዩ። ‘ይኹን እምበር እቲ ቆንጠጠፈ ሓቝፉ ክብ ምጽዳፍ ዘይደሓነ ህዝቢ ኤርትራ፣ እቲ ዘይምሕር ጸድፊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንገዛእ ርእሱ ምዃኑ ተገንዚቡ ነዚ ኣምእሮኡ ኣደንዚዙዎ ዝጸንሐ ፕሮፖጋንዳ ኣጸቢቑ ክነቕሓሉ ይግባእ።

ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ብገበነኛ ስርዓት ይመሓደር ምህላዉ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ሓሊፉ ማሕበረሰብ ዓለም ተገንዚቡሉ ዘሎ እዋን፣ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ በትሪ ወስ ኢልካ ካሮት ምዅላስ ዝረኣየሉ ዘሎ ምኽንያት እምብኣር፣ ምልኪ ህግደፍ ስለዝፈኾሰ ወይ መግረፍቲ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝዘሓለ ኣይኮነን። ከም ወትሩ ሓያላን ዓለም ካብ ሓርነትን ፍትሕን ከምዚ ኸማና ዝኣመሰሉ ናእሽቱ ህዝብታት ዝያዳ ዘገድሶም ጂኦ ፖለቲካዊ ረብሓታቶም እዩ። እዚ ዝንባለ ‘ዚ ድማ ትማሊ ኣብ ዝተወስደ ውሳኔ ‘ውን ኣሰሩ ‘ሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብቲ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ዝመርሓኦ ምሕዝነት ተቐርቂሩ ልኡላዊ መሪት ኤርትራ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣሕሊፉ ብምሃብ ነቶም ብኢራን ዝምወሉ ሑቱ ኣብ ምድኻም እጃሙ ክጻወት ምጽንሑ፣ ዋላ ‘ኳ በላዕቲ ናይቲ ሕሙቶ ኣመሪካን ቀጠርን እንተኾና፣ እተን ዝጎስዓ ዘለዋ ግን ኣመሪካን እንግሊዝን እየን። እቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ (ግብጽን ሊብያን) ከምኡ ‘ውን ኣብ ጎረቤትና የመን ብማዕዶ ድማ ኣብ ሶርያ ዝተኻየደ ዘይዕዉት ናይ ለውጢ ምንቅስቓሳት ንገዛእ ርእሱ ካልኣይ ግዜ ክሓስቡ ከምዝድርኾም ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብ ሃብቲ ማዕድን ሃገርና ኢድ ናይ ምሕዋስ ሃንቂሃንቃኦም ኮነ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራውያን ናይ ምግታእ ድሌት ‘ውን ንዓኣቶም ካብ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ዝሃጸጸን ዝዓዘዘን እዩ።

ስለዚ ከምቲ ደጋጊምና እንብሎ ዘለና ፣ ህዝቢ ኤርትራ ማሕረሻ እምበር ውሻል ከምዘይሓርስ ተገንዚቡ፣  ኣብ ነብሱ ተኣማሚኑ ደኣ ሓርነቱ ብምርግጋጽ ዕድሉ ክውስን ኣለዎ እምበር፣ ብትጽቢት ክበሊ የብሉን።

እቲ ከም ዛንታ ዓወት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጥቀስ ዘሎ ኣብዚ ዓመት ‘ዚ ዝተቓንዐ ፍርዲ መራሒ ጫድ ነበር ሑሰን ሃብረ፣ እቲ ን 8 ዓመት ጥራይ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ 26 ዓመት ምስ ሓለፈ ናብ ፍርዲ ምቕራቡ እንተተዘኪሩ፣ እቲ ዓወት ዘቝጸልጽል ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። በቲ ካልእ ወገን፣ እቲ ብባይቶ ጸጥታ ናብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ክቐርብ ዝተወሰነሉ ዑመር ኣልበሽር ናይ ሱዳን እቲ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ትጽቢት ሰልችዩዎ ሸለል ክብሎ ዝተደናደነሉ ምኽንያት ‘ውን በሽር ኣብ ስልጣን ብምህላዉ እዩ። ስለዚ፣ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ፣ ተነጽሎ ህዝብን ዓለምን ኣዛይዱ ውድቀት ናይቲ ኣሪጉ ዘሎ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ምቅልጣፍ እጃም ከምዘለዎ ተወሳኺ መኽሰብ ደኣ’ምበር ከም ቀንዲ ዓውዲ ኵናት ለውጢ ክርአ ኣይግባእን።

ልክዕ እዩ፣ እቲ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ከምዘሎ ብምምስካር፣ መራሕቲ ናይቲ ስርዓት ናብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ክቐርቡ ዘመሓላለፎ ለበዋ፣ ብባይቶ ጸጥታ ይርአ ኣይርአ፣ እቶም ገበነኛታት ኣብ ኣህጉራዊ ፍርዲ ይቕረቡ ኣይቕረቡ ብዘየገድስ፣ እቲ ጸብጻብን ለበዋታቱን ንገዛእ ርእሱ ከም ሰነድ-ምስክርነት ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ምኽንያቱ፣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ድሮ ነቒሑሉ ዘሎ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሕጋውን ሞራላውን ተፈላጥነት ዘይብሉ ናይ ገበነኛታት ስርዓት ምዃኑ ዝግንዘብ መረዳእታ ዝድርዕ ወግዓዊ ሰነድ እዩ።

ካብዚ ንደሓር፣  ህዝቢ ኤርትራ፣ በዚ ናይ ለውጢ ድሌቱ ፍትሓዊ ምዃኑ ዳግም ዝምስክር ተወሳኺ መርትዖ  ተተባቢዑ ንጹር ናይ ቃልሲ ሜላን ቅኑዕ መሪሕነትን ኣዋዲዱ ደኣ ሓርነቱ ከቀላጥፍ ክጓየ ኣለዎ ‘ምበር፣  እቶም ገበነኛታት ኣብ ቅርዓቱ እቲ ውሳኔ ድማ ኣብ ኢዱ ከለዉ፣ ባይቶ ጸጥታ ይኹን ሕብረት ኣፍሪቃ ነቶም ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ከቕርበሉ ውሳኔኦም ክጽበ ቀንፈዘው ክብል የብሉን።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

02 ሓምለ 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • Simon G. July 2, 2016

    ኣመሪካ ኢሳያስ ክእለ ጠሪሳ ኣይትደልን። ከም ኢሳያስ ጌሩ ንኤርትራ ኣዳኺሙ ባይታ ዘዝብጣ ኣይትረክብን። ደሓር ኤርትራ መተስኢ ከምዘይብላ ምስፈለጠት ናብ ኢትዮጵያ ምጽጋዕ ቀሊል ይኾነሎም።
    ኢሳይስ ከምድሌቱ ንኣመሪካ ምጽራፍ: መሸፈኒ: ነዞም ኣይሰብ ኣይ እንስሳ: ንሕና ንሱ መደናገሪ ክኸውን ዝተማህዘ ዩ።

    እንድሕር ኣስተውዒልኩም: ኢሳይስ ገመድ ጽብብ ክትብሎ ምስጀመረት: ኣመሪካ ገለ ነገር ይዛረቡ። ብኡ ንብኡ ድማ ‘ታ ነገር ትፈኩስ: ብኡ ጌራ ድማ ትጠፍእ። ኣስተውዕሉ!

    • Asmerom July 2, 2016

      Brother Simon G., only worthless people create worthless nations and only worthless people live blaming others for their weakness and blindness. The sooner you get up and face up the reality of today the better for your tomorrow’s world. In short, forget about ” Komishiti adey Ankifuni” kind of past politics.

  • berhe tensea July 2, 2016

    This criminals are waiting to be arrested, now they are shamed and proven guilty..
    The ball is on our court, and we must do as usual to fight them tirelessly. till they reach their final destination , the HEGUE or the container prisons..
    The monkey was completely ignored.
    Thanks to the Djibuti , Holand, and Somalian representatives in particular..

    • Haki July 2, 2016

      You are right man America always with Eseyas we have to know first this

  • Alem July 2, 2016

    Oppressive regimes do not withstand people’s pressure and fall apart always. Yemane honey and iseyas gihila must be writing their pants after Geneva’s demo.

  • Sara July 2, 2016

    I think we did big jobs to the dicatorial regime t he world….it is very clear now…hgdf is gangs club….ልክዕ እዩ፣ እቲ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ከምዘሎ ብምምስካር፣ መራሕቲ ናይቲ ስርዓት ናብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ክቐርቡ ዘመሓላለፎ ለበዋ፣ ብባይቶ ጸጥታ ይርአ ኣይርአ፣ እቶም ገበነኛታት ኣብ ኣህጉራዊ ፍርዲ ይቕረቡ ኣይቕረቡ ብዘየገድስ፣ እቲ ጸብጻብን ለበዋታቱን ንገዛእ ርእሱ ከም ሰነድ-ምስክርነት ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ምኽንያቱ፣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ድሮ ነቒሑሉ ዘሎ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሕጋውን ሞራላውን ተፈላጥነት ዘይብሉ ናይ ገበነኛታት ስርዓት ምዃኑ ዝግንዘብ መረዳእታ ዝድርዕ ወግዓዊ ሰነድ እዩ።
    ካብዚ ንደሓር፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ በዚ ናይ ለውጢ ድሌቱ ፍትሓዊ ምዃኑ ዳግም ዝምስክር ተወሳኺ መርትዖ ተተባቢዑ ንጹር ናይ ቃልሲ ሜላን ቅኑዕ መሪሕነትን ኣዋዲዱ ደኣ ሓርነቱ ከቀላጥፍ ክጓየ ኣለዎ ‘ምበር፣ እቶም ገበነኛታት ኣብ ቅርዓቱ እቲ ውሳኔ ድማ ኣብ ኢዱ ከለዉ፣ ባይቶ ጸጥታ ይኹን ሕብረት ኣፍሪቃ ነቶም ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ከቕርበሉ ውሳኔኦም ክጽበ ቀንፈዘው ክብል የብሉን።

  • Mike July 2, 2016

    Dear Amanuel, I totally agree with what you said. The resolution by COI is very helpful. and will isolate the regime and can further weaken it. But it is a long processes. But we Eritreans need to short the suffering of our people by taking e a direct action on the brutal regime… We need to work hard in uplifting the moral of our people Inside Eritrea to take action..

    It reminds me the saying ” Temen ab Igrika Betri Ab Edka enda halewe Entay Tisibe Eyu”

  • abel July 2, 2016

    Thank you Amanuel Eyassu
    As usual very impressive and articulated article. The message is loud and clear, NO ONE WILL DO OUR HOME-WORK BUT US.

  • Qantsha July 2, 2016

    ሓቂ ብሓቂ፤ “ማሕረሻ እምበር ውሻል ኣይሓርስን እዩ።”

    ስለዚ፣ ህዝቢ ኤርትራ ወይ ባዕሉ ማሕረሻ ክኸውን ኣለዎ፤ ወይ ከኣ ባርያን ዓቢድን ኮይኑ ክንበር እዩ። እቲ ውሳኔ ናይቲ ሕሰም ውርደትን ሕፍረትን ተጎሊቢቡ ዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ እዩ።
    ኤርትራ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ ንኣፍሪቃውያን ውን ውረድትን ሸኸምን እያ ኮይና ዘላ። ኣብ መበል ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘመን ኤርትራውያን ጥራይ እዮም ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛእ ርእሶም መንግስትን ኣብ መገዲ ሃገራት ዓረብን፣ ባሮት ወይ ዓቢድ ኮይኖ ከም ኣግማል ዝሽይጡን ዝልወጡን ዘለዉ።
    እቲ ካብ ኩሉ ዘሕፍር ውን ንኻለኦት “ፊውዳል” እናበሉ፣ ይዋራዘዩ ኔሮምሲ ሎሚ ሎሚ ግና ስርዓት ባርያነት ወይ ዓቢድነት መስሪቶም ከም ኣቕሓ ይልወጡ ኣለዉ።

  • ertra n ertrawyan July 2, 2016

    Good job Amanuel abo hizbi. You are right Eritrean justice seekers must remove the regime instead of waiting external powers to hand them their country. So we must enlarge our effort toward mobilizing the internal people especially the youths. We do not hate the UN resolution but at the same time also we should not wait for it. The UN have tactically gave to AU to investigate and give decision on it. It is because Issayas has accused UN always as it uses the ICC as a trap for African leaders . Therefore UN derived by US have thrown the ball to the African Union because they know definitely the AU always sings what Ethiopia sings. that means they preferred the final decision of announcing Issayas as a criminal to be by AU instead of UN so the result is already clear. We won.

  • ኣርዓዶም July 2, 2016

    ልክዕ ኣማኒኤል ዝበሎ ኩሉ ጎደሎ የብሉን፡
    ገለ ደቒ ገርሂ ልባ ዝኾና፡ ህግደፍ በዚ ናይ ክሲ ዝውዳእ ወይ ዝጠፍእ ዝመስለና ኣለና፡ እዚ ግን ግጉይ ኢዩ፡ ህግደፍ ትልሞም መግዛእቲ ክቕጽሉ ወይ ብሓይሊ ከውርዶም ዝኽእል ክገጥሙ እምበር፡ ብቤት ፍርዲ ዓለም ተኸሲሶም ስልጣን ናብ ህዝቢ ከረክቡ ፍጹም ኣይሓስብዎን ኢዮም። ልክዕ ትልሞም ከም ናይ ቐዛፊ ኢዩ፡ እቲ ሓይሊ መጽዩ ክሳብ ገጾም ከዋዊሑ ዘድምዮም ስልጣኖም ናብ ህዝቢ ከረክቡ ድሌት ወይ ሓሳብ የብሎም። እዚ ድማ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ክፈልጦ ዝግባእ ኢዩ።

    እዚ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ከም`ቲ ኣማኒኤል ዝበሎ፡ ገበን ከም ዝፈጸሙ ከም ሰነድ ተሰኒዱ ይኸይድ እምበር፡ እዞም ኣረሜናውያን ዓለም ምእንቲረብሓኣ ክትብል ኣብ ፍርዲ ከተቕርቦም ኣይትክእልን ኢያ። ቐቕላጡ፡ ከም ሶርያ ኣሳድ ሃገር ናብ ድኹዒ ቐይርዋ`ሎ ብሰንኩ ድማ ምልዮናት ተቐቲሎም ገና`ውን ይቕተሉ ኣለዉ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ከድሕና ኣንተዝኽእላ፡ ነዚ ደመኛ ኣልጊሰን ናይ ህዝቢ ክመርጻ ምኽኣላ፡ ግን ንሽሙ እምበር ማሕበረ-ሰብ ዝብሃል ፍጹም የለን። ደቒ ሰብ ደቒ ሃገር ንመሰሎም ባዕሎም ክሳብ ዘይተቓለሱላን ዘይደመዩላን ካልኦት ሃገራት ክደምያሎም ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ኢዩ።
    ሕጂ`ውን ህዝብና ክህመል የብሉን፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ወይ ህግደፍ ይኹን ወይ ምስ ህግደፍ ብተግባር ይጠማጠም። ባይታ ብዘየገድስ ከም`ቲ ትክን ተባዕን መውጽእ ዘይስእን፡ ንቑሩብ ግዜ ክሽገር ይኽእል ኢዩ፡ ሓድነት ተሃልዩ ግን ፍጹም ዘሸግር ነገር የለን። ስለዚ ከይተሓለልና ንሓድነትን ንግብራዊ ስራሕን ክንዕተቕን ክንውደብን ይግባእ።

    ዓወት ንኹሉ ደላይ ፍትሒ

    ምልኪ ይፍረስ፡ ሕጊ ይንገስ

  • Genet Original July 2, 2016

    Dear Ema, well said about taking care of our business and rescue our people and our country. We need to know, any gov in the world care only for its interest. We shouldn’t surprise, even Djibouti can try to look for some leverage to gain something out of this situation. So let us be active and use the momentum and mobilize our people. let us tell them to :Get up and stand up for your right!!
    Thank you Ema my brother.
    God bless the Eritrean people.

Post a Reply to SileFithi Cancel Reply