Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጸዋዕታ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ንእትርከቡ ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና – ብዛዕባ ደገፍ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል [Some have already started donating, why don’t you…]

View Report

<img alt="" border="0"

ኣቐዲምኩም ብዜናታት ኣሰና፣ ሎሚ ቅነ ድማ ብቃለመጠየቕ ትከታተሉዎ ከምዘለኹም፣ እቲ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብዘይ ክሲ ን15 ዓመታት ተኣሲሩ ክሳቐ ዝጸንሐ፣ ምቝሕ ናይቲ ጨካን ስርዓት ሰይሩ መሰናኽል ካርሼሊ ፈንጢሱ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓርነት ዝተጓናጸፈ ጅግና ኤርትራዊ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል፣ ኣፍ ወጽዓ ናይቶም ብዘይ ገበን ገና ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ንጹሃት ኤርትራውያን ግዳያት ኮይኑ፣ ንቕሓት መላእ ህዝቢ ክብ ዘብል ኣብነታዊ ምስክርነት የቕርብ ኣሎ።

እቲ ኣቡኡን ኣዴኡን ተጋደልቲ ዝነበሩ፣ ኣብ ሳሕል ዝዓበየ፣ ድሕሪ ናጽነት ሃገረይ የገልግል ኣለኹ እናበለ ኸሎ፣ ገና ህይወቱ ከስርዐ 15 ዓመታት ካብ ንእስነቱ ብስርዓት ኢሳይያስ ዝተሰርቀ ደጋፊ ዘይብሉ ውጹዕ ግዳይ ደጀን ዓንደ ሕሸል፣ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት መታን ክረክብን ሞራላዊ ደገፍ ክኾኖን፣ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ክትገብሩሉ ንእትደልዩ ግዱሳት ሰናይ ተግባርኩም ንምስላጥ ናይ ወፈያ መሳለጥያታት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ተዳልዩልኩም ኣሎ።

ነቶም ድሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ክትገብሩ ድሌት ኣርኢኹም ዘለኹም ብስሙ እናኣመስገና፣ ካልኦት ግዱሳት ነቲ ንሓጺር ግዜ ዝጸንሕ ናይ ወፈያ መሳለጥያታት ኣብ እዋኑ ክትጥቀሙሉ ነዘኻኽር።

እዚንኡስሕሳብ ‘ዚ (UNITY Account)ካብቲ ንራድዮ ኣሰና ንምስሳን እትገብሩዎ ወፈያ እተበርክቱሉ ዝተፈልየ ሕሳብ እዩ። ወፈኣኹም ካብኡ ዝተፈልየ ንምንጻር ከኣ ንዝርዝር ናይቲ ናይ ባንክ ሕሳብ ደጊምኩም ኣረጋግጹዎ። ንደጀን ንምሕጋዝ ወፈያ ክትገብሩ ከለኹም ናብዚ ኢመይል ዚ መዘኻኸሪ ምጽሓፍ ድማ ኣይትረስዑ።  –  dejenwegihulu@gmail.com. ዝርዝር ኣስማት ኣበርከቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ክዝርዝር ስለዝኾነ፣ ስምኩም ክወጽእ ዘይትደልዩ እንተዄንኩም ውን ብኢመይል ኣፍልጡና። 

ብዝተኻእለ መጠን በዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ሕሳብ ባንክ ከተወፍዩ ዝምረጽ ኳ እንተኾነ፣ ብባንክ ምውፋይ ቀሊል ኮይኑ እንተዘይረኺብኩሞ ከም ኣማራጺ Pay Pal ናይ ኣሰና ተጠቒምኩም ከተበርክቱ ትኽእሉ፣ እንተኾነ ን ‘ደጀን’ ዝብል መዘኻኸሪ ክትጽሕፉልና ኣጥቢቕና ንምሕጸን።

Bank Details
Assenna Foundation Ltd/ Unity Account
HSBC Bank
Branch Sort Code: 40 -05-31
Account Number: 41573098
Swift: MIDLGB22

IBAN: GB96MIDL40053141573098

ኣሰና ፋንውዴሽን

22 ግንቦት 2014

Donor Name Extra Description  Amount
 1  Berhane Haile Boston, USA  $172.99
 2  Alem Haile  £50.00
 3  Michael Tzerai  USA  £60.00
 4  Anonymous  Oakland, USA  £60.00
 5  Abrehet Weldesilasie Fisehaye  Finland  £50.00
 6  Mussie Fesehaye  £100.00
 7  Yoel Kiros  Belgium  £100.00
 8  Abraham Tecle  Frankfurt , Germany  £50.00
 9 Yohannes Gaim,&  Mekonen Teame,  Midland, TexasCalifornia $207.00
 10  Mulubrhn Rezene  Stamford, USA  £37.00
 11.  Negede Tesfamariam  Germany  £100.00

aseye.asena@gmail.com

Review overview
85 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you May 23, 2014

    In addition besides this money support why are the so called oppositions specially the so called human right activists and civic society groups using their political community by cooperative with international human right organizations they do not try to help this hero in one of the safest developed nation either in N. America or Europe to transit him, or wherever Degen be for instance in Ethiopia, why the oppositions there they do not ask the Ethiopian government to in whatever he need be it medicine or other support. Those countless opposition groups there and outside, since they couldn´t do this simple matter, please how can you imagine and expecting they able to chalange and overthrow the Isyas´s regime?
    In my view to this highly qualified pilot precious citizen , like a beggar to leave him from the handout of others by itself is a big nation shame. The aid by itself ratherthan support seems an insult to Dejen . Please do not understand me wrong, i do not mean the ongoing support is totally wrong, but the support i wish was worthy politicians like Wedi Vacaro or by other human right activists, like Dr. Alganesh, Elsa Cherum, Meron and alike as soon as possible if they be able to be transited to one of developed nations was the best preferable support. I say this all, because to keep his professional reputation and because i feel the money support it belittle his human dignity i feel it is. I do not think Dejen will be saticfied and sleep peacefully with money support or comfort, unless he retaliates his tormentors enemy. Do not you listen What the hero Wedi Ali Higa´s wife said, what is money to her after she lost her lovely hero husband? She clearly indirectly told her satisfaction unless the reason her husband sacrificed for sees succeed as she not be happy with money. So do you think Dejen also will be happy with comfort life unless in his Mig 29 flies over Isayas head? in this aspect in dignity and respect we should to supporte him, not like those instead resisting the evil regime, cowardly while fleeing by Bedweens their body sexually abusing and like commodity purchasing usual immigrants type support for this hero. Of course for the future, what life it satisfies him to chose it is up to him not up to us.

  • abraham May 24, 2014

    congratulation D E G E N we are very glade .ድንን ኢሉ ዝኸይድን በሊሕ ኢዩ ንሽጣራና ክፈልጦ ይኽእልዩ ኢሎም ዝሓሰብዎ ሰብ ምቕታልን ምእሳርን ቀዳማይ ዕማም ስርሖምዩ.ሓደ ሰብዩ ዘህውትታ ዘሎ.ohh my God help us!!!

  • gebre1 May 24, 2014

    thanks to God Dejen, you are now free

  • JOHANNES May 24, 2014

    DEJEN JIGNA KUBUR HAWEJ KAB MOKUH NAY HGDF FENTIZKA BMWSAHKA ZTESEMAHANI HAGOS DERET YEBLUN ITOM ZETREFU YEHWATNA KEMZI NATKA HIDIL KREKBU ZELOTEY YGHEBR AJOKA AB GONOKA ALENA NAMANIEL BTAMNI YEMESGNEKA.

  • Mesinas May 24, 2014

    ምንም’ኳ እቶም ኣቐዲምና ዓይኒ ዘንቋሕና ኤርትራውያን፡ እዚ መዘናን መግለጽን ኣልቦ ግፍዓታት ጃንዳ ህግደፍ፡ ንፈልጦን ንርድኦን እንተነበርና፡ ክሳብ ከምዚ ዝበለ እንኮ ፓይሎት ሃገር፡ እሞ ኸኣ ሃገር ገና ኣብ ሓደጋ ወራር ከላ፡ ብዘይዚኾነ ሕግን ፍርድን ብዘይዚኾነ መአረምታን ምኽርን ንሓደ ክቡርን ንጹህን ሰብ ንኽንድ’ዚ ዚኣክል ዓመታት ብምስቓይ ከጥፍኡዎ፡ እሞ ኸኣ ብቃል’ቶም ግዳያት ኪትሰምዖ ከለኻ፡ ከም ኤርትራዊ ዘይኮነስ ዋላውን ከም ጓናን ጸላእን እምብዛ ስክሕክሕ ዘብል ጭካነ’ዩ። ነፍሲ ወከፍ ደላይ ፍትሒ ይኹን ደላይ ምልኪውን ሰብኣዊ ልቢ እንተ ደኣ ኣልዩዎ ኮይኑ ነዚ ፍጻመ’ዚ ክጻወሮ ዝኽእል ፍጻመ ኣይኮነን!

    እቲ ሕቶ ናይ ሰብን እንስሳን ፍልልይ ጥራይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ልቢ ሰብ፡ ኣዛዊሩ ዝሓስብን ለዋህን ኪኸውን ከሎ፣ ልቢ እንስሳ ድማ ኣብድን ጨካንን እዩ። ስለዚ፡ እዚ ፍጻመ’ዚ መን ልቢ ሰብ ኣሎዎ፡ መን ድማ ልቢ እንስሳ ኣሎዎ ኢልና እንፋላለየሉ ኩነታት’ዩ ፈጢሩ። ብልክዕ እዚ ስርዓት’ዚ መሬትን ባሕርን ኤርትራ’ምበር ህዝቢ ኤርትራ ኣየገድሶን’ዩ! ኩሉ ኣንፈቱን ኣካይዳኡን ካብ ፈለማኡ ነዚ’ዩ ዘረጋግጸልና። ኩሉ ቃሉን ተግባሩን፡ ‘ሃገር፣ ሃገር…’ ጥራይ እዩ። ከምዚ ስለ ዚኾነ ድማ’ዩ እዚ ኹሉ ንዕቀትን ሕስረትን ህዝቢ። ብስም ‘ሃገራዊ ድሕነት’ ብዘይሕግን ፍርድን ህዝቢ ዘጥፍኡ ቀይዲ በተኽ ሓይልታት ፈጢሩ። ‘ላዕለዋይ ኣካል’ እንተ ተባሂሉ ድማ ምስ ልዑል ፈጣሪ ብምንጽጻር፡ ንልምዓት ይኹን ንጥፍኣት ብዘየገድስ፡ ፍጻመ ጥራይ እዩ ዚጠልብ። ትእዛዝ እንተዘይፈጺምካ ግን ኣብ ጉድጓድን ኮንተይነርን ተሓዪርካ ትሓቅቕ!

    እዚ እናረኣኻን እናሰማዕካን ውልቃዊ ረብሓኻ መታን ኪትሕሉ፡ ‘ንጸሊም ጻዕዳ!’ ምባል፡ ግዜኡ ከብቅዕ ኣለዎ። ዓመት ዓመት ንዓዲ መታን ንኽትማላለስ ኪትብል፡ ነቲ ንሳቶም የዋህ ንምድንጋር ዝዝምሩዎ፡ ኣብዛ ፈውሲ ሞት ዋላ ሓንቲ ባኒ ብገንዘብካ ዘይትረኽበላ፡ ዜጋታታ ብኩፖን እናቐለበት፡ ብድኽነት ትልኽ ትብል ዘላ ሃገር፡ “ሽሻይኪ ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሑ!” እናበልካ ፓፓጋሎ ሙዃን ከብቅዕ ኣለዎ። ሰባት ኢና’ሞ ከም ሰብ ንሕሰብ። እዚ ጉጅለ’ዚ ከም እንስሳ ወወዲኑ ንዝጸዓነና ከየዝበልና፡ ትኽ ኢልና እናኣገልገልናዮ ከለና፡ ከምዚ ዓይነት በደል ኣብ ልዕሌና እናፈጸመ፡ እቲ ብሓውን ዓረርን ገጢምና ንፋለሞ ዝነበርና ደርጊ፡ ‘ከምዚ ጌሩ፣ እዚ ደጊሙ’ ኢሉ ነቲ ንሱ ብዓሰርተ ዕጽፊ ዝፈጸሞ ግፍዕታት ጸላእቲ ከዘንትወልና ዚኾነ ይኹን ሞራልን ብቕዓትን የብሉን።

    ነዞም። ኤርትራዊ ሙዃንካ ዘሐብን ተግባር ዝፍጽሙ ዘለዉ ክቡራትን ክቡራንን ኣሕዋት ኤርትራውያን፡ ኣብ ቀጻሊ ንኣኣቶም ዚግባእ ምስጋና ክሳዕ ዘቕርበሎም፡ ንሎሚ በዛ ሓጻር ናዕታ ኣቢለ ኣገናዕ ክብሎም ፍቐዱለይ?
    ኣቱም ደበስ ልቢ ኣንበሳ ምስ ዋዕሮ
    ነዚ ቅያታትኩም መን ኣሎ ዚገብሮ?
    ነቲ ዘርኣኹሞ ሰብኣዊ *ሰሃሮ *ሓልዮት
    ሃገርና ምስ መራሓ ቆጽሊ ዝተነብሮ
    ዘልኣለም ኪነብር’ዩ ታሪኽ ኪዝክሮ!

    ሕልናኡ ኣቕሲኑ ንህዝቡ ዘቕስን
    ደኺመ ዘይወጾ ከም ጻጸን ከም ንህብን
    ንድሕሪት ዘይብል ኪኣልን ኪናብን
    እዚ ሰብ እዚ’ዩ ዘኩርዕ ዘሐብን!

    የቐንየለይ።

    • Ha Ar May 24, 2014

      ጅግና ሓው ናይ እንስሳ ባህሪ ዘይኮነ ንሱ ስርሑ ዩ ዝሰርሐ። ኢሰያስ ንኤርትራ ምስ ኢትዮፕያ ናይ ምሕዋስ ሕልሙ ዩ ዘተግብር ነይሩ ጅግና ንጹህ ኤርትራዊ ከኣ ንኩሉ መኢቱ ንሕልሚ ኢሰያስ ኣምኪንዮ በዚ ዘንጸርጸረ mad dog ነቶም ካብ ተንኮላቱ ዓዲ ዘናገፉዋ በብሓደ ቀቲልዎምን ኣሲሩዎምን ይቀትሎም ያስሮምን ኣሎ ደጀን ድማ ሓደ ካብኦም ዩ ‘ ም ንሕና እንታይ ንግበር ንሕሰብ፡፡ይ

  • ብዓል ነጻነት ኢሉ ጓይላ፧ዶምበር ሓንጎል ኣለዎ May 24, 2014

    Congratulation for you (Degen) and your lovely family!

    Really God heard your ‘Awiat’ & took out from ‘Belaitiii Sebbbb’ I pray for your Health & I wish you to let your ears remain opened for the whole eritreans ‘Awiat’

    about your actual needs I do my best.

    one small Eritrean Lady

  • Mesinas May 24, 2014

    ነዞም። ኤርትራዊ ሙዃንካ ዘሐብን ተግባር ዝፍጽሙ ዘለዉ ክቡራትን ክቡራንን ኣሕዋት ኤርትራውያን፡ ኣብ ቀጻሊ ንኣኣቶም ዚግባእ ምስጋና ክሳዕ ዘቕርበሎም፡ ንሎሚ በዛ ሓጻር ናዕታ ኣቢለ ኣገናዕ ክብሎም ፍቐዱለይ?
    ኣቱም ደበስ ልቢ ኣንበሳ ምስ ዋዕሮ
    ነዚ ቅያታትኩም መን ኣሎ ዚገብሮ?
    ነቲ ዘርኣኹሞ ሰብኣዊ *ሰሃሮ *ሓልዮት
    ሃገርና ምስ መራሓ ቆጽሊ ዝተነብሮ
    ዘልኣለም ኪነብር’ዩ ታሪኽ ኪዝክሮ!

    ሕልናኡ ኣቕሲኑ ንህዝቡ ዘቕስን
    ደኺመ ዘይወጾ ከም ጻጸን ከም ንህብን
    ንድሕሪት ዘይብል ኪኣልን ኪናብን
    እዚ ሰብ እዚ’ዩ ዘኩርዕ ዘሐብን!

    ሕልናኣ ኣቕሲና ንህዝባ ተቕስን
    ደኺመ ዘይወጻ ከም ጻጸን ከም ንህብን
    ንድሕሪት ዘይትብል ኪትኣልን ኪትናብን
    እዛ ሰብ እዚኣ’ያ ተኹርዕ ተሐብን!

    የቐንየለይ። 24/5/2014

  • Mesinas May 24, 2014

    እርማት ክቡራት ኣሕዋት፥ ‘ኪትኣልን ኪትናብን’ ዝብላ ቃላት ብ ‘ክትኣልን ክትናብን’ ኪትካእ ብትሕትና እሓትት። ‘ኪትኣልን ኪትናብን’ ንሳልሳይ ኣካል ዚብሃል ኮይኑ፡ ንወዲ ተባዕታይ ጥራይ እዩ ዚምልከት። የቐንየለይ።

  • johnny May 24, 2014

    the true Eritrean character is coming out to support our brother.growing up in Ethiopia my father used to tell me when any Eritrean faces any problem we all from differnet background stick together.lets rally for true Eritrean hero tegadalay dejen.all those cockroaches in asmara or outside want to show them who Eritrean we are.

  • Mike G May 24, 2014

    It is a novel idea . Lets HELP and be HOPE to the voice of the voiceless Eritrean Prisoners- Our Hero Dejen !!

POST A COMMENT