Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጸዋዕታ ንኤርትራዉያን ነበርቲ ዓዲ እንግሊዝን ካልኦት ሃገራት ኤዉሮጳን

ብሰፊሑ ክግለጽ ከምዝጸንሐ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ቀረባ ማዓልታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ለንደን ፌስቲቫል ንምክያድ መዲቡ ኣሎ። ልክዕ እዩ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ምስ ኣሕዋቱን ህዝቡን ዝእክቦ ባህላዊ ኣጋጣሚ ረኺቡ ክሳተፍ ምድላይ ነዉሪ ኣይኮነን። ብናይ ገለ ጥበበኛታት

ብሰፊሑ ክግለጽ ከምዝጸንሐ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ቀረባ ማዓልታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ለንደን ፌስቲቫል ንምክያድ መዲቡ ኣሎ። ልክዕ እዩ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ምስ ኣሕዋቱን ህዝቡን ዝእክቦ ባህላዊ ኣጋጣሚ ረኺቡ ክሳተፍ ምድላይ ነዉሪ ኣይኮነን። ብናይ ገለ ጥበበኛታት ኣዛራርባ ምስቲ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ባዓል ቦለኛ ዝካየድ ዝነበረ ኣምሲልካ ምግላጹን፣ ንህጻናት ብፍላይ ናይ ሃገሮም ባህልን ታሪኽን ንምፍላጥ ከምዝሕግዝ ዝምጉቱ ዉን ኣይተሳእኑን።

ይኹን እምበር እቲ መንፈስን ዕላማን እዚ ፌስቲቫል ኣዝዩ ዝተፈልየ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ኣብቲ እዋን እቲ ኤርትራዉያን ናጻን ዲሞክራስያዊት ሃገር ካብ መግዛእቲ ደርግ ሓራ ንምዉጻእ ናይ ሓባር ዕላማ እዩ ነይርና። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ብስም ህዝባዊ ግንባር መሬት ሓራ ዝገበረ ስርዓት፣ ብቅጽበት ስሙን ኣካይድኡን ብምቅያር ዓስቢ 65 ሽሕ ስዉኣትን፣ ብዋጋ ዘይግመት ገድሊ ወለዶታት፣ 19 ሽሕ ንምዉሓስ ዶባትን ዝተኸፍላ ኣገር፣ መላገጽን መባጨዉን ፍጹም ሓላፍነቱ ዝሳሓተ ዉልቀ መላኺ ወዲቃ፣ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ትርከብ ኣላ። ኣብዚ ቀረባ እዋን መራሒ እዚ ፋሉላዊ ስርዓት፣ ሃገር ናይ ዉልቀ ዋኒኑ ምዃኑ ንምርግጋጽ በቶም ዝገበርካ ግበር ረብሓና እምበር ሃገር ገደል ትእቶ ዝብልዎ መጣቓዕቲ ተታባቢዑ፣ ‘ፍረ ስዉኣት’ ኤርትራና ብዘይ ዝኾነ ኩንትራት ወይ ተሓታትነት ይገዝእ ከምዘሎ ብትዕቢት ተዛሪቡ።

ስለዚ ዝኾነ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣንፈቱን ዕላምኡን ለዊጡ ታሪኽና ታሪኽ ኤርትራዉያን ደዊኑ ዝርከብ ስርዓት ኣብ ዘካይዶ ፌስቲቫል ምስዕሳዕ ኣብ ልዕሊ ዉጽዕ ህዝብኻ ምሽክዕላል እዩ። ጻማ መሪር ገድልናን ከቢድ መስዋእትን ዉልቀ መላኺ ንምምጓስ ኣይነበረን። ካብ ከምዚ ዝኣመሰላ ናይ ጥልመት ጥምዙዝ ኣካይዳ፣ ህጻናት ዝማሃርዎ ታሪኽን ባህልን ኣሎ ዝብል ወላዲ ወይ ወላዲት እንተሎ ደጊሙ ክሓስብ ይግባእ። ኣቱም ኩሉ እትፈልጡ፣ ብፍላይ ድማ ክሳብ ትማሊ ግዳያት እዚ ፍትሒ ኣልቦ ስርዓት ዝነበርኩም መንእሰያት ኣንጻር እዚ ኣለኹ ንምባል ፍሒት ክብል ዝፍትን ዘሎ ስርዓት ድምጽኹም ንምስማዕ ክትስለፉ ሃገራዊ ግዴታኹም ከነዘኻኽረኩም ንደሊ።

እቲ ሃገርና ዘላቶ ህሞት ንኹሉ ዝተሰወረ ኣይኮነን። እዝኒ ዘለዎ ዝሰምዖ፣ ዓይኒ ዘለዎ ዝርእዮ ንጹር ናይ ጥፍኣት መድረኽ በጺሕና ንርከብ። ሎሚ ናይ ሕልና ዘለዎ ጽባሕ ካብ ዓሕ ዘጋላግል ዉሳኔ ንምዉሳድ፣ ኣብ መሳርዕ እቶም ብሓቦን ቖራጽነትን ተላዒሎም ዘለዉ፣ ወጽዓ ህዝቦም ዘሕምሞ፣ ክብሪ ዋጋ መስዋእትን ገድሊ ወሎዶታት ግምጃ ዉልቀ መለኽቲ ኮይኑ ከይተርፍ ንምግዳል ቆሪጾም ተላዒሎም ዘለዉ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩም ትስርዕሉ ግዜ ኣኺሉ ኣሎ። ይኣክል ምልኪ፣ ተመለስ ፍትሒ ንምብለሉ እዋን ሕጂ እዩ።

ስለዝኾነ ኣዳራሽ ዓመጽቲ ከተማሙቕ ትሓስብ ዜጋ፣ ኣብኡ መንፈስ ስዉኣት ነዚ ዲና ተሰዊእና ይብለካ ከምዘሎ ዘክር። ደቂ ስዉኣትን ስድራቤት ሱውእን ብጥምየት ከብዶም ተጠልቂዑ፣ ራህዋ የቋምቱ ኣለዉ። እዋን ሳዕሳዒትን ዳንኬራን ኣይኮናን ዝለና፣ ከምዓሻ በጊዕ ንግዝያዊ ረብሓ ኣይንታለል። ምስ መንባዕቲ ኣዴታት ኤርትራን መጥፋእቲ መንእሰይ ሃገርን ኣይትወግን። ከምከብቲ ማይን ዓለቅትን ሓዊስካ ካብ ምስታይ ኣስተዉዕል።

ንሕና ኣባላት ዓለም ለኻዊ ምንቅስቃስ ኤርትራዉያን መንእሰያት ጨንፈር ሊድስ ኣባላትናን፣ ኩሉ ባዓል ንጹህ ሕልናን ካብ ከተማታት ሰሜን ዓዲ እንግሊዝ ተኣኪብና ፣ነዚ ሃገር እንዳ ኣባደመ ብሙዚቃን ፈንጠዝያን ዕሱባትን ድኹማት ሕልናን ሒዙ ኣለኹ ክብል ዝፍትን ዘሎ ስርዓት፣ ድምጺ ፍትሒ ካብ ድምጺ ዓመጽ ከምዘድሂ ከነስምዖ ተዳሊና ንርከብ። ኩሉ ብራህዋ ሃገሩን፣ መብጽዓ ስዉኣቱን ዝግደስ ዜጋ ኣብ መሳርዕና ክጽንበር ሃገራዊ ግዴትኡ ምዃኑ እንደ ኣዘኻኸርና ኣብቲ ናይ ተቃዉሞ ሰልፊ ክርከብ ብክብሪ ንዕድም።

ማሕበር ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራዉያን ጨንፈር ከተማ ሊድስ።
ፍትሒ ይንገስ፣ ምልኪ ይፍረስ።
eyfc_ne@yahoo.co.uk
17/10/2011
****************////***************

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • goblel October 19, 2011

    merbeb assena eritrawian temesilkum beritrea eitshekitu slemntay bzaba hizbkum (agame) zeytgdesu
    tmet tewediu zelo mengstikum meles btkabo zneber zelo sala europe usa.
    selemon abera ata agame kumra assa b3 nakfa abey trekbo konach agame eritrea teneberka kabey kem zmetsaka
    zeynfelit keymesleka

    • Yonas October 22, 2011

      አጆኹም ደቂ ኤረ ቀሪብና ኢና ዓለም ምሳና እዩ ዘሎ ሽግር አሪትራውያን ቀሪቡ እዩ ኪፍታሕ.
      ኣጆኹም አጆኹም ካብ ማንቸስተር, ሊቨርፑል ዚመፃኹም
      ኣጆኹም ኣጆኹም ካብ ሊድስ በርሚንግሃም ዚመጻኹም !
      አጆኹም ኣጆኹም ደቂ ሎንደን ኣደታት ምስ ኣቦታት
      ኹሉኹም ደቂ ኤረ የሕዋት መንእሰያት!
      ልብና ምሳኹም ዩ ካብ ኩሉ ክፍለ ዓለማት
      ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ናይ ኣመሪካ ኪፍለ ሃገራት
      ካብ ዲሲ ንው ዮርክ ኣትላንታ ቻርሎት
      ሲኣትል ሳንዲያጎ ኤልአ ኦክላንድ!!
      ጺን ኢልኩም ስምዑኒ መልእኽቲ ኣለኒ
      ኣብ ሎንዶን ዘለኹም ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ
      ምስ ጸሓይ ንፋስ ድኻም ቁሪ
      ሒዝኩም ታበላታት ኣንጻር ምልኪ !!!
      ጽንዑ ድገምዎ ዓወት ንው ዮርክ ጀርመን
      ኣሰንብድዎም ከም ናይ ጀነቭ ሽወደን
      ዓበድበድ የእትውሎም ንዎይጦታት ህግደፍ!!
      ኣጽምዎም ሲጋብ ዝስቆሮም ደው ክብል አቲ ኩሉ ሃነፍነፍ
      መንገዲ ሓቂ ኪሕዙ ኣብ ፊትሒ ኪኣምኑ
      ሲቃይ ኪውዳእ ህዝብና ኪሓልፈሉ
      ዮናስ ካብ ኣትላንታ

POST A COMMENT