Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጸዋዕታ ንሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቦሎኛ

መጸዋዕታ ንሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቦሎኛ   ህግደፍ መበል 40 ዓመት ቦሎኛ ብማለት ካብ  4-6.7.2014 ፈስቲቫል ኣብ ቦሎኛ ኣብ ልዕሊ ደም ግዳያት ላምፓዱሳን ካልኦት ህይወቶም ዝሓለፉ ዘጋታትን ከካይድ መዲቡ ኣሎ:: ኩሉ ዓለም ዘሕዘነን ገና ዘሕዝን ዘሎ ህልቀት ዘጋታትና ዘይግድሶን

መጸዋዕታ ንሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቦሎኛ

 

ህግደፍ መበል 40 ዓመት ቦሎኛ ብማለት ካብ  4-6.7.2014 ፈስቲቫል ኣብ ቦሎኛ ኣብ ልዕሊ ደም ግዳያት ላምፓዱሳን ካልኦት ህይወቶም ዝሓለፉ ዘጋታትን ከካይድ መዲቡ ኣሎ::

ኩሉ ዓለም ዘሕዘነን ገና ዘሕዝን ዘሎ ህልቀት ዘጋታትና ዘይግድሶን ንዕኦም ኣብኡ ንክበጽሑ ዝገበረ ስርዓት ህግደፍ ናይ ቁጠባዊ ጠቅምን ኣለኹ ዘብለሉ ባይታን ንክፈጥር ከይሓነኸ ፈቲቫል ክገብር ተዓጢቁ ኣብ ምሽባሻብ ይረከብ::

ኣቱም ውራይና ኢሊኩም ንህግደፍ ትታሓጋገዙዎ ዘለኹምን : ብዝያድ ድማ ኣቱም ኣብኡ ክትስዕስዑን ክትሕጎሱን ትሓስቡ ዘለኹም ኹሉኹም ንሕልቀት ኣሕዋትኩም ዘኪርኩም ኣብኡ ከይትሳተፍ መጸዋዕታና ነቅርብ::

 

ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ንምስታፍን ተሪር ተቃውሞና ንምርኣይ ካብ ፍራንክፈርትውን ኣውቶቡሳት ተኻሪና ክንከይድ መዲብና ስለዘለና : ኩሉኹም ደለይቲ ፍትሒ ኣብዚ ታሕቲ ተጻሒፉ ዘሎ ኣድራሻ ብእዋኑ ክትምዝገቡ ንሕብር::

 

ብተለፎን ክትምዝገቡ ትደልዩ:

ስዩም ሚኪኤል :  015730394765

መድሃኔ ጸሃየ:  015783954621

ብኣካል ክትምዝገቡ ንእትደልዩ ድማ:

ክዮስኪ ኣንዳ ተኽልሃይማኖት (ኣብ ሃብት ባንሆፍ ሱድ ሳይተ)

ዘለኣለማዊ ዝክሪንኣብላምፓዱሳንኣብካልእንብሰንክህግደፍዝሃልቁዘለውዘጋታት

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሳዊ ለውጢ

ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር

ካልኦት ደለይቲ ፍትሒን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • mehari June 18, 2014

    I suggest you don’t do it this is only foolishness and impulsive.
    emotions will kil you. there is people who push you behind you
    never do by them selfe. don’t put your selve in danger.

  • habtom June 21, 2014

    Mehari natka gber nay guayla kedae

Post a Reply to mehari Cancel Reply