Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጸዋዕታ ንሓርበኛታት ተጋደልቲ ኤርትራ

መጸዋዕታ ንሓርበኛታት ተጋደልቲ ኤርትራ ጻውዒተይ ናብ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ እኳ እንተኾነ፡ ዝያዳ ግን ናብቶም፡ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ኣባላት ተሓኤ ነበርን ተቓለስቲ ህግሓኤ ነበርን ዘተኮረ ኢዩ። ክቡራት ገዳይም ሓርበኛታት ተቓለስቲ፡ ድሕሪ እታ ስማዊት ናጽነት ኤርትራ 1991, ውሽጥን ኣካይዳን መራሕቲ ህግደፍ

መጸዋዕታ ንሓርበኛታት ተጋደልቲ ኤርትራ

ጻውዒተይ ናብ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ እኳ እንተኾነ፡ ዝያዳ ግን ናብቶም፡ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ኣባላት ተሓኤ ነበርን ተቓለስቲ ህግሓኤ ነበርን ዘተኮረ ኢዩ።

ክቡራት ገዳይም ሓርበኛታት ተቓለስቲ፡

ድሕሪ እታ ስማዊት ናጽነት ኤርትራ 1991, ውሽጥን ኣካይዳን መራሕቲ ህግደፍ ፈሊጥኩም፡ ኣንጊህኩም ኣብ ምቅዋም ስርዓት ህግደፍ ዝኣተኹም ክቡራት ሓርበኛታት፡  ከምቲ ሓደ ኣራዊተ-ገዳም  ዝገበርካ እንተ ገበርካ፡  ኣራዊነቱ ዘይቅይር፡ ከምኡ ከኣ ባህርያት  መራሒ ህግደፍ፡ ዝተገብረ እንተተገብረ ካብ ዘለዎ ኣረሚናዊ ባህርያት “ኣይቅየርን ኢዩ”።  ኢልኩም ብምእማን ሕላገት ቃልስኹም ከይቀይርኩም ጸኒዕኩም፡ ክሳዕ ኣብዚ ዝበጻሕኩም ሓርበኛታትን፡ ነቶም ኩነታት መሪሕነት  ኣረሜንነት ውልቀ መላኺ ኢሰያስ  ኣንድፈለጥኩም ክነስኹም፡ ግናኸ ምእንቲ መግጎ  ኣንጭዋ ትሕለፍ ብምባልን፡ ከምኡውን  “ኣብ ዓዲ ምስ ኣተና፡ መንግስቲ ምስ ተተኽለ ክቕየር ኢዩ” ኢልኩም ብምእማን ብኣጉል ተስፋ ተሃሚልኩም ፡ ንስኻትኩም ብግርህነት፡ ተመን ከኣ ብጉርሑ፡ ክሳዕ ኣብዚ ዝበጻሕኩም ተጋደልትን  ኢዩ።

ዝኸብርኩም ካብ ክሊቲኡ ሸነኻት ዝመጻኹም ሓርበኛታት ተጋደልቲ፡ ኩላትና ደቂ ሓንቲ ማህጸን ደቂ ሓንቲ ኤርትራ ኢና፡ ኩሉኹም ሓርበኛታት፡ ካብታ ክንጋደል ኢልኩም  ኣፍ ልዳት ቤትኩም ንድሕሪት ገዲፍኩም ዝወጻኹሙላ ደቒቕ ጀሚሩ፡ ንሃገርኩም ኤርትራ ዘለኩም ፍቕሪ፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ፡ ናይ ሕቶ ምልክት ዘይብሉ ፍቕሪ ሃገር ከም ዘሎኩም ዘማትእ ኣይኮነን።  እንተኾነ ሓሲብኩሞ ዝኸድኩምን ኣብ ቃልሲ፡ ዘጋጠመኩም ኩነታትን ግን ዘይመጣጠን፡ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ዝኾነ ኩነታት ከም ከምዘጋጠመኩም ርግጽዩ። ገለ ትሕቲ ሃገራዊ፡  የማናዊ፡ ጸጋማዊ፡  ኣዕናዊ ፋሉል ብዝብል ኣስማት እናተጠመቑ ኣብ ዝኣተዉዎ ከይተፈልጠ ሓቒቖም፡ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣዝዩ ብዙሓት ኢዮም። ብዓቢኡ ኸኣ ኣብ ሞንጎ ተሓኤን ሻዕብያን ኣብ ዝተገብረ ውግኣት፡ መንእሰይ ኤርትራ፡  ከም ቆጽሊ ክረግፍ ከሎ ዝረኣኩም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ምዃንኩም ርግጸኛ ኢየ።  ገሌኹም ካብዞም  ሕጂ ኣብ ስደት፡ ወይ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣቲኹም፡ ውድብ መስሪትኩም ትቃለሱ ዘለኹም ሓርበኛታት፡  ቀደም ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ መሳርሒ ዓመጽቲ ኮይንኩም ኣብ መደብ ምጥፋእ ኤርትራውያን ኣሕዋትኩም ዝተኻፈልኩም እውን ኣይትሰኣኑን፡ ከም ሓቂ ኣብቲ እዋን እቲ ኮይንኩም ቅኑዕ ትገብሩ ዘለኹም፡ ምእንቲ ኤርትራ ትገብርዎ ከምዘለኹም፡  ቅኑዕ ትገብሩ ዘለኹም መሲልኩም ከምዝገበርኩሞ ይርደኣኒ ኢዩ። ደሓር ከኣ ልቢ መንእሰይ ኣብ ደረቱ ስለ ዝኾነ፡ ከምዚ ሕጂ ማይ ሰቲኹም፡ ሃዲእኩም ሓሲብኩም ዝገበርኩሞ ስለ ዘይኮነ፡ ቀደም ከምዚ ኔርኩም ከምቲ ኔርኩም ክብል ኣይደልን፡ ግዜኡ ስለዘይኮነ፡ ብሕጊ ዘሕትት ጌርኩም እንተኾንኩም እኳ  ንናይ ሕጊ ክኢላታት ዝግደፍ እምበር፡ ኣነ ክሓትትስ ኣይግበኣንን ምኽንያቱስ” ቦታይ ስለ ዘይኮነ።

ኣነ ሎሚ ክብሎ ደልየ ዘሎኹ ዛዕባ ግን፡ ኩላትና ንድሕሪት ምልስ ንበል እሞ፡ ናብታ ካብ ቤትኩም ዝወጻኹሙላ  ቀንዲ ዕላማ ንሕሰብ፡ እታ ክትስውኡላ፡ ክትስንክሉላ ዝወፈርኩም ሃገር፡ እታ ዝተመነኹሙላ ናጽነትን ሓርነትን ረኺባቶዶ?ድሕሪ 23 ዓመት  ምዕብልትን ብልጽግትን ሃገር ተሃኒጻዶ? ህዝባኸ  በሊዑ ጸጊቡ ተሓጉሱ ዶ የሓድር ኣሎ፡ መንእሰያታኸ፡  ማእከላት ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊቱሎም ካልኣይ ደረጃ፡ ብዲፕሎማ፡ ብዲግሪ፡ ብማስተርስ፡ ብዝለዓለ ዶክትሬት ዲግሪ ዝምረቑሎም ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊቶምሎምዶ? ምሉእ ህዝባኸ ብሕክምናዊ መዳያት ሕክምናዊ ክንክን ዝረኽበሎም ሆስፒታላት ተኸፊቶሙሉ፡ ምሉእ ሕክምናዊ ረዴት ይረክብ ዶ ኣሎ?

ከይረሳዕኩዎ እባ፡ ብፖለቲካዊ መዳያትከ ኣብ ኤርትራ ቅዋም ኣሎዶ? መንግስታኸ ብሰለስተ ኣዕኑድ ዝቖመ ድዩ?  ክንደይ ግዜኸ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ተኻይዱ? ክሳዕ ሕጂኸ ኣብ 23 ዓመት፡ ክንደይ ፕረሲደንትታት ርኢና?

መልሲኹም ፍሉጥ ኢዩ? ካብዚ ኹሉ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘቕረብኩዎ ዋላ ሓንቲ ኣዎንታዊ መልሲ ከምዘይብልኩም ይፈልጥ ኢየ። ሕጂ ግን ናብቲ ካልእ ሕቶ ክኣቱ፡

እታ ዝሰንከልኩሙላ ገሌኹም ምሉእ ዕድሜኹም፡ ገሌኹምውን ክፋል ዕድሜኹም ዝሰዋእክሙላ ሃገር፡ በቶም መውጻእቲ ሓራ ኢና ዝበሉ ደቃ፡ ህዝባ ካብ ጓናዊ ወይ ባዕዳዊ ገዛኢ ብዝኸፈኤ መገዲ ብባርነት ክግረፍ ከሎ፡ ህዝባ ሰላማዊ መንባብሮኡ ስኢኑ፡  ክበታተን ከሎ፡ ክብሪ ህዝባ፡ ካብ ደረጃ እንስሳ ንታሕቲ ወሪዱ፡ ናውቲ ኸብዱ ከም መቀያየሪ ኣቑሑ፡ ከም ሓሽሽ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዓለም ክውዕል ከሎስ እንታይ ይስምዓኩም?  ነዚ ኢልኩም ምግዳልኩም ከ የጣዕሰኩም ዶ? መልስኹም ይፈላለ ይኸውን። ብዘየገድስ ግን ሕጂ ናብ መፍትሒ ንኺድ፡ ነዛ ሃገር ነድሕና። ሕጂ ከም እንደገና ናብ ከርተት ተመለሱ ምስ ደቅኹምን ደቂ ደቅኹምን፡ናብ በረኻ ውፈሩ ኣይብለኩምን፡ ምኽንያቱ ሕጂ ዕድመኹም የፍቅዶ ኢዩ፡ ዝብል እምንቶ የብለይን እምበር ዘፍረስኩሞ ህነጽዎ ምባልስ ኣይመጸገመንን ነይሩ።

ክቡራት ሓርበኛታት ንዓኻትኩም እውን ከምዘይጠዓመኩም ይርደኣኒ ኢዩ፡ኣብ ዕቤትኩም ኣብ ዓዲ ጓና ዓድኹምን ዝዓበኹሙሉ መርቤትኩም ከይረኣኹም ክትሓልፉ ሕጉሳት ከምዘይኮንኩም ብሩህ ኢዩ፡ እዚ ስርዓት እዚ ከሎ ኣብ ዓደቦኹም ኬድኩም ክትዘናግዑን ክትናፈሱን ከኣ፡ ዘይሕሰብ ኢዩ።  ኣሽንካይዶ ንስኻትኩም ኣብ ስደት ብህይወት ዘለኹም ተቓወምቲ ወይ መራሕቲ ተቓውሞ ኮንኩምስ፡ ነቶም መዋእሎም ምሉእ ዘገልገልዎ፡ በዓል ኣቶ ናይዝጊ፡ ኣብ ወጻኢ ከይዱ  ስለዝነበረስ ጸበል ናይ ተቓዋምነት ጥዒሙ ከይከውን ብዝብል ጥርጣሬ ግዲ  ርዒዱ ኾይኑስ፡  መራሒ ህግደፍ፡ ሬሳኡ ናብ ኤርትራ ኣይምለስን ኢዩ፡ “መንፈሱ ለይቲ ለይቲ እናመጸ ከየባህርረኒ”  ኢሉ ኢሎሞ። ንስኻትኩም ብህይወት ዘለኹም ጀጋኑ እሞ ከኣ ብፍርሒ ጨርቁ ክድርቢ ኢሉዶ ከእትወኩም ኮይኑ።

ክቡራት ሓርበኛታት፡ እቶም ተቓዋሚ ውድብ መስሪትኩም ዘለኹም ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ መሪሕነት ትርከቡ ዘለኹም ሓርበኛታት ኣስተውዑሉ ህዝብ ኤርትራ ኣብ ኣየናይ ኩነታት ይርከብ ከም ዘሎ ፈልጥኩም ኣሎኹም፡ ግን ንምንታይ ኣብ ክንዲ ኣብ ሓደ ውድብ ሰሚርኩም ፡ቀዳምነት ንምድሓን ህዝቢ፡ ንምድሓን ነቶም ኣብ ፈቕዶ ሩባ ኩርባን ተኣሲሮም ዘለዉ ብጾትክምን ህዝብኹምን፡ ብዓቢኡ ከኣ ንምድሓን ሃገር ኣብ ክንዲ ትሰርሑ? ንምንታይ ገጉጅለኹም ሒዝኩም፡ ምኽንያት ምፍልላይ ትኾኑ ኣሎኹም?  ቀደም ኮነ ሎሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደ ሰሚሩ ኣንጻር ገዛእቱን ገፋዕቱን ንኸይምክት ዝገብሮ ዘሎ፡ ሰነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ዘይኮነስ ጽምኣተ-ስልጣን ናይ መራሕቱ ኢዩ። ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ እንተሃለወ እኳ ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢልካ፡ ወይ ከኣ እቲ ዝድለ ዘሎ ሓርነት ምስ ተበጽሐ ፖሊቲካዊ ፓርቲ ሒዝካ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ፕሮግራምካ ናብ ህዝቢ እቅሪብካ ፖለቲካዊ ፓርትኻ መስሕብ ወይ ኣቓልቦ ህዝቢ እንተ ትረኺቡ ተዓዋቲ ትኸውን፡ እንተዘይተዓዊትካ ከኣ ከም ኣንደገና ኣቃውማኻ ኣመሓይሽካ እንደገና ትወዳደር እንትዘይተዓዊትካ ወይ እቲ ቃልሲ ትገድፎ ወይ ከኣ ናብ ካልኦት ፓርትታት ትጽንበር። እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና ግን፡ ሃገር ከይተርኽበት፡ ገና ብተስፋ ጥራይ ህግደፍ እንተወደቐስ፡ ኣነ ተዓዋቲ ክኸውን ዝብል ዝበለየ ሕልሚ ሒዝኻ፡  ስልጣን ከተቋምት ግዜኻ ምውዳእ፡ ምስ ምንታይ ይቑጸር? ክቡራት ሓርበኛታት ንስኻትኩም ስልጣን ከተቋምቱ፡ እርጋንን ሞትን የቋምተኩም ከም ዘሎኸ ረሲዕኩምዶ ኽብል?

ያእ! ሕጅስ ነቲ ቐደም ዝተበደለ ሕጂውን  ብህግደፍ ዝርገጽ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ምድሓኑ እንተተስተብህሉ ምሓሸ፡ ናብ ሓድነት ምጹ መሪሕነት ንመንእሰይ ወልዶ ኣረክብዎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከድሕነኦ ዘይከኣላ ውድባት ሒዝኩም፡ ብዕድል ህዝቢ ኤርትራ ኣይትጻወቱ።  ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ፡ “ነንሕድሕዶም ዘይተሰማምዑ እንታይ ሃገርን ህዝብን ከድሕኑ እዚኣቶም”? ይብለኩም ከም ዘሎ ኣይትፈልጡን ዲኹም? ከምኡ ዘበሎከ ናታትኩም ዘይምስምማዕን፡  መመሊስካ ምግምማዕን ስለ ዝረኣየዶ ኣይኮነን? ክቡራት ሓርበኛታት፡ እቲ ናይ ምድሓን ግዜ ሕጂ  ኢዩ፡ ንህዝብኹም ፍልልያትኩም ኣወጊድኩም ኣለናልካ፡ ምስ መንእሰያት ደቅና ኮንና ብሓደ ከነድሕነካ ኢና እትብሉሉ ሰዓት ሕጂ ኢዩ፡  እዚ ማለት ከኣ ንስኻትኩም ብምኽርን ብምዕዶን፡ ደቅኹም ብመሪሕነትን በትግባር ኣብ ቅድመ ግንባር ብምስታፍን  ከማይን ጸባን ተወሃሂድኩም ክትዓዩ ከለኹም ኢዩ፡ እቲ ዕዮ ክሰላሰል ዝኽእል እሞ፡ መሪሕነት ናብ ደቅኹም ምሕላፍ፡ ከም ኢድካ ምሃብ፡ ከይቆጸርኩም ቃልሲ ንመንእሰይ ወለዶ ከተረክቡ እሞ ሓቢርና ብምስራሕ ነዛ ትጠፍእ ዘላ ሃገር፡ ናይ ምድሓን ስጉምቲ እንወስደሉ  ግዜ ሕጂ ኢዩ።

ብሓቂ ህዝቢ ናይ ምድሓን እምበር፡ካልእ ዓላማ እንትዘይሃልዩ፡ ንምትግባሩ ከቢድ ኣይኮነን፡ ኣነ ዘይመራሕኩዎ ገድሊ ዋላ ኣይተዓወት ዝብል መርግጽ እንተሒዝኩም ግን፡ ፍልልያትኩም ናይ ስልጣን እምበር ናይ ስነ ሓሳብ ከምዘይኮነ ከምጸሓይ ቀትሪ ብሩህ ይኸውን ኣሎ  ማለት ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ዘድሕኖን ብዲሞክራስያዊ መገዲ ዘመሓድሮ እምበር  ከገዝኣካን እመጽእ ኣሎኹ ዝብሎ መሪሕነት ከምዘየድልዮ ግልጺ ክኾነልኩም ይግባእ። ምኽንያቱእዚ ዘለናዮ ግዜ፡ ግዜ ዲሞክራሲ መበል 21 ክፍለ ዘመን እምበር ከምቲ ንስኻትኩም ናብ ገድሊ ክትወፍሩ ከለኹም 50 ዓመት ኣይኮንናን ዘሎና እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ እውን ዋላ ትዕድልቲ ኮይኑ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ እንተዘየመሓደሮ ዲሞክራሲ እንታይ ምዃኑስ ኣዳዕዲዑ ዝብ ዝፈልጥ ወለዶ ከምዘለኹም ኣይትዘንግዑ።

ኣብ መወዳእታ እምበኣር እዚ ህሉው ኩነታት ሃገርና፡ ብስነ ሓሳብ ይኹን፡ ብጽምኣት ስልጣን እነፍላለየሉ ግዜ ዘይኮነስ፡ ብዝያዳ ሓደ ዀንና ኣንጻር ጸላኢና ደው እንብለሉ ህሞት ኢዩ።  ንኹላትና ሓደ ጸላኢ ኣሎና፡ ብስሙር ተቓውሞ ጥራይ ዝእለ ጸላኢ፡ ናትና ዘይምስማር፡ ውድቀትና ዝእውጅ መርድእ ኢዩ፡  ንጸላኢና ከኣ ዓወቱ ዘበስር ዜና ኢዩ።

ከም ተቓወምቲ መጠን፡ ናትና ዓወት ናይ ጸላኢና ውድቀት ዲና ክንሰምዕ እንደሊ? ወይስ ብኣንጻሩ? እቲ ውጽኢት ዝኾነ ይኹን ዘዘራእናዮ ክንዓጽድ  ግድን ኢዩ። ክርዳድ ዘሪእካ፡ ስርናይ ኣይዕጸድን ኢዩ፡ ዕኮት ኮይንካ፡ ወለላ መዓር ኣይትልግስን ኢኻ።

ዝኸበርኩም ሓርበኛታት ኤርትራ ናይ ሕጂ ተቓወምትን መራሕቲ ተቓውሞን፡ ኣብ ልዕሊ 30 ዝኾና ውድባት ተመቓቐሊካ፡ ዝመጽእ ፍታሕ የለን፡ ንሓደ ናይ 50 ዓመት ናይ ተመኩሮ ዘለዎ ግናይ ስርዓት ንምምካት ሓድነትና ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ወሳኒ ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ከምኡውን ሓርበኛታት ኣብ ተፈላለየ ደምቦ ተቓውሞ ዘሎኹም ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ነዚ በመንእሰያት ቆይሙ ዘሎ ፖለቲካዊን ወተሃደራውን ምንቅስቓስ ንምድንፋዕ ንለዓል። ወጊድ ንምፍልላይ ወጊድ ንሕንገዳን ሕሰዳን ሃገር እናጠፍኤት ብዘይጠቅም ፖለቲካዊ ቁርቁስ  ተሃላሊኽና ሃገር ከነጥፍእ ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብ ሕቶ ህላወን ዘይምህላውን ኮንኳ ንስልጣን ምቁማትን ምፍልላይን ከሕፍረና ይግባእ እብል።

ኣግዚኣብሄር ንህዝቢ ኤርትራ ይባርኽ

“ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና ኢዩ እሞ ንሕና ባሮቱ ከኣ ተንሲእና ክንዓዪ ኢና” ነህ. 2፡20

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • halofom January 26, 2015

    exactly it should be in that way.I hope it soon

  • AHMED SALEH !!! January 26, 2015

    The progressive or righteous sects find many kind
    of difficulties from gaining popular support . The general public reluctance not to take part in
    political process for change play a big role at
    our failure .
    I observed we generally say opposition but hardly know who is who within them to search for their credibility to earn our recognition . Once we reached to that level and preferred political
    parties got full support of the majority then next task won’t be complicated .
    People are the backbone of any movement .

  • abrham January 26, 2015

    i joined EPLF with my father and 4 brothers at the Age of 14 and fought for 15 years upto freedom.my father and two of my brothers sucrified during the war with ethiopia. Now i live in Netherlands for last 4 years as a refugee with my Family.

    Dear writer,i want ask you kindly what do you want from me?

    • abrham January 26, 2015

      please read as sacrificed,thank u

      • Alem K. January 28, 2015

        Dear brother Abraham thank you for all the sacrifice paid by you and your family. You are our hero. I hope we will meet you in a free democratic Eritrea in person so we can say thank you in person.

    • sahle January 28, 2015

      Very clear abrham….if you fail to understand this, then even the writer doesn’t need you…he wants you to join the gujile of feshfashat…

      • Alem K. January 28, 2015

        Sahle you are loose cannon shame on you.

  • asmerom January 27, 2015

    Wey haleflef way lekaikay teqawemti, nay hamburger teqalesti….. Ina behalti…..merihkum meda Ertra imo itewu zisab ksiabekum. Kalsi b caravata yelen

  • solomon January 27, 2015

    abey emo komu tezikhewin dea kedem endo harinetna mirekhebna. adeda sidetin mekzeftin aymikhonan.

    • sahle January 28, 2015

      imo “inihe meda, inihe feres”…inda goitotkum ( weyane) keitkukhum kurrubat iyum..

  • sherer January 27, 2015

    Asmerom ayesmirelka! Gizekum qeriba iya.Korakur gebel ayakum naashtu atman.

  • rahwa January 27, 2015

    If each one of us starts believing that they can make a difference, we will be able to realize the dream of our martyrs.

  • msgna January 28, 2015

    harbegnat dea bebi enda kebila endo tfelaliuna ayelekum

  • ኣርዓዶም January 28, 2015

    ክቡር ጽሓፊ፡ ሕልናኻ ጽቡቕ ነይሩ፡ ግን ንእምኒ ሃሪምካ`ምበር ጸዊዕካ ኣይተስዖን ኢኻ። እንድሕሪ ዘቢጥካ ሓዲካዮ ሽዑ ኢዩ ዝፍለጦ ይጭንዳሕ ወይ ከረውረው እንዳበለ ናብ ጥጡሕ ቦታ ይዓልብ። ስለዚ ነዚኦም ድማ ከምታ ኣመጻጽእኦም ገርካ ብዱላን ዓረርን እምበር ናይ ለባማት ገርካ ክሰምዑ ኣይደልዩን ኢዮም። ኣኦብ ዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ቓልሲ ንሓርነት፡ ክንደይ ከምዚ ከማኻ ብጹሑፍን ብረድዮን ዘይለመንዎም።

    ኣነ ከም ዝዝክሮም ከም ብዓል ወዲ ማሓረና፡ ባዕሉ ኣማኒኤል ኢያሱ ካልእ`ውን ተመሳሳሊ ብዙሕ ናይ ጽውዒት ጽሑፋት ዘርጊሖምን ኣስተምሂሮምን ኢዮም። ሃገር ከምዚ ሕጂ ዘላቶ ንኸይትኸውን። ሕጂ ድማ ጻዊዒትካ እዋናዊ ኣይኮነን ዝብል ርድኢት ኢዩ ዘለኒ። እዋኑ ዝሓለፈ ኢዩ። ግን እቲ ትግሃትካን ግርህነትካን ከየመስግንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን።

    ተዘይኮይኑ ደጊመ ክብለካ ዝደሊ ከም`ቲ ገለ ሊቃውንቲ ዝበልዎ፡ መኺሮምን ምዒድምን ምስማዕ ምስ ስኣንዎም፡ ምስ ብሃማት ይዛረቡ ከም ዘለው ስለዝፈለጡ፡ “ እይጥእሞ ማኣር ልኣድ እንበለ ጉስታር“ ኢሎሞ መሲሎምሎም። ማለቶም ማዓር ንኣድጊ ኣይጥዕማን ኢዩ ዘይካ ኩስትርታር። ሕጂ ድማ ነዚ ኦም ማዓር ወይ ልመናን ምኽርን ዘይኮነ፡ ከም`ቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ፡ኮይኑ ተሪፉ እታ ተሪፋትና ዘላ ከምታ ኣመጻጽእኦም ገርካ ምምካሮም ኢዮ።

    ዓወት ንኹሉ ደላይ ሓርነት
    ዕንወት ንህግደፍውያን እዞም መዕነውቲ ሃገሮምን ህዝቦምን።

  • Alem K. January 28, 2015

    By now we heard it all, thousands of articles are written about unity and we agree, we have a great cause to unite us and it seems we are in agreement to unite and bring change but the only thing missing is the most important piece of all action. We have to show up for the rallies, show up for the demonstrations, show up for the meetings, show up for the fund raising, show up to stand against tyranny, show up to stand against slavery, show up on you tube to denounce propaganda by the tyrant and his thugs, and show up for freedom. What we do today is what will bring change in Eritrea tomorrow. Our participation and contribution is paramount. The combination of our action and our voice speaks a volume.
    “It takes a lot of people to make a winning team. Everybody’s contribution is important”.
    Gary David Goldberg

POST A COMMENT