Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጸዋዕታ ንህዝባዊ ዘተ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ ፍራንክፈርት

ማእሰርትን ስቅያትን ሕሰምን ከምኡውን ማእለያ ዘይብሉ ስደት ተሪፉ ፣ ፍትሕን ሰላምን ዝሰፈና፡ ዜጋታታ ብናጽነትን ብሓርነትን ሕውነትን ዝነብሩላ ምዕብልትን ብልጽግትን ኤርትራ ንክትህልወና ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሓቢርካን ተወሃሃድካን ምስራሕ ወሳንን ይዋዓለለይ ዘይባሃሎ ጉዳይ ምኻኑ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ

ማእሰርትን ስቅያትን ሕሰምን ከምኡውን ማእለያ ዘይብሉ ስደት ተሪፉ ፣ ፍትሕን ሰላምን ዝሰፈና፡ ዜጋታታ ብናጽነትን ብሓርነትን ሕውነትን ዝነብሩላ ምዕብልትን ብልጽግትን ኤርትራ ንክትህልወና ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሓቢርካን ተወሃሃድካን ምስራሕ ወሳንን ይዋዓለለይ ዘይባሃሎ ጉዳይ ምኻኑ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ንግንዘቦ ኣዩ። በዚ መሰረት ኣብ ከባቢና ሓቢርና ንሰርሓሉ ህዝባዊ መድረኽ ንምፍጣር ፣ ኩላትና ካብ ዝሓለፈ ጌጋታትን ድኽመታትን ተማሂርና ፣ ሓድሽ ምጅማር ንምግባር በዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ዕለትን ቦታን ናይ ዘተ መዓልቲ ተቆጺሩ ይርከብ።

ስለዚ ኩሉ ብህዝቡን ብሃገሩን ዝግደስን ሓቢርና ገለ ንግበር ዝብልን ኤርትራዊ ወይ ኤርትራዊት ተቐማጣይ ከተማ ፍራክፈርትን ከባቢአን ኣብዚ ብሓድሽ መንፈስን ሓዲሽ ሞራልን ዝተሰነየ ህዝባዊ ዘተ ክትሳተፉ ብክብሪ ንዕድም።

ዝግበረሉ ዕለት ፡ ቀዳም ዕለት 14.01.2017

ዝጅመረሉ ሰዓት ፡ 15፡00 ድሕሪ ቀትሪ

ዝግበረሉ ኣዳራሽ ፡ ሳልባው ግሪስሃይም

SAALBAU Griesheim   (Clubraum 2)                                                                                Schwarzerlenweg 57                                                                                                                    65933 Frankfurt am.Main

መጐዓዝያ፡  ካብ ፍራንክፈርት ሃፕት ባንሆፍ (Frankfurt Hauptbahnhof) ተበጊስካ ብኤስባናት ሓደን ክልተን፣ ማለት ብ S1 ናብ ፊስባደን (Wiesbaden) ወይ ብ S2 ናብ ኒደርሃውዘን (Niederhausen) ዝኸዳ ኣሒዝካ ሓንቲ ስታስዮን ምስ ከድካ ኣብ ግሪስሃይም ወሪድካ ንየማን ውጺእካ ጥቓ Penny Markt ዘሎ ኣዳራሽ ኢዩ።

 

ብድሓን ምጹ

ናይ ኣኸባ ጸዋዒት ሽማግለ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT