Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጥቃዕቲ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዘልዕሎም ሕቶታትን ኣመታቶምን

ኣሽንባይ ዶ ኣብ ከምዚ ናይ ሃገርና ዝኣመሰለ ሓበሬታ ብመደብ ዝዕፈነሉ ኩነታት፡ ዋላ ኣብቶም ህዝባዊ መርመራ ዝካየደሎም ሃገራት `ውን ከምዚ ናይ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም መጥቃዕቲ ዝኣመሰሉ ፍጻሜታት ከከራኽሩ ይረኣዩ እዮም። ስለዚ፡ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣብ ኣብ ዘይብሉ

ኣሽንባይ ዶ ኣብ ከምዚ ናይ ሃገርና ዝኣመሰለ ሓበሬታ ብመደብ ዝዕፈነሉ ኩነታት፡ ዋላ ኣብቶም ህዝባዊ መርመራ ዝካየደሎም ሃገራት `ውን ከምዚ ናይ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም መጥቃዕቲ ዝኣመሰሉ ፍጻሜታት ከከራኽሩ ይረኣዩ እዮም። ስለዚ፡ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣብ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ኣብ ዘተኣማምን መደምደምታ ምብጻሕ ኣጸጋሚ እዩ።

እንተኾነ፡ ነቲ ዝርካቡ ሓበሬታ ምስ ባህርያትን ኩነታትን ናይቲ ስርዓት ብምዝማድ ሚዛናዊ ኣመት ምርካብ ይከኣል።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስጢራዊ ርከብ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብቲ ክድዓት ኢሳይያስ ዝተነጸረሉ ህዝቢ ኤርትራ ዓብላሊ ናይ ለውጢ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ምዕሳሉ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ኣጸቢቑ ዝተገንዘበ ኢሳይያስ፡ መትሓዚ ስለዝሰኣነሉ ኣዝዩ ተጨኒቑ ኣሎ። ንተቐበልቱ ፍጊዕ ክሳብ ዝብሎም ፈቐዳ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብ ዝኹብልል ዘሎ ድማ ንጸጥታዊ መኽንያት ደኣምበር ቁምነገር ሃልዩዎ ኣይኮነን።

ስለዚ፡ እቲ ኣብ ዓቕሊ ጽበት ዝርከብ ኢሳይያስ፡ ኣሰር ናይቲ ምንቅስቓስ ክረክብ ካብ ዘይከኣለ፡ ብግምት ክሳድ ሒዙ ስልጣኑ ንምክልኻል፡ እቲ ምንቅስቓስ ከም መራሕቲ ይጥምቶም እዩ ንዝብሎም ባእታታት ዒላማ ምግባር እዩ።

እቲ ብ ረቡዕ 19 ታሕሳስ ኣብ ልዕሊ ሚኒስተር ጸዓትንን ማዕድንን ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ኣቓልቦ ህዝቢ ኤርትራ ጸሚዱሉ ዘሎ ኣውራ ምኽንያት `ውን፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፡ መዘና ናይቶም ሰውራ ኤርትራ ዘፍረዮም፡ ኢሳይያስ ድማ ብማእሰርቲ ዘሕቀቖም ብወተሃደራዊ ብቕዓቶምን ፖለቲካዊ ብስለቶምን ዝልለዩ መራሕቲ ኮይኑ፡ ኣብ`ዚ ኣብ መንጎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ዝካየድ ዘሎ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይተነጸረሉ ምስጢራዊ ርክባት፡ ውዲትን ተንኮልን ኢሳይያስ ኣብ ምብኻን ናይቲ ብቓልሲ ዝተረኽበ ናጽነት ኤርትራ ተጋሂዱ፡ ህዝቢ ኤርትራ መተካእታ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣማራጺ ሃሰው ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ተኣፋፊ ህሞት፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ዘሎ ጠመተ ዝግበረሉ ሓደ ባእታ ብምዃኑ እዩ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኑ ንውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝቃወም ሃገረይ ኤርትራ ዘርእስቱ መጽሓፍ ዝደረሰ ሕጂ ኣብ ማሕዩር ኢሳይያስ ተመቚሑ ዝርከብ ሚኒስተር ነበር ብርሃነ ኣብርሀ፡ ካብቶም ብዙሓት ንህዝቢ ኤርትራ ሓደጋ እዮም ዝበሎም ሰበስልጣን ናይቲ ስርዓት ፈልዩ፡ ናይ ለውጢ ሓይልታት ምስ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ምእማቱ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዘለዎ ትጽቢትን መረዳእታን ዘራጉድ እዩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ እቲ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ሕልሚ ዘለዎ ገባቲ ኢሳይያስ፡ ነቲ ንምልዋጡ እናሰመረን ናህሪ እናኣከበን ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ድሌት ንምዂላፍ ነቲ ኣምሳያኡ ህዝባዊ ኣቓልቦ ክረክብ ዝጸንሐ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዓይኑ ከውድቐሉ ባህርያዊ እዩ። እዚ ድማ፡ ሓደ መግለጺ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዝተወስደ መጥቃዕቲ ክኸውን ይኽእል።

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዘየማትእ ምርጫ እዩ ማለት ኣይኮነን። ድሒርና ከም እንምለሶ፡ ሓቁን ሓሶቱን ዘይተጻረየ፡ ሕሜታት `ውን ብዛዕብኡ ይስማዕ እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ይኹን ሰራዊት፡ ዋላ ምሉእ ኣይኹን፡ ካብቲ ዝርካቡ ዝሓሸ ኣማራጺ እዩ ዘናዲ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ምጽዳፍ ቆንጠጠፈ ምሕቋፍ ደኣ ኮይኑዎ እምበር ውልቀመላኽነት ኢሳይያስ ካብ ዘቐንዝዎ ዓመታት ኣሕሊፉ እዩ። ኢሳይያስ ቀይሕ መስመር ሰጊሩ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ብዋጋ ልኡላውነት ምጥላዕ ምጅማሩ ኣጸቢቑ ኣብ ዝተጋህደሉ፡ ኣብ መንጎ `ቲ ቆንጠጠፈን ጸድፍን ፍልልይ ከምዘየልቦ ኣብ ዝተገንዘበሉ እዋን፡ ኣማራጺ ምድላዩ ንኢሳይያስ ስለዘሻቐሎ፡ ከምቲ ዝበልናዮ፡ ካብቲ ዝርካቡ ነቲ ከም መሰጋገሪ ዝጥምቶ ኣማራጺ፡ ኢሳይያስ እንተኣልዩዎ፡ ህዝቢ ኣማራጺ ስኢኑ ናብቲ ናይ ቀደም ኩነተ-ኣእምሮ ክምለስ ምእንቲ ነቲ ስጉምቲ ክወስዶ ከምዝኽእል ድማ ይእመት።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ይኹን ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ናጽነት ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝተጠቕመሉ ሓደ ፍሉጥ መሳርሒ ንጉዳያት ብምስጢር ምግባርን ብምስጢር ምሓዝን፡ ነቲ ምስጢር ዝፈጠሮ ናይ ሓበሬታ ሃጓፍ፡ ብባዶ ሰለስተ ንፖለቲካዊ ረብሓኻ ዝጥዕም ፕሮፖጋንዳ ምምላእን እዩ።

ስለዚ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ብ ረቡዕ 19 ታሕሳስ ብዛዕባ ዝተኻየደሉ መጥቃዕቲ ወግዓዊ ሓበሬታ ዘይምሃቡ፡ ነቲ ጉዳይ ዓፊኑ ክሕዞ ምፍታኑ፡ ናይ ባዶ ሰለስተ ወስታታት ምፍታኑ መቐጸልታ ደኣምበር መጀመርያ ኣይኮነን።

በዚ ምኽንያት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንውጥንን ዕላማን መጥቃዕቲ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዝምልከት ወግዓዊ ሓበሬታ ካብ ኢሳይያስ ካብ ምጽባይ፡ ነቶም ጭቡጣት ፍጻሜታት ምስ ባህርያትን ጠባያትን ኢሳይያስ ኣዛሚዱ ብምርኣይ እዩ ነቲ ኩነታት ብሚዛናዊ ዓይኒ ክርድኦ ዘለዎ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብስልጣኑ ንዝመጽኦ ቀዲሙ ቅልጡፍ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ሜላ ዘማዕበለ ሰብ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ፍሉይ ፍጥረት ስለዝኾነ ዘይኮነ፡ ቅድሚ ዝኾነ ነገር፡ እንተላይ ቅድሚ ህዝብን ሃገርን ስልጣኑ ስለዘቐድም፡ ንሃገራዊ ጸጋታት `ውን ከም መሳርሒ ናይዚ ውልቃዊ ጥሙሑ ስለዝጥቀመሉ ዘማዕበሎ ክእለት እዩ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስናዮ፡ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ንለውጢ ስለዘንበበ ንምዝራጉ ከምዚ ዝኣመሰለ ነቲ ኩነታት ናይ ምዝንባዕ ፍጻሜ ምምሃዙ ድማ ኣየገርምን።

ኣብ ርእሲ`ዚ ዝተጠቕሰ፡ ምስ ምስጢርን ባዶ ሰለስተን ዝተኣሳሰር ናይ ኢሳይያስ ኣመል፡ ሓደ ህዝቢ ከስተብህለሉ ዝግባእ ተግባር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ውዲታዊ ተግባራት መብዛሕትኡ ግዜ ኢሳይያስ ኣብ መገሻ እንከሎ ዝፍጸም ምዃኑ እዩ። እዚ ድማ ናይ ኣጋጣሚ ኣይኮነን።

ናይ ነዊሕ ዓመታት ዝርዝራት ገዲፍና፡ ነዚ ኢሳይያስ ኣብ ኢማራት ዓረብ ጸኒሑ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ ግዜ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ኢሳይያስ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑደት እናገበረ ከሎ ኣብ ልዕሊ ሚኒስተር ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝወሰዶ ስጉምቲ ማእሰርቲ ኣዛሚድና እንተርኢናዮ ነዚ ኣመል`ዚ የነጽረልና። እዚ ድማ፡ ብሰንኪ ምድግጋሙ ስለዝበለየ ህዝቢ ነቒሑሉ `ኳ እንተሎ፡ ኢሳይያስ ኣብ ከምዚኣቶም ገበናት ኢድ ከምዘይብሉ ክመስል ዝጥቀመሉ ስልቲ እዩ።

ጎኒ ጎኒ `ዚ ኢሳይያስ ዘዘውትሮ ተግባር፡ ብፍላይ ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ ወይ ሞት ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ነቶም ግዳያትን ቤተሰቦምን ደንጋጽን ሓላይን ተመሲሉ ብምብጻሕ፡  በቲ ሓደ ካብ ጥርጠራ ሓራ ክኸውን ክፍትን ከሎ፡ ብቐንዱ ግን ንፖለቲክኡ ዝተናኽፍ ምስጢራት ከይወጽእ ነቲ ኩነታት ምቁጽጻርን ውሕስነት ምቕማጥን እዩ።

በዚ ኸኣ`ዩ፡ ነቲ ካብ ሞት ዘምለጠ ጀነራል ስብሓት ብኣካል በጺሑ በቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ምስጢራዊ ጉዳያት ዝልእኮ ዶክተር፡ ወዲ ምሕጹን፡ ኣሰንዩ ንሕክምና ናብ ኣብዙዛቢ ዝለኣኾ።

እዚ ጥበብ`ዚ ካብቲ፡ ልኡል ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ ቀተልቲ ጉጅለ ኣዋፊሩ፡ ንጋዜጠኛ ካሾጊ ኣብ ቱርኪ ድሕሪ ምጥፍኡ፡ ኣጸናናዒ ስድራቤት ኮይኑ ምስ ደቁን በቴሰቡን ኣብ ቴለቪዥን ሰላምታ ክለዋወጥ ዝተራእየሉ ተዋስኦ ፍልልይ የብሉን።

ኣብዚ ኢሳይያስ፡ ወዲ ኤፍሬም ክመተሉ ዝደሊ እንተኾይኑ ስለምንታይ ንሕክምና ንወጻኢ ልኢኹዎ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል። እንተኾነ፡ እቲ ዒላማ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ፈተነ ካብ ዘይሰለጠ፡ ኣብቲ ግዳይ ይኹን ኣብ ህዝቢ ሓላዪ ተመሲሉ እምነት ምርካብ እዩ ንኢሳይያስ ንቀጻሊ ዘገልግሎ ምርጫ። ብርሃነ ኣብርሀ `ውን `ኮ ድሮ ምስኡ ተባቲኹ ኸሎ፡ ቅድሚ ምእሳሩ ኣብ ወጻኢ ተሓኪሙ ተመሊሱ እዩ።

ኣብዚ ክጉሰ ዘይብሉ ጉዳይ፡ በንጻር ናይዚ ኣመት`ቲ፡ ኣበጋሲኡ ዘይፍለጥ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ንኢሳይያስ ካብ ስልጣን ንምእላይ ክካየድ ንዝጸንሐ ምንቅስቓስ ብምፍሻሉ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶ፡ ንስርሒት ፎርቶ ናይ ወዲ ዓሊ ኣብ ምፍሻል `ውን ተመሳሳሊ ተራ ከምዝነበሮ ኣተኣሳሲርካ ዝናፈስ ወረ ምቕናዩ እዩ።

ይኹን`ምበር፡

1ይ – ስርሒት ፎርቶ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ምስ ወዲ ኤፍሬም ዝነበሩ፡ እቲ ዝብሃል ወረ ሓሶት ምዃኑ፡ ወዲ ኤፍሬም ኣብ ምፍሻል ናይቲ ኩነታት ኢድ ከምዘይነበሮ፡ ከምቲ ዝተባህለ ኣብቲ እዋን`ቲ ናብ ፎርቶ ገጹ ከምዘይተንቀሳቐሰ ዝገልጹ ኣለዉ።

2ይ – ድሕሪ ርክብ ኢሳይያስ ኣቢይን ደንጉዩ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ንኢሳያስ ተቓውሞኦም ካብ ዝገለጹ ሓደ ምንባሩ ይሕበር።

3ይ – ከምቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ፡ ሚኒስተር ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ መጽሓፉ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከምጽኡ ዝደልዩ ባእታታት ምስ ጀነራል ስብሓት ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ኣሚቱ ኣሎ።

4ይ – ብዓይኒ `ዚ እዋናዊ ናይ መጥቃዕቱ ፍጻሜታት እንተተራእየ `ውን፡ ሓደ ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ኮለኔላት (ወዲ ውነሽ) ኣብቲ ዝተፈተነሉ ቅትለት ከምእተዋስአ ዝነፈሰ ወረ፡ እቶም ኮለኔላት ቅድሚ መጥቃዕቲ ወዲ ኤፍሬም ከምእተኣስሩ ብዝተረኽበ ርጉጽ ሓበሬታ ሓቅነት ከምዘይብሉ ተረጋጊጹ።

ስለ`ዚ፡ እቲ ወዲ ኤፍሬም ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ኣብ ምፍሻል ስለዝተዋስአ ሕነ ከምእተፈድየሉ ኣምሲልካ ዝቐርብ ዘሎ ወረ ዘእምን መረዳእታታት የብሉን።

በንጻሩ፡ ማእሰርቲ ናይቶም ጀነራል ስብሓት ሚኒስተር ምክልኻል ከሎ ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ዝነበሩ ኮለኔላት ቅድሚ መጥቃዕቱ ምፍጻሙ ምእሳሮም፡ ወጠንቲ ናይቲ ቅትለት፡ ድሕሪ ሞት ወዲ ኤፍሬም እቶም ኮለኔላት ግብረመልሲ ከይወስዱ ምእንቲ ዝተኻየደ ስጉምቲ፡ ብዓቢኡ ድማ፡ ነቶም ኣብ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም ዝብሃሉ ባእታታት ኣቐዲምካ ንምቕያድ ዝውሰድ ዘሎ ስልቲ `ውን ክኸውን ይኽእል።

ልዕሊ ኹሉ ክዝከር ዝግብኦ፡ እቲ ብዘይክኡ ተጠማቲ ክህሉ ዘይደሊ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ኣቓልቦ ንዝረኽቡ ናይ ፖለቲካ ሰባት፡ ብዘይካ ምቕንጻልን ምእሳርን ምድስካልን፡ ራብዓይ ጠበንጃ ከምዘለዎ እዩ። ብባዶ ሰለስተ ጌርካ፡ ካብ ህዝብን ሰራዊትን ከምዝሃሱን ከምዝንጸሉን ምግባር። ስለዚ ሓያለ ካብቲ ብዛዕባ ወዲ ኤፍሬም ዝብሃል ወረ፡ ኢሳይያስን ልኡኻቱን ነዚ ዕላማ`ዚ እግሪ ዘትከሉዎ እዩ።

ብፍላይ እቲ ወያነ ኣብ መጥቃዕቲ ስብሓት ኤፍሬም ኢድ ከምዘለዎም ኣምሲልካ ንምርኣይ፡ ተዋጽኣና ደኾን ትኸውን ብዝበዝሖ ምምታእ ጎቦጎቦ  እናበልካ ዝግበር ዘሎ ወስወስታ ባዶ ሰለስተ እንዶ የብሉን። ወያነ፡ ክቐትሉ ዝደልዩ እንተኾይኖም ቀዳማይ ታርጌቶም ኢሳይያስ ደኣምበር ስብሓት ኤፍሬም ኣይኮነን።

ኣብ መደምደምታ ናይዚ ጽሑፍ ከነስምረሉ ዝግባእ ነጥቢ እምብኣር፡ ቅንዕናን በደልን ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ንጎኒ ገዲፍና፡ ነዚ ኩነታት`ዚ፡ ኢሳይያስ ንመናውሒ ስልጣኑ ከይብለጸሉ ናይ ለውጢ ባእታታት ኣጽኒዖም ክሕዙዎ ዘለዎም መኣዝን እዩ።

ንሱ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ለውጢ ክመጽእ እንተደኣ ኮይኑ፡ ሃምናን ቀልብናን ብቐጥታ ናብ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ጥራይ ኣነጻጺሩ ክቐንዕ ከምዘለዎ እዩ። ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ጠላሚ ለውጢ እንተኾይኑ፡ ንኢሳይያስ ክሳብ ሕጂ ካብ ዘገልገሎ ንላዕሊ ዝገብረሉ ኣበርክቶ የልቦን። ደጋፊ ለውጢ ብምዃኑ ግዳይ ናይዚ መጥቃዕቲ እንተኾይኑ `ድማ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወስደ ስጉምቲ ንናህሪ ናይቲ ለውጢ የቀላጥፎ ደኣምበር ኣይክዓግቶን እዩ። ምኽንያቱ፡ ደጊም እቲ ናይ ለውጢ ኣምር ህዝባዊ ርእይቶ ኮይኑ ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ሰሪጹ፡ እቲ መስርሕ ለውጢ ድማ ተጀሚሩ እዩ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ንምስምስ ዶብ፡ ምስምስ እገዳ ኣብ ሓጺር ኣዋርሕ ምስናይ ኮሸምሸሙ ምስ ኣቢይ ሓሺሹ ምስ ወድአን፡ ደጊም ነቲ ኣብ ኤርትራ ከምጽእ ዘለዎ ለውጢ በፍንጫ ካብ ምቕባል ዘድሕኖ ዋላ ድፋዕ የልቦን። ደጊም መሕብኢ የብሉን።

እቲ ዘይተርፍ ለውጢ ግዜ ከይበልዐ ኣብዛ ሓዳሽ ዓመት ክዉን ምእንቲ ክኸውን ግን፡ እቲ ጸላኢኡን ክድዓቱን ፈሊጡ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ተዓዛባይ ናብ ተዋሳኣይ ክሰጋገር ኣለዎ። ተጸባዪ ክኸውን የብሉን። ንመሰሉ፡ ንልኡላውነቱ፡ ንኽበረቱ ሻማ ሻማ ክብል ኣለዎ።

ርሑስ ልደትን ሓድሽ ዓመትን

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

24 ታሕሳስ 2018

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • Berhane Haile December 24, 2018

    ኣብታ ብኢሰያስ ትመሓደር ዘላ ኤርትራ ዘይግበር ነገር ስለ ዘየሎ እዚ ዝብሃል ዘሎ ሓቂ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘጠራጥር የሎን። እቲ ተኽእሎታት ኣዝዩ ብዙሕዩ። የግዳስ ኣብ ክንዲ ተቐዳዲምና ኣብ መደምደምታ ንበጽሕ ምቕናይ ንመርጽ። ግዜ ንዅሉ ከብርሆ እዩ። ግዜ ዘይገልጾ ምስጢር የሎን።

  • Amanuel December 24, 2018

    Kenbiba kelekus ane zixehafkuwa mesilatni. Btikikil ISEYAS ZILEAKOM mukanu wala zeteratir keman YEBLUN. Wedi EFREM MAHBER KARABATA TESKAR DEQOM ZIBELU elu zigelexom netom BZERE BDEM ERTRAWYAN mahber andinet zineberu eyu. Abzi gizie ezi dima NETOM ETHOPYAWYAN ertrawyan mesilom zexnituna zelewu hiji adi bako gernaya ena kinhiwisa mis ETHIOPIA nikiel ena elom zigayeyu zelewu ISEYASN YEMANEN KISHAN WEDI KASAN EYA TIGELIX. SILEZI BZEYTIRITIR ISEYAS NI SIBHATN KALOT KEMU ZIAMESELUM KETFIOM NAYGIDIN EYU. GELIOM HIZBI ASAKIYOM GENZEB ATEFAFIOM NIXUHAT ASIROM SIGREDOB MENESEYAT SHEYTOM WEZETE ENDABELE BZUHAT KIASIRN KETFIEN EYU. AYNINA NIKFET. ERTRAWI ERTRAWI EYU ETHIOPIAWI ETHIOPIAWI EYU. ISEYAS KISHA YEMANE WEDI KASA NAHNA AYKONUN. ETHIOPIAWYAN EYOM. NIGONDER NEXDIFOM.

  • Amanuel December 24, 2018

    Assenna TV NAB ERTRA DENGUYA????

  • ተወልደመድህን December 24, 2018

    ንስብሃት ኤፍሬም ኣበይናይ ከምትሰርዖ ክርዳእ ፈቲነ’ሞ ኣይኮነለይን።ሰባት ከምዘዘንተዩዎ፡ንመንካዕ ካኣብ ዘፍሸሉ ሓደ ስብሓት ኢዩ።ሃደ ግዜ’ውን “ምስ መንካዕ ኔርካ ” ዝብል ህቶ ኣቕሪቦምሊ።
    “እወ ከይተረደኣና ሸተት ኢልና ኔርና ” ዝብል ምላሽ ዝሃበ’ዩ።
    ብዘይካኡ ሰበይቱ ፡ናይ ኢሳያስ ዋና ጸሃፊት፡ሓውቲ ስብሓት ነጋ ኢያ ይበሃል።
    እዚ ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ፡ኦኣቕሉ ጸቢቡዎ ብምድርን ብቀላይን ክጠፍእ ክመውት፡ ግዳይ በዳዊንን ናይ ሊብያንውያን መጻወቲ፡ከም እንስሳ ክሽየጥን ክልወጥን ከሎ፡ስቕ ኢሉ ስልጣን ይቀያይር።ቦታኡ ከይትጠፍ ኦ ይመሳሰል ዝነበረ ሰብ ኣጸባብቕ ኣቐናጅው ኣቢልካዮ።
    ስብሃት ኤፍሬም ካብቶም ፈጠርቲ ጸገም’ምበር ካብቶም ጸገም ክፈትሕ ዝጽዕር ኣይኮነን።ምናልባት ኣፈታትሓ ጸገም በብናትና መነጸር ንርእዮ ንከውን።ሎሚ ስኒ ዘይብሉ ጋህማም ምስ ኮነ ኢሳያስ ቃል ምድማጽ ማለት መንፈኦኣትን ሃልዮትን ኣይኮነን።ፈርከሽ ምስ በለ ስርዓት ኣለኹ ንማለት ኢዩ።ብሃጺሩ እቲ ዝድለ ለውጢ ከምቲ ዝድለ ከይከይድ፡ከምቲ መዓል መስፍን ዝብሉዎ ኢሳያስ ምእላይ ጥራይ ማለት ኢዩ።ሓቀኛ ለውጢ ግን ኢሳያስ ምእላይ ጥራይ ዘይኮነ ኢሳያስ ዝተኸሎ ሃሳብን ምስ ኡ ናብዚ ጸገምዚ ዝመርሁ ምእላይ ኢዩ።ስለዚ ስብሃት ዝመጽእ ስልጣን ክቅበል ዘይኮነ ኣቐዲሙ ክእለ ዘለዎ ኢዩ።ኣብ ዝምባብው ዝተገብረ ለውጢ እንተሪኢካ፡ሙጉባወ ክመርህ ኣይክእልን ተባሂሉ፡በቲ ቀንዲ መሳርሕቱ ዝነበረ ብገበን ዝሕተት ተተኪኡ፡ንማለቱ ምርጫ ተገይሩ ስዒሩ።ስለዚ ከምዚ ትደሊ ትመስል።ኩሉ ግዜ ጋዘጠኛን ሸርሙጣን ናብ በዓል ግዜን ናብዝሰዓረን ኢዮም ቁሊሕ ዝብሉ።
    ኣብ መወዳእታ
    ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ! ኢልካ።ጽቡቕ ምልኪ ክፈርስ ሕጊ ክነግስ እንተኾይኑ፡ኢሳያስ ጥራይ ዘይኮነ ከም መዓል ስብሓት እዚ ኩሉ ኢሳያስ ጸይቕታት ክፍጽም፡ኣብ ሃገርን ህዝብን ውርደት ክመጽእ ስቕ ኢሎም ዝረኣዩ መዓል ስብሃት እውን ከልግሱ ኣለዎም።

    • ኣስመሮም December 25, 2018

      ግብረመጥሕን ፡ ባዕልኻ ኣይተረዳንን እናበልካ ከምዝተረዳካ ድማ ትጻረፍ ሲ ዕብዳን ክህልወካ ኣለዎ ምብር ናይ ብደሓንካ ኣይኮንካን። እቲ ኣብ ርእስኻ ዘሎ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒት ዜርዊ ስሑፍ እንተዝዬንቢብካ፤ በቃ በትርኻ ምልዓል ዩ። ሽርሙጣን ጋዜጤኛን ናብ ዝሰዓረ ‘ዮም ዶ በልካ። እሞ ኼ፤ እቲ ሞቱን ህላዊኡን ዜይተፍለጠ ስብሓት ስዒሩስ ጋዜጠኛ ናብኡ ወጊኑ ዲኻ ትብለና ዘለኻ። እንታይ ኣይነት ዘረባ ኢዩ ዚ መትሓዚ ዘይብሉ። ደሓር ከ ሰባት ብምቕታል ጥራይ ዲኻ ስርዓት ክትቅይር ትሓስብ። ስብሓት ሓሳቡ ቀይሩ ስርዓት ክቕየር ኣለዎ እንተኢሉ፤ ምስኡ ባእሲ ክትቅእል ማለት ድዩ። ምጀመርያ ርእስኻ ቀይር ግብረመድህን። ሃንጎልካ ብባረኪና ምሕጻብ ይድልዮ ኣሎ።

      • ተወልደመድህን December 25, 2018

        ኩሉ ግዜ ስራሕና፡ትንፈር’ምበር ጤል’ያ ኢዩ።ዝከበርካ ኣስመሮም።ጋዘጠኛ ምጽራፈይ ብ ኣካል ን ኣማኗኤል ዘይኮነ ንስራሕ ጋዘጠኛ ኢዩ።ኣማኗኤል፡ነቲ ” ጸቕጢ ክጻወር ዘይክእል ይስደድ።ኣብ ኣኤውሮፓ ከይዱ ለሚኑ ይበልዕ፡ይደክም፡ይንጸል፡ደሓር ምስዳዱ ይጠዓስ…..” ኢሉ ብሰንኪ ቲ ንሱ ጽግዕ ዝበሎ ስርዓት መሪሩዎም ዝተሰዱ ተጋደልቲ ዝበሎ ጸርፊ ኢዩ።ካብዚ ከኣ ሓደ ን ኣማኑኤል ይወቅስ።
        ስብሓት ካብታ ተጣዒስና ኣጋግዮምና ኢሉ ሰባት ዘግደዓላ ክሳብ ሎሚ ኮይኑሉ ስልጣን ክቀያየር ዝጸንሓ ኣፉ መሊኡ ንስርዓት ኢሳያስ ዘይተቃወመ ኢዩ።እቶም ንስሮኣት ኢሳያስ ተቃዊሞም ዝተረቀንጸሉ፡ለፍለፍቲ ወይ ስልጣን ዝደለዩ ኣይኮኑን ኔሮም፡ሕማቕ ኣገባብ ስለዝተቃወሙ ኢዮም።ስለዚ ስብሓት ስልጣን ኢሳያስ ሰባት ነንዮም ክውድቕሉ ወይ ክልሕልሓሉ’ሞ ጽግዕ ኢሉ ጸኒሑ ምሳኹም ኣለኹ ክብል ዝጸንሃ ውሻል ኢዩ።
        …….ህዝቢ ኤርትራ መተካእታ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣማራጺ ሃሰው ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ተኣፋፊ ህሞት፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ዘሎ ጠመተ ዝግበረሉ ሓደ ባእታ ብምዃኑ እዩ ” ዘሕዝን ኣዘራርባ፡ባዶ ትጽቢት ኢዩ።እዚ ኢዩ ከኣ ምቅንጃው ዝበልኩዎ።
        ስብሃት ኣብቲ ኣብዚ ክብል ዝጸንሓ ላንጋላንጋ’ምበር ንጹር ራኣይ ህዝቢ ዘለዎ ኣይኮነን።ምግዳል ከኣ ብንጉሆኡ ጽቡቕ ቦታ ዝሓዘ፡ብርኮም ዘይደረቐ መናእሰያት ግምባር ኣፍሪሶም፡ጸላ ኢ ደምሲሶም ሰላም ኣብዝ ኾነሉ ቦታ ጥራይ ረኣዩረኣዩኒ ዝብል ስብሃት ክሳብ ሎሚ እንተጸንሃ ካብቲ ለኽባጥ ኣከያይዳ’ምበር ጥይት ዘይትረኽቦ ቅዱስን በሊሕን ኮይኑ ኣይኮነን።
        ኣብ ኣኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ማርስ ዝመጸ ኣይኮነን።ከም መዓል ስብሓት ዘደልደሉዎን ዝሰርሕሉን ኢዩ።ንሱ ከም ሓደ ፈጣሪ ጸገም ኢዩ።ንሱ ናብ ስልጣን መጽዩ፡ንሕሉፍ ግብርታት ክሓትም’ምበር ናብ ፍትሒ ንምቕራብ ኣይኮነን።እቲ ዘገርም ከኣ ናይ ፖለቲካ መዓል ስብሃት ግዳይ ዝኮነ ጋዘጠኛ ኣማኑኤል፡ኣሞ ከኣ ጸቕጢ ዘይጻወሩ ድኹማት ኢሉ ዘናሹ ስብሃት ከም ሃደ ሃገር ዘፍረየቶም ገይሩን ናብ ምምራሕ ክምነየሉ ዘህዝን’ዩ።
        ……..ዕብዳን ክህልወካ ኣለዎ ምብር ናይ ብደሓንካ ኣይኮንካን……ዶ ኢልካኒ።ንሕና ኤርትራውያን ዘርሞ ዘርሞ ኮይና ኣብዘለናሉ ኣዋን።ሃገር እናበደየት፡ኣነ ጥዑይ ኢየ ዝብል ግዱስ ሃገራዊ እንተሎ ንገረኒ።ንሕና ዝተጠምና ህዝቢ ኢና ።ገለ ነገር ክምነ ዝጸንሐ ሰብ ኣንተተጠሊሙ፡ይጽለል፡ይቅዝን፡ይሃዝን የንጸርጽር።ብፍቕሪ ዝተኣሳሰሩ ክልተ መናኣሰያት ሃደ ክጠልም፡ኣብቲ ዝተጠልመ ናይ ኣእምሮ ቅልውላው የምጽእ’ዩ።ስለዚ ኣነ ከኣ፡ምናልባት እቲ ጥልመት ግዲ ኣተሃሳሲቡኒ ክኸውን ይኻል።
        ግን ተረዳእ።ባህሪ ኤርትራውያን ኣብቲ ሓሳብ ክንዲ ነድህብ ኣብቲ ሰብ ኢና ነድህብ።ኣዚ ከኣ ምልክት ጸቢብ ሃንጎል ኢዩ።ኣብ ክንዲ ኣብ ሃሳብ ተድህብ፡ናብይ ተመጣጢርካ።
        ካልእ ዝብለካ ኣይብለይን።
        ይዋእ።ንስካ ግዱዕ ኢኻ።
        ስብሓት ናይ መከላከሊ ሚንስተር ተባሂሉ፡ሃገር ኣብ ኩናት እናኣተወት ሃንቲ ዘይፈልጥ ክንድዚ ትሕለቐሉ ብሃቂ ግዱዕ ወይ ግዱእ ኢኻ።

    • Wedi Hagher December 25, 2018

      “ምልኪ ክፈርስ ሕጊ ክነግስ እንተኾይኑ፡ኢሳያስ ጥራይ ዘይኮነ ከም መዓል ስብሓት እዚ ኩሉ ኢሳያስ ጸይቕታት ክፍጽም፡ኣብ ሃገርን ህዝብን ውርደት ክመጽእ ስቕ ኢሎም ዝረኣዩ መዓል ስብሃት እውን ከልግሱ ኣለዎም።”

      ተወልደመድህን
      ————

      ህግድፍ ምጽጋን ከም ዘይካኣል ድርጋ ኩሉ ዝሰማማዓሉ ጉዳይ ሙኻኑ እንዳ በረሀ ይመጽእ ኣሎ።
      እሰያስ ዘይብላ ህግድፍ ደሞክራሲ ከተምጻኣልና እያ ዝብል እንተሊዩ ፥ ነርገር ዘይጸግበ ጥራይ ሽዩ ዝኾውን።

      • Amanuel December 26, 2018

        Mielaydea kulom kieleyu tirah zekones bzeyti kititequ yigibom. Hizbi atfiom hager abrisom remisom zelewu ekoyom kulom ab siltan zelewu. Berqi bselam kinisager tezeyelna. Iseyas kemtigraway nay wishti xilu ab ertrawyan bselahta tefexeme ERTRAWYAN teleaakti bikebden zitesheta geru eyu aeniwuna zelo. GEREB BIHAKLA.

    • Fikre Tekle December 25, 2018

      Teweldemedhin,
      Remember it is easier to have an opinion than look at the whole picture and events from the past to analyze at a situation. You shared your opinion. It is clear you feel deeply about it. However, it is only your personal opinion. Nothing more nothing less. What is clear here, in your comment is how bitter you are. You hate Sibhat Efrem just as many do. But the question then becomes, why do you hate Sibhat Efrem so much. Mr Amanuel, on the other hand is trying to put his feelings on the side in order to be able to find the truth which is the noblest thing to do under the circumstances or even under any other circumstance for that matter. Have you asked yourself what if Sibhat Efrem really was part of a group whose intention was to bring about positive change? What would you, if you were Sibhat think when you found people misread the situation simply because they were blinded by hate? As to what you say about Amanuel Iyasu though, who do you think you are to judge him for doing his job? You are really something else for comparing a prostitute and a journalist. It shows how lazy you are to even use your brains. Do you know you did not hire Amanuel to work in your company where you pay him from your pocket? Your patronizing attitude shows where you are coming from, too. You can not stand Amanuel Iyasu. But that has nothing to do with his job performance even. You just can not stand him for different reasons. You are either a jebha or a person who hates him because he is not from your awraja. You are one shameless zombie teweldebrhan. Get a grip

      • k.tewolde December 25, 2018

        “You are either a jebha or a person who hates him because he is not from your awraja.”….. It smells like dingy in here.

      • Simon G. December 25, 2018

        Fikre Tekle
        Why you want us to expect a solution from a criminal person. He is equally to be blamed as Isayas, if not more.
        He had been THE mole several times, starting from ’73. He acts as part of the change and at the end he squeals to Isayas and let his comrades get slaughtered.
        Don’t bring Jebha or Awraja here. It is nothing to do with either of them.
        At the end of the day, Isayas never trust anyone and this time is Sibhat’s turn.

      • ተወልደመድህን December 25, 2018

        ፍቅሪ ትኸል ዲዩ ሽምካ።
        ግርም ብሽም ዝመጽእ ነገር የለን።
        ደሓን ግን ፍቕሪ ትኸል ኩን በቁስ ኣየባእስን።ዘባእስ ብመዓል ስብሓት ዘሕለፍናዮ መዋእልን በጺሕናዮ ዘሎና ኩነታት ውሒዱናስ ሕጂ ከኣ ናብ መዓል ስብሃት ክንወድቕ ኣእምሮና ክትደፍኑና፡ስብሃት ህዝቢ ካብ ዝምነዮም መራሕቲ ከተእምኑና ምፍታንኩም ኢዩ ዘባእስ።ዝኮነ ኮይኑ፡ኣኣብ መን ይምረሓና ንብጻሕ እሞ ሽዑ ከምቲ ግቡኡ ብድምጺ ብልጫ ዝሰዓረ ወይ ህዝቢ ኣኤርትራ ቆጽሊ ዘንበረሉ ይመርህ።ግን ሕጂ ክተደናጉርና ኣይትፈትኑ፡ዝኮነ ሰብ ምርጫኡ ከልዕል ናጻ ግደፉዎ።ቅድሚ ሕጂ’ውን ከም ሃይለ መንቆርዮስ ዝ ኣመሰሉ ምሁራት ኣለውና ዝብል ጽሑፍ ኣንቢበ ኔረ።ኩላትና ዝሰማማኦኣና ሰብን ባህርን ኣሎ።ናይ ገሊኦም ጉድለትን ህመቕን ኣይረኣየናን፡ንካል ኦት ግን ይረኣዮም።ስለዚ ኩላትና በብናትና ኩርናዕን ኮይና በብናትና መነጸር ንልክዖም።ስለዚ ክተታሉሉና ኣይትፈትኑ፡ናጻ ግደፉና፡ህዝቢ ኣይተደናግሩ ናብ ህዝቢ ግደፉዎ ምርጫ፡ንሳትኩም ኣይትምረጽሉ።
        እዚ ርእይቶይ ኢዩ።ኣብቲ ቅድም’ውን ርእይቶይ ኢየ ዝሃብኩ።ግን ኣብ ባህሊ ኤርትራውያን ካብታ ነየ’ቦታትና ኣተሃሳስባ ወጻኢ ርእይቶ ምሃብ ዝተረገምካ ኢኻ።ኣብ ግዜ ቃልሲ ከኣ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ምምጻእ ስልታን ዝደለካ ኣውራጃዊ…..ወይ ካብዚ ወጻኢ እንተኾይኑ ከኣ ሃሳብካ ኣዕናዊ ተባሂሉ ስለዝህሰብ ሃሳብና ምግላጽ ዘየወጻጽእ፡ሃሳብ ክነፍሪ ዘይሕግዝ ኢዩ።
        ኣብ ዝሃለፉ ናይ ቃልስን ናይ ናጽነት ኦኣመታት ሃሳብና ገዲፍፍፍና ናይ ጀጋኑን በላሕትን ዝበልናዮም ሂዝና ደጊምና፡ሃሳብና ቀቲልና።ሎሚ ጀጋኑ ጠሊሞምና ሓሳብ ምፍራይ ተጸጊምና ካብ ሃሳብና ፍልይ ዝበለ ከኣ ሕማቕ ወስዲና ጸርፊ ነአአአአውርደሉ።
        ንሕና ኣብ ዕውንውን ኢና ወዲቅና።ንሱ ከይ ኣኽለና ነንሕድሕድና ነወቃቀስ፡ሃልኪ፡ግጭት፡ምንእ ኣስ ባህርና ኮይኑ።
        ብዛኦባ ስብሃት ርእይቶይ ኣዚ’ዩ።ንስብሓት ከም ፖለቲካዊ ሰብ’ምበር ከም ዝኾነ ሰብ ጽል ኢ ኣይብለይን።ከም ፖለቲካ ግን፡ክሕተተሉ ዝግበኦ ኣሎ።ንወርሒ ኖኣመት ዘይኮነ፡30 ኣብ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት።27 ዓመት ኣብ ስልጣን ዝጸንሃ ኢዩ።ኣብዚ ግዜ ዚ መሰል ደቀ ሰባት ተጋሂሱ፡ምቅንጻል፡ምድስካል፡ምእሳር፡ምጭዋይ…..ከም ሚንስተር ከሎ ከኣ ክንደይ ኦኣበይቲ ገበናት ኣብ ህዝቢ ኣኤርትራ ተፈጺሞም ኢዮም።ስለዚ እንታይ ይገብር ኔሩ።ሽዑ ሕይወት ከፊሉ ከዕርዮ ይግበኦ።ንሱ ግን ከዕረዩ ኣየደለየን።ካብ ሃላፍነት ሃራ ክኸውን ክገድፎ ኣይደለየን፡ጽቡቕ ቦታ ስለዝነበሮ።ግን ምእንቲ ረብሃን ካልእን ንኩሉ ተሸኪሙዎ ይኸይድ ኔሩ።ሕማቕ፡ህዝቢ ኣናተወጸዓ መናኣሰያት ኣብ ሽግር እናወደቑ ነዚ ዝፈጠረ ስርዓት ተሸኪምካ ምኻድ መንፈዓት ወይ ኣካእሎ ኣይኮነን።እንታይ ግደሰኒ ኢዩ።ስብሓት ሒዙዎ ዘሎ ስልጥንን ጣዕምን ብርኮም ዘይደረቐ ኦሸላት ተሰዊዖም ዘምጻዎ ኢዩ።ንሱ ከኣ ማንቲ ጽባሕ ኢሎም ክስው ኡ ካብ ዝመሃረ ሃደ ኢዩ።ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ክጽገም ከሎ መስዋኣቲ ከፊሉ ከዐርዩ ሃላፍነቱ ኢዩ።ምሉእ ጎደሎ እምበር ካልእ የሎን።ስብሃት ምሉእ ኣይኮነን።ብዙሕ ጉደልት ዘለዎ ፖለቲካዊ ስለዝኾነ፡በዚ ይወቅሶ’ምበር ብሕታዊ ጽል ኢ ኣይብለይን።ግን ንዝኮነ ይኹን ንሞት ኣይፈርዶን።ግዳ ፖለቲካ ናይ ቅዱሳት ኣይኮነን ኢሎም ሚሂሮም ፍሉይ ሓሳብ ዘለዎ ክጠፍእ ከምዘለዎ ሰሪሖም።እሾኽ ዝዘር ኣ እሾኽ ስለዝዓጽድ ከኣ እዚ ንሰምዖ ዘሎና ክከውን ግድን’ዩ።ንዑኡ ዘሪኦም ብዘርኦም ክጠፍኡ ግድንዩ።
        ን ኣማኑኤል ምውቃሰይ ” ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝጸንሃ ስብሃት ክመርህ ምምራጽ፡ነቲ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝግበር ዝነበረ ምድጋም’ዩ።ምኽንያቱ ንሳቶም ሃንቲ ከይፈለጡ ዝተሃወሱዎ ቃልሲ ሓደ ነገር ከማዕብሉ ኣኺኢሉዎም ኢዩ።ንሱ ከኣ ባህሪ።ስለዚ ናይ ገድሊ ባህሪ ጥራይ ኢዮም ዝፈልጡ ካብ ኡ ወጻኢ ዝፈልጡዎ የለን።ሕጂ ስራሕ ክትብሎ፡ነቲ ናይ ኢሳያስ ኣገባብ ኢዩ ዝደግም…….ስለዚ ኣብዚ ኢየ ወቀሳይ ዘስማዕኩ።ሸርሙጣን ጋዘጠኛን ዘበለኒ ንባህሪ ኣማኑኤል ዘይኮነ ንባህሪ ጋዘጠኛ ኢየ።እንድሕሪ ኣብ ዓለም ንዘለው ጋዘጠኛን ስረሃኦምን ክትከላከል ኣንተደሊካ ይፍተሃላ።ኣነ ን ኣማኑኤል ብስእሉ ብጽሑፉ ኢየ ዝፈልጦ ካልእ ዝፈልጦ ኣይብለይን።ኣብዛ ናይ ሎሚ ጽሑፉ ግን፡ኣዚ ኩሉ ሃሊፍናስ ሕጂ ከኣ ተመሊሱ ናብቲ ናይዚ ኩሉ ጸገም ፈጣርን ኣካያድን ዝነበረ ስብሓት ክመልሰና ግዜ ምጥፋኡ ፡ብልቢ ወቒሰዮ ቂር ኢሉኒ’ውን ።
        ካብዚ ሃሊፈ ዝብለካ ኣይብለይን።30 + 27 ዓመት ዘረከበና ምውቅቃስን ምጽራፍን ናብ ሰብ ኢድካ ዊጥ ምባል ምውድዳር ትኽእል ኢካ ትመስል ኣሞ።ኣነሄልካ ጎልጎል ከምድሌትካ ዓንድረሉ።

  • Zeregabir Teaghes December 25, 2018

    The fabrication of lie by BADO SELESTE is massive. The President knows that Sebhat is Eritrean and is determined to do the promise of our martyrs.
    Sebhat’s wife has nothing to do with Sebhat Nega rather Sebhat Nega is the nephew (wedi haftu) for Hatsey Yohanes. And Medhin berad the sister of Kidane Mesele is the aunts daughter of Sebhat Nega. Medhin Berad is grandmother of Isayas.
    Hgdf always derails facts by his donkey spys.

  • Sebhat Araya December 25, 2018

    Pls do not rush to blame the victim. May be we are destroying ourselves. We need to be patient.

  • Wedi Hagher December 25, 2018

    “ህዝቢ ኤርትራ መተካእታ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣማራጺ ሃሰው ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ተኣፋፊ ህሞት፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ዘሎ ጠመተ ዝግበረሉ ሓደ ባእታ ብምዃኑ እዩ።”

    ——

    ዎጮ እንተ ገምጠልካዮ ዎጮ።
    ናይ ካድረታት ድልየት፥ ከም ናይ ህዝቢ ኣምሲልካ ምቅራቡ፥ ጊዜ ዝሓለፎ ሜላ እዩ።
    ክልቲኦም ሓደ፥ ተታሓሒዞም ይቦንቆሩ።

  • Wedi Hagher December 25, 2018

    “ኣብ ኤርትራ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ለውጢ ክመጽእ እንተደኣ ኮይኑ፡ ሃምናን ቀልብናን ብቐጥታ ናብ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ጥራይ ኣነጻጺሩ ክቐንዕ ከምዘለዎ እዩ።”
    ——-

    ኣብ ሞንጎ እሰያስን ፥ እቲ ንሱ ዝሃነጾ ገበነኛ ስርዓት፥ እንታይ ፍልልይ ኣሎ ?
    እሰያስ ኣብ ገበን ኣዋፊሩ ፥ ስልጣን ዘትሓዞም ብጾቱ ፥ ከም ኣወንታ ዝጥቅስ ገለ ነገር የብሎምን።
    ዋላ እቶም፥ ለውጢ ብህዝብስዊ ግንባር ክመጽእ ኣሎዎ እሎም ዝኣምኑ ፥ ከም ኣማኒኤል እያሱ፥ ኣብ ውሽጢ እቲ ኩፉእ ስርዓት፥ ገለ ቁቡል ዝኾነ ሰብ እንተ ተረኽበ እሎም፥ ሃሰስ እንተበሉ፥ እቲ ገበናት ናይ ስርዓት ስለ ዝኾነ፥ ንእሰያስ ጥራይ ኣሊኻ ፥ ስብሓት ኤፍረም ናብ ደምክራሲ ከሰጋግረና እዩ እልካ ምሕሳብ ፥ ጻሓይ ምስ በረቀት ዝርሳዕ ሕልሚ እዩ።
    እቲ ገበነኛ ስርዓት ፥ በሙሉኡ ክእለ ኣሎዎ፥
    እሰያስ ከይዱ ካልኣት ገበነኛታት ዝቆጻጸርዎ ስርዓት፥ ሓቀኛ ለውጥን ነባሪ ሰላምን ኣየምጽእን።

  • meron December 25, 2018

    Eti gzie olready rieynayo alena endakefie ember zitemehayeshe neger aymexen eyu silezi sireat isseyas keytefie welhade fitah zibehal yelen ezom isseyas jegna ba isseyas gele tiblo zelekum kea hisebu hiji kab smeit wexai hisebu suk elkum nay denakur atehasasiba new beliwo eritrea tesheyta eya xebah nigho abey kem tiatwu hisebu adi kulatna eya please please

  • Aman Kidane December 25, 2018

    ኤርትራውያን ኣንፈትና ካብ ንጥፍእ ዓመታት ሓሊፉ እዩ። ቀደም ንዝሞተ ሰብስ ሕጂ “ተወጊኡ፡ ተሳሒቱ” እናበልና ክንህውትት ንውዕል። ዝለዓለ “ጀነራል”ዝብል ስም ተሰኪሙ ንዝኾነ ወተሃደር ኣዚዙ ዘይፈልጥ ሰብስ ክንድዚ ዝኣክል እንተተታት ክነሽክሞ፡ ብልክዕ ኣንፈትና ጠፊኡና ኣሎ።
    እቶም ንወዲ ኤፍረም ዝኾሓሕልዎ ከመይ ዝአመሰሉ ሰባት ምኻኖም ኣጸቢቕና ስለንፈልጥ ግን፡ እዚ ናይ ሕጂ “እንተታት” ዘገርም ኣይኮነን።

POST A COMMENT