Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጠንቐቕታ ንኹሉ ኤርትራዊ ተደናጋጺ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ሲያትል

ከምመቀጸልታ እቲ ኣብ ኩሉ ክፋላት ናይ ዓለም ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ናይ ይኣክል ማዕበል ፣ ኣብ ሲያትል እውን ኣዕጋቢ ተሳታፍነት ህዝቢ ዝተንጸባረቀሉ ህሞት እዩ ። እዚ ዝፈጠሮ ተርባጽ ድማ ብኣንጻሩ፡ ውሑዳት ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ወይጦታት ኣብዚ ቀረባ

ከምመቀጸልታ እቲ ኣብ ኩሉ ክፋላት ናይ ዓለም ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ናይ ይኣክል ማዕበል ፣ ኣብ ሲያትል እውን ኣዕጋቢ ተሳታፍነት ህዝቢ ዝተንጸባረቀሉ ህሞት እዩ ። እዚ ዝፈጠሮ ተርባጽ ድማ ብኣንጻሩ፡ ውሑዳት ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ወይጦታት ኣብዚ ቀረባ ቅንያት ኣብ ልዕሊ ሓደስቲ ተሳተፍቲ ማዕበል ይኣክል ምግቡዕባዕን ምፍርራሕን ኣብ ኣብያተ ቤተ-ክርስቲያናትን ማሕበራዊ ምትእኽካብን ብተደጋጋሚ ምግጣሞም ከይተጠቅሰ ዝሓልፍ ጉዳይ ኣይኮነን ። ንኣብነት ኣብ ቤተ-ክርስቲያን እንዳ-ጋብርን ውራያትን ይርከብዎም።

እዚ መጠንቀቕታ እዚ ብፍላይ ንህግደፍን ተደናገጽቲ ህግደፍ  ነበርቲ ከተማ ሲያትልን ከባቢኣን ይምልከት ። ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ባርባራዊ ገዛኢ አብ ልዕሊ ህዝቡ ኩለንተናዊ ጭካነ ዝፍጽም፡ ዘይቅዋማዊ ስርዓት ምዃኑ ትፈልጥዎን ትገልጽዎን ኢኹም ። ነዚ ሓቂ ምርኩስ ጌርኩም ድማ ናብ ኢሚግረሽን ብቃለ ማሕላ ዝተሰነየ ሰነድ ምስ ክታሙ አቕሪብኩም ሕጋዊ መሰል ስደተኛን ናይ ዑቕባ ክትረኽቡ ክኢልኩም።  እዚ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲትኩም መሰል —

– ናይ መስርሒ ፍቓድ፡

– መንበሪ ፍቓድን ፡ ዜግነትን፡

– መንግስታዊ ደገፍ (ሓገዝ ናይ መግቢ፡ ገንዘብ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ናይ ሕክምናዊ ኣግልግሎት (ሜዲካል))

– ካልእ ጥቅምታትን ብዋጋ እቶም አብ ዘይውዳእ ዘመናዊ ባርነት ተሞቒሖም ዕድመ ንእስነቶም ዝበሊ ዘሎ መንእሰያት፡ ብዋጋ እቶም አብ ፍቐዶ ቤት ማእሰርቲ ዝማስኑ ዘለዉ ንጹሃት ኤርትራውያን፡ ብዋጋ እቶም ኣብ ፍቐዶ መዓስከር ስደተኛታት ዝንከራተቱ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብዋጋ እቶም አብ ፍቐዶ ኣጻምእ ሰሃራ፡ ባሕሪ ሜድተራንያንን ጎላጉል ሲናይን ዝሃልቑ ዘለዉ ኤርትራውያን ወዘተ. ዝረኸብክሞ ዕድልን ጸጋን ምዃኑ ሞጎት ዘየድልዮ ዘየማትእ ሓቒ እዩ።

ነዚ ማሕላ ረሲዕኩም ወይ ድማ ረጊጽኩም ነቲ ትማሊ ዕርቓኑ ዘውጻእክሞ ህ.ግ.ደ.ፍ. አብ ክንዲ ካብ ጽዩፍ ተግባሩን ምምሕዳሩን ክቑጠብ ብኹሉ ዓቕምኹምን ክእለትኩምን ክትዓግትዎ ትቃለሱ ። ብኣንጻሩ፡ ሕልናኹም ሸይጥኩም ብገንዘብ ተዓሲብኩም አብ ኩሉ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣዕናዊ መምርሒታትን አብ ጎድኑ ኮይንኩም ንማዕበል ይኣከል ንምሕንኮልን ንህ.ግ.ደ.ፍ  ፍናን ክትህቡን ፣ ብዋጋ እቶም ውጹዓት ዝረኸብኩሞ ሞሳ፡ ሕነ ምስጋናን ደገፍን ንውጹዓት፡ ተመሊስኩም አንጻር እቶም ውጽዓት ኮይንኩም ከይኣክል መሳርሒ ህ.ግ.ደ.ፍ ክትኮኑ ምምራጽኩም ብሕጊ ተሓተትቲ ይገብረኩም !

ስጋብ ሕጂ ብዝተገብረ ጻዕሪ ፡ ዝኣክል ሓቤረታ ተኣኪቡ እቲ ዕማም ብስሉጥ ይካየድ ኣሎ ። ንጹር ሓበሬታ ብምእካብ ብቪድዮታት፡ ስእልታት፡ ኣስማት ዝነብሩሉን ዝስርሑሉን ኣድራሻን ዓይነታት ስራሕን ብደቂቑ ብምስናድ ናብቲ ክነቕርበሎም ምሉእ ምትሕብባሮም ዘውሓሱና ሕጋውያን መንግስታውያን ትካላት ብኣዝዩ ዝተወደበ መንገዲ ጭብጢታትና ኣቕሪብና ኣለና ። እቶም ተኣሲርናን ተገሪፍናን ብምባል ወረቀት ዝረኸቡን ክረኽቡ ዝሕተቱን ፣ ካብ መንግስቲ ኣሜርካ ሓገዝ እንዳረኸቡ ኣንጻር ክብርታት መንግስቲ ኣሜርካ ደው ዝበሉ ውሑዳት ውጺእቱ እንታይ ከምዝኽውን ርዱእ እዩ ።

ብሰሪ ተርእይዎ ዘለኹም፡  ዘይሰብኣውን ምድንጋጽ ንህ.ግ.ደ.ፍ.፡ አብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ራህዋ ክረክብ አይክኣለን፡ ብተወሳኺ ነቲ ብኽንደይ ከርተት ናብ ኣሜሪካ፡ ካልእን ዘኣተወ ኤርትራዊ ፡ ኣብ ኣኼባታት ማዕበል ይኣክል ብምስታፉ ብህግደፍ ተኸፊልኩም ኣብ ኣብያተ እምነታትን ማሕበራዊ ጉዳያትን ጸቅጥን ምጉብዕባዕን ምክያድኩም ኣብ ዝሓለፋ ሰሙናት ዝበጽሑና ብጭብጢ ዝተደገፉ ሓብሬታታት ይርከቡ ። ኣብዚ ነውራም ተግባራት ዝተሳተፍኩም ኩሉኹም ንዝፈጸምኩሞ ገበናት ዋጋ ክትከፍልሉ ምስ ክፍሊ ኢሚግረሽንን ዜግነትን ካልኦት ናይ ኣሜርካ ናይ ጸጥታ ኣካላትን ኣብ ምስራሕ ንርከብ ፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ድማ ዋጋ ከምዘኽፍለኩም ንሕብር ። ተግባራትኩም ፣ ምርካብ ዜግነት ፣ መሰል መንበሪ ፍቃድን ዋጋ  ካልእ መሰላት ክኽፍለኩም ምኾኑ እንዳሓበርና ፣ ንኽልኦት እውን ካብ ከምኡ ዝኣመሰለ ነውራም ተግባራት ክትቑጠቡ ንሕብር።

ንጹር ሓብሬታ ብምእካብ ዝተሓባበርኩምና ነመስግን !

ሰላምን ፍትሒን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!

ደለይቲ ፍትሒ ሲያትል ዋሺንግቶን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Andebrhan July 24, 2019

    ነዞም ክሐድቲ ሕግደፍ ብኹሉ ዓቕምና ክንስዕሮምን ንሕዝብና ናይምድሐን ሐላፍነትን አለና።
    አብ ኩሉ ከተማታት አርአያኹም ክንክተል ኢና አጆኺም

    • Biruk July 25, 2019

      Easy said than done, how and when are going to use REAL actions NOT fake words.

  • Zeregabir Teaghes July 25, 2019

    If one denies the above article, then he must be lined next to an oxen.

  • ውዲ በላይ August 4, 2019

    ኣቱም ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊእኩም ካብን ናብን ኤርትራ እትብሉ ዘሎኹም ኩሉኹም ብፍላይ ኣመንቲ ንክርስቶስ ኢትብሉ ከምኡ ከኣ ኣገልገልቲ ዘመርቲ ግብርኹም ይምስክረኩም ኣሎ ኣብቲ ሒቂ ከምዘየሎኹም። ኣመንቲ ዶ ኣይኮኑን ዝእሰሩ ዘሎዎ። መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ሓቂ ኣሎ ይቅተሎም ይእሰሮም ንኤርትራውን ፋሕ የብሎም ንሕና ኢና ተጋጊና ማሌት ዶ ኣይኮኑን ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊእኩም ካብን ናብን ኤርትራ እትብሉ ዘሎኹም። ክንደይ ትደፍሩ ንሳቶም ንሞት ይፍርዱ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንስኻትኩም ከኣ ትዘሉ ኣብ ልዕሊኦም ኮንኩም። ጸጋኻ በዚሑለይ ትብሉ ንሳቶም ከ ጸጋ ኣምላኽ ጎዲልዎም ማሌት ድዪ ዝእሰሩን ዝቅተሉን ዘሎው። እዚ ኩሉ መከራ ክሓልፍ ኢዪ ኣይምሰልኩም። ሂትለር የለን ደርግ የልን ሳዳም የለን ህግደፍ ውን ኣይክህሉን ምኽንያቱ ንዝልኣለም ዝነብር መንግስቲ ስለዘየለ። እቲ ክፉእ ዛንትኦም ግና ኣሎ። ንስኻትኩም ውን ከምኡ።

POST A COMMENT