Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጠንቐቕታ ንኹሉ ኤርትራዊ ስደተኛ ተደናጋጺ ህ.ግ.ደ.ፍ

መጠንቐቕታ ንኹሉ ኤርትራዊ ስደተኛ ተደናጋጺ ህ.ግ.ደ.ፍ ብሰንኪ ክቱር ፍርሒ፡ ፍሉይ ረብሓ ወይውን ምሒር የዋህነት ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ ትደናገጹ ዘለኹም፡ ኣብ ሕ.መ.ኣ፡ ካናዳ፡ ኤውሮጳ፡ አወስትራልያን ማእከላይ ምብራቕን ትነብሩ ዘለኹም ስደተኛታት ኤርትራውያን ኩሉኹም። እዚ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲትኩም መሰል ናይ

መጠንቐቕታ ንኹሉ ኤርትራዊ ስደተኛ ተደናጋጺ ህ.ግ.ደ.ፍ
ብሰንኪ ክቱር ፍርሒ፡ ፍሉይ ረብሓ ወይውን ምሒር የዋህነት ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ ትደናገጹ ዘለኹም፡ ኣብ ሕ.መ.ኣ፡ ካናዳ፡ ኤውሮጳ፡ አወስትራልያን ማእከላይ ምብራቕን ትነብሩ ዘለኹም ስደተኛታት ኤርትራውያን ኩሉኹም። እዚ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲትኩም መሰል ናይ መስርሒ ፍቓድ፡ መንበሪ ፍቓድ፡ ዜግነት፡ መንግስታዊ  ደገፍ (ሓገዝ ናይ መግቢ፡ ገንዘብ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ናይ ሕክምናዊ ኣግልግሎት (ሜዲካል))ወዘተ ብዋጋ እቶም አብ ዘይውዳእ ዘመናዊ ባርነት ተሞቒሖም ዕድመ ንእስነቶም ዝበሊ ዘሎ መንእሰያት፡ ብዋጋ እቶም አብ ፍቐዶ ቤት ማእሰርቲ ዝማስኑ ዘለዉ ንጹሃት ኤርትራውያን፡ ብዋጋ እቶም ኣብ ፍቐዶ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን፡ ኢትዮጵያን እስራኤልን ዝንከራተቱ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብዋጋ እቶም አብ ፍቐዶ ኣጻምእ ሰሃራ፡ ባሕሪ ሜድተራንያንን ጎላጉል ሲናይን ዝሃልቑ ዘለዉ ኤርትራውያን ወዘተ. ዝረኸብክሞ ዕድልን ጸጋን ምዃኑ ሞጎት ዘየድልዮ ዘየማትእ ሓቒ እዩ።
ዘሎኩም ፖለቲካዊ አረኣእያ ብዘየገድስ፡ ንስኻትኩም ከምኡ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ንውድብ ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ባርባራዊ ገዛኢ አብ ልዕሊ ህዝቡ ኩለንተናዊ ጭካነ ዝፍጽም፡ ዘይቅዋማዊ ስርዓት ምዃኑ ትፈልጥዎን ትገልጽዎን። ነዚ ሓቂ ምርኩስ ጌርኩም ድማ ናብ ኢሚግረሽን ብቃለ ማሕላ ስተሰነየ ሰነድ ምስ ክታሙ አቕሪብኩም ሕጋዊ መሰል ናይ ዑቕባ ክትረኽቡ ክኢልኩም።  ነዚ ማሕላ ረሲዕኩም ወይ ድማ ረጊጽኩም ነቲ ትማሊ ዕርቓኑ ዘውጻእክሞ ህ.ግ.ደ.ፍ. አብ ክንዲ ካብ ጽዩፍ ተግባሩን ምምሕዳሩን ክቑጠብ ብኹሉ ዓቕምኹምን  ክእለትኩምን  ክትዓግትዎ ትቃለሱ፡ ብኣንጻሩ፡ አብ ኩሉ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ምድላዋትን ኣዕናዊ መምርሒታትን አብ ጎድኑ ኮይንኩም ፍናን ክትህቡን ንዋታውን ገንዘባውን ሓገዝ ክተበርክቱን፡ ዓገብ! ብዋጋ እቶም ውጹዓት ዝረኸብኩሞ ሞሳ፡ ሕነ ምስጋናን ደገፍን ንውጹዓት፡ ተመሊስስኩም አንጻር እቶም ውጽዓት መሳርሒ ህ.ግ.ደ.ፍ ክትኮኑ ምምራጽኩም ብሕጊ ተሓተትቲ ይገብረኩም።
ስለዝኾነ፡ እዚ ብሰንኪ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዛጊት መስተርሆት ዘይረኸበ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ መንእሰይ፡ ራህዋ ክረክብ፡ ንቡር ህይወት ክመርሕ፤ ዝመሃር ትምህርቱ ክወፍር፡ ናብራ ዝደልይ፡ ንቡር ረኺቡ ክወልድን ክዝምድን፡ ክሰርሕ ዝደሊ ሸቒሉ ክበልዕ፡ ማዕሬኹም ዕድልን መሰልን ዘለዎ ኤርትራዊ ፍጡር ምዃኑ ከይዘንጋዕኩም፡ ጸቢብ ጊዚያዊ ረብሓን በለጽን ገዲፍኩም፡ አብ ምዕጋት ናይዚ ገደብ አልቦ ዕስክርና፡ ዋሕዚ ስደትን ሞትን፡ ኩለንተናዊ ስቕያት ህዝቢ ኤርትራ ክትቃለሱ ወይ “ውን እግርኩምን ኢድኩምን ክትእክቡ ነጠንቕቕ።
ወጽዓ ከቢድኩም ብኽንደይ ከርተትን መከራን አብዚ ከምዝበቓዕኩም ይዝከር። ኮር ተገልበጥ ድማ፡ ብሰሪ ተርእይዎ ዘለኹም፡ ኢፍትሓውን ኢሰብኣውን ምድንጋጽ ንህ.ግ.ደ.ፍ.፡ አብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ራህዋ ክረክብ አይክኣለን፡ ብተወሳኺ ነቲ ብኽንደይ ከርተት ናብ ኣሜሪካ፡ ካናዳ፡ ኤውሮጳን አወስትራልያን ዘኣተወ ኤርትራዊ፡ ወረቐት ንኸይረክብን ዕድሉ ከምዝጸብብን ከምዝዕጾን  አሉታዊ ጽልዋ ንውጹዓት ትኾኑ ስለዘለኹም፡ ካብዚ ነውራም ተግባራት ክትቑጠቡ ነጠንቕቕ።
ድሕሪ እዚ መጠንቅቕታ፡ ካብ ዕለት 15/08/2014 ጀሚሩ፡ ምስዚ ስርዓት ኣብ እትወስድዎ መርግጺ፡ ከም ተደናገጽቲ ኮይንኩም   ሓቢርኩም ህዝብና ክጭፍጨፍ ኣበርክቶ ብምውሳድኩም ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ንጹር ሓበሬታኹም ብቪድዮታት፡ ስእልታት፡ ኣስማት እትነብሩሉን  እትሰርሑሉን ኣድራሻን ዓይነታት ስራሕኩምን ብደቂቑ ብምስናድ ናብቲ ክነቕርበሎም ምሉእ ምትሕብባሮም ዘውሓሱና ሕጋውያን መንግስታውያን ትካላት ከምኡ ውን  ብሕጋውያን  ጠብቓታት ዝተስነየ ክስታት ብምምስራት ብኣዝዩ  ዝተወደበ መንገዲ ጭብጢታት ኣቕሪብና  ኣብ  ፍርዲ ቀሪብኩም ዓስቢ ጥልመት ውጹዕ  ህዝብኹም  ክትፍደዩ ብሙሉእ ዓቕምታትና ንምትግባሩ  ተዳሊናሉን ወሲናን ከምዘሎና  ነጠንቕቕ። እዚ መደብ ቃልሲ እዎናዊን ዘየላቡን  ኮዩኑ ስቅያት ህዝብና  ዘዘናግዖ  ዓንዳሪ ስርዓት ዕድመኡ ንምሕጻር ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ኣብ መላእ ዓለም  እንርከብ  እዋናዊን ሓላፍነታውን  ስጉምቲ  ኮይኑ ረኺብናዮ ኣሎና።
ነዚ ክሰምዕን ከስትውዕልን ዘይደሊ ዜጋ ከምቲ ዕጫ ናይቶም ኣብ ሃገረ ኖርወይ ናይ ፖሎቲካዊ ዑቅባ መሰል ተዎሂቡዎም ከብቅዑ፣ ተመሊሶም ናይቲ ስርዓት ኣገልገልቲ ዝኾኑን ብስቱር ንኤርትራ ዝመላለሱን ኩነታቶም ብሰነድ ተረጋጊጹ ንመንግስቲ ኖርወይ ስለዝቐረበ፡ ናብ ኤርትራ መዓልቲ ምጥራዞም ዝጽበዩ  ዘለው  ኣሕዋትናን  ኣሓትናን  ከይትኾኑ ወይ ውን ናብ ሕጊ ከይትቕርቡ ደጊምና ተጠንቐቑ  ንብል።
ሰላምን  ፍትሒን  ራህዋን  ንህዝቢ  ኤርትራ!!!
ደለይቲ ፍትሒ ሰሜን ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
48 COMMENTS
  • Aman Hakin August 13, 2014

    ኣጆኹም ደለይቲ ፍትሒ( ላስቬጋስ) ቀጽልዎ ንሕና ኣብ እስራኤል እንርከብ ደለይቲ ፍትሒ ‘ወን ኣብ ጎንኹም ኣለና። እዚ ኣውጺእክሞ ዘለኹም ሓዱሽ መምርሒ ካብ ዕለት15/8/2014 ዝጅምር ‘ዉን ኣብ ግብሪ ክዉዕል ኣለዎ

  • Tes August 13, 2014

    Good one

    Very measured and sensible way of dealing with those idiots. Give them warning and if they fail to heed it then to tell them in the language they understand. If life in eritrea is that good let them test it. Keep up the good work deleyti fithi!

  • Berazio August 14, 2014

    We should copy this and send it to those who violate the terms of their asylum claims. If Norway can enforce it, any nation would. In USA with all the immigration buzz, this issue will burn like wild fire.

    • Genet-orginal August 14, 2014

      Berazio
      I agree 100%
      The USA is overwhelmed with immigration issues. At this time anyone found lying and making false claims about his/her immigration status will be a SOFT TARGET for immigration officers. I think it is a great idea to keep them on notice. They will be in trouble not because they are inconsiderate to their own people, but for lying and deceiving the USA immigration law. There is no reason for PFDJ and dictator supporters to be any where, but in Eritrea.
      VIVA LAS VEGAS!!!!!

  • mehari August 14, 2014

    wy deleti fthi gena o’bedbed ktbla ikn.

  • mehari August 14, 2014

    Now you have reached the botten one thing is left that is if you are
    an Eritrean citizens will leave your citizenship and go back to your origin.
    by by for sinking boat of fthi.

    • Genet-orginal August 14, 2014

      mehari
      HAWEKA ABEY ALLO??????????

  • abdulkader August 14, 2014

    Hi mehari i wouldnt call you a donkey at least donkey if you show her a way she know next time you manshing a boat the boat going sinking first with you and your boss i dont know in which planit you living i feel sad for you.

  • Messinas August 15, 2014

    ነቲ ብኣጋጣሚ 20/06/2014 ብህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ዝወጸ ጽሑፍን መግለጽን ሰሚዑ፡ ዕላማን ውጥንን ህግደፍን መራሒኡን ዘይርድኦ ሰብ እንተልዩ፡ ካብዘን ሰለስተ ሕማማት ሓንቲአን ወይውን ሰለስቲአን ዘጥቕዐኦ ዜጋ ጥራይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። እዘን ሰለስተ ንደገፍቲ ህግደፍ፡ ኣንጻር ጥፍኣት ህዝቦምን ሃገሮምን ንኽኸዱ ቀሲበንኦም ዘለዋ ዓበይቲ ሕማማት ከኣ እዘን ዝስዕባ’የን፥

    1ይ፥ ክቱር ፍርሂ፣ 2ይ፥ ውልቃዊ ረብሓ፣ 3ይ፥ ሃዚልነት ወይ ድማ ባጊርነት እየን። ካብዚ ወጻኢ፡ ነዚ ብዘይሕግን ገደብን ህዝብና ብሕሰም ጨፍጪፉ፡ ሃገርና ዘዐኑ ዘሎ ጉጅለ ውሑዳን ንኽትድግፍ ዚቕስበካ ነገር ካልእ፡ ዚኾነ ይኹን ምኽንያት ክህሉ ኣይክእልን’ዩ! ኣይእመንንውን’ዩ! ገለ ሰባት ‘ዚኾነ ሰብ፡ ንዚኾነ ሰብ ወይ ውድብ ንኽድግፍ መስሉ’ዩ’ ብምባል፡ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ንህግደፍ ምድጋፎም መስሎም ሙዃኑ ዝምጉቱ ሰባት ኣለዉ። ልክዕ ኣለዉ። ንዝደለኻዮ ንጹህ ሰብ ወይ ውዱብ ክትድግፍ ትኽእል ኢኻ። ንገበነኛ ግን ብዚኾነ ይኹን ምኽንያት ክትድግፍ መሰልን ሕጋውነትን የብልካን። ብኣንጻሩ ንኸታሪ ወይ ድማ ንዘላሚ (ንዓማጺ) ብምድጋፍካ ብሕጊ የሕትተካ’ዩ! ብመሲሉኒ ዝሕለፍ ገበንውን ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ሎሚ ገበናት ህግደፍ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ኣሎ ክትብል ብዚኾነ ይኹን ምኽንያት ዚከኣል ኣይመስልንን። ዓይነ ስውርራን፣ ጽሙማን፣ ኣካለ ስንኩላን ወዘተ. ከይተረፉ ገበን ህግደፍ ኣጸቢቖም ፈሊጦሞን ምረቱ ኣስተማቒሮሞን’ዮም። እተን ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ዘሎዋና ምርጫ ከኣ ክልተ ጥራይ እየን። ወይ ምስ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ወጊንካ ንፍትሒ ምቅላስ፣ ወይ ድማ ምስ ኢሳያስን ጭፍራኡን ተሰሊፍካ ንጥፍኣት ዝህብን ሃገርን ምድጋፍ’የን! መንጎ መንጎ ዚብሃል የለን! ምኽንያቱ፡ ንኽልተ ጎይቶት ኪግዛእ ዚኽእል ጊላ ስለ ዘየለ! ስለዚ፡ እዚ ብኣሕዋት ደለይቲ ፍትሒ ላስቬጋስ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ፡ ቅቡልን እዋናውን’ዩ! የቐንየለይ።

  • YERHWO KIDANE August 15, 2014

    HADE GEDAY NAYZE AB LAELE TETEKSU ZELO AB MEASKER ZELNA ENA. MEALTY MEBGASENA MESEAKELE BESENKE EZOM . KENDY TEMAHLELOM ZERKBWO EDL AKEBOM . NETY WESTEA AB KULU ZELO ERTRAWE KEDE ZENAGFU . NEBSEY YETEAMENE KOYNOM . ADEDA ZEGDEDE MEKRA YETYOMNA . ANTUM AB ZEHASE ZELKUM SEL FTURE SEB ELKUM . AGEB ZEGBRULU MENGDE DELYULNA .ANTA KAN DYU KENDEZE NEBSEY YETEAMENE KOYNU EZE HEZBENA

  • Statestic August 15, 2014

    If you believe you are an Eritrean, you have one and only one choice,the choice is “ምስ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ወጊንካ ንፍትሒ ምቅላስ”.

  • ተኬኤ ክብሮም August 15, 2014

    ኣነ ኤርትራዊ ዜጋ እየ ሃገረይን መንግስተይን የፍቅር ምፍቃር ጥራሕ`ውን ዘይኮነስ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን`ውን ኢየ። በዚ ትብልዎ ዘለኩም ስንኩልን ሓሳድ ኣተሓሳስባን ሰጊአን ተምበርኪከን ካብ መትከለይን ውድባዊ እምነተይን ንድሕሪት ዝብለሉ ምክኒያት ከመዘየለ ብምሉእ ልበይ ከረጋግጸልኩም ይደልይ። ሃገረይን መንግስተይን ካባይ ንዝሓትዎ ዘበለ ኩሉ ጉቡኣተይ ካብ ምፍጻም`ውን ድሕር ኣይብልን፡ ስለዚ ነዚ ቀሪቡ ዘሎ እከይ ውጥናትኩም ሪኡ ዝሰናበድ ኤርትራዊ ዜጋ ከምዘየለ ዘስተውዓልኩም`ውን ኣይትመስሉን ዘለኩም እቲምንታይ ግደፍዶ ብከምዚ ሰንኮፍ ሓሳባት ኣብ ኩናት ኣትዩ`ውን ዝሰናበድ መንእሰይ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣይተራእየን ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!!

    • silent August 16, 2014

      ተኪኤ አብርሃም….ተዓወት፣ ጅግና ወዲ ጅግና !!!!!!

      your reply is the reply of አሽሓት ኤርትራውያን’ዪ….ሓፋሽ ኤርትራ ብጠላማትን ምስሉያትን አይፈርሕ፣ አይንብርከኽ!!

      ያላ አንቱም በጃብጅ፣ ታህዲድኩም ተግብርዎ !!

POST A COMMENT