Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጠንቐቕታ ንኹሉ ኤርትራዊ ስደተኛ ተደናጋጺ ህ.ግ.ደ.ፍ

መጠንቐቕታ ንኹሉ ኤርትራዊ ስደተኛ ተደናጋጺ ህ.ግ.ደ.ፍ ብሰንኪ ክቱር ፍርሒ፡ ፍሉይ ረብሓ ወይውን ምሒር የዋህነት ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ ትደናገጹ ዘለኹም፡ ኣብ ሕ.መ.ኣ፡ ካናዳ፡ ኤውሮጳ፡ አወስትራልያን ማእከላይ ምብራቕን ትነብሩ ዘለኹም ስደተኛታት ኤርትራውያን ኩሉኹም። እዚ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲትኩም መሰል ናይ

መጠንቐቕታ ንኹሉ ኤርትራዊ ስደተኛ ተደናጋጺ ህ.ግ.ደ.ፍ
ብሰንኪ ክቱር ፍርሒ፡ ፍሉይ ረብሓ ወይውን ምሒር የዋህነት ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ ትደናገጹ ዘለኹም፡ ኣብ ሕ.መ.ኣ፡ ካናዳ፡ ኤውሮጳ፡ አወስትራልያን ማእከላይ ምብራቕን ትነብሩ ዘለኹም ስደተኛታት ኤርትራውያን ኩሉኹም። እዚ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲትኩም መሰል ናይ መስርሒ ፍቓድ፡ መንበሪ ፍቓድ፡ ዜግነት፡ መንግስታዊ  ደገፍ (ሓገዝ ናይ መግቢ፡ ገንዘብ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ናይ ሕክምናዊ ኣግልግሎት (ሜዲካል))ወዘተ ብዋጋ እቶም አብ ዘይውዳእ ዘመናዊ ባርነት ተሞቒሖም ዕድመ ንእስነቶም ዝበሊ ዘሎ መንእሰያት፡ ብዋጋ እቶም አብ ፍቐዶ ቤት ማእሰርቲ ዝማስኑ ዘለዉ ንጹሃት ኤርትራውያን፡ ብዋጋ እቶም ኣብ ፍቐዶ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን፡ ኢትዮጵያን እስራኤልን ዝንከራተቱ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብዋጋ እቶም አብ ፍቐዶ ኣጻምእ ሰሃራ፡ ባሕሪ ሜድተራንያንን ጎላጉል ሲናይን ዝሃልቑ ዘለዉ ኤርትራውያን ወዘተ. ዝረኸብክሞ ዕድልን ጸጋን ምዃኑ ሞጎት ዘየድልዮ ዘየማትእ ሓቒ እዩ።
ዘሎኩም ፖለቲካዊ አረኣእያ ብዘየገድስ፡ ንስኻትኩም ከምኡ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ንውድብ ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ባርባራዊ ገዛኢ አብ ልዕሊ ህዝቡ ኩለንተናዊ ጭካነ ዝፍጽም፡ ዘይቅዋማዊ ስርዓት ምዃኑ ትፈልጥዎን ትገልጽዎን። ነዚ ሓቂ ምርኩስ ጌርኩም ድማ ናብ ኢሚግረሽን ብቃለ ማሕላ ስተሰነየ ሰነድ ምስ ክታሙ አቕሪብኩም ሕጋዊ መሰል ናይ ዑቕባ ክትረኽቡ ክኢልኩም።  ነዚ ማሕላ ረሲዕኩም ወይ ድማ ረጊጽኩም ነቲ ትማሊ ዕርቓኑ ዘውጻእክሞ ህ.ግ.ደ.ፍ. አብ ክንዲ ካብ ጽዩፍ ተግባሩን ምምሕዳሩን ክቑጠብ ብኹሉ ዓቕምኹምን  ክእለትኩምን  ክትዓግትዎ ትቃለሱ፡ ብኣንጻሩ፡ አብ ኩሉ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ምድላዋትን ኣዕናዊ መምርሒታትን አብ ጎድኑ ኮይንኩም ፍናን ክትህቡን ንዋታውን ገንዘባውን ሓገዝ ክተበርክቱን፡ ዓገብ! ብዋጋ እቶም ውጹዓት ዝረኸብኩሞ ሞሳ፡ ሕነ ምስጋናን ደገፍን ንውጹዓት፡ ተመሊስስኩም አንጻር እቶም ውጽዓት መሳርሒ ህ.ግ.ደ.ፍ ክትኮኑ ምምራጽኩም ብሕጊ ተሓተትቲ ይገብረኩም።
ስለዝኾነ፡ እዚ ብሰንኪ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዛጊት መስተርሆት ዘይረኸበ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ መንእሰይ፡ ራህዋ ክረክብ፡ ንቡር ህይወት ክመርሕ፤ ዝመሃር ትምህርቱ ክወፍር፡ ናብራ ዝደልይ፡ ንቡር ረኺቡ ክወልድን ክዝምድን፡ ክሰርሕ ዝደሊ ሸቒሉ ክበልዕ፡ ማዕሬኹም ዕድልን መሰልን ዘለዎ ኤርትራዊ ፍጡር ምዃኑ ከይዘንጋዕኩም፡ ጸቢብ ጊዚያዊ ረብሓን በለጽን ገዲፍኩም፡ አብ ምዕጋት ናይዚ ገደብ አልቦ ዕስክርና፡ ዋሕዚ ስደትን ሞትን፡ ኩለንተናዊ ስቕያት ህዝቢ ኤርትራ ክትቃለሱ ወይ “ውን እግርኩምን ኢድኩምን ክትእክቡ ነጠንቕቕ።
ወጽዓ ከቢድኩም ብኽንደይ ከርተትን መከራን አብዚ ከምዝበቓዕኩም ይዝከር። ኮር ተገልበጥ ድማ፡ ብሰሪ ተርእይዎ ዘለኹም፡ ኢፍትሓውን ኢሰብኣውን ምድንጋጽ ንህ.ግ.ደ.ፍ.፡ አብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ራህዋ ክረክብ አይክኣለን፡ ብተወሳኺ ነቲ ብኽንደይ ከርተት ናብ ኣሜሪካ፡ ካናዳ፡ ኤውሮጳን አወስትራልያን ዘኣተወ ኤርትራዊ፡ ወረቐት ንኸይረክብን ዕድሉ ከምዝጸብብን ከምዝዕጾን  አሉታዊ ጽልዋ ንውጹዓት ትኾኑ ስለዘለኹም፡ ካብዚ ነውራም ተግባራት ክትቑጠቡ ነጠንቕቕ።
ድሕሪ እዚ መጠንቅቕታ፡ ካብ ዕለት 15/08/2014 ጀሚሩ፡ ምስዚ ስርዓት ኣብ እትወስድዎ መርግጺ፡ ከም ተደናገጽቲ ኮይንኩም   ሓቢርኩም ህዝብና ክጭፍጨፍ ኣበርክቶ ብምውሳድኩም ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ንጹር ሓበሬታኹም ብቪድዮታት፡ ስእልታት፡ ኣስማት እትነብሩሉን  እትሰርሑሉን ኣድራሻን ዓይነታት ስራሕኩምን ብደቂቑ ብምስናድ ናብቲ ክነቕርበሎም ምሉእ ምትሕብባሮም ዘውሓሱና ሕጋውያን መንግስታውያን ትካላት ከምኡ ውን  ብሕጋውያን  ጠብቓታት ዝተስነየ ክስታት ብምምስራት ብኣዝዩ  ዝተወደበ መንገዲ ጭብጢታት ኣቕሪብና  ኣብ  ፍርዲ ቀሪብኩም ዓስቢ ጥልመት ውጹዕ  ህዝብኹም  ክትፍደዩ ብሙሉእ ዓቕምታትና ንምትግባሩ  ተዳሊናሉን ወሲናን ከምዘሎና  ነጠንቕቕ። እዚ መደብ ቃልሲ እዎናዊን ዘየላቡን  ኮዩኑ ስቅያት ህዝብና  ዘዘናግዖ  ዓንዳሪ ስርዓት ዕድመኡ ንምሕጻር ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ኣብ መላእ ዓለም  እንርከብ  እዋናዊን ሓላፍነታውን  ስጉምቲ  ኮይኑ ረኺብናዮ ኣሎና።
ነዚ ክሰምዕን ከስትውዕልን ዘይደሊ ዜጋ ከምቲ ዕጫ ናይቶም ኣብ ሃገረ ኖርወይ ናይ ፖሎቲካዊ ዑቅባ መሰል ተዎሂቡዎም ከብቅዑ፣ ተመሊሶም ናይቲ ስርዓት ኣገልገልቲ ዝኾኑን ብስቱር ንኤርትራ ዝመላለሱን ኩነታቶም ብሰነድ ተረጋጊጹ ንመንግስቲ ኖርወይ ስለዝቐረበ፡ ናብ ኤርትራ መዓልቲ ምጥራዞም ዝጽበዩ  ዘለው  ኣሕዋትናን  ኣሓትናን  ከይትኾኑ ወይ ውን ናብ ሕጊ ከይትቕርቡ ደጊምና ተጠንቐቑ  ንብል።
ሰላምን  ፍትሒን  ራህዋን  ንህዝቢ  ኤርትራ!!!
ደለይቲ ፍትሒ ሰሜን ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
48 COMMENTS
  • ganshera August 26, 2014

    Just to believe/confirm whether you tell us wrong or right who are they? in detail

  • ganshera August 26, 2014

    I mean those who decided to deport from Norway I mean

1 3 4 5

POST A COMMENT