Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግዛእቲ ድያብሎስ!

እምበኣርከስ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣንበብቲ ንዘሎኒ ድሩት ዓለቕን (ርእይቶን) ሓበሬታን፡ ብዓቕሊ ብምንባብኩም ብልቢ እናኣመስገንኩ፡ ሕጂ ናብዛ ናይ መዛዘሚ ጽሑፈይ ዝኾነት ናዕታ ‘መግዛእቲ ድያብሎስ’ ከብለኩም፥ መቸም ድያብሎስ ስሙ ከም ዚሕብሮ ጋኔን ስለ ዝኾነ፡ ካብኡ ብዘይካ ሕማቕ ነገር

እምበኣርከስ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣንበብቲ ንዘሎኒ ድሩት ዓለቕን (ርእይቶን) ሓበሬታን፡ ብዓቕሊ ብምንባብኩም ብልቢ እናኣመስገንኩ፡ ሕጂ ናብዛ ናይ መዛዘሚ ጽሑፈይ ዝኾነት ናዕታ ‘መግዛእቲ ድያብሎስ’ ከብለኩም፥ መቸም ድያብሎስ ስሙ ከም ዚሕብሮ ጋኔን ስለ ዝኾነ፡ ካብኡ ብዘይካ ሕማቕ ነገር ጽቡቕ ክርከብ ከምዘይንኽእል ንኹሉ ብደምን ስጋን ዝተፈጥረ/ት ውሉድ ኣዳምን ሄዋንን ብሩህ’ዩ። ገለ ውሑዳት የዋሃት፡ ድያብሎስ ሃገርና ጽቡቕ ነገር ከም ዝገበረ እንተ ተዛረቡውን ዝከሓድ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ድያብሎስ ዝዓበየ ሕማቕ ነገር ንምግባር ብንእሽቶይ ጽቡቕ ተግባር’ዩ ዝሓልፍ! እዚ’ዩ ድማ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ብግብሪ ዚረአ ዘሎ! ድያብሎስነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኩሎም ዝፈልጡዎ ዓበይትን ነኣሽቱን ሰባት ተሰማሚዖሙሉ’ዮም። ብፍላይ ድማ እቲ ካብ ፈለማ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክሳዕ 2011 ካብ ጎድኑ ከይተፈልየ ዝተጓዕዘ ተጋዳላይ መስፍን ሓጐስ ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ትረኻ ሰውራ ኤርትራ ተጋዳላይ ተስፋይ ተምነዎ ዝሃቦ ዓለቕ ንኢሳያስ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ስነ መጐት፡ ንሱውን ከም ሰቡ ንድያብሎስነት ኢሳያስ ብቓሉ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ስለዚ ውድብና ብድያብሎስ ተመሪሑ! ሃገርናውን ብድያብሎስ ትምራሕ ኣላ ማለት’ዩ። ሓቅነት ናይዚ ኸኣ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝተፈጸመ ስውር ድያብሎስነትን ሕጂ ድሕሪ ናጽነት ሃገርና ዝፍጸም ዘሎ ግሁድ ሰይጣናውነትን ብቑዕ ምስክር’ዩ። እዚ ብግብሪ ብዓይንና ንርእዮ ዘለና ሓቂ ስለ ዝኾነ፡ ብሰናይ ድሌት ይኹን፡ ነግራት ብምሽፍፋን ዝኽወል ነገር ኣይኮነን። ወይ ድማ ንናጽነት ስለ ዝተቓለሰን ኣብ ምዕዋቱ መሪሕ ተራ ስለ ዝተጻወተን ከምድላዩ ይሕረድ ይቕተል ኪብሃል ዚከኣል ኣይመስለንን። ዕላማን ባህርን ድያብሎስ፡ ደም ምፍሳስን ዘይሓልፍ ሽግርን መከራን ምፍጣር እዩ! ስለዚ መግዛእቲ ድያብሎስ ኣብ ሃገርና ከየብቅዐ ሽግርና ከብቅዕ’ዩ ኢልካ ምሕሳብ፡ የዋህነት ጥራይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል!

 

መግዛእቲ ድያብሎስ!

 

መዓስኮን ይኸውን *እልበት ዝሓልፈልና    *ሓሳረ መከራ፡ ጭንቂ፡ ሓሳር

ክንሕየር ክንስደድ ኮይኑ መዋእልና

ኣእላፍ ጀጋኑና ከምዛ ዘይከፈልና

ሽግርና ብኢሱ ድሕሪ ናጽነትና!

 

*ዲናሞ ምዕባለ ዝተቐዝፈ ምሁር      *መፈልፈሊ ኤለትሪክ (ብጥልያን)

እዚ ኹሉ ስውእ ሰራሒ መስተንክር

ኣብዛ ኤርትራና ሎሚ እንተ ዚነብር

ዓዱ ምስ ረኣያ መሲላ መቓብር

እንታይኮን ምበለ እቲ ሓየት *ሃጥር?  *ጅግና፡ ብርቱዕ፡ ሓያል፡ በሃር

 

ሃገር ብምልእታ ቤት ማእሰርቲ ኮይና

ብጃምላ ክንጠፍእ *መትበር ጠጥሒስና  *ዶብ፡ ወሰን፡ ደረት

ክንሽየጥ ክንልወጥ ጤለ-በጊዕ ኴንና

ራሻይዳን በደዊንን እናተጻወቱልና

ዓገብ ዚብል ስርዓት መንግስቲ ስኢንና!

 

ካብ ሕግን ቅዋምን ፍጹም ዝሸፈቱ

በጽሒ ብዘይ ገደብ መዝሚዞም ጉልበቱ

ካብ ሃገር ዘጥፍኡ ኪሽየጥ ኩሊቱ

ካብ ንጉጅለ ህግደፍ ምግልጋል ብኾንቱ

ህዝብኻ ዘይተድሕን ካብ መዓት ጥፍኣቱ!

 

ብልጽትን ፍቕርትን ሃገርና ገዲፍና

ፈቐዶ ካምፕታት ኣብ ስደት ሰፊርና

ረዲአት ክንቅለብ እናተመጽወትና

ካባና ዘይሓይሽ ኪዋራዘየልና

*ሃዛም ብኣቃጫጭ ኪስሕቕ ብኣና  *ስኑ ዚረገፈ። ጓህማም

ብሰሪ መላኺ ክቡራት ሓሲርና!

 

ንዓማጺ ስርዓት ወረ ከቃባብል

እዝኑ እናጸለወ ኣብ *ፍኖት ዚኾልል  *ጐደና፡ መገዲ

ናይ መላኺ *ጓንቲ ኮይኑ ንኸገልግል  *ኣርሲሕካ እትድርብዮ በጃ ኢድ

ንጸሊም ጻዕዳ ኢሉ ብሓሶት ዘዕልል

ኣሕዋቱ ኪሕይር ኣብ ሃድን ዚውዕል

ሰብ መሰል እንስሳ ተፈጢሩ *ሃዚል!   *ዓሻ፡ ዓዋን፡ ዓንጃል

 

ደምዶ የብሉን’ዩ ኣታ ካብ ልቢ ዝጭንጓዕ

ብሓለንጊ መላኺ ህዝቢ እንክጣራዕ

ንማይን ንባኒን ኣብ ሪጋ ክስራዕ

ኣብ ጸሓይን ቁርን እናበለ ቀራዕ

ዓይኑ እናረኣየ እቲ ድኻ ኪውጻዕ

ሃገር ማዕቢላ ኢሉ ብሓሶት ዚካታዕ!

 

*ሓገራ ዘይብሉ እኩይ ገዛኢና       *ውጥን፡ ትልሚ፡ ሓሳብ፡ ትምኒት

ምሉእ መዋእሉ ዘድመየ ህዝብና

ብኣእላፍ ስውኣት ዝረኸበ ዝና

ብምስሉይ ጥበቡ ዚተቖጽረ ከም ጅግና

ሚስጢሩን ተንኮሉን ሎሚ ምስ ፈለጥና

ኣካ ፈንፈንናዮ ካብ ልብና ኣውጺእና!

 

እቲ ግዜ ራህዋ ሎሚ ንኺምለስ

ካዕቦ እናዘራእካ እንተላም ኪሕፈስ

ብቅሳነት ተድላ ህይወትና ኪሕደስ

ድኻ ተዓንጊሉ ሕዙን ንኺድበስ

ሓድነት ዓጢቕና ብሓባር ንቃለስ

መኪትና ክንስዕሮ ንግዝኣት ድያብሎስ!

 

ሕሰምና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

 

ተፈጸመ።

 

ካብ ሓውኹም መሲናስ 14-05-2013

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • ማሊሻ May 14, 2013

    ኣየወ መጕሃይቲ ጎርቤትን ኣፍሪካን ኴና ፣ ኣብ ምሉእ መፈጠርና ከምዚ ሎሚ ሓሲርና ዘይንፈልጥ።

    So are fellow Africans sad and humiliated by what is happening to Eritreans:
    slavery at home and slavery in the Arab world.

    http://www.youtube.com/watch?feature=player_embedded&v=AxCpIyUBGnc

  • Semhar May 15, 2013

    THIS IS OUR TIME!

    It’s better late than never!

    The time has come for change in Eritrea!

    Let’s march for freedom on 05/24/2013 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ!

    Please do not forget to bring our Liberation Flag for the freedom march!

    Thanks and may God bless ጅግና፡ ኤርትራዊ ስዉእ ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ and his courageous comrades who marched with their tanks from Sorona, Akeleguzay to FORTO, Asmera to liberate our land and our people.

    The mad dog, the evil spirit ሕስረት ዝለመደ ዕባይ እንዳ ስዋ Isayas and his blind followers the PFDJ and their burned flag will be smashed!

    Eritrea will be free and our liberation flag will rise up again!

    Let freedom ring in Akeleguzy!
    Let freedom ring in Barka!
    Let freedom ring in sahil!
    Let freedom ring in Senhit!
    Let freedom ring in semhar!
    Let freedom ring in Seraye!
    Let freedom ring in Denkel!
    Let freedom ring in Hamassien!

    2013 freedom will ring allover ERITREA!
    ERITREA will be the Land of the FREE and the home of the BRAVE!

  • ahmed saleh May 15, 2013

    While Satan ” DIABLOS ” reign on Eritreans lives it is clear they will keep only drugged down the people
    to miseries . And their goons with mental deficiency are not willing to face the facts rather to join in
    support of evil doers from luck of conscience because of infected mind obsession with Weyane , CIA syndrome .
    The fortunate few who set themselves free from poisonous politics and who resist not to give up their God
    given right are the hope to bring radical change for peaceful existence . The momentum is at our side
    attracting more and more national toward the position we stand for democratic change .

Post a Reply to ahmed saleh Cancel Reply