Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ – ብ ኣጋጣሚ መበል 29 ዝክረ-ዓመት ሓርነት ኤርትራ

24 ግንቦት 2020 መግለጺ ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ                                                                 ብኣጋጣሚ መበል 29 ዝክረ-ዓመት ሓርነት ኤርትራ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሰብ-መዝን ሰራሕተኛታትን መንግስቲ፡ ሃገራዊ ሓይልታት ተቓውሞ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡   ኣቐዲመ፡ በዚ ዕዙዝ ኣጋጣሚ ናይ መበል 29

24 ግንቦት 2020

መግለጺ ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ                                                                 ብኣጋጣሚ መበል 29 ዝክረ-ዓመት ሓርነት ኤርትራ

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡

ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡

ሰብ-መዝን ሰራሕተኛታትን መንግስቲ፡

ሃገራዊ ሓይልታት ተቓውሞ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡

 

ኣቐዲመ፡ በዚ ዕዙዝ ኣጋጣሚ ናይ መበል 29 ዝክረ-ዓመት ሓርነትን መበል 27 ዝክረ-ዓመት ልዑላዊ ናጽነትን ኤርትራ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ምዉቕ ዮሃና አቕርብ።

 

ልዑላዊ ናጽነት ኤርትራ፡ ብተባዕ ቃልስን መዘና-ኣልቦ መስዋእትን ተጋዳላይን ህዝብን ዚተረኽበ ዓቢ ታሪኻዊ ዓወት ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ኣብ ልቢ ነፍሲ-ወከፍ ሃገራዊ ኤርትራዊ ድማ፡ ፍሉይ ቦታ ሒዙ ንዘልኣለም ኪዝከር፡ ኪኽበርን ኪጽንበልን ኪነብር ኢዩ።

 

ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነት፡ ንፍትሒ፡ ንክብረት፡ ንሰላም፡ ንቅሳነት፡ ንራህዋ ተቓሊሱ። ዘፍቅሮም ብሉጻት ደቁ፡ ህይወቱ፡ ንብረቱ ከይበቐቐ ወፍዩ፤ ምእንቲ እዞም ብጹኣት ዕላማታት እዚኦም ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ፡ መቕተልቲ፡ ማእሰርቲ፡ ስቅያት ተጻዊሩ።

 

ናይ ታሪኽ ግሪንቢጥ ኰይኑ ግን፡ ዛጊት ጻምኡ ኣይረኸበን። እቲ መሰረታዊ ዕላማታት ናይቲ ብደረጃ ዓለም ቅያ ዘበለ ቃልሱ ተጠሊሙ፤ ኣብ ክንዲ ሓርነት፡ ጊልያነት፣ ኣብ ክንዲ ፍትሒ፡ ግፍዒ፣ ኣብ ክንዲ ክብረት፡ ሕስረት፣ ኣብ ክንዲ ሰላም፡ ኲናት፣ ኣብ ክንዲ ቅሳነት፡ ህውከት፣ ኣብ ክንዲ ራህዋ፡ ስእነት፣ ተደቢሱ።

 

ቀንዲ ዕላማ ናይ ኵሉ ጻዕርታት ደቂሰብ፡ ደረጃ መነባብሮ ንምምዕባልን ነቲ ሰብኣዊ ኵነት ወይ ህይወት ደቂሰብ ንምምሕያሽን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ን29 ዓመታት፡ ጓንጓ ጭርሖታት፡ ዘይትግበሩ መደባት ልምዓት፡ ዘይፍጸሙ መብጽዓታት፡ ዘይጭበጡ ተስፋታት፣ ዓመት-ዓመት ምስቲ ክዉንነት ዘየሳንዩ፡ ብኣሽካዕላል ዚደጋገሙ ህውተታታት ኪሰምዕ ጸኒሑ። ኣብዚ ናይ ሎምዘመን ጽምብል’ውን፡ ቁምነገር ዘለዎ፡ ካብኡ ዚፍለ መልእኽቲ ንምስማዕ ትጽቢት ኣይግበርን።

 

ዘይፍጸሙ መብጽዓታት ኰነ ኣጉል ተስፋታት ሃገር ከልምዑ፣ ሃብቲ ኪፈጥሩ፣ መነባብሮ ህዝቢ ከመሓይሹ፡ ድራር ዕለት ኪዀኑ ስለ ዘይክእሉ፤ ሃገርና ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ተመሊሳ፣ ቍጠባና ተረሚሱ፣ ፖለቲካና ተዘሪጉ፣ ሕብረተሰብና ተደቚሱ፣ ስድራቤታትና ተበታቲኑ፣ መንእሰይና ብጃምላ ተሰዲዱ። ዞባውን ኣህጕራውን ቍመና ሃገርና ተበላሽዩ፣ ህዝብና ተዋሪዱ፡ መስሓቕ ሸራፋት ኰይኑ።

 

ሰላም፡ ርግኣትን ድሕነትን መሰረታዊ ኵነታት ንሰሳኒ ልምዓት ኢዮም። ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ኵሎም ጐረባብቱ ብጀኦግራፍ፡ ብታሪኽ፡ ብባህሊ፡ ብስትራተጅያዊ ረብሓ ብቐረባ ዚተላገበ ኢዩ። ሃገራዊ ልዑላውነቱን ግዝኣታዊ ምሉእነቱን ዓቂቡ ድማ፣ ምስ ኵሎም ጐረባብቱ ብሰላም፡ ጽቡቕ ጕርብትናን ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ኪነብር ዚደሊ ህዝቢ ኢዩ።

 

ብጠንቂ ባዕዳዊ ግህሰት መሰል ርእሰ-ውሳኔኡ፡ ሃገራዊ ልዑላውነቱን ግዝኣታዊ ምሉእነቱን፣ ህዝቢ ኤርትራ ንሓምሳ ካብዘን ዚሓለፋ ስሳ ዓመታት ኣብ ርሱን ወይ ዝሑል ኲናት ተጸሚዱ ጸኒሑ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰረት ናይ ነባሪ ሰላም ንምንጻፍ፣ ኢትዮጵያ፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ፡ ብቃልን ብግብርን፡ ከተኽብር ይግባእ።

 

ኲናት ብዘይካ መቕዘፍትን ዕንወትን ካልእ ፋይዳ የብሉን። ኣብዚ  እዋን’ዚ፡ ነቲ ዚሓለፈ ታሪኽ ናይ ኲናትን ተጻብኦን ኰነ ነቶም ንዕኡ ዘበገሱ ጠንቅታት፡ ወሳኒ መደምደምታ ብምግባር ነባሪ ሰላም ምርግጋጽ፣ ሓደ ኣብ ሓባራዊ ስትራተጅያዊ ረብሓታት ዚምስረት ሓድሽ ዝምድና ናይ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ምዅስኳስ ዚከኣል እመስለኒ።

 

ነቲ ሓድሽ ዝምድና ድልዱል ሰረት ንምንጻፍ ድማ፡ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰነ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ነቲ ብኣህጕራዊ ሕጊ ዚድገፍ፡ ብጹእነት ናይ መግዛእታዊ ዶባት ዚባርኽ መትከልን ልምዲን ናይ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብምቕባል፣ ብመሰረት’ቶም መግዛእታዊ ውዕላት፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ኵሉ’ቲ ተጐቢጡ ዘሎ መሬት ኤርትራ ከውጽእ ይግባእ።

 

እዚ ስጕምቲ’ዚ ምስ ዚውሰድ፡- (1) ንቅንዕና ድሌት ሰላም ናይቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰነ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብግብሪ ከረጋግጽ፣ (2) ከም መርኣያ ናይ ሰናይ ድሌት፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ምትእምማን ኪዅስኵስ፣ (3) ነቲ ጌና ተመዛቢሉ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዓድታቱ ተመሊሱ ንቡር መነባብሮ ንምህናጽ ከፍቅድ ይኽእል።

 

ኣብ ምኽላል ናይቲ ውዕላዊ ዶብ ዘሰሓሕቡ ቦታታት ምስ ዚህልዉ፣ ምስ ሽማግለታት ናይቶም ደረት መሬት ዓድታቶም ዚፈልጡ ዓበይቲ ዓዲ ናይተን ኣብ ክልቲኡ ወገናት ናይቲ ወሰናስን ዶብ ዚርከባ ጐደቦ ዓድታት ብምምይያጥን፡ ክኢላዊ ሓገዝ ናይ ካርቶግራፍያዊ ኣሃዱ ሕቡራት ሃገራት ብምዕዳምን ኪፍታሕ ይኽእል። ትካላዊ ኣገባብ ዚሓዘ፡ ንቡር ክልተኣዊ ዝምድና ምስ ዚምስረት ድማ፣ ኵሎም እቶም ዘይተፈትሑ ክልተኣዊ ጕዳያት፡ ብምይይጥ ወይ ብልዝብ ምፍታሕ ይከኣል።

 

ርግጽ፡ እቲ ሓድሽ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ፡ ቅዋማዊ ስርዓት ምርግጋእ ከድሊዮ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ኰነ ኣብ ኢትዮጵያ ርጉእ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ኢዩ።

 

ኣብ ኤርትራ ንዅሉ ዜጋ ማዕረ ናጽነት፡ ማዕረ መሰል፡ ማዕረ ዕድል ዘረጋግጽ ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካል፣ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ኣብ ውሽጢ ኰነ ኣብ ወጻኢ፡ ውድብ ይዅን ውልቀሰብ፡ ጥርናፈኡ ከዕዝዝ፡ ብሓደ ድምጺ ኪዛረብ፡ ብሓባር ኪቃለስ፡ ህጹጽ ጠለብ ናይዚ እዋንና ኢዩ።

 

በዚ ዕዙዝ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ነቲ ኣብቲ ህሉው መነባብሮኡ፡ ነብሰ-ምንጻል፡ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ኰነ ክንክን ጽሬት ንምግባር ዘኽእል ግቡእ መሳለጥያታት ዘይብሉ ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብዚ ንመላእ ዓለም ዘሳቒ ዘሎ ሓደገኛ ለበዳ ኮሮናቫይራስ መዋጽኦ ይሃብካ እብል። ነቶም ምስቲ ኵሉ ኣብ ባይታ ዘሎ ሕጽረታት፡ ድሕነትን ጥዕናን ህዝቢ ንምሕላው ኵሉ ዚከኣሎም ዚገብሩ ዘለዉ ሓካይምን ሰራሕተኛታት ሓለዋ ጥዕናን ኰነ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘርእዮ ዘሎ ሓልዮትን ዚገብሮ ዘሎ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን አሞጕስ።

 

ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ጥልመት ዕላማታት ሰውራና ዘምጽኦ ዘመነ ጸልማት ናይ ዓመጽ፡ ብልሽውናን ንድየትን ናብ ሰናይ ዘመን ናይ ፍትሒ፡ ቅሳነትን ራህዋን ዚቕይር፣ ክብሪ፡ ናጽነትን መሰላትን ህዝቢ ዘኽብር፣ ባህርያውን ሰብኣውን ጸጋታትና ብምምዕባል ኣብ መዓላ ልምዓት ሃገር፡ ግስጋሰ ሕብረተሰብ፡ ረብሓ ህዝቢ ዘውዕል፣ ኣብ ቅዋም ዚምስረት፣ ብናጻ ምርጫ ህዝቢ ዚቐውምን ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘገልግልን፣ ርጉእ ደሞክራስያዊ መተካእታ ንምምጻእ ሓድነትና ከነደልድል፡ ጥርናፈና ከነዕዝዝ፡ ቃልስና ከነሐይል እላቦ።

 

ብኣጋጣሚ ናይዚ ድርብ ጽንብል በዓል ሓርነትን ናጽነትን፡ ንመላእ ህዝብና ደጊመ ዮሃና እብል።

 

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!

yakobe@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • k.tewolde May 23, 2020

    (ሰብ-መዝን ሰራሕተኛታትን መንግስቲ፡)>>>>((ብኣጋጣሚ ናይዚ ድርብ ጽንብል በዓል ሓርነትን ናጽነትን፡ ንመላእ ህዝብና ደጊመ ዮሃና እብል።)), which statement is worse?,he didn’t mention those who are wasting away in a slave like dungeons of human traffickers or the humanity decaying alive in the 36o+ underground foxholes, frying and freezing containers,you think this message is going to get to them? if it does,what would they say? you think they would be dancing draped in the colorful flag with a blaring band playing on stage? Is this sarcasm or somebody suffering from audio visual hallucination? or may be playing ambassador to the cruel system? What is there left to celebrate?(((ድርብ ጽንብል በዓል ሓርነትን ናጽነትን))) for real!! may this thinking could be the reason why we don’t try harder or not at all?>>> for a change today I will stop mourning for my homeland, instead I will go out fishing and have few coronas with coworkers and celebrate Memorial Day remembering those who gave me this piece of freedom,hoping for a bass or snapper.

  • ወዲ ሃገር May 23, 2020

    “ናይ ታሪኽ ግሪንቢጥ ኰይኑ ግን፡ ዛጊት ጻምኡ ኣይረኸበን። እቲ መሰረታዊ ዕላማታት ናይቲ ብደረጃ ዓለም ቅያ ዘበለ ቃልሱ ተጠሊሙ፤ ኣብ ክንዲ ሓርነት፡ ጊልያነት፣ ኣብ ክንዲ ፍትሒ፡ ግፍዒ፣ ኣብ ክንዲ ክብረት፡ ሕስረት፣ ኣብ ክንዲ ሰላም፡ ኲናት፣ ኣብ ክንዲ ቅሳነት፡ ህውከት፣ ኣብ ክንዲ ራህዋ፡ ስእነት፣ ተደቢሱ።”

    መግለጺ ኣምባ. [ነበር]ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

    ——++++—-

    ዋላ እኳ ገለ ዉሑድ ካብቲ ቡዙሕ ፥ ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ ዝጸነሐ ሸነኻት ፥ ሰይጣናዊ ጠባያት እሰያስ ኣብ ምቅላዕ ግደ እንተልዎ ፥ ኣቶ ዓንደብርሃን ፥ ምስ እሰያስ-ዝጎደላ-ህግደፍ ክታዓረቁ ድልየት ካብ ዘለዎም መራሕቲ ሻዕቢያ -ነበር ሓደ ሙዃኑ ዘጠራጥር የለን።
    “ናይ ታሪኽ ግሪንቢጥ ኰይኑ” ይብል ። በዚ ጉዳይዚ ዝሕተቱ ከለዉ ክጠቅሶም ግን ኣይደለየን ፥ ስለምንታይ ?
    እቲ ሓቂ ፥ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ፥ ምዝኽኻር ዝመስል መልእኽቲ ፥ ብጥንቃቀ እኳ እንተ ተጻሕፈ ፥ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ሰብ ኣለና ስለ ዝብል፥ ከኾሪዮም ከም ዘይደለየ ፥ ጎሊሁ ዘሪኢ ኣብነት እዩ ።
    ህዝቢ ኤሪትራ ፥ ብፍላይ እቲ ኣብ ደምበ ተቃዉሞ ዓስኪሩ ዘሎ ፥ ዕላሙኡ ፥ ውድባት ሰውራ ኤሪትራ ተመሊሰን ንሰን ዝዕብልሎኦ መንግስቲ ሙቋም ኣይኮነን። ንሰን ፥ ምስ ኩሉ ጂግንነታዊ ታሪኸን ፥ ኣብ ማህደር ታሪኽ ሰፊረን ኣሎዋ። ከም ህግደፍ ብሽም ህዝባዊ ግንባር ምሽቃጥ ድሕሪ ሕጂ ተቀባልነት የቡሉን።

    ንመብዛሕቲኡ ኤሪትራዊ ቁቡል ክኸዉን ዝኽእል ስርዓት ፥ >>
    – ሲቪላዊ
    – ዕልማናዊ
    – ዘይሙእኩል(ፈደራላዊ ዘይኮነ)
    – ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝቆመ
    – ኣብ ፖሊቲካዊ ቡዙሕነት ዝቆመ
    – ኣሳታፊ
    ስለዚ ፥ እዚ ካብ ኮነ ተስፋን ትጽቢትን ህዝቢ ኤሪትራ ፥ ብዓል ዶ. ዓንደብራሃን ተስፋ ኣምቢሮምሉ ዘለዉ ፥ ናይ “ዉሽጢ ተቃዉሞ” ፥ መራሕቲ ህግደፍ ከይኮኑ ተስፋ እገብር።

    ሩሑስ ባዓል ናጽነትን ፥ ሩሑሽ ዒድ-ኣልፍጥር ይግበረልና።
    ሃገርና ፥ ብህዝባ ከቢራ ፥ ንዘልኣለም ነጻ ትንበር።

  • kidane May 24, 2020

    Andebirhan stood against G-15. Even my whole family whose members are mostly uneducated including my mother and father in their 80+ felt that the G-15 represented them. If Andebirhan did not have the courage to be on the side of the G-15, it would have been reasonable but by openly voicing against the G-15 it was very likely he was trying to ingratiate himself with Isaias for his own benefit. This is the curse we had in Sahel during the struggle days. To me, it is hard to believe that Andebirhan will put the Eritrea people’s interest ahead of his if he gets any opporutunity.

  • ወልድኣብ May 24, 2020

    ገሪሙንስ ይገርም’ዩ!

  • Danny T. May 25, 2020

    ክቡር ኣም፡ ዓንደብርሃን በብግርዚኡ ግዜኻ ሰዊእካ ፍልጠትካን፡ ተመክሮኻን ዘካፈልካና፡ ከምኡ’ውን ንነዊሕ ግዜ ኸይተሓለልካ ዘንቓሕካና ገና’ውን ተንቅሔና ዘለኻ ብዙሕ ከመስግነካ ይፈቱ። ከምህዝቢ ካባኻ ንኸስቦ ብዙሕ ስለ ዘሎ ቐጽሎ ይብል። እግዚኣብሄር ከኣ ምሳኻ ይኹን።

  • Ghebreyesus Mesfun May 25, 2020

    ህዝብን ሃገርን አጥፊኡ መጺኡስ ሕጂ ንብዓት ሓርማዝ ዝንብዕ ዘሎ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ሓሳዊ እዩ ። ሕጂ ተረድ እዎ ህዝቢ ከም ተበደለ ፡ ሓላዪ ህዝቢ ኾይንካ ትቀርብ መን ክእምካ

  • ዳዊት ስዩም May 26, 2020

    መጀመርያ ክቡር ኣምባ ዓንደብርሃን፥ ንስኻ ኾነ ከማኻ ካልኦት ከምኡ’ውን ና ሕዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ከምኡ ከኣ ብጠቅላልኡ ሕዝቢ ኤርትራ ብዝወፈዮ መስዋእትነት ኡርትራ ነጻነታ ከም ልዕላዊት ሃገር እኳ እንተተጎንጸፈት፥ ብሰንኪ እዚ ኣብ ስልጣን ብዘይ ናይ ሕዝቢ ድልየት ብሓይሊ ኣብ ስልጣን ተወጢሑ ንህዝብን ንሃገርን ዘጽንት ዘሎ ናይ ህግደፍ ውድብ ምስዚ ካብ ሰብ ንታሕቲ ዝኾነ ደም ሰብ እናስተየ ሃገር ዝኸድዔን ዘጽነተን ውልቐ መላኺ ምኽንያት እዚ ህዝብን ሃገርን ሓርነት ተሓሪምዎ ኣብ ግደ መዓሙቅ ድኽነትን ጭንቀትን ይነበር ኣሎ፥ ኣብዚ እዋንዚ ከ ኩሉ እቲ ንፍትሒ ተሰሊፈ ኣለኹ ሕዝብን ሃገርን ኤርትራ እቲ ንግበኦ ክብሪ ክረከብ ኣለዎ ዝብል ነንሕድሕዱ ስኒት ብዘየብሉ ኣግባብ ጊዜ እናኣጥፈኤ ዕምሪ ውልቀ መላኹ ከናውሕ ይርከብ ፥ ሕጂ ዘድሊ ሕጹጽ ጉዳይ ብሓደ ሰሚርካ ሃገር ናይ ምድሓን ጉዳይ ክኸውን ስለ ዘሎ ፥እዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ኩነታት ናይ ሃገርናን ጎሮቤትናን ኣብ ግምት ብምእታው፥ ሕጹጽ ስጉምቲ ምውሳድ ሰዓቱ ሕጂ እዩ ፥ ንሱ ከ ኣ ኣብዚ እዋን’ዚ ተፈጢሩን ዝሬኤን ዘሎ ሃጓፍ ንኹሉ ዝጥርንፍን ዝመርሕን ብመሳገሪ /ብጊዚያዊ ደረጃ ፥ ተሞኩሮ ፍልጠት ንይ ምምራሕ ዘለዎም ኣብ ዓላም ተፈላጥንትን ተሰማዒነትን ዘለዎም በቲ ኣብዚ ኣዋንዚ በብሃገሩ ተመስሪቱ ዘሎ ሕዝባዊ ባይቶታት ነዞም ክም በዓል ክቡር ኣምባ ዓንደብርሃን ካልኦትን ኣፍልጦ ብምሃብ ምርሑና ኣክቡና ኣልካ እንተዘይተገይሩ እቲ ንጠልቦን ንደልያን ፍትሓዊት ምዕብልትን ሃገር ካባና እናረሓቀት ስቃይ ሕዝብና እናጸከርን ንኸይቅጽል ንኸይህሉ ውሕስነት የለን፥ እዚ ክብል ክለኹ ሕድገት ተገይሩ እቲ ዝሓለፈ ክርሳዕ ዘይኮለስ ግን እቲ ሕልፍ ጌጋታት ናይ መጻኢ ህልውናና ወናኒን ሓንጻጺ ዕቢትን ብልጽግናን ሃገርናን ከይከውን፥ ጊጋን ጉለትን ተፈጥራዊ እዩ ፥ ኣቲ ዓቢ ጉድለትን ጊጋን ኣብ ሕልፍ ዝተገብረ ጌጋታት ተኣሚንካ ጌጋ ዝይምእራም እዩ፥ ኩልና ንብስና ሕልናናን እንተመርሚርና ኣብ ዝተፈለለየ እዋን ንብዛሕ ይውሓድ ይናስ ይዕበ ጌጋታት ጌርና ኢና ማንም ንጹህ የልቦን፥ለበዋይ ንመንእሰያት ኣብ ፍርድን ኣብ ጸርፍን ኣይተጉየዩ ምስትውዕላን ኣዕሚቅካ ምምዛን ናይወሩ ግንዛቤ ክትገብሩ ይምሕጸን፥ ሃደ ፍላስፋ ከም ዝበሎ ፥ኩሉ ሳዕ ካብ ንፈልጦ ኣዝዩ ብዝተዓጻጸፈ ዘይንፈልጦ ከ ዝበዝሕ ምግንዛብ ሽዑ’ዩ ፈላጥ መስተውዓሊ ዘስምየካ ይብል። ኣ ብ መወዳእታ ክቡር ኣምብ ዓንድብርሃን ካልኦት ደቂ ሃገር ንምሪሕነት ብቅዓትን ክእለትን ዝተዓደልኩም ከሰልቸኤኽም ሃገር ናይ ምድሓን ብመሪሒነት ካብ ምስጋም ኣይትቆጠቡ
    ሓርንት ነጻንት ፍትሕን ብልጽግናን ነነዊሕ ዝተሓረሞ ሕዝብና ኣምላኽ ነዚ ዘውሕሱ ይባርኸልና

  • Mike May 29, 2020

    Mr. Ambassador –
    Why do you keep remind people of the old ways you and the few remnants friends of you , inside and outside Eritrea, have done and plan to do? Failed at every turn.

    Don’t you have a remorse for all betrayals to your own nation, fallen brothers, and the now-generation of Eritrea? Too many shameless and spineless would-be leaders trying to appear as some sort of fixers. Shame on you. Get a real life and do something out there for humanity. Absolutly disgusting.

    -Mike

Post a Reply to Mike Cancel Reply