Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ (መ.ሃ.ዘ.) –

7 ሰነ 2018   ሰሉስ  6 ሰነ 2018 ፈጻሚት ሽምግለ ህዝባዊ ሰውራዊ ዲሞክራሳዊ ግንባር ኢትዮጵያ (ህ.ዲ.ሰ.ግ.ኢ.)፡  ነቲ ናይ 12 ታሕሳስ 2018 ስምምዕ ኣልጀርስ “ብምልኡ ተቐቢሉ ንኸተግብሮ” ከም ዝወሰነ መግለጺ ኣውጺኡ፡፡ ኣስዒቡ ‘ውን ንመንግስቲ ኤርትራ “ብዘይ ቅድመኩነት ተመሳሳሊ

7 ሰነ 2018

 

ሰሉስ  6 ሰነ 2018 ፈጻሚት ሽምግለ ህዝባዊ ሰውራዊ ዲሞክራሳዊ ግንባር ኢትዮጵያ (ህ.ዲ.ሰ.ግ.ኢ.)፡  ነቲ ናይ 12 ታሕሳስ 2018 ስምምዕ ኣልጀርስ “ብምልኡ ተቐቢሉ ንኸተግብሮ” ከም ዝወሰነ መግለጺ ኣውጺኡ፡፡ ኣስዒቡ ‘ውን ንመንግስቲ ኤርትራ “ብዘይ ቅድመኩነት ተመሳሳሊ መርገጽ ክወስድ፡ ንጻውዒቶም ተቐቢሉ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ሃገራት ንነዊሕ ቦኺሩ ዝጸንሔ ሰላም ናብ ንቡር ክምለስ ተማሕጺኑ፡፡”

 

መድረኽ ሃገራዊ ዘተ (መ.ሃ.ዘ.) ዝኾነ ጎነጽ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ እንተኾይኑ፡ ኣብ ምኽባርን ምትግባርን ውዕላትን ውሳኔታትን  ሕጊ ዝምርኮስ ሙዃኑ ኣትሪራ ትኣምን፡፡ ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ነዚ ኢትዮጵያ ወሲዳቶ ዘላ ፋልማይ ስጉምቲ ኣገዳስነቱ  ኣብ ምውሓስ ዞባዊ ሰላም ዑዙዝ ምዃኑ ትግንዘብ።

 

መ.ሃ.ዘ. ነዚ ንኡድ ስጉምቲ ብኣሻቡ ክስዕቦ ዘለዎ ምልቃቕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ ‘ዩ ኢላ ትኣምን። እዚ ስጉምቲ እዚ ኢትዮጵያ ምስ ግዝኣተ ሕጊ ዘየማትእ ተኣማንነት ከምዘለዋ ከመልክት ይኽእልን፡ እቲ ብይን ኢትዮጵያን ኤርትራን ኮምሽን ዶብ (ኢ.ኤ.ኮ.ዶ.) ዝጠልቦ ከኣ የማልእን፡ ነቲ ዘሎ ሃዋሁ ዘይምትእምማንን ጥርጣረን ተጻበእነት የቃልልን።

 

መ.ሃ.ዘ. ኣርጊጻ ትፈልጥ ኢትዮጵያ ነቲ ብይን ካብ ዝእወጅ ኣትሒዛ “ብመትከል” ከም ዝተቐበለቶ፡፡ ኣብ ምትግባር ግን ክበጽሕ ኣይከኣለን ምኽንያቱ ንልዝብ ከም ቅድመ ኩንት ስለ ዘቕረበቶ። ‘ዚ ኣብ ሰሉስ ብፈጻሚት ሽምግለ ገዛኢ ግንባር ኢትዮጵያ (ህ.ዲ.ሰ.ግ.ኢ.)ዝተወሰደ ዘተባብዕ ውሳኔ ሓንጎፋይ ኢልካ እትቕበሎን ተመጓስን ኣወንታውን ለውጢ ‘ዩ፡፡ ንሰላም ‘ውን መገዲ ዝጸርግ ስጉሚ ሙዃኑ ትኣምን፡፡

 

ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምልቃቕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ናብ ልዝብ ብዘይቅድመ ኩነት ከምትኣቱ ድልውነታ ገሊጻ ‘ያ። ኤርትራ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክለቅቕ ኣለዎ ብምባላ ከም ቅድመ ኩነት ክረአ የብሉን፡  ምኽንያቱ ‘ታ ቀዳመይቲ ስጉምቲ ናይ ብይን (ኢ.ኤ.ኮ.ዶ.) ምትግባር ውሳነ ትጠልቦ እሱ ስለ ዝኾነ።

 

መ.ሃ.ዘ. ንመንግስቲ ኤርትራን ነቶም ክልተ ውሕስ ስምምዕ ኣልጀርስን፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ዕድል ብጥብቂ ክጥቀማሉን ነቲ ብይን (ኢኤኮዶ)ንኽትግበር ንኸቃላጥፍኦን ትጽውዕ።

 

መ.ሃ.ዘ. ምትግባር ውሳነ ዶብ ፋልማይ ስጉምቲ ናብ ንቡር ዝምድናታትን ሰላምን ሰናይ ጉርቡትናን ዝመለስ ምዃኑ ተገንዚባ: እዚ መሳርሕ ሰላም ኣፍራይ ክኸውን እንተደኣ ኮይኑ ብመንግስትታት ጥራሕ ክሕዛእ የብሉን፡ ። ሰላም ብዘይ ሰናይ ምሕደራ ክረጋገጽ ኣይኽእልን ‘ዩ፡፡ ዲሞክራሳዊ መደብ ድማ ኣብ ክሊቲአን ሃገራት ብትሪ ክትሓዝ ኣለዎ።

 

ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኩሎም ነዚ ጉዳይ ዝምልከቶም–በርጌሳውያን ማሕበራት ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ውድባትን–ቀንዲ ኣካላት ናይ እዚ ሰላምን ዲሞክራስን መሳርሕ ‘ዮም።

 

መ.ሃ.ዘ. ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሳውን ቁዋማውን ስርዓት ዘይምህላዉ ምስ ምሕንጻጽ ዶብ ዘራኽብ ከምዘይብሉ፡ ‘ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ግን ከም መመኽነይታ እንዳተጠቀመ ሕሰም ህዝቢ ከናውሕ ከም ዝጸነሐ ትፈልጥ። እዚ “ብምልኡ ተቐቢሉ ንኸተግብሮ” ወሲንዎ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምልቃቕ ሰራዊቱ እንተድኣ ኣስኒይዎ፡ ነቲ ዝጸደቐ ቅዋም ንኸይትግበር  መንግስቲ ኤርትራ እትጥቀመሉ ዝነበረት ምኽኒት ክሕረማ ‘ዩ።

 

መ.ሃ.ዘ. ነቲ ብ1997 ዝጸደቐ ቅዋም ንኽትግበርን፡ ነጻ ፕረስ ኣብ ስርሐን ክምለሳን፡ ዝተኣሰሩ ፖሎቲከኛታትን ናይ ሕልና ኡሱራትን ክፍትሑን፡ ስራዊት ክጣየስን፡ እቲ መውዳእታ ዘይተገብረሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብቕጽበት ጠጠው ክብልን ትጽውዕ።

 

መድረኽ ሃገራዊ ዘተ (መ.ሃ.ዘ.)

medrekh@medrekh.org

www.medrekh.org, www.erimedrek.org

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Simon G. June 10, 2018

    መድረኽ ሃገራዊ ዘርጊ (መ.ሃ.ዘ.),
    ናይ ዓዲ ሓሎ ኣያኹም ድዩ ትእዛዝ ሂቡኩም ?
    ወይ ጉድ! ከካብ መሕብ ኢትኩም ኳ ከም ጻጸ ቦሎኽ ኢልኩም ወጺኹም ኣብ ክንዲ ኣያኹም ክትሕለቑ።
    ኣብ ክንዲ ኣያኹም ዕላዊ መግልጺ ዝ ህብ: ኮርራኹሩ ልኢኹ ከምዘይዛረብ ይሕብር።
    ኢትዮጲያ ወተሃደራታ ምስ ሰሓበትከ እንታይ ሓድሽ ምህዞ ክትምህዙ ኢኹም?
    ኣንታ ክንደይከ ትሓስሩ: ክንደይከ ትፎኽሱ? ንደርዘን ብ ሓደ ሽልን? እዋይ ውርደት!

  • ናትና ንግበር June 10, 2018

    ርእይቶ ንመድረኽ ሃገራዊ ዘተ
    መጀመርያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣውጅዎ ዘሎ ናይ ሰላም ጻውዒት ንኹሉ ኤርትራዊ ዝልከት ስለዝኾነ ብዝተኻእለኩም መጠን ብዘለኩም ዓቕሚ ክትተሓባብርዎምን ከተባብዕዎምን ይግበኣኩም። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ነዚ ናይ ሰላም ጻውዒት ከምዘይምልሰሉን ሰላም ክህሉ ከምዘይደልን ንኹሉ ኤርትራዊ ዝሕብኦ ኣይመስለንን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኢ.ኤ.ኮ.ዶ ኮንኑ ሰርዊቱ እንተ ኣውጺኡ ኣብ ኤርትር ደሞክራስን ሃገራዊ ቅዋምን ንኽህሉ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ምእላይን ናይ ኤርትራውያን ትብዓትን ቆራጽነትን የድል። መንግስቲ ኢትዮጵያ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ክምጽኣልና ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣይኮነን ስለዚ መድረኽ ሃጋራዊ ዘተ ኣብ ዘረባኹም ዝሓዋወስኩም ኮይኑ ስለዝታሰምዓኒ ናብ ህዝቢ ተቕርብዎ መግለጺ ቀሊልን ዘይታሓላለኸን ክኸውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።
    ውድቀት ንመታለልን ዓማጽን ምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ

POST A COMMENT