Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጋረጃ ይቅንጠጥ 21 – “ዘይወግሕ ለይቲ፡ ዘየዕቅል በዓቲ”

መጋረጃ ይቅንጠጥ 21 “ዘይወግሕ ለይቲ፡ ዘየዕቅል በዓቲ” መጋረጃ ይቅንጠጥ ኣኺሉ መዓልቱ ኤርትራውያን ንዛረብ መዓጹ ካብ ተኸፍቱኡ ክንደይሻዕ ክንሕባእ ኣብ ቀሚሽ ክንኣቱ ይኣክል ናይ ብርዒ፡ ይገለጽ ኣስማቱ። ብህጻነይ ከለኹ ንነጻነት ክሃርፋ ኣብዝ ዓበኹሉ ብተደጋጋሚ ተስፋ ጸገም ኣይረኣየን ሂወተይ ዘሕለፋ ሃገር ነበረት ብለምለም ሓርፊፋ በርኻ ሃገርይ ብዙሕ

መጋረጃ ይቅንጠጥ 21
ዘይወግሕ ለይቲ፡ ዘየዕቅል በዓቲ
መጋረጃ ይቅንጠጥ ኣኺሉ መዓልቱ
ኤርትራውያን ንዛረብ መዓጹ ካብ ተኸፍቱኡ
ክንደይሻዕ ክንሕባእ ኣብ ቀሚሽ ክንኣቱ
ይኣክል ናይ ብርዒ፡ ይገለጽ ኣስማቱ።
ብህጻነይ ከለኹ ንነጻነት ክሃርፋ
ኣብዝ ዓበኹሉ ብተደጋጋሚ ተስፋ
ጸገም ኣይረኣየን ሂወተይ ዘሕለፋ
ሃገር ነበረት ብለምለም ሓርፊፋ
በርኻ ሃገርይ ብዙሕ ተሃሪፋ
ቅሳነትን ሓጎስን ፍትሕን ኩሉ ክንጸፋ
ህዝብና ንስስን ጎበዝ ንበረኻ ጎረፋ።
መግዛእቲ መጸና ዝኸፌ ብዓጸፋ
ሕግን ስርዓትን ጠፊኤ ሃጺጹ ከምሃፋ
ነዙይ ድዩ ዝኽUሉ መስዋእትነት ንጎዱፋ
ነጻነት ምስተረኽበት ህዝቢ ተጓሒፋ
ኣበይ ድኣ ከደ እቲኹሉ ዝነበረ ተስፋ።
ደቂሰ ከምቀደመይ ክወግሓለይ ለይቲ
ከዔቅል ኣትየዮ ዝመስል ባዓቲ
ብርሃን ደንጉይኒ ነዊሑ ት!! ለይቲ
እምብዛ ጠልቕየ ዘየዕቅል ብዓቲ
ከጽልለኒ ዝኣተኹ ኣጥለቕለቐ ኣብታሕቲ
ክዔቅል ኢለየ ኣትየዮ በዚሑኒ መጥቃዕቲ
ብዓቲ ኮነ ለይቲ ኮይኖም መዳርግቲ።
ወዲ ምስ ተወሊደ ብዙሕ ተዓለለ
ዝመጾ ንኽስከም ምርቕ ዓሰለ
ወለዱ ንከኽብር ክማሃር ብዓቕለ
ክንድሰብ ምስኮነ ዓዱ ከጽልለ።
ትናይ ቀደም ወዲ ሕጂ በርገደለ
ጀነራላት ሃገርና ምስቲ ኮለነለ
ሃገርን እና በረሰት ይብሉ ተሓምበለ
ጸነተ መንእሰይ ናብ ስደት ኮብለለ
ንቡር ሓሪሙዎ ዓርከተይ ከይበለ
ኣብ ኣጻምእ ሲናይ ኣያይ ኣያኣይ በለ
ረዳኢ ምስ ስኣነ ልቡ ተዘልዘለ
ኣዋልድ ሃገርና ኩላተን ዕሸለ
እንታዩ ምስጢሩ ንጉስን ኣሽካዕለለ
ይውዕል ይሓድር ክቖርጽ ንዝተተኽለ
ወዲ ተወልዱ ዓድሙሉእ ዝዓለለ
ህዝቡ ንኸጽንት! እዚ ኹሉ ዕልለለለ።
ወላዲት ተኾርምያ ዉላድ ጠፊእዋ
ይመጹኒ እናበለት በይና ጸምዩዋ
ሰብኣያ መይቱዩ!!! ሓሊፉ ቀዲሙዋ
ትጽቢታት ናይደቃ መዓልቲ ነዊሕዋ
ዝገርም ነገር እዩ ደባሲ ሓሪሙዋ።
ዝቐደሙ ከይኣክል! ንኡስ ተደጊምዋ
ኣብሲና ምስ በጽሔ ተሓርዱ በሉዋ
ኮላሊቱን ተሸይጡ ኢሎም ኣርድእዋ
ኤርትራዊት ወላዲት ጸገም በዚሑዋ
መንግሰትይ ዝበለቶ ብዙሕ ጠሊምዋ
ትፈልጦ ዘይብላ ዓቕላ ጸቢብዋ።
ጓላውን ተደግመት ናብ ሲና ኣርኪባ
ብዘይ ደለየቶ ካብ ዓዲ ተሸሪባ
ናይ ወላዲ ነገር ወሰኸ ጸበባ
ስልኪ ተደዊሉ ከይትብል መርሓባ
ብኽያትን ኣውያትን ናይ ጓላ ሰዓባ
ዶላር እንተዘይሰደድኪ ሂወታ ኣብ ቀርባ
ወላዲት ታይትግበር በይናእምበር ጸበባ
ብዙሕ ተሸገረት ሓሳር ውን ኣርከባ
ዘየጽልል በዓቲ ጸላም ዝኸበባ
ለይቲውን ነዊሑ ዘይድየብ ቲእምባ
ዉላድ መኻን ኮይና ልባን ተሰሊባ።
ቀልጢፉ ክወግሕ ክሓጽር ትለይቲ
ሽግርና ንፍለጦ ኩሉ በብሓንቲ
ኣይውዳእንዩ ብሓደ መዓልቲ
ወድ ሃገር ዝኾነ ብጽሞና ይዘቲ
ፀገም ሃገር ንድለዮ ኩላትና በብሓንቲ
ሃገር ከይጸነተ ዘርእና ክጸንሕ ንጥንቲ
ክናገፍ ህዝብና ካብዞም ተበለጽቲ
ነለልዮ ጸገምት ህዝብና ኩሉ ብትዕግስቲ
ክንደሻዕ ክንዕሾ ከይንኸውን ተሓተቲ።
ዘየዕቅል ባዓቲ እንታይ ክኾነኒ
ካብዚ ባዓቲ ኣብ መሮር ምሕሸኒ
ካብቲ ዝነበረ ሕጂ ገዲዱኒ
የጽልል ዝበልክዎ ብዙሕ ኣጠልቀየኒ
ጠሊ በዚሑኒ ዉሽጠይ ቖረረኒ
ዘየምዉቕ ባዓቲ ጠሊ በርቲዑኒ
እሑእ! እሑእ!! ስዓልዶ! ሓዘኒ
ዘይነበረኒ ሕማም ሕጂ ደጊሱኒ
ሕማመይ ክፍወስ ኣሕዋት ሓጉዝኒ
ቕልጣፌ የድሊ ለበዳ ከይኮነኒ።
ኣኻውሕ ኣይኮነን ንዓይ ዘድልየኒ
ዓድና ኩላቶም ከይበረሱ ክጸንሑኒ
ኩሉ ዜጋ ኽፈልጥ ኣነ የድልየኒ
ዘይካኣል የለን ሃየ ደግፉኒ
ካብዛ ጸላም ለይቲ ወጊሓ በሉኒ
ሸረብረብ ባዓቲ ኣኺሉ ክትብሉኒ
ሃገርይ ክኣቱ ተወዲኡ እኒሄልካ በሉኒ።
ስርዓት ማፍያ ክሪኦ ኣብቒዑ
በዞም ጠላምት ሃገርና ተጠቒዑ
ዝፈልጠሉ ዘብሉ ብዙሕ ተወቒዑ።
ሰላም ክወርደና ኢልኩም ኣጣቕዑ
ህጻውንቲ ክዘሉ ኩላቶም ቖላዑ
ክርእያ ሃገረይ መጋረጃ ተቐሊዑ
ህዝቢ ይኣኽሎ ክንደይሞ! ተጠቒዑ
ኮለጃት ክኽፈት ተማሃሮ ከጽንዑ
ብፍትሒ ክምራሕ ኩሉ ብመስርዑ
ኣዒንቲ ኣደታት ብዙሕዩኮ! ነቢዑ
ኣዋልድ ሃገርና ክዘላ እንተሎ መርዑ።
  ውድቀት ንማፍያ ህግደፍ
ዓወት ንውጹዕ ሕዝቢ ኤርትራ
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
18 መጋቢት 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Hazhaz March 19, 2013

    http://martinplaut.wordpress.com/2013/03/17/eritrean-community-raises-41000-to-free-8-year-old-girl-held-in-sinai/

    In a desperate race against time, the Eritrean community living in the diaspora has managed to raise $41,000 demanded by Bedouin people-traffickers to buy the freedom of the girl’s family.

    Ahlam, who is just eight, has already seen her father beaten and tortured in front of her.

    It was when the Eritrean community heard that their kidnappers would force 19 men, all captives themselves, to rape her mother in front of the little girl, that they decided they had no option but to act.

    So the community has scraped the money together.

    “It will be sent to Cairo,” says Meron Estefanos, who has interviewed Ahlam and her family several times since they were captured at the beginning of January.

    The interviews were carried by the Eritrean radio station Erena.

    The radio operates from Paris, one of the few sources of accurate information for Eritreans, who are subjected to some of the harshest censorship in the world, according to Reporters without Borders.

    The tragedy begins…

    The story of this family begins when they hear that a close relative is dying in Sudan.

    They crossed into Sudan legally, since Ahlam’s father is a fighter, who was wounded in Eritrea’s long war of independence, that ended in 1991

POST A COMMENT