Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንቲ’ዶ – ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ? ታደሰ ኪዳነ ( በርሚንግሃም) – ቀዳማይ ክፋል

“መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንቲ’ዶ - ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ? ታደሰ ኪዳነ  ( በርሚንግሃም)          03/02/2018 ቀዳማይ ክፋል ነዚ ሓበሬታ’ዚ ናብ ሚድያ ቅድሚ ምዝርግሐይ፡ ምስ ኣዳለውቲ መርበብ ሓበሬታ “መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ክራኸብ ፈቲነ ኢየ። ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬታኦም ኣትየ “contact us” ዝብል ረኺበ፡ ዘለኒ ስኽፍታን

“መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ”

ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንቲ – ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ?

ታደሰ ኪዳነ  ( በርሚንግሃም)          03/02/2018

ቀዳማይ ክፋል

ነዚ ሓበሬታ’ዚ ናብ ሚድያ ቅድሚ ምዝርግሐይ፡ ምስ ኣዳለውቲ መርበብ ሓበሬታ “መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ክራኸብ ፈቲነ ኢየ። ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬታኦም ኣትየ “contact us” ዝብል ረኺበ፡ ዘለኒ ስኽፍታን ርእይቶን ጽሒፈ ክሰድድ ተደጋጋሚ ፈቲነ። ፍጹም ኣይከኣልኩን፡ ከሕልፈኒ ኣይከኣለን። ንብዙሓት “ይፈልጡ ኢዮም” ዝበልኩዎም ሰባት ሓቲተ ናይ ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወ/ገርግስን ኢመይል ክራኸብ ብዙሕ ጽዒረ።

ድሕሪ’ዚ ኩሉ ጻዕሪ፡ ኣብ ገጻት መርበብ ኢንተርነት ኣትየ፡ ናይ ዝሰርሕሉ ወይ ናታቶም ፕሮፋይል ክገልጹ ክብሉ ዝጸሓፍዎ  ሰነዳት ሃሰስ ክብል ጀሚረ። በዚ መንገዲ’ዚ ከኣ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ናይ ክልቲኦም ኢመይል ረኺበ። ከም ላዕለዎት ሓለፍትን መስረትን ‘መድረኽ’ ድማ ናብ ክልቲኦም ብመንገዲ’ቲ ዝረኸብክዎ ኢመይል፡ ስኽፍታይን ዘለንኒ ርእይቶን ጽሒፈ – ምስኦም ተራኺበ ክፈትሖ ፈቲነ ኢየ። ድሕሪኡ’ውን ምስ ዋና ኣካያዲ ስራሕ መድረኽ ሓው ሰመረ ተ ሃብተማርያም ተጸሓሒፍና። ዝረኸብኩዎ መልሲ ግን ካብ “ዕበጦ-ዕበጦ” ዝሓልፍ ኣይኮነን። ብፍላይ፡ ናይ ኢደይ ተለፎን ከይተረፈ ዝሃብኩዎም ገለ ካብኣቶም፡ ነቲ ንዓመት መመላእታ ብጥንቃቐን ብውሕሉል መንገድን ብቐጻሊ ክዝርጋሕ ዝጸንሐ ኣዕናውን ፈላላይን ፈነወታቶም “errors” ኢሎም ከነኣእስዎ ዝፈተኑ ኣለዉ።

ነቲ ምእንቲ ፍትሒ እነካይዶ ቃልሲ ስለዘየርብሕን ክቕጽል ስለ ዘይደለኹዎን ከኣ እነሆ፡ ነቲ ኮነ ኢሎም ኣብ ህዝቢ ምጥርጣርን ምፍልላይን ንምፍጣር ክዝርግሕዎ ዝጸንሑ ዘይቅርዑይን ዘይውዱንን ዜናታቶም፡ ንሰነዳቶም ምርኩስ ገይረ፡ ብጭብጢታት ኣሰንየ፡ ናተይ ርእይቶ ወሲኸ ናብ ሰማዒ አቕርቦ ኣለኹ። ነቲ ስርዓት ኮነ፡ ነቶም ነቲ ስርዓት ዝመርሑ መኮነናት፡ በብውልቅን በብዓዶምን ከፋፊልና’ዶ ንርኣዮም ወይስ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ጉጅለ . . . ኣብ ዝብል ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ሕቶ ስለ ዘለዓዕል ከኣ ሸለል ኢልካ ምሕላፉ ኣይተራእየንን።    ሰናይ ንባብ፡ –

–        –        –         –        –        –        –         –        –         –         –

ዜናታት ሬድዮ መድረኽ ዝከተታተል ሰብ ኣይኮንኩን። ስሕት ኢለ ግን ንእግረ መንገደይ ዜናታቶም ሕልፍ-ሕልፍ ይብሎ ኢየ። ሓደ መዓልቲ ግን ንእዝነይ ዝኹርኩሕ ገለ ቃላት ሰሚዐ። ሽዑ ብዙሕ ኣይተገደስሉሉን፡ “ሙላቑ ኢዩ ዝኸውን” ኢለ ከም ዋዛ ሓሊፈዮ።

ንካልኣይ – ሳልሳይ ግዜ ተመሳሳሊ ቃላትን ሓረጋትን ከደጋገም ምስ ሰማዕኩ ግን፡ ብዛዕብኡ ክሓስብን ኣቓልቦ ክገብረሉን ጀሚረ። ብመደብ ብውሕሉል መንገዲ እናተሰኹዐ ሰማዕቲ ንምድንጋር ዝዓለመ ከይከውን ክጠራጠር ጀሚረ። ሽዑ ከኣ ኢየ ንሰነዳት ራድዮ መድረኽን ጽሑፋቶምን ተወኪሰ ከረጋግጽ ዝፈተንኩ። ብሓቂ’ውን ሙላቕ ኣይነበረን።

ኣዳለውቲ መርበብ ሓበረታ መድረኽ፡ እንተላይ ረድዮኦም ኣብ ልዕሊ ገለ ሰባት ፍሉይ ጽልእን ቅርሕንትን ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። እዚ ግን ኣብ ሚድያ በዚ ኣቅሪቦሞ ዘለዉ መንገዲ ክገልጽዎ ዘይሕሰብ ኢዩ። ሓለፍትን ኣካየድትን መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ፡ እኳ’ድኣ ሃገር ንምምራሕ ዝመጣጠሩ ዘለው ስለ ዝኾኑ፡ ደጋጊሞም ዝፍንዎዎ ዜናታት – ፖለቲካዊ ዕላማ ክህልዎ ናይ ግድን  ኢዩ። ንፖለቲካዊ ዕላማ ከም ዝሰርሑ’ውን፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ራድዮ መድረኽ ይገልጹ ኢዮም። እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ሕቶ እምበኣር፡ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ዕላማ? ዝብል ኢዩ።

ንድሕሪት ምልስ ኢልና፡ ንታሪኽ ውልቀ-መለኽቲ እንተ ተዓዚብና፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሮም ዘሎ ህዝቢ፡ ሓለይቲ ናይ ገለ ወገን ተመሲሎም፡ ንኻልኦት ዝውግንን ዝንጽልን መርዛም ሓሳባት ይዝርግሑ ኢዮም። ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ “ጋላና ሽንፍላ ታጥቦ ኣይጠራም” (ጋላን ርስሓት ከስዐን ተሓጺቡ ኣይጸርን ኢዩ) ዝብል ኣንጻር ህዝቢ ኦሮሞ ዘነጻጸረ – ናይ ነገስታት ኣምሓራ ነጻልን ጽልኢ ዘጓሃህር ቃላትን ብሓደ ወገን፡ መርገጺ ሳዳም ሑሴን ኣንጻር ኩርዳውያን ድማ በቲ ሓደ . .  ክጥቀስ ይከኣል። እዚ ከኣ ንሓደ ወገን ነጺልካን ኣሰይጢንካን (demonize ገይርካ) ካብቲ ክትንጽሎን ከተርሕቖን  ዝደለኻ ወገን ዝመጹ ሰባት ሓደገኛታት ጥራይ ዘይኮኑ፡ ነቲ ካልእ ወገን ኣስጋእቲ ምዃኖም ትገልጽ። ንስኻ ከኣ ሓላውን ተኸላኻልን ናይቲ ‘ናተይ’ ዝበልካዮ ወገን ተመሲልካ፡ ብእኦም ክትሕሎን ክትክበርን ዝግበር ፖለቲካዊ ጸወታ ኢዩ።

መድረኽ’ውን ኣብቲ ብዕለት30/11/2017 “ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ናይ 31 ጥቅምቲ ህዝባዊ ናዕቢ ‘ናይ ጀበርቲ ምንቅስቓስ’ ተባሂሉ ክጉስጎሰሉ መደብ ኣውጺኡ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ብ3 ታሕሳስ’ውን ኣብ ራድዮ ዘንበብዎ ኣርእስቲ – 3ይ ሕጡበ ጽሑፍ፡ ከምዚ ክብሉ ምስክርነቶም ሂቦም ኣለዉ ፡ –

“. . . ከም ዝፍለጥ ኣብ 1973 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን፡ ኢሰያስ ኣፎርቂ መጀመርያ ነቶም ሃይማኖት ምስልምና ዝኽተሉ ተጋደልቲ ‘እዚ ምንቅስቓስ ኣንጻር እስልምና ዝቐንዐ ናይ ክርስትያን ምትእኽኻብ ኢዩ’ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳቡ፡ ጸኒሑ ነቶም ሃይማኖት ክርስትና ዝኽተሉ ፡ ብፍላይ ድማ  ነቶም ደቂ ሓማሴንን ሰራየን ፈልዩ “እዚ ናይ ኣከለ ጉዛይ ምንቅስቃስ ኢዩ – ርሓቁሉ” ኢሉ ከም ዝገማምዖም፡ መወዳእታ ድማ ነቲ ምንቅስቃስ ብግፍዓዊ መንገዲ ከም ዝፈጸሞ ይዝከር” ክብሉ ጽሒፎም ኣለዉ። ሕጂ’ውን ንሳቶም (መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ) ነዚ  ተመክሮ’ዚ ኢዮም ዝደግሙ ዘለዉ።  ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ጠውቕ 30/11/2017 ራድዮ 03/12/12

እቲ ብኢሰያስ ኣፎርቂ ዝምራሕ ጉጅለ ህግደፍ፡ ከም ፖለቲካዊ ስርዓት መጠን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝዕቆበሉ ስነ-ሓሳብ ኣለዎ። ኣብዚ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ብንጹር ከም ዝረኣናዮ፡ ስነ-ሓሳብ ህግደፍ፡ ኣብ ኣውራጃውን ወገናውን ምፍልላይ ዝዕቆብ፡ ዕድመ ስልጣኑ ካብ ምብትታን ህዝብን፡ ተሓታትነት ዘይብሉ ብርሰት ሃገርን ኢዩ ክደልዮ ጸኒሑ። ብሰንኪ’ዚ ጉዕዙይ ፖለሲ’ዚ ድማ ሎሚ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ሕድሕዱ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ስለ ዝኣትዎ፡ ሓቢሩ ጸገሙ ክፈትሕ ኣይከኣለን። ካብ ፍርሕን ምጥርጣርን ሰጊሩ ናቱ ንእሽቶ “ተዕቁበኒ” ዝብላ ጎጆ ክሰርሕ ዝፍትን’ውን ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ “ካብ ክፉእ ዝገብሩኻስ፡ ሕማቕ  ዘልምዱኻ!!” ዝብል ምስላ ኣቦዋት የዘኻኽረካ።

እቲ ውሑድ ዝቑጽሩ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣጸቢቖም ንዝዓብዩዎን ዝበዝሐ ጸጋታት ዝውንኑን ስርዓታት ስዒሩ፡ ሃገራዊ ክብሩ ከረጋገጽ ዘኽኣሎ – ሓድነቱ ኢዩ። እናተሓጋገዘን እናተደጋገፈን ዝኸይድ ህዝቢ እምበር፡ ብዋጋ ካልኦት ክነብር ዝደሊ ወገን የብልናን። እዚ ዝረአ ዘሎ ምጥርጣራት ንባዕሉ፡ ከምቲ ባዕላቶም መድረኽ’ውን ዝገለጽዎ፡ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ዝተኣታተወ፡ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ከኣ ናብ ፖሊሲ ዝተቐየረ ፖለቲካ እምበር፡ ኣብ ባህሊ ህዝብና የለን።

ህዝብና ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣብ ዝተበተነሉን ኣብ ዝደኸመሉን እዋን፡ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ተወለድቲ ገለ ከባቢታት፡ ካብቲ ካልእ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈልየ፡ ዝያዳ ወገናውያን፡ ዝያዳ ካልኦት ብዓድን ኣውራጃን ዝተኣሳሰሩን ዝሓስቡን፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ልዕሊ’ቲ ካልእ ህዝቢ ትሕተ ሃገራውያንኣውራጃውያንን ምኳኖም ከእሙኑና፡ ብእኡ ኣቢሎም ከኣ፡ ናብ ስልጣን ገጾም ከይቅልቀሉ እቲ ካልእ  ዝብልዎ ወገን ከስተውዕለሎምን ክጥንቀቐሎምን ክምዕድዎ ይረኣዩ ኣለዉ።

ገለ ገርሀኛታትን ደለይቲ ጽቡቕን፡ “ትጋገን ተኽፍኦምን ኣለኻ!” ከም ዝብሉኒ እፈልጥ ኢየ። ፍርዲ ቅድሚ ምሃብኩም፡ ንገለ ካብቲ ባዕሎም ፈጢሮም “ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝረኸብናዮ!” እናበሉ ናብ ሰማዕቶም ዝዝርግሕዎ ዘለዉ ትሕዝቶ፡ ብዕለታት ኣሰንየ ከቅርበሉም ክትዕገሱኒ ግን ጽቡቕ ኢዩ። ዝረኸብኩዎ ጭብጥታት እንተላይ ናይ ገዛእ ርእሰይ ርእይቶ ወሲኸ ከቕርበልኩም ኢየ፡-

ጭብጢ ቁጽሪ 1. መድረኽ ኣብ መርበብ ሓበሬታኦም ብጽሑፍ፡ ብዕለት 09/04/2017ን  26/03/2017ን (ክልተ ግዜ) “ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ንግዳዊ ትካላት ሓለፍቲ . . “ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ነዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ኣስፊሮም ኣለዉ፡ –

. . . ኣብ ኤርትራ ክፉእን ካብ ሕጋዊ ኣካይዳ ወጻኢ ብዙሕ እሱር ከም ዝሳቐ፡ መራሕቲ ሃገራዊ ድሕነት ከኣ ንሃብታማትን ሰብ ንብረትን ኣጽኒዖም ከም ዝኣስሩ፡ በባትር ቀጥቂጦም ድሕሪ ምስቓይ ከኣ “ከምዝን ከምዝን ንብረት ኣለካ፡ ንዕኡ ሸጥካ ክንድዚ እንተ ከፊልካ ክትወጽእ ኢኻ!” ከም ዝብልዎም፡ ተጠውዮም ነቲ ንብረት ዝገዝኡ ድማ ንሶም እቶም ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ምዃኖም ይገልጹ። መድረኽ ቀጺሎም ኣብቲ 8ይ. 9ይን 10ይን ሕጡበ-ጽሑፍ ድማ ነዚ ዝስዕብ ኣስፊሮም ኣለዉ

“. . . ከምቲ ዝተገለጸ ጀነራል ፍሊጶስ ዝመራሒኦም ብዙሓት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብዚ ተግባራት ዝሳተፉ ዘለዉ ኢዮም። ካብ ኣካላት መንግስትን ግንባርን  ኣብዚ ሰባት ኣእሲርካ ዝግበር ዘሎ ንግዲ ዝስርዑ ኮለነል ተስፋልደት ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት፤ ብሪጋደር ጀነራል ኣብረሃ ካሳን ስምኦን ገብረድንግልን ካብ ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ካብ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ኢዮም። ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ንግዲ ማእሰርቲ፤ ከነፍተሓልካ ንብረትካ ሽጥኣዚዩ ብዙሕ ኣታዊታት ጌሮም ዝሃብተሙ ሰባት ኮይኖም ምህላዎም ይግለጽ።

“ብዘይካ እዚ እቶም ሃብታማት ኣብ ቤትማእሰርቲ ኣብ ዘለዉሉ እዋን እዞም ሓለፍቲ ናብ ስድራቤት እሱራት ሰባት እንዳለኣኹ ኣቦኹም ዓይኑ ክዓውር ደሊዩ 200 ሽሕ ኣምጽኡ ሓቢእና ከነሐክሞ፥ ጓልኩም ሕማም ጌራ ኣላ ጽባሕ ሞይታ ኢልኩም ከይትጠዓሱ ሕጂ 100 ሽሕ ኣምጽኡ ዝገበርና ጌርና ከነሐክማ እንዳበሉ ብዙሕ ገንዘብ ካብ ዝጨነቖ ሰብ ይወስዱ ምህላዎም ተገሊጹ።

“ብፍላይ ኮለነል ተስፋልደትን ብሪጋደር ጀነራል ስምኦንን ብትሕተ ሃገራዊ መስመር ንዝቐርብዎም ሰባት ካብ ኩሉ መሰናኽላት ሓራ እንዳገበሩ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ካብ ማእሰርቲ ምውጻእን ናብ ወጻኢ ምስዳድን ብብዝሒ የዘውትሩ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።” (ሕብሪ ናተይ)

ብፍሉይ እዞም ክልተ መኮነናት እዚኣቶም “ትሕተ ሃገራውያን ኢዮም” ኢዮም ዝብሉና ዘለዉ። እታ “ብፍላይ” ትብል ሓረግ ከኣ “ትሕቲ ሃገራዊ መስመር” ንክልቲኦም እምበር፡ ንካልኦት መኮነናት ከም ዘይትምልከት ንምግላጽ ኢዮም ተጠቒሞሙላ። እቲ ምንጭታ” ዝብልዎ ዘልዉ’ውን፡ ባዕሎም ዝሰንዕዎ እምበር፡ ሎሚ ኤርትራ ‘ከምዚ ዝብለ ዜና ዝሰድድ ሰብ ኣሎ’ ዝብል እምነት የብለይን።

ነዚ ክብ ኢሉ ዘሎ ትሕዝቶ፡ ብውሑዱ ኣርባዕተ (4) ግዜ ማለት ብ02/04/2017፡ 28/03/2017 ከምኡ’ውን ብ30/03/2017 03/12/2017 ኣብ ረድዮ መድረኽ ከም ዝንበብ ብምግባር ናብ ሰማዕቶም ከም ዝበጽሕ ገይሮም። ቀጺሎም ኣብ 27ን ሓምለን 30 ሓምለን፡ ገለ ጸጋጊኖም ኣብ ሬድዮ ብንባብ ደጊሞሞ።

ንምሉእ ትሕዝቶ፡  09/04/201726/03/2017  ብራድዮ  30/03/2017፡   28/03/2017፡  02/04/2017 03/12/17 ጠውቕ

ጭብጢ ቁጽሪ 2.  ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ዕለት 28 መስከረም 2017 ዓ.ም ብጽሑፍ፡ ድሕሪኡ’ውን ኣብ ራድዮታቶም ዘንበብዎ “. . . ኣብዚ እዋን እዚ መስርሕ ምእሳርን ምልቃቕን፡ ከምኡ እውን ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ናብ ንግዳዊ ትካላት ተቐይረን ምህላወን ተሓቢሩ። ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡

. . .  ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓመጽ፡ ሌላን ጉሌላን፡ ዓሌትን ሃይማኖትን ከም ዝሕወሶ፡ ዋላ እቲ ምእሳርን ምልቃቕን  ኣሱራት’ውን ብእትፈልጦም ስበስልጣን ከም ዝውሰን (ከከም ስብካ ምዃኑ) ይሕብር። ቀጺሉ ምስ ጀነራል ፊሊጶስ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ኣዝማዶም ካብ ማእሰርቲ ከም ዘውጽኡ’ውን ጽሑፎም ይገልጽ። ኣስዕቡ

“. . . ምስ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን፡ ኮለነል ተስፋልደት፡ ጀነራል ፍሊጶስ፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ፡ብሪጋደር ጀነራል ጋይም ወዘተ ቅርሕንቲ ንዘለዎም ሰባት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝበልዮ ብኣንጻሩ ቅርበት ዘለዎም ሰባት እንተኾይኖም ካብ ማእሰርቲ ነጻ ከምዝበሃሉ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ሓቢሮም።

እቲ በዞም ሰበስልጣንፍታሕ ግበረሉ’  እንዳተባህለ ዝፍጸም ሕድገታት ካብ ማእሰርቲ ነጻ ምልቃቕ፡ስግረዶብ ተረኺቦም ከለዉ ነጻ ምስዳድ፡ ቪዛ ምሃብ ወዘተ ዘጠቓልል ኮይኑ ምስ ክፍሊት ገንዘብ ዝተኣሳሰር  ኢዩ ዝበሉ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፡ እቲ ብብሪጋደር ጀነራል ስምኦንን፡ ኮለነል ተስፋልደትን፡ ወይዘሮ ሳባ ሃይሉን ዝግበር ፍታሓት ብዝያዳ  ምስ ዓዳዊ ኣውራጃዊን ምትእስሳር ዝተተሓሕዘ ኢዩ ክብሉ ገሊጾም።” ይብል መግለጺ መድረኽ (ሕብሪ ናተይ)

 

ነዚ ጽሑፍ’ዚ እውን ብዕለት 26 መስከረም 2017ን፡ ሰንበት ዕለት ሓደ (1) ጥቅምት2017ን፡ ክልተ (2) ግዜ ኣብ ራድዮ መድረኽ ከም ዝንበብ ገይሮም። ንምሉእ ትሕዝቶ፡  ኣብዚ  28/09/2017  ጠውቕ

 

ሕጂ’ውን ኣስማት ናይ ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ኮሎኔል ተስፋልደትን ወ/ሮ ሳባ ሃይሉን ጠቒሶም ንደቂ ዓዶምን ደቂ ኣውራጅኦምን ጥራይ ፍታሕ ዝገብሩ፡ ነቲ ናቶም ወገን ፈልዮም ካብ ማእስርቲ ነጻ ዘውጽኡ – ሓደገኛታትን ፈላለይትን ምዃኖም ከእምኑና ይፍትኑ ኣለዉ። ጀነራል ፊሊጶስን መሰልቱን ግን ንኣዝማዶም ጥራይ እምበር ምስ ዓድን ኣውራጃን ምትእስሳር ዘለዎ ጸይቂ ስለ ዘይገብሩ፡ ወገናውያንን ኣውራጃውያንን ከም ዘይኮኑ ንሰማዕቶም ይነግሩ ኣለዉ። “ኣዴኺ’ዶ ሓትነኺ ይሕሻ፡ ሓደ ኢየን ኩለን ይለሓሳ” ድያ ዝበለት ዓባየይ ግምጃ!!! በወገነይ ኣብ ኩሎም መኮነናት ህግደፍ ፍልልይ ኣሎ ዝብል እምነት የብለይን።

ጭብጢ ቁጽሪ 3፡  “. . . ኤርትራ፡ ብሰንኪ ዘይንቡር ስርዓት፡ ንቡር ህይወት ዘይብሎም ዜጋታት ‘ዝነብሩላ’ ሃገር. . . “ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእሰቲ፡ ብ 11 ሚያዝያ ዝተጻሕፈ፡ ድሕሪኡ ኣብ ራድዮኦም ዝተነበ ትሕዝቶ’ውን፡ –

ኤርትራ ብሰንኪ ዘይንቡር ስርዓት፡ ዜጋታታ ንቡር ህይወት ዘይነብሩላ ሃገር ምዃና፡ ህግደፍ ብምርጫ ዘይኮነስ ብጠመንጃን ብጉራደን ዝመጸ ስርዓት ምኳኑ፡ ኮታ ዳርጋ ኩሉ’ቲ ሰብ ዝደጋግሞ ሓጥያት ህግደፍ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ኣብ 8ይ ሕጡበ ጽሑፍ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ሰፊሩ ኣሎ።   ንምሉእ ንባብ ኣብዚ ጠውቕ  11/04/2017

“. . . ንቡር ነጋዳይ ሰሪሑ መኽሰቡ ይእክብ፤ ንመንግስቲ ቀረጹ እንዳኸፈለ ድማ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ ኣበርክቶኡ ይገብር። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነጋዳይ፤ ንግዱ ግርም እንተኸይዱ ኣብ ዓይኒ ጀነራል ፍሊጶስ፥ ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፤ ወይ ውን ጀነራል ኣብረሃ ካሳ ስለዝኣቱ፤ ዕድል ገይሩ ብትሕተ ሃገራዊ ምትእስሳር ተዘይተማሒሩ፤ ዝኾነ መመሳመሲ ተፈጢሩ ናብ ቤትማእሰርቲ ከምዝዳጎን ይግበር። ተቐጥቂጡ ንብረቱ ሸይጡ ብዋሕስ ክወጽእ ምስተነገረ ድማ ገንዘቡን ንብረቱን ነቶም ጀነራላት ኣረኪቡ ጥራይ ከምዝወጽእ ይንገሮ። ስለዚ ኢዩ ድማ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነጋዳይ ንቡር ህይወት ዘይብሉ ዜጋ ዝቑጸር።” (ሕብሪ ናተይ)

ኣብዚ’ውን ንጀነራል ፊሊጶስ ወሲኽካ – ብሰንኪ’ዞም ትሕቲ ሃገራውያን፡ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ነጋዶ፡ ንቡር ህይወት ስኢኖም ኣለዉ . . . ተማሒሩ ንግዱ ከካይድ ዝኽእል ከኣ ወገን ናይቶም ትሕተ-ሃገራውያን ጥራይ ኢዩ. . ይብሉና ኣለዉ መድረኽ።

ኣማውታ ናይቲ ብስሚ ዝተቐትለ ሃብታም ነጋዳይ ነብሲ-ሀር ፍቕረ ዕንድማርያምን፡ ብተመልከተለይ – ብጥይት ዝተቐትለ ነብሲ-ሀር ሳምሶም ገረዝግሀርን (ወዲ ቀሺ) ግን ኣብ መንጎ’ዞም ብትሕተ ሃገራውነትን ኣውራጃነትን ሃብቲሞም ዝብልዎም ዘለዉ መኮነናትን ዝነበረ ናይ “መን ዝይዳ ሃብቲ ወነነ” ውድድር ከም ዘይክነ፡  መድረኽ ኣጸቢቖም ይፈልጡዎ ኢዮም።

ኣብዚ ክብ ኢሉ፡ ብቐጥታ ካብ ጽሑፋቶም ዝወሰድኩዎ ሕጡበ ጽሑፋት፡ መድረኽ ደጋጊሞም “ብትሕቲ ሃገራዊ መስመር፡ ትሕቲ ሃገራዊ ምትእስሳር፡ ዓዳዊ፡ ኣውራጃዊ ምትእስሳር” ዝኸስዎም ዘለዉ፡ ብርጋደር ጀነራል ኣብራሃ ካሳ፡ ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ኮሎኔል ተስፋልደትን ወ/ሮ ሳባ ሃይሉን ኢዮም። ወ/ሮ ሳባ ሃይሉ – በዓልቲ ቤቱ ንጸይቀ ዕሉል ኢሰያስ ኣፎርቂ ኢያ። ኣርባዕቲኦም ድማ ተወለድቲ ሓደ ኣውራጃ ኮይኖም፡ ባዕሉ ኢሰያስ ኣፎርቂ መሪጹ ኮፍ ዘበሎም ኢዮም። ንሳቶም ግን መሳርሒ ናይዚ ዘሎ ኣዕናዊ ስርዓት እምበር፡ መግለጺ ጠባያትን ባህርያትን ናይ ኣብ ሓደ ከባብን ኣወራጃን ዝነብር ህዝቢ ከም ዘይኮኑ ሓለፍቲ መድረኽ’ውን ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ኢዩ።

መድረኽ ኣብ ኩሉ ጽሑፋቶምን ናይ ራድዮ ዜናታቶምን፡ ካብ ካልእ ከባቢታትን ኣውራጃታትን ንዝመጹ መኮነናት ህግደፍ፡ “ንሰበይቱ፡ ንዘመዱ፡ ንዞሙኡ ወዘተ” ዝብል እምበር፡ ንዋላ ሓደ -ነዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ሓጥያት ዘሰከምዎ ሓላፊ የለን። ኣብ ክሉ’ዚ ክብ ኢለ ዘቕረብኩዎ ሰለስተ ኣብነታት ኮነ፡ ኣብቲ ቀጺለ ዘቕርቦ ካልእ ብዙሕ ጭብጥታት፡ መድረኽ – ብመንገዲ’ዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ መኮነናት፡ ንህዝቢ’ቲ ንሶም ዝመጽሉ ከባብን ኣውራጃን፡ ካብቲ ካልእ ከባቢታን ኣውራጃታትን ብዝተፈልየ መንገዲ ወገናውያንን ትሕተ- ሃገራውያንን ምዃኖም፡ ንሰማዕቶም የጠንቅቑ ኣለዉ። ነየናይ ዕላማ?

.      .      .      .      .     .    ይ     ቕ     ጽ    ል    .      .      .      .     .   .

 

ታደሰ ኪዳነ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • sengal February 6, 2018

    Dear Tadesse

    a very good observation. I also believe that It was done deliberately. The attempt is vey distructive and we all need to fight it. Keep it up. Good job

  • Tesfai February 6, 2018

    Thank you Tadese,
    This is not a Medrek problem alone. It is a problem of almost all Eritrean groups, including the hgdefites, teref meref Jebha … This is al Sawra and Ghedli’s main illness all the way from the 1960s.. This is the foundation of Eritrea and this the reason we hate our own languages and fight each other tooth and nail.

    • k.tewolde February 6, 2018

      Tesfai, don’t desecrate all Eritreans.Fundamentally Eritreans are good ,decent,hardworking,proud people, but like any other society,they are vulnerable to predatory elements of all sorts including their own and they are prone to fall victim like we are witnessing today.If you are a good Eritrean,what role are you playing now to alleviate this vulnerability?

      • Asmerom February 6, 2018

        What the fuck role are you playing yourself then ass hole always ajewjows/nonsense? You and your opportunist foot soldiers brought us all the shames, embarassement, refugees and imprisments.
        We were all happy and free people before your opportunist useless ELF Egypt’s war.

        • AHMED SALEH !!! February 6, 2018

          Street boy
          You have no shame to use dirty words . SEDI BEALEGHE

        • k.tewolde February 7, 2018

          Who are’We’? and please tone it down,you are offending decent bystanders who can’t relate to you or the filth that’s oozing out of your mouth.

          • Lilo February 7, 2018

            May be you should ask your other comrade in crimes the aregit mushmush kelbi areb (the ignorant rootless pimp nomad ahmido salihido) to translate it to you in your savage Rashaida’s Arabic. Otherwise, we could only explain it in our civilized languages of Tigrigna or English!! But you are may be still looking to burn more languages and text books as old habits die hard, indeed.

        • Sol February 7, 2018

          ኣስመሮም በለ ዘሪጋ ልኡኽ ህግደፍ ተኽላይ ንኣሰና ጨርቅኻ ከይደርበኻ እንተገደፍካያ ይሕሸካ እምበር ጽባሕ ንግሆ ዕብዳንካ ምስ ሳዕረረ ኤሰያስ ኣይጠቅመካን እዩ።

  • Alem Zebib February 6, 2018

    እዚኦም ማህደሮም ክግንጸል ዘይደልዩ መንሽሮ ህዝቢ ኤርትራዮ’ም።እዚ ኹሉ ድማ ማዕረ ክንደይ አብ ኤርትራውያን ዘለዎም’ዮም ንዕቀት’ዮም ዘሪኡና ዘለዉ።ሃገር ብድምሕት እንዳተደሰቀት ንደቂ አከለ ጉዛይ አውራጃውያን ከምኡ ድማ ትሕቲ ሃገራውያን ምባልስ ስብእነት ተረኺቡለይ ያኢ።ኤርትራውያን አብዚ ዘልናዮ ኩነታት ክንድሕን ዲና ወይስ ክንጸንትእዩ እቲ ኩነታት ስለዚ አትኩሮና ናብቲ ምንጪ ዘጽንተና ዘሎ ጉጅለ አብ ክንዲ ነድህብ ሌላን ጉሌላን አይመድለየን።ስለዚ እዚ ዘቕረብካዮ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ባዕሎም’ዮም መርዚ ዝነዝሕሉ ዘለዉ እስኻ ከምዚ ነጥቢ ብነጥቢ ምቕራብካ ድማ ብጣዕሚ ጽቡቕ’ዩ ምስሎምን ስሮሖምን ድማ ይፍለጦ ስለዚ ቀጽለሉ አጆኻ።

  • Haile Berhane February 6, 2018

    I am very suspicious that Medrek always leans to a certain awraja. For example they never speak any evil about those that are from a certain area. I also heard that most of their meetings and leaders are from that area. There are a lot of experienced leaders in Medrek, alas! so far they did nothing. I am afraid they are only after power. Megalomaniac people. We need genuine nationalists not narrow minded people who base their ideology on region.

  • Aman February 6, 2018

    መድረኽ ቫይረስ ደንበ ተቓውሞ እዮም፡ እቲ ከመሓላልፍዎ ዝደልይዎ መልእኽቲ ቆልዓ ከማን ብቐሊሉ ዝርድኦ እዩ።
    ግን ክሳብ መኣስ እዩ ኩሉ ጉድለታት ናብ ሓንቲ ኣውራጃ እናጸጋዕካ ከምሃገር ምቕጻል ዝከኣል።

  • Bereket February 6, 2018

    I have sent medrek the same comment a year ago. Unfortunately, እናሰምዐ ዘጽቀጠስ ነቕኒቕካዮ ነይሰምዕ

    • ታደሰ ኪዳነ February 6, 2018

      ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ በጺሑዎም ክኸውን ከም ዝኽእል ካብ ኣጸሓሕፈኦም ክትርዳእ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ገለ እዋን ዝሕል ኢሎም ይጸንሑ፡ ኣብ ገለ ኣዋርሕ ከኣ ብጻዕቂ ከምዚ ዓይነት ዘርጊ ርእይቶ የብዝሑ። ከም ርእይቶይ፡ ከምዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ጎስጓስ ብመደብ ዘካይድዎ ኢዩ ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ። ኩሎም ሓለፍቲ መድረኽ ከምኡ ኢዮም እብል የለኹን፡ ገለ ካብቶም ኣብ ላዕሊ ኮይኖም ነታ ራድዮን ጽሑፋትን ዝቆጽጻጸሩ ሓለፍቲ ግን ብመደብ ኢዮም ዘካይድዎ። ገለ ሰባት ክዛረብዎም ከለዉ “ሕራይ ምላቊ ኢዩ” ይብሉ፡ ጽንሕ ኢሎም ከኣ ይጅምሩ። ብዙሓት ብተለፎን ደዎሎም’ውን “ንሕና’ውን ነጊርናዮም ነይርና ኢና፡ ንሽዑ ሕራይ ክንእርም ኢና’ ኢሎምና፡ ግን ጽንሕ ኢሎም ቀጺሎሞ” ዝበሉኒ ኣለዉ። ካብኡ ተበጊሰ ከኣ ኢየ “ብመደብ ከም ፖሊሲ ዝጥቀምሉ ኢዩ” ዝብል ዘለኹ።
      ስለዚ ከምዚ ዓይነት ዘመተን ጎስጓስን ንኹልና ዘርብሕ ኣይኮነን። ንሕና ኣዚና ውሑዳት ህዝቢ፡ መሬትና ገፊሕ ግን ከኣ ዘይንጥቀመሉ፡ ሃብትና ብዙሕ ግን ከኣ ዘይተዳህሰሰ፡ ኣብ ጸጋታት ዘባእስ የብልና። እኳ ድኣ ተማሂርና – ሃብቲ መሬትናን ማዕድናትና መዝሚዝና፡ ምብራቓውን ምዕራባዊን ጎላጉል ሃገርና ጀሪፍናን ኣልሚዕና ከኢልና፡ ከመይ ኢሉ ሃገርና ክጸበና፡ ብሰላምን ብምክብባርን ክንነብር እንተኺልና እኹል መሬትን ዝኣክል ሃብትን ኣሎንና። ጨኒቑና ዘሎ ሰላም ኢዩ። ሰላም ከኣ ብምክብባር ጥራይ ኢያ ትመጽእ።
      እዚኣቶም ግን ብዛዕባ ነብሶም ከመይ ኢሎም ሰብ ኣብ ነንሕድሕዱ ኣናቊቶም፡ ኣብ ስልጣን ደይቦም፡ መራሕቲ ይኾኑ እምበር፡ ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ዝግድሶም ኣይኮኑን። ንኹሉ ወገን ዝጠቕሙ ከኣ ኣይኮኑን። ኩሉ ህዝቢ ረብሕኡ ኣብ ምክብባርን ምትሕልላይን እምበር፡ ኣብ ኢድ ምውጥዋጥን ምጽልላምን ኣይኮነን።
      ካብኡ ተበጊሰ ከኣ ኢየ፡ እዚ ኣንጻር ከምዚ ዝበለ ዘመተ ኩሉ ሰብ ክነቅሕን ዓገብ ክብልን ኣለዎ ዝብል ዘለኹ።

  • Asmerom February 6, 2018

    Brother Yitbarekh is absolutely spot on right on all his comment and observation. He nailed it on your losers heads.
    Eritrea’s main problem as in the past and also presently is the sick twisted Akeleguzayat and cancerous Muslims. Period. No need for any more make ups, lip sticks or cover ups or jumbo mumbo ajewjows by all of you losers.
    Eritrean people have no trust or love for the cruel opportunist oppositions and those sold out criminal ELF animals.

  • Simon G February 8, 2018

    ኣታ: ወዲ ሕርካም! ኣስመሮም:
    ‘ዞም ደቂ ተምቤን መቸም: ኣከለ-ጉዛይን ኣስላምን ቀጥቀጥ ‘ዮም ዘብሉኽን። ዘራጣት!

    • Sol February 8, 2018

      በጃኻ ሳይሞን ዕድል ኣይትሃቦ ንተኽላይ ከምቀደሙ በይኑ ይግዓር ግደፎ

  • Advisor February 8, 2018

    I think the mistake originates from those people from
    Awraja A/Guzay .
    They think they and only them are the owners of eplf-
    the organization and its legacies .
    They create a myth as if they and only them paid sacrifice
    in the Armed struggle……..and no other Awraja did.
    So when IA makes mistakes to bully them…………..they also
    cross the country’s line and cause damage to the country
    sometimes crossing into woyane land and other times falling
    under the wings of Arabs and Islamic saho warriors.
    Their political integrity and line is broken beyond repair once
    Italian colonialism severed it from its origin / original link and
    shaped it so in an alternative reality. It never was able to link
    back to its original or origin………………..just keep going on derailed
    default line or path.
    They need help and support from the Hamassien and Seraye
    to survive, heal and reborn truly.

  • Selam Kefali February 9, 2018

    ሰላም! ክቡር ሓው ታደሰ ኪዳነ: እዚ ኣቕሪብካዮ ዘለኻ ጽሑፍ መቐጸልታ እቲ ንኣስታት ልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ማለት ካብ 1973 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ኣውራጃን ህዝብን ኣከለ ጉዛይ ክካየድ ዝጸንሐ ጸለመን ቅንጸልን ኢዩ:: ሰብ ልቢ ኣዕቢዩ ኪንየው እዚ ጠሚቱ ክጏዓዝ’ኳ እንተፈተነ: እቲ ሕሉፍ ንዕቀቶም ግን እንሆ ሰማይ ዓሪጉ: ካብ ኣመሰራርትኦም ጀሚርና እንተ ተዓዘብናዮም: ንደቂ ኣከለ ጉዛይ ዘግለለን ዝነጸለን ኣብ ልዕሊ ምኻኑ: ናይ ናቱስ እደለ ምኾነ: ልዕሊ’ዚ ትገልጾ ዘለኻ ደቂ ኣውራጅኦም ጀነራላት ሓማሴን ብወገንን ኣውራጃን ሃገር እናሓመስዋን እናተቖማጥዑን ክንሶም: እቲ ኣበሳ በቶም ከም እዲያት ዝጥቀምሎም ደቂ ዕቁቦም ተወለድቲ’ዚ ኣከለ ጉዛይ ዝብሃል ኣውራጃ ኣቢሎም: ንምሉእ ህዝብን ኣውራጃን ኣከለ ጉዛይ ጸለሎ ክቐብእዎ ምፍታኖም: ከምቲ ኣብ ኣርእስቲ ጽሑፍክ ኣቐሚጥካዮ ዘለኻ ብሰንኪ ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንቶም ዝተጠጀአ ቅሙጥ ፖሊሲኦም’ዩ:: ናይ’ዚ ከም’ዚ ዝኣመሰለ በታንን ጽዩፍን ተግባር ሃንዳሲን ቀላሲን ክኣ ካልእ ከይመስለካ እቲ ብጸቢብን ኣውራጃውን ኣተሓሳስብኡ ዝልለ ካርነሽመታይ ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ ከም ዝኾነ ክፍለጥ ይግብኦ:: እምበር ከ ኣብ ግዝኣት ኢሳያስ ኣፈወርቂ: እዞም ኣለውኹም’ኮ ንምባል ንመልክዕ ዝተቐመጡስ ያእዪ: ብጀካ ዝተባሃልዎ ምግባር ርእሶም ተኣማሚኖም ከም’ዚ ዝኣመሰል ተግባር ክፍጽሙ? እሞ ክኣ ስቕ ኢልካ ክርኣዩ? ስለ’ዚ “መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ብፍላይ ክኣ ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ ካልእ ኢልኩም ድኣ ተዛረቡ: ድሓር ክኣ ግደፉ ነዚ ህዝብን ኣውራጃን ካብ ርእሱ ውረዱ እቲ ምንታይ ሳዕቤኑን ዋግኡን ከይከብደኩም::

POST A COMMENT