Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መድረኽ: ተኽብተኽ ዶ ብሕሹኽሹኽ!?

እቲ ድሕሪ ኣዝዩ ከቢድ መስዋእቲ ነጻ ሃገር ዝጨበጠ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንቡር መንግስቲ ሓሪሙዎ ብምልካዊ መግዛእቲ ኢሳይያስ ተሓኒቑ ኣብ ዓዘቕቲ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን፣ ንኽብደትን ሓደገኛነትን ናይቲ ሃገራዊ ቅልውላው ተገንዚቡ፣ ኣብ ምፍታሑ መሪሕ ተራ ክጻወት

እቲ ድሕሪ ኣዝዩ ከቢድ መስዋእቲ ነጻ ሃገር ዝጨበጠ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንቡር መንግስቲ ሓሪሙዎ ብምልካዊ መግዛእቲ ኢሳይያስ ተሓኒቑ ኣብ ዓዘቕቲ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን፣ ንኽብደትን ሓደገኛነትን ናይቲ ሃገራዊ ቅልውላው ተገንዚቡ፣ ኣብ ምፍታሑ መሪሕ ተራ ክጻወት ዝኽእል ሓይሊ ክረክብ ዘይምኽኣሉ ተወሳኺ መርገም ኮይኑዎ፣ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ዓቕሊ ጽበታዊ ሃለዋት የሕልፍ ከምዘሎ ንኹሉ ብሩህ እዩ። እዚ ንመጻኢ ኤርትራ ዝፈታተን ሓደገኛ ኩነታት፣ ንደላዪ ጽቡቕ ኤርትራ ናይ ሞትን ሕየትን ህሞት ኮይኑ፣ ኪኖ ለውጢ ሓደ ስርዓት፣ ናይ ድሕነትን ትንሳኤን ህጹጽነት ክህልዎ ኸሎ፣ ነቲ ሃሙን ቀልቡን ብስስዐ ስልጣን ተዘሚቱ፣ ሕድሪ ሰማእታትን ባህጊ ህዝቢ ኤርትራን ብምጥላም ንሃገርና ኤርትራ ውድቀት ከም እጥዕም ዝገበረ፣ ፖለቲካዊ ርእሰማል ዝብሃል ዘይተረፎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ግን፣ ትልኽ እናበለ ኣብ ስልጣን ክጻናሕ ዕድል ሂቡዎ ‘ሎ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ‘መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ’ ዝተባህለ ገዳይምን ምኩራትን ኣባላት መንግስቲ ዝነበሩ ባእታታት ዘበገሱዎ ምንቅስቓስ፣ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት 2013 ምስ ተቐልቀለ፣ ነቶም ንደምበ ተቓውሞ ጎዲሎሞ ዝጸንሑ ረቛሕቲ ብምምላእ ደኾን ነቲ ዘገም ክብል ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ንለውጢ ናህሪ ወሲኹ ንቕድሚት ይድርኾ ይኽውን ዝብል ተስፋ ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነይሩ፣ ንሕና ከም ኣሰና ‘ውን ተኻፊልናዮ።

ገለ ኣባላት ናይቲ መድረኽ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ኣገዳሲ ተመክሮ ስለዘለዎም፣ ነቲ እዋናዊ ናይ ለውጢ ኣጀንዳ ምስ ኣህጉራውን ዞባውን ክልታት ከተሓሕዙዎ ዘለዎምም ብልጫ ርኡይ እዩ ነይሩ።  ማዕረ ማእሪኡ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዘሎ ምንቅስቓስ ርክብ ከም ዘለዎም ወይ ከኣ መሰረቶም ንሱ ምዃኑ ዝሰዱዎ ዝነበሩ፣ ዛጊት ጭብጢ ዘይረኣናሉ ምልክታት ‘ውን፣ ሓደ ካብቶም ደምበ ተቓውሞ ዘይትዓወተሎም ረቛሕቲ ብምዃኑ ‘ይግበረልና’ ኣቢሉ ንተስፋና ኣራጕዱዎ እዩ።

በዚ ምኽንያት፣ ከም ኣሰና፣ መድረኽ፣ ንኹሎም ወገናት ኤርትራ ብምሕቋፍ ወይ ከኣ መላግቦ ብምዃን ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ክሳብ ዝተንቀሳቐሰ፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘሎ ፍልልያትና ብዘየገድስ ነቲ ብቐዳምነት ዝርአ መኸተ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምስልሳል፣ ነቲ ሓባራዊ ዕላማ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምውቃዕ ከም ማዕከን ሓበሬታ ክንተሓባበር ቅሩብነት ኣርኢና። እዚ መርገጺ ‘ዚ ኣሰና ብቐጻሊ ሒዙዎ ዝጸንሐን ብግብሪ ዝሰርሓሉን እዩ። ሃገራዊ ዋዕላን ጉባኤን ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ደምበ ተቓውሞ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየዱሉ ኣጋጣሚታት ‘ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲድና ኢና። በዚ መሰረት፣ መድረኽ፣ ኣብቲ ዝተዋደደ ትሕተ ቅርጺ ሚድያን ተመክሮን ኣሰና ተደጊፉ ናይ ምንቕቓሕ ስርሓቱ ከሳልጥ፣ ኣሰና ድማ ተኻፋሊ ናይቲ መድረኽ ብጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ኣመኽንዩ ዝረኸቦ ምወላ ገንዘብ ክኸውን ብምስምማዕ ኣብ መወዳእታ 2013 ሓባራዊ ስራሕ ፈሊምና።

እቲ ሓሳብ ህስስ ብዝበለ ኣፈናዊ መልክዑ ኣቐዲሙ ዝነቐለ ‘ኳ እንተነበረ፣ እቲ ኣብ ላምፐዱዛ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝወረደ ጃምላዊ መቕዘፍቲ፣ ተቐላጢፍና ኣብ ባይታ ግብራዊ ስራሕ ክንጅምር ስምዒታዊ ድርኺት ገይሩልና እዩ። ብኡ ንብኡ ድማ፣ ነቲ ብትሑት ደረጃ ብሓጺር ማዕበል ነካይዶ ዝነበርና መደብ ራድዮ፣ ብፈነወ ሳተላይት ንምሕያል ኣሰና ኣብተን ልሙዳት ሰለስተ መዓልታት ፈነወኣ ክትቅጽል፣ መድረኽ ድማ ኣርባዕተ መዓልታት ክትፍኑ ተሰማሚዕና።

መድረኽ ብመንገዲ ኣሰና  ክትፍኑ ካብ ዝጀመረትሉ መዓልቲ፣ ብሕልፊ ኣብቶም ኣሰና ከም ዝተሓተ ሓባራዊ መራኸቢ ባይታ፣ ካብ ፈለማ ከም ቅድመ ኩነት ዘቐምጦም፣ እቲ ሓባራዊ ዕማም ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ክኸውን፣ ከምኡ ‘ውን ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራዉያን ዝሓቍፍን ዝጥርንፍን ክኸውን ዝብሉ መትከላት ዘተኮረ፣ ካብ ዘይምትእምማን ዝብገስ ብዙሕ ህዝባዊ ሕቶታት ይመጽኣና ‘ኳ እንተነበረ፣ መድረኽ ነቲ ንቡር ህዝባዊ ሕቶታት ክምልሽዎ፣ ግልጽና ከዘውትሩ ብተደጋጋሚ ኣብ እንሕብረሉ ዝነበርና እዋን፣ ንሳቶም ‘ውን ኣውንታዊ መብጽዓ ብምሃብ የተኣማምኑና ስለዝነበሩ፣ ነቲ ፖለቲካዊ ክላይመት ንምልምማድ ግዜ ከድልዮም ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው ትዕግስትን ዓቕልን ክንገብር ፈቲና።

እንተኾነ መድረኽ ኪኖ ‘ቲ ንቡር ወርሒ፣ ሕጽኖት ከም ዝመቀራ ሕልፍቲ መርዓት፣ ብመጋረጃ ምኽዋል መቂሩዎም። ጸኒሖም፣ “ናይ ድያስፖራ ፖለቲካ ጫውጫው ዝበዝሖ እዩ ኣብ ውሽጢ ኢና ከነተኵር እንደሊ” ብዝብል ምስምስ ካብቲ ርትዓዊ ሕቶ ህዝቢ ከምልጡ፣ ሓቀኛ ህዝባዊ ሕቶታት ኣብ ክንዲ ምምላሽ፣ ባዕላቶም ብናይ ብርዒ ስም ዝፈጠሩዎ ሕቶታት ክምልሱ፣ ምስ ነብሶም ክዛረቡ ምስ ጀመሩ ግን፣ ብ 7 ታሕሳስ፣ ኣብ ኣሰና ብወግዒ ኣብ ዝዘርጋሕናዮ መብርሂ፣ ኣባላት መድረኽ መግለጺታት ብምሃብ ህዝባዊ ዘይምትእምማን ንምውጋድ ክጽዕሩ ኣዘኻኺርናዮም። ኣኼባ ብምክያድ፣ ገጽ ንገጽ ተራኺብና፣ ብሓባር ዘዐወት ስትራተጂ ክንሕንጽ ዘቕረብናሎም ተደጋጋሚ ሓሳብ ‘ውን ኣይተቐበሉዎን።

ካብ ጽምዶን ህዝባዊ ተሓታትነትን ግልጽናን ምህዳም ስለዝቐጸሉ፣ እቲ ህዝባዊ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን እናሓየለ መጺኡ። እንሆ ኸኣ በንጻር ‘ቲ ስሞም ዘተስፈወና፣ ተግባሮም ምንጪ ሕምንፍሽፍሽን ዘይምትእምማንን ኮይኑ፣ ንደምበ ተቓውሞ ሓዱሽ ናይ ቃልሲ ጸዓት ክልግሱሉ ዝተጸበናዮም፣ ነቲ ጸናቒቑ ኣበጊሱዎ ዝነበረ ናህሩ ከጓድሉዎን ጾር ኮኾኑዎን ይረኣዩ ‘ለዉ።

ብዘይካ እዞም ልዕል ኢልና ዝዘርዘርናዮም ሓቢርካ ካብ ምስራሕ ዝርከቡ ግብራውያን ብልጫታት፣ ኣሰና ናይ ዜና ትካል ክንሱ፣ ብዓይኒ ውድድር ከይጠመተ፣ ምስ መድረኽ ከም ሓዱሽ ማዕከን ሓበሬታ ንሓባራዊ ዕላማ ክሰርሕን ክተሓጋገዝን ዝበሃገሉ ምኽንያት፣ ናይ ሞያን ገንዘብን ጸጋታት ኤርትራውያን ኣኻኺብካ ንቕድሚት ንምስጓም፣ ነቲ ወትሩ እንዛረበሉን እንጕስግሰሉን ስምረት ኤርትራውያን ፈጺምካ ግንብራዊ ኣብነት ንምዃን ‘ውን እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ምስ መድረኽ ኣብ ዝመስረትናዮ ሓባራዊ ናይ ስራሕ ዝመድና ከምዝተዓዘብናዮ፣ ነቲ ዘርኣኣናዮ ጽቡቕ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ድሌት ዝጻረር፣ ነዚ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብምቅዋም ዝንቀሳቀሱ ባእታታት ከዘውትሩዎ ዘይግባእ ኣሉታዊ ትዕዝብታት ኣዋህሊልና። ከምዚ ወስ ዘበልናዮ፣ ነቶም ትዕዝብትታት ብኣኼባን ዘተን ፈቲሕና ነቲ ብቐዳምነት ዝርአ ናይ ለውጢ ዕላማ ንምስላጥ ዝካየድ ሓባራዊ ስራሕ ትርጉም ክረክብ ድሌት‘ኳ እንተነበረና፣ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ ስለዝተገንዘብና ክንዛረበሉ ወሲና ‘ለና።

ከምዚ ቅድም ክንብል ጥቕስ ዘበልናዮ፣ መድረኽ፣ ወትሩ መርዓት ኮይና ኣብ ሕጽኖት ክትነብር እትደሊ ምርእይቲ መርዓት ኮይና እንትኾነ፣ እቲ ዓይንና ጸቒጥና ብጩራ መጋረጃ ዝገብረናዮ ኣስተብህሎ ብዛዕባ ባህርያታን እንግዶታን ትዕዝብትና ከነካፍል ሓጋዚ ኮይኑ ረኺብናዮ ‘ለና።

ሕሉፍ ምስጢራውነትን ዘይግሉጽነትን

ከም ምሁራት፣ ምኩራት ተጋደልትን ዲፕሎማሰኛታትን፣ ኣባላት መድረኽ፣ እቲ ኣብ ግዜ ገድሊ ከም ባህሊ ማዕቢሉ ክሳብ ሎሚ ምብላይ ኣብዩና ዘሎ ሕሉፍ ምስጢራውነትን ዘይግሉጽነትን ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቀንዲ ዕንቅፋት ምትእትታው ዲሞክራስያዊ ባህሊ ኮይኑ ምህላዉ፣ ምልካዊ መግዛእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምስሳይ ‘ውን፣ ዋና መሳርሒ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኮይኑ ከምዘሎ ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ይፈልጡ እዮም። ይኹንምበር፣ ካብዚ ሕማም’ዚ ከምዘይተገላገሉ ተግባራቶም ይምስክር።

ቅርጽን ዕላማን መድረኽ ንጹር ኣይኮነን። ኣባላቱ ‘ውን ብወግዒ ኣይፍሉጣትን እዮም። ናይ ርክብ ሰንሰለቶም ብሩህ ኣይኮነን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪብካ ብኽፉት ህዝባዊ ሕቶታት ምምላስ ከም ቁሪ ይፈርሑዎ። እቲ ከም ስም ዝሓረዩዎ መድረኽ ዝብል ኣምር ንገዛእ ርእሱ፣ ብቕሉዕ፣ ተኽብተኽ፣ ንዝግበር ክፉት ርከብን ዘተን ዝገልጽ ‘ኳ እንተኾነ፣ ርክባቶም ግን በንጻሩ ብሕሹኽሹኽ እዩ ዝፍጸም።

ንኣብነት ብዛዕባ’ቲ ኣብ ብራስለስ (በልጁም) ዘካየዱዎ ኣኼባ፣ ግደፍ ዶ ንህዝቢ፣ ነታ ከም ተሓጋጋዚት ማዕከን ዜና ዝቐርቡዋ  ኣሰና ‘ኳ ኣይሓበሩዋን። ጸኒሑ ግን ብወረወረ ልሒኹ።

እቲ ናጽነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ዘካየድናዮ፣ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝሕመረቱ ቃልሲ፣ ምስጢራውነትን ዘይግሉጽነትን ምኽኑይ ዝገብር ኩነታት ‘ኳ እንተነበሮ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ እነካይዶ ምንቅስቓስ በንጻሩ ብኽፉትነትንን ግልጽናን እዩ ክልለ ዘለዎ። እዚ ኸኣ’ዩ ኣብ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ዝያዳ ዘይምትእምማንን ምጥርጣርን ዝፈጥር ዘሎ ዝንባለ። ከምዚ ናይ መድረኽ ኣመና ምስጢር ዘብዝሕን ግልጽና ዝጽይንን ኣካል፣ ብውዲታውነትን ተንኮልን ክጥርጠር ባህርያዊ እዩ።

ነጻልን ወጋንን ዝንባለታት

ንኤርትራ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ዜጋታት ክንገብራ እንተደኣ ኴንና፣ ካብቶም ቀንዲ ኣመላት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝኾኑ ነጻልን ወጋንን ዝንባለ ሓራ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሃዋህው ክንፈጥር ኣለና። እንተኾነ፣ ኣብቲ ገለ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ነበር ዘቖሙዎ መድረኽ ተመሳሳሊ ጌጋ ይድገም  ኣሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ዝግበር ፖለቲካዊ ምውሳእ ከም ሻዕብያ ወይ ጀብሃ ዘይኮነ ከም ኤርትራውያን ጥራይ ኢና ክንሰርሓሉ ዘለና። መድረኹ ቀደም ሓሊፉ እዩ። ይኹን እምበር፣ መድረኽ፣ ኣሽንባይ ዶ ንኹሎም ኤርትራውያን፣ ነቶም መዛኑኦም ዝኾኑ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ነበር ‘ኳ ክጽንብሩ ኣይከኣሉን። ኣቶ ኣድሓኖም ገብረማርያም፣ ብሞያ ኣምባሳደርነት ማዕሪኦም፣ ብወተሃደራዊ ተመክሮ ድማ ልዕሊኦም ክንሱ፣ እቲ ምኩር ብሪጋደር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ ‘ውን ከምኡ፣ ተሳተፍቲ መድረኽ ዘይምዃኖም መርኣያ ክኾነና ይኽእል።

መድረኽ ነቶም ጸረ ‘ቲ ምልካዊ ስርዓት እዉጅ መርገጺ ዘለዎም፣ መሰረታዊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ብንጥፈት ክዋስኡ ዝጸንሑ ባእታታት ብምንጻል፣ ነቶም ካብ ስርዓት ህግደፍ ኣምሊጦም ኣብ ወጻኢ ተሓቢኦም ዝርከቡ፣ ፖለቲካዊ ኣንፈቶም ዛጊት ብወግዒ ዘየነጸሩ ሰበስልጣን ከቀባጥረሎም ምርኣይ ዘተሓሳስብ እዩ።

ብውሑዱ፣ መድረኽ፣ ምስቶም ሃገራዊ ስምረትን ምትእኽኻብን ንምንጥጣፍ ዝነቐሉ ተበግሶታት ኣውንታዊ ጽምዶ ዘይምግባሩ ዘይሓቛፍነቱ የመልክት። ምስ’ቲ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ሃገራዊ ዘተ ንምእንጋድ ዓሊሙ ዝተበገሰ ናይ ምሁራት ምትእኽኻብ ንሽሙ ኣፈናዊ ርከብ ካብ ምግባር ሓሊፉ ሓባራዊ ናይ ስራሕ ዝምድና ክፈጥር ዘይምድራኹ፣ ነቲ ‘ሃገራዊ ምትእኽኻብ’ ቴማኡ ብምግባር ዝንቀሳቐስ ዘሎ ወዲ ቫካሮ ኣቓልቦ ዘይምሃቡ ከም ተወሳኺ ኣብነት ምጥቃሱ ይከኣል።

ሓደ ካብ ንጹር ምልክታት ዘይሓቛፍነት ወይ ነጻሊ ባህርያት መድረኽ፣ ካብቶም ብዙሓት ማሕበራት መንእሰያት፣ ነቲ EYSC Global ዝብሃል ይምእዘዘኒ እዩ ዝበሎ ፍንጫል ማሕበር መንእሰያት ጥራይ ኣብ ንጥፈታት መራኸቢ ብዙሃኑ ምእንጋዱ እዩ።

መድረኽ እምብኣር፣ በቲ ጸንባሪ ዘይኮነ ባህርያቱ ብዙሓት ነጺሉ እናሃለወ፣ ከምቲ ዝብሎ ማላግቦ ኤርትራውያን ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብመትከል ንኹሎም ኤርትራውያን ዝሓቍፍ ባይታ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ሓቀኛ መድረኽ ክኸውን ዝኽእል።

ዘይተጻዋርነትን ትዕቢትን

መድረኽ፣ ፍሉይነት ኣተሓሳስባ ንዘለዎም ኣካላት ተጻዋርነት የብሎምን። ብቐንዱ ነቶም ዘዋሰኑዎም ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ይኹን ካልኦት ተቓወምቲ ክጽንብሩዎም ዘይደለዩሉ ምኽንያት፣ ካብ ናቶም ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ስለዘለዎም፣ ነቲ ንሳቶም ዝደለዩዎ ኣጀንዳ ብቐሊሉ ክቕበሉዎ ከምዘይክእሉ ስለዝተገንዘቡ እዩ።

ወዲ ቫካሮ፣ ስምረት ኤርትራውያንን ሃገራዊ ምትእኽኻብን ንምርግጋጽ ኣብ ዝገበሮ ዘሎ ቀጻሊ ምንቅስቓስ ብደረጃ ደምበ ተቓውሞ ዝነኣድ ህዝባዊ ኣቓልቦ ረኺቡ ክንሱ፣ መድረኽ ነቲ ዜናዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ምንቅስቓሱ ኣብ መደባቶም ዘይምጥቃሶም ንገዛእ ርእሱ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።

ብግብሪ ከምዝተዓዘብናዮም፣ ምስ መርገጺኦም ዘይሳነ ሓሳብ ንዘቕረቡ ባእታታት ከረድኡዎም ወይ ክርድኡዎም ኣብ ክንዲ ዝፍትኑ፣ ወይ ውን መርገጺኦም ኣብ ክንዲ ዘኽብሩሎም፣ ብኡንብኡ ቀጥታውን ዘይቅጥታውን ኣሉታዊ ግብረመልሲ እዩ ዝቕድሞም።

ደምበ ተቓውሞ ድኻማት ከምዘለዉዎ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ንምሕያሉ ሓባራዊ ሓላፍነት ከምዘለዎም ብዘንጸባርቕ ሃናጺ መንፈስ ዘይኮነ፣ ሓድሽ መተካእታኡ መሲሎም ክወራዘዩሉ ይፍትኑ።

ኣሰና ለውጢ ብቐንዱ፣ ካብ ውሽጢ ኤርትራ እዩ ክረጋግጽ ዝኽእል ንዝብል ን 10 ዓመታት ብመትከል ሰሪሑሉ እዩ። እንተኾነ፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና፣ ብመራኸቢ ብዙሃን መነቓቕሒ ብምዃን፣ ዲፕሎማስያዊ ክንፊ ብምልጋስ፣ ከምኡ ‘ውን ገንዘባዊ ሓገዝ ብምብርካት ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ድሌት ዲሞክራስያዊ ሃዋህው ብምብርባር፣ ናይ ለውጢ ሓይሊ ክኸውን ክድርኾ ኣገዳሲ እጃም ከምዘለዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዚ፣ ንኤርትራዊ ዓቕምታት ከም ተመላላኢ ብምርኣይ ንኹሉ ምትብብዑ እምበር ምቍንጻቡ ሃናጺ ኣይኮነን። መድረኽ ንገዛእ ርእሱ ‘ኮ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘይኮነስ ኣብ ስደት ኮይኑ እዩ ምንቅስቓስ ዝጀማመር ዘሎ። ይዕበ ይንኣስ፣ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዝፈጠሮ ማዕበል ተሰቒልካ፣ ከተቋሽሾ ምፍታን እምብኣር በለጽን ብድዐን እዩ።

ብገንዘብ ሓይልን ጽልዋን እምነትን ክትገዝእ ምፍታን

መድረኽ፣ ኣባላቱ ብዘለዎም ዲፕሎማስያዊ ጽልዋን መርበብ ርክባትን ገንዘባዊ ምወላ ክረክብ በቒዑ ኣሎ። ነዚ ብስም ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ዝረኸቦ ገንዘብ ግን፣ ስምረት ኤርትራውያን ኣሳሊጡ ኣድማዕነት ቃልሲ ንለውጢ ኣብ ዘሐይል፣ ሃገራዊ ረብሓ ኣብ ዘረጋግጽ ህዝባዊ መዓላ ደኣ ከዋፍሮ ይግባእ እምበር፣ ከም መሸመቲ ብሕታዊ ጽልዋን መምለኽን ክጥቀመሉ ኣይግባእን። ፖለቲካዊ እምነት፣ ብቕንዕና መትከላት እምበር ብገንዘብ ክግዛእ ኣይክእልን እዩ። መድረኽ፣ ዋላ ሽሕ መወልቲ እንተእምነ፣ ካብቲ ንጸጋታት ሃገርና ኤርትራ ተቖጻጺሩ ዘሎ ኢሳይያስ ንላዕሊ ገንዘብ ከኻኽብት ኣይክእልን እዩ። እምነት ብሓይሊ ገንዘብ ክግዛእ ዝኽእል እንተዝኸውን ኢሳይያስ ምተዓወተሉ። እቲ ብዙሕ ዝተወርየሉ ወርቂ ቢሻ ንጽልኢ ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ኣየቃለሎን፣ እዚ ሕጂ ዝዝመረሉ ዘሎ ፖታሽ ደንከል ‘ውን ንባህጊ ለውጢ ህዝቢ ኤርትራ ኣይክኾልፎን እዩ። መድረኽ እምብኣር፣ ነቲ ብጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ንለውጢ ረኺቡዎ ዘሎ ትሕዝቶ፣ “ከጫንወኩም ተማእዘዙኒ” ወይ “ተዓሰቡኒ” ዝዓይነቱ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ወጊዱ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ጸበባ ኣብ ዘገላግል፣ ንዕላማ ለውጢ ኣብ ዘርብሕ ንሕልናኡ ዘቕስን መዓላ ከውፍሮ ይግባእ።

ምስላይን ምግባትን ናይ ተቓወምቲ መርበባት ዜና

ምስዚ ብድዐ ዝመልኦ ብገንዘብ ናይ ምዝራብን ምምካሕን ፈተነ ተኣሳሲሩ ዝርአ ካልእ ዘተሓሳስብ ኣሉታዊ ዝንባለ መድረኽ፣ ነተን ድሮ ኣብ ስራሕ ተዋፊረን ዘለዋ መርበባት ራድዮን ኢንተርነትን ከም ሓላዪን ደጋፍን ተመሲልካ ብምቕራብ፣ ናብ ውሽጠን ኣቲኻ ዓቕመንን ክእለተንን ኣሰራርሓአንን ሰሊኻ፣ ዘድልየካ ዓቕሚ ሰብ ብገንዘብ ኣስዲዕካ ነተን ኣቓልቦአን ኣማእዚነን በብዓቕመን ንለውጢ ክንቀሳቐሳ ዝጸንሓ ትካላት ሓበሬታ ምድኻምን ምልማስን እዩ።

ብንጥፈት ክሰርሓን ንዝጸንሓ ማዕከናት፣ ኣብ ዓቕሚ ገንዘብ ንዘለወን ድኻም መዝሚዝካ፣ ንዓኣተን ውሒጥካ ጎብለል ኴንካ ብምውጻእ፣ ንፖለቲካዊ ተሕተ ቅርጺ ተቓውሞ ንምቍጽጻርን ምውናንን ዝተገብረ ፈተነ፣ ክመጽኣካ ንዝኽእል ተቓውሞታት ብምቍጽጻር፣ ነቲ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ዘጠራጥሮ ዘሎ ሕቡእ ኣጀንዳ መድረኽ ንምስላይ ዝተገብረ ውዲት ኣሰና ብግብሪ ተዓዝባቶን ተማሂራትሉን እያ።

መድረኽ ናይ ብሓቂ ናይ ለውጢ መድረኽ እንተትኸውን፣ እዘን ዘለዋ ማዕከናት ዜና ሓባራዊ ጋዜጣኛዊ ስነምግባር ኣማዕቢለን፣ ብዙሕነተን ሓልየንን ተኸባቢረንን ኣንፈተን ናብቲ ቀዳማይ ዕላማ ምውጋድ ምልካዊ ስርዓትን ምርግጋጽ ፍትሕን ንምግባር፣ ኣድማዕነተን ክብ ንምባል ብቕንዕና ከተባብዐን ምተገብኦ። እንተኾነ፣ ምንቅስቓስ መድረኽ በንጻሩ፣ ንናጽነት ማዕከናት ዜና ዝጻባእ፣ ኣቓልቦአን ዘዳኽም ስልታዊ ውድድርን ህልኽን ዝበዝሖ፣ መንፈስ ተቓውሞን ስራሕን ዘዳኽም እዩ። ነዚ ብዝምልከት ዝርዝራዊ ጭብጥታት ኣለና።

እዞም ትንክፍ ትንክፍ ዘበልናዮም፣ ሕሉፍ ምስጢራውነትን ዘይግሉጽነትን፣ ምውጋንን ምንጻልን፣ ዘይተጻዋርነትን ትዕቢትን ዝኣምሰሉ ዝንባለታት መድረኽ ግን፣ መለለዪ ባህርያት ኢሳይያስ እዮም። ነዚ ኣገናዚብካ ክትርኦ እንከለካ፣ ብቐደሙ ነዞም ሰብ- መድረኽ ካብ ኢሳይያስ ዘርሓቖምን ዝፈልዮምን እንታይ ምዃኑ ኣኽምሮኻ ትሓትት። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ንጡፍ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ግልል ኢሎም ምጽንሖም፣ ኣብ ሃናጺ ትዕዝብቲ ዝተመስረተ ንናህሪ ለውጢ ንቕድሚት ዝደፍእ ኣውንታዊ ድርኺት ክገብሩ ትጽቢት እናተገብረሎም፣ በንጻሩ ነቲ ብኒሕን ተወፋይነትን ካብዝን ካብትን ተዋህሊሉ ዝነበረ ናህሪ ዘዳኽም፣ ክለጋገብ ንዝጀመረ ኣተሓሳስባታት ዘሪጉ ናብ ዝገደደ ምጥርጣርንን ዘይምትእምማንን ዝምለስ ምንቅስቓሶም፣ ነቲ ስነኣእሙሮኣዊ ስዕረት ኣንጸላልዩዎ ዝነበረ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ትንፋስ ዝህብ ኮይኑ ትረኽቦ። “ሕጂ መድረኽ ናብ ምድረኽ ምውጽኣ ደኣ እንታይ ፋይድኡ” ዝብል ሕቶ ንምልዕዓል ‘ውን ጠንቂ ይኾነካ።

ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተናኸፍናዮም ትዕዝብታት ከም ናይ ባይታ ሓቅታት ጥራይ ምቕማጦም ግን ምሉእ ትርጉም መድረኽ ኣይህብን እዩ።  ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ከዘውትሩ ዝድርኾም ዘሎ ብቐንዱ ኣጀንዳኦም ስለዝኾነ፣ እቲ ዛጊት ዘይበርሀ ምስጢሩ ክፍለጥ ኣለዎ።

ቀደም ኣብ ግዜ ገድሊ፣ “ናጽነት ጥራይ ትምጻእ እምበር ሽዑ ነርክበሉ” ዝብል ሕድገት ነቲ ናይ ምግባት ሕልሚ ብኣግኡ ዝሓደሮ ኢሳይያስ ምልካዊ ስልጣኑ ከደልድል ዕድል ፈጢሩሉ፣ ነቲ መራግእቲ ከይገደፈ፣ ብምሉእ እምነት ልቡ ኣውጺኡ ዘረከቦ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይለቅቕ ዓዘቕቲ ሸሚሙዎ ከምዘሎ እቲ ምስ ኩልና ዝነብር ዘሎ ቃንዛ ለይትን ቀትርን የዘኻኽረና’ሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ‘ውን፣  እቲ ብጥልመት ዝሰክሐ ህዝቢ፣ ተስፋ ቆሪጹን ብቓልሲ ረብሪቡን “ጥራይ ውልቀምልኪ ይዕኖ እምበር ደሓር ነርከበሉ” ኢሉ ካልኣይ ግዜ ግዳይ ግርህነቱ ኮይኑ ከይብደል መታን ክጸባጸብ ግቡእ እዩ። እቲ ዝመጽእ ለውጢ ብተበለጽቲ ተጨውዩ መሊሱ ካብ ናይ ኢሳይያስ ኣብ ዘይፍለ ኩነታት ምውዳቑ ከየጣዕሶ፣ ወይ ከኣ፣ ኣይብሱል ኣይጥረ ብዝኾነ ዝገርዘመ ፖለቲካዊ ሃዋህው ክሳቐ ከይነብር ከስተብህልን ክጥንቀቕን ኣለዎ።

እታ ኣካል ናይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ጸጸራ እትድርቢ ዘለ ኣሰና፣ ብቐንዱ ነቲ ንኹሎም ምንጭታት ዜና ዓቢሱ፣ ነቲ ኣፍ ፕሮፖጋንዳ ክኾኖ ዘዋደዶ ማዕከን ዜና ተቖጻጺሩ ምልካዊ ሕልሙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከስገድድ ዝወሰነ ስርዓት ኢሳይያስ ብምምካት ንህዝቢ ኣማራጺ ድምጺ ምዃን ከም ዝተገበሰት ነጻ ማዕከን ዜና መጠን፣ ቀንዲ ዕላምኣ ከይሰሓተት፣ ነዚ መድረኽ ብዝብል ስም ተጎልቢቡ መድረኽ ዘተን ርብክን ህዝቢ ክዓጹ፣ ማዕከናት ዜና ዓብሊሉን ተቖጻጺሩን ሕቡእ ኣጀንዳኡ ከተግብር ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኣካል ምጽብጻብ ኣካል ስርሓ እዩ።

በዚ መሰረት ማዕረማዕረ’ቲ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ እትገብሮ ቀጥታዊ መኸተ፣ ከምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት፣ ከም ዋዕላታት፣ ጉባኤታት ዓውደ መጽናዕትታትን ናይ ዘተ መኣድታትን ዝኣመሰሉ ናይ ለውጢ ተበግሶታት ብግብሪ ከተሰላስሎ ዝጸንሐት፣ ወትሩ ብኣውንታ ቀሪባ ብምውሳእ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሑ ሃነጽቲ ኣበርክቶታት ብዓቕማ ከተታባብዕ፣ ድሌት ህዝቢ ንለውጢ ብምምዝማዝ ኣንፈት ለውጢ ንዘስሕቱ ሃቐነታት ኣብ ዘስተብሃለትሉ ግዜ ኸኣ ከተቃልዕ ግቡእን ሓላፍነትን ኣለዋ። ልቢ ዘዕበኻ እናመሰለካ ልብኻ ምንኣስ ሓላፍነትካ ምዝንጋዕ እዩ። መድረኽ፣ ተኽ ብተኽ እምበር ብሕሹኽሹኽ ክኸውን የብሉን።

መድረኽ እሙንን ኣድማዕን ሃገራዊ መድረኽ ክኸውን እምብኣር፣

1ይ – ምስቶም ኣብ ኣመሪካ፣ “ኤትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ” (EFND) ዝመስረቱ ምሁራትን መራሕቲ ሲቪካውያን ማሕበራትን፣ ከምኡ ‘ውን ምስቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣመሪካን ኤውሮጳን ብኣካል ምምብጻሕ ናይ ሓፋሽ ሰረት ዘለዎ ምንቅስቓስ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ዘካይድ ዘሎ ወዲ ቫካሮ፣ ልባውን ክፉትን ርከብ ምብግባር፣ ሓባራዊ ኣጀንዳ ሃገራዊ ምትእኽኻብን ዘተን ኣብ ምስላጥ ኣውንታዊ ኣበርክቶ ክገብር፣

2ይ – በዚ መሰረት፣ ነቶም ናይ ባይቶን ዘይባይቶን ተባሃሂሎም ተፈናቲቶም ዝነበሩ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፣ ሲቪካውያን ማሕበራትን ህዝብን፣ ከምኡ ‘ውን ነቶም ዝጠማመጡን ዝጻረሩን ማሕበራት መንእሰያት ዘቀራርብን ዘስምርን ጻዕሪ ከሰላስል

3ይ – እቶም ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምምካትን ፍትሒ ኣብ ምንዳይን በብወገኖም ዝነጥፉ ዘለዉ መርበባት ሓበሬታታትን መደበራት ራድዮን ተራኺቦም፣ ባዕላቶም ዝተሰማምዑሉ ዓንቀጻት ሞያዊ ስነምግባር ኣዋዲዶም፣ ንብዙሕነቶም ናብ ሃናጺ ሕድሕዳዊ ርክብ ዘማዕብል ናይ ስራሕ ዝምድና ክምስርቱ፣ ቀዳምነታቶም ኣለልዮም ንፍትሓዊ ለውጢ ክንቀሳቀሱ ኣድማዕነቶም ዘሐይል ፣ ናብ ሃገራዊ ስኒትን ሓድነትን ኣተኵሮም ኣብ መጻኢት ኤርትራ ክህሉ ዘብህግ ህዝቢ ዝማእከሉ ባህሊ መራኸቢ ብዙሃን (Media Culture) ካብ ብሕጂ ክዅስኩሱዎ ባይታ ምፍጣር ምስ ኩሎም’ዞም ዝጠቐስናዮም ባእታታት ተሓባቢሩ ክዋሳእ ይግብኦ።

መድረኽ ነቲ ረኺቡዎ ዘሎ ጸጋታት፣ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ሃገራዊ ዕማማት ብሓላፍነታዊ መንገዱ ምስ ዘውዕሎ፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝድለ ለውጢ ብተሳታፍነት ሰፊሕ ህዝቢ ከማልኦ ምስ ዝፍትን ከኣ’ዩ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘቕስን ውጽኢት ክርከብ ዝኽእል። ኣብ ስደት ነዞም ዝጠቐስናዮም ዕማማት ብኣድማዕነት ምስላጥ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክመጽእ ዝድለ ለውጢ ደራኺ እዩ። ብመሓወርካ ኣብ እተርክበሉ ባይታ ከምዚ ዝኣመሰለ መባእታውን ኣውንታዊ ጽምዶ ጌርካ ህዝቢ ከየእመንካ ብወንጭፍ ራድዮን ቴለቭዥንን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ለውጢ ከምጽእ እየ ኢልካ ምሕሳብ ጃህራ ጥራይ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። “ገንዘብን ኣፍን ምሳይ ጥራይ እዩ ዘሎ፣ ኣበይ ከይትበጽሑ ዝብሃል ንዕቀት ሕብረተሰብካን ህዝብኻን ዘንጸባርቕ ኣተሓሳስባ ጎዳኢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ነዚ ንያታዊ ሜላታት መራኸቢ ብማሕበራዊ ሜላታት ህዝባዊ ርክባት ናይ ምጽንጻን ዕድል ፈጢሩ ዘሎ ናይ ሓበሬታ መዋእል ብግቡእ ካብ ዘይምግንዛብ ዝመንጩ ዝንጉዕ ኣተሓሳስባ እዩ። ስለዚ ብናይ ሓባር ቃልሲ ዘተኣማምን ናይ ሓባር ዓወት ከነመዝግብ ከይተሓለልና ክንሰርሕ ይግባእ።

 ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!!

ኣማኑኤል ኢያሱ

16 ለካቲት 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
153 COMMENTS
  • Haile kalu February 19, 2014

    The article is but a defense on why Adhanom and Gen. Tekeste Haile are not beneficiaries of the fund as if they are the only two EPLF veterans(if not not ELF too) in this whole world. I don’t know about Gen. Tekeste, but Adhanom is one hell of an Ethiopian puppet and regionalist who would not let Eritreans from other regions near his party and office in Addis, eventhough it is hard to call it an office. Everyone knows that he gets his orders from Bereket Simon and Gen. Amare. People like Dr. Assefaw on the other hand been strong oppositions to Ethiopia’s interference in Eritrea affairs. So how did assenna expect these two groups to come and work together. Of course, Assenna knows that these two groups have a huge difference in their strategies. But he is shedding this crocodile tears and doing this spin-doctoring to just agitate his…you know who. This is a man who wrote that disgusting article about Gen. Teame Mekele as a hero when he was sacked briefly by his master. What was shocking to many was that he did then what he has never done before. He started that article by mentioning the date of birth, Adi, Wereda, and Awraja of Mekele. Mekele was nothing compared to people like Petros and Sherifo. But he never mentioned their birth places when he wrote about them and others because they were from ….you know where. After the dictator, I think Eritrea will be better off if it is divided federally. Aaab awrajaka…beleskan kuuntikan indablaika…dinishkan kicha aterikan inda belaika…asakan meshalkan indabelaakan…Eritreans are too parochial and narrow minded regionalists to live together. All that …we lived in harmony…is self-deception. Look at the three highland regions, they cannot live together much less work together. They cannot stand each other. One good example is Woldu Tekle’s and Meskerem’s owner. That small broil that started among them was fanned by their respective regionalist supporters. Assenna did a marvellouse job in giving these parochialists and stupid regionalists a fertile platform. Not only that. Now that he is attacking medrek. i think that is why they all do when there is not interesting thing to write about the regime in Eritrea. To just say, ‘we are alive. We are working.’

  • Munir February 19, 2014

    The Eritrean people don’t need another upgraded version of PFDJ, the mentality of such political organisation should be completely diminished from its root, if the Eritrean people need to exercise their right of democracy. We need a fresh political agenda not spoiled attitude of PFDJ.

  • wedi asmara February 19, 2014

    Right

  • CRY FREEDOM February 19, 2014

    THANKS AMANUEL WE DO NOT NEED ANY MORE OTHER PFDJ (MEDREK)

    I THINK MOST PEOPLE IN THE OPPOSITION KNOW ABOUT SO CALLED MEDREK.
    I FEEL VERY SORRY THAT FEVEN SELOMON HIJACKED BY MESFUN HAGOS. SHE HAS A GREAT VOICE
    I HOPE ONE DAY SHE WILL JOIN THE NON PFDJ OPPOSITION AND I PRAY FOR HER.

    • belay nega February 20, 2014

      “I FEEL VERY SORRY THAT FEVEN SELOMON HIJACKED BY MESFUN HAGOS. SHE HAS A GREAT VOICE”

      Shame on you that you judge people by their voice.

  • MightyEmbasoyra February 19, 2014

    Meskerm guy is making noise again. This time it is directed at Assenna. What a loser?

    • Aziza Abdulkerim February 19, 2014

      MightyEmbasoyra
      AFENCHA ENTETEHAREMET AYNI TENEBEE EYU NEGERU

  • ሰላምይንገስ February 19, 2014

    ብራቮ ኣማኑኤል እያሱ እቲ ክበሃል ዝከኣል ኩሉ ኢልካዮ ተዓወት ኩቡር ሃገራዊ ሓው።

  • keren February 19, 2014

    Amanuel,

    Deleiti fthi mska alona- shett meantana!

    inte itom bklte idom zebl-U zelewu belaeit klte sga weyoom!

  • zgeremo February 19, 2014

    Is this all about money? Is it a big deal not having Adhanom and B.G Tekeste in the organization? And why you mentioned only them?

  • hadnet February 19, 2014

    Mr. Solomon thanks you hit the point. We Have one enemy that’s hgdef. Now you guys blame each other and it’s a big fun for hgdef. Mr. Emanuel nay temokuro hitsiret kKown yK’El eyu emo. Ayt’tahawek. Kemzi nay abotat msla gerkaya ” hiwuk zb’E si kerni (horn) b’Eray yneks koyna”.

  • Meretse Asmelash February 19, 2014

    መስከረም ጠቅላላ ኣቝሕቱ ክሸይጥ ጀሚሩ። ዓንዲ እንተተሰይሩ ሰርወ ክንዲ ዝተረረ ይትረር ምስባሩ ኣይተርፎን። ምውዳቕ ኢሰያስ ዝፈለጠ መስከረም ኩሉ ንብረት ገዝኡ ክሸይጥ ጀሚሩ። በቲ እንተበለ በቲ ምስላጥ ዝኣበዮ መስከረም ብሰንኪ ክቱር ፍቅሪ ህግደፍ ምሳኣ ክጸድፍ መሪጹ። ቍጽሪ ጸላእቱ ንምውሓድ ነቲ ብቀይሕ ቀለም ኣንድነት (Andnet) እንበለ ዘውለብልብ ነበረ ባንደራ ኣውርዱ ኣንፈቱ ሎሚ ናብ ኣሰና ኣቅኒዑ።
    ሓቁ እዩ። ከም ቢተይ ሓምለ-ሰነ ከምድልየቱ ክዕንድር ጸኒሑ እዩ። እቲ ምክንያት ምስ ግዜ ኣተኣሳሲርካ ክፈላለ ይክእል እዩ። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምክንያት ግን እቲ ዋና ነገር ገዲፍካ ናብ ጓል ነገር ኣየናይለባማትን እንተባህለ ዕሽሽ ክበሃል ስለ ዝተጸንሐ እዩ።
    ቀንዲ ምላሽ ንመስከረም- “ዘይምምላሽ” ኔሩ እቲ መልሲ ክሳብ ሕጂ።
    ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ቅነ ልደት (Christmas) ብሃንደበት ኣብ ኣፍደገ ዓዋተ.ካም (Awate.com) መጺኡ ቃል ብቃላ ” ዓደይ ግደፉለይ” ( Awate Leave My Country Alone ) ዝብል መልእክቲ ዘሎዎ ወረቀት (flyer) ደርብዩ ከይዱ።
    ዝረከቦ መልሲ እንታይ ኔሩ? ዋላ ሓንቲ። ምክንይቱ ዓዋተ.ካም ምስ መን ዝብል ሕቶ መልሲ ስለ ዝረከብሉ እዩ ይመስለኒ።
    ናይ ሎሚ ከኣ ንበይኑ እዩ። ቖፎ ንህቢ ክተናክፍ ጀሚሩ። ካብቲ ሕጂ ዘሎዎ ቅርብ ምስ ዝብል ግን ኣብ ነብሱ ዝንዛሕ ሕንዚ ፈውሲ ኣይክረክበሉን እዩ።
    ሓንቲ ምክሪ ንመስከረም፡- “ከም ቀደም ይመስልክን ውሕጅ ይወስደክን”
    መስከረም ሕጂ’ውን ተጋግየ ኔረ፡ ይቅረ በሉለይ ክትብል ዕድል ኣሎካ።

    • MightyEmbasoyra February 19, 2014

      You are correct Ato Meretse. Enough is enough to meskerem owner.
      I didn’t realize that he removed the red colored “Andnet” he used to nickname Asmarino.com. What happened that he removed it? I also Medrek is posting in Asmarino. Is something going on? Something fishy.

      • Meretse Asmelash February 19, 2014

        Definitely brother! This is his last minute. Unlike his website all the triple (AAA) websites are busy serving the public. Look what he is up to know?
        I think he does no deserve much attention.

      • Eriteawit February 19, 2014

        Asmarino.com, Something fishy is right. I see all anti Eritreans flourishing there like no body’s business
        you wonder is this Eritrean site or what? What we need to do is MAKE SURE ASSENNA.COM STANDS STRONG.. LET HELP ASSENNA.COM PLEASE. THANKS Genet-original( sorry you have to change your name)lol. for the idea.

POST A COMMENT