Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

‘መደረ ፕረዝደንት ሃገረ-ኤርትራ፡ ብኣጋጣሚ ጽንብል 25 ዓመት ብሩራዊ እዮበልዩ’

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ኣቐዲመ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ንኹሎም ፈተውቱን፡ ዮሃና ንኽብሪ 25 ዓመት ዝኽረ ዓመት ናጽነት እንዳበልኩ፡ ነቲ ንናጽነቱ ክውን ንምግባርን ክብሪ ልዑላውነቱን ሓርነቱን  ንምሕላውን፡ ጸሚእና ከይበልናዮ ማይ፡ ጠሚና ከይበልናዮ እኽሊ ብምቕራብ ዘስተየናን

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡

ኣቐዲመ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ንኹሎም ፈተውቱን፡ ዮሃና ንኽብሪ 25 ዓመት ዝኽረ ዓመት ናጽነት እንዳበልኩ፡ ነቲ ንናጽነቱ ክውን ንምግባርን ክብሪ ልዑላውነቱን ሓርነቱን  ንምሕላውን፡ ጸሚእና ከይበልናዮ ማይ፡ ጠሚና ከይበልናዮ እኽሊ ብምቕራብ ዘስተየናን ዝዓንገለናን ህዝቢ ኤርትራ፡ መዘና ዘይርከቦ መስዋእቲ ከፊልካ ኢኻ እሞ፡ ሓበንን ሞሳን ንዓኻ። ንኹሎም እቶም ነዚ ‘ርብዒ ዘመን፡ ኣብ መኸተን ልምዓትን’ ብዝብል ቴማ እንጽንብሎ ዘለና ኣጋጣሚ ንምምዕራግ ኣበርክቶ ዝገበሩ ዜጋታት፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ልዑል ምስጋናይ የቕርብ።

ዓመት መጸ ዝኽሪ መዓልቲ ነጻነት ኣብ እነብዕለሉ፡ ዝሓለፍናዮ ጒዕዞ እንዳገምገምና፡ ንመጻኢ እንታይ ክጽበየና ኢዩ ዘይኮነስ፡ ሕጂ እንታይ ክንዓምም ይግብኣና እንብለሉ ኣጋጣሚ ኢዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ዝተሰግሩ ሓያለ ብድሄታትን ተጻብኦን፡ ኣንፈት መኣዝና ንምስሓት ዝተጠጅኡ ውዲታትን፡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዋላ’ኳ ዘነይተና እንተዘይኮነ፡ ተዛማዲ ክበሃል ዝከኣል ልምዓታዊ ገስጋስ ኣመዝጊብና ኢና። ብውህደት ሓያል መኸተ ህዝብን ሰራዊትን ግንባርን ክዕመሙ ዝጸንሑ፡ ኣብ መስርሕ ዘለውን ልምዓታዊ መደባት ብዝሓየለ ናህሪ ተደሪዖም ክቕጽሉ ምኻኖም ድማ ከዘኻኽር እፈቱ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ጎድኒ ጎድኒ ልምዓታዊ ግስጋሴና፡ ንዝበረኽ ዝላ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ዓውለማዊ መድረኽ ዝምጥን፡ ሕሉፍ ኣከያይዳና ብምግምጋም፡ ሱር-ነቐል ጽገናዊ ለውጢ ክንገብር መድረኽ ዝጠልቦ እዋባዊ ዕማም ኢዩ። ክንሰርሓሎም ዝጸናሕና ኣገባብ ምሕደራ፡ ኣብ ጽላት ፖሊቲካ፡ ቊጠባን ወተሃደራዊ መዋቕራትናን ብፍላይ፡ ለውጢ ከምዘድሊ ኣሚናን ተገንዚብና ኣለና።

ፖለቲካዊ ጽገናን፡ ሃናጺ ጽምዶን

ብሰሪ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝተኣወጀ ኲናት፡ ፖለቲካዊ ግስጋሴና ጂሆ ተታሒዙ ከምዝጸንሐ ኩላትና ዘይንስሕቶ ጉዳይ ኢዩ። እንተኾነ፡ ኣብ ተዛማዲን ዝሓሸ መድረኽ ሰላምን ርግኣትን ስለእንርከብ፡ መጻኢ ወለዶ ብሰላምን ቅሳንትን ዝነብሩላ ሃገር ክውንቲ ንምግባር፡ ምስ ዝቐያየሩ ስርዓታት ዘይቀያየር፡ ምትእትታው ሕገ-መንግስታዊ ስርዓተ-ምሕደራ ኣማራጺ የብሉን። ንወለዶታት ዝዘልቕን፡ ቀጻልነት እዛ ሃገር ዘውሕስን ዓንዲ፡ ልዕልና ሕጊ ዝነገሶ ትካላዊ ኣሰራርሓ ጥራሕ ኢዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣቐዲሞም ንዝተኣትው መብጽዓታት ሰውራዊ ቃልስና ክውን ኣብ ምግባር ዘንጊዕና እኳ እንተጸናሕና፡ ሕጂ ግን እቲ ግዜ በሲሉ፡ እዋኑ’ውን ዝኣኸለ ይመስለና። እቲ ንብዙሕነትና ዘተኣናግድን ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝተነድፈን፡ ግን ከኣ ተወጊኑ ዝጸንሐ ሃገራዊ ቅዋም፡ ኣብ ግብሪ ከከምኣድላይነቱ፡ በቲ ዝምስረት ሓድሽ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክለሳ እንዳተገብረሉ፡ ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል፡ ብእውጅ መልክዕ ንህዝቢ ክሕበር ምኻኑ ከበስረኩም እፈቱ።

ምስ ትግባረ ቅዋም ተተሓሒዞም ክለዓሉ ዝኽእሉ፡ ሓያለ ኣገደስቲ እዋናዉያን ሕቶታት ከምዘለው ኣይንስሕቶን። ትግባረ ቅዋምን፡ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ፖሊቲካዊ መድረኽን ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ዜጋታት፡ ዝፈጸምዎ ገበናትን፡ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑሉ ግዜን ብዕቱብ ተመርሚሩ፡ ብምሕረት ከምዝልቀቑ በዚ ኣጋጣሚ ክሕብር እፈቱ። ብዘይ ኣገባብ ዝተኣስሩ ዜጋታት እንተልዮም፡ ንዝወረዶም ኣካላዊ ይኹን ስነ-ኣእምሮኣዊ በደል፡ ኣጻርያ እትመሚ ኮምሽን ዕርቕን ካሕሳን ከምእትቐውም፡ ነዚ ስራሕ ንምስላጥ ዝሕግዝ፡ ፍሉይ ባጀት መንግስቲ ሰሊዑላ ከምዘሎን እንተገንዘብኩ ጽቡቕ እመስለኒ። ብዘይካ’ዚ እዛ ኮምሽን፡ ንዝተዋህቦም ህዝባዊ ሓላፍነት ብምጉዕጻጽ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝዓገቡ መራሕቲ ወተሃደራውያን ይኹኑ ሲቪል እንተልዮም፡ ጉዳዮም ብጭቡጥ ኣጻርያ፡ ኣብ ፍርዲ ከተቕርቦም ምሉእ ስልጣን ከምዝህልዋ፡ ንኣንፈይ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ኣይደልን።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን

ከምዝፍለጥ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሓያለ በሰላ ኣብ ርእሲ ምግዳፉ፡ ዝሓለምናዮ ዘቤታዊ ልምዓታዊ መደባትና ከይትግበሩ’ዉን ገቲኡ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ ድሮ ምብቃዕ እቲ ኲናት፡ ተኣፈፍትን ዘይእዋናውያንን ሕቶታት ኣልዒልኩም ተባሂሎም፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን ነበር ከምዘለው ኣይዝንጋዕን። ዝፈጸምዎ በደላት ዋላ’ኳ ከቢድ እንተኾነ፡ ንሃገራዊ ዕርቅን፡ ነዛ እነብዕላ ዘለና ዕዝዝቲ ዕለተ-ናጽነት ክውንቲ ንምግባር፡ ንረዚን ኣበርክቶኦም ብምዝካር እምበኣር፡ መንግስቲ ብምሕረት ብነጻ ክለቆም ወሲኑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ካብ ቦታ ተሓድሶ ወጽዮም፡ ንዕኦም ብፍሉይ ኣብ ዝተዳለወ ግዝያዊ መጽንሒ ከምዝርከቡ ክሕብር እፈቱ። እዚ ምሕረት፡ ነቶም ምስኦም ኣብቲ እዋን እቲ ዝተኣስሩ ኣዳለውቲ ብሕታውያን ጋዜጣታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ከም ዝሕውስ’ዉን ከየዘኻኸርኩ ክሓልፍ ኣይደልን።

ዝኸብርኩምን ዝኸበርክንን

ኣብ እዋን ብረታዊ ተጓድሎና፡ ፖሊቲካዊ መርገጺ ዝመበገሲኦም ፍልልያት፡ ብሰሪ ጉድለት ዓቕሚ ኣፈታትሓ ግጭት፡ ኣድላይነት ናብ ዘይነበሮ ኲናት ሕድሕድ ተኣትዩ፡ እዛ ሃገር ህይወት ሓያለ ዕሸላት ደቃ ከምዝኸሰረት፡ ሕሉፍ ታሪኽና ዝሰነዶ ዘሕዝን ሓቂ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን እንተኾነ፡ ብዘይካ ሒደት ሓያለ ካብ ነባራት ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ነበር፡ ናብዛ ሃገር ዘይኣተው ከምዘለው ኣይዘንጋዕናን። ኣብቲ ከነቚሞ እንውጥኖ ዘለና ቅዋማዊ ስርዓተ-ምሕደራ ንምስታፍ፡ ብጥርኑፍ ይኹን ብውልቂ ክኣትውን፡ እጃሞም ከበርክቱን ድላይ ንዘለዎም፡ እቲ ባብ ወትሩ ርሕው ምኻኑ ክሕብር እፈቱ። ብዘይካ እዚ፡ እቶም ብሰሪ ምንዋሕ ግዜ ምጥያስ ተማሪሮም፡  ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተሰዱ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ መንእሰያትና፡ ዓዶም ክምለሱን፡ ኣብ ቊጠባዊን ፖሊቲካውን ዳግመ-ሕውየት እዛ ሃገር ብምስታፍ፡ አእጃሞም ከበርክቱን መጸዋዕታይ የቕርብ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ከምቲ ቤት ብዘይ ዓንዲ፡ ሃገር’ውን ብዘይ መንእሰይ ቀጻልነታ ክውሓስ ኣይክእልን። ኣተኣታቲናዮ ዝጸናሕና ደረት-ኣልቦ ወተሃደራዊ ዕስክርና፡ ኣብ መንእሰያትና ተስፋ ናይ ምቊራጽ መንፈስ ኣሳዕሪሩ፡ ኣፍራዮ ዕድሚኦም በሊዑን ኢዩ። ብፍላይ እኳ ደቀንስትዮ ክወልዳሉን ክዘምዳሉን ዝግብአን  ዕድመ ሓሊፍወን፡ ናይ ፍርያምነት ዕድለን በኺኑ ዝተረፈ ሓያለ ኢየን። መንእሰያትና፡ ክብደት እቲ ዝኸፍልዎ ዘለው ረዚን ዋጋ እንተዝልካዕ፡ ንዕኡ ዝድብስ ሞሳ ኣምበይ ምተረኽበን። ካብ ማሙቕ ቤቶምን፡ ሓዳሮምን ንነዊሕ ግዜ ተኣልዮም ከብቅዑ፡ ሕጅስ ይኣኽለና ደኺምናን ሰልኪናን እንከይበሉ፡ ብዘይ እኩል ዓስቢ፡ ነዛ ሃገር ኩለንትንኦም ከምዝወፈዩ ንኹላትና ግሁድ ሓቂ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እምበር፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ዋሕዚ መንእሰያትና ንስደት ኮይኑ ዘሎ፡ እቲ ክንክተሎ ዝጸናሕና ደረት-ኣልቦ ግዱድ ዕስክርና፡ ዝፈጠሮ ኣሉታዊ ሳዕቤን ምኻኑ ብምግንዛብ፡ ደረት ግዜ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ናብ ንቡር ከምእተመልሰ ክሕብረኩም እፈቱ።

ቀጻልነት ህላዌና ንምውሓስ ኣብ እነካይዶ መኸተ፡ ኣብ ናይ ምክልኻል ወተሃደራዊ ዓቕምታትና ምትእምማን ክህልወና ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ዲፕሎማሲ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ መፍትሒ ግርጭት ጌርካ ምውሳድ ግን፡ ዝቐርዓወ ስልቲ ኢዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እምበኣር፡ እቲ ኣስታት 20 ዓመቱ ክተምም ቀሪቡ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ንምዕራፉ፡ ኩሉ ዝከኣለና ቅሩብነት ጌርና ከምዘለና ከበስረኩም እፈቱ።

ህዝብታት ክልቴአን ሃገራት ዝኸሰርዎም ዓበይቲ ዕድላት ሓባራዊ ምዕባሌን ብልጽግናን፡ ከም ሕማቕ ታሪኻዊ ተረኽቦ ተወሲዶም፡ ኣብ ሃናጺ ጽምዶ ብምእታው፡ ዝተፈጥረ በሰላ ንምሕዋይ ዘይጽዓድ እምንቶን ድሌትን፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ምኻኑ እኣምን። ብምምሕያሽ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት፡ ብዓቢኡ ንሕና ከምእንጥቀም ግን፡ የዋህ ዝግዘቦ ሓቂ ኢዩ። እቲ ቅድሚ ምብራዕ ኲናት ዕሙር ወደባዊ ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ክልቲኡ ወደባትና፡ ኢትዮጵያ ክትጥቀመሉ እንተደልያ ከነሐድሶን፡ እዚ ድማ ንሓያለ እቶም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝጣየሱ መንእሰያትና፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ከምዝፈጥር ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብዘይካ’ዚ እቲ ካልእ ንህዝብና ኣዝዩ ኣሸጊሩ ዘሎ ጉዳይ፡ ድሩት ዓቕሚ ቀረብ ጸዓት ኢዩ። ካብ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ናይ ተሓድሶ ግድብ፡ ብሕሱር ዋጓ ብምዕዳግ፡ ዝበለጸ ኣገልግሎት ጸዓት ክንቅርብ ከኽእለናን፡ ንብሕታዊ ቁጠባዊ ጽላትን ወፍርን ዘተባብዕ ሃውህውን ክንፈጥር ዝድርኽ ኣጋጣሚ ኢዩ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ናይዛ ዝሓለፈት ዓመት፡ ሓድሽ ባጤራ ናቕፋ ብምትእትታው፡ ንዘይሕጋዊ ሸርፊን ቅርሰናን ኣብ ምግታእ፡ ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ተገንዚብና ኣለና። ይኹን እምበር፡ ካልእ ጎድናዊ ኣሉታዉ ሳዕቤናት ኣይነበሮን ክበሃል ግን ዝከኣል ኣይኮነን። ህዝቢ ብሰሪ ሕጽረት ዝርግሐን ቀረብን ባጤራ ይጽገም ከምዘሎ ብምርዳእ፡ ኣራሚ ስጉምቲ ክንወስድ ጀሚርና ከምዘለና ክሕብር እፈቱ።

መንግስትን ግንባርን ክሰርሕሉ ዝጸንሑ ምእኩል ኣገጋብ ምሕደራ ዕዳጋ፡ ዋጋታት ኣብ ምርግጋእ እኳ ዘይንዓቕ ግደ እንተነበሮ፡ ከቢድ ሕጽረት ቀረብ ብምኽታሉ ግን፡ ዘላቒ ፍታሕ ኮይኑ ኣይተረኸን። ካብዚ ሕሉፍ ተመኲሮ እዚ ብምምሃር እምበኣር፡ ዘይምእኩል ኣገባብ ቁጠባዊ ምሕደራ ከምዝድፍኣሉ ብምግባር፡ ንብሕታውያን ነጋዶን ኣውፈርትን ከነተባብዕ ብልዑል ቅሩብነት ኪንሰርሓሉ ጀሚርና ከምዘለና ከበስረኩም እፈቱ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ንኹሎም እቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ሰብ ርእሰ-ማል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ተዋፊሮም ዝርከቡ ዜጋታትናን፡ ዓዶን ብምእታው፡ ተጠቀምቲ ናይዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዕድላት ወፍሪ ኪኾኑ፡ መጸዋዕታይ ከቕርበሎም እደሊ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት፡ ክንድ’ቲ ክንከዶ ዝወጠናዮ ዝላ ከይንስጒም፡ ብዘጋጠሙና ግዳማውያንን ዘቤታዉያንን ተጻብኦታት ከምዝተጎናደበን፡ ሓያለ ዕድላት ከምዝተኸስሩን ምእማን ምኽኑይ እመስለኒ። እንተኾነ፡ እቲ ዝሓለፈ መድረኽ ከም መምሃሪ ተወሲዱ፡ ድኹምን ድልዱልን ጎድንና ገምጊምና፡ ጉድለታትና ኣሪምና፡ ሓያል ጎድንና ዓቂብና፡ ዕቱብ ህዝባዊ ተሳትፎ ማእከል ዝገበረ ልምዓታዊ መደባት ቀይስና፡ ብኣውርኡ ድማ ንመንእሰያትና፡ ናይ ትምህርትን ስራሕን ዕድላት ኣብ ምፍጣር ከቢድ ዕማም ይጽበየና ኣሎ።

ልዕልን ቅድምን ኩሉ ግን፡ እቲ ከነተኣታትዎ ጀሚርና ዘለና ሱር-ነቀል ጽገናዊ ለውጢ፡ ብዘይ ዕዙዝ ተሳትፎ ውዑይ ሓይሊ መንእሰይ ወለዶ፡ ክውን ክኸውን ስለዘይሕሰብ፡ በብእብረን ደረጃን፡ መንግስታዊን ውድባውን ስልጣን፡ ናብ መንእሰይ ወለዶ ብምስግጋር፡ እቶም ኣብ ዓዲ ሱሳታትን ሰብዓታትን ዕድመ ረጊጽና ዘለና፡ ጥሮታ እንወጸሉን እነዕርፈሉን እዋን ከምዝኾነ፡ ባህሪ ዘዘኻኽረና ዘሎ እመስለኒ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እምብኣር፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ልዑል ኣካዳምያዊ ብቕዓት ዝደለቡ ዜጋታት፡ ዓድኹም ክትኣትውን ሃገርኩም ኣብ ምህናጽ መሪሕ ግደ ክትጻወቱን፡ ሃገራዊ ጻውዒተይ ከቕርበልኩም እደሊ። ናጽነት ክውን ዝገበረን ንምዕቃቡ ከይተሓለለ ክሰርሕ ዝጸንሐን ወለዶ፡ ድሮ ሓደ እግሩ ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ’ዩ እሞ፡ ርህውትን ብልጽግትን መጻኢት ኤርትራ ክውንቲ እትኸውን፡ ሕድሪ በጃ እዛ ሃገር ዝሓለፉ ሰማእታት ተሰኪምኩም፡ ግቡእ እጃምኩም ከተበርክቱ ምስ እትጅምሩ ጥራሕ ኢዩ።

ዘይከይድ ነይዕንቀፍ፡ ዘይሰርሕ ነይጋገ ከምዝበሃል፡ ብሰሪ ጉድለት ዓቕሚ መንግስትን ግንባርን ጌጋታት ክፍጸሙ ከምዝጸንሑ ምግላጽ፡ ንቀባሪ ምርዳእ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን። በዚ ኣጋጣሚ እምበር፡ ኦ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ በዳሊ ተረስዐ ተበዳሊ ኣይርስዕን እዩ እሞ፡ እቕሬታ ክንሓተካን፡ እትጸባጸበና እንተልዩካ እውን፡ ካብ ብርክኻ ዝወጻና ደቕኻ ኢና እሞ፡ ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዝምዕዶን ዝግስጾን፡ ንእትህበና ውሳነ ብጸጋ ኣሜን ኢልና ከም እንቕበል፡ ቃል ክንኣትወልካ ንፈቱ። እዛ ሃገር ብገንዘብ ወይ ብወርቂ ዘይኮነ፡ ቀያሕቲ ደቕኻ ብምኽፋል ኢኻ ጨቢጥካያ እሞ፡ እቶም ዝተረፉ ደቕኻ’ኳ ዘይነብሩላ ሃገር እንዳኾነት ክትከይድ ግን ሃየንታ ኣለዎ እሞ፡ እቲ ምሕደራ ካብ ፈቲና ካብ ዘይክኣልናዮስ፡ ደጊም በተረ-ስልጣን ናትካ ኢዩ። ድሕሪ ደጊም’ውን፡ ኣብ ልዕሌኻ ዝጉይትት ልዕሊና ሕጊ እምበር፡ ማንም ዓኻይ ኣይክህሉን ኢዩ።

ደጊመ ርሑስ መዓልቲ ናጽነትን፡ ጽቡቕ ጅማሮ ሓድሽ መድረኽን ቅዋማዊ መንግስትን ይግበረልና።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን ንሰማእታትና፡

ቅሳነት፡ ፍትሒን ደሞክራስን ድማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን።

እዚ ነቲ ናይ ሕልሚ ፕረዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው ሓቀኛ ለውጢ ንኽመጽእ ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኦም ስጉምትታት ኣብ ግምት ብምእታው ዝቐረብ ናይ ፈጠራ መደረ ኢዩ።

ኣዳላዊ፡ ቴድሮስ ኣብርሃም

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
66 COMMENTS
  • Desalegn May 22, 2016

    ዕለት: 22/06/2016

    ህዝቢ ኤርትራ ንዘሕለፎም 25 ዓመታት ኣብ ጊዜ ባዕዳዊ “ግዝኣት ህግደፍን ግዝኣት ኢትዮጵያን”

    መግዛአቲ ህግደፍ

    * መራሒ ሃገረ ኤርትራ ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዜግነት ኢትዮጵያዊ

    – ኤርትራ ቅዋምን ሕገ መንግስትን ዘይብላ ሃገር ብዘይ ዝኾነ ሕጊ ትግዛእ ዘላ ሃገር እያ።

    – ገበኖም ብዘይፍለጥ ሰላማዊያን ህዝቢ ዓፊንካ ብምውሳድ ሃለዋቶም ምጥፋእን ዘርኢ ኤርትራዊያን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንምጽናት ይስራሓሉ ኣሎ።

    – ኣረኣእያ ህግደፍ ብምቅዋም ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ንኽምስረት ንዝጠለቡ ሓለፍቲ ዘይወዓልዎን ዘይገበርዎን ስም ብምጥማቕ ብዘይ ዝኾነ መርትዖን ጭብጥን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሂወቶም ከምዝስእኑ ምግባርን ብዘይገደብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝበልዩን ይግበር ኣሎ።

    – ንህዝቢ መሰረታዊ ዝኾነ ነገር ከም መግቢ፣ ማይ፤ መጽለልን ብምስኣን ዕለታዊ መነባብርኡ ክመርሓሉ ኣብ ዘይኽእለሉ ደረጃ በጺሑ ይርከብ ኣሎ።

    – መሬት ካብ ኢድ ገባር [ሓረስቶት] ብምምንዛዕ ሃረስታይ ምስ ስድራቤቱ እንዳጠመየ ከሎ መሬት ገባር ንዘፍረዮ ምህርቲ ህግደፍ ኣብ ዉልቃዊ ዋኒኖም ክምዚውዕል ይግበር ኣሎ።

    – ናይ ህዝቢ ንዝኾና ማሽነሪታትን ዝተፈላለየ ንብረታትን ሚኒስትሪታት ብምዝማት ናይ ህግደፍ ዋንነት ንዝኮና ዓበይቲ ትካላት ከም ሰገን፤ ገደምን ካልኦት ትካላትን ህግደፍ ከዝምስረታ ተገይሩ ኣሎ።

    – ብላዕለዎት ሓለፍቲ ሰብ መዓርግ ድኻታት ህዝቢ ነበርቲ ከተማ ሃገርና ንዝኾኑ ካብ ዝነብሪሉ ቤቶም ምስ ስድርኦም ኣዉጽኢካ ብምጉሓፍ ዘየጥረኻዮ ገዛ ምዉራስን ዘይረሃጽካሉ ንብረት ምጥራይን ብግሁድ ኣብ ከተማታት ሃገርና ይስራሓሉ ኣሎ።

    – ዓቕሚ ሃገርን ህዝብን ብዝተማህረ ኣካል ተደጊፍ ከምዝምዕብል ኣብ ክንዲ ሓሲብካን ተረዲእካን ምስራሕን ንዝነበረት ዩኒቨርሲቲ ምህናጽን ብብቕዓታ ዓለምለኻዊ ደረጃኣ ንምሃዝ ተሓጽያ ንዝነበረት ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ንናይ ፖለቲካዊ መኽሰባት ብምቕዳም ክምትፈርስ ብምግባር ኤርትራ ዩኒቨርስቲ ኣልቦ ከይና ተሩፋ።

    – ኣብ ክንዲ ንዝተማህረ ሰብ በቲ ዝተማህሮ ዓይነት ትምህርትን ሞያን መዲብካ ዕዉት ዝኾነ ስራሓት ምስልሳል ኣብ ዘይ ሞዩኡን ስሩሑን ብምምዳብ ነቲ ሰብ ፉጹም ሞራሉ ከምዘጥፍእ ብምግባር ንትሕቶ ትምህርቱን ፍልጠቱን ኣብ ጠቕሚ ሃገር ንኸየውዕሎ ብዙሕ ተሰሪሕሉ እዩ። ካብ ፩፱፱፩ ጀሚሩ ንዝተማህረ ሰብ ኣትሒትካ ናይ ምርኣይን ምቁንጽብን ብተጋደልቲ ሓለፍቲ ነበር ዝዉትር ዝኾነ ተርእዮ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ናብ ስደት ንኸምርሕን ንኽኸይድን ብዚተፈላለየ መንገዲ ምትብባዕ ይግበር ኣሎ። እዚ ከኣኒ ኣብ ሞንጎ ተጋደንቲን ስቪል ሰራሕተኛታትን ዓብይ ጋግ ብምጣር ንስራሓ ዓብይ ዕንቅፋት ፈጢሩን ንዜጋትት ደቂ ሃገር ሙሁራት ክንሶም ፊደል ብዘይቆጸሩ ተመሪሖም ከምዝሰርሑ ተገይሩን ስጋብ ሕጅ እዉን እቲ መስርሕ ብኡኡ ይቕጽል ኣሎ። እዚ ተርእዮዚ ምዕባለ ሃገርና ከምቲ ዚድለ ንኸይስጉም ዓብይ ዕንቅፋት ኮይንዎ ኣሎ።

    – ናይ ስራሕ ባይታ ምፍጣር፤ ኣብ ሃገርና እቲ ቀንዲ ጸገም ኣጋጢሙ ዘሎ ምስ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝትሕሓዝ እኳ እንተኾነ ብዝተፈላለየ መዓቀኒታቱ ካብኡ ዘይንእስ ንመብዛሕትና ዝተሓብኣና ሃገርና ናብ ምዕባለ ደረጃ ከሰጉመና ዝኽእል ነገር ግን ኣሎ። እዚ ከኣኒ ወፍሪ ወይ ኢንቨስትመንት ዘይምሕላዉ እዩ። ወፍሪ ወይ እንቨስትመንት ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰባ ይኹን ኣብ ኣድላዩ ዝባሃል ጽላታታ ዘይትገብር ሃገር ብዝኾነ መለክዒ ክትምዕብለሉ ትኽእል መንገዲ ወይ ባይታ የለን እዩ። ስለዚ ኤርትራ ነዚ ወፍሪ ዝበሃል ጸጋታት ዘይተዓደለትሉ ምኽንያት ሕግን ሕጋዊነቲን ተኸቲላ ዘይትኸይድ ዘላ ሃገር ኣብርእሲ ምኻና ዝንቡዕን ዘይንጹሪን ናይ ወጻኢ ፖሊሲታትን ስለ አትኽተልን እዩ።

    – ህግደፍ ንመንእሰያት ኤርትራ ብዚተፈላለየ ምኽንያት ናብ ስደት ከምዘምርሑ ብምግባር ኣብ ውሽጢ ሃገር ክመጾ ንዝኽእል ተጻብኦታት ኣብ ግምት ብምእታው ሓይሉ ንኸደልድል ሰሩሕሉን ተዓዊትሉን እዩ።

    መግዛእቲ ኢትዮጵያ

    * መራሕቲ ሃገረ እትዮጵያ ፡ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ/ ኣቶ መለስ ዜናዊ ኢትዮጵያዊያን

    – ብቕዋም ሃገር መሰረት ብሕገ መንግስትን ብሕግን ስርዓትን ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከምዝመሓደር ተገይሩ።

    – ኣንጻር ደርግ ኣብ ፖለቲካ ኢዶም ንዘእተዉ ናይ ምእሳርን ምርሻንን ተግባራት ተፈጺሙ።

    – ንሻዕብያ ይድግፍ እዮም ብዝብል ጥርጠራ ከምዚ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ዘጥፍኡ ዘለዉ ዕሱባት ሻዕቢያ ብዕሱባት ደቂ ሃገር ተሰንዮም ህዝብን ገጠራትን ምንዳድን ምዕናውን ተኻይዱ።

    – ንህዝቢ መሰረታዊ ዝኾነ ነገር ከም መግቢ፣ ማይ፤ መጽለልን ብኣገባብ ከምዚረክብ ተገይሩ።

    – መሬት ካብ ኢድ ፊዉዳላት ነበር ብምምንዛዕ መሬት ንሓራሲኡ ምምቕራሕ እዩ ነይሩ።

    – ካብ ሃብታማት ትርፊ ንዝነበሮም ገዛዉቲ ናብ መንግስቲ ብምእታው ብርዕታዊ ክራይ ገዛ ንድኻታት ምክራይ እዩ ነይሩ።

    – ምምዕባል ዩኒቨርሲታትን ንምሁራት ምትብባዕን ዝብል መምርሒ እዩ ነይሩ።

    – ናይ ስራሕ ባይታ ብምፍጣር መነባብሮ ህዝቢ ምምሕያሽ ተኻይዱ።

    – ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ናይ ደርቂ ኩነታት ንዝተጥቅዐ ህዝቢ ናብ ደሓን ዝኾነ መርየት ኢትዮጵያ ብምውሳድ መነባብርኦም ከምዘጣጥሑ ምግባርን ብሓፍሻ ህዝቢ እትዮጵያ ካብ ስደት ንምድሓን ደርግ ዓቲቡ እዩ ሰሪሑ።

    *እሞ ሕጂ ገምጋም ናይ መሃብ ዕዮ ናባኹም ከብሎ እየ።

    ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ናይ በሓቂ ናጽነት ድዩ ኣስተማቂሩ ብሩራዊ እዮቤል ክስለምስ ወይስ ብቐሊሉ ዘይሃስንን ዘይለቅቕን ብናይ ህግደፍ ኣጸየፍቲ ተግባራት ኣብ ዉሽጢ ልቡ ብጸሊም ነጥቢ ተነቒሱ (ተወቂጡ) ዝርከብ ?

    እሞኸ ገምጋምና ኣብ ዘሓለፋ 25 ዓመታት ንዘስተማቐርናዮ ኩነታት ኣብየናይ ቦታ ኢና ክንምድቦ ንኽእል “ናጽነት፤ ብሩራዊ እዮቤል ” ድዩስ “ባርነት፤ ድኽነት ስደትን ብርሰትን” ?

  • Aweta May 22, 2016

    Ahhhhh ata halamay

  • Werki iyu smu May 22, 2016

    what can I say. How do I bleive a devil. Please my people be aware, don’t be floosh enough is enough. Devil is always devil. Every year he changed his idea. Please be smart than him, just blive on God not on human beings. human is human, and at this time much better animal than higdef. He is hungry, and he wants to eat again the flesh and he wants drink the blood of the human. God is in his place, he is watching from above. He is alive, and he is comeing soon go give to every body his prize. The blood of the eritrean people is shouting from inside eritrea, and from all of the world. Just pray, and you will see the result. My almighty God is in his place amen.

  • Zeray May 22, 2016

    Mr Amanuel

    I am surprised you let such fiction out. All the hard work you are doing will get undone by many who are misled. Many know their wish about Eritrea and any one on the street can list the ones above as their wish for our people. Besides do you know the writer’s achievement is disappointment by his readers?
    This one is a bad judgement. Please take out.

    • q May 23, 2016

      Its our dream manifesto, let it stay there!

  • yemane May 22, 2016

    Just we have to kill him this Devil leader no body trust him anyway.

  • Zenet bsylul May 23, 2016

    The idea was very good, but end up a joke,however it t is educational ,that is what we all expect.

  • Tesfa May 23, 2016

    The title mislead people!!!!
    I read the whole content and was impressed, in-fact my tears started to drop from my eyes, because he mentioned all the desire of our people (unity, multiparty, election, diplomacy,
    constitution, democracy, justice, human right, pension, military service………………
    most of all letting all the imprisoned free…wow).

    I would suggest the title to be: ‘How about if he says…’

  • hana simon May 23, 2016

    tdelio mo yzngakn kem zbhal mergrzi mengsti eritrea teqeyru iyfeltn eyu iyqyern eyu wn entezeydekemkum yhshekum beal konto mento

  • Gezae May 23, 2016

    Thank you for the generous and just plain lovely messages of unification! I know the PFDJ government has so far been unable to take a tolerant and pluralistic views; instead it is suspicious and seek to control everything. This unfortunately reveals its policies in society to be harsh. Thus, as a result of deliberate policies, an entire people with its unique culture and identity are facing the threat of being utterly overwhelmed.
    I believe repressive measures will not lead to unity and stability. Eritrea needs human rights, democracy and the rule of law because these values are the foundation of a free and dynamic society. They are also the source of true peace and stability. I have no doubt either that an increasingly open, free and democratic Eritrea will be of benefit to all its people and region too.
    Thus, as little progress has been made to integrate Eritrea into the world diplomacy; I believe it is equally important to encourage to enter the mainstream of global democracy and democratic reform.

  • yebio May 23, 2016

    Very clever. You have laid down and very jovially what is expected of the Government and Isayas to declare. I enjoyed it.

Post a Reply to Asghedom Cancel Reply