Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

‘መደረ ፕረዝደንት ሃገረ-ኤርትራ፡ ብኣጋጣሚ ጽንብል 25 ዓመት ብሩራዊ እዮበልዩ’

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ኣቐዲመ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ንኹሎም ፈተውቱን፡ ዮሃና ንኽብሪ 25 ዓመት ዝኽረ ዓመት ናጽነት እንዳበልኩ፡ ነቲ ንናጽነቱ ክውን ንምግባርን ክብሪ ልዑላውነቱን ሓርነቱን  ንምሕላውን፡ ጸሚእና ከይበልናዮ ማይ፡ ጠሚና ከይበልናዮ እኽሊ ብምቕራብ ዘስተየናን

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡

ኣቐዲመ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ንኹሎም ፈተውቱን፡ ዮሃና ንኽብሪ 25 ዓመት ዝኽረ ዓመት ናጽነት እንዳበልኩ፡ ነቲ ንናጽነቱ ክውን ንምግባርን ክብሪ ልዑላውነቱን ሓርነቱን  ንምሕላውን፡ ጸሚእና ከይበልናዮ ማይ፡ ጠሚና ከይበልናዮ እኽሊ ብምቕራብ ዘስተየናን ዝዓንገለናን ህዝቢ ኤርትራ፡ መዘና ዘይርከቦ መስዋእቲ ከፊልካ ኢኻ እሞ፡ ሓበንን ሞሳን ንዓኻ። ንኹሎም እቶም ነዚ ‘ርብዒ ዘመን፡ ኣብ መኸተን ልምዓትን’ ብዝብል ቴማ እንጽንብሎ ዘለና ኣጋጣሚ ንምምዕራግ ኣበርክቶ ዝገበሩ ዜጋታት፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ልዑል ምስጋናይ የቕርብ።

ዓመት መጸ ዝኽሪ መዓልቲ ነጻነት ኣብ እነብዕለሉ፡ ዝሓለፍናዮ ጒዕዞ እንዳገምገምና፡ ንመጻኢ እንታይ ክጽበየና ኢዩ ዘይኮነስ፡ ሕጂ እንታይ ክንዓምም ይግብኣና እንብለሉ ኣጋጣሚ ኢዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ዝተሰግሩ ሓያለ ብድሄታትን ተጻብኦን፡ ኣንፈት መኣዝና ንምስሓት ዝተጠጅኡ ውዲታትን፡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዋላ’ኳ ዘነይተና እንተዘይኮነ፡ ተዛማዲ ክበሃል ዝከኣል ልምዓታዊ ገስጋስ ኣመዝጊብና ኢና። ብውህደት ሓያል መኸተ ህዝብን ሰራዊትን ግንባርን ክዕመሙ ዝጸንሑ፡ ኣብ መስርሕ ዘለውን ልምዓታዊ መደባት ብዝሓየለ ናህሪ ተደሪዖም ክቕጽሉ ምኻኖም ድማ ከዘኻኽር እፈቱ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ጎድኒ ጎድኒ ልምዓታዊ ግስጋሴና፡ ንዝበረኽ ዝላ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ዓውለማዊ መድረኽ ዝምጥን፡ ሕሉፍ ኣከያይዳና ብምግምጋም፡ ሱር-ነቐል ጽገናዊ ለውጢ ክንገብር መድረኽ ዝጠልቦ እዋባዊ ዕማም ኢዩ። ክንሰርሓሎም ዝጸናሕና ኣገባብ ምሕደራ፡ ኣብ ጽላት ፖሊቲካ፡ ቊጠባን ወተሃደራዊ መዋቕራትናን ብፍላይ፡ ለውጢ ከምዘድሊ ኣሚናን ተገንዚብና ኣለና።

ፖለቲካዊ ጽገናን፡ ሃናጺ ጽምዶን

ብሰሪ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝተኣወጀ ኲናት፡ ፖለቲካዊ ግስጋሴና ጂሆ ተታሒዙ ከምዝጸንሐ ኩላትና ዘይንስሕቶ ጉዳይ ኢዩ። እንተኾነ፡ ኣብ ተዛማዲን ዝሓሸ መድረኽ ሰላምን ርግኣትን ስለእንርከብ፡ መጻኢ ወለዶ ብሰላምን ቅሳንትን ዝነብሩላ ሃገር ክውንቲ ንምግባር፡ ምስ ዝቐያየሩ ስርዓታት ዘይቀያየር፡ ምትእትታው ሕገ-መንግስታዊ ስርዓተ-ምሕደራ ኣማራጺ የብሉን። ንወለዶታት ዝዘልቕን፡ ቀጻልነት እዛ ሃገር ዘውሕስን ዓንዲ፡ ልዕልና ሕጊ ዝነገሶ ትካላዊ ኣሰራርሓ ጥራሕ ኢዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣቐዲሞም ንዝተኣትው መብጽዓታት ሰውራዊ ቃልስና ክውን ኣብ ምግባር ዘንጊዕና እኳ እንተጸናሕና፡ ሕጂ ግን እቲ ግዜ በሲሉ፡ እዋኑ’ውን ዝኣኸለ ይመስለና። እቲ ንብዙሕነትና ዘተኣናግድን ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝተነድፈን፡ ግን ከኣ ተወጊኑ ዝጸንሐ ሃገራዊ ቅዋም፡ ኣብ ግብሪ ከከምኣድላይነቱ፡ በቲ ዝምስረት ሓድሽ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክለሳ እንዳተገብረሉ፡ ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል፡ ብእውጅ መልክዕ ንህዝቢ ክሕበር ምኻኑ ከበስረኩም እፈቱ።

ምስ ትግባረ ቅዋም ተተሓሒዞም ክለዓሉ ዝኽእሉ፡ ሓያለ ኣገደስቲ እዋናዉያን ሕቶታት ከምዘለው ኣይንስሕቶን። ትግባረ ቅዋምን፡ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ፖሊቲካዊ መድረኽን ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ዜጋታት፡ ዝፈጸምዎ ገበናትን፡ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑሉ ግዜን ብዕቱብ ተመርሚሩ፡ ብምሕረት ከምዝልቀቑ በዚ ኣጋጣሚ ክሕብር እፈቱ። ብዘይ ኣገባብ ዝተኣስሩ ዜጋታት እንተልዮም፡ ንዝወረዶም ኣካላዊ ይኹን ስነ-ኣእምሮኣዊ በደል፡ ኣጻርያ እትመሚ ኮምሽን ዕርቕን ካሕሳን ከምእትቐውም፡ ነዚ ስራሕ ንምስላጥ ዝሕግዝ፡ ፍሉይ ባጀት መንግስቲ ሰሊዑላ ከምዘሎን እንተገንዘብኩ ጽቡቕ እመስለኒ። ብዘይካ’ዚ እዛ ኮምሽን፡ ንዝተዋህቦም ህዝባዊ ሓላፍነት ብምጉዕጻጽ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝዓገቡ መራሕቲ ወተሃደራውያን ይኹኑ ሲቪል እንተልዮም፡ ጉዳዮም ብጭቡጥ ኣጻርያ፡ ኣብ ፍርዲ ከተቕርቦም ምሉእ ስልጣን ከምዝህልዋ፡ ንኣንፈይ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ኣይደልን።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን

ከምዝፍለጥ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሓያለ በሰላ ኣብ ርእሲ ምግዳፉ፡ ዝሓለምናዮ ዘቤታዊ ልምዓታዊ መደባትና ከይትግበሩ’ዉን ገቲኡ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ ድሮ ምብቃዕ እቲ ኲናት፡ ተኣፈፍትን ዘይእዋናውያንን ሕቶታት ኣልዒልኩም ተባሂሎም፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን ነበር ከምዘለው ኣይዝንጋዕን። ዝፈጸምዎ በደላት ዋላ’ኳ ከቢድ እንተኾነ፡ ንሃገራዊ ዕርቅን፡ ነዛ እነብዕላ ዘለና ዕዝዝቲ ዕለተ-ናጽነት ክውንቲ ንምግባር፡ ንረዚን ኣበርክቶኦም ብምዝካር እምበኣር፡ መንግስቲ ብምሕረት ብነጻ ክለቆም ወሲኑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ካብ ቦታ ተሓድሶ ወጽዮም፡ ንዕኦም ብፍሉይ ኣብ ዝተዳለወ ግዝያዊ መጽንሒ ከምዝርከቡ ክሕብር እፈቱ። እዚ ምሕረት፡ ነቶም ምስኦም ኣብቲ እዋን እቲ ዝተኣስሩ ኣዳለውቲ ብሕታውያን ጋዜጣታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ከም ዝሕውስ’ዉን ከየዘኻኸርኩ ክሓልፍ ኣይደልን።

ዝኸብርኩምን ዝኸበርክንን

ኣብ እዋን ብረታዊ ተጓድሎና፡ ፖሊቲካዊ መርገጺ ዝመበገሲኦም ፍልልያት፡ ብሰሪ ጉድለት ዓቕሚ ኣፈታትሓ ግጭት፡ ኣድላይነት ናብ ዘይነበሮ ኲናት ሕድሕድ ተኣትዩ፡ እዛ ሃገር ህይወት ሓያለ ዕሸላት ደቃ ከምዝኸሰረት፡ ሕሉፍ ታሪኽና ዝሰነዶ ዘሕዝን ሓቂ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን እንተኾነ፡ ብዘይካ ሒደት ሓያለ ካብ ነባራት ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ነበር፡ ናብዛ ሃገር ዘይኣተው ከምዘለው ኣይዘንጋዕናን። ኣብቲ ከነቚሞ እንውጥኖ ዘለና ቅዋማዊ ስርዓተ-ምሕደራ ንምስታፍ፡ ብጥርኑፍ ይኹን ብውልቂ ክኣትውን፡ እጃሞም ከበርክቱን ድላይ ንዘለዎም፡ እቲ ባብ ወትሩ ርሕው ምኻኑ ክሕብር እፈቱ። ብዘይካ እዚ፡ እቶም ብሰሪ ምንዋሕ ግዜ ምጥያስ ተማሪሮም፡  ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተሰዱ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ መንእሰያትና፡ ዓዶም ክምለሱን፡ ኣብ ቊጠባዊን ፖሊቲካውን ዳግመ-ሕውየት እዛ ሃገር ብምስታፍ፡ አእጃሞም ከበርክቱን መጸዋዕታይ የቕርብ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ከምቲ ቤት ብዘይ ዓንዲ፡ ሃገር’ውን ብዘይ መንእሰይ ቀጻልነታ ክውሓስ ኣይክእልን። ኣተኣታቲናዮ ዝጸናሕና ደረት-ኣልቦ ወተሃደራዊ ዕስክርና፡ ኣብ መንእሰያትና ተስፋ ናይ ምቊራጽ መንፈስ ኣሳዕሪሩ፡ ኣፍራዮ ዕድሚኦም በሊዑን ኢዩ። ብፍላይ እኳ ደቀንስትዮ ክወልዳሉን ክዘምዳሉን ዝግብአን  ዕድመ ሓሊፍወን፡ ናይ ፍርያምነት ዕድለን በኺኑ ዝተረፈ ሓያለ ኢየን። መንእሰያትና፡ ክብደት እቲ ዝኸፍልዎ ዘለው ረዚን ዋጋ እንተዝልካዕ፡ ንዕኡ ዝድብስ ሞሳ ኣምበይ ምተረኽበን። ካብ ማሙቕ ቤቶምን፡ ሓዳሮምን ንነዊሕ ግዜ ተኣልዮም ከብቅዑ፡ ሕጅስ ይኣኽለና ደኺምናን ሰልኪናን እንከይበሉ፡ ብዘይ እኩል ዓስቢ፡ ነዛ ሃገር ኩለንትንኦም ከምዝወፈዩ ንኹላትና ግሁድ ሓቂ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እምበር፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ዋሕዚ መንእሰያትና ንስደት ኮይኑ ዘሎ፡ እቲ ክንክተሎ ዝጸናሕና ደረት-ኣልቦ ግዱድ ዕስክርና፡ ዝፈጠሮ ኣሉታዊ ሳዕቤን ምኻኑ ብምግንዛብ፡ ደረት ግዜ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ናብ ንቡር ከምእተመልሰ ክሕብረኩም እፈቱ።

ቀጻልነት ህላዌና ንምውሓስ ኣብ እነካይዶ መኸተ፡ ኣብ ናይ ምክልኻል ወተሃደራዊ ዓቕምታትና ምትእምማን ክህልወና ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ዲፕሎማሲ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ መፍትሒ ግርጭት ጌርካ ምውሳድ ግን፡ ዝቐርዓወ ስልቲ ኢዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እምበኣር፡ እቲ ኣስታት 20 ዓመቱ ክተምም ቀሪቡ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ንምዕራፉ፡ ኩሉ ዝከኣለና ቅሩብነት ጌርና ከምዘለና ከበስረኩም እፈቱ።

ህዝብታት ክልቴአን ሃገራት ዝኸሰርዎም ዓበይቲ ዕድላት ሓባራዊ ምዕባሌን ብልጽግናን፡ ከም ሕማቕ ታሪኻዊ ተረኽቦ ተወሲዶም፡ ኣብ ሃናጺ ጽምዶ ብምእታው፡ ዝተፈጥረ በሰላ ንምሕዋይ ዘይጽዓድ እምንቶን ድሌትን፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ምኻኑ እኣምን። ብምምሕያሽ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት፡ ብዓቢኡ ንሕና ከምእንጥቀም ግን፡ የዋህ ዝግዘቦ ሓቂ ኢዩ። እቲ ቅድሚ ምብራዕ ኲናት ዕሙር ወደባዊ ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ክልቲኡ ወደባትና፡ ኢትዮጵያ ክትጥቀመሉ እንተደልያ ከነሐድሶን፡ እዚ ድማ ንሓያለ እቶም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝጣየሱ መንእሰያትና፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ከምዝፈጥር ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብዘይካ’ዚ እቲ ካልእ ንህዝብና ኣዝዩ ኣሸጊሩ ዘሎ ጉዳይ፡ ድሩት ዓቕሚ ቀረብ ጸዓት ኢዩ። ካብ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ናይ ተሓድሶ ግድብ፡ ብሕሱር ዋጓ ብምዕዳግ፡ ዝበለጸ ኣገልግሎት ጸዓት ክንቅርብ ከኽእለናን፡ ንብሕታዊ ቁጠባዊ ጽላትን ወፍርን ዘተባብዕ ሃውህውን ክንፈጥር ዝድርኽ ኣጋጣሚ ኢዩ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ናይዛ ዝሓለፈት ዓመት፡ ሓድሽ ባጤራ ናቕፋ ብምትእትታው፡ ንዘይሕጋዊ ሸርፊን ቅርሰናን ኣብ ምግታእ፡ ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ተገንዚብና ኣለና። ይኹን እምበር፡ ካልእ ጎድናዊ ኣሉታዉ ሳዕቤናት ኣይነበሮን ክበሃል ግን ዝከኣል ኣይኮነን። ህዝቢ ብሰሪ ሕጽረት ዝርግሐን ቀረብን ባጤራ ይጽገም ከምዘሎ ብምርዳእ፡ ኣራሚ ስጉምቲ ክንወስድ ጀሚርና ከምዘለና ክሕብር እፈቱ።

መንግስትን ግንባርን ክሰርሕሉ ዝጸንሑ ምእኩል ኣገጋብ ምሕደራ ዕዳጋ፡ ዋጋታት ኣብ ምርግጋእ እኳ ዘይንዓቕ ግደ እንተነበሮ፡ ከቢድ ሕጽረት ቀረብ ብምኽታሉ ግን፡ ዘላቒ ፍታሕ ኮይኑ ኣይተረኸን። ካብዚ ሕሉፍ ተመኲሮ እዚ ብምምሃር እምበኣር፡ ዘይምእኩል ኣገባብ ቁጠባዊ ምሕደራ ከምዝድፍኣሉ ብምግባር፡ ንብሕታውያን ነጋዶን ኣውፈርትን ከነተባብዕ ብልዑል ቅሩብነት ኪንሰርሓሉ ጀሚርና ከምዘለና ከበስረኩም እፈቱ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ንኹሎም እቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ሰብ ርእሰ-ማል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ተዋፊሮም ዝርከቡ ዜጋታትናን፡ ዓዶን ብምእታው፡ ተጠቀምቲ ናይዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዕድላት ወፍሪ ኪኾኑ፡ መጸዋዕታይ ከቕርበሎም እደሊ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት፡ ክንድ’ቲ ክንከዶ ዝወጠናዮ ዝላ ከይንስጒም፡ ብዘጋጠሙና ግዳማውያንን ዘቤታዉያንን ተጻብኦታት ከምዝተጎናደበን፡ ሓያለ ዕድላት ከምዝተኸስሩን ምእማን ምኽኑይ እመስለኒ። እንተኾነ፡ እቲ ዝሓለፈ መድረኽ ከም መምሃሪ ተወሲዱ፡ ድኹምን ድልዱልን ጎድንና ገምጊምና፡ ጉድለታትና ኣሪምና፡ ሓያል ጎድንና ዓቂብና፡ ዕቱብ ህዝባዊ ተሳትፎ ማእከል ዝገበረ ልምዓታዊ መደባት ቀይስና፡ ብኣውርኡ ድማ ንመንእሰያትና፡ ናይ ትምህርትን ስራሕን ዕድላት ኣብ ምፍጣር ከቢድ ዕማም ይጽበየና ኣሎ።

ልዕልን ቅድምን ኩሉ ግን፡ እቲ ከነተኣታትዎ ጀሚርና ዘለና ሱር-ነቀል ጽገናዊ ለውጢ፡ ብዘይ ዕዙዝ ተሳትፎ ውዑይ ሓይሊ መንእሰይ ወለዶ፡ ክውን ክኸውን ስለዘይሕሰብ፡ በብእብረን ደረጃን፡ መንግስታዊን ውድባውን ስልጣን፡ ናብ መንእሰይ ወለዶ ብምስግጋር፡ እቶም ኣብ ዓዲ ሱሳታትን ሰብዓታትን ዕድመ ረጊጽና ዘለና፡ ጥሮታ እንወጸሉን እነዕርፈሉን እዋን ከምዝኾነ፡ ባህሪ ዘዘኻኽረና ዘሎ እመስለኒ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እምብኣር፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ልዑል ኣካዳምያዊ ብቕዓት ዝደለቡ ዜጋታት፡ ዓድኹም ክትኣትውን ሃገርኩም ኣብ ምህናጽ መሪሕ ግደ ክትጻወቱን፡ ሃገራዊ ጻውዒተይ ከቕርበልኩም እደሊ። ናጽነት ክውን ዝገበረን ንምዕቃቡ ከይተሓለለ ክሰርሕ ዝጸንሐን ወለዶ፡ ድሮ ሓደ እግሩ ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ’ዩ እሞ፡ ርህውትን ብልጽግትን መጻኢት ኤርትራ ክውንቲ እትኸውን፡ ሕድሪ በጃ እዛ ሃገር ዝሓለፉ ሰማእታት ተሰኪምኩም፡ ግቡእ እጃምኩም ከተበርክቱ ምስ እትጅምሩ ጥራሕ ኢዩ።

ዘይከይድ ነይዕንቀፍ፡ ዘይሰርሕ ነይጋገ ከምዝበሃል፡ ብሰሪ ጉድለት ዓቕሚ መንግስትን ግንባርን ጌጋታት ክፍጸሙ ከምዝጸንሑ ምግላጽ፡ ንቀባሪ ምርዳእ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን። በዚ ኣጋጣሚ እምበር፡ ኦ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ በዳሊ ተረስዐ ተበዳሊ ኣይርስዕን እዩ እሞ፡ እቕሬታ ክንሓተካን፡ እትጸባጸበና እንተልዩካ እውን፡ ካብ ብርክኻ ዝወጻና ደቕኻ ኢና እሞ፡ ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዝምዕዶን ዝግስጾን፡ ንእትህበና ውሳነ ብጸጋ ኣሜን ኢልና ከም እንቕበል፡ ቃል ክንኣትወልካ ንፈቱ። እዛ ሃገር ብገንዘብ ወይ ብወርቂ ዘይኮነ፡ ቀያሕቲ ደቕኻ ብምኽፋል ኢኻ ጨቢጥካያ እሞ፡ እቶም ዝተረፉ ደቕኻ’ኳ ዘይነብሩላ ሃገር እንዳኾነት ክትከይድ ግን ሃየንታ ኣለዎ እሞ፡ እቲ ምሕደራ ካብ ፈቲና ካብ ዘይክኣልናዮስ፡ ደጊም በተረ-ስልጣን ናትካ ኢዩ። ድሕሪ ደጊም’ውን፡ ኣብ ልዕሌኻ ዝጉይትት ልዕሊና ሕጊ እምበር፡ ማንም ዓኻይ ኣይክህሉን ኢዩ።

ደጊመ ርሑስ መዓልቲ ናጽነትን፡ ጽቡቕ ጅማሮ ሓድሽ መድረኽን ቅዋማዊ መንግስትን ይግበረልና።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን ንሰማእታትና፡

ቅሳነት፡ ፍትሒን ደሞክራስን ድማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን።

እዚ ነቲ ናይ ሕልሚ ፕረዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው ሓቀኛ ለውጢ ንኽመጽእ ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኦም ስጉምትታት ኣብ ግምት ብምእታው ዝቐረብ ናይ ፈጠራ መደረ ኢዩ።

ኣዳላዊ፡ ቴድሮስ ኣብርሃም

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
66 COMMENTS
  • asmeret May 21, 2016

    attractive and interesting article.until i saw the name of the writer,my heart was full of joy and happiness, but at the end i can’t stop tearing.i am very sad and said stuppid man

  • Mehariseare May 21, 2016

    እዝግኣቢሀር ተመነ እዩ ዝበለ እሞ ናይ ብሓቂ ቃል እስያስ ኮይና ክትመጸና ኣምላክ ይሓግዝ
    ከመይ‘ከ ተሓጊሰዮ ዝነበርኩ መስለኩም
    ብዝኮነ ግን ሓንቲ መዓልቲ እዛ ሕጊ እዚኣ ኣብ ሃገርና ኩውንቲ ከም ትከውን ኣይጠራጠርን እየ
    ርሑስ በዓል ናጽነት
    ዘልልኣለማዊ ዝክርን ክብርን ንስውኣትና

  • ፍጹም አጽብሃ ፎቶ May 21, 2016

    ናይ ብሐቒ መድረኽ ዝጠልቦ ኩሉ መዳያዊ መደረ ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ አራትራ።
    ቅድሚ ሕጚ ሐኝቲ ጥቕሲ ጽሒፈ ንይረ ክደግማ” ድፍረት ዘይብላ ብርዒ ወረቐት እንተዘይ ጽየቐት ትሐይሽ” ማለት እዝይ እየ።
    ካብ ንዊሕ ተመኩሮ ህዝቢ አራትራ መደረ ፕረሲደንት እንቢብካ ዝሕለፍ ዘይ ኮንስ ደጋጊምካ ብዕሙቀት ቃል ንቃል ክድህሰስ ከሎ ራዚን መልእኽሪ እዩ ዝሓቁፍ።
    እዚ ናይ ጽንብል 25 ዐመት ብሩራዊ ኢዮበልዩ ምስ ራዚንን ተባዕ መግለጽን ፕረሲድንት ኢሳያስ አፈወርቂ ድርቭ ናጽነት የቭሎ።
    እዚ ኩለ መዳያዊ መግለጺ ፕረሲድንት ሃገራ አሪትራ” ብድፍረት ዘለዋ ብርዒ” እዩ ተኽቲሙ።
    ክም ሃገራዊ ተመኩሮና ንተግባራዊነቱ ምንጋስ እዩ እቲ ዕድመ።
    ዝሐለፉ መድረኻት ሚሂሮምና ዝሐለፉ መግለጹ ፕረሲደንት ኢሳያስ መዘኻኽሪ ዘድልዮም እይኮነን።
    ንኹሎም እብ ውሽጥን እብ ወጻእን ትርክቡ አሪትራውያን በዚ አጋጣሚ ርሑስ 25 ዓመት ብሩራዊ አዮበልቱ እናበልኩ ብተወሳኺ ነዚ ተባዕን ሐቀኝን” እንኮ”መተካእታ ዘይርክቦን ጽኑዕ ክም አምኒ ዐረ ጻዊዒቲ ብምኽባር ናብ ተግናራውነቲ ክናተኩር ይዕድም።
    ክቡር ዝኽሪ ንስማእጣትና

  • kibrom May 21, 2016

    where do you wont him to go this guy already his hand is full of blood. you foolish Eritrean if you don not fight for your freedom you will wait another quarter century and by that time you will be dismissed from the planet or no more the name of Eritrea.
    by the way all those political prisoners they are already 90% of them passed away to whom do you wait do not be Gold digger guys the main thing come together and fight to weep out the group genocide res regime don”t bullshit yourself young Eritrean heaven is in your hand Don”t expect another heaven from Isays unless if you Expect grates destruction.

  • Wedi meriet May 21, 2016

    This will never happen

  • ሓጎስ ሓድጉ May 21, 2016

    እዋይ ኣንታ እዚ ጋኒን ማይበለው ከምዚ ሓሳብ ወላ እንተዝብሎ ልዕሊ ህዝቢ ኣብ ትጽቢትን ብህሎታቱ እናተዘናግዐ ዕድመ ስልጣኑን ደቂ ጃንዳኡን ከውስክ ዝመጽእ ለውጢ ኣይምተራእየን

  • ኣርዓዶም ኣርኣያ May 21, 2016

    ወዲ ተምቤን ናብ ተምቤኑ፡ ወዲታ መሬተይ ከኣ ናብ መሬቱ ደኣ።
    ሕጂኸ እንታይ ኮን ዚተረፎ ሃልዩ እዩ፡ ከምዚ ኣቢልኩም ዘዛረብኩሞ?

    መሳፍንቲ ትግራይ ንራእሲ ወልደንኪኤል ሓንሳብ’ዮም ቀቲሎሞም። ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ከምኡ፡ እዚ ዕዋላ ወዲ ሓወቦኦም፡ ሓሳብን ንሓዋሩን ቀቲሊዎ እዩ።

    ኣይትሓዙለይ ደኣምበር፡ ትንሳኤናስ ካብ እግዚኣቢሄር’ዩ። ካባይ ጀሚርኩም፡ ኣብ ኤርትራ ሰብእይ ስለዘየሎ ኢና፡ ሓለምቲ ከምሓውና በዚሒና ዘሎና።

    ተበራበር ቴድሮስ ካብ ሕልምኻ!

    ሰብኣይ’የ፡ ነባሪ ታሪኽ ሰሪሐ ክሓልፍ እደሊ’የ፡ ዚብል እንኮ ኤርትራዊ እንተሎ ከኣ፡ በታ ዚረኽባ ዕድል ተጠቂሙ፡ ነዚ መንሽሮ ሃገርና ዚኾነ፡ ደም ብሉጻት ኣሕዋትና ዚሰተየ፡ ዚሰቲ ዘሎን ንመጻኢውን ኪሰቲ ሸረኻቱ ኣብ ምዝርጋሕ ዚርከብ ዕዋላ ዓርኪ ጠንቆልቲን መውድውቕቲ ዛዓጎላትን የጥፍእ ደኣ።

    በቃ፡ ንሳያ እታ እንኮ ፍታሕ!

  • ኣርዓዶም May 21, 2016

    ኣታ ተድሮስ የህሪፍካና፡ ሽምካ ከይርኣኩ፡ ናይ ብሓቒ መደረ ኣቶ ኢሳያስ መሲልኒ ብተመስጦ ክነቦ ጸኒሔ፡ ኣይገርመካን፡ ኣብ መወዳእትኡ ብድሌትካ ንስኻ ዝጽሓፍካዮ ምስ ተረዳእኩ፡ እንቍዕ ኣብ ቕድመይ ኣይጸናሕካ፡ ምናልባት በቲ ዝተሃራረፍካና ብሕርቓን መጉሰጥኩካ፡ ክክክክ

    • AHMED SALEH !!! May 21, 2016

      Aradom
      Tedros good will wishes reflects every Eritrean dream . I don’t think
      words of wisdom and advice should offend people of interest .
      Who knows if Issayas and cronies read the article it might send them
      important message to ask forgiveness at last days in life expectancy.
      The whole point is about human weakness to admit made mistakes and
      repent for your own good on time before it became too late . Most of
      HGDF officials know well they will not stay around that long and like
      others in same age should frequently visit mosques or churches .

  • Mussie May 21, 2016

    nzezatewe dea kwht kemamelu
    nalem zedanagr kalat dea meas zeyrleflefe
    nhzbi Eritrea 2 sae ktetallo aytkeln ekha tray belwo.
    ezi kalatzi nbat hargex elna ena nhalfo.
    gebenegna kab meas nabhgi yqerb entrfo kab higi khadm . Kab higi kthadm do aykonkan G 15 nhadenkayom .
    Ezi zereba ezi ” Neritrawi enda mehalka nderho ekhli enda habka” nay hawbokha raesi alula u . tray belwo hasawi tembenay !!!!!!

  • ሸቃ ገብርኣብ ወለማርያም May 21, 2016

    ጽቡቕ ሕልሚ ሓሊምካ ቴድሮስ ወዲ ሓወይ! ንኸምዚ ዝዓይነቱ ፈጠራ፡ ሕልሚ ደርሆ ወይክኣ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ኢና ንብሎ።ገለ ደቂ ገርሂልባ ከይደናገሩ ግና መጠንቀቕታ ምሃብ ከድሊ ኢዩ።
    ኣቱም ሰባት! እምበርዶ ኢሳያስ እንታይ ዓይነት ሰብ ከምዝኾነ ይርድኣና ኢዩ? ኢሳያስ እኮ ቁርጽ ሰይጣን ጥራሕ ዘይኮነስ ሓልቓ ሰይጣን ኢዩ፡፡ ሓደ ሰብ ዘስሓቐኒ ክነግረኩም፥
    ስይጣን – ክቡር ፕረዚደንት ኢሳያስ ክረኽበካ ስለዝደለኹስ በጃኻ ቆጸራ ሃበኒ፡፡
    ኢሳያስ – ክቡር ሰይጣን፡ ዝለዓለ መዓርግ ዘሎኩምሲ ንዓይ ክትረኽቡኒ ደሊኹም? እነድኣ ኣባኹም ዘሎነ ኣምልኾት ገደብእክዋ ዘይርከቦ! ኣነ ኣብዝጠዓመኩም ጊዜ ክንራኸብ ድሉዊ ኢየ።
    ሰይጣንን ኢሳያስን ኣብ ቆጸራኦም ይራኸቡ፡። ኢሳያስ ተደፊኡ ኣግሪ ሰይጣን ክስዕም ኢሉ ንቕድሚት ይውርወር፡፡ ሰይጣን ሰንቢዱ እንዳድሓርሓረ ከምዚ ይብል፤ ^ክቡር ፕረዚደንት፡ ኣነኮ ሓለቓ ሰይጣናት ስልዝኾንኩም እከይ ግብሪ ካባኹም ክምሃር ኢለ ኢየ ክረኽበኩም ዝደለኹ። ኣነድኣ ክንዲ ናትኩም ሓይልን ክእለትን ኣበይ ረኺበዮ^!፡፡ እሳያስ ከም ከበሮ ይውጠር፡ ንሰይጣን ከኣ ከምዚ ኢሉ ይእዝዞ፣ ^ተሓጋገዝቲ ክህበካ ኢየሞ መጀመርያ ነዞም ኤርትራውያን ዝብሃኡ ህዝቢ ኣጥፍእዮም፡ ድሕሪኡ ነዛ ኤርትራ ትብሃል ሃገር ንኢትዮጵያ ከረክባ ኢየ፡፡ ሽዑ ኢዮም ኢትዮጵያውያን ንዓይ ኣሚኖም ሃጸይነት ዘረክቡኒ^፡፡
    ትረዲኢናዶ? ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ብደም ኤርትራውየን ዝተጻወተ ኢሳያስ ያኢ ምሕረት ክሓትት!!
    ኣይትለዓልንዶ ጎበዘ ኣይትለዓልንዶ – ጥራሕ ኢዩ ዘድሊ። ኣይትዓሽዉ ኤርትራውያን፡ ከምኣቦታትኩም ሰብኡት ኩኑ፡፡ እዚ ኣብ ጠረጴዛ ኾንካ ምውርዛይ ይትረፍ – ናብ ግብሪ ገስግሱ።
    ወይ ኣነ ሸቓ! እርጋን እንደሞ ኣርኪባትኒ – እምበር መርኣኹኹም ኔረ።

    ኣቦኹም ሸቃ ገብርኣብ።

POST A COMMENT