Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መኣዲ ስድራ ቤት ናፊቀ- ካብ ዓበይቲ ርሒቀ

ኣብ እዋን ንእስነተይ፡ ኣብ ትሕቲ ስድራ ቤተይ እንከለኹ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ካብ ኣእምሮይ ዘይሃሳ ኣምራት፡ ኣብ ግዜ መግቢ ተባሪኽካ ምብላዕ፡ ኣብ እዋን ሃንሰ- መስቀለ ሆየ ሆየን ዓኾዃይ ዓኾዃይን ከምኡ’ውን ካብ ዓበይቲ ሰባት ጽውጽዋይ ምስማዕን’የን። እዘን

ኣብ እዋን ንእስነተይ፡ ኣብ ትሕቲ ስድራ ቤተይ እንከለኹ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ካብ ኣእምሮይ ዘይሃሳ ኣምራት፡ ኣብ ግዜ መግቢ ተባሪኽካ ምብላዕ፡ ኣብ እዋን ሃንሰ- መስቀለ ሆየ ሆየን ዓኾዃይ ዓኾዃይን ከምኡ’ውን ካብ ዓበይቲ ሰባት ጽውጽዋይ ምስማዕን’የን። እዘን ሰለስተ ንዓቢዪ ክፋል ህዝብና መንነትን ባህልን ዘንጸባርቃ ልምድታትን ወግዒታትን፡ ኣብ ስደት ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ዝፈትዋ ሃገረይ ሕቆይ ካብ ዝህብ፡ ካብተን ብልቢ ዝናፍቀንን ዝብህገንን ዝኽርታት’የን። ኣብዚ እዋን’ዚ እቶም ብዕድመ ዝነኣስና ኣብ ስደት ክንቅመጥ እንከለና፡ እቶም ሰብ ጸጋ ዕድመን ኣብ መዋእል ህይወቶም ተሞኩሮ ዝደለቡን ግን ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ብድኽነት ጽምዋን ሕማምን ተኸቢቦም’ዮም ዝነብሩ ዘለው። ሎሚ ዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ፡ ከም ቀደም ብደቆም ደቂ ደቆምን ጎርባብቶምን ተማእኪሎምን ተኸቢቦምን ጽውጽዋይ ዝነግሩዎ ሰብ ዳርጋ የለን። ናይ ቀደም ሰባት፡ ቆልዑ ኣኪቦም ጽውጽዋይ ክነግሩን ክትርኹን እንከለዉ፡ ንምስሓቅን ንምዝንጋዕን ጥራይ ኣይኮኑን። ብጽውጽዋይ ኣቢሎም ብዛዕባ ስነስርዓት፡ ጅግንነት፡ ሃገራውነት፡ ቅንዕና፡ ድፍረት፡ ሓጥያት፡ ኣኽብሮት፡ ሃይማኖት፡ ህርኩትና ዝኣመሰሉ ጉዳያት’ዮም ናብ ዝዓብዮ ቆልዑ መልእኽቲ ዘመሓላልፉ።  ዘበን ብጥዕሙ፡ ኣብ መርዓ፡ ዓመታዊ ንግደት፡ ሃይማኖታዊ በዓላት፡ ዝክርን ካልእ ኣጋጣሚታትን፡ ስድራቤት፡ ጎረባብቲ መዛኑን ኣዕሩኽን ተኣኪቦም፡ ብላዕ ወስተ ይበሃሃሉ፡ ናይ ሕሉፍን መጻእን ምቁር ዕላልን ጭርቃንን ይለዋወጡ።

ኣብ ሃገርና መግቢ ንምብላዕ መኣዲ ክቅረብን ስድራቤት ብኽቢ ኣብ ቅርጫት ወይ መሰጣሕ ክዓስል እንከሎን ምንጪ ልግሲ፡ ፍቅሪ፡ ሓልዮት፡ ምክብባር። ሓድነት ስነ ስርዓትን’ዩ። ስድራ ተኣኪባ ክትምሳሕ ወይ ክትድረር እንከላ ጽምኣን ጥሜታን ንምዕንጋልን ንምርዋይን ጥራይ ኣይኮነትን። ስድራ ነቲ ኣብ ቅርጫት ወይ መሰጣሕ ሽሓኒ፡ ሞሶብ ዝተቀረበ መግቢ ክትቋደስ እንከላ፡ በቶም ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ወይ መራሒ ሃይማኖት ጸሎት ይግበር፡ ይባረኽን ምብላዕ ይጅመርን። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ “ዝብላዕን ዝስተን ኣይትኽልኣና፡ ሰላም፡ ጥዕናን ፍቅርን ሃበና” ብምባል መኣዲ ይለዓል። ኣብ ገለ ከባቢታት ሃገርና’ውን ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ እንተዘይሃልዩ፡ ዕብይ ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ይባርኻ’የን። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ግን፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪ 1994፡ ክብርን መዓርግን መበቆላዊት መኣዲ ስድራቤት እናፈረሰትን እናሃሰሰትን መጺኣ። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝባዊ ደገፍ ዘይብሉ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ኣወጀ፡ መንእሰያት ካብታ ምውቅቲ ስድራቤት ተፈልዮምን ወግዒ መኣዲ ናይ ገዝኦም ስኢኖምን።  ካብኡ ዝበኣሰ፡ ስርዓት ህግደፍ ግዕዘይን ጨካንን ምምሕዳሩ እናኸረረ ምስከደ፡ ድኽነት፡ ማእሰርቲ፡ ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ናህሪ ሃለኽቲ ኣቁሑት፡ ዋሕዲ ዝዓዪ ጉልበት ሰማይ ዓሪጉ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ተስፋ ስለዝቆረጹ ካብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ምልፋዕ ብዘይ ክፍሊት፡ ማእሰርቲ፡ ካብ ድኽነት ክናገፉን ስድራቤቶም ክሕብሕቡን ዝፈትውዋ ሃገሮም ራሕሪሖም ተሰዲዶም።

ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ህላወን ወግዕን መኣዲ ጥራይ ዘይኮነት ጠፊኣ፡ ጥምርትን ምውቅትን ስድራቤት’ውን ፋሕ ጭንግራሕ ኢላ’ያ። ኣብ ገሊኡ ስድራቤት መኣዲ ዝባርኽ ውላዲ ወይ ብዕድመ ዝደፍአ’ኳ እንተሎ፡ ዝባረኽን ዝብላዕን መግቢ ግን የለን። ኣብ ገሊኡ ድማ ትባርኸሉ ውላድካ ወይ ደቂ ደቅኻ የለዉን፡ ናብ ስደት ተዓዚሮም። ኣብ ገለ’ውን ቆልዓ ሰበይቲ በይኖም ስለዝተረፉ ዝባርኸሎም ኣቦ የብሎምን። እቲ ካብ ስደትን ኣገልግሎትን ዝተረፈ ኤርትራዊ’ውን፡ ብሰሪ ስርዓት ህግደፍ ስልጣኑ ንምሕላው ዘተኣታተዎ ፈላላዩ ሜላታትን ብሕመቅ ህዝብናን፡ ኣብ መንጎ ቤተሰብን ኣዕሩኽን ፍቅርን ምትእምማንን ከምዘይሰፍን ኮይኑ’ሎ። ቀንዲ ዕላማ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘዋፈሮም ፈተውቲ ነብሶም ተጸናጸንትን ግሩሃትን፡ ነቶም “ፍትሒ ይንገስ” ኢሎም ንጽቡቅ ህዝቢ ኤርትራ ኣፎም ዝኸፈቱ ዜጋታት፡ “ከድዓትን ዘይሃገራውያንን” ዝብል ስም ብምጥማቅ፡ ንቡር ህይወት ኤርትራዊ ንምዝራግን ህዝቢ ኤርትራ ሰሚሩ ቀዳምነታቱ ኣነጺሩ ንመሰሉን መንነቱን ንኸይቃለስ ብኣጋ ንምቁጻይን’ዩ። እቲ ብጉልባብ ምምሕዳር ዓዲ፡ ከባቢ፡ መንእሰያት ህግደፍ፡ ማሕበር መንእሰያትን ደቂኣንስትዮን ተወዲቡ ዝካየድ ግሁድን ሕቡእን ሃሱሳዊ ንጥፈታት፡ መን ካብ ወጻኢ መጺኡ፡ መን ሃገራዊ ኣገልግሎት ይምልከቶ፡ መን ኮብሊሉ፡ መን ካብ ኤርትራ ክውጽእ ይሓስብ ኣሎ፡ እርይ ቁጽር ኣቢሎም ጸብጻብ ናብ ትካላት ስለያ ህግደፍ የመሓላልፉ። በዚ ከኣ ህዝብና ኣብ ክንዲ ናብ ቀዳማይ ጸላኢኡ ህግደፍ ዘተኩር፡ ኣብ ንሓድሕዱ ይቀሓሓር፡ ምትእምማንን ሕውነትን የጥፍእ። ሰንካም ኣሰራርሓ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝዝውተር ዝነበረ ሜላ ገረብ ብሓኽላ’ዩ ዘዘኻኽረና።

ኣብ ዝዓበኹሉ ዓዲ፡ ኣብ ጎረቤትና፡ ኣደይ ለተብርሃን ዝበሃላ ሓንቲ ካብተን ወርጠበ እንከለኹ ዓመት መጸ “ዓኾዃይ-ዓኾዃይ ቁራዕ ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ” እናበልኩ፡ ብስራት ምውጻእ ጥሜትን ህሮሩማ ክራማትን ከምኡ’ውን ምጅማር ሓድሽ ዓመት ግእዝን ምሽዋት ዘራእትን ዝገልጽ ኣብ ኣፍደገ ገዝአን ብርሃን ሽግ ዘስግረን ዝነበርኩ ወረጃ ኣደ’የን። ን20 ዓመታት ድምጸንን ምቁር ዕላለንን ጠፊኡኒ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕድመ ንስነ ኪነት፡ ብናይ ኢድ ተለፎን ረኺበየን። እቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝፈልጦ በሊሕን ነጎድጓድን ድምጸን፡ ናይ እርጋን ምልክት ድኹምን በቲ ካብ ኣፈን ዘውጽእ ቃላት ስጡም ደርጊ ስነን ከምዝተጓህመመ ዝሕብርን’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ብናይ ጎረባብትና ቆልዑት ከም ንግስቲ ንህቢ ተኸቢበን  ዘዘንትዋልና ዝነበራ ጽውጽዋይ፡ ኣዝግነኒ፡ ሕንቅልሕንቅሊተይን ዋዛታትን ግን ኣይተረሰዐን። ብገንዘብ ዘይርከብ ሃብታምንን ዘይምኖን ዕላል ኣደይ ለተብርሃን፡ ፍርቂ ዘበን ንድሕሪት መሊሱ ናይ ንእስነተይ ምቁር ህይወት ስለዘዘከረኒ፡ እቶም መብዛሕቶኦም ብህይወት ዘየለዉ መዛኖይ፡ መልክዖምን ጠባያቶምን ክቀርጾ ፈተንኩ። ኣብ ሃገርና፡ቅድሚ 50 ዓመታት ዝነበረ ኩነታትን ሎሚ ዘሎ ህይወትን ብምውድዳርን ድማ፡ ኣብ ዓሚቅ ጦብላሕታን ምስቁርቋርን ኣተኹ። ‘ነደይ ለተብርሃን፡ ድሕሪ ናይ “ከመይ ኣለኽን” ናፍቆተይ ቃለ ምልልስ ምክያድ፡ “ብቆልዑ ተኸቢብክን ምሸት ምሸት ብወርሕን ኮዋኽብትን ማዕሪግና ጽውጽዋይ ምዝንታው’ከ ከም ቀደምክን’ዶ ተዘውትርኦ ኣለኽን” ኢለ ምስሓተትክወን፡ “ወይለ’ዴኻ እቶም ትወልዱን ዝመሰልኩምን ኣጓብዝ ምስደቅኹም ንዓና ኣጸሚኹም ገሌኹም ስግር ባሕሪ ሰፊርኩምን በረኻ ወፊርኩምን፡፡ ጽውጽዋይ ዝንገሩን ዝኸቡናን ቆልዑ የብልናን፡ ጭሕሚ ሰበይቲ ኮይኖም። ካልእ ይትረፍ ሓሚምና ታኒካ ማይ ዘቀብለናን ንልእኮን ደቂ ደቅና’ኳ ንጋዳ” ኢለን ብጽምዋ ተዋሒጠን ከምዘለዋ መሊሰናለይ። ሎሚ ኣብ ከቢድ ጸበባን ማሕበራዊ ተነጽሎን ዘሎ ወላዲ፡ ብሓቦን ንቀልዓለምን፡ ብዘይካ “በይንና ተሪፍና መኣስ ዲኹም ትመጹና” ምባል፡ ጠሚናን ጸሚእናን’ኳ ዘይወጾ እንተኾነ፡ ጥርንፍቲ ስድራቤትን ወግዕታታን ምስኣኑ ግን፡ እቲ ዝኸፍአ መቅጻዕቲ’ዩ። ኣደይ ለተብርሃን፡ ብዙሕ ዝዕለልን ዝቅሰም ተሞኩሮን’ኳ እንተለወን፡ መስመር ተለፎን ሃንደበት ስለዘቋረጸትን ተደጋጋሚ ክረኽበን ፈቲነ፡ “ዝደወልኩሙሉ ዓሚል ኣይተረኽበን ጽንሕ ኢልኩም ደውሉ” ዝብል ግብረ መልሲ ምስረኸብኩን፡ ነታ “ዝደወልኩሙሉ ዓሚል ኣይተረኽበን ጽንሕ ኢልኩም ደውሉ” ትብል ሰብ፡ ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ፡ ተራጊመ ምድዋል ገደፍክዋ። ምስ ኣደይ ለተብርሃን ናይ 20 ዓመታት ናፍቆትና ከይተወድአ ዕላልና ምኽላፉ ድማ ኣዝየ ሓዘንኩ። ተለፎን ኣብ ኢደን ጨቢጠን ድምጸይ ዳግማይ ክሰምዓ ሃረር ኢለን ክጽበያ ኣደንገጻኒ። ሎሚ እቲ ኣንጸርጺሩን ተስፋ ቆሪጹን ናብ ስደት ዘምርሐ መንእሰይን ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ሰብኣዊ መሰሉ ተገፊፉ ዕድመ ዝደፍአን ኤርትራዊ ኣይጠዓሞን፡፡ እቶም ዝርአን ዝድህሰስን መጽሓፍ ዘይብሎም ናይ ተፈጥሮ ቤት ንባብ ሰብ ጸጋ ወለድና፡ ሓሚሞም ከነልዕሎምን ፍልጠቶም ክንቀስሞን ኣይተዓደልናን። እዚ ዘለናዮ ወርሓት፡ ኣብ መብዛሕትኡ ከበሳታት ሃገርና፡

 ሆየ ሆየ፡ ኣባ ኣብርሃም ጢጡ ክጎዪ ጠሪጡ፡

ሆየ ዘይበለ ካባና ይፈለ፡

ኣጆክን ኣንስቲ ጻዕዳ ጣፍ ለወስቲ፡

ኣጆኹም ቆልዑ ባልዶንጓ ጨልቂዑ፡

ዓመት ንዓመትየ ይድገመና ይዕቆረና፡ እናበልካ ብተስፋን ፍቅርን ልምድታትናን ባህልናን እንገልጸሉ ስለዝኾነ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ነቶም ሰብ ጸጋ ዕድመን ፈላጣትን ወለዲ ድማ ብፍላይ፡ ኣጆኹም ብህጻናት ተኸቢብኩም ዛራ ተመኩሮኹም ናብ ደቅኹምን ደቂ ደቅኹምን ተመሓላልፉሉ፡ ኣብ ዝተቀረብት መኣዲ ስድራቤትኩም ትባርኹሉን ጸሎት ተብጽሕሉን እዋን ርሑቅ ኣይኮነን። ኩልና ኤርትራውያን ድማ ነዚኣ ክውንቲ ንምግባራ፡ ብሓባር ንሰጉም።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 26 ነሓሰ፡ 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT