Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መኣዝኑ ዝሰሓተን፡ ቀላሲ ዝሰኣነን ሓርነታዊ ቃልሲ

ብስም ዚግ-ዚግለር ዝፈልጥ ኣመሪካዊ ተዛራባይ ብዛዕባ መኣዝን (Direction) ክዛረብ ከሎ- “ኩላትና 24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ ግዜ ኣሎና። እቲ ሽግር ስእነት ግዜ ዘይምህላው ዘይኮነስ፡ መኣዝን ምስሓት ኢዩ” በለ። ጆን ማክስወል እውን ብዛዕባ ንፉዕ መራሒ ክዛረብ ከሎ

ብስም ዚግ-ዚግለር ዝፈልጥ ኣመሪካዊ ተዛራባይ ብዛዕባ መኣዝን (Direction) ክዛረብ ከሎ– “ኩላትና 24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ ግዜ ኣሎና። እቲ ሽግር ስእነት ግዜ ዘይምህላው ዘይኮነስ፡ መኣዝን ምስሓት ኢዩ” በለ። ጆን ማክስወል እውን ብዛዕባ ንፉዕ መራሒ ክዛረብ ከሎ “መራሒ ዝበሃል ዝጉዓዘሉ መንገዲ ዝፈልጥን፡ ብኡኡ ዝጉዓዝን ንካልኦት ከኣ ምስኡ ብኡኡ ከምዝኸዱ ዝገብር ኢዩ” ይብል። እቲ ትሕዝቶ ናይ’ዘን ክልተ ጥቕስታት ብግቡእ ምስ እንርደአን፡ እተን ክልተ ወሰንቲ ንዓወት ናይ ሓርነትዊ ቃልሲ ኢየን። ግን ከኣ፡ ኣብ’ዚ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከነረጋግጽ እንካይዶ ዘሎና ቃልሲ፡ ዓበይቲ ብኩራት ወይ ከኣ ጎዲለናና ዘሎዋ እየን። ብኣንጻሩ፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ባህግታት ጠሊሙ ኣብ ገባርን-ሓዳግን ክኸውን ዝበቐዐ ስርዓት ጉጅለ-ህግደፍ፥ ንዕደመ ስልጣኑ ከናውሕ ክብል ከረጋግጾም ዝደልዮም ዕላማታት ኣቐዲሙ ዘጣጥሕን ዝኸዶ መኣዝን ዝፈልጥን፡ ንዕላምኡ ዝመርሕን ዝቕልስን መሪሕነት ስለዘሎዎ ኢዩ። እቲ ኣብ ሕዳር 1971 ብሓልዮት ህዝባዊ ሓይልታት ዝተጻሕፈ “ንሕናን ዕላማናን” ዝብል ጽሑፍ ነቶም ንህዝባዊ ሓይልታት ይኹን ቀጺሉ ንህዝባዊ ግንባር ዘቖሙ ሓይልታትን ተጋደልትን ጠርኒፉ መኣዝን ንከትሕዝ ዝሓገዘ መርሆ ናይ ቃልሲ ክንብሎ ንኽእል። በቲ ኣወንታዊ ሸነኻቱ ምስ ዝርአ፡ እቲ ህዝባዊ ብረታዊ ተጋድሎ መኣዝኑ ንከይስሕት ኣብ ውሽጢ እቲ ግንባር፡ ምስጢራዊ ሰልፊ ብምምስራት ኣብ ናይ ሓባር ዕላማን ራእን፡ ንዝበዝሐ ህዝቢ የዕሲሉ ንጹር ስእሊ ናይ ቃልሲ መንገዲ ተኸቲሉ፡ ሃገራዊ ነጻነት ክውን ንምግባር ዘይከሓድ ኣስተዋጽኦ ነይርዎ። ብኣሉታዊ ሸነኻቱ ክምዘን ከሎ፡ ምስ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ብምልፋን ኣብ ምብትታን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ማለት ኣብ ምብሓት ሰውራ ኤርትራ እውን ዓቢ ተራ ነይሩዎ።

ኣብ ድሮ ሃገራዊ ነጻነትን፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ተጸፍዩ (ተሓቢኡ) ምስ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይሳነ ዕላማ ዝነበሮ ብኢሳያስ ዝምራሕ ጉጅለ፡ ነቲ ምስጢራዊ ሰልፊ ኣፍሪሱ ንራኢ ህዝባዊ ግንባርን ህዝብናን ብምጥላም፡ ናይ ምልኪ መራሒ ጎብለል ኮይኑ ንክወጽእ እውን ኣብቂዕዎ ኢዩ። ኢሳያስ ኣብ ኮረቻ ስልጣን ከጽንሖ ዝኽእሎ ዕላማን ራእን፡ ናይ ዓወት ጎደናን መኣዝንን ወኒኑ መንገዱ ከጣጥሕ ስለ ዝጸንሐ ኢዩ። እቲ ዘዐውቶ ከኣ መኣዝንካ ከይሰሓትካ ነቲ ጸረ-ህዝቢ ዕላምኡ ህዝቢ ብምትላልን፡ ይዕንቅፉኑ ኢዮም ዝበሎም ንናይ ቃልሲ ብጾቱ ብዘይምሕር መንገዲ ብምእላይሓደስቲ እሙናት ደገፍቲ ከምዝስዕብዎ ብምግባርን ንዕላምኡ ነቲ ስልጣን ክብሕቶ ምኽኣሉ ብሃበ-ተረኽቦ ዝተረጋገጸ ኣይኮነን። ንስለያውን ጸጥታውን መሓውራት ብምቁጽጻር ንዝኾነ ከወዳዳሮን ክጻረሮን ዝተበገሰ ኣካል እንዳቐንጸለን፡ ኣብ ትሕቲ ጉድጓድ እንዳኣስፈረን ኢደ-ወነናዊ መራሒ ክኸውን በቒዑ። ከም’ቲ ጆን ማክስወል ዝበሎ፡ ነቶም ከረጋግጾም ዝደልዮም ዕላማታት ዝፈልጥን ንህዝቢ ብከመይ ኣደናጊሩ ህዝቢ ከምዝስዕብዎ ስለዝገብርን ኢዩ። ኢሳያስ እዚ ዓይነት መራሒ ምዃኑን፡ እቲ መላኽነቱ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ዘስዕቦ ዘሎ ሓደጋን ብርሰትን ዕሽሽ ኢሎም በቲ ናይ ኢሳያስ ናይ ምምራሕ ክእለት ተዳናጊሮም ይኹኑ ተመሲጦም ብዙሓት ካብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝድግፍዎ ምህልዎም ዘይከሓድ ሓቅን፡ ዘሕዝን ተርእዮን ኢዩ። ካብ ዝሓለፉ ተሞክሮታት ተማሂርናን፡ ካብ ጽልእን ስምዒትን ወጺናን ሓያልን ድኹምን ጎድኒ ናይ ኢሳያስ ስርዓት ብግቡእ ክንመዝን እንተዘይበቒዕና፡ ህዝቢ ኣብ ሓባራዊ ዕላማ የዕሲልካ ንክንዕወትሉ ዘኽእል መኣዝን ናይ ቃልሲ እንተዘይጨቢና ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ከጸግመና ይኽእል ኢዩ።

ነቲ መኣዝኑ ዝፈልጥን ውሁድ ኣመራርሓን ተሞክሮን ዘሎዎ መላኺ ስርዓት ንክትስዕር፡ ንጹር ህዝቢ ዝዓስሎ ዕላማን፡ መኣዝኑ ዘነጸረ ዘዐውት ናይ ዓወት ጎደናን፥ ካብኡ ንላዕሊ ዝተዓጻጸፈን ዝተወሃሃደን መሪሕነት፡ የድልየካ። ብመንጽር ናይ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ደምበ ተቓውሞ (ደምበ-ፍትሒ) ምስ እንዕዘብ ዕላምኡ ዘይውሁድን ዘይንጹሩን፡ ኣወዳድቡኡ ፋሕ-ዝበለ፡ መኣዝኑ ስሒቱ ዝጉዓዘሉ ናይ ሓባር ናይ ዓወት ጎደና ዘይውንን፡ ብቀዳምነታት ናይ ዕላማታት ዘይሰርሕ፡ ነቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝቕልስ ቀላሲ መሪሕነት ዘይብሉ፡ ናብ ዓወት ከብጽሕ ዝኽእል ስእሊ ኣይኮነን ዘርእየና። እቲ ንኣስታት 27 ዓመታት ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ዘይጥርኑፍ ኣወዳድባን ኣመራርሓን ንረብሓ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ዘገልግል ምንባሩን ምዃኑን ኣሚና፡ ኣብ ዓወት ከብጽሕ ዘየኽእል ኣወዳድባ፡ ግዜን ገንዘብን ጉልበትን ምብኻን ምዃኑ ተረዲእና ብመጽናዕቲ ናብ ዓወት ከብጽሕ ዝኽእል ሓዲሽ ጥርናፈን ኣከያይዳን የድልየና። ብቀዳምነት፡ ንፍትሓዊ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ መኣዝኑ ከነትሕዞን ህዝብና ብሓድነት ክቃለስ ክበቅዕ፡ ህዝብና ብቐሊሉ ክርደኦን ክስዕቦን ዝኽእል ሓባራዊ ህዝባዊ ዕላማ የድሊ። እዚ ከኣ፡ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ህዝብና፡ በዘን ዝስዕባ ክልተ ዓበይቲ ዕላማታት ክጥርነፍ ይኽእል።

  1. ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ’ዚ ተሳጢሖምሉ ዘሎ ሓደጋ ንምድሓን ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን መላኺ ስርዓት ህግደፍ ምልጋስ።
  • ኣብ ትሕቲ ህግደፋዊ ስርዓት ልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ፡ ህዝባ ከኣ ይበታተንን ምህላዉን፡ ኤርትራ ህዝቢ ዘይብላ ሃገር ከይትኸውን ብምስትብሃል።
  • ስርዓት ህግደፍ፡ ኩሉ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ኤርትራ ረጊጹ፡ ኣሽሓት ፖለቲካዊ እሱራትን ዜጋታትን ብዘይ ፍርዲ ኣብ ሕሱም ማእሰርቲ ሓይሩ፡ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ኣብ ሓደጋ ምህላዎም ብምርዳእ።
  • ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰላምን ራህዋን ክነብር፡ ናይ ህዝቢ ዝኾነ፡ ብህዝቢ ዝቐውም፡ ንህዝቢ ዘገልግል ህዝባዊ መንግስቲ ክተክል ክበቅዕ።
  1. ድሕሪ ስርዓት ህግደፍ ምልጋሱ፡ ኤርትራ ብቅዋም እትመሓደር ዲሞክራስያዊት መንግስቲ ንምርግጋጽ ክከኣል፡ ካብ ሕጂ ኣትሒዙ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ተጠርኒፉ ኣወንታዊ ግደ ክገብርን ባይታ ከጣጥሕን ክበቅዕ።
  • ንሰላማዊ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ዝሕግዝ ኣስተዋጽኦ ምግባር።
  • ድሕሪ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ እንደገና ኣብ ምልካዊ መንግስታዊ ስርዓት ንከይወድቕ ዝተጠርነፈ ህዝብን፡ ዝውክሎ ናይ ዲያስፖራ ህዝባዊ ባይቶ ኣቚሙ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝግበር ለውጢ ጸላዊ ዝዓዘዘ ተራን ኣስተዋጽኦን ክገብር ክበቅዕ።
  • ብስርዓት ህግደፍ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጻ ይኹን ንቁጠባውን ማሕበራውን መነባብሮ ዝሕግዝ ቅድመ-ምድላው ብምግባር ኣብ ዳግመ-ህንጻ ሃገር ኣስተዋጽኦ ክገብር ክበቅዕ።

እዞም ዝተጠቕሱ ዕላማታት፡ ንኩላትና ማለት ነቶም ኣብ ምድሓን ሃገርን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ እንብህግን እንቃለስን ክንሰማማዓሎም እንኽእልን ዝግበኣናን ዕላማታት ኢዮም። ነዞም ሓባራዊ ህዝባዊ ዕላማታት ንምዕዋት፡ ሓቢርና ክንቃለስ ከምዘሎና ኩላትና እንሰማማዓሉ ጉዳይ ኢዩ። እንተድኣ፡ በቲ ኣብ ቁጽሪ ክለተ ዘሎ ዕላማ እንተዘይተሰማሚዕና፡ ብዝተሓተ በቲ ዘሰማማዓና ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብና ብምትሕብባር ብህዝባዊ ማዕበል ነዚ ዘሎ ስርዓት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንከልግስ ክንሰርሕ ይግበኣና። እቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ቃልሲ፡ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ህዝቢ ንኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎ ህዝብና ሓጋዚ ተራ ድኣ’ምበር ወሳኒ ተራ የብሉን። እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ዝውስኖን ዝያዳ ዝምልከቶን ጉዳይ ምዃኑ ፈሊጥና ናይ ስልጣን ሕቶ፡ ሰረገላ ቅድሚ ፈረስ ክንሰርዕ ኣይግባእን። ሕቶ ስልጣን ንነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ማዕርነታዊ ናይ መሰል ብጽሒት እኳ እንተሃለዎ፡ ነቶም ኣብ ስደት/ዲያስፖራ ኮይና ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምምጻእ ንቃለስ ዘሎና፡ ብተግባር ስልጣን ንዓና ዝምልከተና ኣይኮነን። ካብ ስደት ከይዱ ስልጣን ንምሓዝ ባህጊ ዘሎዎ ውልቀ-ሰብ ይኹን ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ንኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ኣብ ጎኑ ከየዕሰለን፥ ተግባራዊ ንህዝቢ ዝጠቅም ስራሕ ከየርኣየን፡ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ክሕዝ ዝሓስብን ዝመጣጠር እንተሃልዩ፡ ሕልሚ ጥራሕ ኮይኑ ኢዩ ክተርፍ። ሳላ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ እኹል ተሞክሮ ዝቐሰመ ህዝቢ ኢዩ። ክልተ ግዜ ክርገጽ ኣይከፍቅድን ኢዩ።

ዘሎ መላኺ ስርዓት ንምልጋስን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምርግጋጽን፡ ሓቢርካ ምቅላስ ቅድመ-ተደላይነት ናይ ዓወት ካብ ዝብሃል ዓመታት ሓሊፉ። ንዑኡ ንምምላስ ከኣ፡ ሓያለ ዘይተዓወቱ ፈተነታት ተኻይዶም ኢዮም። እቲ ዘይተዓወትሉ ምኽንያት ናይ ስልጣን ሕቶ ቅድሚ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ስለተሰርዑ ኢዮም። ስለዚ ሕጂ፡ ንሃገርን ህዝብን ከነድሕን ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዕላማታት ንምትግባር፡ ብከመይ ሓቢርና ክንቃለስ ንኽእልን፡ ነቲ ቃልሲ መኣዝኑ ከይስሕት ነቲ ቃልሲ ዝቕልስ መሪሕነት ብከመይ ይወጽእ ዝብል ሕቶ ክንምልሶ ኣሎና። ቃልሲ ብዘይ ቀላሲ መሪሕ ኣካል፡ ክዕወት ኣይክእልን ኢዩ። ብወገነይ፡ ክሳብ ዕለት ሎሚ ካብ ዝቐረቡ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ እማመታት እቲ ክስርሕ ይኽእል ኢለ ዝዓገብኩሉ፡ ኣብተን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ዕላማታት ንምስልሳል ዘተኮረ፡ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ዝዋስኡሉ፡ ንህዝብና ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ህዝባዊ መጋባእያታት ዝዕድም ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ፡ ህዝባዊ ጥርናፈ ኢዩ። እዚ ከኣ፥ ህዝቢ ኣብ ዝነብረሉ ከተማታት ብምጥርናፍ፡ ብወከልቱ ኣቢሉ ኣብ ንኡስ-ዞባውን ዞባውን ህዝባውያን ባይቶታት ብምቛም ይጥርነፉ። እተን ዝቖማ ናይ ዞባ ህዝባውያን ባይቶታት ከኣ ብብዝሒ ዝወከለኦ ህዝቢ መሰረት፡ ወከልተን ኣብ ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ ብምስታፍ ነቲ ሓርነታዊ ቃልስና ዝቕልስ ናይ ዲያስፖራ ኣህጉራዊ ህዝባዊ መሪሕነት ይቐውም ዝብል ኢዩ። ብዛዕባ’ዚ ብዝርዝር ክሳብ 5 ሕታማት ዝኸውን ኣብ ዝሓለፋ 2 ዓመታት ‘ፍትሒ’ ኣብ ዝብል መጽሄት ተጻሒፉ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ተዘርጊሑ ኢዩ።

ካብ ዝሐለፉ ዝተቐሰሙ ተሞክሮታት ምስ እንዕዘብ ሓይለ ፖለቲካውያን ውድባት፡ ብዘሕዝን መልክዑ ንዝተበገሰ ናይ ህዝቢ ጥርናፈ፡ ክስዕበኦስ ይትረፍ ህዝቢ ንከይስዕቦ ብርእዩን ሕቡኡን መንገዲ ንክዳኸም ጎስጓስ ኣካይደን ኢዬን። እዚ ከኣ፡ ምስ’ቲ ቅድም ዘልዓልክዎ ነጥቢ፡ ሕቶ ስልጣን ቅድሚ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ምስራዕ ኢዩ። ሕጂ ብርእይቶይ፡ ነዚ ጸገም’ዚ ንምፍትሑ፡ ዝተጠርነፋ ፖለቲካውያን ሓይልታት፡ ኣብ ዝካየድ ህዝባዊ ምርጫታት ብዝግባእ እንተዘይተወኪለን፡ ኣብ ህዝባዊ ባይቶታት ክውከላሉ ዝኽእለሉ፡ ብዝተጸንዐ ናይ ውክልና ቅዲ ተኸቲልና ምእንቲ ስኒትን ሓድነትን ንዝተወደቡን ዘይተወደቡን ዘማእከለ ህዝባዊ ባይቶታት ዝቖመሉ መንገዲ ከነተኣታቱ ይድግፍ። ከምእውን፡ ብቕዓት ዘሎዎም ኣፍረይቲ ውፉያት ምሁራትን፡ ግዜ ዘሎዎም ንጡፋት ውልቀ-ሰባትን እውን በቲ ዝቐውም ህዝባዊ ባይቶ ኣባላት ባይቶ ዝኾኑሉን፡ መደብ ስራሓት ወሲዶም ኣድማዒ ኣበርክቶ ዝገብሩሉ እውን ክተኣታቶ ነቲ ቃልሲ ሓጋዚ ኢዩ። ኣብ’ዚ ሃገርና ኣትያቶ ዘላቶ ደልሃመት፡ ዝሰርሕን ዘፍርን ሰብ ኢዩ ቀዳምነት ክንህቦ ዘሎና። ሓላፍነት ዝወስድ ሰብ፥ ንክስርሓሉ ድኣ’ምበር፡ ብመልክዕ ስልጣን ተራእዩ፡ ክፈላልየና ዝግበኦ ጉዳይ ክኸውን የብሉን። ኣብ ኩለን ክፍለ-ዓለማት እቲ ህዝባዊ ባይቶታት ማለት ኣብ ሰሜን-ኣመሪካ፡ ኣፍሪካ፡ ኣውሮጳ፡ ኣወስትራልያ፡ ማእከላይ-ምብራቕን፡ ኤስያን ምስ ቆመ ከኣ፡ ብወከልቲ እቲ ዞባታት እቲ ኣህጉራዊ/ዓለም-ለኻዊ ህዝባዊ ባይቶ ቆይሙ ነቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ከምዝቕልሶ ይግበር፡፣ እዚ ህዝባዊ ባይቶ’ዚ ንኩላትና ዘማእክል ኮይኑ፡ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ንክዛረብ ዝኽእል ሕጋዊ ህዝባዊ ውክልና ይህልዎ።

ኣብ መደምደምታ – ሓርነታዊ ቃልስና ክዕወት

  1. ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ዝድግፍዎ (ብዝወሓደ 75% ዝሰመማዓሉ) ንጹር ዕላማ
  2. ነቲ ዕላማ ናብ ዓወት ከብጽሕ ዘኽእል ስትራተጂን ናይ ዓወት ጎደናን
  3. ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ፡ ህዝባዊ ጥርናፈ (ህዝባዊ ምትእስሳር – ከተማ > ንኡስ-ዞባ > ዞባ > ኣህጉራዊ)
  4. ነቲ ሓርነታዊ ቃልሲ መኣዝኑ ከይስሕትን፡ ዘሎ ዓቕምታት ህዝቢ ተጠቒሙ፡ ነቲ ቃልሲ ዝቕልስ ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ የድሊ።

ካብ’ዚ ዝሐሸ ብሓድነት ከቃልስ ዝኽእል እማመ ዘሎዎ ስብ/ኣካል፡ እማመኹም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ከተቕርቡን ቅዳሕ እውን ኢመይል ክትገብሩለይ እላቦ። ብወገነይ፡ ዝያዳ ዝርዝር ዘሎዎ ኣብ መጽሄት ፍትሒ ኣብ ዝሓጸረ መዓልታት ከቕርቦ ክፍትን ኢየ።ካብ’ቲ ኩላትና ዝቐርብ ከኣ፡ እቲ ዝመሓየሽ ኣመሓይሽና ንኩላትና ኣብ ሓደ ዕላማን ስትራትጂን፡ ናይ ዓወት ጎደናን ኣብ ቃልሲ ክጸምደና ዝኽእል ሃገራዊ ጥርናፈ ክንጥርነፍ ንኽእል። ብርእይቶይ፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእስሳር (Eritrean People Network – EPN) እንተበልናዮ ነቲ ህዝባዊ ጥርናፈ ዝገልጽ ስም ኮይኑ ይስመዓኒ። እዚ ጥራናፈ እዚ፡ ንዝተወደቡን ዘይተወደቡን ደለይቲ ፍትሒ፡ በተን ናይ ሓባር ዕላማታት ንምዕዋት ዝጥርንፍ ሃገራዊ ምትእስሳር ይኸውን። ሃገራዊ ምትእስሳር ዝመረጽኩሉ ምኽንያት ንስልጣን ዝሻሞ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ግንባር ከምዘይኮነ ንምሕባርን፡ ህዝብና ብቀሊሉ ንክርደኦ ብማለት ኢዩ። ድሕሪ ምልጋስ ስርዓት ህግደፍ ከኣ ከም ህዝባዊ ሲቪካዊ ትካል ኮይኑ ክቕጽል ይኽእል። ነተን ውሱናት ሃገራዊ ዕላማታት ብመልክዕ ፕሮጀክት ክሰርሕ ዝድለ ዘሎ ሃገራዊ ምትእስሳር ኢዩ። እቲ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ ህዝባዊ ምትእስሳር ናይ ህዝቢ፡ ብሓደ ስም ክጽዋዕ ዝያዳ ኣድማዒ ኮይኑ ይስመዓኒ። ንኣብነት (For Example)

ቦታዊ      –  Local      – Eritrean People Network – Washington DC

ንኡስ ዞባ   –  Sub-Region – Eritrean People Network – Eastern North-America

ዞባዊ       –  Regional   – Eritrean People Network – North-America

ዓለምለኻዊ  –  Global     –  Eritrean People Global Network  (EPGN)

ኣብ ከተማኹም ናይ ህዝቢ ምትእስሳር ንምቛም ድሌት ሃልይኩም ንክትጉስጉሱ ፍቓደኛታት ዝኾንኩም በዚ ዝስዕብ ኢመይል deleyti.fithi@gmail.com ክትረኽቡኒ ትኽእሉ። ብወገነይ፡ ካብ ዝተቐስሙ ተሞክሮትት፡ ዓቕመይ ዘፍቅዶ ሓገዝ ከበርክት ፍቓድኛ ምዃነይ ይሕብረኩም።

ጎይትኦም ኢማም

ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • k.tewolde November 15, 2018

    It is time,it is overtime,we are not here because we lack the raw talent and knowledge to change our situation,it is because we fell into the entrapment and wicked ways of the tyrant,we wounded each other deeply in the process to the point that we became incapacitated to nurse our wounds.The tyrant is doing his victory lap thinking his mission is accomplished,so did so many who preceded him.Lets listen to the voices of reason and join hands and set of the first rumble of avalanche that will bury HGDEF and its tenets for good.

  • Gezae November 16, 2018

    WE DO HAVE TIME EVEN TO SEE YOUR FACES NOT TO ME WITH YOU!!!!!!!!!!! DAMN SO CALLED JUSTICE SEEKERS WHAT SO EVER.
    PDFJ/HGDEF GOVERNMENT FOR EVER!!!!!!!!!!!!!!!!!!

  • Gezae November 16, 2018

    Correction
    WE DO NOT HAVE TIME EVEN TO SEE YOUR FACES NOT TO ME WITH YOU!!!!!!!!!!! DAMN SO CALLED JUSTICE SEEKERS WHAT SO EVER.
    PDFJ/HGDEF GOVERNMENT FOR EVER!!!!!!!!!!!!!!!!!!

    • Gezae November 16, 2018

      COORECTION:

      WE DO NOT HAVE TIME EVEN TO SEE YOUR FACES NOT TO COME & MEET WITH YOU!!!!!!!!!!! DAMN SO CALLED JUSTICE SEEKERS WHAT SO EVER.
      PDFJ/HGDEF GOVERNMENT FOR EVER!!!!!!!!!!!!!!!!!!

      • k.tewolde November 17, 2018

        Gezae,your “coorection” needs correction,you repeating yourself over and over,you can’t even stand the images of your brothers,Dx. acute schitzo-affective psychosis NOS,that is the outcome of indoctrination overload.The cure- the sacred waters of adi halo.We don’t have remedy here for that.

        • Gezae November 17, 2018

          I purposely did it to get attention

  • Gezae November 16, 2018

    CORRECTION::

    WE DO NOT HAVE TIME EVEN TO SEE YOUR FACES NOT TO COME & MEET WITH YOU!!!!!!!!!!! DAMN SO CALLED JUSTICE SEEKERS WHAT SO EVER.
    PDFJ/HGDEF GOVERNMENT FOR EVER!!!!!!!!!!!!!!!!!!

  • Hagherawi November 16, 2018

    “it is because we fell into the entrapment and wicked ways of the tyrant,we wounded each other deeply in the process to the point that we became incapacitated to nurse our wounds.”

    K. Tewelde

    Dear Dr. K. T.,
    You diagnosed the problem very accurately. Would you please prescribe also the right medicine?
    We need a roadmap that ends the era Hgdef shifta .
    Thank you.

    • k.tewolde November 17, 2018

      Hagerawi dearest by now every Eritrean knows what need to be done to end the era of impunity and brutal repression under HGDEF, even my uncle’s donkey from Durfo which just crossed the border.We need to excise and debride the wound clean(HGDEF),pack and dress it meticulously(reconcile,respect and reestablish trust among us),take the full course of the prescribed antibiotic(execute a coordinated and collaborative action together and heal the wound once and for all.),otherwise the wound(nation) will keep on oozing because the offending organism(HGDEF) is still there.

      • Hagherawi November 17, 2018

        Thank you Dr. K. T.
        May God be on our side.
        Amen.

    • Simon G. November 17, 2018

      Hagherawi,
      As soon as we start respecting the enriched potential of our knowledgeable Eritrean individuals, we will get back our dignity,
      Our KTs. Meretses, Ahmeds, Danilos. rezenes. etc.s are the jewels of our countries.
      Shus…quiet don’t let the buda’s hear you 🙂

POST A COMMENT