Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መን ኢዩ ስነ-ጥበባዊ

ሎሚ እቶም ብስነ-ጥበባውያን ዝርቁሑ ሰባት በዚሖምስ መፍለዪ ኪግበረሎም ዘገድድ ዘሎ ይመስለኒ። ኣብዚ ድማ መዐቀኒታት ከም ዘድልየና ፍሉጥ ኢዩ። ግዳ ቅድሚ ኹሉ እቲ ስነ-ጥበባዊ ዝብል መጸውዒ ልክዕ ከምቶም ደጊያት፡ ከንቲባ ዝብሉ ኣስማት ብህዝቢ ዝውሃብ እምበር ንባዕልኻ

ሎሚ እቶም ብስነ-ጥበባውያን ዝርቁሑ ሰባት በዚሖምስ መፍለዪ ኪግበረሎም ዘገድድ ዘሎ ይመስለኒ። ኣብዚ ድማ መዐቀኒታት ከም ዘድልየና ፍሉጥ ኢዩ። ግዳ ቅድሚ ኹሉ እቲ ስነ-ጥበባዊ ዝብል መጸውዒ ልክዕ ከምቶም ደጊያት፡ ከንቲባ ዝብሉ ኣስማት ብህዝቢ ዝውሃብ እምበር ንባዕልኻ እትስየመሉ ስም ከምዘይኮነን፣ ንሱ’ውን ብውጽኢት ስራሕካ ዝምዘን ስለዝኾነ ካብ ድልየት ሓደ ሰብ ወጻኢ ምኻኑን ብቕዳምነት እቲ ህዝቢ ቀጺሉ ድማ እቲ ንነብሱ ከም ስነ-ጠበባዊ ዝገልጽ ሰብ ኪሰማምዑሉ ዘለዎም ጉዳይ ኢዩ።

ስነ-ጥበባውያን ዝብል ስም ብሓፈሻ ንደረስቲ፡ ገጠምቲ፡ ተዋሳእቲ፡ ናይ ሙዚቃ መሳርሒታት ተጻወትን ደረፍትን፡ ሃነጽትን መሃዝትን፡ ኢንጅነራት፡ ሰኣልቲ፡ ቀባእቲ፡ ቀረጽቲ፡ ቅዲ ኣውጻእቲ (designers)ናይ ኢደ ጥበብ ወቀብቲ ( ንኣብነት ኣለምቲ፡ ቅሔ ጽልሚ ሰፈይቲ) ናይ ኮምፑተርን ቪድዮን ኣወሃሃድቲ፡ ጋዜጤኛታትን ካልኦትን ዝውሃብ ኣዝዩ ሰፊሕ ስም ስለዝኾነ፣ እቲ ስም ንመን ከም ዝምልከትን ስለምንታይን ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ዓለምና ስፋሕቲ ክትዓት ካብ ዝካየደሎም ጉዳያት ሓደ እዩ። እቲ ብውጺት ስራሓቶም ኢዮም ዝምዘኑ ዝብል መደምደምታ ግን ኩሉ ዝቕበሎ ይኹን’ምበር ደረጃ ናይቲ ናይ ስራሕ ውጽኢት እውን ብዙሕ ኢዩ ዘከራኽር።

ናይ’ዚ ስነ-ጥበባዊ ዝብል ኣምር ሓፈሻዊ መግለጺ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ይኹን’ምበር፣ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ቃና ኣብ ሃገርና ኪስማዕ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ድማ ንሓደ ወቓዕ ክራር ፡ ፍልጠት ስነ-ሙዚቃ ዘይብሉን ብዘይካ ክራርን ከበሮን ድማ ንካላኦት መሳርሒታት  ሙዚቃ እውን ዘይመልኽ ሰብ ‘ዶክተር’ ዝብሃል መዓርግ ምልባስ ኢዩ። ንሓደ ከምዚ ዝኣመሰለ ውልቀ-ሰብ ‘ዶክተር’ ምባል ንዓይ ዘሰክፈኒ ኣይኮነን፡ ከማኡ ምባል ግን ባህላውን ታሪኻውን ሳዕቤናት ኣለዎ። እዚ ‘መን’ዩ ስነ-ጥበባዊ’ ዝብል ኣምር ካብ ወጻኢ ዝመጸ ስለዝኾነ ክንገድፎ ወይ ከም ዘለዎ ክንቅበሎ ኢዩ ዘለና፣ ክንቅበሎ እንክሎና ድማ ነቶም ሓቢሮም ዝመጹና ክብርታት ክንቅበል ግድን ኢዩ። ብዝተረፈ ጽባሕ ንግሆ ንሓደ ጠንቋላይ እውን ‘ዶክተር’፡ ንሓደ ሃለቃ ‘ፕሮፈሶር’ ከማኡ’ውን ኳና ንዝዃነየ ነዳቓይ  ‘ኢንጂነር’ ክንብሎ ዝዓግተና የለን። እዚ ናይ መዐቀኒ ወይ ደረጃ ምጉት ንኹሉ ኣንባቢ ርዱእ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ እስኪ ነዛ እትስዕብ ካብ ዊኪፐዲያ (http://www.amazon.co.uk/Art-Revolution: ErnstNeizvestny-U-S-S-R) ዝተቐድሐት ጽሕፍቲ ከቕርብ። Ernst Neizvestny (ኤርንስት ነይዝቨስትኒ) ካብ 1928-2016 ኣብ ሩስያ ዝነብር ዝነበረ ውሩይን ስራሑ ብዓለም ዝተመስከረሉን ቀራጻይ (Sculptor) ኢዩ ነይሩ። እዚ ሰብ’ዚ ካብቶም ምስ ሰበ-ስልጣናት ሩስያ እንዳተማሻኸኑ ዝነብሩ ዝነበሩ ስነ-ጥበባውያን ተፈልዩ ነቲ ሓቀኛን ሀዝባውን እምነቱ ከንጸባርቕ ስለዝመረጸ ተገሊሉ ኣብ ጸልማት ተሓይሩ ህይወቱ ብድኽነት ኢዩ ኣሕሊፍዎ። እዚ ሰብ’ዚ ምስ በዓል ክሩስቸቭ ከይተረፈ ፊት ንፊት ዝተሓናፈጠ ዕሉል ስነ ጠበባውን፡  ውጹእ ናይ ስነ-ጥበብ ራእይ ሒዙ ንኽብሪ ሓቀኛ ህዝባዊ ተራ ስነ-ጥበብ ዝተቓለሰን፡ ንናይ ኣሽሓት ሩስያውያን ስቓይን ብድሆን ብቕርጽታቱ ዘመስከረን ሰብ ብምንባሩ ድማ ብዓለም ተመስኪሩሉ ኢዩ። ግን ከኣ፡ ኤርነስት ነይዝቨስትኒ (Ernst Neizvestny)  ቀራጻይ እምበር ‘ዶክተር’ ኣይተባህለን።

ብተመሳሳሊ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ጊዜ ኑመይሪ ካብ ዝነበሩ ደረፍቲ ሓደ ብደርፍታቱን ግጥምታቱን ዝተፈልጠን ዝተፈተወን ፡ ኡስታዝ ዓብደልከሪም ኣል ካብሊ ዝተባህለ ስነ-ጥበባዊ ነይሩ። ንሱ፡ ነቲ ሽዑ ብስርዓት ኑመይሪ ዝሳቐ ዝነበረ ህዝቢ ሱዳን ብምስትምሳል ‘’ሊማዛ ተብኪ ያ ሸምዓ’’ (ስለምታይ ትበኽዪ ኣንቲ ሽምዓ) ኪብል በኽዩሉ ይብሃል። በዚ ኣጋጣሚ የማነ ባርያን ኣብርሃም ኣፎርቂ እውን ኪዝከሩ ዝግባኦም ኢዮም። የማነ ባርያ “ሃገረይ ዝበለ ተዘኪሩ ይነብር” እንዳበለ፡ ንዝተረፉ ስነ-ጥበባውያን ሓድጊ ጽንዓትን ብድሆን ገዲፉ ኢዩ ሓሊፉ። ሓደ ስነ-ጥበባዊ እምበዓርከስ ብብዙሕ መዳያት ኢዩ ንሓደ ዘይሕጋዊ ስርዓት ዝቃለሶ፣ ኣግረ መንገዱ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ዘበራብሮ። ተቓውሞኻ ንምድማጽ ከም ኤርንስት ነይዝቨስትኒ ምስ ሓለፍቲ ምጉጣጥ ወይ ከኣ ኣብ መድርኽ ወጺእካ ምፍካር እኮ ግድን ኣይኮነን። በዓል የማነ ባርያ’ኮ ብናይ እንዳ ስዋ ኸራር እዮም ነዛ ኹላ መንእሰይ ዝወደብዋ። እቶም ናይ ሳዋ ጎብለላት (ዋርሳይ ይከኣሎ) ኸኣ፡ብዉሑድ ዓቕሚ ድኣ ይኹን’ምበር ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ።

ኣብ እዋን መግዛእቲ ሃይለ ሰላሴስ ሓደ ‘ኣዲስ ዘመን’ ዝብሃል ናይ ኣምሓርኛ ጋዜጣ ነይሩ፡ ኣብኡ ድማ ጳውሎስ ኖኞ ዝብሃል ውሩይ ጋዜጠኛ  ነይሩ ይብሃል። ጳውሎስ ኖኞ ካብ ኣንበብቲ ንዝጽሓፉ ድብዳቤታት ብዝምስጥ ኣቀራርባ ይምልሽ ብምንባሩ ኣዝዩ ፍቱው  ኢዩ ዝነበረ፣ ብመልስታቱ ዘይሕጎሱ ሰባት ግን ነይሮም። ሓደ ጊዜ ሓንቲ ጓል፡ ‘ጓል ኣንስተይትስ ንክትፍቶ ከመይ ዝበለ ቅርጺ ኪህልዋ ኣልዎ ኢልካ ትኣምን’ ኢላ ትሓቶሞ፡ ንሱ ድማ ቁመታ ክንድዚ፡ መዓንጣኣ ክንድዚ እንዳበለን መካፍትቲ ኣፋን ጸጉራን እንታይ ኪመስል ከም ዝግባእ ተንቲኑ ምስ ኣረድኣ፡ ‘‘እተን ነዚ ዝበቅዕ ምስሊ ዘይብለን ግን ናብ ቁሉቢ ከይደን ምምህላል ጥራይ እዩ ዕድለን’’ ኢሉ ቁርጹ ኣፍለጣ። ጓልያት ግን ብዝሃባ መልሲ ስለዝትቖጥዐት ’‘ ኣንታ ኽፉእ ወዓግ፡ ኣፍንጫ ኩቱ ፡ እንታይ’ከ ትመስል ኮንካ ኢኻ’’ ወ.ዘ.ተ. እንዳበለት ከተናሽዎ ጀመረት ። ጳውሎስ ድማ ነቲ ዝጸሓፈትሉ ጸርፊ ኣብቲ ጋዜጣ መዝጊቡ ኣብ ትሕቲኡ ‘‘ይብላኝ ለወለደሽ፡ ያገባሽስ ይፈታሻል’’ (ወይልኡ ዝወለደኪ እምበር ዝተመርዓወክስ ይፈትሓኪ) ብማለት ንምስድማሙ ገለጸላ ይብሃል። በዚ ኣብነት’ዚ ድማ ንሓደ ኣብ ዝዓመረ ጓይላ ኪዘልል ዝኸረመ ‘ዶክተር’ እንተበልናዮ እቲ ሓቀኛ ‘ዶክተር’ ምስ መጸስ እንታይ ኢና ክንብሎ። ዝሓለፈ ግን ናይ እቶም ‘ፕሮፈሶር’ እንተተባህለ እውን ዝግብኦ ኢዩ ዝበሉ መንደላሓቕቲ ኢዩ። ናይ’ዚኣቶም ምኽንያት እኳ ፍሉጥ ኢዩ፣ ጎይታና ኢልዎ ኢሎም ኢዮም መዓኮር ኪድግፉ ዝተቐዳደሙ እምበር ንበረኸት መንግስት-ኣብ ሓልዮሙሉ ኣይኮኑን። እሞ’ኸ ድኣ ሎሚ ጎይታኦም ጎንደር ምስ ሰፈረ እዛ ምሬት ትውሓጦም’ዶ ?  ምእንቲ’ዚ እኮ’ዩ ‘ሱቕ ጥዑም’ ዝተባህለ።

ሕጂ ናይቶም ትማል ዝስዕብዎም ዝነበሩ ብጾቶም ክብረት ስኢኖም ምንባር ክሳብ ክንደይ ከም ዝመርር ይፈትንዋ እምበር።

ንሓደ ነገር ዘይዋጋኡ ምሃብ ቅኑዕ ኣይኮነን፡ ስለዚ’ውን  ሓደ ወቓዕ ክራር ‘ዶክቶር’ ኪብሃል ኣይግብኦን፣ ናቱ ስለዘይኮነ። ‘ዶክቶርነት’ ብብዙሕ  ስራሕን ጻዕርን ዝርከብ ክብሪ ኢዩ፡ ንተራ ሰብ ዝውሃብ ክብሪ ኣይኮነን። ሓደ ሰብ ንግሆ ንግሆ ቤተ-ክርስትያን ዝኸይድ፡ ኣጽዋማት ከየብኮረ ዝጸውምን ንካልእ ዝተረፈ ተግባራት ቤተ-ክርስትያን ዘማልእ እንተኾነኳ ‘ኣቦይ ቀሺ’ ኢልካ ኣይትሳለሞን ኢኻ። ንሕና ግን ነዚ ሓቅ’ዚ ክንሰግሮ ስለዝመረጽናስ ታሪኻዊ ጉድለት ንፍጽም ምህላውና ኪስሓት የብሉን። ምኽንያቱ ነቶም ንጽባሕ ዝርከቡ መንእሰያት  ሓደ ክብርታቱ  ዘይዕቅብ ፡ዝተመራስሐን ሚዛናቱ ዘይወሃሃድን ባህሊ ኢና እነመሓላልፈሎም ዘለና። ድሓር ከኣ፡ ሓደ ህዝቢ እኮ ንዝተደርፈ ድርፍን ንዝቐረበ ትልሂትን ስቕ ኢሉ ኣይኮነን ኪጎስም ዘለዎ። ህዝቢ ፈራዲ ስለዝኾነ ነቲ ጽቡቕ ከሞግስ፡ ነቲ ሕማቕ ድማ ኪውግዝ ኢዩ ዘለዎ። ብዝተረፈ፡ ነቲ ዳስ ኩሉ ዘርከበ ኢዩ ዝዕንድረሉ። ንመንእሰያትና ባህሊ ንውርሶም ማለት’ኮ ስራሕ ይሓትት ኢዩ – ናይ ምጽራይ ስራሕ፣ ሕማቕን ጽቡቕን ናይ ምፍላይ ስራሕ።

ስለ’ዚ እምበዓርከስ ነዚ ነገር’ዚ ብኣጋ ምእራም ስለዘድሊ፡ እታ ብዘይ ኣገባብ ተዋሂባ ዘላ ‘ዶክተርነት’ ትመለስ፣ እቲ ሰብ ድማ በታ ናይ ቀደም መጸውዒቱ ይጸዋዕ።

በረኸት-ኣብ ሃብተማርያም  (በረምቤ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT