Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንግስትኣብ ኢሳቕ መን ኢዩ ነይሩ? ስለምንታይከ ኣብ 1979 ዓ. ም. ተቐቲሉ? (ቀቅድሚ መስዋእቱ ዝጸሓፎ ደብዳበ/ሰነድ ተተሓሒዙ ቀሪቡ ‘ሎ)

መንግስትኣብ ኢሳቕ መን ኢዩ ነይሩ? ስለምንታይከ ኣብ 1979 ዓ. ም. ተቐቲሉ? ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ከዳልዋ ዝደለኩሉ ምክንያት እቲ ኣብ ሓምለ1979 ዓ.ም.ዝተሰውኤ መንግስትኣብ ኢሳቕ ቑርብ መዓልታት ቐድሚ ምሟቱ ባዕሉ ዝጸሓፋ ጽሕፍቲ ሰለዝረከብኩዋን ታሪኽ ናይ ስውኣትና ተረሲዑ መታን ከይተርፍን

መንግስትኣብ ኢሳቕ መን ኢዩ ነይሩ?

ስለምንታይከ ኣብ 1979 ዓ. ም. ተቐቲሉ?

ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ከዳልዋ ዝደለኩሉ ምክንያት እቲ ኣብ ሓምለ1979 ዓ.ም.ዝተሰውኤ መንግስትኣብ ኢሳቕ ቑርብ መዓልታት ቐድሚ ምሟቱ ባዕሉ ዝጸሓፋ ጽሕፍቲ ሰለዝረከብኩዋን ታሪኽ ናይ ስውኣትና ተረሲዑ መታን ከይተርፍን ታሪኽ ናብቲ ሓዲሽ ወለዶ ንምስግጋርን ስለዝደለኩን ኢየ፡፡ እግረ መንገደይ ድማ ክፍኣትን ተንኮላትን ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምብራህ ጉቡኤይ ኮይኑ ስለዝስማዓኒ ኢየ፡፡

ስለዚ እታጽሕፍቲ ናይ መንግስትኣብ ኢሳቅ ከምዘላታ የቅርባ ኣለኩ፡፡

ኣናባቢ መታን ከይደናገር ግን መንግስትኣብ ኢሳቅ መን ከምዝነበረን ኤ.ና.ስ.ኣ እናታይ ምንባሩን ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጾ ክፍትን ኢየ፡፡

መንግስትኣብ ኢሳቕ ናይ ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ማሕበር E.N.A.S.A ኣቦ መንበር ነበረ፡፡እዚ ማሕበር እዚ ኣብ መጀመሪያ 1970 ታት ዝተመስረተ ኮይኑ፣ካብ 1976 ዓ.ም. ጅሚሩ ድማ ኣብ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ዓቢን ኣገዳሲን ተራ ዝጻወት ዝነበረ ማሕበር ነበረ፡፡ ብፍላይ ድማ ድሕርቲ ምፍላይ ናይ ዑሰማን ሳልሕ ሳቤ እቲ ፖለቲካዊን ንዋታው ንሓገዝ ኤ. ና. ስ.ኣ. መተካእታ ዘይነበሮ ኮይኑ ኤ ና ስ ኣ ዓንዲ ሕቖ ናይቲ ስውራ ኾይኑ ምንባሩ ይዝከር፡፡

እቲ ግርጭት ኣብ መንጎ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤን ኤ.ና.ስ.ኣ ን ኣብቲ እዋን ስትራተጂካዊ ምዝላቅ ኢዩ ተላዒሉ፡፡ እቲ ቀንድን ኣገዳስን ነጥቢ ድማ ሶቭት ሕብረት ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ ብምዃን ንሰውራ ኤርትራ ብወተሃደራዊን ብፖለቲካን መንገዲ ክትጭፍጭፍ ድሕሪ ምጅማራ ዝተላዕለ ነበረ፡፡

ኣብዚ ግዜዚ እቲ ማእከላይ ሽማግለ ኤ. ና. ስ. ኣ.ንሶቭየት ሕብረት ብምኹናን፣ ሓደ ብፖለቲካውን ወትሃደራውን መዳያት ኣንጻርካ ዝኮነ ሓይሊ ቐዳማይ ጸላኢኻ ኢዩ ዝብል መደምደምታ ድሕሪ ምብጻሕ፣ ሶቭት ሕብረት ከም ቀዳማይ ጸላኢ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክሰርዓ ወሰነ፡፡እቲ ረብሓ ይኹን ስቅያትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣገዲሱዎ ዘይፈልጥ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን ምስ ሶቭየትሕብረት ክብኣስ ኣይደለየን፡፡ምኽንያቱ ድማ ኢሳያስ ከም ናይ ማሕበርነታዊ ደንበ ወኪል ኾይኑ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ ንሙሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጠቅሊሉ ክመርሕ ወይ ክገዝእ ይሓልም ስለዝነበረ ኢዩ፡፡ ብዛዕባዚ ኣብ መጻኢ ብዙሕ መርትዖታት ከቅርብ ኢዬ ፡፡ ኤርትራ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣዝያ ንእሽቶይ ሃገር ስለዝኮነት ናይ ስልጣን ጽመኣቱ ተርውየሉ ሃገር ኣይኮነትን፡፡ ኢሳያስ ሕልሙ ዝነበረ ንሰውራ ኤርትራ ከም መሰላል ተጠቂሙ ምስ ሶቭየት ሕብረት ብምጽጋዕ ዓቢ መራሒ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክከውን ኢዩ ዝነበረ፡፡ እዚ ሕልምዚ ክትግብሮ ዝክእልድማ ምስ ሶቭት ሕብረት ዘለዎ ዝምድና ዝኮነ ይኹን ዋጋ ተከፊሉዎ ክመጽእ ነይሩዎ፣ ሶቭት ሕብረት ክትኹነን ድማ ኣይደለየን ፡፡ በዚ ምክንያት ድማ ሶቭት ሕብረት ቐዳማይ ጸላኢትና ኣይኮነትን ግን እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ጌጋትት ናይ ስትራተጂካዊ  ጌጋታት ጥራይ ኢዩ ክብል መልሲ ድሕሪ ምሃብ ነቲ ኣብቲ “ንቅሓት“ተባሂሉዝጽዋዕ ዝነበረ ናይ ኤ.ና. ስ. ኣ. ልሳን ዝወጽእ ዝነበረ ጽሑፋቶም ክእርምዎ ኢሳያስ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ፡፡ ኤ. ና. ስ. ኣ.ግን መንግዶም ብምቅጻል ነቲ ኣብ “መሪሕ“ ዝወጽእ ዝነበረ ጽሑፋት እናተከታተሉ ኣብቲ ናቶም መጽሔት “ንቅሓት“ ግቡእ መልሲ ይህብዎ ነበሩ፡፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዚ ናትኩም መጽሔት ምስ ናይ ህዝቢ ንቅሓት ዝከይድ ኣይኮነን ድሕሪ ምባል፣ እታ መጽሔት ምሕታም ከቛርጽዎ ይእዝዝ፡፡ በዚ መሰረት ድማ እታ ንቕሓት ብዝብል ሽም ትወጽእ ዝነበረት መጽሔት ከምትቛረጽ ተገብረ፡፡

ናይ ኤ ና ስ ኣ ኣረኣእያ ግን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕቶዚ ብጉቡእ መሊሹ ንከቃልስ ኣብ ዘዘለዎ ኮይኑ ብርቲዕ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ ዝብል  ነበረ፡፡ እንተኾነ ግን ኣብዚ ቃልሲዚ “መራሕቲ“ ሰውራ ኤርትራን ኮራኹሮምን ቀንዲ ዓንቀፍቲ ኾይኖሞ ኣለዉ ፡፡ ብፍላይ ድማ መራሕቲ ህ. ግ. ሓ. ኤ ቀንዲ ሓይሎም ኣንጻር እቶም ነዚ ሕቶ ዘንቅሉ ሓፋሽ ህዝብና ይኹን ንዕኦም ንዝዀነንኦም ማሕበራትና ጸቕጢ ብምግባር ኣበርቲዖም  ይንቀሳቀሱ ምህላዎም ሓበሩ ፡፡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ናይ ፈታዊን ጸላኢን ናይ ምምማይ ቃለሲ ካብቲ “መራሕቲ“ ሰውራ ኤርትራ ናይ ምቕላዕ ዕማም ዘይንጸል ምኻኑ ብጭቡጥን ብዝበለጸን እናበርሀ ይከይድ ምህላዉ ተንተኑ፡፡ ኣብዚ እዋንዚ “መራሕቲ “ ሰዉራ ኤርትራ ነቲ ዝፈጸምዎ ክድዓት ንክሽፍኑ ዘይገብርዎ ተግባር የልቦን፡፡ “ሶቬት ሕብረት ከመይ ግይራ ማሕበርነታዊት ትከውን ? ከመይ ጌርናኸ ፈታዊትና ንብላ?” ካብቶም ጸላእትናኸ ብምንታይ ትፍለ?“ …ወዘተ ወዘተ … ኢሉ ንዝሓተቶም ተቃላሳይ ኤርትራዊ „ሕሉፍ ጸጋማዊ“  „ፋሉላዊ?“  „ትሮትስካዊ“…ወዘተ ኢሎም ብምጥቃን ይጸቅጥዎ ይድህልዎን ኣለዉ፡፡ ንከምስሉ „ተግባራት ሶቬት ሕብረት ኮኒንናዮ” ኢሎም ከብቅዑ „ማሕበርነታዊት ኢያ “ „ስትራትጂካዊት መሓዛና ኢያ” ኢልካ ተቀበል እናበሉ ንሓፈሽ ህዝብና ብሓይሊ ነቲ ግልቡጥ ሰነሞጎቶም ከእምንዎ ህርድግ ይብሉ ምንባሮም የቓልዑ፡፡ መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ንኣግላሲ መርገጺ ሶቬት ሕብረት ብዝምልከት ከምዚ ዝስዕብ ብጹሑፍ ኣስፊሮም ምንባሮም ድማ ኤ ና ስ ኣ ይሕብሩ፡፡

“ተ.ሓ. ኤ” ሶቬት ሕብረት ንፋሽስታዊ ደርጊ ትህቦ ዘላ ኣጽዋር ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ብነዊሕ ክረኤ እንከሎ ድማ ንረብሓ ህዝብታት እርትራን፣ ኢትዮጵያን ፣ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኢዩ፡፡. “ተ.ሓ.ኤ ERITREAN REVOLUTION Vol.II N° 5” ክብሉ እንከለዉ፣

„መራሕቲ“ ህ.ግ.ሓ.ኤ” ድማ ኣብ „መሪሕ 3ይ ሕታም ቁ 5” ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ፡፡“ተጋጊዮም እምበር ማሕበርነታውያን ኢዮም” ወዘተ… ወዘተ ብዝብል ሓረጋት ጎልቢቦም “ሰትራተጂካዊ ኣዕሩኽቲ ሰውራና“ “ቀዳሞት ፈተውትና” ኢዮም፡፡ እቲ ምስኣቶም ዘሎና ግርጭት ድማ ካልኣይ ደርጃ ዝሓዘ እምበር ቀዳማይ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ፡፡ ከምኡ ገርኻ ምርኣዩ ድማ ግጉይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንሓፋሽ ድማ ሰትራተጂካውያን ፈትውቱን ጸላእቱን ከምዘየለሊ ኰይኑ ኣብ ውድቀትን ጥፍኣትን ናይ ሃጼይነትን ሓይልታት ምድሕርሓርን መፈንጠራታትን ንምጥሓል ማለት ኢዩ፡፡

ድሕርዚ ኩሉ ምስሕሓባት ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1978 ዓ.ም.

ኤ.ና.ስ.ኣ (ማሕበር ኤርትራውያ ንጽት ሰሜን ኣሜሪካ) ኣብ

“9 ይ” ጉባኤ ን „መራሕቲ“ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኾነንዎም፡፡ ካብ ውድብ ህ.ግ. ምፍላዮም ድማ ኣወጁ፡፡

ኤ.ና. ስ. ኣ. ድማ እቲ ንሜዳ ዝልእክዎ ዝነበሩ ንብረት ጠጠው ከምዝብል ገበሩ፡፡ካብዚ ግዜዚ ጅሚሩ ድማ ኣብ ልእሊ መንግስትኣብ ኢሳቅ ማእለያ ዘይብሉ ጸቅጥታትን ታህዲዳትን ክካይዱ ጀመሩ፡፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ‘ውን ንመንግስትኣብ ኢሳቅ ብስልኪ ረኺቡ ከምዝሃደዶ ይፍለጥ፡፡ ኣብዚ እዋን‘ዚ ድማ እቲ ማእከላይ ሽማግለ ኤ.ና.ሰ.ኣ.ወለቕ ዘለቕ ክብል ተራእዬ፡፡ ማለት ኩሎም ከም ቀደሞም ተሪሮም ኣብ ጎድኒ መንግሰትኣብ ኢሳቅ ኣይጸንዑን፡፡ መንግስትኣብ ኢሳቅ በይኑ ምህላዉ ድማ ተገንዘበ፡፡

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር ግን እቲ ውሳኔ መንግስትኣብ ኢሳቅ በይኑ ዝወሰዶ ውሳኔ ዘይኾነስ፣ ውሳኔ ናይ ብሙሉኡ ማእከላይ ሽማግለ ኤ. ና. ስ. ኣ.ከምኡ ድማ ናይ ኩሎም ኣባላተ ኤ ና ስ ኣ ን ምንባሩ ኢዩ ።ሓደ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ጥራይ ኢዩ ነይሩ ነቲ ውሳኔ ሙሉእ ብሙሉእ ዘይተቀበሎ ፣ ንሱ ድማ ገብሪሂወት ሊሎ ምንባሩ ይፍለጥ ምናልባሽ ኣባል ናይቲ ሚስጥራዊ ሰልፊ ዝነበረ ድማ ኽኸውን ይኽእል ኢዩ፡፡ እቲ ጸቅጢ  ብመራሕቲ ህ ግ ጥራይ ዘይኮነስ ብገለ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ኤ.ና.ሰ.ኣ. ‚ውን ከጋጥሞ ምስ ጀመረ  መንግስትኣብ ኢሳቅ እቲ ንብረት ንሜዳ ከይኣቱ ምዕጋትና ጌጋ ኢዩ ነይሩ ብምባል ናይቲ ጉድለት ሓላፍነት ድማ ንሱ ባዕሉ ከምዝሽከሞ ሓቢሩ ነይሩ፡፡እዚ ጉድለት‘ዚ ግን ናብቲ ንብረት ንሜዳ ከይኣቱ ምዕጋቶም ዘተኾረ ጥራይ ነበረ፡፡

ይኹን እምበር እቲ ታህዲዳት ናይ ህ.ግ. ኣዝዩ እናኸፍኤን ንህይወቱ ኣሰጋኢ ኾይኑ ኣብ ዝመጸሉ ዝነበረ እዋናት፣ ክቀትሉኒ ይደልዩ ስለዘለዉ ብዝቀልጠፈ ግዜ ጉባኤ ግበሩለይ ክብል ጀመረ፡፡ ኣነ እቲ ዘገጥመኒዘሎ ጸገማትን እቲ ሓቐኟ ኹነታትን ኩሉ  ኣብ ጉባኤ ክገልጾ ኢዬ ብምባል ብቃልን ብጹሑፍን ጸገሙ ክገልጽ ጀመረ፡፡ ስለዚ ብዝቐልጠፈ ጉባኤ ንክግበሉ  ድማ ንብጾቱ ተማሕጸነ ፡፡

እቲዝተረፈ ኣንባቢ ካብቲ ጽሑፉ ክረክቦ ስለ ዝክእል ኣንበብቲ ባዕሎም ናቶም መደምደምታ ወይ ፍርዲ ክወስዱ ይገድፎ፡፡

እቲ ኣነ ኣብዚ ክጠቕሶ ዝደሊግን መንግስትኣብ ኢሳቅ ካብ ካልኣይ ደረጃ (2nd floor) ብምውዳቅ  ነብሱ ቀቲሉ ተባሂሉ ምግላጹ ኢዩ፡፡ እዚ ዘገርም ኢዩ፣ ሓደ ነብሱ ክቀትል ዝደለየ ሰብ ስለምንታይ ካብ ካልኣይ ደረጃ ይወድቅ? ንወሕ ዝበለ ፓላሶታት ኣብ ከተማ ኒዉዎርክ( New York) ሰለዝሰኣነ ድዩ፡?ካብ ካልኣይ ደረጃ ወዲቅካ ከይሞትካ ተሃሲካ ትትርፈሉ ዕድልከ  ኣዝዩ ብዙሕ ዶ ኣይኮነን ?

እቲ ሓቑ ድኣ ኣፍሉጡና፡፡ እቶም ንዑኡ ዝሕልውዎ ዝነበሩኸ ድኣ እንታይ የጣብዉ ነይሮም ማለት ኢዩ መንግስትኣብ ኢሳቅ ክጸድፍ እንከሎ?

እቲ ዘገርም ድማ መንግስትኣብኢሳቅ ድሕሪ ምሟቱ ተጸሊሉ ኢዩ ነይሩ፣በይኑ ክዛረብ ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ ፣ ሓንጎሉ ሲሒቱ ነይሩ ኢዩ፣ ዝብል ወረታት ብምዝርጋሕ እታ “ጹሉል“ ትብል ማሕተም  ከምትለግቦ ምግባሮም ኢዩ፡፡ መንግስትኣብ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ድሕሪ ምሟቱ“ጽሉልዝብል ማሕተም ዝተወቅዖ፡፡ እቶም ነብሶም ቀቲሎም ተባሂሉ ዝውረየሎም ከም ስውእኣለምሃይለኣብፍሼ ናይ ሰሜን ናይ ሚሊሻ ሓላፊ ዝነበረስውእወዲልቢኣብሳቡር ናይ ክፍሊ ስለያ ሓላፊ ዝነበረ፣ ከምኡውን ስውእሃብተስላሴተፈሪ (ወደባተሪ ) ኣባል ክፍሊ ስለያ ናይ ወጻኢ ዝነበረ፣ኣብካሊፎርኒያ (California U.S.A.) እውን ድሕሪ ምሟቶም ተጸሊሉ ኢዩ ነይሩ ዝብል ማሕተም ተወቒዑዎም ምንባሩ ዝዝክር ኢዩ፡፡

Mengsteab_1

 

Mengsteab_2

 

Mengsteab_3

ኣብ መወዳእታ ነቶም ነቲ ቅዳሕ ናይ መንግስትኣብ ኢሳቅ ጽሑፍ ተገዲሶም ካብ ኣሜሪካ ዝሰደዱለይን ናይቲ እዋንቲ ሓበሬታ ዘቀበሉኒን ግዱሳት ሃገራውያንን ምስጋናይ የቅርብ፡፡

የማነ ተኽለገርግሽ

06.11.2013

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
39 COMMENTS
  • Tewelde November 15, 2013

    I agree totally with bmg277 this should be given to FBI to be investigated the case again. Thanks bmg277 for bringing this idea.

  • mehari November 15, 2013

    I wonder don’t you have any other better to do than to put your time and energy to write this garbage. May be there are some looser out there have much time to read such corrupted.

    • david November 18, 2013

      I am very sorry that you do not take your time to understand the truth. Emotion always takes over our sense of thinking. Our brother was very intelligent, he had vision and he understood what was happening at a time when emotions was playing a big role among our people.The truth hearts and we need to grow up and face reality.

  • belay nega November 15, 2013

    Eritrawit

    “did u say the world community has no mentioned bad stuffs something must be wrong with our issue what could be? and what do u think about this crime? do u think our problem is only Isaias or beyond that? I know u are Tegadaly u self I hope I will get answer txs.”

    I might be wrong, but this is what I feel about our issue:
    The beauty of Ethiopia, from the world community point of view,makes our issue to look ugly.
    Ethiopians, the cause of all this mess in Eritrea,do no have any personal problem with any Eritrean including the president,but a big reservation towards our issue.To this end, is high time to accept that our issue goes beyond the president, and stand for long lasting solution.

  • jemal Abdu November 15, 2013

    Thank you የማነ ተኽለገርግሽ yes it is the truth. He was killed by Hagos Gebrehiwot ( Kisha). All leaders of E.N.A.S.A are the witness.

  • Haben November 17, 2013

    Yemane I agree with you 100%. Thank you so much for posting the historical document of martyr Megistable Issac. May God rest his soul. Zeytenegre iber, zeytegbre yelen.

  • beyene berhe November 17, 2013

    btaemi zehzin fzame ezi gin hade abnet nayti kunuat belahtin hagerawyan tekalestin nay mihkak zemete gday abnet eu meswaetu gin kontu aykonen demu wun blash ayfesesen kebid wagan rezin melektin alewo kisen kulu gizie wun abnefisi wekef lbi delay fthin higin slem hizibin wuhsnet eritrawit hagern aleka swue mengisteab esak abzi ewan ezi gin etihakin eti eritrawi bahlin sne migibarin wegien bahlin lmidin kem zehay kae elu berihus wekarun hasewutin gulbabom tekelie meninetom kea tekeshihu abkidimi hzibi dew mibal tesaenwom maezinom atfiom nay metereshta wudketom seatu akilu alo mikiniyatu hager nay hasewtin wekarun azaben kedeatin aykonetin nay dekebatin deleyti fthin dimokrasin wuzue hizibin eya kibrin megosin niswuatna

  • ፋፋ November 17, 2013

    ንዝሃብካና ታሪኻዊ ጽሕፍቲ ከየመስገንኵኻ ኣይተርፍን፡ ብዝኾነ ግን ሓንቲ ዓባይ ጌጋ ኣላታ ዝብል ግምት ኣለኒ፡ እቲ ጌጋ ከኣ፡ ንክትርእዮ ቀሊል ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል ኮይኑ ግን ሓደ ኣብ ታሪኻ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓብይ ኣጃም ዝነበሮ’ሞ፡ ኣብ ምዕራባዊ ሃገር ዝነበረ ሰብ ኣብ ጽሑፍ ክርስዕ ብሓቒ ዘተሓሳስብ ኢዩ። ክቡር የማነ ንስኻውን ሸለል ኢልካ ዝሓለፍካያ ትመስል። እሞ ኣብ ጽሑፉ ቀዳማይ መእተዊ “10ይ ሓፋሻዊ ጉባኤ” ዝብል ሰፊሩ ኣሎ። ቀዳማይ ቦታ ኣይጠቕስን ኢዩ፡ ካልኣይ ዕለት፡ ወርሒ ኣይጠቕስን ኢዩ። እታ ዓባይን ተጠራጥርን ሕቶን ጌጋን ግን ናይታ ደብዳበ፡ ዕለት ኣይተገለጸን። ብግምት ቅድሚ 1979 ተገይሩ ክትብለኒ ትኽእል ኮይኑ ግን 1979 ከምዝሞተ ድኣ ኢኻ ገሊጽካ ዘለኻ። ብሓቒ ከኣ ኣብ ሓደ ኣብ ሓላፍነት ዝነበረ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጌጋ ኪገብር፡ “እዚኣስ ገለ ኣላታ” ኢልካ ምሕላፍ ይሓይሽ። ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ!

  • cry freedom November 17, 2013

    THANK YOU FOR THE INFORMATION,BUT MY QUESTION IS WHERE HAVE YOU BEEN UP TIL NOW. MENGISTEAB WAS A GREAT MAN HE WIL BE REMEMEBERED FOREVER.ISEYAS AFEWERKI WIL NEVER STOP KILLING ERITREANS AS MUCH HE CAN.

  • Yacob July 5, 2015

    I tried to read it but,it is not clear, can you guys re-write please! We need it, to read clearly,and we want know clear our martyrs history deeply and clearly, and guys thank you ,for this posting keep ignore up!!!!!!

  • Abiel July 7, 2015

    A lot of “forgotten” or(unknown by the people)freedom fighters are being remembered now days and their history is coming to light. I want to express my gratitude to all those who are working hard in exposing the wrong doing of the PFDJ junta. These people are accountable for the mess they did and for what they are doing now. thank you for sharing

POST A COMMENT