Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንግስትኣብ ኢሳቅ መን ኢዩ ነይሩ ? ጴጥሮስ ዮሃንስ ከ ? መመላእታ ንቐዳማይ ክፋል

ኤ ና ስ ኣ ምስ ዓመጹን ንመሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ምእዛዝ ምስ ኣበዩን ኢሳያስ ኣፈወርቂ እቲ ጠንቁ ንምፍላጥ ግዜ ኣይወሰደሉን፡፡ እቲ ሽግር ክፍጠር ዝኸኣለ ኤ ና ስ ኣ ኣኻል ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ስለዘይነበረን ነብሱ ኽኢሉ ነጻ  ኮይኑ ዝንቀሳቐስ 

ኤ ና ስ ኣ ምስ ዓመጹን ንመሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ምእዛዝ ምስ ኣበዩን ኢሳያስ ኣፈወርቂ እቲ ጠንቁ ንምፍላጥ ግዜ ኣይወሰደሉን፡፡ እቲ ሽግር ክፍጠር ዝኸኣለ ኤ ና ስ ኣ ኣኻል ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ስለዘይነበረን ነብሱ ኽኢሉ ነጻ  ኮይኑ ዝንቀሳቐስ  ማሕበር ብምንባሩ ዝተፈጥረ ጸገም ብምንባሩ ኢዩ፡፡ እዚ ስለዝተረድኦ ድማ ኢሳያስ ነዚ መሰረታዊ ፍታሕ ንክገብረሉ ኣብ ሜዳ  ሽበድበድ ክብል ጀመረ፡፡ እዚ ናይ ኤ ና ስ ኣ ጸገም ኣብተን ኻልኦት ናይ ሓፋሽ ውድብ ማሕበራት ማለት ከም ማሕበር ተማሃሮ፣ ማሕበር ደቐንስተዮ፣ ማሕበር ሓረስቶት፣ ማሕበር ሸቓሎ ወዘተ. . . ንኸይድገም ስለዝፈርሀ ድማ ንኹለን ሓፋሽ  ውድባት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ህ. ግ. ከምዝቅየዳ ንምገግባር ከም ብሓድሽ ክሰርዐን ክውድበንን  ጀመረ፡፡  ዕላምኡ ድማ ከምዚ ናይ ኤ ና ስ ኣ ዓይነት ጸገማት መታን ከይድገም ብዝተኻእለ መጠን እተን ናይ ሓፋሽ ውድባት ማሕበራት እንተተኻኢሉ ብኣባላት ናይቲ ሚስጢራዊ ሰልፊ  እንተዘይተኻኢሉ ድማ ብሕጹያት ናይቲ ሚስጥራዊ ሰልፊ ከምዝምርሓ ምግባር ነበረ፡፡
ናይ ኩለን ሓፋሽ ውድባት ጉባኤ ብምጽዋዕ ድማ እቲ ጉባኤ ኣብ ሜዳ ኣብ ንሱ ብዝያዳ ኣብ ዝቖጻጸሮ ቦታ ክገብሮ ስለዝወሰነ ኩለን ሓፋሽ ውድባት ወኸልተን ንሜዳ ከምዝሰዳ ተገብረ፡፡ተንኾላት ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘይተረድኡ ኣባላት ኤ ና.ስ ኣ. ድማ ሽውዓተ ወከልቶም መሪጾም ንሜዳ ለኣኹ፡፡ ካብቶም ዝተላእኩ ድማ ሓጎስ ገብሪሂወት (ኽሻ) ን ታደሰ እምባየን ይርከብዎም ነበሩ፡፡
ማእከላይ ሽማግለ ኤ ና ስ ኣ ሓጎስ ኽሻን ታደሰ እምባየን እቶም ካልኦትን ክብገሱ እንከለዉ ድማ ብዛዕባቲ ግርጭቶም ምስ መሪሕነት ህ. ግ. ተላዚቦም ሓደ ፈታሕ ሒዞምሎም ክመጹ ተማሕጸንዎም፡፡ ኣብዚ ጉባኤ‘ዚ ድማ ኢሳያስ እተን ማሕበራት ብሃገራዊ መልክዕ ከምዝስራዓ ገበረ፡፡ ዕላማ ኢሳያስ ድማ ንኤ ና ስ ኣ  ንምብትታንን ካልእ ብወገን ተ.ሓ. ኤ. ክምስረት ዝክእል ማሕበራት ንምትዕንቓፍን ነበረ፣ ማለት እቲ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ፣ ማሕበር ሓረስቶት ኤርትራ ወዘተ… ዝብል ፓቴንት ንምግባርን ስለዝመደበ ኢዩ፡፡
በዚ መስረት ድማ ንሓጎስ ኽሻ ከም ኣቦ መንበር ናይ ማሕበር ተመሃሮ ከምዝምረጽ ክገብር እንከሎ ንታደሰ እምባየ ድማ ወኪል ናይ ተማሀሮ ኣብ ሰሜን  አሜሪካ ከምዝከውን ገበሮ፡፡ ብዘይካ‘ዚ ድማ ዘመደ ተኽለ  ኣብ ኤሮጳ፣ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ኣብ ቤይሩት፣ዮሱፍ ሳይቕን ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ወከልቲ ናይ ማሕበር ተማሀሮ ገበሮም ፣ ኩሎም እዞም ዝተጠቅሱ ድማ ኣባላት ናይቲ ሚስጢራዊ ሰልፊ ዝነበሩ ኢዮም፡፡
ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሓለፍቲ ኤ ና ስ ኣ ዝነበሩ ኣብ ሜዳ ኣትዮም ፍረዶም ምስ ዝቕበሉን ይቕሬታ ምስ ዝሓቱን ጥራይ ኢዮም ኣባላት ናይዚ ሓዲሽ ዝቖመ ማሕበር ተማሀሮ ክኾኑ ዝኽእሉ ዝብል ውሳኔ  ምሕላፉ ይዝከር፡፡
እቲ ኣብ ሜዳ ኣንጻሩ ዝእለም ዝነበረ  ውዲታት ዘይፈለጠ መንግስትኣብ ኢሳቅ ድማ ኣብዚ እዋን‘ዚ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብስልኪ ክራኸብ ፈቲኑ ኔይሩ፡፡ (ኣብ ሜዳ ሓንቲ ናይ ስልኪ መራከቢት መሳርሒት ነይራ ንሳ ከኣ ኣብቲ ናይ ኢሳያስን ሮመዳንን ቦታ ነበረት)፡፡ ኢሳያስ ምስ መንግስትኣብ ክራከብ ስለዘይደለየ ግን ኣብ ስልኪ ሮመዳን ኢዩ ተቀቢልዎ፡፡ ሮመዳን ንስካ ብድሕሪ ሕጂ ምስ ኢሳያስ ዘራኽብ የብልካን ስለዚ ትብሎ ነገር እንተሎካ ምሳይ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ ስለዝበሎ ድማ መንግስትኣብ ኢሳቅ ኢቲ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ክብሎ ዝደሊ ዝነበረ ጉዳይ ንሮመዳን ገለጸሉ፡፡
ናይ መንግስትኣብ ርእይቶ እቲ ብሶቬት ሕብረት ተሃንዲሱ ኣብ ምብራቅ ጀርመን ዝግበር ዘሎ ናይ ኢሳያስ ርክብ ምስ ኢትዮጵያ ክቛረጽን ካብኡ ሓሊፉ‘ውን መርሕነት ህ. ግ. ን ሶቭት ሕብረት ከም ቀዳማይ ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ ክትሰርዓን ከተሓሳስቦ ይደሊ ምንባሩ ንሮመዳን ምስ ሓበሮ፣ ሮመዳን ብቑጣዔ „ንስኻ መን ኢኻ ? ንዓና ክንገብሮ ዘሎና ክትነግረና ድማ  ኣየድልየካን ኢዩ“ እዚ ንዓኻ ዝምልከት ኣይኮነን ድሕሪ ሕጂ ድማ ምስ  ኢሳያስ ዘራክብ የብልካን“ በሎ፡፡
ብድሕርዚ ድማ ብስልኪን ብደብዳቤን ሶቬት ሕብረት መሓዛና ኢያ ዝብል ተደጋጋሚ መልእክቲ ምስ መጾም ን ህ. ግ. ክኹንንዋ ወሲኖም ጉባኤ ጸውኡ፡፡
ሓጎስ ክሻ ደድሕረ‘ቲ ጉባኤ ካብ ሜዳ ንዓዲ ጥልያን ወጺኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ ንምንግስትኣብ ኢሳቅ ብስልኪ ረኺቡ ንሜዳ ኣትዩ ይቅሬታ እንተሓቲቱ ናብቲ ማሕበር ተማሃሮ ክምለስ ዝፍቐደሉ ምዃኑ ብምግላጽ ንሜዳ ንክኣቱ ክሰብኮ ጅመረ፡፡ መንግስትኣብ ግን ብመግለጺ ሓጎስ ክሻ ተቖጢዑ “ ኣታ ከዳዕ ንሕና ጸገምና ተመያይጥካ ክትፈትን መልሲ ክተምጽኣልናን ኣሚንና ሰዲድናካስ ንስካ ድሮ ካዲዕካና ንስካ ናይ ብሓቒ ከዳዕ ኢካ“ በሎ፡፡
በዚ መሰረት ድማ እቲ 9ይ ጉባኤ ተካይዱ ንመሪሕነት ህ.ግ. ኰነኑን ካብ ህ. ግ.ሓ. ኤ. ድማ ምፍላዮምን ብወግዒ ኣወጁ፡፡ ታደሰ እምባየ እቲ ካብ ሜዳ ንማሕበር ተማሀሮ ሰሜን ኣሜሪካ ክመርሕ ተመዲቡ ዝነበረ ኣብዚ ኣኸባ ኣርኪቡ ስለዝነበረ፣ እቲ ውሳኔታት ናይ ኤ ና ስ ኣ ምስ ሰምዐ ፣ እቲ ኣብ ሜዳ ዝተዋህቦ ሓለፍነት ከምዘይቅበሎ ገሊጹ እቲ ሓላፍነት ከምዝደርበየሎም ይፍለጥ፡፡
ድሕር‘ቲ 9 ውድባዊ ጉባኤ ናይ ኤ ና ስ ኣ ድማ ምንግስትኣብ ኢሳቅ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሰውራ ናይ ኤ ና ስ ኣ ከምዝኣቱ ተገብረ፡፡ ካብቶም ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ New York) ንዑኡ ዝሕልውዎ ዝነበሩ ድማ ሃይለ ሞገስ ሃብተማርያም ገብረመስቀል   (ቺፖላ) ሳባ ኢሳያስ (ጓል ጀነራል ኢሳያስ) ፓድረ  New york  ይርከብዎም ስለዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም እተን ናይ መወዳእታ ሰዓታትን ደቓይቅን ናይ መንግስትኣብ ኢሳቅ ካብ ዝኮነ ሰብ ንላዕሊ ሰለዝፈልጡ እቲ ሓቂ ንክገልጹልና ንላበዎም፡፡
ድሕሪ መንግስትኣብ ኢሳቅ ምቅታሉ ድማ  ኣንደብርሃን ገብረመስቀልን ዓንደሚካኤል ካሕሳይን ንኣሜሪካ መጺኦም ምንባሮም ይፍለጥ፣ መደቦም  ድማ ነቲ ናይ ኤ ና ስ ኣ ተቓውሞ ንምብትታኑን ነቲ ብ ሓጎስ ክሻ ዝምራሕ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ ንምድልዳልን ነበረ፡፡ መንግስትኣብ ድሕሪ ምሟቱ ድማ ሳባ ኢሰያስ ንሜዳ ኣትያ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ቤት ጽሕፈት ስብሓት ኤፍሬም ትነብር ምንባራ ይፍለጥ፡፡ ቁርብ ዓመታት ጸኒሖም ድማ ካልኦት ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ኤ ና ስ ኣ  ንሜዳ ዝኣተዉን ምሕረት ዝሓተቱን ነይሮም ከምዝነበሩ ይፍለጥ፡፡
ድሕሪ ሞት ናይ መንግስትኣብ ድማ ስብሓት ኣብ ሜዳ እናዞረ ንኣባላት ሚስጥራዊ ሰልፊ መግለጺታት ይህብ ነበረ፡፡ ትሕዝቶ መግለጺኡ ፣ ሸኽ ዛይድ ንውድብ ህ ግ. ሓደ ሚልዮን ዶላር ( $ 1.000000) ሓገዝ ከምዘወፈየ ፣ ኣባላት ኤ ና ስ ኣ ድማ እቲ ዝቃወም ዝነበረ መራሒኦም ካብ ፓላሶ ጸዲፉ ድሕሪ ምሟቱ ከም ብሓዲሽ ተወዲቦም ንውድቦም ብዙሕ ወፈያታት ይገብሩ ምንባሮም ዝሕብር ነበረ፡፡
ስብሓት ነዚ ኣኼባታትዚ የካይደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ ናይ ቅድሚት ኣስናኑ ኣዔርዩ ድሕሪ ምምጽኡ ነበረ፡፡ ስብሓት ኣብ ባሕሪ ባራ ናይ ክፍሊ ታዕሊም ሓላፊ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሓደ ግርማይ ብሬን ዝተባህለ ተጋዳላይ ጥይት ተባሪቐቶ‘ሞ እታ ጥይት 6 ናይ ቅድሚት ኣስናን ናይ ስብሓት ለኺማ ስለዝከደት ንሕና ንስብሓት ኤፍረም  ጓህማም እንከሎ ኢና ንፈልጦ ዝነበርና፡፡
ዓለም ሃይለ  አለም ሃይለ ኣብ 1972 ዓ.ም. ካብ ኣስመራ ናይ 12 ክፍሊ መርመርኡ ዝበለጸ ነጥቢ (Distinction) ኣምጺኡ ብምሕላፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቬርስቲ ይመሃር ነበረ፡፡ ኣብ 1974 ዓ. ም. ድማ ናብ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ተሰሊፍ ክጋደል ጀመረ ነበረ፡፡ አለም ናይ ሰሜን ናይ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕድዳር ሓላፊ ኰይኑ ይሰርሓሉ ኣብ ዝነበረ እዋናት ምስ ሓለፍቱ ዘይምቕዳው ከምዘነበሮ ይፍለጥ ፡፡ ቐጥታ ሓላፊኡ እስቲፋኖስ ብሩኖ ኰይኑ ብልዕሊኡ ድማ ስብሓት ኤፍረም ይመጽእ ማለት ኢዩ፡፡ ምስቲ ኣብ ግዜ ምዝላቅ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ሚሊሻ ዝተራእየ ጋሕመጥመጥ ተኣሳሲሩ ድማ ናይ ኣለም ሽም ይጥቀስ ምንባሩ ይዝከር፡፡ ብዝኰነ ድሕሪ ምዝላቅ ስብሓት ኤፍረም ንብድሕሪ መስመር ጸላኢ ዝነበሩ ሓለፍቲ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕድዳር ኣብ ሳቡርኤባ የካይድ ነበረ፡፡ እቲ ኣኼባ ንናይ ምሳሕ ንዕረፍቲ ኣብ ዝተቛረጸሉ እዋን ድማ ኣለም ሃይለ ነብሱ ቀተለ፡፡
እቲ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ ተወዲኡ ኣኸቤኟታት ናብ ኣኼባ ምስ ተመልሱ ድማ ስብሓት እፍሬም እዚ ዝስዕብ መግለጺ ሂቡ፣ „ ኣለም ሃይለ ነብሱ ቀቲሉ ኣሎ፡፡ ነብስኻ ምቅታል ቖራጽነት ኢዩ፣ ዝበለጸ ቖራጽነት ግን ነቲ ነብስኻ ንኽትቀትል ዝደፋፍኣካ ነገር ክትገልጾን ክትምክቶን አዩ „ክብል ዘረብኡ ዓጸወ፡፡  ስብሓት ኤፍሬም ንኣለም ሃይለ ዝክረ ሰማዕታት ክገብረሉ ይኩን ወይ ድማ ናይ ሓንቲ ደቒቅ ናይ ሕልና ጸሎት ክገብረሉ ኣይተገደሰን፡፡
ብድሕሪ ሞቱ ድማ፣“ ኣለም እኮ ርእሱ ከምገለ ክገብሮ ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ፣ ሓኪም‘ኰ በይኑ ኣይትግደፍዎ ኢሉ ኣጠንቂቁ ነይሩ ኢዩ“ ብምባል ኣለም ተጸሊሉ ነብሱ ከምዝቀተለ‘ምበር ካልእ ንኸምዚ ዝኣምሰለ ስጉምቲ ንክወስድ ዘገደዶ ኩነታት ኣብቲ ውድብ ከምዘይነበረ ንምሽፋን ይፍተን ነይሩ፣ እዚ ድማ ልሙድ ባህሪ ናይቲ ውድብ ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን፡፡
ጴጥሮስ ዮሃንስ ከ መን ኢዩ ነይሩ ስለምንታከ ተቐቲሉ
ጴጥሮስ  ዮሃንስ ቐቅድሚቲ ቐዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ካብ ኣሜሪካ ንሜዳ ከምዝኣቱ ተገይሩ ኣብ ሜዳ ዝተቀትለ ካልእ ስውእ ኤርትራዊ ኢዩ፡፡ ጴጥሮሰ ዮሃንስ  ናይ ሙሴ ተስፋሚካኤል (ናይ 73 ምንቅስቃስ) ዓርኩን መማህርቱን ምንባሩን ፖለቲካዊ ብስለቱ ድማ ክብ ዝበለ ምንበሩን ይሕበር፣ ይኹን‘ምበር ኣባል ናይቲ ማእከላይ  ሽማግለ ናይ ኤ ና ስ ኣ ኣይነበረን፡፡
 ጴጥሮስ ናይ 73 ምንቅስቃስ ሕሉፍ ጸጋማዊ ምንቅስቃስ ኢዩ ክብሃል ዝክእል እምበር ፣ አዕናዊ ወይ ዘይሰውራዊ ምንቅስቃስ ኣይኰነን ፣ ስለዚ ድማ ብዘተ ኢዩ ክፍታሕ ዝግብኦ ዝብል እምነት ሰለዝነበሮ፣ ነዚ ዕግበቱ‘ዚ ዓው ኢሉ ይጣበቀሉ ምንባሩ ይዝከር፡፡ ካብዚ ሓሊፉ‘ውን ኤ ና ስ ና ብዝኮነ ይኩን መንገዲ ኣካል ናይ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ከይከውን ኣትሪሩ ይካታዕ ነበረ፡፡ ኤ ና ስ ኣ ነጻ ማሕበር ኰይኑ ነብሱ ኪኢሉ ከሰርሕ ክንቀሳቀስን ከምዘለዎ ይኣምን ነበረ፡፡ እዚ መርገጺ‘ዚ ድማ ንውለቀ መላኪ ኢሳያስ ፈጺሙ ኣይመቀሮን ፣ ስለዝኮነ ድማ ንጴጥሮስ ንምጥፍኡ ክበላሓት ጀመረ፡፡ ኢሳያስ ንተንኮልን ክፍኣት ግብርን ዘርክቦ የብሉን፣ ተንኰል 10 ዓመታት ቅድሚ ሰብ ኢዩ ዝሓስብ ፣ ተንኰል ግን ኩል ጊዜ ኣይኰነን ንቅድሚት ዘሰጉመካ፡፡ ብዝኰነ ንጴጥሮስ ንሜዳ መታን ክመጽእ ኣብቲ ናይ ሓፋሽ ውድባት ኣሰራርዕኡ ናብ „ውፍይ“ ከምዝድይብ ብምግባር ናይ ኤ ና ስ ኣ ናይ ፖለቲካ ኰሚሽነር ከምዝከውን ገበሮ፡፡ ከም ሓደ ፖሊቲካል ኰሚሽነር ድማ ውፉይ ስለዝኰንካ እቲ ውድብ ዝሃበካ ስራሕ ክትሰርሕን ኣብ ዝመደበካ ቦታ ክትከይድን ትግደድ ኢኻ ማለት ኢዩ፡፡ እዚ ድሕሪ ምግባሩ ድማ ኢሳያስ ንሜዳ ንቁርብ ግዜ ተድልዩና ኣለኹም ኢሉ ሰለስት ተማሃሮ ካብ ኣሜርካ ንሜዳ ክኣትው አዘዘ፡፡  በዚ መሰረት ድማ ጴጥሮስ ዮሃንስን ግርማ ኣስመሮምን ሕጂ ኣምባሳደር ዘሎ ሓደ ሳልሳዮምን ንሜዳ  ኣተዉ፡፡
ጴጥሮስ ግን ሜዳ ምስ ኣተወ ብዙሕ ከይጸንሔ ሽዑ ንሽዑ ኢዩ ተቀቲሉ፣ ብሓደጋ ከምዝሞተ ንምምሳል ድማ ከምዚ ዝስዕብ ጽውጽዋይ መሃዙ፡፡ ጴጥሮስ ምዕባሌታት ክረኢ ደልዩ ኣብ ሜዳ (ብኤነ ተሬ) (N3) ዓበይቲ ናይ ጽዕነት ማኪና እናተጓዕዘ እንከሎ ድቃስ ወሲድዎ ስለዝነበረ ጨዓ ሲሒቡ ኣውዲቅዎ መይቱ፡፡ዝብል ወሬ ኣብ ሜዳ ተነዝሐ፡፡ ኣብ ሜዳ‘ኳ ዝኣምኖም ሰብ ኣይረከቡን፣ ጨዓስ ኣሽንኳይዶ ሰብሲ ነጸለ‘ውን ሲሒባ ክተውድቅ ተራእዩ ስለዘይፈልጥ፡፡ እዚኣ ፍልይ ዝበለት ጽውጽዋይ ኢያ ነይራ፡፡ እንታይ ድኣሞ‘ዮም ክብሉ ? ኣብ ሜዳ ፓላሶታት ኣይነበረን፡፡ ተ ጸሊሉ ኢዩ ነይሩ ክብሉ‘ውን ዝጥዕም ኣይነበረን፡፡
ናብ ኤ ና ስ ኣ ዝተላእከ ወግዓዊ መግለጺ አይነበረን፡፡ ግርማ ኣስመሮም (ኣምባሳደር) ግን ብእዋኑ ሓንቲ ደብዳቤ ጺሒፉ ብጻይና ጴጥሮስ ዮሃንስ ብሓደጋ ሞይቱ ክብል ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር፡፡
እግረ መንገደይ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ካልእ ካብዚ ፍልይ ዝበለ ብዛዕባ ግርማ ኣስመሮም ከሕብር ይደሊ፡፡ እዚ ድማ ኣስቴር ዮሃንስ፣ ባዓልቲ ቤቱ ንጴጥሮስ ሰለሙን ሰብኣያ ምስ ተኣስረ ተገብሮ ጨነቑዋ ናብ ኣምባሳደር ግረማ ኣስመሮም ከያዳ ብዛዕባ ስክፍትኣ ምስ ኣማኸረቶ ፣ ግርማ ኣስመሮም ኢዩ ንኣስቴር ንኤርትራ ክትኣቱ ዘተባብዓ፡፡ „ ዋላ ሓንቲ ኣይትኰንን ኢኺ „  „ዓድኺ ኣቲኺ ድሃይ ሰብኣይኪ ጌርኪ ክትምለሲ ትኽእሊ ኢኺ“ „ ኣነ ዋሕስኪ ኢዬ፣ ንኣይ እመኒኒ“ ኢሉ ንኤርትራ ከምዘፋነዋ ይፍለጥ ፡፡ ኢሳያስ እምበኣር ከምዚኦቶም ዓይነት ከዳዓት ጥራይ ኢዩ ሒዙ ዝጓዓዝ ዘሎ፡፡
ኣብ ህ.ግ ድሕሪ ምስላፍካን ሓዲሽ እንኰሎካን እቲ ብናይ ጸላኢ ጥይት ይቅተል ይከውን ኢየ ዝብል ፍርሒ ቀልጢፉ ኢዩ ዝብህንን፣ ነዚ ድማ ኩላትና ተዳሊናሉ ሓሲብናሉን ዝመጻእና ዓይነት መስዋእቲ ስለዝኰነ  ኢዩ፡፡ ድሕሪ ናብ ህ. ግ. ምስላፍካ እቲ ቀንዲ ዘሰክፈካን ዘፍርሃካን ነገር ግን ብናይ ህ. ግ. ጥይት ከይትጠፍእን ወይ ድማ ኣብቲ ሓለዋ ሰውራ መሽሚሽካ ከይትተርፍን ኢዩ፡፡ ኢዚ ድማ ህይወትካ ጥራይ ዘይኰነስ ሽምካ‘ውን ንዘላኣለም ከምዝድምሰስ ስለዝርድኣካ ኢዩ፡፡ ከም ከዳዕ፣ ሲ.አይ. ኤ (C.I.A.) ፣ ኣድሓርሓሪ ወዘተ…ዝብል ሽም ንዘለኣለም ከምዝልጠፈካ ስለትፈልጥ ድማ ኢካ ትፈርህን ትስከፍን ፡፡
ኣብ  ህ.ግ.ሓ. ኤ ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረስ የሎን፡፡
ኣብ መወዳእታ ድማ ነቶም ሓበሬታ ብምስናቕን ስእሊ ናይ መንግስትኣብ ኢሳቅ ብምልኣክን ከምኡ‘ውን ሞራላዊ ደገፍ  ብምሃብ ዝተሓባበሩኒ ኣዕሩኽተይን ሃገራውያንን  ምስጋናይ የቅርብ፡፡
የማነ ተኸለገርግሽ
27.11.2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
65 COMMENTS
  • yemane November 30, 2013

    ዝኸበርካ ዑቅባይ ገዝረመድህን 30.11.2013
    ብዛዕባ ሓበሬታካን መኤረምታካን የመስግነካ፡፡ ንስኻ ኣብቲ እዋንቲ ኣብ ኣሜርካ ስለዝነበርካን ብርዕን ወረቐትን ክትሕዝ ዝክልክለካ ሰብ ስለዘይነበረን ድማ እቲ መዓልቱን ሰዓቱን ካባይ ንላዕሊ ከምተፈልጦ ኣይተራጠርን ኢየ ፡፡ ኣነ ኣብቲ እዋንቲ ኣብ ሜዳ ስለዝነበርኩን ወረቀትን ብርዒን ሒዝካ ታሪኽ ክትምዝግብ ይፍቀድ ስለዘይነበረን እቲ ትኽክለኛ መዓልቱን ሰዓቱን ምሕባርካ ብጣዕሚ ጽቡቕ ኢዩ ፡፡ እቲ ሓበሬታ ናተይ ዳርጋ 35 ዓመታት ዝገበረ ኰይኑ መብዛሕትኡ ኣብ ሓንጎለይ እምበር ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ኣይነበረን ፡፡ እቲ ጽሑፍ ናይ መንግስትኣብን ሓደ ሓደ ሓበሬታ ናይ ኤ ና ስ ኣ ን ድማ ግድሳት ኤርትራውአን ካብ ኣሜሪካ ክሰዱለይ እንከለዉ ብስልኪን ብዕላልን ስለዝነበረ ፤ ደቒቕን ዝርዝርን ከምዘይኰነ ይኣምን ኢየ፡፡ ብመሰረቱ ግን እቲ ጽሑፍ ሓቅነት ዝሓዘ ምኳኑ እዩ እቲ ኣገዳሲ ነገር፡፡ ኣነ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘሃብኩዎ ቃለ መሕተት‘ ውን እቲ መዓልቱን ስዓቱን ከምኡውን እቲ ቕደም ተኸተል ናይ ፍጻሜታት ክመሓየሽን ክእረምን ዝግብኦ ምኳኑ ሓቢረ ነይረ ኢየ፡፡ ስለዚ እዚ ናይ ኩላትና ሓለፍነት ገይረ ጌይረ ኢየ ዝወስዶ፡፡ ንሓቤሬታካ ድማ የመስግነካ፡፡ እቲ ዕድመ ይከይድ ስለዘሎ በብወገንና እንፈልጦ እንተድኣ ኣስፊርናዮ ጸኒሕና ንመጻኢ ወለዶ (ሙሁራት) ንክመራመሩሉን ሓቅነት ዝሓዘ ታሪኽ ንከጽሕፉን ክጠቕሞም ኢዩ ኢለ ስለዝኣምንን ኢየ፡፡ ኢሳያስ ድማ እቲ ታሪኹን ዝፈጸሞ ግፍዕታትን ገና ብህይወቱ እንከሎ ከሰምዖ ኣለዎ ዝብል እምነት ስለዘሎኒ ግዜ ረኺበ አጸቢቐ ክማራመርን ደቒቁን ሰዓቱ ዝሓለወ ታሪኽ መታን ከቅርብ ኢለ እንተድኣ ከጻርዮ ክፍትን ኰይነ ነዊሕ ግዜ ክወስደለይ ስለዝለዘኰነ እቲ ዕማም ምስ ካልኦት ተማቂልካ ምጅማሩ ይሓይሽ ዝብል እምነት ስለዘሎኒ ኢየ፡፡ ኢሳያስ ንኩሎም ታሪኽ ናይ ኤርትራ ዝፈልጡ ንምጥፋእ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ሕጂ‘ውን ይቅጽሎ ስለዘሎ ግዜ ምውሳድ ኣድላይ ኣይመስለንን ፡፡ እንሆ እዚ ጽሑፍ‘ዚ ድሮ እዃ መካትዒ ኰይኑ ኣሎ፡፡ ብዛዕባ ዓንደብርሃን ወልደገርግሽን ዓንደሚካኤል ካሕሳይን እውን ብኣካል ይፈልጦም ነይረ ኢየ፡፡ ስለዚ ዓንደብርሃን ወልደገርግሽ ኢለ ክእረም ኢየ፡፡ ሓቀኛ ታሪክ ናይ ሂትለር ፣ ማዎጸቱንግን፣ ስታሊንን ምግላጽ ንሳቶም ድሕሪ ምሟቶም ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሩ ስጋብ ሕጂ ይውጽል ኣሎ ፤ በብእዋኑ ድማ ሓደሽቲ ግፍዕታትን በደላቶምን ንሰምዕ ኣሎና፡፡ ፡፡ ኢሳያስ ግን እዚ ናይ ዲጂታል ናይ ኢንተርነት ዘመን ስለዘርከቦ ብውሕዱ ገለ ካብቲ ግፍዕታቱን ዕላሙኡን ሰሚዕዎ እንተከደ ይሓይሽ ዝብል እምነት ስለዞለኒ ምግላጹ ሕማቕ ኰይኑ ኣይስማዓንን ፡፡
    ብዛዕባ ዓንደሚካኤል ካሕሳይ እንታይ ዓይነት ሰብ ነይሩ ንዝብል ሕቶ ክህቦ ዝክእል መልሲ የብለይን፡፡ ኣብ 80ትት ኣብ ሞቃዲሾ ንክልተ ሰሙን ዝከውን ምሳና ነይሩ ፤ ማናልባሽ ፓስፖርቱ ከሐድስ መጺኡ ዝነበረ ይመስለኒ፡፡ ከም ሰብ መጠን ጥዑም ምንባሩ ይፈልጥ ካልእ ግን ብዛዕብኡ ክብሎ ዝክእል ነገር ዘብለይን

    • Semhar December 1, 2013

      Yemane,
      Thank you for the information it’s well done as for ዑቅባይ ገዝረመድህን he should write his own side of the story and his experience in the field instead of criticizing you. In the 70s ዑቅባይ ገዝረመድህን joined the EPLF from the EFLINA but he didn’t last long, he made a u-turn to the U.S.A. but never told his experience in the liberation movement.
      Let ዑቅባይ ገዝረመድህን tell us the story of EFLINA and his experience in the EPLF.

  • MightyEmbasoyra November 30, 2013

    Why are guys wasting your time replying to Diknetu (Habtu)? He is morally bankrupt and his head is depleted. What can you say to a person who supports HGDF at this moment. As they say, you can’t fix stupid. Ignore him.

    • habtu November 30, 2013

      Mightyembasora tsinat yahabka .mihret dima yewridelka eye zibleka zikiel.

  • rezen November 30, 2013

    “ኣብ ህ. ግ .ሓ. ኤ. ዘይተነግረ እምበር፡ ዘይተገብረስ የሎን ። In EPLF there is nothing undone; only untold story. This translation of the Tigrigna gem observation is definitely not poetic. Anybody with a better translation is welcome, please.

    Dear Mr. Yemane Teclegergis,
    Thank you ! As a Teggadalai, you have done a credible superb job in bringing the true but sordid story of the ghedli era – though, for sure, a scratch of the whole horror story of Eritrea. And so, at last, you set yourself free and by doing so you enlightened others to the horror story of the greatest hoax for “liberation”. You deserve heartfelt congratulation on the attainment of your FREEDOM.
    The ‘liberation’adventure of Eritrea consumed over three-hundred thousand (300,000) young Eritreans and left the country completely devastated – all for nothing, at the end! Unbelievable as it may seem, it was a bizarre manifestation of total blind obedience of an entire society. The Jim Jones saga of the People of Temple of San Francisco, United States of America come to mind where nine hundred and nine (909) American citizens at Jones town, Guyana were hypnotized to drink cyanide poising en-mass and sacrificed themselves for a promised better future! We saw it too in the grand scale in Issayas Afeweki’s world!
    Now, the Eritrean people find themselves, in the so-called “liberated” land, between two opposite spears: a) on the right, a dictatorship government; and b) on the left, religious fundamentalism dedicated to the abolishing of Eritrean’s core identity.
    It was not an accident. It was meticulously planned for a long time. While, the dictator, is satisfied with his revenge that Eritrea was made to crawl down flat on its knees; the other vanguard, having succeeded in making Eritrea a Muslim majority country by the separation from Christian Ethiopia, is on its way to be aligned fully with the Arab world. If in doubt, remember the words of a well known blogger who wrote:‘if the neo-Nazi kebessa land grabbers wish to go to mama Ethiopia, they can do so and leave our Eritrea to us.’ It was supplemented by another blogger of the same mind-set in this way: ‘The Muslims are the majority in Eritrea and it is not right for the minority to govern the majority’. For those who are in doubt where Eritrea is heading, please recall the Korenoleous Affair. As a Muslim he ruffled the feathers of the notables so much so that they took drastic and lightening decision at the Addis Ababa, Four-Day Conference against Korenoleous and his party . Nothing else was discussed at that conference!
    Eritrea is unlucky country — or a cursed country, as the wise Eritrean elders used to say when they see unexplainable behaviour. However, leaving aside the strange phenomenon, Eritrea, by all prctical measures, is a dysfunctional state, awaiting for its fate to be forged by external forces – as it has always been accustmed to! This asseration is based on solid historical knowledge of ghedli. Have we not been indoctrinated by ghedli that Eritrea has been colonized by the Pharoes of Egypt, by the Ottoman Empire, by the Italians, by the British and by the Ethiopians? When was the last time that Eritrea was an ‘independent’ state? The answer says it all.

    Finally a suggestion to you, Mr Yemane Tecklegergis: Would it be possible for you to get together with a few serious minded Tegadeltti (not more than three or four) and give a good shot at producing a wider account of the ghedli era in a book form — in Tigrigna, please. And let the Eritrean people be FREE at last and come to terms with their past folly. It will also be invaluable documentary material for future generations—wherever they find themselves scattered all over this planet.
    p.s. I can even suggest a title for the book: “Extraordinary Voyage to Hell and Back” !!!!!

    • Genet December 2, 2013

      Rezen
      “The Liberation adventure of Eritrea consumed over three-hundred thousand young Eritrean and left the country completely devastated all for noting at the end” From the start of EPLF to the current PFDJ, only one and the only man at the top. Eritrea and Eritrean will never ever be any part of Ethiopia. Your assertion of Eritrea is down and out is flat wrong. The undying dream of people, let us run Eritrea in to the ground and soon or later, Tigray will be part of Ertirea is not going to happen.
      Eternal glory to our martyrs!!
      Death to sellouts and invaders!
      Genet

  • Kalighe November 30, 2013

    ” Eritrea, by all prctical measures, is a dysfunctional state, awaiting for its fate to be forged by external forces – as it has always been accustmed to! This asseration is based on solid historical knowledge of ghedli. Have we not been indoctrinated by ghedli that Eritrea has been colonized by the Pharoes of Egypt, by the Ottoman Empire, by the Italians, by the British and by the Ethiopians? When was the last time that Eritrea was an ‘independent’ state? The answer says it all.”

    rezen

    Anta baal beles !! siraxka ghiber !!, leave Eritrea’s affairs to it’s indigenous people, it’s none of your business.

  • GOJAM December 2, 2013

    ZEGERM EIYU NAKEFA KENDEY TARIK & GUD EIYU HIZA ZELA HAKOM ENDIYOM HALENGI SAWERA NEWAHE EIYA KEBLU MAFIA GROOP THANK YOU YEMANE GOOD JOB.

POST A COMMENT